SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

FIFA World Cup preparations ramp up for the Socceroos - ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራልያ (ሶከሩስ) ምድላዋታ ናብ ዋንጫ ዓለም 2026 ተሳልጥ 07.05.2026

The Socceroos are ramping up their World Cup preparations, with just over a month until the 2026 tournament begins in North America. Coach Tony Popovic has a lot to do... and everyone has a lot to look forward to. - ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ - ሶከሩስ - ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክጅምር ልዕሊ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ምድላዋታ ተጠናኽር ኣላ። ኣሰልጣኒ ቶኒ ፖፖቪች ከም ዝገልጾ እታ ጋንታ ብዙሕ ዝስራሕ ኣለዋ. . . ኩልና ከነማዕድዎ ዘለና ድማ...

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ኣጠንቂቓታ (ጸብጻባት ዜና) 07.05.2026

ጸብጻባት ዜና ልኡኽና (07052026) * ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ካብ ኤርትራ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ብጽኑዕ ኣጠንቂቓታ፣ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂባ፣ * ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕሬዝዳንት ትግራይ ኮይኑ ተመሪጹ፣ * ህወሓት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ምላሽ ሂቡ፣ * ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣብ ገለ ወረዳታት ሰፊሕ ግዱድ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ተሰሚዑ፣

ለበዳ ሃንታቫይረስ ንዓለም የሻቕል፡ 06.05.2026

ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እተበገሰት መዛወሪት መርከብ ፡ ብቐታሊ ተላባዒ ሃንታቫይረስ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተለኽፉ ተፈሊጡ ። እዚ ሕማም እዚ ኣብ ሰባት ሳሕቲ ጥራይ ዝርአ ብምዃኑ ፡ እቲ ሕማም ዓለምለኻዊ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ ። ብዛዕባ ኣብታ መርከብ እንታይ ከምዘጋጠመ ፡ ሃንትቫይረስ እንታይ ምዃኑን እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክምልሶ እዩ ።

ኣብ ሰሜን ምብራቕ ሶርያ መዓስከር ኣል-ሮጅ ዝጸንሑ ምስ ጉጅለ ኣይ ኤስ ርክብ ዘለዎም ኣንስትን ቆልዑን ናብ ኣውስትራሊያ ይምለሱ ኣለዉ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (06 ግንቦት 2026) 06.05.2026

** ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዘሎ ውጥረት ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ።... ** መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሰት ድሮን ኣብ ካርቱም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ድሕሪ ምኽሳሳ ኢትዮጵያ ምላሽ ሂባ... ** ህወሓት ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት እቲ ክልል ክኸውን መሪጽዎ ተባሂሉ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (05 ግንቦት 2026) 05.05.2026

** ወጥሪ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ይውስኽ... ** ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ባጀት፡ ምጉዳል ተሳተፍትን ኣብ NDIS ተጠቃሚ ንምዃን መምዘኒ ጸቢብ እንተኾነ’ኳ ምስ ኦቲስም ዝነብሩ ሕጂውን ተጠቀምቲ ክኾኑ ምዃኖም ተገሊጹ ... ** ኣብ ከተማ መቐለ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝወስድ ጽርግያ ነትጒ ከምዝተሰምዐ ቢቢሲ ሓቢሩ።

Are you prepared for Australia’s flu season? - ንወቕቲ ጉንፋዕ (ፍሉ) ኣውስትራሊያ ተዳሊኹም ዶ ኣለኹም? 05.05.2026

Influenza is a highly contagious viral infection. As flu season begins in Australia, here’s what you need to know to protect yourself, your family and the most vulnerable in our community. - ኢንፍሉዌንዛ ልዑል ተላባዒ ቫይረስ እዩ ። ወቕቲ ሰዓል ኣብ ኣውስትራሊያ ክጅምር እንከሎ ፣ ንገዛእ-ርእስኻ ፣ ንስድራቤትካን ኣብ ማሕበረሰብና ልዕሊ ኩሉ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት ንምክልኻል ክንፈልጦ ዘሎና ነገር ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ቀሪቡ ኣሎ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (04 ግንቦት 2026) 04.05.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ዝርከባ 11 ከተማታትን ኣቝሻትን ንዝነብሩ ሰባት ፡ ካብቲ ቦታ ብህጹጽ ክወጹ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ ። 80 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ዝገበረቶ ፈተነ ኣብታ ጃልባ ዝነበራ ክልተ ኣንስቲ ሞይተን ። ኣብ ኩዕሶ እግሪ ፡ ሳም ኬር ኣብ ግጥማት ሱፐር ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ፡ ንቸልሲ ካብ ኩሉ ግዜ ዝለዓለ ኣመዝጋቢት ሸቶ ኮይናትላ ።

ናጽነት ፕረስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንቆልቊሉ፤ ኣብ ኤርትራ ድማ በቲ ዝኸፍአ ደረጃ ይቕጽል ምህላው ተፈሊጡ። (ጸብጻብ) 03.05.2026

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ 38 ጋዜጠኛታት ካብ ሚድያታት ለቒቖምን ተሰዲቶምን ከም ዝወጹ ተሓቢሩ። መበል 19 ሳይንሳዊ ጉባኤ ማሕበር ሞያ ፋርማሲ ኤርትራ ተኻይዱ። ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ዘሎ ምስሕሓብ ደው ክብል ጸዊዖም። ናይ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓገዝ እንተተቋሪጹ “ክሳብ 3.1 ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ንሰብኣዊ ቅልውላው ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም” ክትብል ሴናተር ኣመሪካ ኣጠንቂቓ።

Colombians divided over the fate of hippos linked to Pablo Escobar - ዕሉል ገበነኛ ፓብሎ ኤስኮባር ዝውንኖም ዝነበሩ ጉማሬታት እንታይ ንግበሮም ኣብ ዝብል ኮሎምቢያውያን ተኸፋፊሎም 03.05.2026

Colombia is confronting a unique problem: what to do with a population of hippopotamuses originally linked to Pablo Escobar. The notorious late drug lord became infamous for importing the creatures and establishing a zoo at one of his properties. - ኮሎምቢያ ሓደ ፍሉይ ጸገም ገጢምዋ’ሎ፣ ምስ ፓብሎ ኤስኮባር ቀዲሞም ምትእስሳር ዝነበሮም ጉማሬታት እንታይ ንግበሮም ዝብል። እቲ ዕሉል ወይ ፍሉጥ ጎይታ ምስግጋር ዕጽታት ወይ ሓሽሽ ዝነበረ መዋቲ፣ ነዞም ሓራምዝ ናብ ሃገሩ ብምእታዎምን ኣብ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (30 ሚያዝያ 2026) 30.04.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 30 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና:

ዕለታዊ ዜና Tigrinya ትግርኛ (30 ሚያዝያ 2026) 30.04.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ብምኽንያት እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት ፡ ዝቕባበ ናብ ሰማይ ከምዘዕረጎ ፣ ናይ ፌደራል ተረዠረር ጂም ቻምበርስ ብምግላጽ እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ እናገደደ ክኸይድ ከም ዝኽእል ተኣሚኑ ። ኣብ ለንደን ክልተ ኣይሁዳውያን ሰብኡት ተወጊኦም ፣ ፖሊስ ነቲ ተግባር ግብረ-ሽበራዊ ፍጻመ ገይሩ ሒዝዎ ኣሎ ። ህንዲ ካብቶም ምንጪ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ዝበዝሑ ተቐማጦኣ ኣውስትራሊያውያን ኮይና ኣላ ።

ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ንምንታይ ካብ ኦፐክ ክትወጽእ ወሲና፧ ኣብ ቁጠባ ዓለም ዘምጽኦ ሳዕቤን ከ፧ 29.04.2026

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ፡ ካብ ግንቦት ኣትሒዛ ካብ ዉድብ ናብ ወጻኢ ነዳዲ ዝልእካ ሃገራት ወይ ካብ OPEC ከም እትወጽእ ኣፍሊጣ ። እዚ ውሳነ እዚ ፡ እታ ሀገር ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ዉጥረትን ምስ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዘለዋ ድልዱል ዝምድናን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ ። እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ፡ እቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ብቐጻሊ ዝዕጾ ዘሎን እዚ ናይ ኢማራት ዉሳነ፡ ኣብ ዋጋታት ነዳዲ ዝህልዎ ጽልዋ ክድህስስ እዩ ።

"ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከባቢ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸመሎም ይኽእል እዩ።" ጸብጻብ 29.04.2026

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ፡ ስለ ምምሕያሽ ዝምድናን ኤርትራን ኣመሪካን ንዝቐረበ ወቐሴታ ምላሽ ሂቡሉ። ነባር ቤት ምኽሪ ትግራይ" ናብ ስራሕ ይመለስ ዝብል ውሳነ ከም ዘይቕበሎ ፕረዝደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ደጊሙ ገሊጹ። ህወሓት ብወገኑ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ 'ስልጣን ከረክብ ከም ዝግባእ' ኣፍሊጡ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከባቢ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸመሎም ይኽእል እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (29 ሚያዝያ 2026) 29.04.2026

** ቐጠር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኩለንተናዊ ስምምዕ ሰላም ክግበር እማመ ኣቕሪባ። ** ካብ ሰንበት ንግሆ ኣትሒዙ ኣብ ጥቓ ኣሊስ ስፕሪንግስ ዝጠፍአት ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ። ** ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

#109 Talking about ageing parents (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ SBS: Talking about ageing parents (Med) 29.04.2026

Learn English useful for talking about ageing parents and family responsibilities. Practise everyday phrases for describing challenges, offering help, and discussing how to support parents. - Learn English useful for talking about ageing parents and family responsibilities. Practise everyday phrases for describing challenges, offering help, and discussing how to support parents.

Tips to reduce petrol costs | Fuel in Focus - ጠቓሚ ምኽርታት ዋጋ ነዳዲ ንምጉዳል፡ 28.04.2026

Rising fuel prices are putting pressure on household budgets across Australia, and for many people, it’s changing the way they travel. So what can you do to reduce your fuel costs without giving up your daily routine? Here are some simple, practical ways to save money on petrol. - ናህሪ ዋጋታት ነዳዲ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ ናይ ምነባብሮ ባጀት ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ነቲ ክግብርዎ ዝጸንሑ ኣገባብ መጓዓዝያ ይቕይርዎ ኣለው ። እሞ ደኣ መ...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (28 ሚያዝያ 2026) 28.04.2026

** ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዘኽፍት እማመ ኣቕሪባ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ምስ ኣካላት ጸጥታኡ ይመያየጠሉ ኣሎ። ** ናይ ካሊፎርኒያ መምህር ብፈተነ ቕትለት ፕረሲደንት ኣመሪካ ክሲ ቀሪቡሉ። ** ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሕዱ 19 ሰባት ሞይቶም።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (27 ሚያዝያ 2026) 27.04.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 27 ሚያዝያ 2026 ዘተዳለወ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ።

ካብ መዓስከር ስደተኛ ናብ ዋንነት ትካል ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ዕዉት ጉዕዞ ሰላም ጉዕሽ 27.04.2026

ሰላም ኣብ 2008 ጓል 19 ዓመት ከል'ያ ካብ ኤርትራ ሃዲማ ንኣስጋገርቲ ከፊላ ዶብ ሰጊራ ናብ ሱዳን ኣትያ ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ምስ ጸናሐት ፡ ብ2011 ናብ ሆባርት ፡ ታዝማኒያ ክትኣቱ'ከላ ፣ እንግሊዝኛ ኰነ ዝሓዘቶ ፓስፖርት ኣይነበራን ። ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ገዛ ኣብ ሆባርት ድሕሪ ምጽናሕ ብማሕበረሰበይ ክኽበብ ኣሎኒ ብምባል ናብ መልበርን ግዒዛ ። ብ2020 ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነበረት ሓፍታ ንኸተምጽኣ ሓገዝ ደልያ ናብቲ ዶክተር ብርሃን ዝመርሖ Africause ናብ ፉትስክረይ በጽሐት። ብመገዲ ዶ/ር ብርሃን ኣቢላ ድማ ናይ ጽርየት ስራሕ ትረኽበሉ መገዲ ረኺባ። እቲ...

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (27 ሚያዝያ 2026) 27.04.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ዓበይቲ ሰልፍታት ፖሎቲካ ኣውስትራሊያ ኣንጻር ዓሌትነትን ጽልኢ ስደተኛታትን ተሪር መርገጺ ክወስዱ ጻውዒታት ቀሪቡ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ፖሊስ ንፕረዚደንት ትራምፕን ንዓጀብቱን ዝግበር ሓለዋ ድልዱል ከምዝነበረ ገዛእ ርእሶም ይከላኸሉ። ኬንያዊ ኣትሌት ሳባስትያን ሳው ኣብ ለንደን ኣብ እተገብረ ውድድር ማራቶን ዝጸንሐ ዝለዓለ ናይ ክልተ ሰዓት ጊዜ ማራቶን ብምስባሩ ስሙ ኣብ ታሪኽ ኣመዝጊቡ ።

ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድናአ ዳግም-ከተሐድስን ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 26.04.2026

ኣብ ሱዳን፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘላቒ ሰላም ክሰፍንን ዘተ ክጅምርን ኣብ ካርቱም ዝተመስረተ ዞባዊ ኪዳን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ኤውሮ-እስያ ተሳቲፉ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ትካላት ጥዕና ከምኡ’ውን ኣምቡላንሳት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ስርሖም ከምዘቋረጹ ተሰሚዑ። ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድናአ ዳግም-ከተሐድስን ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ተገሊጹ። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ኣብ ልዕሊ ቤት ማእሰርቲ ብዝተኸፍተ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሰሚዑ።

Attacks continue in southern Lebanon despite three-week ceasefire extension - ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ንሰለስተ ሰሙናት ተናዊሑ ክንሱ መጥቃዕታት ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ይቕጽሉ 26.04.2026

Donald Trump has announced a three-week extension to the ceasefire between Israel and Lebanon during a press conference at the White House. He says he hopes more leadership-level talks will take place over coming weeks, as he seeks to bring the broader conflict with Iran to a close. - ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንሰለስተ ሰሙን ምንውሑ ኣፍሊጡ። ምስ ኢራን ዝካየድ ዘ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (23 ሚያዝያ 2026) 23.04.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 23 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ዜና፡ ትንታነ ዜና፡ ጸብጻብ ልኡኽና፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዝሓዘ እዩ።

'ልዕሊ 600 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ተሰጒጎም'። (ጸብጻብ) 23.04.2026

ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ንፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ዚምባብወ ተቀቢሉ ኣዘራሪቡ። ስልጣኑ ዝተናውሐ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ መዝነቱ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ቴዲ ኣፍሮ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ እዮም ዝተብሃሉ ክልተ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዶም። ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣንን ዕጡቓትን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ እቲ ዞባ ዘየቋረጸ ግህሰት ይፍጽሙ ምህላዎም ሂውማን ራይትስ ዎች ኣቃሊዑ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ብወገኑ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽል ምህላዉ ኣፍሊጡ። 'ልዕሊ 600 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ተሰጒጎም'።

ኣጸጋሚ ግና ዕሽሽ ዘይበሃል ጉዳይ፡ ዓቢ ለውጢ ኣብ NDIS ንምጉዳል ተሳተፍቲን ንመጠፋፋእቲ ዒላማ ዝገበረ ስጉምቲ። 22.04.2026

ሚኒስተር ጥዕና ማርክ በትለር ፡ መንግስቲ ን ሃገራዊ ማዕከን መድሕን ስንኩላን ወይ NDIS ወጻኢታት ንምንካይ ፡ ከም ኣካል ናይ ምምሕያሽ መስርሕ ነቲ ኣገልግሎት ንምርካብ ከምዘጽብቦ ኣፍሊጡ ። መንግስቲ መጠን ዕብየት ናይ NDIS በብዓመቱ ካብ 5 ክሳብ 6 ሚኢታዊ ክንኪ እዩ ዝደሊ ዘሎ ። ሚስተር በትለር ኣብ ሃገራዊ ክለብ ፕረስ ቀሪቡ NDIS ጀመረ ከቢድን ነባርን ስንክልና ንዘለዎም ሰባት ንምድጋፍ ከምዝኾነ እንተኾነ ግን ስፍሓቱ ንብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን ብዙሕ ሓገዝ ንዘየድልዮም ሰባት ንምሽፋን ኣዝዩ ሰፊሑ ኣሎ ኢሉ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ናይ 50 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ፕሮግራም ካብ ምጥፍፋእን ብዙሕ ወጻኢታትን ከድሕኖ...

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.