SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1423 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Be sure to visit the podcast's website and support the creator: www.sbs.com.au

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Oct 22, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android almost 10M downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (10 መስከረም 2026) 10.09.2026

ንሎሚ 10 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (10 መስከረም 2026) 10.09.2026

ኣመሪካ ነቲ ምስ ካናዳ ጀሚራቶ ዘላ ንግዳዊ ምስሕሓብ መሊሱ ገዲዱ ፡ በዚ ድማ ብቐጥታ እገዳታት ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ፍርያትን ነቲ ዝጸንሐ ቀረጽን ከምዝቕየር'ውን ኣፍሊጣ ። ሰልፊ ለበር ፡ ኣብ መጻኢ ወለዶታት ብ ኦንላይን ክመጽእ ዝኽእል ጽልዋ ጐዳኢ ትሕዝቶታት ፡ ጐዳኢ ንምምሃር ዝውዕል ፡ 4 ሚልዮን ዶላር ሰሊዑ ። ሖቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብስዑዲ ዓረብ ዝግበር ጉዕዞ መራኽብ ደው ክብል ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ማቲው ብሬን ኣብ መድረኽ 17 ቅድድም ቮልታ ስጳኛ ተዓዊቱ ፣ #sbsaudiopodcast

"ንእሱራት ክንጣበቕ ከለና ዓቢ ዕንቅፋት ዘጋጥመና ካብ ስድራ ቤት እሱራት'ዩ።" ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብርሃም 10.09.2026

ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን ሃለዋቶም ዝጠፍኣሉን ዝዝከረሉ እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሎሚ ርብዒ ዘመን ኣቚጺሩሉ ኣብዘሎ ካብቶም ንፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝመስረቱ ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብርሃም ዓዲምና ብዛዕባ ኣመዓባብላን ምዕጻውን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን እሱራትን ዝምልከት ዝርርብ እዩ። ጋዜጠኛ መሓሪ እታ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ "መስትያት" ብእንግሊዝ ድማ "The Miror" ዝመስረተ እዩ። ናብ ስደት ምስ ኣምረሐ ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ከም ጋዜጠኛ ኮይኑ ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ብዛዕባ...

ሂዩማን ራይትስ ዎች: ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሽምግልና ፃዕሪ ንምጥንኻር ክግምግሞ ፀዊዑ። (ጸብጻብ) 09.09.2026

ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ዝተጀመረ ምሕዝነት ትካላዊ ቅርፂ ሒዙ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቡ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሽምግልና ፃዕሪ ንምጥንኻር ክግምግሞ ፀዊዑ። ባንክ ኤርትራ ኣብ ኢድ ዝተሓዝ መጠን ጥረ ገንዘብ ዝድርት ሓድሽ መምርሒ ወግዓዊ ገይሩ። ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝተመደበ ልዕሊ 60 ሚልዮን ባጀት ኣጽዲቚ። ማሕበር መራሕቲ ከበድቲ መካይን ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮሞያ ምዕራብ ወለጋ ኣርባዕተ መካይን ነዳዲ ብዕጡቓት ተቓጺለን ትሽዓተ መራሕቲ መካይን ከምዝጨወዩ ኣፍሊጡ። #sbsaudiopodcast

ኤርትራ፡ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንምሕያል ትካላትን ስርዓታትን ሓገዝ ካብ ዩኒሴፍ ክልገሰላ ምዃኑ ተፈሊጡ። (ሓጸርቲ ዜናታት) 09.09.2026

** ቅድሚ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ መጠንቀታ ተዋሂብዎ ምንባሩ ኣብዝግለጸሉ ኣብ ልዕሊ ናታንያሁ ጸቕጢ ይሕይል ... ** ብዝሒ ስደት ዳርጋ ብፍርቂ ንዞባዊ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ጽልዋ ከምዝገበረሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ... ** ኤርትራ፡ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንምሕያል ትካላትን ስርዓታትን ሓገዝ ካብ ዩኒሴፍ ክልገሰላ ምዃኑ ተፈሊጡ። #sbsaudiopodcast

Travelling safely in rural and remote Australia - ዉሑስ ጉዕዞ መገዲ ኣብ ገጠራትን ርሑቕ ቦታታትን ኣውስትራሊያ። 09.09.2026

Australia is a vast and diverse country to explore, but driving in rural and remote areas can involve conditions you may not encounter in cities. Knowing what to expect and how to prepare can help you travel more safely and confidently. - ኣውስትራሊያ ዝሰፍሐን ብዙሕነት ዘለዎን ክትፍለጥ ዘለዋ ሃገር እያ ፡ እንተኾነ ኣብ ገጠርን ርሑቕ ከባቢታት ምዝዋር ከምቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዘይተጓነፈካ ኩነታት ከጠቓልል ይኽእል ። እንታይ ከም እትጽበን ብኸመይ ከም እትዳሎን ምፍላጥ ፡ ብደሓን ብምትእ...

ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ንፈለማ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ A-F-D ኣብ ሓደ ግዝኣት ናይ ጀርመን ተመሪጹ። 08.09.2026

ሰልፊ ኣማራጺ ንጀርመን ወይ (lternative for Germany Party, A-F-D)- ኣብ ግዝኣት ሳክሶኒ-ኣንሃልት ዝተኻየደ ምርጫ ቅዳማይ ብምውጻእ: ንመጀመርታ ግዜ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ኮይኑ ኣሎ ። ኣብ ምብራቓዊ ሃገረ ጀርመን እቲ ዝሓየለ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኰይኑ እኳ እንተ ተቐልቀለ ፡ ብገዛእ ርእሱ መንግስቲ ከቕውም ግና ዓብላሊ ድምጺ ክረክብ ኣከኣለን። #sbsaudiopodcast

ኣብ ኦስትርያ ቆልዑ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሒጃብ (መሸፈኒ ጸጒሪ) ከይለብሳ ተኸልኪሉ... ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (8 መስከረም 26) 07.09.2026

*** ሰርቢያ፡ ነቲ ሓራዲ ህዝቢ ቦስኒያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ገበነኛ ምላዲች ሕብረት ኣውሮጳ መጠንቀቕታ እንተሃበታ’ኳ ብመንግስታዊ ስርዓት ቀቢራቶ። *** ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድሚአን መሸፈኒ ጸጉሪ (ሕጃብ) ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከይለብሳ ምኽልካሉ ብሕጊ ከምዝምጉቱ ኦስትራውያን ጉጅለታት ምስልምና ኣጠንቂቖም ።... *** ኣብ ኣውስትራሊያ ወቕቲ ጽድያ ጀሚርሉ ኣብዘሎ ፣ ምስ ምእታው ምዉቕ ኵነታት ኣየር ድማ ወቕቲ ተመን ዝጅምረሉ እዩ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (07 መስከረም 2026) 07.09.2026

ንሎሚ 07 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (07 መስከረም 2026) 07.09.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ቪክቶርያ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣብ ዝርከብ ገዛ ሓደ ንኣባላት ስድራ ቤቱ ብፋስ ኣጥቂዑ ፡ ብርቱዕ ጕድኣት ኣውሪድሎም ዝሃደመ ይድለ ኣሎ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኣብ ኢራን ስርዓት ንምቕያር ዝብል ሓሳብ ዳግም ብምግላጽ ፡ እስራኤል ኣብቲ ግጭት ገና ዘይተወድአ ዕማም ከም ዘለዋ ገሊጹ ኣሎ ። ኢጣልያዊ ኪሚ ኣንቶኔሊ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ሞተር ፎርሙላ ዋን ናይ ኢታሊ ግራንድ ፕሪክስ ኣብ ሃገሩ ተዓዊቱ።

ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃ ዘዕብይ፣ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ድማ ዘንእስ ካርታ ደጊፉ 06.09.2026

ካርታ ዓለም ዝያዳ ቅኑዕ ንክኸውን ምሕዳሱን ምትኽኻሉን ጽቡቕ ሓሳብ ክመስል ይኽእል’ዩ፡ ብዙሓት ሃገራት ግን ብዛዕባኡ ሕጉሳት ኣይኮናን።

መርገጺ ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን። (ጸብጻብ) 06.09.2026

መንግስቲ ትግራይ ንናይጀርያዊ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ብምንቃፍ፡ ዘይሻራዊን ነፃን ኣሸማጋላይ ክህሉ ጸዊዑ። ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ናይ ግብጺ መርገጺ ኣንጸባሪቓ። ትግራዋይ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ፊልሞን ገብረሂወት ንሓደ ዓመት ዝተሰወረሉ ምኽንያት ምርመራ ክግበር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ። ተሓጋጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪካ ፍራንክ ጋርስያ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ተመያይጡ። ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለምለኻዊ ቤት ጽሕፈቱ ክኸፍት ምዃኑ ተፈሊጡ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (03 መስከረም 2026) 03.09.2026

ንሎሚ 03 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።

ቅድሚ 19 ዓመታት ኣብ መልበርን ዝጠፍአ ረዳኢ ብርሃነ- ኣበይ ኮን ይህሉ፧ 03.09.2026

6 ነሓሰ 2007 ኣኣ፡ ኣብ መልበርን ከባቢ ካርልተን ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ምስ ወፅአ ዘይተመለሰ መንእሰይ ረዳኢ ሃይሉ ብርሃነ፡ ደሃዩ ካብ ዝጠፍእ 19 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ እዋን ወዲ 23 ዓመት ዝነበረ ረዳኢ፡ ኣብ ዝርዝር ንነዊሕ ዓመታት ዝጠፍኡ ኣወስትራልያውን ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቕንያት ኣብ ዝተሓተመ ዛንታ ናይ ዝተወሰኑ ዝጠፍኡ ኣወስትራልያውያን ዘዘንቱ መፅሓፍ ‘ሎስት’ ታሪኹ ተገሊፁ ኣሎ። ጋዜጠኛ ሃይሉ ሳህለ፡ ንሓፍቲ ረዳኢ ዝኾነት እሌኒ ሃይሉ ኣዘራሪቡ ዘዳለዎ መደብ ክትከታተሉ ንዕድም።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (03 ነሓሰ 2026) 03.09.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ዶብ ኔፓል-ቲቤት ዕልቕልቕ ድሕሪ ምፍጣሩ ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ኣውስትራልያውያን ሞይቶም ከይኮኑ ስግኣቱ ገሊጹ ። ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብሰንኪ ኢቦላ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 3,000 ምብጽሑ ውድብ ጥዕና ዓለም [WHO] ገሊጹ። ጋንታትታት ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ዝኾና ሎስ ኣንጀልስ ራምስን ሳንፍራንሲስኮ 49ን ኣብ ከተማ መልበርን ዝመጽእ ሰሙን ኽጻወቱ እዮም።

"ኩለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ እምሕጸን።"ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ። (ጸብጻብ) 02.09.2026

ነበርቲ መልበርን ኣውስትራልያ ንምክልኻል ድርቂ ትግራይ 25 ሽሕ ዶላር ኣበርኪቶም። ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ዝተወደበ መኸተ ከም ዝጠልብ ላዕለዋይ በዓልመዚ እቲ ክልል ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ገሊጹ። ኩለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ተማሕጺና። ኮንግረስ ኣሜሪካ ዕድል ሰደድ ናፃ ንግዲ ንዝተመርፃ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣጎኣ ክሳብ 2028 ዘናውሕ እማመ ኣጽዲቑ። ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ዝተኣገደት ኢትዮጵያ ግን ምምላሳ ክሳብ ሕጂ ኣይገልጸን። ስዑዲ ዓረብ ምስ ዘስካሕክሕ ገበን ቅትለት ዝተተሓሓዘ ልዕሊ 100 ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣውዒላ።

Prostate cancer in Australia: Testing, treatment and support - መንሽሮ ፕሮስተይት (Prostate cancer) ኣብ ኣውስትራልያ: ምርመራ፣ ሕክምናን ደገፍን 02.09.2026

About one in five Australian men will be diagnosed with prostate cancer in their lifetime. Understanding the prostate, your risk and the options for testing can help with early detection and treatment. In this episode of Australia Explained, learn about prostate cancer, PSA testing, treatment and support. - ከባቢ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ኣውስትራልያውያን ደቂተባዕትዮ ኣብ መላእ ግዜ ህይወቶም መንሽሮ ፕሮስተይት/ፕሮስተይት ካንሰር ክህልዎም’ዩ። ኣብ ናይ ዕሸ...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (2 መስከረ 2026) 02.09.2026

ንሎሚ ሰሉስ 2 መስመረም 2026 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ቀቅድሚ`ቲ ቀታሊ ዝኾነ መደራግሕ በረድን ብርቱዕ ውሕጅን ኔፓልን ቲቤትን ዝነበሩ መጠንቀቕታታት ሸለል ምብሃሎም ሕቶታት ቀሪቦም፣ 5 ኣውስትራልያን ድማ ደሓን ከምዝኾኑ ተረጋጊጹ፡ * ጀርመን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ላይፕዚግ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ንዝተፈጸመ ፈተነ መጥቃዕቲ ሩስያ ፈጺማቶ ትብል፣ * ዩናይትድ ስቴትስ ሕነ ምፍዳይ ዝበለቶ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ልዕሊ ኢራን ፈጺማ፣

"ታሪኽ ናይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ታሪኽ ናይ ኢሳያስ ኣፎርቂን ወልደኣብ ወልደምርያምን’ዩ" 01.09.2026

ባሕቲ መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዝጀመረሉ መዓልቲ እዩ። ካብ ቀዳሞት ተጋደልቲ ኣብቲ ቃልሲ ካብ ዝተጸምበሩን ብዕለት 31 ኣብ መልበርን ዝዓረፈን ተጋዳላይ ማሕሙድ ጃብር ዮንስ ምኽንያት ብምግባር ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስማዒል ጃብር ዝተገብረ ቃለ መሕትት።

ሊዮነል መሲ ካብ ኣህጉራዊ ኩዑሶ እግሪ ጡረታ ይወጽእ፡ ህቡብ ሙዚቀኛ ሊዮነል ሪቺ ኣብ ሆስፒታል ይዕቆብ: ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 01.09.2026

**ስድራ ቤት ናይ ሓደ ወዲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሰብኣይ ፡ በቲ ኣብ ኔፓል ዘጋጠመ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ህይወቱ ዝሰኣነ ናይ መጀመርታ ኣውስትራልያዊ ምዃኑ ኣረጋጊጾም ። ... ** ሬሳ ናይ ሓደ ህጻን ኣብ መጉሓፊ በርሚል ምርካቡ ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘስካሕክሕን እዩ ክብል ፖሊስ NSW ገሊጹ ። ** ኣርጀንቲናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሊዮነል መሲ ካብ ኣህጉራዊ ኩዑሶ እግሪ ጡረታ ከም ዝወጸ ኣፍሊጡ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (31 ነሓሰ 2026) 31.08.2026

ንሎሚ 31ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (31 ነሓሰ 2026) 31.08.2026

ኣርእስታት ዜና፥ መራሒት ሰልፊ ዋን ኔሽን ፖሊን ሃንሰን ፡ ኣብ መልበርን ኣብ እተገብረ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኽትኸይድ ፍቓደኛ ብዘይምዃና ዉርደት ገጢምዋ ። ሓይልታት ኣመሪካ ወንጨፍቲ ሮኬታት ሚሳይል ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ወቒዖም ፣ እዚ ድሕሪ ኣዋርሕ ናይ መጀመርታ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እዩ ። ኣብ ሲድኒ ኣብዝተገብረ ማራቶን ጉያ እግሪ ኢትዮጵያዊ አዲሱ ጎበና ብክልተ ሰዓትን ኣርባዕተ ደቒቕን 42 ካልኢትን [2: 04: 42] ብምእታው ክብረ ወሰን ሰይሩ ።

32 ኤርትራውያን ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ብዝተኣሳሰረ ብፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። (ጸብጻብ) 30.08.2026

ተሓጋጋዚ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ፍራንክ ጋርስያ ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ፤ ጌታቸው ረዳ፡ ንሰራዊት ሱዳን ከሲሱ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ካብ ሞቓዲሾ ተሰናቢቱ። 32 ኤርትራውያን ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ብዝተኣሳሰረ ብፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ኣመሪካዊት-ኤርትራዊት ቲፋኒ ሓድሽ፡ንሚስ ዎርልድ ኤርትራ ስኒት ሃብተኣብ ድጋፋ ገሊጻ። ኡጋንዳ ኣብ ፍልስጤም ከባቢ ጋዛ ንዝካየድ ኣህጉራዊ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም 1200 ሰራዊት ከተበርክት ምዃና ተሓቢሩ።

130,000 ገጻት ሰባት ኣብ ሰሙን ይሰኣሉ: ንኣካይዳ ፖሊስ ኣውስትራልያ ዝቕይር ዘሎ ቴክኖሎጂ 30.08.2026

130,000 ገጻት ሰባት ኣብ ሰሙን ይሰኣሉ: ንስርዓተ ፖሊስ ኣውስትራልያ ዝቕይር ዘሎ ቴክኖሎጂ ነዊሕ ክእመነሎም ዝጸንሑ ትጽቢታት ብዛዕባ ህይወት ኣብ ህዝባውያን ቦታታት ብሰላሕታ ደጊሞም ይጸሓፉ’ለዉ ክብሉ ክኢላታት የጠንቅቑ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (27 ነሃሰ 2026) 27.08.2026

ንሎሚ 27 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.