SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

How do charities and individual fundraisers work in Australia? - ማሕበራት ግብረ ሰናይን ሓገዝ ዝሓቱ ዉልቀሰባትን ዝምልከት ኣብ ኣውስትራሊያ ብኸመይ ይሰርሕ? 16.06.2026

What are the rules around raising money and charities? How can you ensure you don't get scammed? Here is what you need to know if you're donating, raising money yourself or launching an online crowdfunding appeal. - ብዛዕባ ምሕታት ናይ ሓገዝ ገንዘብን ግብረ ሰናይን ዝምልከቱ ሕግታት እንታይ እዮም ? ከም ዘይጠፋፋእ ወይ ሃክ ከምዘይግበር ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል? ወፈያ ትገብር እንተ ኣሊኻ ፡ ናይ ሓገዝ ገንዘብ ገዛእ ርእስኻ ትሓትት እንተ ኣሊኻ ፡ ወይ ከኣ ኣብ ኦንላይን ናይ ክራውድፍንዲንግ ናይ ምሕ...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (16 ሰነ 2026) 16.06.2026

** ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንሃገሩ ካብቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝግበር ስምምዕ ኣግሊልዋ... ** ሎሚ ዝጋባእ ሪሰርቭ ባንክ መጠን ወለድ ከምዘለዎ ከጽንሖ ትጽቢት ይግበር... **ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ጋንታ ሶኮሩ ንቱርኪየ ኣብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ካናዳ ብዘመዝገብቶ ዘደንቕ ዓወት ሓጎሱ ብምግላጽ ንጋንታ ሶኮሩ እንቋዕ ኣሓጎሰኩም ኢሉ ኣሎ ...

ቀጥታ ምልኡእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (15 ሰነ 2026) 15.06.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 15 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና;

World Cup Daily: ጀርመን ብገፊሕ ዓወት ትምርሽ ጃፓን ኣብቲ ዘደንቕ ጸወታ ብማዕረ ትፋላለ 15.06.2026

ጀርመን ክትምርሽ'ከላ ጃፓን ኣብ መሳጢ ውድድር ዋንጫ ዓለም ኣብ ቃልሲ ዊዒላ ። እንቋዕ ብደሓን ናብ መዓልታዊ ጸብጻብ ውድድር ዋንጫ ዓለም መጻእኩም ። እናበልና እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ 4ይ መዓልቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ ።

MiniPod: On the back foot | Words we use - MiniPod: On the back foot | Words we use 15.06.2026

Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'On the back foot'. - Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'On the back foot'.

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (15 ሰነ 2026) 15.06.2026

ሚኒስተር ጥዕና ፌደራል ማርክ በትለር ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገራዊ መድሕን ስንክልና (NDIS) ተገይሩ ንዘሎ ለውጢ ዝምልከት እማመታት ፡ ዝቐርብ ዘሎ ስክፍታ ኣፍልጦ ከምዝህቦ ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ብዛዕባ እተገብረ ስምምዕ ንኺመያየጡ ናይ ጸጥታ ካቢነኡ ኸእክቦም እዩ ። ኣሰልጣኒ ሃገራዊ ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ቶኒ ፖፖቪች ፡ ኣውስትራልያ ንቱርኪየ 2ብ0 ብምስዕራ ኣዝዩ ከም ዝሕበን ገሊጹ ።

ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ኣብ እየሩሳሌም ኤምባሲ ንክኸፍት ናብ እስራኤል ኣትዩ። (ጸብጻብ) 14.06.2026

መበል 13 ዓመታዊ ፈስቲቫል ኮለጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ፡ ተሳሊጡ። ናይ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብ3 ዕፅፊ ዘዕቢ ንኡስ ጣብያ ተመሪቑ። ኤርትራ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ እተዛበዐ ሓበሬታ ዝተሰረተ ፕሮፓጋንዳ ይዝርግሕ ኣሎ ክትብል ከሲሳ። CPJ ሓንቲ ፈረንሳዊት ጋዜጠኛ ካብ ትግራይ ጸብጻብ ኣዳልያ ብዝብል ንዘባረሩዋ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኮኒኑ። ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ንፈለማ ወግዓዊ ዑደት ናብ እስራኤል ኣትዩ፤ ኣብ እየሩሳሌም ኤምባሲ ክኸፍት እዩ።

World Cup Daily: Debutants lead Australia to a dream 2-0 victory over Türkiye - World Cup Daily: ንፈለማ ግዜ ንኣውስትራልያ ዝወከሉ ተጻወቲ ናብ 2-0 ዓወት ኣብ ልዕሊ ቱርኪየ መሪሖማ 14.06.2026

The Socceroos opened their 2026 FIFA World Cup campaign with a vital win against a strong rival, while five-time champions Brazil were held to a surprise draw by Morocco. - ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራልያ (ሶከሩስ) ናይ 2026 ጎስጓሳ ንዋንጫ ዓለም ፊፋ ብዓወት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ካብ’ተን ሓያላት ተቐናቐንቲ ብምምዝጋብ ክትከፍቶ’ንከላ ሓሙሽተ ግዜ ሻምፒዮን ዝኾነት ብራዚል ግን ትጽቢት ዘይተገብረሉ ምስ ሞሮኮ ማዕረ ወጺኣ። ነብሲ ወከፍ ደቒቕ ዋንጫ ዓለም ፊፋ (FIFA World Cup 2026™) ብ SBS On Demand ተዓዘብዎ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (11 ሰነ 2026) 11.06.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 11 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ ፥

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (11 ሰነ 2026) 11.06.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ዝህሉ ኣጠንቂቑ ። ኣብ ቤልፋስት ፡ ድሕሪ ንምሉእ ለይቲ ኣንጻር ስደተኛታት ዝተገብረ ዕግርግር፡ ፡ ኣባይትን ማካይንን ብሓዊ ነዲዶም ። ዋንጫ ዓለም 2026 ካብ ሎሚ 11 ሰነ ጀሚሩ ብወግዒ ክጅመር እዩ ።

ሰልፊ ብልጽግና ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኣወጁ ውጽኢታት ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተወዳደረሎም ኩሎም መናብር ከምዝሰዓረ ተፈሊጡ። (ጸብጻብ) 10.06.2026

ኣብ መረፃ ኢትዮጵያ ብልጽግና ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኣወጁ ውጽኢታት ምርጫ ዝተወዳደረሎም መንበራት ኩሎም ከምዝሰዓረ ተፈሊጡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ ግብጺ ኣገዳሲት ወደብ ሱክና በጺሑ። ናይ 2019 ዓ/ም ዓመታዊ ባጀት ኢትዮጵያ 2.3 ትሪልዮን ኮይኑ ፀዲቑ። ትግራይ: ትካል ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይን ኣቦወንበሩን ብደረጃ ኣፍሪካ ተዓዊቶም።

#112 Keeping kids busy | Surviving school holidays (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ SBS : Keeping kids busy | Surviving school holidays (Med) 10.06.2026

Learn English phrases for keeping kids busy during the school holidays. Practise everyday English for talking about children’s behaviour, boredom, and common challenges at home. - ቆልዑ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ትምህርቲ ብንጥፈታት ጽሙዳት ክኾኑ ንጥቀመሎም ኣበሃህላታት ብቛንቋ እንግሊዝኛ። ብዛዕባ ጠባያት ቆልዑ፡ ምስልካይን ልሙድ ብድሆታት ኣብ ገዛን ዝምልከት ኣበሃህላታት ኣብዚ ክንመሃር ኢና። Learn English phrases for keeping kids busy during the school holidays. Practise everyd...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (10 ሰነ 2026) 10.06.2026

** ኢራን ዳግም ምስ ተቖጻጻሪ ኣቶሚካዊ ጸዓት ክትላዘብ ጻዊዒት ቀሪቡ። ** ንሕሙም ኢቦላ ዝተዋህበ መድሃኒት ኢቦላ ትስፉው ምዃኑ ተገሊጹ። ** ኣብ ርእሲ ከተማ ሰሜን ኣየርላንድ ኣብ ቤልፋስት መጥቃዕቲ ብኻራ ምስ ተፈጸመ ዕግርግር ተፈጢሩ ።

ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026: ምድላዋት፣ መሓለኻታትን ትጽቢታትን፣ 'ብሉጽ ዳኛ ቪዛ ዝኽልከለሉ ዋንጫ ዓለም!' (ትንታነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ) 10.06.2026

ሰላም ክቡራት ሰማዕትና፡ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 መዓልቱ ኣኺሉ ዝጅመረሉ እዋን በጺሑ'ሎ። ኣብ'ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብቐጥታን ብነጻን ዘመሓላልፍ መደበር ቴሌቪዥንን ሬድዮን SBS እዩ። ስለ'ዚ እዚ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ውራይ ክካየድ'ንከሎ ሸፈነና ኣብ ኩሉ መድረኻት ቴሌቪዥን፡ ሬድዮ፡ መርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መድረኻትን ክውስኽ'ዩ ማለት'ዩ። ንሎሚ እምበኣር እቲ ውራይ ቅድሚ ምጅማሩ ብዛዕብኡ ሓፈሻዊን እዋናውን ሓበሬታን ርእይቶን ንምርካብ ምስ ተንታኒ ስፖርትን ኣዳላዊ "ነጋ ስፖርት"ን ዝኾነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ ሓጺር ዕላል ከነካይድ ኢና። * ሃንቀውታን ትጽቢትን ንዋንጫ ዓለም ከም ቀደሙ ድዩ ዘ...

As women linked to ISIS return, how does Countering Violent Extremism (CVE) work in Australia? - SBS Examines: ምስ ኣይሲስ (ISIS) ምትእስሳር ኣለወን ዝተባህላ ደቀንስትዮ ኣብ ዝተመልሳሉ ኣውስትራልያ ንምቅላስ ጎነጻዊ ጽንፈኝነት ከመይ'ያ ትሕዞ፧ 09.06.2026

The return of 32 women and children from Syria, who are linked to the self-proclaimed Islamic State group, has prompted concerns around community safety and discussions around mandatory Countering Violent Extremism (CVE) activities for at-risk individuals. - ምምላስ ምስ'ቲ እስላማዊ መንግስቲ ኢሉ ንባዕሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ምትእስሳር ዘለዎም 32 ደቀንስትዮን ህጻናትን ካብ ሶርያ፡ ኣብ ዙርያ ድሕነት ማሕበረሰብ ስክፍታታት ከልዕል'ንከሎ ኣብ ዙርያ'ቶም ንምምካት ጎነጻዊ ጽንፈኝነት (C...

Are electric vehicles worth it in Australia?| Fuel in Focus - ናይ ኤለክትሪክ መኪና ምጥቃም ኣብ ኣውስትራሊያ የዋጽእ ዶ?| ትዂረት ኣብ ነዳዲ 09.06.2026

Electric vehicles are becoming more common on Australian roads as fuel prices remain unstable and more drivers look for cheaper ways to travel. Here's what you need to know if you are thinking about making the switch. - ዋጋ ነዳዲ ርጉእ ኣብዘይኮነሉን ብዙሓት ኣሽከርከርቲ ድማ ብዝሓሰረ መማረጺ ክጓዓዙ ይደልዩ ኣብዘለውሉ ናይ ኤለክትሪክ ማካይን ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ መንገድታት ግኑናት ኮይነን ኣለዋ። ናብ ናይ ኤለክትሪክ መኪና ክትልውጥ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ ክትፈልጦም ብዛዕባ ዘለዉኻ ነገራት ኣብዚ ቀሪቦ...

"ኣብ ማሕበረሰብና ን25 ዓመታት ብዝገበርናዮ ጽልዋ ኢና ተሸሊምና።" ጋዜጠኛታት ብርሃን ጃብር ን ኣሕመድ ማሕሙድን ተሸለምቲ "ሽልማት ጽልዋ ኣብ ማሕበርሰብ 2026" 09.06.2026

ጋዜጠኛታት በርሃን እስማዒልን ኣሕመድ ማሕሙድን ኣብ ናይ ኮሚኒቲ ራዲዮ 3 CR ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣገልጊሎም። በቲ ራዲዮ ኣቢሎም ኣብ ማሕበረሰብ ብዝገበርዎ ጽልዋ ብ The National and Multicultural Broadcasters' Council ብ "ጽልዋ ኣብ ማሕበረሰብ" ናይ 2026 ተሰለምቲ ክኾኑ ኪኢሎም ኣለዉ። ብዛዕባ ዝተዋህቦም ሽልማትን ምኽንያት መሸለሚኦምን ዝተገብረ ዕላል።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (09 ሰነ 2026) 09.06.2026

** ኣብ ፊሊፒንስ ብዝተኸስተ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብውሕዱ 35 ሰባት ሞይቶም 144 ቆሲሎም። ** ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ፡ ናብ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝገበሮ ዘሎ ምብጻሕ ፡ እታ ሃገር ምስ ደቡብ ኮርያ ድልዱል ምትሕብባር ክትገብር ጸዊዑ። ** መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ካይሮ ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (08 ሰነ 2026) 08.06.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 8 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ናይ ሓደ ሰዓት ፕሮግራም።

MiniPod: Man On! | Words we use - MiniPod: Man On! | Words we use 08.06.2026

Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'Man On!'. - Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'Man On!'.

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (08 ሰነ 2026) 08.06.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ናይ ቀደም ኣውስትራልያዊ ናይ ዓመትን ቀንዲ ተመራማሪ ስነ-ፍልጠትን ሪቻርድ ስኮልየር ድሕሪ እቲ ንነዊኅ እዋን ብመንሽሮ ሓንጎል ክገብሮ ዝጸንሐ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ኣብ 59 ዓመት ዕድሚኡ ሞይቱ። ኣውስትራሊያ ቅድሚ እቲ ኣብ መዓልቲ ልደት ንጉስ ንደቂ ኣንስትዮ ዝወሃብ ኣፍልጦ እኹል ክሳብ ዝኸውን ነዊሕ ጉዕዞ ተሪፉ ኣሎ ክትብል ጋቨርነር ጀነራል ገሊጻ። ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተገብረ ቅድድም ጉያ እግሪ ማራቶን፡ ናሆም ኤርምያስን ናዝሬት ወልዱን ተዓወትቲ ማራቶን ኣስመራ 2026 ኰይኖም።

ኣብ ትግራይ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 07.06.2026

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ካይሮ ገይሹ። ቀዳማይ ሚንስተርን ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ 'ፅምዶ' ክስታት ኣቕሪቦም። ኣብ ትግራይ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። ሕብረት ኣፍሪካ ንጉዳይ ትግራይ ሓድሽ ፃዕርታት ሽምግልና ንምጅማር ውጥን ከምዘለዎ ኣመላኺቱ ። ኣብ ትግራይ ሓደ በዓል ሃብቲ ብዘዳለዎ መድረኽ 185 ብሉፃት መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርትን ተሸሊሞም።

ኣብ ሓድሽ ቁጠባ ኩዕሶ እግሪ ዋጋ ደገፍቲ ንዋንጫ ዓለም ክንደይ'ዩ፧ 07.06.2026

ብሰንኪ’ቲ ገለ ተንተንቲ ኣካል ናይ ሓደ 'ሰፊሕ ለውጢ ኣብ ስፖርታዊ ባህሊ' ዝበልዎ 'ክብሪ ዋጋ' ገለ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ካብ’ቲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ክእለዩ ተገዲዶም። ዋንጫ ዓለም ኣብ መኽሰብን ብልጭልጭን ኣትኲሩ ነቶም ሰረት ዝሃብዎ ደገፍቲ እንተረሲዑ እንታይ'ዩ ትርጉሙ፧

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (04 ሰነ 2026) 04.06.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 4 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ ትሕዝቶ መደብና፥

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (04 ሰነ 2026) 04.06.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ኤልኒኖ ስለ ዝጅምር፡ ዓለም ሕማቕ ኵነታት ኣየር ክመጽእ ምዃኑን ንኽትዳሎን መጠንቀቕታ ቀሪቡ ። ሓላፊ ቤት ምኽሪ ኢንዳስትሪ መኻይን [ፋካ] ፡ መጠን ብዝሒ መሸጣ ናይ ኤለትሪክ መኻይን ከም ዘገረሞ ገሊጹ ። ናይ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ተጻዋቲት ቴኒስ ኣሪና ሳባሌንካ ድሕሪ እቲ ኣብ ሮላንድ ጋሮስ ዝተገብረ ናይ ርብዒ ፍጻሜ ግጥም ካብ ጸወታ ፍረንች ኦፐን ተገሊፋ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.