SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2026) 22.04.2026 5:48
** ምስ ኢራን ተገይሩ ዝጸንሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንዘይተወሰነ ግዜ ከምዘናወሖ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣፍሊጡ... ** ላዕለዋይ ኣዛዚ ሜጀር ጀነራል ኣል-ኑር ኣሕመድ ኣዳም "ኣል-ጉባ" ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ ከዲዑ ንመንግስቲ ሱዳን ኢዱ ሂቡ።... ** ፕረሲደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ስልጣኑ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (21 ሚያዝያ 2026) 21.04.2026 4:48
** ንሰልፊ ዋን ኔሽን ዝወሃብ ደገፍ ይጎድል መራሒት እቲ ሰልፊ ፖሊን ሃንሰን ዓበይቲ ሰልፍታት ንፖሊሲና ስለዝወስዳ ዘለዋ ደገፍ ክረኽቡ ኪኢሎም ትብል። ** ኢራን ምስ ኣመሪካ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ዝግበር ዝርርብ ሰላም ክትሳተፍ ትሓስበሉ ከምዘላ ኣፍሊጣ።... ** ‘ዓርሞሽሽ ሱፐርማርኬት ዉልዎርዝ ፡ ንዓማዊል ብናይ ሓሶት ምጉዳል ዋጋታት ከምዝገብር የታልል ኣሎ’ ንዝብል ዝቐረበሉ ክሲ፡ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክጣበቑሉ እዩ።
The overlooked story: Aboriginal and Torres Strait Islander service on ANZAC Day - እቲ ኣቓልቦ ዘይወሃቦ ታሪኽ: ወተሃራዊ ኣገልግሎት ኣቦርጂናዊያንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራትን ኣብ መዓልቲ ኣንዛክ (ANZAC) 21.04.2026 8:26
Each year Australians gather on ANZAC Day to remember those who served in wars, conflicts and peacekeeping missions. But whose stories are we remembering? Are there stories we don’t always hear? In this episode we explore an important part of Australia’s history that has often been overlooked—the service of Aboriginal and Torres Strait Islander peoples. - ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣውስትራሊያውያን ነቶም ኣብ ውግእን ግጭትን...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (20 ሚያዝያ 2026) 20.04.2026 48:15
ን ሎሚ ሰኑይ 20 ሚያዝያ 2026 ዝተዳለወ ናይ ሓደ ሰዓት መደብ SBS ትግርኛ ።
“ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘድልዮም እንተዝማልኣሎም፡ ተጻወቲ ኤርትራ ብዝወጽእዎ ኣይምጠፍኡን” ነጋ ወልደጊዮርጊስ (ተንታኒን ጋዜጠኛን ስፖርት) 20.04.2026 35:11
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኤርትራ፡ ኣብ ሞሮኮን ኢስዋቲንን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ክልተ እግሪ ቅድመ መጻረዪ ግጥማት ናይቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝእንገድ ውድድር 'ኣፍኮን' ንኤስዋቲኒ ብድምር 4ብ1 ረቲዓታ፡፡ እንተኾነ 7 ተጻወቲ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኢስዋቲኒ ተሪፎም ። ነዚ ክስተት ምኽንያት ብምግባር ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ካበይ ናበይ፧ እታ ብሩህ መጻኢ ዝነበራ ጋንታ እንታይ ዕንቅፋት’ዩ ገጢምዋ፧ ንምንታይ ተጻወቲ ብዝወጽእዎ ይተርፉን ዝብሉን ካልእ ሕቶታትን ተንታኒ ስፖርትን ኣዳላዊ "ነጋ ስፖርት"ን ዝኾነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (20 ሚያዝያ 2026) 20.04.2026 8:13
ኣርእስታት ዜና፥ ግጭት ኢራን ሻሙናይ ሰሙኑ ኣትዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ መሊሱ ንናይ ውሽጢ ሃገር ቅልውላው ቁጠባ ኣጋዲድዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ነቲ ኣንጎላውያን ኣብ ትሕቲ ባርነት ንነዊኅ ዘመናት "ብኸቢድ ጓህን ብዙሕ መከራን" እተሳቐይዎ ዘኪሮም ። ጸሊም ኣመሪካዊ ተዋሳኣይን ኮሜድያን ኤዲ ሙርፊ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዕቑድ ዓመታት መስሓቕን ፊልምን ዘፍረየሉ ሞያ ብምኽባር ናይ ዕድመ ምሉእ ስራሕ ክብሪ ተሸሊሙ ።
Between two homes: Migrant workers in Lebanon roped into social and economic impact of war - ኣብ መንጎ ክልተ ዓድታት: ናይ ደገ ሰራሕተኛታት ኣብ ሊባኖስ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ጽልዋ ኲናት ተኣሲሮም 19.04.2026 11:50
Migrant workers in Lebanon are one of the most vulnerable communities since the war in the Middle East erupted. Experts say they are trapped between the economic impacts of the war, and it's taking a toll on their sense of belonging. - ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ናይ ደገ ሰራሕተኛታት፡ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ካብ’ቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ/ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ማሕበረሰባት እዮም። ኣብ ውሽጢ ቁጠባዊ ጽልዋታት’ቲ ኲናት ተዓጽዮምን ተቐርቂሮምን፡ ዓድናን ቦታናን ድዩ ኣይኮነን ኣብ ዝብል ስ...
ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብፕሪቶርያ ንዝፈረሰ መንግስቲ ዳግም ክቐውም ወሲኑ። (ጸብጻብ) 19.04.2026 10:07
ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብፕሪቶርያ ንዝፈረሰ መንግስቲ ዳግም ክቐውም ወሲኑ። ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ ክብል ኣጠንቂቑ። ኣብ ከተማ መቐለ ብልዕሊ 1.8 ቢልየን ብር በጀት ዝተሃነፀ በዓል 4 ኮኾብ ሆቴል ኪንግደም ተመሪቑ። ኤርትራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትሓድ ካብን ናብን ኣስመራ ሓድሽ መስመር በረራ ከፊቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ወረቐት ስራሕ ሸውዓተ ኣምባሳደራት ተቐቢሉ።
"ሱዳን ንኽልተ ተመቒላ'ያ፡ ናብቲ ዝነበረቶ ክትምለስ'ውን ዝከኣል ኣይመስልን።" ቅልውላውን ራብዓይ ዓመቱ ዝሓዘ ሓድሕድ ኲናት ሱዳንን 16.04.2026 8:09
ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ራብዓይ ዓመቱ ሒዙ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ ገሊኦም ዜጋታት ብሰንኪ ሕጽረት ረድኤት ፡ "ኣጸጋሚ ናይ ምንባር ስትራተጂ" ክኣትዉ ተገዲዶም ኣለዉ። ንሰለስተ ዓመት ብዘስካሕክሕ ኩነታት እተኻየደ ኲናት ፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፡ ከምኡ እውን ናይ ወጻኢ ረድኤት ደው ምባል ፡ ሱዳን "ኣብ ገምገም ምፍራስ" ገይርዋ እዩ ። ክብል ናይ ቀደም ሚኒስተር ሱዳን ገሊጹ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (16 ሚያዝያ 2026) 16.04.2026 49:53
ን ሎሚ ሓሙስ 16 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥
ግብጺ ንልኡላውነት፡ ሓድነትን ጸጥታን ኤርትራ ምሉእ ደገፋ ከም እትህብ' ኣፍሊጣ ። (ጸብጻብ) 15.04.2026 7:23
ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ግብጺ ኣብ ምዕዛዝ ዝምድናታት ተዘራሪቡ። ግብጺ ንልኡላውነት፡ ሓድነትን ጸጥታን ኤርትራ ምሉእ ደገፋ ከም እትህብ' ኣፍሊጣ ኣላ። ጀነራል ታደሰ ወረደ ደኺሞም ደቂሶም 'ንዓድና ምለሰና' ካብ ዝበሉዎ ተመዛበልቲ ብዙሓት ከም ዝሞቱ ከም ዘረጋገጸ ተዛሪቡ። ናይ ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ይትባረክ ዳዊት ዝተባህለ ውልቀሰብ ሓዊሱ ብገበን ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተጠረጠሩ 11 ሰባት ክሲ ከም ዝመስረተ ኣፍሊጡ።
"ካልኣይ ዙር ዝርርብ ኣመሪካ ኢራን ኣብ ፓኪስታን ክግበር ይኽእል'ዩ።" ፕ/ትራምፕ። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (15 ሚያዝያ 2026) 15.04.2026 4:25
** ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ወተህደራዊ መፍትሒ የብሉን ክብል ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ፣ ** ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ... ** ጋንታታት ፓሪስ ሰይንት ጀርመይንን ኣትለቲኮ ማድሪድን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፒዮን ሊግ ሓሊፈን።
#108 Talking about the cost of living - ዝርርብ ብዛዕባ ክብሪ መነባብሮ Talking about the cost of living ትምህርቲ ቋንቋ ንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ 15.04.2026 8:33
Learn English useful for talking about money, expenses, and financial pressure. Practise everyday phrases for describing rising costs, managing a budget, and explaining financial challenges. - ብዛዕባ ገንዘብ፡ ወጻኢታትን ፋይናንሲያዊ ጸቕጥን ዝምልከት ብእግሊዝኛ ንምዝርራብ ዝጠቕሙና ሓሳባት ኣብዚ ክንመሃር ኢና። Learn English useful for talking about money, expenses, and financial pressure. Practise everyday phrases for describing rising cos...
Women’s legal services in Australia: Understanding your options - ኣገልግሎት ሕጋዊ ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኣውስትራሊያ: 14.04.2026 9:14
Workplace discrimination, gender-based violence and financial inequality—these are just some of the reasons why women need dedicated legal services. You don’t have to navigate the legal system alone. In Australia, free legal services exist to advocate for vulnerable women in ways that are safe, confidential and culturally appropriate. - ኣብ ስራሕ ቦታ ኣድልዎ ፣ ኣብ ጾታ ዝተመርኰሰ ዓመጽን ገንዘባዊ ዘይማዕርነትን ፣ ገለ ካብቲ ደቂ...
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፡ ንፈለማ ግዜ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይበጽሑ ኣለዉ ... ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (14 ሚያዝያ 2026) 13.04.2026 5:18
** ኣብ ተሂራን ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ህዝቢ ኣመሪካ ትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ምዕጻው መጻብቦ ሀርሙዝ ንምቅዋም ወጺኦም። ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፡ ንፈለማ ግዜ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይበጽሑ ኣለዉ ።... ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ብሰንኪ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጽእ ዘሎ ቅልውላው ጸዓት ብዝተሓሓዝ፡ ቀረብ ነዳዲ ንምምላእ ሎሚ [ሰሉስ] ናብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ይጐዓዝ ኣሎ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ 13.04.2026 50:05
ን ሎሚ ሰኑይ 13 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም በዓል ትንሳኤ ኣብ ምብዓል ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ መልበርን ዝኾኑ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያኖምን ጾምን በዓለ ትንሳኤን መብርሂ ዝሃቡና ናባኹም ከነብሎ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ በዓል ትንሳኤ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንበይናዊ እገዳ...
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (13 ሚያዝያ 2026) 13.04.2026 7:48
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ፓኪስታን እተኻየደ ዝርርብ ሰላም ብዘይ ስምምዕ ድሕሪ ምዝዛሙ ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንመጻብቦ ሆርሙዝ "ብቕጽበት" ክዕገት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣዞዙ ። ኣብ ሃንጋሪ እተገብረ ባይቶኣዊ ምርጫ እታ ሃገር ፡ ናይ ፒተር ማጋር ሰልፊ ቲሳው ከምዝሰዓረ ድሕሪ ምፍላጡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ስዕረቱ ተቐቢሉ። ኣብ ቅድድም ብሽክለታ፡ ቤልጁማዊ ዋት ቫን ኣርት ነቲ ናይ ዓለም ሻምፕዮን ዝኾነ ታድ ፖጋቻ ብምቕዳም ኣብ ዉድድር ፓሪስ ሮይ ተዓዊቱ።
ፓኪስታን ኣብ ዘተ ሰላም ኣሜሪካ-ኢራን ከመይ ኢላ’ያ ዘይትጽቢታዊት ሸምጋሊት ኮይና 12.04.2026 8:11
[እቶም ዝርርባት ድሒሮም እንተዘይሰለጡ'ኳ] ፓኪስታን ነቲ ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ደው ክብል ንምግባር ክትሽምግል ተስፋ ገይራትሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ሰብ መዚ ኣሜሪካን ኢራንን ኣብ ከተማ ኢስላማባድ ተራኺቦም። ተኣፋፊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምውሓስ ዝግበሩ ጻዕርታት ድሕሪ ምምራሓን ኣብ ዋና ከተማኣ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎም ዝርርባት ሰላም ብምእንጋድ ፓኪስታን ትጽቢት ዘይተገብረላ ሸምጋሊት ኣብ መንጎ ኢራንን ኣሜሪካን ኮይና ተቐልቂላ’ላ።
በዓል ትንሳኤ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ። (ጸብጻብ) 12.04.2026 10:33
በዓል ትንሳኤ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንበይናዊ እገዳታት ነቐፌታ ኣቕሪቡ። ተራ ቻይና ኣብ ዓለምለኻዊን ዞባዊን ጉዳያት ክዓቢ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጸዊዑ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ ግህሰት ይፍጸም ኣሎ ክብል ተቓዋሚ ውድብ ዲሞክራሲ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ፡ ከሲሱ። ዋጋ ብር ኢትዮጵያ ብደረጃ ኣፍሪቃ ብ18 ሚእታዊት ብምንካይ ድኹም ኮይኑ ተመዝጊቡ። ምንዋሕ ዕድመ ፕረዚደንት ትግራይ "ሕጋዊነት" ኣለዎ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንት ፕረዚደንት እስማኤል ዑመር ጉሌ ንሻድሻይ ጊዜ ተዓዊቱ
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2026) 09.04.2026 53:24
ን ሎሚ ሓሙስ 09 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ፈለማ ህዝብታት ኣቦርጂንን ቶረስ ኣይላንደርን ጥንታዊያን ወነንቲ ነዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ባህላውያን ወነንቱ ምዃኖም ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፡ በዚ ድማ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ውራንጁሪን ዋይውራን ናይ ሀገረ ኩሊንን ዝሓለፉን ዘለዉን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም ድሮ ምቕባል በዓል ትንሳኤ ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስት...
"ዓላማ ቤተ ክርስትያን፡ መንፈሳዊ ሓርነትን ሓቅን ክትሰብኽ ከምኡ'ውን ምህናጽ ወለዶን'ዩ።" ቃለ መሕትት ምስ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ 09.04.2026 27:11
ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም ድሮ ምቕባል በዓል ትንሳኤ ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ መልበርን ዝኾኑ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያኖምን ጾምን በዓለ ትንሳኤን መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2026) 09.04.2026 9:03
ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ነቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ መጥቃዕትታት ምላሽ ንምሃብ ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ከም ዝዓጸወቶ ተፈሊጡ ። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝግበር ኲናት ንሓጺር እዋን ደው እኳ እንተ በለ ፡ ወነንቲ ተሽከርከርቲ ፡ ዋጋ ነዳዲ ንኽጎድል ንኣዋርሕ ክጽበዩ ከምዝኾኑ ተገሊጹ። ዶክተራት መጠን ክታበት ብምጉዳሉ ኣውስትራሊያ ካልእ ኣገዳሲ ወቕቲ ሰዓል ከይተዳለወት ተሪፋ ኣላ ክብሉ ኣጠንቂቖም።
"ምሕደራ ቀይሕ ባሕሪ ግቡእን ሓቛፍን ክኸውን ይግባእ" ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቫይስ ኣድሚራል (ጸብጻብ) 08.04.2026 8:02
ሹመት ፕረዚደንት ትግራይ ጄ/ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ተመያይጡ። መበል 4ይ ጉባኤ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሓደ መዓልቲ 3 ሰበ-ሞያ ጥዕና ከምዝተቐተሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ትካል ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ብ60 ሚእታዊት ከምዝነከየ፡ ኣፍሊጡ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማኤል ዑመር ጉሌ ንተወሳኺ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ይሸባሸብ ኣሎ ተባሂሉ።
ሓድሽ ርኽበታት ወርሒ ብጠፈርተኛታት ኣርጢሜስ ክልተ፡ 08.04.2026 7:45
ኣርተሚስ ዳግማይ ጠፈርተኛታት ሒዛ፡ ልዕሊ’ቲ ኣፖሎ 13 ዝበጽሓቶ ዝያዳ፡ ደቂ ሰብ ካብ መሬት ወጺኦም ክበጽሕዎ ዝኽእሉ ርሕቀት መዝገብ ክብረ ወሰን ሰይራ ኣብ ከባቢ ወርሒ በጺሓ ናብ መሬት ገጻ ትምለስ ኣላ። እቶም ጠፈርተኛታት ወርሒ ካብቲ ጸላም ጎድና 4000 ኪሎ ሜተር ልዕሊኣ: ርሒቖም ኵዕሶ ሰኪዔት እትመስል ምድሪ ኰይና ክትርአ ከላ ክርእዩ ኪኢሎም ኣለዉ ።
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (08 ሚያዝያ 2026) 07.04.2026 5:03
** ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ክውስዶ ዝሓሰቦ ስጉምቲ ዘውጽኦ ናይ ግዜ ገደብ ከናውሕ ጸዊዒት ቀሪቡ ።... ** ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ናይ ልዕሊ 100 ሰባት ሞትን ንልዕሊ 50 ደቀንስትዮ ክዕመጻ ምኽንያት ዝዀነን "ብሞት ዝሕተት” ዝበሎ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተወ ገሊጹ... ** ኣውስትራሊያውያን ብሰንኪ ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝሰዓበ ቅልውላው ነዳዲ ናይ ኤሌክትሪክ ማካይን ንምዕዳግ ይጓየዩ ኣለዉ.:
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.