SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
"ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ልዝብ ክጅምር ኣለዎ።" ልኡኻት ተዓዘብቲ መረጻ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን። (ጸብጻብ) 03.06.2026 8:52
ኤርትራ ምክትል ኣዶ-መንበር መበል 81 ሓፈሻዊ ጒባኤ ሕቡራት ሃገራት ኰይና ተመሪጻ። ኤርትራ ለበዳ ኢቦላ ንምክልኻል ውጥን ከምዘውጽአ ኣፍሊጣ። ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝተከአ መንግስቲ ትግራይ ንኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ፕረዚደንት ገይሩ። ተዓዘብቲ መረጻ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ልኡኻት ፖለቲካዊ ልዝብ ክጅምር ጸዊዖም። ሕብረት ኣውሮጳን እቶም ተዓዘብትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምርጫ ከም ዝቕበሉዎን "ሰላማዊ" ምንባሩን ብምግላጽ ኣብቶም ዝተረፉ ውን ክካየድ ጸዊዖም። ክልተ ተቓወምቲ ፓርትታት ድማ ንከይዲ እቲ መረፃ ነቒፎም። ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ "ክሳብ መዓዝ" ዝብል ሓዘን ከም ዝፈጠ...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (03 ሰነ 2026) 03.06.2026 3:35
*** ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ናይ ድሮንን ሚሳይልን መጥቃዕቲ ፡ ብውሕዱ 22 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ ።... *** ** ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ምርጫ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ነቚጣታት ምርጫ ቆጸራ ድምጺ ይቕጽል ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።...... *** ኣብዚ ሰሙን 'ዚ ብዝሒ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ብወግዒ 28 ሚልዮን በጺሑ ።
How should we talk to children about antisemitism? - SBS Examines: ብዛዕባ ጸረ-ሴማውነት ንህጻናት ከመይ ገይና ነዘራርቦም፧ 02.06.2026 11:25
Hearings for the Royal Commission on Antisemitism and Social Cohesion have revealed many victims and perpetrators of antisemitism in Australia are children. How do we discuss the issue in an age-appropriate way? - መርማሪ ኮሚሽን ኣብ ጉዳያት ጸረ-ሴማውነትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን (The Royal Commission on Antisemitism and Social Cohesion) ብዙሓት ግዳያትን ፈጸምትን ጸረ-ሴማውነት ኣብ ኣውስትራልያ ህጻናት ምዃኖም ኣመልኪቱ። ከመይ ገይርና ነዚ ጉዳይ ምስ ዕድመ ብዝሰማማዕ ኣ...
What to expect when visiting the veterinarian - ናብ ሓኪም እንስሳ (veterinarian) ኣብ ትበጽሕሉ ዝጽበየኩም ኩነታት፡ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 02.06.2026 8:29
Regular veterinary visits play an important role in keeping your pet healthy and happy. Find out what to expect at a veterinary clinic in Australia, from routine check-ups and vaccinations to advice on caring for your pet’s wellbeing. - ኣዘውቲርካ ናብ ሓኪም እንስሳ ምኻድ ፡ ትውንኖ እንስሳ ጥዑይን ሕጉስን ክኸውን ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝርከብ ክሊኒክ ሓኪም እንስሳ እንታይ ክትጽበ ከምዘለካ ፤ ካብቲ ልሙድ ምርመራታትን ክታበታትን ንድሕንነት ናይ ገዛ እንስሳኻ ብኸመይ ክ...
“ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኮይነ ምስ ኣቦይ ቡን እተክል ነይረ”- መስራቲ ኣገዮ ኮፊ ዳኒኤል ስዩም 02.06.2026 28:56
ዳኒኤል ስዩም ምስ በዓልቲ ቤቱ ሶልያናን ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ወዶምን ፡ ኣብ 2016 ኣኣ፡ ን ወለዱ ኣብ ናይ ቡን ሕርሸኦም ንምሕጋዝ፡ ካብ መልበርን ናብ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ እትርከብ ገጠር ኣገዮ ከይዶም። ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ናይ ሃገረሰብ ናብራ ናብ መልበርን ተመሊሶም፡ ኣገዮ ኮፊ ዝተባህለ ካፌ፣ መቕለውን መከፋፈልን ቡን ዘጠቓልል ትካል ከፊቶም። ኣብ ከባቢ ኮሊንውድ ዝርከብ ኣገዮ ኮፊ ካብቶም ብኣፍሪቃውያን ዝውነኑ ፍሉጣት ካፌታት መልበርን ሓደ እዩ። ቡን ካብ ዘፍርዩ ሓረስቶት ዝተወለደ ዳኒኤል፡ ብዛዕባ ምስ ቡን ዘለዎ ምትእስሳር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፃንሒትን ሞያኡን ምስ ሃይሉ ሳህለ ኣውጊዑ ኣሎ። Check...
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (02 ሰነ 2026) 02.06.2026 5:08
** ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣኑ ንተወሳኺ 5 ዓመታት ዘናውሕ ምርጫ ኣብ ኢትዮጵያ ክግበር ውዒሉ... ** ሕዝቦላህ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ደቡብ ቤሩት እተካይዶ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ከም እተቐበሎ ገሊጹ ተባሂሉ... ** ኣብ ወርሒ ግንቦት ፡ ኣብ ሲድኒ ብ 0.9 ሚእታዊት ፡ ኣብ መልበርን ድማ ብ 0.8 ሚእታዊት ዋጋታት ገዛ ጎዲሉ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (01 ሰነ 2026) 01.06.2026 44:49
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (01 ሰነ 2026) ን ሎሚ ሰኑይ 1 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ሕቡራት ህገራት ኣመሪካ ኣብ 1968 በቶም ንልጣን ዝበሓቱ ስሩታት ፖሎቲካ (establishment) ፍጊዕ ዝበሎ ብ Youth International Party ጽዋዕ ሰልፊ መንእሰያት ፕረሲደንት ክኸውን ከም ሕጹይ ምርጫ ንሓደ ሓሰማ ኣቕሪቡ፡ ስም ናይቲ ሕጹይ ድማ ፒጋሱስ ሰምይዎ። እዚ ኣብቲ ፖለቲካ ናይ ኣመሪካ መእተዊ ቀዳድ ዝሰኣነ ጉጅለ መንእሰያት ካብኡ ኣይትሕለፉ ኢሉ ከምተቕዉሞ ዘረቦ ሕጹይ ዩ። እቲ ፕረሲደንት ክኸውን ዝተሓጽየ ሃሰማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ቺካጎ...
MiniPod: Keep your eye on the ball | Words we use - MiniPod: Keep your eye on the ball | Words we use 01.06.2026 3:06
Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'Keep your eye on the ball'. - Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'Keep your eye on the ball'.
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (01 ሰነ 2026) 01.06.2026 12:08
ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ብዛዕባ ኣብ ግብሪ ክገብሮ መዲብዎ ዘሎ ምምሕያሽ ዝምልከት ሰልፊታት ዋን ኔሽን፡ ግሪንስን ሰልፊ ጥምረትን ብቐጻሊ ይነቕፍዎ ኣለዉ ። ካብ 1 ሰነ ጀሚሩ ኣብ ቪክቶርያ ዝነብሩ ን ህዝባዊ መጓዓዝያ ፡ ክሳዕ መወዳእታ ናይ "ዚ ዓመት" ዚ ፍርቂ ዋጋ ጥራይ ክኸፍሉ እዮም። ኢትዮጵያውያን ኣብቲ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ብገፊሕ ክዕወት ትጽቢት ዝግበሮ ምርጫ ሎሚ [1 ሰነ] ድምጾም ክህቡ እዮም ።
ምርጫ፡ መረፃ፥ መረጻ 01.06.2026 7:29
ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ብ ኣቋጻጽራ ግእዝ 24 ግንቦት ዝካየድ ምርጫ፡ ን42 ፖለቲካዊ ውድባት ን 80 ውልቀ ሕጹያትን ዝውክሉ ልዕሊ 10,430 ሕጹያት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝብታት ክልልን ፌደራልን ኣባልነት ክወዳደሩ እዮም። ልዕሊ 54 ሚልዮን ሰባት ንምምራጽ ተመዝጊቦም ኣለዉ። ሙሉእ ህዝቢ ክልል ትግራይን ኣብ 8 መረፃ ክልል ዝነብር ህዝቢ ክልል ኣምሓራን ፅባሕ መፃኢ መራሕቱ ኣይመረፅን። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 70 ዓመታት ካብ ዝተኻየዱ ኩሎም መረፃታት እቲ ኣብ 2005 ዝተኻየደ መረፃ ብብዙሓት ዝድነቕ እዩ። እቲ ምርጫ ካብ ዝካየድ ሎሚ ዓመት መበል 21 ዓመት ኮይንዎ ኣሎ።
ልዕሊ 50 ሚሊዮን ህዝቢ ድምጺ ንምሃብ ተመዝጊቡሉ ዝተብሃለ መረፃ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ። (ጸብጻብ) 01.06.2026 11:42
ትግራይ ኣብዚ ዕለት ንካልኣይ ጊዜ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ከይተኻየደላ ትተርፍ ዘላ ክልል ኮይና ኣላ። ልኡኽ ‘ዩኔስኮ’፡ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ኤርትራ ዕውት ዘተ ከም ዘካየደ ሓቢሩ። ብልዕሊ 17 ቢሊዮን ብር ካፒታል ዝተጣየሸ ፋብሪካ ሲሚንቶ ተጎጋ ስራሕ ንምጅማር ዘኽእሎ ማሽነሪታት ናብ ትግራይ የእትዉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ኣብዚ ቅንያት ንዝተነጽገ ኣከፋፍላ ልቓሕ ወጻኢ ዝምልከት ሓደስቲ መማረጺታት ትደሊ ምህላዋ ተገሊጹ።
That’s not a heatwave, THIS is a heatwave, says WMO - ኤውሮጳን ኤስያን ሙቐት ተለብሊበን፣ ውድብ ሜትዮሮጂ ዓለም ግን 'እዚ'ዩ እቲ ማዕበል ሙቐት' ይብል 31.05.2026 6:03
A new World Meteorological Organisation report has found the odds are high that the next five years will smash global heat records. The new United Nations climate projections forecast a high likelihood of more speeded-up warming through 2030, with Earth smashing its record for the hottest year and regularly surging past the international climate limit set as safe in 2015. - ውድብ ሜቲዮሮሎጂ ዓለም ዘውጽኦ ሓደ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (28 ግንቦት 2026) 28.05.2026 48:08
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (28 ግንቦት 2026) Check out our podcast collection here
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (28 ግንቦት 2026) 28.05.2026 12:03
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራሊያ ዓይነት ሓደ ሽኮርያ (type one diabetes) ንኸይወጽእ ክደናጐ ዝኽእል መድሃኒት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ጸዲቑ። ካናዳ ፡ ካብ ብኢቦላ እተጠቕዓ ሃገራት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፡ ኡጋንዳ ወይ ደቡብ ሱዳን ዝመጹ ገያሾ ፡ ን21 መዓልቲ ርእሶም ኪግልሉ ኽትሓትት ክትጅምር እያ ። ኣብቲ ኣብዚ ዓመት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝግበር ናይ ሓጅ ጕዕዞ ፡ ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ተሳቲፎም ። ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ናይ ፈለማ ግጥም ስቴት ኦፍ ኦሪጂን ብ 22-20, ተዓዊታ።
በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣስመራን መቐለን ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተኸቢሩ ውዒሉ። (ጸብጻብ) 27.05.2026 9:28
ጉዳይ ዶብ ምስ ኤርትራ ብግዝያዊ ስምምዕ ክድቅስ ኢትዮጵያዊ መንግስታዊ ትካል ሓቲቱ። ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ዝመርሖ ጕጅለ ተዓዛቢ መረጻ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ዝመጽእ ሰኑይ ዝካየድ መረጻ፡ ትግራይን ሸሞንተ ናቑጣታት ኣምሓራን ከም ዘይካየድ ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ እዩ። በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣስመራን መቐለን ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተኸቢሩ ውዒሉ። ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ንጥሕሰት ሕጊ መንግስቲ ፌደራልን ግፋ መናእሰይ ኣብ ትግራይ ኣውጊዞም። Check out our podcast collection here
ዉዕል ኣብርሃም- ABRAHAM ACCORDS 27.05.2026 7:11
ነቲ ምስ ኢራን ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ሃገራት ወሽመጥ ምስ እስራኤል ዘለዎም ርክብ ከመሓይሹ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ጸዊዑ። ትራምፕ ኣብቲ ማሕበራዊ ሜዲያኡ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ዝጸሓፎ መልእኽቲ: ሃገራት ዓረብን እስላምን ነቲ ብ "Abraham Accords' ወይ ዉዕል ኣብርሃም ዝበሃል ስምምዕ ክፍርማ ኣለወን ኢሉ ። እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ እቲ ውዕል እንታይ ምዃኑን ኣገዳስነቱን ከብርህ እዩ።
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (27 ግንቦት 2026) 27.05.2026 4:11
** ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ ናብ ኣውስትራልያ ክበጽሕ እዩ ፣... ** ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ፡ ብናጻ ብኣፍንጫ ዝወሃብ ክታበት ዝወስዱዎ ዝኽእሉ ገደብ ዕድመ ሰፊሑ... ** ሜክሲኮ፡ቅድሚ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም [ፊፋ]ምጅማሩ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘሎ ኢቦላ ንምምካት መርመራታት ጀሚራ ከምዘላ ገሊጻ ኣላ ።
#111 Water problems at home? |Talking to a plumber (Med) - #111 ኣብ ገዛ ብዛዕባ ማይ|ዝርርብ ምስ ሰራሒ ቡምባ። Water problems at home? |Talking to a plumber (Med) 26.05.2026 10:10
Learn English useful for describing plumbing problems at home. Practise everyday phrases for explaining issues, asking about cost, and arranging repairs. - ኣብ ገዛ ንዘሎ ናይ ቡምባ ጸገማት ንምግላጽ ብእንግሊዝኛ ንጥቀመሉ ኣገላልጻ ንመሃር ። ብዛዕባ ዋጋ ንምሕታትን ጽገና ንምሕታትን መዓልታዊ ሓረጋት ልመድ ። Learn English useful for describing plumbing problems at home. Practise everyday phrases for explaining issues, asking about cost, and arranging r...
A guide to fuel types in Australia | Fuel in Focus - ዓይነታት ነዳዲ ኣብ ኣውስትራሊያ | ኣተኩሮ ኣብ ነዳዲ 26.05.2026 6:50
Drivers across Australia are paying more at the bowser as fuel prices remain unstable. So does it make sense to go for cheaper petrol options when filling up? The answer depends largely on your engine requirements, as not every fuel works for every vehicle. - ዋጋ ነዳዲ ርጉእ ኣብ ዘይኮነሉ ኩነታት፡ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዘለዉ መራሕቲ መካይን ነዳዲ ንምዕዳግ ብዙሕ ገንዘብ ይኸፍሉ ኣለዉ ። ስለዚ ፡ ነዳዲ ኣብ እትመልኣሉ እዋን ናብ ዝሓሰረ ናይ ነዳዲ መማረጺታት ምኻድ ርትዓዊ...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (26 ግንቦት 2026) 26.05.2026 4:55
ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ክመሓየሽ እንተኮይኑ ጉዳይ ዶብ ብግዝያዊ ስምምዕ ክድቅስ ከምኡ'ውን ንተጠቃምነት ወደብ ዓሰብ ስምምዕ ክግበርን ከምዘድሊ መንግስታዊ ትካል መጽናዕቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ** ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ዉልቂ ኣባላት ፓርላማ " ሓድሽ ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምቛም” ኣብ ዘተ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ... ** ሜክሲኮ ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ኣብ እዋን ዋንጫ ዓለም ፊፋ ከተአንግድ ተሰማሚዓ። ... ** ካልኣይ ጉጅለ ምስ እስላማዊ መንግስቲ (Islamic State) ዝጸንሑ ቆልዑን ኣንስትን ኣውስትራሊያዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ትኬት ነፋሪት ምዕዳጎም ተፈሊጡ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (25 ግንቦት 2026) 25.05.2026 42:42
ን ሎሚ ሰኑይ 25 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (25 ግንቦት 2026) 25.05.2026 7:55
ኣርእስታት ዜና፥ ሎሚ ፌደራላዊ ምርጫ እንተ ዝካየድ ነይሩ ፡ ሰልፊ ዋን ኔሽን ክሳዕ 59 ዝዀኑ መናብር ታሕተዋይ ባይቶ ክሕዝ ይኽእል እዩ ክብል ሓድሽ መጽናዕቱ ኣፍሊጡ። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ኣፍደገ ዋይት ሃውስ ዝተገብረ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ዝምልከት ምርመራታት ይቕጽሉ ኣለው ። ኢትዮጵያ 'ሓድሽ መጠነ ሰፊሕ ግጭት' ንምጅማር ኣብ ቀረባ ከምትርከብ ጉጅለታት መሰላት ብምጥንቃቕ ህጹጽ ኣህጉራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዖም። ዌስት ሃም ዩናይትድ ፡ ካብ ዝርዝር ጋንታታት ፕሪሜር ሊግ እንግሊዝ ክትወርድ’ከላ ቶተንሃም ግን ንስክላ ድሒና።
MiniPod: GOAT | Words we use - MiniPod: GOAT | Words we use 25.05.2026 3:36
Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'GOAT'. - Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'GOAT'.
ኣብ 24 ግንቦት፡ "ሰራዊት ናብ ኣስመራ ክኣቱ የብሉን ዝብል መልእኽቲ ናይ ኢሳያስ ብመገዲ ሸሪፎ ኣቢሉ'ዩ መጺኡና።" ተጋ/ ዳኒኤል ጋርዛ 25.05.2026 34:12
ኣብ ዉሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 35 መዓልቲ ነጻነት የኽብር ኣሎ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ካብቶም ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናብ ኣስመራ ዝኣተዉ ናይ ፈለማ ተጋደልቲ ዝኾነ ዳንኤል ጋርዛ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ንድሕሪት ተመሊሱ ስምዒቱ እንታይ ከምዝነበረን ዝተፈጸመ ኩነታትን ኣዘንትዩልና ኣሎ። Check out our podcast collection here
Second-hand EV sales are surging - even classic cars are going electric - መሸጣ ዘገልገላ (Second-hand) ናይ ኤሌክትሪክ መካይን (EVs) ብናህሪ ይውስኽ፣ ናይ ቀደም (classic) መካይን'ውን ናብ ኤሌክትሪክ ይቕየራ 24.05.2026 7:22
Australia’s electric vehicle (EV) market hit a new record in April. And sales of second-hand EVs are soaring too. Some owners are also converting classic cars. - ዕዳጋ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣውስትራልያ ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊቦም። መሸጣታታት ካልኣይ ኢድ ወይ ዘገልገላ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን (EVs) ድማ ብተመሳሳሊ ብናህሪ ወሲኾም። ገለ ሰብ መካይን’ውን ንህቡባት ናይ ቀደም ቅዲ (ክላሲክ) መካይኖም ናብ ኤሌክትሪክ ይቕይርወን ኣለዉ።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.