SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ቀጥታ ምሉእ SBS ትሕዝቶ ትግርኛ ፖድካስት (09 ሓምለ 2026) 09.07.2026 49:04
ን ሎሚ ሓሙስ 9 ሓምለ 2026 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዚ ዝስዕብ እዩ፥
ዋንጫ ዓለም ፊፋ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ሞሮኮን ፡ ብዝግበር ዉድድር ርብዒ ፍጻመ ክጅመር እዩ። 09.07.2026 3:59
ዋንጫ ዓለም ፊፋ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ሞሮኮን ፡ ብዝግበር ዉድድር ርብዒ ፍጻመ ክጅመር እዩ። ክልቲኤን ሃገራት ኣብ 2022 ቐጠር ኣብዝተገብረ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ተራኺበን ፈረንሳ ስዒራ ኔራ። ሞሮኮ ሕነኣ ትፈዲ ዶ ትኸውን ወይስ ፈረንሳ ነቲ ዓወት ክትደግሞ እያ ? እዚ ጽሟቕ ናይ መበል 28 መዓልቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (09 ሓምለ 2026) 09.07.2026 10:31
ኣርእስታት ዜና፥ ዴንማርክ ንግሪንላንድ ካብ ወረራ ኣመሪካ ንምክልኻል ድልውቲ ምዃና ገሊጻ። ተልስትራ ፡ እቲ ናይ መራኸቢ መርበቡ ከምዝተዓረየ ገሊጹ። እቲ ትማሊ ዘጋጠመ ምቁራጽ መርበብ ብደረጃ ሃገር ኣገልግሎት ሞባይል ፡ ስርዓተ መጓዓዝያ ባቡርን ገለ ናይ ትሪፕል ዜሮ ምድዋልን ተዓናቒፉ ዊዒሉ እዩ። ኣርጀንቲና ኣንጻር ግብጺ ገጢማ ምስሰዓረትን ስዊዘርላንድ ብፍጹም ቅላዕ መጥቃዕቲ ንኮሎምቢያ ምስ ሰዓረትን ኩለን ናብ ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝሓለፋ ሃገራት ተፈሊጠን።
ግብጺ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብኣልማማ ትኣስርን ተባርርን ከም ዘላ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 08.07.2026 7:32
ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ዝተሸለምዎ 50 ሽሕ ዶላር ግዳያት ኲናት ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣበርኪቶም። ፖሊስ ከተማ ኣኽሱም ኣብ መንበሪ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ጥይት ተኲሶም ንዝበሎም ሰለስተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ ። ኤርትራ ንዕኣ ዒላማ ንዝገበረ መደረ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ብትሪ ነቒፋ። ግብጺ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብኣልማማ ትኣስርን ተባርርን ከም ዘላ ተገሊጹ። ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጥቓ ኢትዮጵያ እትርከብ ስትራቴጂካዊት ዶባዊት ከተማ ኩርሙክ ዳግማይ ከም ዝተቖጻጸራ ገሊጹ።
"ብራዚል ኣይግድን...፣ ኬፕ ቨርደ ግን መቐረት ፈጢሮምን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ብቕዓት ኩዕሶ እግሪ ወሳኒ ከምዘይኮነ ኣመስኪሮምን፣" ትንተና ዋንጫ ዓለም ምስ ነጋ ወልደጊዮርጊስ 08.07.2026 33:24
ክቡራት ሰማዕትና፣ ከመይ ትኾኑ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (ዩኤስኤይ)፣ ሜክሲኮን ካናዳን ዘአንግድኦ ዘለዋ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሑ’ሎ። 48 ሃገራት ኣሳቲፉ ታሪኻዊ ውራይ ብምዃን ናብ ምዝዛም ገጹ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን እዚ ዋንጫ ዓለም ዘይትጽቢታዊ ውጽኢታት ብፍላይ ድማ ጀርመንን ነዘርላንድስን ኣብ ዙር 32 ተገሊፈን ዘሰንብድ ውጽኢት ክርከበሉ’ንከሎ፣ ተኣምራታዊ ብቕዓትን ውጽኢትን ኬፕ ቨርደ ዝደመቐሉን ኔሩ። ተስፋ ኣፍሪቃ ኣብ ሞሮኮን ግብጽን ክወድቕ’ንከሎ ኮትዲቯርን ሰነጋልን ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ውጽኢት ኣመዝጊበን ንዓደን ዝተመልሳሉ ኮይኑ። ኣብ ዙር 16 ድማ መሰጥቲ ግጥማትን ጽንዓት ዝመልኦም...
ኣርጀንቲናን ስዊዘርላንድን ናብ ርብዒ ፍጻመ ጸወታት ዋንጫ ዓለም ፊፋ ሓሊፈን። 08.07.2026 3:14
ኣርጀንቲና ኣደናቒ ውጽኢት ኣንጻር ግብጺ ምስረኸበትን ስዊዘርላንድን ብፍጹም ቅላዕ መጥቃዕቲ ንኮሎምቢያ ምስ ሰዓረት ሎሚ ኩለን ናብ ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝሓለፋ ተፈሊጠን። እዚ ጽሟቕ ናይ መበል 27 መዓልቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ።
Bonus Practice: #114 Talking about the Census and data security (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS : #114 Talking about the Census and data security (Med) 08.07.2026 2:49
Practise speaking the dialogue from episode #114 Talking about the Census and data security. - Practise speaking the dialogue from episode #114 Talking about the Census and data security. Find the full episode, learning notes and more free resources at SBS Learn English . - Find the full episode, learning notes and more free resources at SBS Learn English .
"ኣይኰነንዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ እውን እንተ ተወሰኸ፡ ስግኣት የለን፡" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ሓጸርቲ ዜና) 08.07.2026 5:21
** ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ ፡ ካብ ሎሚ [ረቡዕ 8 ሓምለ] ጀሚሩ ኣብ ኣውስትራሊያ ይበጽሕ ኣሎ... ** ኣብ ብዙሓት ክፋላት ኣውስትራሊያ ፡ መራኸቢ ተለስትራ ኣቋሪጹ... ** "ኣይኰነን ዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ እውን እንተ ተወሰኸ፡ ብዛዕባ ልዑላውነት ኢትዮጵያ ቅንጣብ'ውን ትዅን ስግኣት የለን፡" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ
2026 Census: What you need to know to ensure you’re counted - መጽናዕቲ ህዝቢ (Census) 2026 : ከም ተቖጸርኩም ንምርግጋጽ ክትገብርዎ ዝግባእ ነገራት፡ 07.07.2026 10:25
The 2026 Census is on Tuesday 11 August and every person in Australia on this night must be counted. Census data is used to understand where we live, the languages we use at home (including Auslan), the support we need and how Australia is changing as a nation. Being counted helps ensure your community, culture and beliefs are represented. Here’s what you need to know about completing the Census f...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (07 ሓምለ 2026) 07.07.2026 3:52
** ሰልፊ ጥምረትን መንግስትን ነቲ ቻይና ኣብ ፓሲፊክ ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳይል ኮኒኖምዎ ... ** ኣብ ስሪላንካ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ብእተላዕለ ናዕቢ ፡ሽዱሽተ ሓለውቲ ዝርከብዎም ዕስራን ሓሙሽተን ሰባት ተቐቲሎም ... ** ስጳኛ ንፖርቹጋል ብምስዓር ካብ 2010 ዋንጫ ዓለም ካብ ዝተዓወተትሉ ንደሓር ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሓ እያ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (6 ሓምለ 2026) 06.07.2026 48:49
ን ሎሚ ሰኑይ 06 ሓምለ 2026 ዘዳለናዮ ምሉእ ትሕዝቶ ዜና፡ ትንታነ፡ ጸብጻብ ልኡኽና፡ ቃለ መሕትት፡ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፦
ኖርወይ ንብራዚል ኣምበርኪኻታ፡ ሕልሚ መክሲኮ ኣብ ቅድሚ ህዝባ ተበቲኑ። 06.07.2026 4:54
ነርወይ ነታ ኣብ ዋንጫ ዓለም ሓሙሽተ ግዜ ሻምፕዮን ንዝኾነት ብራዚል ብምስዓር ኣብ ርብዒ ፍጻመ ቦታኣ ሒዛ ። ካብ ኣአንገዲቲ ሃገራት ዝኾነት ሜክሲኮ "ውን ኣብ ሜዳኣ ኣብ ቅድሚ ኣሻሓት ደገፍታ ብ እንግሊዝ 3-2 ድሕሪ ምስዓራ ካብቲ ውድድር ወጺኣ ። እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ መበል 25 መዓልቲ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (06 ሓምለ 2026) 06.07.2026 11:36
ኣርእስታት ዜና፥ ብሰንኪቲ ኣብ ቨንዙወላ ዘጋጠመ ማንታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘስዕቦ ጕድኣት ፡ 9.65 ቢልዮን [6.7 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ] ክኸውን ከም ዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሚቱ ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ናይ ኣመሪካ መዓልቲ ናጽነት መልእኽቱ ነቲ ወትሩ ዝደግሞ ቃል ኮሚኒዝም መንሽሮ ምዃኑ ገሊጹ። ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝተገብረ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም 2026 ነርወይ ፡ ብብሉጽ ተጻዋታያ ኤርንሊ ሃላንድ ተመሪሓ ንብራዚል ፡ ብዘደንቕ መገዲ 2ብ1 ስዒራታ ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት 53 ቶን ወርቂ ከም ዝባኸነ ተገሊፁ። (ጸብጻብ) 05.07.2026 8:10
ኤርትራ ኮለጅ ዋኒንን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ፡ ብዝተፈላለየ ዓውድታት ዘምሃሮም 1,018 ተመሃሮ ብዲግርን ዲፕሎማን ኣብ ኣስመራ ኣመሪቑ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ከምህሮም ዝፀንሐ 2931 ተምሃሮ ኣመሪቑ። ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት 53 ቶን ወርቂ ከም ዝባኸነ ተገሊፁ። ኤርትራ፣ ካብ ሕጂ ንድሓር ኣብ ዙርያ ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክትዛረብ ከምዘይትደሊ ኣፍሊጣ። ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ዝፈጸም ግዱድ ወታደራዊ ምልመላ ተቓዊሙ። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ኣስታት 200 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ናይ ሞት ፈርዶም ይጽበዩ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ሰራዊት ሱዳ...
ልዕሊ 25 ሽሕ ሓደስቲ ኣውስትራልያውያን ሚልየነራት ኣካል ናይ'ቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ግሎባዊ ጉጅለ ሕብረተሰብ ሃብታማት ኮይኖም። 05.07.2026 6:53
ስዊዘርላንዳዊ ባንክ ዩቢኤስ፡ ዓለማዊ ሃብቲ ካብ 2017 ንደሓር ብዝቐልጠፈ ናህሪ ሰፊሑ ክብል ደምዲሙ። ስለምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ ኣብ’ዚ ተገሊጹ ኣሎ።
ኢንግላንድን በልጂምን ብክንደይ ቀይቀይ ናብ ዝቕጽል ሓሊፈን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብቐሊሉ ናብ ዙር 16 ሓሊፋ። 02.07.2026 4:07
ኣብ ካልኣይ እብረ ጸወታ ሃብሮማት ሃሪ ኬንን ዩሪ ቲልማንስ ን ብዘመዝገብወን ሸቶታትኢንግሊዝን ቤልጁምን ናብ ሰንጠረዥ 16 ክጽምበራ ከለዋ ዩናይትድ ስቴትስ ግን ካብ ቦዝኒያ ሆርዞጎቪና ቐሊል ብድሆ ገጢምዋ እያ ናብቲ ዙር ሓሊፋ። እዚ ናይ መበል 21 ጽሟቕ ጸብጻብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (02 ሓምለ 2026) 02.07.2026 48:21
ን ሎሚ ሓሙስ 2 ሓምለ 2026 ዘተዳለወ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ ፦
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (02 ሓምለ 2026) 02.07.2026 10:48
ኣርእስታት ዜና፥ ጉጅለታት ኣድሕን ኣብ ቨነዝዌላ ድሕሪ ዘጋጠመ ማንታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝድሕኑ ሰባት እንተረኸቡ ቃልሶም ቀጺሎም። ኢትዮጵያዊት ኣመሪካዊት ሜላት ኪሮስ ኣብ ምርጫ ኮንግረስ ኣመሪካ ንብዙሕ ዓመታት ስልጣን ሒዛ ንዝጸንሐት ኣባል ኮንግረስ ስዒራ ተዓዊታ፡ ኣብ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ፊፋ፡ እንግሊዝ ኣንጻር ኮንጎ ገጢማ 2 ብ 1 ክትስዕር ከላ በልጂየም ድማ ንሰኔጋል 3 ብ 1 ስዒራ።
ፖሊስ ትግራይ ብለይቲ ዝግበሩ ጕዕዞ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ። (ጸብጻብ) 01.07.2026 10:47
ባንክ ኤርትራ፡ ጽኑዕ ሕጋዊ መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ። ህወሓት ምስ ፌደራል መንግስቲ ንምድርዳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘይኮነስ ሳልሰይቲ ሃገር ከም ዝደሊ ገሊጹ። ፖሊስ ትግራይ ብለይቲ ዝግበሩ ጕዕዞ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ። ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተፈጸሙ ዘስካሕክሑ ገበናት ኢድ ኣለዎም ዝተባህሉ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ፣ #ኢትዮጵያን ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክምርመሩ ተሓቲቱ።
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (01 ሓምለ 2026) 01.07.2026 4:10
** ንብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ደሞዞም ካብ ሎሚ ክውስኽ እዩ... ** ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ረድኤት ቃፍላይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ረድኤት ተቐቲሎም... ** ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ስደተኛታት ተቓውሞታት ክካየድ ውዒሉ።...
How to get into inclusive football in Australia - ኣብ ኣውስትራልያ ንጥዕና ክትጻወቱ ይኹን ኣብ ክለባት ኩዕሶ እግሪ ክትጥርነፉ ምስ ትደልዩ ከመይ ትጅምሩ፧ 30.06.2026 11:31
It’s no exaggeration when we hear that the FIFA World Cup is bringing the world together. After all, football is known as the world’s most popular sport. But football really begins on the suburban ovals and in the local clubs, with everyday players of all ages and abilities. Here’s how you can become one of them. - ዋንጫ ዓለም ፊፋ ንዓለም ዝጥርንፍ ወይ ናብ ሓደ ዘምጽእ'ዩ ዝብል ክንሰምዕ እንከለና ምግናን ኣይኮነን። እኳ ደኣ ኩዕሶ እግሪ ኣብ...
"ዕላማ'ዚ ምትእኽኻብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ ካብ ፖሎቲካን ሃይማኖትን ካልእን ጸግዒ ዘይብሉ ነጻ ርክብ ንምፍጣር'ዩ።" ኣሌክስ 30.06.2026 26:05
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመጹ ናይ ቀደም ናይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ተመሃሮ ተኣኪቦም ኔሮም። ናይዚ ርክብ ዕላማ፡ ነዚ ንምውዳብ ዝተሓልፈ ላዕሊ ታሕቲን ውጽኢታቱን መጻኢ መደባቱን ዝምልከት ምስ ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ መደብ ምስ ኣለክሳንደር ጠዓመ ፈቶ ዝተገብረ ዕላል።
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (30 ሰነ 2026) 30.06.2026 6:38
ንሎሚ ሰሉስ 30 ሰነ 2026 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ: * ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝሃሰያ ቬንዙዌላ ጻዕርታት ምድሓን ህይወት ብድሕሪ ምንቅጥቃጣት ይሰናኸሉ፣ * ቴህራን ዝተመደቡ ዝርርባት የለውን ኣብ ትብለሉ ዋይት ሃውስ ግን ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ምስ ተደራደርቲ ኢራን ኣብ ቀጠር ክራኸቡ’ዮም ይብል፡ * ኣውስትራልያን ቫኑዋቱን ኣብ ጽልዋ ቻይና ኣብ ፓሲፊክ ክፈላለያ ብምስምማዕ ውዕል ተፈራሪመን፣ ቻይና ድማ ድሕሪ’ዚ ውዕል ናብ ኣውስትራልያ ዘቕንዐ መጠንቀቕታ ሂባ፣
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (29 ሰነ 2026) 29.06.2026 47:58
ን ሎሚ ሰኑይ 29 ሰነ 2026 ዝተዳለወ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (29 ሰነ 2026) 29.06.2026 12:02
ኣርእስታት ዜና፥ ብናይ ወጻኢ ፈጠርቲ ትሕዝቶ ኣብ ኦንላይን ንዋን ኔሽን ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ናይ ሰልፊ ግሪንስ ሰኔተር ሳራ ሃንሰን ያንግ ገሊጻ። ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሓድሽ ተጻብኦታት እናተዘርግሐ ኣብዝኸደሉ ዘሎ ምጥቃዕቲታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብዝሓየለ መገዲ ምላሽ ንምሃብ ድሉው ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ካናዳ ንደቡብ ኣፍሪቃ 1-0 ድሕሪ ምስዓራ ፡ ናይ ፈለማ ናብ ዙር 16 ዋንጫ ዓለም ዝሓለፈት ጋንታ ኮይና ።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.