SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ ኤርትራ ብምዕብላልን ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ሻምፒዮን ብምዃንን ተዛዚሙ፣ ኢትዮጵያ ብጊኒ 4-1 ተሳዒራ፣ 13.10.2024 10:18
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/10/2024) * ኬንያዊት ሩት ቸፕንገትች ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ብምምዝጋብ ኣብ ማራቶን ቺካጎ ተዓዊታ፣ * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2024 ኣብ ኤልደሮት፣ ኬንያ፣ ተኻይዱ ብዓብላልነት ኤርትራን ተቐዳደምታን ኣብ ዝተዛዘመሉ ሄኖክ ምሉእብርሃን ንሳልሳይ ግዚኡ ኣከታቲሉ ሻምፒዮን ኣፍሪቃ ኮይኑ፣ * ዓሰርተ ሓደ ሃገራት ኣብ ዞና ሴካፋ ንመጻረዪ ግጥማት ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን 2025 ኣብ ዝሳተፋሉ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ግጥማት ኣንጻር ኢትዮጵያ ክትገጥም በጺሕዋ፣ * ኢትዮጵያ መጻረዪ ግጥማ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ኣብ ከተማ ኣቢጃን፣ ኣይቮሪኮስት፣ ኣካይዳ ኣብ ጀርመን ዝ...
መሮን ሰመዳር፡ ካብ ሳሕል ክሳብ ኣመሪካ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ክሳብ ልዑል ትምህርቲ ኣመሪካን ምውድዳር ንባይቶ ኦክላንድን። 13.10.2024 35:12
መሮን ሰመዳር፡ ኣብ ሳሕል ዓብዩ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣመሪካ ካብ ዝኣቱ 12 ዓመታት እኳ እንተገበረ ክልተ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ጥራይ ዘይኮነ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ኦክላንድ ኣባል ባይቶ ከተማ ንምዃን ዝወዳደር ዘሎ እዩ። ብዛዕባ ናብዚ ዝበጽሓሉ ጉዕዞ ህይወቱን ብዛዕባ ፖለቲካ ኣመሪካን ኣዕሊሉና ኣሎ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ጥቅምቲ 2024) 10.10.2024 14:04
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብ ላኦስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ኪያንግ ኣብ ላኦስ ተራኺቡ ብዛዕባ ቻይና ኣብ ሰደድ ኣውስትራሊያ ዝገበረቶ እገዳ ክዝቲ እዩ። ኣብ ፍሎሪዳ ህቦብላ ሚልተን እናበርትዐ ኣብዝኸደሉ ብ ኣማኢት ኣሻሓት ተፈናቒሎም። ሰነተር ፋጢማ ፓይማን ካብ ሰልፊ ለበር ድሕሪ ምውጻኣ ኣርባዕተ ወርሒ ጸኒሓ ድምጺ ኣውስትራሊያ ወይ Australia's Voice ዝብል ሓድሽ ፖለቲካዊ ሰልፊ መስሪታ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣፈላላይ ውድብ ህወሓት ብዘተ ዝፍተሐሉ መንገዲ ዕፁው ከምዘይኮነ ገሊጹ። ኣብ ጎንደር መዓስከር ኣለምዋጭ ብመጥቃዕቲ ሰለስተ ኤርትራዊያን ስደተ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ጥቅምቲ 2024) 10.10.2024 55:17
ንሎሚ ሓሙስ 10 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ምስ ኣቦ ወምበር 'ግዝያዊ መሪሕነት ሰልፊ ሕዳሴ ኤርትራ ኢንጂኔር እድሪስ ኑር ዝተገብረ ቃለ መጠይቕ። ካል ኣይን ናይ መወዳእታን ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣፈላላይ ውድብ ህወሓት ብዘተ ዝፍተሐሉ መንገዲ ዕፁው ከምዘይኮነ ገሊጹ። ኣብ ጎንደር መዓስከር ኣለምዋጭ ብመጥቃዕቲ ሰለስተ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቆሲሎም። ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣስመራ ኣትዩ። ዝብሉን ካልእ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ኣለና። ብደቀባት ተመሪሑ ዝካየድ ቱሪዝም ዘይሃስስ ተዘክሮ ታሪኽ፣...
ኣብ ጎንደር መዓስከር ኣለምዋጭ ብመጥቃዕቲ ሰለስተ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቆሲሎም። (ጸብጻብ) 09.10.2024 7:40
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣፈላላይ ውድብ ህወሓት ብዘተ ዝፍተሐሉ መንገዲ ዕፁው ከምዘይኮነ ገሊጹ። ትካላት መንግስቲ ዝወከለ ልኡኽ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ ኣብ ጎንደር መዓስከር ኣለምዋጭ ብመጥቃዕቲ ሰለስተ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቆሲሎም። ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣስመራ ኣትዩ። ሶማል፣ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ ሰራዊት ከተዋፍር ምዃና ኣፍሊጣ።
"ንዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ዕግርግር ስቕ ኢልና ኣይንርእይን ኢና።" ሓይልታት ትግራይ፡ (ሓጺር ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 09 ጥቅምቲ 2024) 08.10.2024 7:15
ንሎሚ 9 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ : ኣርእስታት ዜና፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ህዝቢ ምርባሽ ፈጢሩ ከምዘሎን ሰላም ክዝረግ ስቕ ኢሎም ከምዘይርእዩን ኣፍሊጦም፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ኮይኑ ንህቦብላ ሚልተን ንምክትታል ናብ ጀርመንን ኣንጎላን ንምኻድ ወጢንዎ ዝነበረ መገሻ ኣናዊሕዎ ። ናይ 2024 ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽልማት ብስነ ፍልጠት መን ምዃኑ ተፈሊጡ።
The impacts of First Nations tourism - ብደቀባት ተመሪሑ ዝካየድ ቱሪዝም ዘይሃስስ ተዘክሮ ታሪኽ፣ ስነጥበብ፣ ምዝንጋዕ፣ ጥዕናን መቐረትን ዘለዎ እዩ 08.10.2024 12:09
Are you seeking a truly impactful Australian travel experience? Whether you’re seeking wilderness, food, art or luxury, there are plenty of First Nations tourism adventure that you can explore, led by someone with 65,000 years of connection to this land. Not only will you deepen your experience, but you’ll help drive cultural and economic opportunities for First Nations communities. - ናይ ብሓቂ ጽልዋ ዘ...
ታየ ኣጽቀ-ስላሰ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኮይኑ፣ ካብ ሊባኖስ ዝወጹ ኣውስትራልያውያን ሲድኒ ኣትዮም፣ 08.10.2024 7:04
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (08/10/2024) * ታየ ኣጽቀስላሰ ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ መዝነቱ ተኣልዩ ንፕረዚደንት ሳህለ-ወርቅ ዘውዴ ክትክእ ከምዝተሰምየ ተገሊጹ። * ዝዓበየ ስግኣት ጸጥታ ንኣውስትራልያ ኣጋጢምዋ ዘሎ ለውጢ ክሊማ ደኣምበር ቻይና ዝፈጠረቶ ወተሃደራዊ ስግኣት ኣይኮነን ክብሉ ክኢላታት ኣጠንቂቖም፣ * ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ንስሪዓተ ምድጓን ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ሓድሽ ሕጋዊ መጎተ ኣጋጢምዎ፡ * ኣብ ቀዳመይቲ ካብ'ተን ኣውስትራልያ ዘወሃሃደተን በረራታት ካብ ሊባኖስ ዝምለሱ ዘለዉ ኣውስትራልያውያን ኣብ ከተማ ሲድኒ ኣትዮም፡
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ጥቅምቲ 2024) 07.10.2024 14:08
ኣርእስታት ዜና፥ ሎሚ እቲ ኣብ እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ እተፈጸመ መጥቃዕቲ በዂሪ ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ተገይሩ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መተሃራ ፈንታሌ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊስካ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ተሰሚዑ። ደቡባዊ በይሩት ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ይድብደብ ኣሎ፡ ዛጊት ካብ ዝተገብረ ደብዳብ እቲ ዝኸበደ እዩ ተባሂሉ።
ቢንያም ግርማይ ልዑል ውጽኢታት ኣብ ኤውሮጳ ኣመዝጊቡ፣ ኬንያ ተቐዳደምቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተአንግድ፣ ጸብጻብ ፕሪምየር ሊግ፣ 06.10.2024 12:09
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (07/10/2024) * ቢንያም ግርማይ ኣብ በልጅምን ጀርመንን ዝተኻየዱ ናይ ሓደ መዓልቲ ቅድድማት ዝለዓሉ ውጽኢታት ኣመዝጊቡ፣ * ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ዓባይ ጋንታ ሞቪስታር ክጽንበር ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ተፈራሪሙ፣ * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኣፍሪቃ ኣብ ኤልዶረት ኬንያ ኣብ`ዚ ሰሙን ክካየዱ`ዮም፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓያሎ ተቐዳደምተን ከሰልፋ`የን፣ * ኢትዮጵያ ዝመጽእ ጥቅምቲ 12ን 15ን ዘለውዋ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ኣብ ከተማ ኣቢጃን፣ ኣይቮሪኮስት፣ ከተካይዶም`ያ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል፣ ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ዓወታት ብምምዝጋ...
ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መተሃራ ፈንታሌ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊስካ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ተሰሚዑ። 06.10.2024 7:57
ኤርትራ ሃገራዊ ዓውደ መጽናዕቲ ውሕስነት መግቢ ከም ዘሳለጠት ተሓቢሩ። ውድብ ናፅነት ትግራይ ፖሊሲ-ባዶባዶ ዝተብሃለ ኣማራጺ ምድሓን ብሄረ ትግራይን ምትካል መንግስትን ኣቕሪቡ። ሎሚ ሰኑይ መኽፈቲ መደረ ዘስምዓ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ስቕታ ከም ዝመራጻ ገሊጸን። ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ብዝሒ እሱራት ዝርከቡላ ሃገር ተባሂላ ኣብ 3ይ ደረጃ ከምዝተሰርዐት ተሓቢሩ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ሽፋን ጌርካ ብመራሕቲ ሰልፊ ሕዳሰ ምስቲ ስርዓት ምቕራብ ዝተወስድ ስጉምቲ ኣዝዩ ሓደገኛ'ዩ ነይሩ።"እድሪስ ኑር 06.10.2024 27:44
ሓደ ካብቶም ኣንጻር ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ዝቃወሙ ዘለዉ ዉድባት "ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ" ዝበሃል ኮይኑ፡ ኣብ ትግራይ ዝተገብረ ኲናት ስዒቡ ኣብ ዉሽጢ ምሪሕነቱ ምክፍፋል ተራእዩ። እቲ ዝጸንሐ መሪሕነት ሰልፊ፡ "ናይ ፓራዳይም ለውጢ " ብምግባር ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክንሰርሕ ኢና" ዝብልን ንዕኡ ዝመሳሰል ዘረባታትን መትከላትን ሒዙ። ነዚ ዝቃወሙ ድማ እዚ ካብ መትከልና ወጻኢ እዩ ብምባል ጉባኤ ኣካይዶም 'ግዝያዊ መሪሕነት ሰልፊ ሕዳሴ ኤርትራ ድማ ኣቑሞም። ምስዚ ዝተኣሳሰር ዛዕባ ምስ ኣቦ ወምበር ናይቲ ሰልፊ ግዝያዊ መሪሕነት ኢንጂኔር እድሪስ ኑር ዝተገብረ ቃለ መጠይቕ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ጥቅምቲ 2024) 03.10.2024 12:51
ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣንጻር ሰራዊት ሕዝቦላህ ዝቐንዐ ናይ ኣጋር ወራር ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን ፡ ሸሞንተ ወተሃደራታ ከም እተቐትሉ ገሊጻ ። ንምክትል ፕረዚደንትነት ዝተሓጽዩ ሪፓብሊካን J-D Vance ን ደሞክራቲክ ቲም ዋልዝን ኣብ ናይ C-B-S. ቴሌቭዥን ቀሪቦም ተኻቲዖም። ኤርትራ ግጭት ንምልዕዓል ዘጋድዱ ተስፋ ቆረጽ ምትላልታት ንዝበለቶም ኣካይዳታት ነቒፋ።
ቀጥታ ፖድካስት ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ጥቅምቲ 2024) 03.10.2024 52:46
ንሎሚ ሓሙስ 03 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሙባረክ ኢማም ኣብ 2016 ናብ ኣውስትራሊያ ድሕሪ ምስዳዱ፡ ብትምህርትን ኣብ ማሕበረሰቡ ብዝገብሮ ንጥፈታት ስሙ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበረኸ ይኸይድ ኣሎ። ንሱ "Young Assets Foundation" ዝበሃል ትካል ብምምስራት ንልዕሊ 150 መንእሰያት ኣብ ምሕጋዝ ዝርከብ መንእሰይ እዩ። በቲ ንማሕበረሰቡ ዝገብሮ ደገፍ ናይ ከተማ ያራ ናይ 2023 ዜጋ ከተማ ያራ ናይቲ ዓመት "citizen of the City of Yara" ተባሂሉ ተሰይሙ እዩ። ኣብዚ እዋን ንሲቲ ካውንስላት ኣብ ዝግበር ዉድድር ን ኖርዝ ሪችመንድን ንያራ ሲቲ ክውክል ይወዳደር...
ኤርትራ ግጭት ንምልዕዓል ዘጋድዱ ናይ ተስፋ ቆረጻት ምትላልታት ንዝበለቶም ኣካይዳታት ዝነቅፍ መግለጺ ኣውጺኣ። (ጸብጻብ) 02.10.2024 7:01
ርክብ ትግራይን ዓፋርን ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፋኖን ምስኦም ርክብ ኣለዎም ዝተባህሉ ኣካላትን ሓያል ስጉምቲ ምውሳዱ መንግስቲ ኣፍሊጡ። ኣብ ጅቡቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል፡ ብውሑዱ 45 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት ብዙሓት ከም ዝጠፍኡን ተገሊጹ።
First homebuyer’s guide: Getting a home loan in Australia - ኣብ ኣውስትራሊያ ልቓሕ ንመዐደጊ ገዛ ብኸመይ ይርከብ፧ 02.10.2024 10:36
For first-time borrowers, the home loan application process can feel overwhelming. Learn the basics around interest rates, the application process and government support you may be eligible for in Australia. - ገዛ ምዕዳግ ፡ ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ካብቲ ዝዓበየ ነገር እዩ ። ነዚ ዓቢ ዓቐን ዘለዎ ፋይናንሲያዊ ውሳነ ንምግባርን ምድላውን ፡ ልዕሊ ዓቕምኻ ኰይኑ ኽስምዓካ ይኽእል እዩ ። ኰይኑ ግና ፡ ዘሎ ኣማራጺታት ምፍላጥን ናይ ገዛ ልቓሕ ዕዳጋ ብኸመይ ከም ዝዓዪን ምርዳእ ፡ ባጀት ንምስላዕ ናይ ኣእም...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ጥቅምቲ 2024) 02.10.2024 5:19
ንሎሚ 2 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኢራን ናብ እስራኤል ዝተኮሶቶ ልዕሊ 200 ሚሳይላት ብ ኣመሪካን እስራኤል ከምዝበርዓነ ተፈሊጡ። ኣብ ዶባ ሶማልያን ኢትዮጵያን ወጥሪ ከምዘሎ ኣብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኣመሪካ ጀነራል ሚካኤል ናንግሊ ገሊጹ። መራሕቲ ካቶሊክ ኣብ ቫቲካን ኣብቲ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ዋዕላኦም ኣብ ለውጢ መሰረተ እምነት (ዶክሪን) ድምጺ ክህቡ እዮም።
ሙባረክ ኢማም፡ ኣብ ዉሑድ ዓመታት ብስደት ካብ ኤርትራ ናብ ውድድር ተወካሊ ህዝቢ ኣብ ኣውስትራሊያ። 01.10.2024 12:02
ሙባረክ ኢማም ኣብ 2016 ናብ ኣውስትራሊያ ድሕሪ ምስዳዱ፡ ብትምህርትን ኣብ ማሕበረሰቡ ብዝገብሮ ንጥፈታት ስሙ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበረኸ ይኸይድ ኣሎ። ንሱ "Young Assets Foundation" ዝበሃል ትካል ብምምስራት ንልዕሊ 150 መንእሰያት ኣብ ምሕጋዝ ዝርከብ መንእሰይ እዩ። በቲ ንማሕበረሰቡ ዝገብሮ ደገፍ ናይ ከተማ ያራ ናይ 2023 ዜጋ ከተማ ያራ ናይቲ ዓመት "citizen of the City of Yara" ተባሂሉ ተሰይሙ እዩ። ኣብዚ እዋን ንሲቲ ካውንስላት ኣብ ዝግበር ዉድድር ን ኖርዝ ሪችመንድን ንያራ ሲቲ ክውክል ይወዳደር ኣሎ። ቅድሚቲ መዓልቲ ምድማጽ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ጸገማትን ክፍትሕሎም ዝኽእሉ መገድታ...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ጥቅምቲ 2024) 01.10.2024 5:13
ንሎሚ 1 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ግዚያዊ ኣዛዚ ህዝቦላህ ናዒም ቃስም ፡ ሕዝቦላህ ኣንጻር እስራኤል ዝገብሮ ውግእ ከም ዝቕጽሎ ቃል ኣትዩ ። ኣብ ኣውስትራልያ ዋጋ ኣባይቲ እናወሰኸ ይኸይድ እኳ እንተ ኰነ ፡ እቲ ፍጥነት ክብሪ ግን እናዘሓለ ይኸይድ ከምዘሎ ሓድሽ ጸብጻብ ሓቢሩ። ሰራዊት ሱዳን ሓይልታቱ ኣብ ካርቱም ን መንበሪ ኣምባሳደር ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ደብዲቦም ንዝብል ክሲ ነጺጉ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 መስከረም 2024) 30.09.2024 51:17
ንሎሚ ሰኑይ 30 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ድሕሪ ዜና፡ ኣብዚ እስራኤል ካብ ቓዛ ሓሊፉ ናብ ሊባኖስ ሊሒሙ ዘለወሉ እዋን መራሒ ሕዝቦላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቀቲሉ ይርከብ፡ ነዚ ኣመልኪትና ሓሳን ናስራላህ መንዩ፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ብዛዕባኡ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ቀዳማይ ገጽ ፕሮጀክት ‘ምምሕያሽ ቀረብ ኤለክትሪሲቲ፡ ተዛዚሙ። ፕረዚደንት ጌታቸው መሪሕነት ህወሓት ምስ መሪሕነት ኤርትራ ጀማሩዎ ዝነበረ ዝርርብ ኣመልኪቱ ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ። ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ኢትዮጵያን ንዝወሃብ ልቃሕ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ሶማልን...
እቲ እስራኤል ዝቐንጸለቶ መራሒ ሕዝቡላህ ሓሰን ናስራላህ መን'ዩ ነይሩ፧ 30.09.2024 7:08
ኣብ 1992 መሪሕነት ህዝቦላሕ ተረኪቡ ክሳብ ሕጂ ክመርሕ ዝጸንሐ ሓሰን ናስረላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ዋና ከተማ ሊባኖት ተቐቲሉ ኣሎ። ናስራላህ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ምስ እስራኤል እተገብረ ውግእ ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ዝቕየር ብምግባርን ሓደ ካብቶም ኣብ ወለዶታት ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮም ዓረባዊ ጕጅለ ከም ዝኸውን ብምግባርን እዩ ንወተሃደራዊ ጉጅለ ሕዝቡላህ መሪሑዎ ። ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ በይሩት ርእሲ ከተማ ሊባኖስ ኣብ እተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር ከም እተቐትለ ገሊጻ ኣላ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ መንጎ ሕዝቦላን እስራኤልን ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ደይ...
ማራቶን በርሊን ሚልከሳ መንገሻን ትዕግስት ከተማን ተዓዊቶሞ፣ ታደይ ፖጋቻር ሻምፒዮን ዓለም ኮይኑ፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ደሓን ተርታ ወዲኡ፣ 29.09.2024 14:03
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (30/09/2024) * ፍርቂ ዘመኑ ኣብ ዘኽበረ ማራቶን በርሊን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ጾታታት ብዓብላሊ ተዓዊቶሞ፣ * ጽገ ድጉማ ኸኣ ኣብ ውድድር 800 ሜ ኣብ ኣሜሪካ ተዓዊታ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኋንግሻን፣ ቻይና፣ ኤርትራዊ ዮኤል ሃብተኣብ ሳልሳይ ወጺኡ፣ * ታደይ ፖጋቻር ሻምፒዮን ዓለም ቅድድም ብሽግለታ ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ዙሪክ፣ ስዊዘርላንድ፣ ከኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዝለዓለ ውጽኢት ንኤርትራ ኣመዝጊቡ፣ * ኬንያ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን 2025 ብሓባር ከአንግዳ ተሰይመን፣ * ብሪዝበን ላዮንስ ሻምፒዮን ፉቲ ኣውስትራልያ ኮይና፣...
ኣብ ኤርትራ ቀዳማይ ገጽ ፕሮጀክት ‘ምምሕያሽ ቀረብ ኤለክትሪሲቲ፡ ተዛዚሙ። 29.09.2024 7:57
ተሳትፎ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ኣኼባ መሓዙት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት። ፕረዚደንት ጌታቸው መሪሕነት ህወሓት ምስ መሪሕነት ኤርትራ ጀማሩዎ ዝነበረ ዝርርብ ኣመልኪቱ ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ። እቲ ፕረዚደንት ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ኣብ ሓፂር እዋን ክምለሱ እዮም፣ እዚ ድማ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ይውዳእ ኣሎ -ክብል ውን ተዛሪቡ። ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ኢትዮጵያን ንዝወሃብ ልቃሕ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ሶማልን ንዘለዎም ምስሕሓብ ኣብ መድረኽ ሕ/ሃ ኣቕሪቦም ኢትዮጵያ፣ ብወደብ በርበራ ነዳዲ ንምእታው ወጢና ከምዘላ ኣፍሊጣ።
Is democracy on the decline in Australia? - SBS Examines: ደሞክራሲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ምንቁልቋል ድዩ ዝርከብ፧ 28.09.2024 7:30
Home Affairs Minister Clare O’Neil has labelled democracy our most precious national asset. But some people say it’s at risk. - ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትራሊያ ክለይር ኦ'ኒይል ንዲሞክራሲ እቲ ኣዝዩ ዝኸበረ ሃገራዊ ጥሪትና ኢላ ሰይማቶ። ገለ ሰባት ግን ኣብ ሓደጋ'ዩ ዘሎ ይብሉ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 መስከረም 2024) 26.09.2024 53:35
ንሎሚ ሓሙስ 26 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው መሪሕነትን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ካልኣይ ክፋልን ናይ መወዳእታን ዘተ ክቐርብ እዩ። ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ኤርትራውያን ነጠፍቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ትግራይ ን620 ዝተጸገሙ መራሕቲ ስድራ ነበርቲ ከተማ ኮረም ሓገዝ ከም ዝገበሩ ተገሊጹ። ኣብ ከባቢ ዘላምበሳ ናይ ወተሃደራት ኤርትራ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዝናፈሱ ዘለው ዜናታት ካብ ክውንነትን ሓቅን ዝረሓቐ ምዃኑ ምምሕዳር ከተ...
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.