SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 መስከረም 2024) 12.09.2024 54:10
ንሎሚ ሓሙስ 12 መስከረም 2024/ ወይ 2 መስከረም 2017 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን "ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላም ንክሰፍን ስምምዕ ፕሪቶርያ ክድንፍዕን ብህጹጽ መሊኡ ክትግበርን ተሰማሚዖም ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣፈላላዮም ብሰላማዊ መገዲ ክውድኡ ዋና ዳይሪክቶር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶከተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ጸዊዑ። ኣቦ መንበር ህወሓት፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልኣብ መንጐ ሰበስልጣን ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ዝነበረ ርክባት ኣመልኪቱ ንፈለማ ግዜ ተዛሪቡ። ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣ...
#70 Talking over a BBQ (Med) - ዕላል ኣብ ባርቢኲ (BBQ)፡ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 12.09.2024 10:57
Learn how to describe cooking at a barbecue. - Learn how to describe cooking at a barbecue.
ዕለታውዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 መስከረም 2024) 12.09.2024 16:00
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መልበርን ኣብ ጥቃ ኤክስፖ ምክልኻልን ኣጽዋርን ብዝተኻየደ ሓያል ተቓውሞ ብውሑዱ 39 ሰባት ተኣሲሮም ኣለው ። ኣብ Blue Mountains ዝርከብ ቤት ክልተ ኣወዳት ፡ ብሰሉስ ኣቦኦም ተቐቲሎም ድሕሪ ምርካቦም ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ሓዘን ይርከብ ። በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት 2017 ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ብድሙቕ ጽምብል ተኸቢሩ።
ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣፈላላዮም ብሰላማዊ መገዲ ክውድኡ ዋና ዳይሪክቶር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ጸዊዑ። (ጸብጻብ) 11.09.2024 6:51
በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት 2017 ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ብድሙቕ ጽምብል ተኸቢሩ። " ከባቢታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ከምኡ ድማ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብና ሓራ ብምውፃእ ዕማም ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ክኸውን እዩ።" ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን "ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላም ንክሰፍን ስምምዕ ፕሪቶርያ ክድንፍዕን ብህጹጽ መሊኡ ክትግበርን ተሰማሚዖም ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣፈላላዮም ብሰላማዊ መገዲ ክውድኡ ዋና ዳይሪክቶር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶከተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ጸዊዑ። ኣቦ መንበር ህወሓት፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልኣብ መን...
ስነ ኮኾብ ደቀባት (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 11.09.2024 10:44
ኣብ ትሕቲ ዘብለጭልጩ ከዋኽብቲ ፡ ከምኡ "ውን ኣብ ዘይቁጸረሉ ዑደታት ወርሒ ፡ ባህልን ህላወን ቀዳሞት ኣህዛብ ኣውስትራልያ ፡ ኣሽሓት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ ። ብዛዕባ ፍልጠት ስነ ኰዀብ ንህይወትን ሕግን ቀዳሞት ሰባት ጸልይዎ እዩ ። ካብቲ ዘደንቕ ጋላክሲ ክሳዕ መትዮራይት ጋላክሲ: ከምኡውን ካብ እተፈላለየ መድረኻት ዓውደ ወርሒ ብዛዕባ ናይ ደቀባት ስነ-ኰዀብን ብዛዕባ ኰዀብን ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና ።
"ፕ/ ጌታቸው ረዳ ምስ ሰብ መዚ ኤርትራ ክራከብ ጸኒሑ'ዩ፡" ኣቦ መንበር ህውሓት ዶ/ር ደብረጽዮን። (ዜናታት 11 መስከረም 2024) 11.09.2024 5:52
ኣቦ ወምበር ዉድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝኽዕነ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ፕረሲደንት ግ/ምም/ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ክዘራረብ ከምዝጸንሐ ኣቃሊዑ። ኣብ መልበርን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ 14 ዓመት እታ ከተማ ዘይረኣየቶ ዝዓበየ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይግበር ኣሎ ። ኢራን ንሩስያ ኣብ ዩክረይን ክትጥቀመላ እትኽእል ባለስቲክ ሚሳይላት ትልእኽ ኣላ ብምባል ፡ እንግሊዝ ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ማዕቀብ ኣጽኒዐን ።
"ዑስማን ብዜማታቱ ጥራይ ዘይኮነ ብለውሃቱ ውን'ዩ ዝልለ።" ስምዒታት ስነጥበባውያን ብዛዕባ ዑስማን ዓብደልርሒም 10.09.2024 16:51
ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ ክግለጽ ቀንዩ ብዙሓት ድማ ኣድናቖቶምን ሓዘኖምን ይገልጹ ኣለዉ። ንገለ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተፈነወን ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ድምጻውያን ኣሕመድ ዓብደልርሒም ስዒድ ዓብደላ ከምኡውን ደራሲ መጽሓፍ ኢብራሂም ሓጅ ብዛዕባ ስነ ጥበባዊ ዑስማን ዓብደልርሒም ስምዒቶም ኣካፊሎሙና ኣለዉ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 መስከረም 2024) 10.09.2024 5:24
ኣውስትራሊያ ትሕቲ 14 ዓመት ንዝኾኑ ቆልዑ ማሕበራዊ መረኣኸቢ ንኸይጥቀሙ ዝእግድ ሕጊ ተተኣታቱ ኣላ ። ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝገብሮ ዘሎ ምሻምን ምስንባትን ሰበስልጣን ደው ከብል ፡ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ትግራይ ጀ/ታደሰ ወረደ ሓቲቱ ። እቲ ፍሉጥ ድምጺ ዝነበሮ ተዋሳኣይ James Earl Jones, ኣብ መበል 93. ዓመቱ ዓሪፉ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 መስከረም 2024) 09.09.2024 48:23
ንሎሚ ሰኑይ 09 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ን ድሮ ሓድሽ ዓመት 2017 ብሰላም ኣብጽሓኩም ንብል፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ጳጉመን እንታይ ማለትዩ? ሆየ ሆየ ንምንታይ ይበሃል? ወርሒ መስከረም ሓዲሽ ዓመት ክኸውን ንምንታይ ተመሪጹ? እዚ ሓዲሽ ዓመት ምስቲ ናይ ኣውሮጳዊያን እንታይ ብልጫን ፍሉይነትን ኣለዎ? ነዚን ካልእን ሊቃውንቲ ዝሃብዎ ትንታነታት ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሶማልያ ዘራጊ ንጥፈታት ትፍጽም ኣላ ክብል ከሲሱ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕልኽላኽ ንምፍታሕ ተፈላልዮም ዘለዉ ኣካላት ፖለቲካ ንምዝርራብ ይስራሕ ከም ዘሎ ጀነራል ታ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 መስከረም 2024) 09.09.2024 12:15
ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ንቆልዑ ሓዊሱ እንተወሓደ 33 ፍልስጤማውያን ቀቲሉ ክብሉ ሰበስልጣን ጥዕና ቓዛ ሓቢሮም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ፡ ብሰንበት ናብቲ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዝርከብ ጫካታት ፓፕዋ ኒው ጊኒ ብምኻድ ፡ ስርዓተ ቅዳሰ ኣካይዶም። ኣድነቕቲን ፈተውትን ስሙይ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ሓዘኖም እናገለጹ እዮም።
ብሰንኪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ወለድ፡ ብዙሓት ወነንቲ ኣባይቲ ገዛውቶም ክሸጡ ክግደዱ እዮም። 09.09.2024 6:12
ማእከላይ ባንክ ንገሊኦም ወነንቲ ቤት ብሰንኪ ቝጠባዊ ኵነታት ገዛውቶም ክሸጡ ክግደዱ ከምዝኾኑ ኣጠንቂቑ ። ኣመሓዳሪት ማእከላይ ባንክ ፡ ነቲ መጠን ወለድ ኸይጎደለ ክቕጽል እተገብረ ውሳነ ምኽንያት ክትገልጽከላ፡ ንናህሪ ዋጋ ንምቁጽጻር ዝተገብረ ፈተነ ምዃኑ ገሊጻ። እንተ ኣድልዩ'ውን መጠን ወለድ ክውስኽ እቲ ማዕጾ ክፉት ምዃኑ ገሊጻ ።
መጻምድታ ዝቐተላ ኡጋንዳዊት ኣትሌት ስፖርታዊ መሳለጥያ ኣብ ፓሪስ ብስማ ክጽዋዕ'ዩ፣ ያየሽ ጌጤ ኣብ ፓራሊምፒክስ ፓሪስ ቅያ ሰሪሓ፣ 08.09.2024 9:32
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/09/2024) * ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ፓራሊምፒክስ ኢትዮጵያዊት ያየሽ ጌጤ ኣብ ውድድር 1500 ሜ ደቀንስትዮ ዓይነስውራን ተዓዊታ ካልኣይ ወርቂ ንኢትዮጵያ ኣምጺኣ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ ሳልሳይ ክወጽእ እንከሎ ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃ ኸኣ ኣብ ኢጣልያ ዘዕግብ ምንቅስቓስ ኣርእዩ፣ * ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2025 ኢትዮጵያ ኣንጻር ታንዛንያ ገጢማ ብዘይሽቶ ማዕረ ክትፈላለ እንከላ ኣንጻር ዲ ኣር ኮንጎ ሎሚ ምሸት ወሳኒ ግጥም ይጽበያ፣ * ኡጋንዳዊት ኣትሌት ኬንያዊ መጻምድታ ነዳዲ ከስኪሱ ብሓዊ ኣቃጺልዋ ኣብ ዝተባህለሉ መጥቃዕ...
ኣድነቕቲን ፈተውትን ፍሉጥ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ሓዘኖም ይገልጹ። (ጸብጻብ ልኡኽ) 08.09.2024 8:59
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሶማልያ ዘራጊ ንጥፈታት ትፍጽም ኣላ ክብል ከሲሱ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕልኽላኽ ንምፍታሕ ተፈላልዮም ዘለዉ ኣካላት ፖለቲካ ንምዝርራብ ይስራሕ ከም ዘሎ ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዛሪቡ። ኣመሪካ ብኲናት ትግራይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘንበረቶ እገዳ ተናዊሑ ኣማኢት ኤርትራውያን ብሓይሊ ካብ ቱርኪ ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ተገሊጹ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 መስከረም 2024) 05.09.2024 58:24
ንሎሚ ሓሙስ 5 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወኒ ኣለዎ ብዝብል ምስ ሶማሌላንድ ዝፈረመቶ መሰማምዒ ዉዕል ስዒቡ፡ ምስ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ኣትያ ኣላ፡ ግብጺውን ምስ ምግዳብ ኒል ተተሓሒዙ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ምስሕሓብ ዳግም ኣትያ ኣላ፡ እዚ ኩነታት ነቲ ዞባ ከመይ ክጸልዎ እዩ። ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ሖቲ ኣንጻር ምዕራባዊያን መራኽብ ንግዲ ዝገብሮ ዘሎ ግጭት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሓፈሻ ኣብ ባሕሪታት ኤርትራ እንታይ ጽልዋ እዩ ፈጢሩ ዘሎ፧ ጅቡቲ ኢትዮጵያ ባዕላ ከተመሓድሮ ትኽእል ወደብ ክትህባ ሓሳብ ኣቕሪባ ኣላ። እዚ ቦታ ኣብ መንጎ ማያት ኤርትራን ጂቡቲ...
ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 መስከረም 2024) 05.09.2024 14:08
ኣርእስታት ዜና፥ ካብ ቓዛ ንዝሃደሙ ፍልስጤማውያን ንምዕጋት ዝውሰድ ዘሎ ብዝተሓሓዝ ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ቪዛ መስርሕ ተነቒፉ ። ኣብ ጋዛ ተኹሲ ደው ንምባል ብዘይዕረፍቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ገሊጹ ። ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መራሕቲ ዝሳተፉሉ ዋዕላ ቻይና ኣፍሪቃ ጀሚሩ።
ምጥቃም ሞባይል ካንሰር ርእሲ የስዕብ ድዩ፧ ብዛዕባ’ዚ ዝወጸ መጽናዕቲ መልሲ ሂቡ ኣሎ። 05.09.2024 4:06
ምጥቃም ተንቀሳቓሲ ስልክን ወይ ሞባይልን ሓንጎልን ከምኡ "ውን መንሽሮ ርእስን ምትእስሳር ከምዘየለ - ውድብ ጥዕና ዓለም ዝመዘዞ መጽናዕቲ ተመራመርቲ ኣረጋጊጹ ። እቶም ተመራመርቲ ከም ዝገልጽዎ ፡ እቲ መጽናዕቲ ፡ እቲ ካብ ገመድ ኣልቦ ቴክኖሎጂ ዝመጽእ ማዕበላት ሬድዮ ንደቂ ሰብ ኣይጐድኦምን እዩ ፣ ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ስዒቡ ይቐርብ ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ከይበርር ከም ዘይተኸልከለ ገሊጹ። (ካብ ጸብጻባት) 04.09.2024 7:06
ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣንጸላልዩ ዘሎ ወጥሪ ተመያይጦም። ፍሉይ ልኡኽ ሑቡራት ኣሜሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምርሕ ምዃኑ ተገሊጹ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ከይበርር ከም ዘይተኸልከለ ገሊጹ። ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ዝፈተኑ ቆልዑ ዝርከቡዎም 12 ስደተኛታት ብዘጋጠሞም ሓደጋ ጃልባ ከምዝሞቱ ሰብመዚ ፈረንሳ ገሊጾም።
ክንክን ጥዕና ስኒ ኣብ ኣውትራሊያ: 04.09.2024 9:42
ኣብ ኣውስትራሊያ ክንክን ጥዕና ስኒ ከመይ ከምዝሰርሕ ምርዳእ ጥዕናኻን ድሕንነትካን ንምሕላው ኣገዳሲ እዩ ። ኣብዚ ትሕዝቶ'ዚ ፡ መሰረታዊ ናይ ዓበይትን ህጻናትን ሕክምና ስኒ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዝኾነ ክንርእ ኢና ፡ንዓኹምን ንስድራቤትኩምን ፍሽኽታኹም መታን ክኹላዕ እዚ ኣገልግሎታት ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል ፡ ወጻኢታቱ ፡ ከምኡ "ውን ገለ ኣገደስቲ ምኽርታት ናይ ስኒ ጥዕና ክንድህስስ ኢና።
"ብዘይፈለጥናዮ ምኽንያት፡ ኣብ ኣስመራ ዘለና ገንዘብ ከነውጽእን ክንጥቀመሉን ተኸልኪልና፡” መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ (ዜና SBS ትግርኛ 04 መስከረም 2024) 04.09.2024 6:46
ንሎሚ 4 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም፡ ኣርእስታት ዜና፡ "ብዘይፈለጥናዮ መገዲ፡ ኣብ ኣስመራ ዘለና ገንዘብ ከነውጽእን ክንጥቀመሉን ተኸልኪልና፡ በዚ ድማ ናብ ኣስመራ በረራ ደው ከነብሎ ተገዲድና ” ክብል መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኣብ ዩክረይን ከተማ ፖሊታቫ ፡ ብሚሳይል ሩስያ እንተ ወሓደ 51 ሰባት ሞይቶም ፡ ልዕሊ 200 ካልኦት ድማ ቝሲሎም ። ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ኡጋንዳ ቦቢ ዋይን ኣብ ከተማ ካምፓላ ብኣባላት ጸጥታ ብዝተተኮሰሉ ጥይት እግሩ ተወጊኡ።
"ኣብ ዞባና ዝምዕብል ዘሎ ኲነታት ኣዚዩ ሓደገኛን ናብ ምሉእ ኲናት ዘምርሕን እዩ።" ቺፍ ፓውሎ ኣንቶኒዮ 03.09.2024 22:12
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወኒ ኣለዎ ብዝብል ምስ ሶማሌላንድ ዝፈረመቶ መሰማምዒ ዉዕል ስዒቡ፡ ምስ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ኣትያ ኣላ፡ ግብጺውን ምስ ምግዳብ ኒል ተተሓሒዙ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ምስሕሓብ ዳግም ኣትያ ኣላ፡ እዚ ኩነታት ነቲ ዞባ ከመይ ክጸልዎ እዩ። ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ሖቲ ኣንጻር ምዕራባዊያን መራኽብ ንግዲ ዝገብሮ ዘሎ ግጭት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሓፈሻ ኣብ ባሕሪታት ኤርትራ እንታይ ጽልዋ እዩ ፈጢሩ ዘሎ፧ ጅቡቲ ኢትዮጵያ ባዕላ ከተመሓድሮ ትኽእል ወደብ ክትህባ ሓሳብ ኣቕሪባ ኣላ። እዚ ቦታ ኣብ መንጎ ማያት ኤርትራን ጂቡቲን ዝርከብዩ ዝበሃል፡ ብዛዕባዚ ኩነታት ዝምዕብል ዘሎ፡ ብሓፈሻ ቀይሕ ባሕሪን ከባቢ...
ግብጺ ንኢትዮጵያ ትኸስስ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ምጋሽ ኣቋሪጹ፡ (ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 3 መስከረም 2024) 03.09.2024 7:58
ንሎሚ 3 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ግብጺ ንምምላእ ግድብ ህዳሴ ብዝምልከት ን ኢትዮጵያ ዝኸስስ ናይ ጥርዓን ደብዳበ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ። ናይ ቀረባ ግዜ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ካብ መልበርን ንላዕሊ ኣብ ኣደላይድ ወይ ፐርዝ ገዛ ምግዛእ ይኸብር ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በርራታት ካብ ሰሉስ 3 መስከረም 2024 ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 መስከረም 2024) 02.09.2024 50:44
ንሎሚ ሰኑይ 2 ነስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ናብ መላእ ዓለም ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም በዲዶ ህበይ ንዓለም ኣስጋኢ ምዃኑ ኣሚኑ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዓለማዊ ለበዳ ገይሩ ኣዊጅዎ ኣሎ። እዚ ሕማም ብኸመይ ይመሓላለፍ፧ ከይንተሓዝ እንታይ ክንገብር ኣለና፧ በዚ ሕማም እንተ ተታሒዝና ክንወስዶ ዝግባእ ስጉምቲ እንታይ እዩ ዝብሉን ምስዚ ሕማም ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ኣብ ቪክቶሪያ ካብ ሱፐር ክሊኒክ ሆፐርስክሮሲን መሊሱልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ዋዕላ ሽርክነት ቻይናን ኣፍሪቃን ኣምሪሑ ኣብ ሽረ ብ2.3 ሚ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 መስከረም 2024) 02.09.2024 12:29
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዶብ ቪክቶርያን-ኒው ሳውዝ ዌልስ ን፡ ሞኣማ ኣብ መንበሪ ገረብ ምስ ወደቐት ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ሞይታ። ኣብ ደቡባውን ሰሜናውን ቓዛ ልዕሊ 600 ሽሕ ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ክታበት ፖልዮ ይኽተቡ። ጁቡቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ።
መዲና አይሳ ክብረወሰን 5000 ሜ ሰይራ፣ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሃይናን ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ወዲኡ፣ 01.09.2024 14:28
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/09/2024) * ኣብ ሊማ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና መንእሰያት ት20 ኣትለቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ብብዝሒ መዳልያታት ዝድነቕ ካልኣይቲ ወጺኣ፣ መዲና አይሳ ክብረወሰን 5000 ሜ ሰይራ፣ * ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ርክባት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያዊ ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ውድድር 5000 ሜ ደቂተባዕትዮ ተዓዊቱ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሃይናን ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ወጺኡ፣ * ጋንታ ንግድ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮንስ ሊግ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ንዞና ሴካፋ ወኪላ ክትሳተፍ`ያ፣ * ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምፒዮን ማንቸስ...
ጁቡቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ኢትዮጵያ ከተመሓድሮ ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ። (ካብ ጸብጻባት ሉኡኽና) 01.09.2024 7:42
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ዋዕላ ሽርክነት ቻይናን ኣፍሪቃን ኣምሪሑ ኣብ ሽረ ብ2.3 ሚልዮን ዩሮ ዝሳለጥ ፕሮጀክት ምሕዋይ ስርዓት ጥዕናን መዓዛዊ መግብን ተጀሚሩ። ጁቡቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ። ብፖለቲካዊ ኣፈላላይ ተቐርቂሮም ስቓይ ዘሕልፉ ዘለዉ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ጣልቃ ክእቶ ተሓቲቱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበራ ክልተ መዓስከራት ተዓፅየን።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.