SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 መስከረም 2024) 26.09.2024 14:18
ኣርእስታት ዜና፥ መጥቃዕትታት እስራኤል እተፈላለየ ክፋላት ሊባኖስ ፡ ቀጺሉ። ኣብታ ሃገር ሓሙሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ሰባት ተመዛቢሎም ኣለዉ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ ኣፍሊጡ። ፕረ/ ጆ ባይደን ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ውግእ ከም ዝፈሸለን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ግጭት ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክርከብ ይኽእል’ዩ ኢሉ። ታይላንድ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ቀዳመይቲ ሃገር ማዕርነት መውስቦ ብወግዒ ዝተቐበለት ሃገር ኮይና።
ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዘላምበሳ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዝናፈሱ ዘለው ዜናታት ካብ ክውንነት ዝረሓቐ እዩ።" ምም/ከተማ ዓድግራት። 25.09.2024 6:23
ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኤርትራውያን ነጠፍቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ትግራይ ን620 ዝተጸገሙ መራሕቲ ስድራ ነበርቲ ከተማ ኮረም ሓገዝ ከም ዝገበሩ ተገሊጹ። ኣብ ከባቢ ዘላምበሳ ናይ ወተሃደራት ኤርትራ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዝናፈሱ ዘለው ዜናታት ካብ ክውንነትን ሓቅን ዝረሓቐ ምዃኑ ምምሕዳር ከተማ ዓድግራት ኣፍሊጡ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንዘስምዖ ነቔፈታ ግብረ-መልሲ ሂቡሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ይነብሩ ዝነበሩ 780 ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ።
ሊባኖስ ካልእ ቓዛ ከይትኸውን ተሰጊኡ፡ ሕዝቦላህን እስራኤልን ምጥቕቓዕ ደው ከብላ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ። 25.09.2024 5:32
እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ክልተ መዓልታት መጥቃዕቲ ብ ኣየር፡ ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ሕዝቦላህ ዝርከቦም 600 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ካብቲ ብ2006 እተገብረ ውግእ ንደሓር ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላን ዝኸፍአ ውግእ ተባሂሉ ዘሎ ንገለ ክፋል ርእሰ ከተማ ሊባኖስ በይሩት ኣዕንዩ ኣሎ ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዘሎ ግጭት ኣብ ጋዛ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንኽልቲኦም ወገናት እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ናብ ዞባዊ ውግእ ከየምርሕ ንድሕሪት ክምለሱ ይጽውዑ ኣለዉ ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መስከረም 2024) 25.09.2024 5:16
ንሎሚ 25 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ሊባኖስ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ፡ ባይቶ ጸጥታ ዉዱብ ሕ ቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ኩነታት ይእከብ። ህንዲ ሓድሽ ዓይነት ሕማም በዲዶ ህበይ ከምዘጋጠማ ተፈሊጡ። ኣብቲ ሎሚ ዝወጽእ ቁጠባዊ ኣሃዛት መጠን ዝቕባበ ከምዝወርድ ትጽቢት ይግበር።
#71 Talking about being scammed (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ብዛዕባ ምጥፍፋእ ወይ ስርቂ (scammed) ምዝርራብ 24.09.2024 13:24
Learn how to communicate about suspicious messages and scams. - ብዛዕባ ተጠርጣሪ መልእኽትን ምጥፍፋኣትን ብኸመይ ከም ትዘራረብ ተመሃር። Learn how to communicate about suspicious messages and scams.
ኣብ ዝባን ናሕሲ ገዛኹም ሶላር ንምትካል ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገራት፡ 24.09.2024 7:27
ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ምዉቕ ክሊማ ፡ ኣብ ምሉእ ዓመት ማእለያ ዘይብሉ ቀረብ ጸሓያዊ ጸዓት ስለ ዝህብ ፡ ኣብ ቀረብ ኤለክትሪክ እታ ሃገር ዝለዓለ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ ። ኣብ 2021-22 እዋን ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ጸሓያውን ንፋሳውን ጸዓት ፡ ንፈለማ ግዜ ካብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዝበልጽ ከምዝኾነ፡ ቤት ፅሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራልያ (ኤ.ቢ.ሲ) ጸብጺቡ ኣሎ ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣድላይነት ተሓዳሲ ጸዓት ንምምላእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዘጕልሕ ኰይኑ ፡ ነቲ ናብ ቀጻሊ ንጥፈታት ጸዓት ዝግበር ሰፊሕ ስርሒት ዘንጸባርቕ እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብ ኣብ ገዛኻ ከመይ ጌርና ጸሓያዊ...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 መስከረም 2024) 24.09.2024 5:15
ንሎሚ 24 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት አቕርበልኩም ፈለማ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ሊባኖስ ካብ 2006 ኣትሒዙ ዘይተፈጸመ ን ብዙሓት ህዝቢ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ሶማልያ ካብ ግብጺ ዝተፈላለዩ ከበድቲ ኣጽዋር ተቐቢላ። ሓድሽ ናይ ህዝቢ ድምጺ መዐቀኒ ከምዝገለጾ ኣውስትራሊያውያን ን ሰልፊ ለበር ይጥንጥኑ ኣለው።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 መስከረም 2024) 23.09.2024 50:35
ንሎሚ ሰኑይ 23 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጉዕዞ ስደት ብዙሕ ግዜ ዘየተኣማምንን ኣብ ዘይተጸበኻዮን ተርእዮታት ዘጋጥም እዩ ። ሞት እተፍቅሮ ሰብ ወይ ፈታዊኻ ምስዘጋጥም እንታይ ክግበር ከም ዝግባእ ክሕርብተካ ይኽእል ። ኣብ ኣውስትራሊያ ስርዓተ ቀብሪ ብኸመይ ከምዝካየድ ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ብዛዕባዚ ሓደ ትሕዝቶ ከነቕርብ ኢና ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራን ቅድስት ሉቺያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምምስራት ከም ዝጀመራ ገሊጸን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: ካብ መንግስቲ ወጻእ ዝግበር ሓደሽቲ ምደባታት ሓላፍነት መንግስቲ ፈተነ ከይግበር ኣተሓሳሲቡ ዜጋታት ግብፂ ናብ ርእ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 መስከረም 2024) 23.09.2024 12:18
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኢራን ኣብ ሓደ ናይ ከሰል ዕደና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 51 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ፣ ሓያሎ ካልኦት ከኣ ቆሲሎምን ጠፊኦምን ። ሪፐብሊካዊ ተወዳዳሪ ንፕረሲደንት፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሕዳር 5 ዝካየድ ምርጫ እንተዘይተዓዊቱ ንራብዓይ ተኸታታሊ ግዜ ኣብ ናይ ኣመሪካ ዉድድር መሪሕነት ከም ዘይሳተፍ ገሊጹ። ኣኼባ ኣካያዲት ኮሚተ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ብምኽንያት ሕማም በዲዶ ህበይ ካብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሓላሊፉ፣
ሎዛ ኣበራ ኣብ ኣሜሪካ ክትጻወት ውዕል ኩዕሶ እግሪ ፈሪማ፣ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ሓንቲ ስጳኛዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ፈሪሙ፣ 22.09.2024 12:17
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (23/09/2024) * ኣኼባ ኣካያዲት ኮሚተ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ብምኽንያት ሕማም በዲዶ ህበይ ካብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሓላሊፉ፣ * ኢትዮጵያዊት ሎዛ ኣበራ ኣብ ፕሮፈሽናል ኩዕሶ እግሪ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትጻወት ውዕል ዝፈረመት ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ሃገራ ኮይና፣ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ስጳኛዊት ፕሮ-ኮንቲነንታል ቲም ጋንታ በርጎስ-ቢኤች ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ተፈራሪሙ፣ * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ተጀሚሩ፣ ኣብ’ቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰንበት ዝካየድ ቅድድም መንገዲ ኤርትራ ዝለዓለ ቁጽሪ ኤሊት ተቐዳደምቲ ከተሰ...
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: ካብ መንግስቲ ወጻእ ዝግበር ሓደሽቲ ምደባታት ሓላፍነት መንግስቲ ፈተነ ከይግበር ኣተሓሳሲቡ። 22.09.2024 5:04
ኤርትራን ቅድስት ሉቺያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምምስራት ከም ዝጀመራ ገሊጸን። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: ካብ መንግስቲ ወጻእ ዝግበር ሓደሽቲ ምደባታት ሓላፍነት መንግስቲ ፈተነ ከይግበር ኣተሓሳሲቡ። ዜጋታት ግብፂ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንከይገይሹ ኤምባሲ ግብፂ ኣብ ሶማል ኣጠንቂቁ:።
"ፖሎቲካ ኤርትራን ትግራይን ኣብ ኢድ ጀነራላት ከይወድቕ እሰግእ።" ጋ/ሰናይ፡ "እዚ ዘሎ ኩነታት እንተዘይተፈቲሑ ትግራይ ኣይክትህሉን'ያ" ተጋ/ ሃይለ 22.09.2024 22:48
ካል ኣይ ክፋል ዘተ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ መበገሲኡን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ዝርርብ።
ዋንነት ውድብ ህወሓት ሓድሽ መካትዒ ዛዕባ ኮይኑ ቀጺሉ። 19.09.2024 7:21
ኣብ ዜጋታት ዘነፃፀረ ጭውያ ተጋዲዱ ይቕፅል ኣሎ ክብሉ ስድራ ግዳያት ነበርቲ ወረዳ ጉሎመኸዳ ገሊጾም። ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩን ካልኦትን ብሰንኪ ውግእ ሕድሕድ ኣዝዩ ተኣፋፍን ውሑስ ብዘይኮነ መንገድን ናብ መረበቶም ክምለሱ ይግደዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ቱርኪየ ንሳልሳይ ዙር ሽምግልና ኢትዮጵያ-ሶማል ብማዕዶ ከተካይድ’ያ ተባሂሉ። ኣፍሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ወንበር ክህልዋ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሓቲቱ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (19 መስከረም 2024) 19.09.2024 52:28
ንሎሚ ሓሙስ 19 መስከረም 2024/ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ መበገሲኡን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ዝርርብ ቀዳማይ ክፋል ክቐርብ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓባር ምክራይ መንበሪ ገዛ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰባት ንናይ ገዛ ክራይ ዝግበር ወጻኢታት ንምቑጣብ ምስ ኻልኦት ኮይኖም ብሓባር ገዛ ንምኽፋል እዩ ነዚ ዝ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 መስከረም 2024) 19.09.2024 14:35
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ በይሩትን ኣብ ካልእ ክፋል ሊባኖስን ፡ መስራሕታት መዛረቢታት ዎኪቶኪን መሳርሒ ጸሓያዊ ጸዓት ተባሪዖም ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ። ገዛውቲ ንዝዕድጉ ሓገዝ ንኽረኽቡ ብሰልፊ ለበር ዝወጸ ሕጊ ኣብ መንጎ እቲ ሰልፍን ሰልፊ ግሪንስ ን ኣዋርሕ ዘተ ክግበር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ደውታ በጺሑ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ኣብ ኤርትራ ጋዜጣታት ብሕቲ ዝተኣገዳሉ መበል 23 ዓመት ይዝክሩ ኣለዉ።
"ምትህልላኽ እንተመጺኡ ትግራይ ክትብተን እያ።" ተጋ/ ሃይለ፡ "ሓይልታት ጸጥታ ንፖለቲካ ትግራይ ከይቋጻጸርዎ ስግኣት ኣለኒ።" ጋ/ሰናይ 18.09.2024 25:19
ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ መበገሲኡን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ዝርርብ። (ቀዳማይ ክፋል)
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2024) 18.09.2024 5:27
ንሎሚ 18 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሊባኖስን ገለ ክፋላት ሶርያን ብኣማእታት ዝቝጸሩ ብኢድ ዝትሓዙ ተተኮስቲ ተፈንጂሩ ፡ ብዙሓት ሞይቶምን ኣሻሓት ቆሲሎምን ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብዛዕባ ኣብታ ግዝኣት 10 ደቀባት ምጥፋኦም ኣፍልጦ ንምርካብ ሰልፊ ኣካይዶም ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓደጋ ከይተወርድ ዓቢ ስግኣት ፈጢራ ዝጸንሐት መርከብ ነዳዲ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝገዓዘት ተፈሊጡ።
ምርዳእ ብሓባር መንበሪ ገዛ ምክራይ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 17.09.2024 8:56
ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓባር ምክራይ መንበሪ ገዛ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰባት ንናይ ገዛ ክራይ ዝግበር ወጻኢታት ንምቑጣብ ምስ ኻልኦት ኮይኖም ብሓባር ገዛ ንምኽፋል እዩ ። ነዚ ውሳነ እዚ ክትገብር ከለኻ ፡ እንታይ ቀንዲ ረቛሒታት ኢኻ ኣብ ግምት ከተእቱ ዘሎካ ? ከመይ ጌርካኸ ኢኻ ካብ ምጥፍፋእ ወይ ስካም ክትድሕን እትኽእል ? ኣብዚ ናይ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ብዛዕባ ምስ ብሓባር መንበሪ ገዛ ምክራይ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ክንድህስስ ኢና ።
ወናኒት ክብረወሰን ማራቶን ኤርትራ ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ን20 ኣዋርሕ ኣብ ቅድድማት ዓለም ከይትሳተፍ ንምንታይ ተኣጊዳ፧ 17.09.2024 2:50
ኤርትራዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ክልተ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ኣብ ዝለዓሉ 10 ተርታታት ዝወዳኣቶምን ናይ ክልተ ሰዓትን 20 ደቒቕን 29 ካልኢት ወሲኽካ ብሉጽ ግዜ ዘመዝገበትሉ ሃገራዊ ክብረ ወሰን ዝተመዝገበላን ወሲኽካ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ማራቶን ሓንቲ ካብተን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ዝጸንሐት እያ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 መስከረም 2024) 17.09.2024 5:49
ን ሎሚ 17 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ምስግጋር ሰባት ዝግበር ንጥፈት ን ምምካት ኣብ ስግረ ዶባት ዝግበር ምትሕብባር ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዝህሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ፡ ኣፍሊጡ። ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ሰባት ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ፈረንሳ ሓቢሩ። ኣብ ሱዳን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናዕቢ ብፍላይ ኣብታ ርእሲ ከተማ ሰሜን ዳርፉር ዝኾነት ኤል-ፋሸር ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መስከረም 2024) 16.09.2024 14:41
ንሎሚ ሰኑይ 16 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ፈለማ ን ዒድ መውሊድ ኣል-ነቢ ፡ ተኽብሩ ዘለኹም ኣመንቲ እንቋዕ ኣብጽሓኩም ክብል እፈቱ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ከተማ ሽረ ዝተጀመረ መድረኽ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብሰንኪ ረብሻ ተቛሪጹ። ብዛዕባ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ድማ ወተሃደራት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ሓቲቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መስከረም 2024) 16.09.2024 14:41
ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ንዩክረይን ዝወሃብ ብዙሕ ሓገዝ ንምግባር ተዳልያ ከም ዘላ ገሊጻ ። ኣብ ማራቶን ሲድኒ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ብኬንያዊ ብሪሚን ሚሶይ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብ ኢትዮጵያዊት ወርቅነሽ እዴሳ ሓድሽ መዝገብ ክብረ ወሰን ተመዝጊቡ ። ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ሓያል ጸቕጢ ክግበርን ንተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክግበረሎምን ጸዊዑ። ዒድ መውሊድ ኣል-ነቢ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክብ ዝበለ ስነስርዓት ተከቢሩ።
ናዝሬት ወልዱ መምርሒታት ዶፒንግ ብምጥሓሳ እገዳ ተነቢሩላ፡ ሓለፍቲ ኮሚተ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ብምስግጋር ሰባት ተኸሲሶም 15.09.2024 15:19
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (16/09/2024) * ወርቅነሽ እዴሳ ኣብ ማራቶን ሲድኒ በሪሁ ኣረጋዊ ከኣ ኣብ ውድድር 5ሽሕ ሜ ኣብ ብራስልስ ተዓዊቶም፡ * ንፕረዚደንት ዶክተር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ ወሲኽካ መራሕቲ ኮሚተ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ፈጺሞም ተባሂሎም ተኸሲሶም፡ * ወናኒት ክብረወሰን ማራቶን ኤርትራ ናዝሬት ወልዱ ተደጋጋሚ መርመርመራታት ዶፒንግ ከይገበረት ብምትራፋ ን20 ኣዋርሕ ተኣጊዳ፡ * ኣብ ዞባዊ መጻረዪ ግጥማት ንኣፍኮን ት20 መንእሰያት ኢትዮጵያ ኣንጻር ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ክትገጥም በጺሕዋ፣ * አርሊንግ ሃላንድ ሽቶ ምምዝብ ኣብ ዝቐጸለሉ ማንቸስተር ሲቲ 100% ዓወታ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ት...
"ርክብ ሰበ-ስልጣን ትግራይን ኤርትራን ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዳግም ናብ ኲናት ዘይኣትዋሉ ክኸውን ኣለዎ።" ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ (ጸብጻብ) 15.09.2024 9:31
ኣብ ከተማ ሽረ ዝተጀመረ መድረኽ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብሰንኪ ረብሻ ተቛሪጹ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ርክብ ሰበ-ስልጣን ትግራይን ኤርትራን ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዳግም ናብ ኲናት ዘይኣትዋሉ ክኸውን ከም ዘለዎ ተዛሪቡ። ብዛዕባ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ድማ ወተሃደራት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ሓቲቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ሓያል ጸቕጢ ክግበርን ንተቓወምቲ መን...
Can we fight misinformation without threatening our freedom of speech? - SBS Examines: ናይ ምዝራብ ናጽነትና ኣብ ሓደጋ ከየእተና ግጉይ ሓበሬታ ከይዝርጋሕ ክንቃለሶ ንኽእል ዲና? 12.09.2024 9:28
There are calls to crack down on the sharing of misinformation online. But would this be an attack on free speech? - ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ወይ ኦንላይን ምዝርጋሕን ምክፋልን ክኽልከል መጸዋዕታታት ይቐርቡ'ለዉ። እዚ ግን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ነጻነት ምዝራብ ይኸውን ዶ፧
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.