SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Be sure to visit the podcast's website and support the creator: www.sbs.com.au
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
መጠን ዝቕባበ ጎዲሉ፡ ናህሪ ዋጋታት ግና ሕጂ'ውን ልዑል'ዩ ዘሎ፡ 29.07.2026 5:04
መጠን ዝቕባበ ኣውስትራሊያ ኣንቈልቊሉ እዩ ዘሎ: እንተዀነ ግን ጸቕጥታት ክብሪ ዋጋ ገና ልዑል እዩ ዘሎ ። እዚ ኣሃዛት እዚ ሓድሽ ዝመጸ ናይ ሪሰርቭ ባንክ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን ወለድ ስለምንታይ ከም ዝውስኽ ወይ ነቲ መጠን ዝቕባበ ብኸመይ ከም ዝወርድ ከምዘይርድ ኦም ኣብ ዝተፈልጠሉ እዋን እዩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ምእካብ ባጤራ ናቕፋን ኣብ ዕዳጋ ፈጢርዎ ዘሎ ሻቕሎትን፡ (ጸብጻብ) 29.07.2026 8:22
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ምስ ኤርትራን ግብጽን ዝግበር ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ብዕዳጋ ዝምራሕ ስርዓት ሸርፊ ወጻኢ ድኽነት ኣብ ክንዲ ዘጉድል ከም ዘጋደደ ሰነድ ፖሊሲ ባንኪ ሓቢሩ። ኣብ ኤርትራ፡ ብሰንኪ መምርሒ ባጤራ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብመሸጣ ቲኬት ዝረኸቦ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ገንዘብ ካብ ኤርትራ እትርከበን ሰለስተ ሃገራት ከውጽእ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሳዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ናይ ቆንስላ ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ጣልቃ ንኽኣቱ ሂውማን ራይትስ ዎች ሓቲቱ።
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (29 ሓምለ 2026) 29.07.2026 4:52
** ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ንምኽፋት ሓድሽ እማመ ኣቕሪባ... ** ኣመልከቲ ቪዛ ብዛዕባ ጸረ ሴማውነት ዘለዎም ኣረኣእያ ምግምጋም ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ሓላፊት ኢሚግሬሽን ኣውስትራሊያ ገሊጻ... ** ኣብ 2025 ዝወሃቡ ናይ ሓዳር ፍትሕ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ 4.1 ሚኢታዊ ናብ 49,148 ክብ ከምዝበለ ተሓቢሩ።
What is the Garma Festival and why is it important? - ፈስቲቫል ጋርማ እንታይ'ዩ ኣገዳስነቱ'ኸ፧ 29.07.2026 7:10
The Garma Festival is Australia’s largest Indigenous cultural gathering where thousands of people travel to a remote town in Nhulunbuy on northeast Arnhem Land in the Northern Territory. Here's what happens at Garma and who can attend. - ፈስቲቫል ጋርማ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ እቲ ዝዓበየ ናይ ደቀባት ባህላዊ ምትእኽኻብ ኰይኑ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣርነም ላንድ እትርከብ ከተማ ኑሁሉንባ ይጐዓዙ ። ኣብ ጋርማ እንታይ ከም ዝኸውንን መን ኣብኡ ክርከብ ከም ዝኽእልን...
ካብ ስደተኛ ናብ ላዕለዋይ ኪኢላ ስርዓተ-ማይ መንግስቲ ኲንስላንድ፥ ዕዉት ጉዕዞ ትምህርትን ስራሕን ኢ/ር ክብሮም ወልዳይ 27.07.2026 36:50
ኢንጂኔር ክብሮም ወልዳይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስዛዘመ ካብ ኣስመራ ናብ ጂማ ብምኻድ ከባብያዊ ጥዕና ኣጽኒዑ። ናብ ኣስመራ ተመሊሱ ኣብ ስራሕ ድሕሪ ምጽናሕን ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብ ሲቪል ኢንጂኔሪን ተመሪቑ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ፓሲፊክ ንዓመታት ምስ ዩኒሴፍ ድሕሪ ምስራሕ ናብ ኣውስትራሊያ መጺኡ ብምሕደራ ማይ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ኣጽኒዑ። ኣብ ኣውስትራሊያ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሓት ተዋፊሩ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ ላዕለዋይ ኪኢላ ምሕደራ ማይ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ኢንጂኔር ክብሮም ዝሓለፎም ናይ ትምህርቲን ስራሕን ጉዕዞ ልሙጽ ኣይኮነን ግና ንኹሉ መሰናኽላት ሰጊሩ ሎሚ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ስራ...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (28 ሓምለ 2026) 27.07.2026 5:13
** ኢራን ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቀጥታዊ ዘተ ኣይተገብረን ትብል፡ ዶናልድ ትራምፕ ንዲፕሎማሲ ዕድል ክህብ’የ ይብል። ** ኣውስትራሊያን ሲንጋፖርን ብዛዕባ ዉሕስነት ነዳዲ ዝምልከት ዉዕል ተፈራሪመን። ** ሰራዊት ሱዳን ኣብ ግዝኣት ሰሜን ኮርዶፋ ንዝርከባ ወሰንቲ ከተማታትን ስትራተጅያዊ ቦታታትን ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ።
ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (27 ሓምለ 2026) 27.07.2026 49:23
ንሎሚ 27 ሓምለ 2026 ዝተዳለወ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (27 ሓምለ 2026) 27.07.2026 10:04
ኣርእስታት ዜና፥ ነቲ ኣብ በርሊን ኣብ ዝግበር ዝነበረ በዓል ፕራይድ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ዝቐተለን 29 ድማ ዘቑሰለን ጥርጡር ብጥይት ፖሊስ ከም ዝተቐትለ ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ ። ምምሕዳር ትራምፕ ንዲፕሎማሲ ዕድል ክህብ ብምባል እቲ ኣብ መንጎ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ፡ ደው ካብ ዝብል ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ ። ታዴይ ፖክጃ ኣብ ቱር ደ ፍራንስ ንሓሙሻይ ግዜ ተዓዊቱ ።
ሓላፊ ቢሮ ፀጥታ ትግራይ ጀነራል ፍስሃ ማንጁስ ካብ ሓላፍነቱ ተኣልዩ። (ጸብጻብ) 26.07.2026 6:21
በጀት ትግራይ ልዕሊ 65 ቢልዮን ብር ኮይኑ ፀዲቑ። ሓላፊ ቢሮ ፀጥታ ትግራይ ጀነራል ፍስሃ ማንጁስ ካብ ሓላፍነቱ ተኣልዩ። ዓለምለኸ ፕሮግራም መግቢ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዛቱ ንምቕጻል 182 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ። ኮለጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ 114 ተመሃሮ ብዝተፈላለየ ማዕርግ ኣመሪቑ። ብርቱዕ ምዝባዕ ነባሪ ኣየር ዘንቀሎ "ሱፐር ኤል ኒኖ» ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ 20 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ቁጠባዊ ጉድኣት ከስዕብ ከም ዝኽእል ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣጠንቂቑ።
'ተዓዊትናሉ! ፈጺምናዮ!' ምንቅስቓስ ‘ድዱዕ’ ናይ ህንዲ ዓቢይ ዓወት ኣመዝጊቡ 26.07.2026 4:06
ምውራድ ካብ ስልጣን ሓደ ሚኒስተር፣ ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ ጠለባት’ቲ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ንህንዲ ዝዓብለላ ዓቢይ ምረሻ ተቓውሞ ኣማሊኡ’ሎ።
ካብ ዋንጫ ዓለም ብፍሉይ ንዝክሮም ኣየኖት'ዮም፧ ሓደስቲ ሕግታት ንመቐረት ጸወታ ለዊጦሞ ድዮም፧ ብዝሒ ተሳተፍቲ ሃገራት ከ፧ ትንታነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ 25.07.2026 30:15
ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2026 ብዓወት ስፐይን ከምዝተዛዘመ ዝዝከር'ዩ። ስፐይን 'ብቑዓትን ዝግበኦም ተዓወትን' ተባሂሎም ብብዙሓት ይግለጹ። ኣብ ፍጻመ ዝተሳዕሩ ኣርጀንቲና ግን ኣብ’ቲ መዓልቲ፣ ግጥም፣ ምዱብ ግዚኡ ክዛዘም ኣብ ዝቐረበሉ ኣከፋፋሊኦም ኤንዞ ፈርናንደዝ ብክልተ ቢጫ ካርድታት ካብ ሜዳ ብቐይሕ ተሰጒጉ ብ10 ተጻወቲ ክቕጽሉ ተገዲዶም። ነዚ መዝሚዞም ድማ ስፐይን ብፌራን ቶረስ ኣቢሎም ተዐውቶም ሽቶ ኣመዝጊቦም። እቲ ምልኩዕ ጸወታ ኢልና ንጽውዖ ኩዕሶ እግሪ ኣብ መወዳእትኡ ተዓዊቱ እንተወጸ'ኳ ነባሪ ተዘክሮ ወይ ሓድጊ ናይ'ዚ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ዘአንገደኦ ታሪኻዊ ውራይ ግን እንታይ ክኸውን'...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (23 ሓምለ 2026) 23.07.2026 52:59
ንሎሚ 23 ሓምለ 2026 ዝተዳለወ ናይ ሓደ ሰዓት መደብ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (23 ሓምለ 2026) 23.07.2026 11:58
ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ምስ ስዑዲ ዓረብ እትገብሮ ዓብዪ ኑክልየሳዊ ስምምዕ ንምጽዳቕ ትዳሎ ኣላ: በዚ ስምምዕ ኩባንያታት ኣመሪካ ኣብታ ንግስነት ኒክለሳዊ ኣጽዋር ከማዕብላን ከካይዳን እየን። ክፍሊ ጥዕና ፈደራል ፡ ሰባት ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ዘጋጥም ደገፍ ክደልዩ ንምትብባዕ ፡ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ሓድሽ ናይ ኣፍልጦ ወፍሪ ኣበጊሱ ኣሎ ። ናይ ቀደም ሓለቓ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ፡ ሶኮሩስ ፖል ዋደ Paul Wade ሕማም encephalopathy ወይ CTE ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።
#115 Working on the side (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS ትግርኛ#115 ተወሳኺ ስራሕ ምስራሕ፥ Working on the side (Med) 22.07.2026 10:20
Learn English useful for talking about side hustles and earning extra income. Practise everyday phrases for describing additional work, managing responsibilities, and talking about money. - ብዛዕባ ጐድናዊ ስራሕ ተወሳኺ እቶት ንምርካብ ዝምልከት ንምዝርራብ ዝሕግዝ ኣበሃህላታት ብእንግሊዝኛ ንምሃር ። ብዛዕባ ተወሳኺ ስራሕ ክትገልጽን ሓላፍነታትካ ንኽትቈጻጸርን ብዛዕባ ገንዘብ ኽትዛረብን ከለኻ ፡ ጥጥቀመሎም መዓልታዊ ሓረጋት ንለማመድ። Learn English useful for talking about side hustles an...
ኤርትራዊ ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም ኣብ መበል 83 ዓመቱ ዓሪፉ፥ (ጸብጻብ) 22.07.2026 10:15
ኤርትራዊ ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም ኣብ መበል 83 ዓመቱ ዓሪፉ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ካልእ ሓድሽ ዘስካሕክሕ ኲናት ከይውላዕ ንምክልኻል ዝዓለመ ናብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ደብዳበ ጽሒፉ። ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም 17 'ሓደገኛታት' ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ዕላዊ ገይሩ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ተመያዪጦም።
ኣውሮጳ ብማዕበል ሙቐት ትልብለብ: 22.07.2026 7:13
ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ ብሰንኪ ሓያል ሃሩር ፡ ይልብለባ ኣለዋ። በዚ ከኣ ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ባርዕ መሮር ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ ። ኣብ ዓለም ብቅልጡፍ ትመዉቕ ዘላ ኣህጉር ኤውሮጳ ፡ ብሰንኪ'ቲ ዘሎ ዋዒ ፡ ብድርቅን ኣዕናዊ ባርዕ ዱርን ኣዝያ ትጥቃዕ ኣላ ።
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (22 ሓምለ 2026) 22.07.2026 4:57
** ኣብ ዩክሬን ህዝቢ ናይ ተቓዉሞ ሰላማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምግባሩ ሓድሽ ኣዛዚ ሰራዊት ተሸይሙ... ** ቻይና ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ትፍጽሞ ዘላ ተግባራት "ምርግጋእ ዝዘርግን ሓደገኛን ተግባር'ዩ" ክትብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራሊያ ፔኒ ዎንግ ገሊጻ።... ** ኣብ ወስት ኣውስትራሊያ ሓደ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ፡ንኣዲኡ ብኻራ ወጊኡ ብምቕታልን ነታ 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ሓፍቱ ኣቚሲሉ ተባሂሉ ተኣሲሩ።
When can my teenager start work in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ መንእሰይ ዉሉደይ መዓስ'ዩ ስራሕ ክጅምር ዝኽእል? 21.07.2026 8:12
Teenagers in Australia can undertake paid work under certain restrictions, with general employment rights also protecting young workers. Here’s what you need to know as a parent or guardian of a worker under 18. - ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ዘለዉ መናእሰይ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰነ ቀይድታት እናተኸፍሉ ስራሕ ክሰርሑ ይኽእሉ ሓፈሻዊ ናይ ስራሕ መሰላት ንመንእሰያት ሰራሕተኛታት ውሕስነት ዝህብን'ውን እዩ ። ከም ወላዲ ወይ ኣላዪ ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ሰራሕተኛ መጠን ክትፈልጥዎ ዘሎኩም ነገራት ኣብዚ ትሕዝቶ ቐሪቡ ኣ...
ሖቲ ናይ የመን ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ሱዕዲ ዓደብ ዕጽዋ ኣዊጁ (ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (21 ሓምለ 2026) 21.07.2026 4:20
** ኣብ የመን ዝርከብ ብ ኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ሖቲ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ሱዕዲ ዕጽዋ ኣዊጁ። ** ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኣንዲ በርሃም ቀዳማይ ካቢኔኡ ሸይሙ... ** ዋንጫ ዓለም 2026 ዝተዓወተት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ስጳኛ ኣብ ማድሪድ ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢን መራሕትን ተቐቢሎማ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (20 ሓምለ 2026) 20.07.2026 48:02
ን ሎሚ ሰኑይ 20 ሓምለ 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብ።
ስጳኛ ን ኣርጀንቲና 1-0 ብምስዓር ኣኽሊል ሻምፒዮን ዓለም ደፊኣ። 20.07.2026 5:25
ድሕሪ ናይ 104 ግጥማት ን ሓደ ወርሒ ዘይርሳዕ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ፡ ስጳኛ ንኣርጀንቲና 1ብ0 ብምስዓር ነቲ ዝዓበየ ሽልማት ኩዕሶ እግሪ ንዋንጫ ዓለም 2026 ክትወስድ ክኢላ ኣላ ። እዚ ጽሟቕ ናይ መወዳእታ ዋንጫ ዓለም ጸብጻብ እዩ ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (20 ሓምለ 2026) 20.07.2026 10:15
ኣርእስታት ዜና፥ ስምምዕ ተዂሲ ካብዝፈርስ ንዳሓር ንፈለማ ሰራዊት ኣመሪካ ኣባላቱ ድሕሪ ምስኣኑ ኣመሪካ 'ንቴህራን ብኸቢድ ክምትቐጽዓ' ዋሽንግተን ኣጠንቂቓ። ሰልፊ ጥምረት ነቲ መንግስቲ ብዛዕባ እስላሞፎብያ (ጽልኣት ኣብ ልዕሊ እስልምና) ኣብ ኣውስትራልያ ዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ መንግስቲ ዝሃቦ ምላሽ፡ ይምርምሮን ኣብ ቀረባ ምላሽ ከምዝህበሉን ገሊጹ ። ስጳኛ ኣንጻር ኣርጀንቲና ኣብ ተወሳኺ ግዜ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ኣብ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ተዓዋቲት ኮይና ።
ኤርትራን ኣሜሪካን "ኣድማዒ" ዘተ ኣካይደን ተባሂሉ። (ጸብጻብ) 19.07.2026 9:10
ኤርትራ፣ ግብጽን ሶማልን ኣብ ጉዳይ ዞባዊ ምትእስሳር ብዛዕባ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዛትየን። መራሒ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ ኣብ መንጎ መራሕቲ ትግራይን ፌደራልን ዝግበሩ ዘለዉ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት 'ግዜ መግዝኢ' እዮም ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ተዛሪቡ። ኣብቲ ክልል ናይ መኸተ ምድላዋት ሓይሉ ከም ዝቕጽል ውን ኣፍሊጡ። ኣብ ትግራይ "ግፋ ደው ይበል፡ ሰላም ይንገስ" ብዝብል መሪሕ ቃል ኣንጻር ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ መሪሕነት ሰልፊ ተኻይዱ።
"ድኽመት ፈረንሳ መወዳእታ እዋናት ኣሰልጣኒ ደሻምፕ ዘመልክት'ዩ፣ ጸገም እንግሊዛውያን ድማ ንጹር መንነት ኣጸዋውታ ክህልዎም ዘይምኽኣሉ'ዩ፣" ትንታነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ 18.07.2026 32:01
ክቡራት ሰማዕትና ከመይ ትኾኑ! ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2026 ናብ ፍጻመ ገጹ ኣቕኒዑ ይርከብ። ሰሉስ ስፐይንን ፈረንሳን ኣብ ዘካየደኦ ቀዳማይ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ስፐይን ብዘተኣማምን ክበሃል ዝከኣል 2-0 ተዓዊታ፡ ሽቶታታ ድማ ሚከል ኦያርዛባልን ፔድሮ ፖሮን ኣመዝጊቦመን። ሮቡዕ ኣርጀንቲናን እንግሊዝን ኣብ ዘካየደኦ እቲ ካልኣይ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ እንግሊዝ ካልኣይ ክፋል ነዊሕ ከይከደ ብኣንቶኒ ጎርደን ኣቢላ ብዘመዝገበታ ሽቶ ክትመርሕ እንተወዓለት'ኳ ግጥም ክዛዘም 5 ደቒቕ ምስ ተረፎ ብኤንዞ ፈርናንደዝ፣ ኣብ ተወሳኺ ደቓይቕ ድማ ተቐይሩ ብዝኣተወ ሎውታሮ ማርቲነዝ ኣቢላ ኣርጀንቲና ተኣምራታዊ ዓወት ኣመዝጊባ። መሲ ሒዝካ እንታ...
ኣርጀንቲና ን እንግሊዝ ስዒራ ኣብ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ኣንጻር ስጳኛ ክትገጥም እያ። 16.07.2026 3:13
ኣርጀንቲና ን እንግሊዝ ብዘደንቕ ጸወታ 2ብ1 ስዒራታ ፣ ሊዮነል መሲ ድማ በቲ ንተዓዘብቲ ዘገረመ ጥበብ ኣጸዋውታኡ ነታ ጋንታ ናብ ፍጻመ ኣብቂዕዋ። እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ መበል 35 መዓልቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ ።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.