SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ሕማም በዲዶ ህበይ (MPox) ሓደገኛ ድዩ፧ ብኸመይ'ከ ንከላኸሎ፧ ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ መልሲ ኣለዎ። 01.09.2024 11:23
ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ናብ መላእ ዓለም ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም በዲዶ ህበይ ንዓለም ኣስጋኢ ምዃኑ ኣሚኑ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዓለማዊ ለበዳ ገይሩ ኣዊጅዎ ኣሎ። እዚ ሕማም ብኸመይ ይመሓላለፍ፧ ከይንተሓዝ እንታይ ክንገብር ኣለና፧ በዚ ሕማም እንተ ተታሒዝና ክንወስዶ ዝግባእ ስጉምቲ እንታይ እዩ ዝብሉን ምስዚ ሕማም ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ኣብ ቪክቶሪያ ካብ ሱፐር ክሊኒክ ሆፐርስክሮሲን መሊሱልና ኣሎ።
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ነሓሰ 2024) 29.08.2024 54:18
ንሎሚ ሓሙስ 29 ንአሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ዘካፈለና ካል ኣይን መወዳእታን ክፋል ሎሚ ክቐርብ እዩ። ክልተ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ውግእ ግ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ነሓሰ 2024) 29.08.2024 16:29
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ፎረም ደሴት ፓሲፊክ 'ዕዉት' ዩ 'ነይሩ ክብል ገሊጽዎ። ድሮን ዩክሬን ፡ ኣብቲ ኣብ ሩስያ ደቡባዊ ዞባ ሮስቶቭ ዝርከብ መዕቆሪ ነዳዲ ከም ዘባርዑ ፡ መስመር ቴለግራም ሩስያ ሓቢሩ ። ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ፖለቲከኛ ምሉእ ኣባል ዞባዊ ባይቶ ክኸውን ተመዚዙ፡
Is the cost of living affecting social cohesion? - SBS Examines፡ ክብሪ መነባብሮ ንማሕበራዊ ስምረትና የላሕልሖ ኣሎ ድዩ፧ 28.08.2024 7:33
According to recent research, the biggest concern facing Australians today is the economy, and it’s causing ruptures within our society. - መጽናዕታት ከምዘመልክትዎ እቲ ንኣውስትራልያውያን ኣጋጢምዎም ዘሎ ዝዓበየ ስግኣት ቁጠባ'ዩ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ኸኣ ነቓዓት ይፈጥር ኣሎ።
ክልተ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቃድሾ ከምዝዓለባ ተሓቢሩ:ኢትዮጵያ ነዚ ብምቅዋም መግለጺ ኣውጺኣ። 28.08.2024 4:00
ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ኣካታዒ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ስዒቡ፡ ሶማልያ ቅድሚ እቲ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ምዝዛሙ ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምእትደሊ ኣፍሊጣ ነይራ'ያ። ግብጺ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝዋፈር ሓድሽ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከተበርክት ሕቶ ምቕራባ ዝፍለጥ እዩ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ነሓሰ 2024) 28.08.2024 5:29
ን ሎሚ 28 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ደቡባዊ ምብራቕ ኣውስትራሊያ ብብርቱዕን ጎዳእን ንፋስ ይዉቃዕ ኣሎ። ዩክረይን ኣብቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ዞባ ኩርስክ ንሰለስተ ሰሙን ዝገበረቶ ስርሒት ፡ 100 ሰፈራታት ከም ዝማረኸት ገሊጹ ። ዋና-ፈጻሚ ኮሚሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ዘይተጻሕፉ ሕግታት ኣብ ቦታታት ስራሕ: 27.08.2024 11:40
ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ቦታ ስራሕ ንኣሰራርሓ ዝምልከቱ መምርሒታት ካብ ትካል ናብ ትካል ይፈላለይ እዩ ፡ እንተኾነ ግን ገለ ዝተለምዱ ዘይተጻሕፉ ሕግታት ብሓፈሽኡ ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ንግዲ ትካላትን ኢንዱስትሪታትን ዝኽተልዎም ኣለዉ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ስራሕ ቦታ ብዙሕ ዘይዝውተር ሕጊታት ናብ ዝተወሰነ ማሕበራዊ ልምዲ ክሰጋገር ይኽእል እዩ ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ሓድሽ ስራሕ ኣብ ትጅምረሉ ፡ ነዚ ዘይተጻሕፈ ሕግታት ኽንምርምር ኢና ።
ኤርትራዊያን ካብ እስራኤል፡ ኢትዮጵያዊያን ካብ ማልታ ክጥረዙ፡ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ነሓሰ 2024) 27.08.2024 8:36
ንሎሚ 27 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ; ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተር እስራኤል፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክጥረዙ ሓቲቱ፣ ኢትዮጵያውያን ተቐማጦ ማልታ ድሕሪ ኣስታት ዕስራ ዓመት ካብ ማልታ ክጥረዙ ምዃኖም ተፈሊጡ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ መንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ኣብ ሰማያዊ መስመር ዘሎ ግጭት ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ። ኣብ ሰሜን ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ ምህማም መሬት 10 ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ነሓሰ 2024) 26.08.2024 49:58
ን ሎሚ 26 ነሓሰ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ኣካፊሉና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ዝተኸስተ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ይጋደድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ፖሊስ ኢ...
ንሕማም ረሲዕ ALZHEIMERS DRUG ዝፍውስ መድሃኒት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ጀሚሩ/ 26.08.2024 5:37
እቲ ኣብ እዋን እርጋን ዘጋጥም ሕማም ረሲዕ (dementia ) ዝከላኸል ናይ መጀመርታ መድሃኒት ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት ምምዕባሉ: ንሕሙማት ተስፋ ሂቡ ኣሎ ። [ኣብ መላእ ዓለም ሰፊሕ መርመራ እተገብረሉ መድሃኒት Lecanemab ፡ ነቲ ሕማም ረሲዕነት ዘስዕቦ ጽልዋ ንምዝሓል ዝሕግዝ ናይ መጀመርታ መረጋገጺ ረኺቡ ኣሎ ።] እቲ መድሃኒት ለካነማብ [Lecanemab] ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለምን ናይ ምቁጽጻር መስርሕ ፍቓድ ይካየደሉ እኳ እንተሎ ፡ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘኽፍል ብምዃኑ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ክረኽብዎ ዝኸውን ከይከውን ተሰጊኡ ኣሎ ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ነሓሰ 2024) 26.08.2024 14:33
ኣርእስታት ዜና፥ ሕዝቦላህን እስራኤልን ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ካብ ዝተገብረ ዶባዊ ግጭት ዝኸበደ ምልውዋጥ ተኲሲ ገይሮም። ንሰራሕተኛታት ድሕሪ ናይ ስራሕ ሰዓታት ምስ ስራሕ ዝተሓሓዝ ርክባት ዘቋርጽ ሕግታት ፡ ሎሚ [ን26 ነሓሲ] ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ ። ብግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል 2 ተቐቲሎም 8 ተወቒዖም።
መዳልያታት ዝዓተረ ኣውስትራልያዊ ኣትሌት ንብሪጣንያ'የ ዝወዳደር ኢሉ፣ ኤርትራዊ ማእከላይ ዳኛ ግጥም ካፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ዳንዩ፣ 25.08.2024 13:15
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/08/2024) * ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተቐዳደምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ውራያት ቅድድም ብሽግለታ ኤውሮጳ ይሳተፉ'ለዉ፣ * ኤርትራዊ ሄኖክ ተስፋሚካኤል ዘርኦም ሰንበት ዝተኻየደ ካልኣይ እግሪ ግጥም ካፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣብ መንጎ ሻምፒዮን ጋና ኤፍሲ ሳማርቴክስ 1996ን ካሜሩናዊት ጋንታ ቪክቶርያ ዩናይትድን ማእከላይ ዳኛ ኮይኑ መሪሑ፣ * ሓደ ካብ ዝለዓሉ ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ኣውስትራልያ ዜግነቱ ብምቕያር ኣብ መጻኢ ዝካየዱ ዓለምለኻውያን ውድድራት ንዓባይ ብሪጣንያ ወኪሉ ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ 2024/25 ካልኣይ ሰሙኖም ኣብ ዘጠናቐቕሉ፣ ማንቸስተር ሲቲ፣...
ብግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል 2 ተቐቲሎም 8 ተወቒዖም። 25.08.2024 5:48
ኣብ ትግራይ ዝተኸስተ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ይጋደድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል 2 ተቐቲሎም 8 ተወቒዖም። ፖሊስ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ይገሹ ንዝነበሩ ረቢሾም ዝበሎም ሰባት ብሽበራዊ ገበን ከሲሱ። 13 ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ጥሒሎም ከም ዝሞቱ ተሰሚዑ፡
"ንብርሃነ ክቐብር ዝወጸ ብዝሒ ህዝቢ፡ ኣብነቱ ተኸቲሉ እቲ ህዝቢ ለውጢ ንኸምጽእ ዝደረኸ ምዃኑ ምስክር እዩ።" ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ 24.08.2024 25:39
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካል ኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ኣካፊሉና ኣሎ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ነሓሰ 2024) 22.08.2024 52:21
ንሎሚ ሓሙስ 22 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብደቀንስትዮ ብፍሉይ ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ይጽመበል ኣሎ። ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዞባታት፡ ወረዳታትን ከተማታትን ንሱ ዘይፈልጦም ኣኼባታት ከይካየዱ ከልኪሉ። ሉእኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣርእስታት እዩ ነይሩ።፡ ኣብ ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ዝምልከት ቃለ መሕትት መቐጸልታ ክቐርብ እዩ ። ገዛኹም ካብ ባልዓትን...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ነሓሰ 2024) 22.08.2024 11:03
ኣርእስታት ዜና፥ ሓደስቲ ወለዲ ኣብ ልዕሊቲ ብመንግስቲ እናተኸፈልካ ዝወሃብ ናይ ወላዳት ዕረፍቲ ናይ ጥሮታ ወይ ሱፐራንወሽን ክውሰኽ እዩ። ሰበ-ስልጣን ጥዕና ቪክቶርያ ፡ ቍጽሪ እቶም ብ ሕማም በዲዶ ህበይ ወይ mpox. ዝሓመሙ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ሓቢሮም ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ። (ጸብጻብ) 22.08.2024 7:38
ብደቀንስትዮ ብፍሉይ ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ይጽመበል ኣሎ። ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዞባታት፡ ወረዳታትን ከተማታትን ንሱ ዘይፈልጦም ኣኼባታት ከይካየዱ ከልኪሉ። ቅድሚ ክልተ መዓልታት ዳግም ኣቦመንበር ህወሓት ኮይኑ ዝተመረጸ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ነቶም ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘለዉ ኣካላት ክእለዩ ድሌቱ ገሊጹ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ!! ኩባንያ ኢማራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ተሰማሚዑ
ሃገራዊ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራት ኣመሪካን ካብኡ ዝወጹ ድምጽታትን። 21.08.2024 6:25
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ቺካጎ ንዝግበር ሃገራዊ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራትስ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመሪካዊያን ተኣኪቦም ኣለዉ ። ካብ 1832 ኣትሒዙ: ኣባላት ዴሞክራሲያዊ ሰልፊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ቅድሚ እቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ይእከቡ: ኣብቲ ምግባእ ን ሕጹያቶም ደገፎም ከም ዝህቡ ቃል ይኣትዉ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ነሓሰ 2024) 21.08.2024 5:26
ንሎሚ 21 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት፡ 12 ኤርትራውያን ምስ ሓደ ገበነኛ ካብ ማእሰርቲ ኣምሊጦም፡ ይድለዩ ኣለዉ። ሩስያ ፡ ሓይልታት ዩክረይን ነቲ ኣብ ዞባ ኩርስክ ዝርከብ ሳልሳይ ድልድል ከም ዘዕነዉዎ ገሊጻ ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፔኒ ዎንግ ነቲ መንግስቲ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ክብል ኣለዎ ዝብል መረጊጺኡ ዳግም ኣስሚራትሉ። ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ዕጡቓት ሑቲ መጥቃዕቲ ፈንዩ።
ገዛኹም ካብ ባልዓትን ሓሳኹን ምክልኻል; ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ 20.08.2024 9:41
ኣብ እዋን ክረምቲ (ዊንተር) ሰባት ከም ሓሳኹ ዝኣመሰሉ ዘይተደልዩ በጻሕቲ ናብ በቶም ከይኣትዉ ዝሰግኡሉ እዋን ኣይኰነን ። ኣብ ኣውስትራሊያ ግን ኣብ ቆራሪ ኣዋርሕ ናብ ገዛኻ ሶሊኾም ዝ ኣትዉ ባልዓትን ሓሳኹን ኣለዉ ። ገሊኦም ከከም እትነብረሉ ከባቢ ዓመት ምሉእ ንጡፋት ኰይኖም ይቕጽሉ ። ባልዓት ዓራት ፣ ኣናጹን ሓሸራን ገለ ካብቶም ልሙዳት እዮም ። ድዱዕ'ውን ካብቶም ክወሩኻ ዝኽእሉ ባልዓት እዮም ። ባልዓት ካብ ዘጽ ሉኡኻ ክሳብ ምሕሳር ገዛኻ ሓሊፉ ካልእ ብዙሕ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል እውን ኣይትረስዕ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝኽሰቱ ባልዓት ብዝምልከት ንኽኢላታት ምኽሪ ንኽ...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ነሓሰ 2024) 20.08.2024 5:27
ንሎሚ 20 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ናብ ልሙድ ፕላስቲካዊ ነገራት ንዚርከብ ኬሚካላት ምቅላዕ ኣብ ዑደት ህይወት ደቂ ሰብ ሓደጋ የስዕብ ኣሎ ፣ እዚ "ንዓለም ቀይሕ መስመር " ከምዝኾነ ክኢላታት ኣጠንቂቖም ። መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ክገብር ዝቐነየ ሓደ ወገን ህወሓት ተዛዚሙ ንዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ገይሩ መሪጽዎ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ሱዳን ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጻ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ነሓሰ 2024) 19.08.2024 54:40
ንሎሚ ሰኑይ 19 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ንመጻኢ ትግራይ ዝድህስስ ዋዕላ ምሁራን ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ ጻውዒት ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ንምስረታ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሳተፈ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ንዓርሶም ዘግለሉ፡ ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ 'ኩነታት ናብ ንቡር ንምመላስ' ዝዓለመ ኣኼባ ኣካይዶም። ትሕዝቶ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዩ፡ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝብል ናይ ሰለስተ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ነሓሰ 2024) 19.08.2024 12:54
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ፓኪስታን ዝርከባ ሆስፒታላት ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ንዝህሉ ብዝሒ ሕሙማት በዲዶ-ህበይ ወይ mpox ይዳለዋ ኣለዋ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ነቶም ኣብ ጋሊፖሊ ዝርከብ መቓብር ንምሕላው ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ነቲ ባርዕ ጫካ ዝተቓለሱ ቱርካውያን መጥፋእቲ ሓዊ ኣመስጊኑ ። ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 - ዝኽሪ50 ዓመት ምጅማር ፈስቲቫል ቦሎኛ፡ ተዛዚሙ። ኢትዮጵያ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሶማልያ ዝነበሩ ወተሃደራት ክትቅበል ጀሚራ።
ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብዓወት'ተን ሓያላት ጋንታታት ተጀሚሩ፣ ተሳትፎ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ነቐፌታ ይቐርበሉ፣ 18.08.2024 11:12
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (19/08/2024) * ሄኖክ ምሉእብርሃንን ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃን ተሳትፎኦም ኣብ ዙር ፖላንድ የጠናቕቑ፣ ወላይ ሓጎስ በርሀ ኸኣ ኣብ ቩወልታ ኢስጳኛ ይቀዳደም፣ * ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ገብረመድህን ሃይለ ኣብ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2025 ዝሳተፉ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ መሪጹ፣ * ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ውጽኢታት ኣመዝጊቦም ተባሂሎም ኣብ ዝውቀስሉ ዘለዉ እዋን ዝሓለፈ ሰሉስ ንዓዶም ተመሊሶም፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ 2024/25 ብዓወት ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ፉልሃም ተጀሚሮም፣ ኣርሰናል፣ ሊቨርፑልን ማንቸስተ...
ቅንያት ፖለቲካ ትግራይ፡ ክልተ ጉጅለ ህወሓት በበይኑ ኣኼባታት 18.08.2024 7:38
ንመጻኢ ትግራይ ዝድህስስ ዋዕላ ምሁራን ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ ጻውዒት ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ንምስረታ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሳተፈ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ንዓርሶም ዘግለሉ፡ ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ 'ኩነታት ናብ ንቡር ንምመላስ' ዝዓለመ ኣኼባ ኣካይዶም። እቲ ጉባኤ ዘካይድ ዘሎ ድማ ብስሙ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ኣጊዱ ንኣባላት ላዕለዋይ ኣመራርሓ ድማ ናብ ተራ ኣባል ከም ዘውረደ ኣፍሊጡ ሎ።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.