SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ወግዓዊ ጽንብል መበል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ብልዑል ድምቀት ተኻዪዱ። (ጸብጻብ) 24.05.2026

ኣብ ናይ ሎሚ ጸብጻብ ል ኡኽና ብፍላይ ብዛዕባ ምኽባር ወግዓዊ ጽንብል መበል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዘተኩር ክኸውን እዩ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (21 ግንቦት 2026) 21.05.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ዩ-ኤስ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ምስ ኢራን ዝግበር ዘተ ሰላም ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃኡ ከም ዝርከብ ገሊጹ ። ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ነቲ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘጋጠመ ኢቦላ ንምምካት ፡ መከላኸሊ ናውትን ናውቲ ሕክምናን ንምቕራብ ተዳልዩ ከም ዘሎ ገሊጹ ኣሎ ። ደገፍቲ እንግሊዛዊት ጋንታ ኣርሰናል ድሕሪ 22 ዓመታት ጋንታኦም ብምስዓራ ሓጎሶም ክገልጹ ዊዒሎም ሓዲሮም። Check out our podcast collection here

ጎደናታት ከተማ ኣስመራ፡ ንመበል 35 ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ንምቕባል ምዕሩግ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ። (ጸብጻብ) 20.05.2026

ኣውስትራሊያ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ እምባታት ባሌ ንዝተኻየደ መደብ ስልጠና ሓለውቲ ፓርክ ሓገዝ ገይራ። ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓይልታት ዝሓቘፈ "ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን" ኣብ ትግራይ ብዕልዋ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ሓይሊ ከኣሊ ምዃኑ ገሊጹ። ህወሓት ብወገኑ " ንመድረኻዊ ቃልሲ ምርግጋፅ ህልውና ኣብ ሓደ ንዕሰል" ክብል ጸዊዑ። ንመበል 35 ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ቀንዲ ጎደናታት ከተማ ኣስመራ፡ ምዕሩግ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ። ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ'- ክብል ግብጻዊ ሚኒስተር ተዛሪቡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ክልተ ተወሰኽቲ ስትራቴጂካዊ ቦታታት መሊሱ ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊ...

ለበዳ ኢቦላን ምላሽ ዉድብ ጥዕና ዓለምን : 20.05.2026

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ኡጋንዳን ሕማም ኢቦላ ናይ ህጹጽ ኩነታት ከምዝኾነ ኣዊጁ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘሰክፍ ህጹጽ ናይ ጥዕና ጸገም እዩ ኮይኑ ። ውድብ ጥዕና ዓለም ንቅጥዕታት ናይ ለበዳ ህጹጽ እዋን ከምዘየማልእ እኳ ንተገለጸ፡ እቲ ሕማም ናብተን ምስ ምስ ዲ.ሪ.ኮንጎ ዝዳበዋ ሃገራት ዝያዳ ናይ ምስፍሕፋሕ ተኽእሎ ኣለዎ ።

ኣርሰናል ኣብ ውሽጢ 22 ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ ቻምፒዮን ፕሪሜር ዓዲ እንግሊዝ ኮይና። (ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 20 ግንቦት 2026) 20.05.2026

** ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሲድኒ ብዝተተኮሰ ጠያይት፡ ሓደ ሰብኣይ ሞይቱ ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ቈሲሎም ... ** ፕረዚደንት ሩስያ ቫልደሚር ፑቲን ናብ ቻይና ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ በይጂንግ ኣትዩ ... ** ኣርሰናል ድሕሪ 22 ዓመታት ንፈለማ ቻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ኮይና።

The Aboriginal flag: History, meaning and recognition - ባንዴራ ደቀባት፡ ታሪኽ፡ ትርጉም፣ ክብርን ኣፍልጦን 19.05.2026

At school, work, council offices or sporting events, you might see a red, black and yellow flag flying beside the Australian national flag. This is the Aboriginal flag, representing the Aboriginal people of Australia and their connection to land, community and stories. - ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ስራሕ፣ ቤት ጽሕፈታት ምምሕዳር ወይ ስፖርታዊ ውራያት፣ ኣብ ጎድኒ ሃገራዊት ባንዴራ (ሰንደቕ ዓላማ) ኣውስትራልያ፣ ቀይሕ፣ ጸሊምን ቢጫን ባንዴራ ክትርእዩ ትኽእሉ። እዚኣ ባንዴራ ደቀ...

‘ሕብረተሰብና ኣብ ምጥያሽን ስራሕ ምድላይን ክረኽቦም ዝግባእ ሓገዛት ኣይፈልጦምን’- ገብረስላሰ ገብሩ በዓል ሞያ ምስላጥ ትምህርትን ስራሕን 19.05.2026

ኣወስትራልያ ካብተን ኣብ ዝተፈላለየ ፅላታት ናይ ሰብ ሞያ ሕፅረት ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ። ነዚ ሓጓፍ ንምምላእ ዝተፈላለየ ክእለታት ዘለዎም ሰባት ብቐዋምነትን ጊዝያውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኣትውሉ መስርሕ ብምትግባር እውን ትፍለጥ። ብኻልእ ገፅ ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ዝመፁ ብዙሓት ሰባት፡ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ፡ ስራሕ ምርካብ ቀሊል ከምዘይኮነ እዮም ዝገልፁ። ንምዃኑ ሓደሽቲ መፃእቲ፡ ስራሕ ኣብ ምድላይ ዝገጥምዎም ዕንቅፋታት እንታይ እዮም? ዘለዉ ዕድላትከ? ኣብዚ ዛዕባ፡ ሃይሉ ሳህለ ንሓደሽቲ መፃእቲ ኣብ ምጥያስ፣ ስራሕን ትምህርትን ክረኽቡ ኣብ ምግባርን ኣብ ዝነጥፍ ትካል፡ በዓል ሞያ ምስላጥ ዕድላት ትምህርት...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (18 ግንቦት 2026) 18.05.2026

ሰላም ከመይ ትኾኑ ዝኸበርኩም ሰማዕትና። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሶኑይ 18 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (18 ግንቦት 2026) 18.05.2026

ኣርእስታት ዜና * ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ነዘርላንድስ ምስ’ቶም ብሃንታቫይረስ ተጠቒዓ ካብ ዝነበረት መዛወሪት መርከብ ዝገዓዙ ኣውስትራልያውያን ተራኺቡ፣ * ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ምስ ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ብቕልጡፍ ክዘራረብ መደብ ሒዘ ይብል፣ ኩናት ደጊሞም ክጅምሩ ይሓስቡ'ለው ክትብል ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ተቃልዕ፣ * ኣብ ስኮትላንድ ኣብ መወዳእታ ግጥም ሰልቲክን ሃርትስን ደገፍቲ ሜዳ ብምውራሮም ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ፣

ኲናት ከይገደሳ ንተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኢዳ ዘርጊሓ ትቕበሎም ኣሜሪካዊት ከተማ 18.05.2026

ኣብ መጻብቦ ሖርሙዝ መራኽብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንመራኽብ ነዳዲ ኢራን ኣብ ሓደጋ የእትወአን፣ ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ፍጹም ዓወት ይጠልብ። ኣብ ቱሶን (Tucson) ግን ዝኾነ ነገር ከም ዘይተፈጥረ ክመስል ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ኢዶም ዘርጊሖም ክቕበሉ ይሸባሸቡ’ለዉ።

ቻይና ሓድሽ ሚዛን ሓይሊ ዓለም ኣብ ዝፈጠረትሉ ትራምፕ መጀሃሪ ዝኾኖ ብዙሕ ከይሓዘ ተመሊሱ 18.05.2026

ኣብ መላእ’ቲ ብዓቢኡ ናይ ክብሪ ዋዕላ ዝነበረ፣ ሚዛን ሓይሊ ኣብ መንጎ’ቶም ክልተ መራሕቲ ይቕየር ምህላዉ ዘርእዩ ገለ ምልክታት ኔሮም።

ወጥሪ ትግራይ ብዘተ ክውዳእ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ምጽውዖም (ጸብጻብ) 18.05.2026

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ካብ ዝነበሮ ኩነታት ሓውዩ ምምላሱ፣ ወጥሪ ትግራይ ብዘተ ክውዳእ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ምጽውዖም፣ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ወደብን መጓዓዝያ ባሕሪን ስምምዕ ምኽታመንን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ተወሳኺ 10 ቢሊዮን ብር በጀት ምሕታቱን ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም።

ቀረጽ ኣባይቲ ምትዕርራይ ተገይርሉ ይብል መንግስቲ፣ ግን ድሕሪት ዝተርፉ ኣውስትራልያውያን ክህልዉ ድዮም፧ 17.05.2026

ኣብ ናይ’ዚ ዓመት ፈደራል ባጀት ኣብ’ቶም ምትዕርራያት ንቀረጽ ኣባይቲ ኣብ መንጎ ክቕርቀሩ/ክህሰዩ ዝኽእሉ ኣየኖት ኣውስትራልያውያን’ዮም፧

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (14 ግንቦት 2026) 14.05.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 14 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥

ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ክነግስን ተሓታትነት ክሰፍንን ጻዊዒት ቀሪቡ። (ጸብጻብ) 14.05.2026

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ዝነበሮ፡ ስትራተጅያዊ ስምምዕ ኣሐዲሱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዐቢይ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ናይ 54 ነጥቢ 6 ሚልዮን ዩሮ ልቓሕ ተሰማሚዖም። ኣብ ኤርትራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽልን ተሓታትነት ክሰፍንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጸዊዐን። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰላማዊያን ሰባት ምቕታሎም ተገሊጹ። ኣመሪካ ኣብ እዋን ውግእ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ሰደድ ኣጽዋር ኣልዒላ።

Treasurer flags 'fairer' budget as business groups criticise tax reforms - ባጀት ኣውስትራልያ ወሪዱ - ተሓዝ ሕሳብ መንግስቲ 'ርትዓዊ'ዩ' ይብሎ፣ ማሕበራት ንግዲ ግን ይነቕፍኦ 13.05.2026

The Federal Budget has been handed down, including major tax changes that have been welcomed by unions, social services groups, and renters groups. Industry groups have raised concerns, saying the tax changes will be bad for business, as debate continues over how to balance fairness and fiscal restraint. - ብማሕበራት ስራሕተኛታት፣ ጉጅለታት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ጉጅለታት ተኻረይቲን ተቐባልነት ዝረኸቡ ዓበይቲ ለውጥታት ግብሪ ሓዊሱ ፌደራል ባጀት ተዋሂ...

Tips to manage financial stress | Fuel in Focus - ቀረብን ክብርን ነዳዲ ኣትኩሮ ኣብ ዝሰሓቡሉ እዋን ንፋይናንሳዊ ጸቕጥታት ኣብ ምቁጽጻር ዝሕግዙ ምኽርታት 12.05.2026

Australia's petrol and diesel prices remain under pressure. The RBA’s decision to hike the cash rate this month is adding to the financial strain facing many households. We look at some free and independent support services that are available to help people manage financial stress. - ኲናት ዩናይትድ ስቴትስ-ኢራን ሳልሳይ ወርሑ ኣብ ዝኣተወሉ ኣውስትራልያዊ ዋጋታት ፔትሮል (በንዚን)ን ዲዘል (ናፍታ)ን ኣብ ትሕቲ ወጥሪ (ጸቕጢ) ይርከቡ። ንብዙሓት ኣውስትራልያውያን...

"ብምዝራብ ሰናፍ ኣይኮንኩን፡ ግን ብምጽሓፍ’የ ዝያዳ ዝበልጽ።" ጸሓፊ መርሃዊ ወልደሚካኤል 12.05.2026

ነባሪ ኒውዚላንድ ዝኾነ መርሃዊ ወልደሚካኤል ኣብ ከም ፖሎቲካን ካልእን ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ዝነጥፍ ኮይኑ፡ ብእንግሊዝኛን ብትግርኛን ጽሒፉ ዘሕተሞም ብዙሓት መጻሕፍቲ’ውን ኣለዉዎ። ኣብዚ ዓመት “55፡ “God & Lucifer Bet on Africa Al-Kabulan” ትብል ዓባይ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣብ ዕዳጋ ትርከብ። ብዛዕባ መጻሕፍቱን ዝምልከት ምስ መርሃዊ ዝተገብረ ዕላል ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (12 ግንቦት 2026) 12.05.2026

** ኢራን ካብ ኣመሪካ ንዝመጽእ ዝኾን ይኹን ዕንደራ ንምምካት ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ... ኣ** ትረዠረር ጂም ቻልመስ ሓሙሻይ ፈደራላዊ ባጀት ሎሚ ክገልጾ እዩ... ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተራኺቦም ብዛዕባ ክልተኣዊ ጉዳያት ተመያይጦም።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (11 ግንቦት 2026) 11.05.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 11 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (11 ግንቦት 2026) 11.05.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ነቲ ብፓኪስታናውያን ኣሸማገልቲ ኣቢሉ ብ ኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ምላሽ ከም ዝሃበትሉ ድሕሪ ምግላጽ ፡ እቲ ውግእ ንሓዋሩ ደው ዝብለሉ ዘተኮረ ዘተ ክግበር ጸዊዓ ። ምስ ጉጅለ ኣይኤስ ርክብ ዘለወንን ብ ገበን ባርነት እተኸሰሳን ክልተ ኣንስቲ ፡ ሎሚ ዋሕስ ኪሓታ እየን ። ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ካብ 'ታ ብሃንታ ቫይረስ ኮሮና ዝተጸልወት መዛወሪት መርከብ ኤምቪ ሆንዴስ ኣብ ተኔሪፌ ከምዝተራገፉ ገሊጹ ።

ኤርትራ፡ ሓዱሽ መስርሕ ድጂታዊ ሓበሬታ ጀሚራ። (ጸብጻብ) 10.05.2026

ኤርትራ፡ ሓዱሽ መስርሕ ድጂታዊ ሓበሬታ ጀሚራ። ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ’ ዞባ ማእከል፡ ብወግዒ ተኸፊቱ። ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ጥንታዊት ከተማ ኣኽሱም "ቅድስቲ ከተማ ኣኽሱም ጽዮን" ተባሂላ ክትስየም ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። ኣብ ትግራይ ስርዓተ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቅዓት ምላሽ ንምሃብ "ግልጋሎት ነፃ ስልኪ ዕላዊ ከምዝተገበረ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

One Nation claims historic win in Farrer in poll seen as litmus test for Coalition - ንሰልፊ ጥምረት ከም መፈተኒ ኣብ ዝተራእየሉ ምርጫ ሰልፊ ዋን ኔሽን (One Nation) ኣብ ፋረር ተዓዊቱ 10.05.2026

Voters in the southern New South Wales seat of Farrer have headed to the polls to choose a new MP after their former representative Sussan Ley resigned from parliament. Analysts say the vote could have lasting consequences for the coalition. - ናይ ቀደም ወካሊቶም ዝነበረት ሱዛን ሊይ ካብ ባይቶ ድሕሪ ምስንባታ ኣድመጽቲ ደቡባዊ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ፣ ወንበር ፋረር፣ ሓድሽ ኣባል ባይቶ ንምምራጽ ናብ መድመጺ ነቑጣታት ኣምሪሖም። ተንተንቲ እዚ ምድማጽ ነባሪ ሳዕቤን ንሰልፊ ጥምረት ክህል...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (7 ግንቦት 2026) 07.05.2026

ሰላም ከመይ ትኾኑ ዝኸበርኩም ሰማዕትና። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሓሙስ 7 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና። * ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ብጽኑዕ ኣጠንቂቓታ፣ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂባ፣ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕሬዝዳንት ትግራይ ኮይኑ ተመሪጹ፣ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ምላሽ ሂቡ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣብ ገለ ወረዳታት ሰፊሕ ግዱድ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ተሰሚዑ: እዚኦም ናይ ሎሚ ጸብ...

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (7 ግንቦት 2026) 07.05.2026

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (7 ግንቦት 2026) * ብመርዑት ኣይሲስ ተባሂለን ዝፍለጣ ደቀንስትዮ ሎሚ ናብ ኣውስትራልያ ክምለሳ’የን፣ * ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ኣብ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ ኢራን ተዂሲ ከፊታ፣ * ኣርሰናልን ፓሪስ ሰይንት ጀርመይንን ናብ ፍጻመ ግጥም ቻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ በጺሐን፣

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.