SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
“እዚ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ግልያ ኮይኑ ክነብር ዝዓዘሞ ነገር ኣይርድ ኣካን’ዩ።” ገረዝግሄር ተወልደ 18.08.2024 26:40
ካል ኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ተገይሩ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ነሓሰ 2024) 15.08.2024 52:24
ንሎሚ ሓሙስ 15 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ጁልያ ነብሌት ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዑደት ኣካይደን። ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ 'ፖለቲካዊ ድርድር' ክፍታሕ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ምምሕዳር ብምፍራስ ሓዱሽ ናይ ምትካእ ስራሕ ከም ዝቕጽል ተገሊጹ። ንመንግስትን ፋኖን ከቀራርብ ዝቘመ ቤትምኽሪ ሰላም ፈተናታት ከም ዝገጠሞ ሓቢሩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፡ እዩ ። ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዝብል...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ነሓሰ 2024) 15.08.2024 17:25
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝዝርጋሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም ሞንኪፖክስ ንኻልኣይ ግዜ ዓለምለኸ ለበዳ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዊጁ ። ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ታይላንድ ንቀዳማይ ሚኒስተር ስረታ ታቪሲን ካብ ስልጣኑ ኣባሪርዎ ። ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ጁልያ ነብሌት ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዑደት ኣካይዳ።
ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ብ ፖለቲካዊ ድርድር ክፍታሕ ምዃኑ ገሊጹ። 14.08.2024 6:25
እቲ ብክንሳተፍ ኢና ዝብሉን ኣብ ዝተጨውየ ጉባኤ ኣይንርከብን ዝብሉ ምፍልላያት ዘኸተለ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ኣብ መቐለ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጉባኤ ካብ ኮሚሽን መረጻ ኢትዮጵያውን ተቓዉሞ ገጢምዎ ኣሎ። እዚ ጉባኤ በቲ ሃደ ወገን ኣብ ዉሽጢ እቲ ዉድብ ተፈጢሩ ዘሎ ምግምማዕ በቲ ኻልእ ድማ መጻኢ ዝምድና ምስ ፈደራል ዝመጽእ ኩነታት ብህዝቢ ኣብ ሳቕሎት ኣእትይዎ ይርከብ።
Why is sex and sexuality education taught in Australian schools? - SBS Examines: ኣብ ቤት ትምህርትታት ኣውስትራልያ ንምንታይ እዩ ትምህርቲ ጾታን ጾታዊ ስምዒትን ዝወሃብ፧ 14.08.2024 9:00
Sex ed in schools is controversial, but experts say it's vital for young people to learn about their bodies, identities, and healthy relationships. Why are some parents concerned? - ኣብ ኣውስትራልያ ጾታዊ ትምህርቲ ጠቓሚ'ዩ፡ ግን ነንሓድሕዱ ዘይሳነን/ዘይቃዶን ኣካታዒን'ዩ። ስለ'ዚ ጾታዊ ትምህርቲ ንኩሉ ዝወሃብ ክኸውን ኣለዎ ድዩ፧ ገለ ወለዲ ኸ ስግኣት ዝሓድሮም ንምንታይ`ዩ፧ እዚ ትሕዝቶ SBS Examines ንጾታዊ ትምህርቲ ኣብ ኣውስትራልያ ክምልከት`ዩ።
ዋዕላ ዉድባት ኤርትራን ዝሓንጸጾ መደባትን፡ ዝርርብ ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ (ቀዳማይ ክፋል) 14.08.2024 20:11
ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ተገይሩ። ኣብዚ ጽላል፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተሳተፉ ተገሊጹ፡፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ነቲ ናይቲ ጽላል መሰጋገሪ ክመርሕ ዝተመርጸ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕን መደባቶምን ክገልጸልና ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ኣብዚ ቐሪቡ ኣሎ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ነሓሰ 2024) 14.08.2024 8:50
ንሎሚ 14 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ኣብ ኲንስላንድ ሓንቲ ጓል 10 ዓመት ኣብ ጎልድ ኮስት ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤት ጐረሮኣ ተሓሪዳ ሞይታ ድሕሪ ምርካባ ሓንቲ 46 ዓመት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ ተኸሲሳ ። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ቱርኪ ዝተኻየደ ዝርርብ' ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ ተፈሊጡ። ኣብ ኣውስትራልያ ፡ ወለንታዊ ብሓገዝ ሰብ ምቕታል [V-A-D] ሕጋዊ ካብ ዝኸውን ፡ ዘይምሕር ሕማም ዘለዎም ልዕሊ 2,460 ሰባት ነዚ ኣማራጺ እዚ መሪጾም ከምዝሞቱ ተፈሊጡ ። መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ኣብ ከተማ መቐለ ብወግዒ ተኸፊቱ፡ እዚ ጉባኤ ዝካየድ ዘሎ እቲ ዉድብ ኣብ ክልተ ተመቒሉሉ ኣብ ዘሎ...
ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ብዛዕባ ዜና ምዝርራብ 14.08.2024 16:52
SBS Learn English will help you speak, understand and connect in Australia - view all episodes. This lesson is suitable for intermediate-level learners. After listening, test your knowledge with our quiz.
ምፍላጥን ምርዳእን ባህላዊ ሕክምና 13.08.2024 10:58
ህዝብታት ኣቦርጅንን ተቐማጦ ደሴት ቶረስ ኣይላንደራትን ፡ ብዛዕባ ሃገሮም ዓሚቝ ፍልጠትን ሓለዋን ስለ ስለዝገበሩ ፡ ንኣሽሓት ዓመታት ክጸንሑ ኪኢሎም እዮም ። እዚ ነቲ ኣካልውን መንፈሳውን መዳይ ኣብ ቀዳሞት ህዝብታት ዝጥቀምሉ ልምዲ ምፍዋስ ዘጠቓልል እዩ ። ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ ናይ ደቀባት ባህላዊ ፍወሳ ምርዳእን ነቲ ሎሚ ዘሎ ኣሰራርሓ ክንክን ጥዕና ኣድማዒ ውጽኢታውን ክኸውን ጠቓሚ ፍልጠት ከም ዝህብ ርኢና ኢና ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ነሓሰ 2024) 13.08.2024 6:08
ንሎሚ 13 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት፥ ቦርድ መርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ሰሉስ ክጅመር ተመዲቡ ዘሎ ጉባኤ ህወሓት ኣፍልጦ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ። መራሕቲ ኣመሪካ ፈረንሳ ፡ ጀርመን ፡ ኢጣልያን እንግሊዝን ፡ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ከይትፍኑ ተማሕጺኖም ። ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣንካራ ቱርኪ ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ነሓሰ 2024) 12.08.2024 13:55
ዕለታዊ ዜና (12082024) * ፓሪስ ሓላፍነት ምእንጋድ ኦሎምፒክስ ንሎስ ኣንጀለስ ኣረኪባታ፣ * እስራኤል ዳግማይ ምግዓዝ ፍልስጤማውያን ካብ ኻን ዩኒስ ኣዚዛ፣ * ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ንግዚኡ ከም ዝተኸልከለ ተገሊጹ፣ እዙይ ውሳኔ ዝተወስደ ብኣቦወንበር ህወሓት ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ጽባሕ ሰሉስ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ዝፀውዐሉ ወቕቲ እዩ፣
ኦሎምፒክስ ፓሪስ ብድሙቕ ተዛዚሙ፣ ኢትዮጵያ ሓደ መዳልያ ወርቂ ኣመዝጊባ ተመሊሳ፣ 12.08.2024 10:50
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/08/2024) * ታምራት ቶላ ተዓዋቲ ውድድር ማራቶን ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ብምዃን ቀዳመይቲ ወርቂ መዳልያ ንኢትዮጵያ ዓቲሩ፣ * ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ደገፍትን ሃገራዊት ጋንትኦም ኣብ`ዚ ዓመት ኣብ ግጥማት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ዘርኣየቶ ብቕዓትን ዘመዝገበቶም ቁጽሪ መዳልያታትን ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ይገልጹ፣ * መዳልያ ክዓትር ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ለመቻ ግርማ ኣብ መወዳእታ ዙር ብኸቢድ ድሕሪ ምውዳቑ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ፣ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣሎ ተባሂሉ፣ * ኣብ ኦሎምፒክስ መዳልያታት ዘመዝግቡ ኣትሌታት ሃገራቶም ምስጋንአን ንምግላጽ ስልማታት ይዕድለኦም`የን፣ ዝለዓለ ገ...
ኣቦ ወንበር ዝመርሖ ሓደ ክፋል ህወሓት ጉባኤ ኣብ ዝፀውዓሉ ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ንግዚኡ ከም ዝተኸልከለ ተገሊጹ፣ 12.08.2024 9:31
ጸብጻባት ልኡኽና * ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ንግዚኡ ከም ዝተኸልከለ ተገሊጹ፣ እዙይ ውሳኔ ዝተወስደ ብኣቦወንበር ህወሓት ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ጽባሕ ሰሉስ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ዝፀውዐሉ ወቕቲ እዩ፣ * ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነቱ፡ ብሓድሽ ንኽምዝገብ ዝተውሃበ ውሳነ ከምዘይቕበሉዎ ኣቦወንበሩን ምክትሉን ኣፍሊጦም፣ * ኣብ ትግራይ ብብልሽውና ሓለፍቲ ተኣሲሮም ተባሂሉ፣ * ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 - ዝኽሪ 50 ዓመት ፈስቲቫል ቦሎኛ፡ ብወግዒ ከም ዝተኸፍተ ተገሊጹ፣ * ዝተፈላለዩ ዉድባት ኤርትራ፡ ንስርዓት ኤርትራ ንምቅላስ ኣብ ጀርመን ሓባራዊ ልፍንቲ ከም ዝመስረቱ ኣፍሊጦም፣ * ኣብ ኢትዮጵያ ልዕ...
What is genocide? - SBS Examines: ምጽናት ዓሌት (Genocide) እንታይ እዩ፧ 10.08.2024 10:41
'Genocide' is a powerful term — it's been called the "crime of crimes". When does large-scale violence become genocide, and why is it so difficult to prove and punish? - ምጽናት ዓሌት (`ጀኖሳይድ``Genocide`) ከቢድ ዝኾነ ቃል'ዩ - "ናይ ገበናት ገበን" ተባሂሉ ተጸዊዑ'ዩ። መዓስ'ዩ ሓደ ገዚፍ-መጠን ዘለዎ ዓመጽ ወይ ጎነጽ፡ ጃምላዊ ቅትለት ዝኸውን፡ ንምንታ'ዩ ኸ እዚ ከተረጋግጾን መቕጻዕቲ ክትብይነሉን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ወይ ከቢድ ዝኸውን፧
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ነሓሰ 2024) 08.08.2024 14:01
ኣርእስታት ዜና፥ ፡ ኣብ ከባቢ ዋክለይ ፡ ኣብ ኣፍደገ ቤተ ክርስትያ ክርስቶስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ እተላዕለ ናዕቢ ፡ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ሰባት ገበነኛታት ኰይኖም ተረኺቦም። ፖሊስ ብሪጣንያ ንዝግበር ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ናዕብታት ንምምካት ኣብ ምድላው ይርከብ ። ኣውስትራሊያ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጋንታ ብሽክሌታ ተዓዊታ ።
ኣብ ዙር ፈረንሳይ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዕዉት ቀጠልያ ማልያ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ኣስመራ ብድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ። 07.08.2024 6:39
ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል; ኢትዮጵያ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምቕጻሉ ገሊጹ። ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ይሓ ኣብ ሰብ ጉድኣት ዘየውረደ ዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ኣጋጢሙ ኣብ ሶማል ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሒዙዎም ዝጸንሐ ቦታታት ከረክብ ጀሚሩ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2024) 07.08.2024 6:07
ሓማስ ፡ ሓድሽ መራሒ እቲ ዉድብ ክኸውን ንያሕያ ሲንዋር ሸይምዎ ። ካማላ ሃሪስ ፡ ንቲም ዋልስ፡ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንዶናልድ ትራምፕ እንተድኣ ስዒራ ምክትል ፕረዚደንት ክከውን መሪጻቶ። ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኪስማዮ ሶማልያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ እስላማዊ መሸፈኒ ገጽ ዝተኸደና ደቂ ኣንስትዮ ነበርቲ ኣብ ቀይዲ ኣትየን። ኣብ ሱዳን ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ምኽንያት ትሸዓተ ሰባት ሞይቶም።
ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ወይ ብ ኦንላይን ዝህሉ ምንሻው (bullying) ብኸመይ ትምክቶ፡ 07.08.2024 11:39
ውሑስን ንኹሉ ክፉት ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ሃዋህው ምድላው ናይ ኩሉ ማሕበረ ሰብ ቤት ትምህርቲ ቀንዲ ተልእኾ እዩ ። ኰይኑ ግና ፡ ወለዲ ውሉዶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ኺድንደን ወይ ቡሊ ክኸውን ከሎ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ? እቲ ምንሻው ብ ኦንላይን እንተ ኣጋጢሙኸ እንታይ ስጕምትታት ክወስዱ ኣለዎም ? ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ ፡ ኣብ ትምህርቲ ፡ ስነ-ኣእምሮ ፡ ከምኡ "ውን ኣብ ኢንተርነት ዝርከቡ ክኢላታት ፡ እዋናዊ ምኽሪን ልቦናን ክህቡና ሓቲትና ዝረኸብናዮ መልሲ ሒዝና ቀሪብና ኣለና ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ነሓሰ 2024) 06.08.2024 6:17
ንሎሚ 6 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፈለማ ኣርእስታቶም፡ ኣብ ኣመሪካ ዘጋጠመ ምኽሳር ዕዳጋታት ስቶክ ዉድቀት ስዒቡ ቁጠባ ከየጋጥም ተሰጊኡ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሸኽ ሓሲና ብሂሊኮፕተር ሃዲማ ድሕሪ ምውጻኣ ህዝቢ ባንግላደሽ ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ሓጎሶም ይገልጹ ። ኣብ ዞባ ወላይታ፡ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 11 ሰባት ምማቶም ተሓቢሩ።
"ናይ ሰባት ጸገማት ሰሚዕና ንነብዓሉን ንበኽየሉን ግዜ ኣሎ።" ተርጓምን ኣስተርጓምን መርእድ እያሱ 06.08.2024 24:54
ኣቶ መርእድ እያሱ ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር ካብ ዝጅምር 20 ዓመታት ዝገበረ ናይ ሕርሻ ምሁር እዩ። ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝሰርሓሉ ስራሕ ምትርጓምን ምስትርጓምን ኮይኑ፡ ብዛዕባ'ቲ ስራሕ ዘሎ ጥቕምታት ብፍላይ ድማ ጸገም ቋንቋ እንግልዝኛ ንዘለዎም ኣገልግሎት ምትርጓም ዘለዎ ረብሓ ተንቲኑ ኣሎ። ኣብቲ ስራሕ ዘጋጥምዎ ጸገማትን ዕግበትን'ውን ኣካፊሉ ኣሎ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ነሓሰ 2024) 05.08.2024 12:34
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ኣውስትራሊያዊያን ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጹ ተደጋጋሚ መጸዋዕታታት ይቐርብ ኣሎ። ኣንጻር ኢሚግሬሽንን ንዕ ኡ ዝቃወምን ናይ ተቓውሞታት ሰልፍታትን ኣብ መላእ ዩናይትድ ኪንግደም ን ሓደ ሰሙን ቀጺሉ። ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፡ ብኣህጉራዊ ማሕበር መኸተ ጕስጢ (ኢባ) ኣብ ልዕሊ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝተገብረ ፡ ጾታዊ መርመራ ተቐባልነት ከም ዘይብሉን ተኣማኒ ከም ዘይኰነን ገሊጹ ።
ቢንያም ግርማይ ናይ ኦሎምፒክስ ተሳትፎኡ ኣጠናቒቑ፣ ቀዳመይቲ መዳልያ ኢትዮጵያ (ብሩር) ብበሪሁ ኣረጋዊ ተረኺባ፣ 04.08.2024 11:00
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/08/2024) * ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ብዓወት በልጅማዊ ረምኮ ኢቨነፖል ተዛዚሙ፣ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ታሪኻዊ ተሳትፎኡ መበል 49 ብምእታው ኣጠናቒቑ፣ * ውድድራት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ኣብ ዝቐጸልሉ ኢትዮጵያ ፈለማያ ዝኾነ ብሩር መዳልያ ብበሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ውድድራት ጉያ እግሪ 10ሽሕ ሜትሮ ረኺባ፣ * ኣብ መጻረዪ ውድድራት 5000 ሜ ደቀንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ጉዳፍ ጸጋይ፣ እጅጋየሁ ታየን መዲና አይሳን፣ ኣብ ውድድር 800 ሜ ኸኣ ጽገ ድጉማን ወርቅነሽ መሰለን ናብ ፍጻመ ሓሊፈን፣ * ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክስ ህቡባት ኣትሌታት ምሕንባስ ኣብ ነብሶም ዝረ...
ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ ብኢራን ተናኢዳ። 04.08.2024 7:55
ምምላስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ካብቶም ኣብ ካልኦት ከባቢታት ብዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንምትግባር ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ። 75 ሽሕ ሰራዊት ትግራይ ነበር ናብ ህዝቢ ንምጽምባር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ይውገን ከም ዘሎ ተገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝሓርፈፈ ርክብ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ ብኢራን ተናኢዳ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንዘረባ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ውዱቕ ብምግባር ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ መንግስቲ ዝርርብ ከም ዘየለ ገሊጹ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ነሓሰ 2024) 01.08.2024 54:34
ንሎሚ ሓሙስ 01 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ዕላል ምስ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ ኣብዚ ክፋል ብዛዕባ ኣብ መጽሓፉ ዝርከባ ግጥምታት ኣዕሊሉ ኣሎ። ሎሚ ካል ኣይ ክፋሉ ከነቕቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ኣብ ኲናት ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ተዋጋእቲ ብናጻ መንበሪ ገዛን ናይ ስራሕ ቦታን ዘወንን ሕጊ ኣጽዲቑ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ‘ጸለመ’ዩ’ ዝብል ምላሽ ተዋሂቡዎ። ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ንዝኣወጀት ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ዓመታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ክትረክብ ተመዲቡ። ኣብ መላእ ኣውስትራ...
ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ነሓሰ 2024) 01.08.2024 15:37
ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተር ምክልኻል ኣውስትራሊያ ፡ ድሕሪ ቅትለት ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵነታት ናብ ዘይተደልየ ኩነታት ከይዓርግ መጠንቀቕታ ሂቡ ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቺካጎ ምስ ምሕበር ጋዜጠኛታት ጸለምቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ፡ ናይ ካማላ ሃሪስ ዉርሻዊ ዘርኣ ኣብ ሕቶ ምስ ኣእተዎ ኩነታት ናብ ተጻባኢ ኲነት ተቐይሩ። ኣል-ጀዚራ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ኣብ እስራኤል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ክልተ ካብ ጋዜጠኛታቱ ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.