SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ጥቅምቲ 2024) 29.10.2024

ንሎሚ 29 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት ዜና፡ ነታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ሱዳን ዝያዳ ኣህጉራዊ ቘላሕታ ክግብር መጸዋዕታ ቐሪቡ። ኣብ ኣውስትራሊያ ናህሪ ዋጋ ገዛ እናዘሓለ ይኸይድ ከምዘሎ ተገሊጹ ። ክለብ ኩዕሶ እግሪ ማንቸስተር ዩናይትድ ን ኣሰልጣኒ ኤሪክ ተን ሃግ ኣሰናቢታቶ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (28 ጥቅምቲ 2024) 28.10.2024

ንሎሚ ሰኑይ 28 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ኣውስትራሊያን ኒውዚላንድን ዑደት ዝገብሩ ዘለዉ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ሰዊት ዮሃንስን ወላዲኣ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺን ብዛዕባ ኣብ ትምህርታ ዕውትቲ ኮይና ዝለዓለ ናይ ጥብቅና ሞያ ዝበጽሓትሉ ጉዕዞ፡ ኣብቲ ናታ ጉዕዞ ዓወት ተራ ወለዲን ማሕበረሰብን ዓላል ኣብዚ ካል ኣይ ክፋል ትሕዝቶ ቐሪቡ ኣሎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ዴቪድ ክራሲሊ ሎሚ [28 ጥቕምቲ] ኣብ ኲንስላንድ ሓድሽ ፕሪመር ኮይኑ ብወግዒ ምሒሉ ። ግብጺ ፡ ኣብ ቓዛ ንኽልተ መዓልቲ ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ናይ ምባል እማመ ስምምዕ ከም ዘ...

መጻረዪ ግጥም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሻምፒዮና ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ተሰሪዙ፣ ኣርሰናልን ሊቨርፑልን ማዕረ ኣብ ዝወጻሉ ማን ሲቲ ከሲባ፣ 27.10.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (28/10/2024) * ዮሚፍ ቀጀልቻ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ፍርቂ ማራቶን ኣመዝጊቡ፡ * ኢትዮጵያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ኣፍኮን 2029 ከተአንግድ ድሌት ከምዘለዋ ገሊጻ፣ * ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዘይትሳተፍ ድሕሪ ምፍላጣ ካፍ ነቲ ተመዲቡ ዝነበረ ግጥም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝሰረዞ ገሊጹ፣ * ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ሱፐርስፖርት ዩናይትድ ንኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣቡበከር ናስር ምስኣ ክጽንበር ናይ ሓደ ዓመት ውዕል ከምዘፈረመቶ ኣፍሊጣ፣ * ኣርሰናልን ሊቨርፑልን ማዕረ ዝተፈላለያሉ ግጥም ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ንማንቸስተር ሲ...

"ኣብ ኤርትራ ብቖልዓኣ 2000 መጻሕፍቲ ኣንቢባ፡ ካብ ቦትስዋና ክሳብ ኣመሪካ ብ ነፋሪት እናተጓዕዘት 800 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ ኣንቢባ ወዲኣ" ዕላል ሰዊትን ዮሃንስ በራኺን 27.10.2024

ኣብ ኣውስትራሊያን ኒውዚላንድን ዑደት ዝገብሩ ዘለዉ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ሰዊት ዮሃንስን ወላዲኣ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺን ብዛዕባ ኣብ ትምህርታ ዕውትቲ ኮይና ዝለዓለ ናይ ጥብቅና ሞያ ዝበጽሓትሉ ጉዕዞ፡ ኣብቲ ናታ ጉዕዞ ዓወት ተራ ወለዲን ማሕበረሰብን ዓላል ኣብዚ ካል ኣይ ክፋል ትሕዝቶ ቐሪቡ ኣሎ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግኛ ፖድካስት (24 ጥቅምቲ 2024) 24.10.2024

ንሎሚ ሓሙስ 24 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሰዊት ዮሃንስ ብንእስነታ ምስ ወለዳ ካብ ኤርትራ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ተሰዲዳ ዝለዓለ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ዛዚማ ብሞያ ጥብቅና ትሰርሕ ዘላ እያ። ኣቦን ወድን ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን ብዛዕባ ዝምድና ወለድን ዉልድን፡ ጥዑይ ኣተዓባብያ ዉሉድን ዘጋጥሙ ጸገማትን ኣፈታትሓኡን ብሰፊሑ ኣዕሊሎምና ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽኪያን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተራኺቡ ዘትዩ።ኣብ ዓለም፣ 1.1 ቢልዮን ህዝቢ ኣብ ሕሱም ድኽነት ከምዝነብር ተገሊ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ጥቅምቲ 2024) 24.10.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ብዝሒ እቶም ብ ትምህርቲ መሕረሲት ዝምረቑ ሰባት ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዝድለ ብዝሒ ዘየማል ኡ ምዃኖም ስክፍታ ከምዘሕድር ሓደ ዝወጸ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ሓይልታት እስራኤል ነቲ ዝተቐትለ መራሒ ሕዝቡላህ ክትክኦ ተሓሲቡ ዝነበረ ሓሽም ሰይፈዲን ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጾም። ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ብሕሱም ድኽነት ዘለዋ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዝዓበየ ዕዳ መንግስቲ ካብ ዘለወን 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ።

ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ብሕሱም ድኽነት ዘለዋ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዝዓበየ ዕዳ መንግስቲ ካብ ዘለወን 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ። 23.10.2024

ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽኪያን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተራኺቡ ዘትዩ። ኣብ ዓለም፣ 1.1 ቢልዮን ህዝቢ ኣብ ሕሱም ድኽነት ከምዝነብር ተገሊጹ ኢትዮጵያ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከብ ዝበዝሐ ህዝቢ ካብ ዘለወን ሃገራት ክትከውን ከላ ኤርትራ ብወገና ዝዓበየ ዕዳ መንግስቲ ካብ ዘለወን 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ኣላ። ኣብ ትግራይ ንህንፀት ፕሮጀክት ኬሚካል ኢንዱስትሪ ደጀና ኮንትራት ዝሓዘ ኩባንያ ቻይና CEC ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ክጅምር ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ተባሂሉ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ መጭወይቲ ዜጋታት ገዲዱ ከም ዝቐጸለ ኣፍሊጡ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ጥቅምቲ 2024) 23.10.2024

ንሎሚ 23 ጥቅምቲ ዝተዳለዉ ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝርከቦም ኣብ ካዛን ሩስያ፡ መራሕቲ ደቡባዊ ደምበ ብኣቦ-መንበርነት ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዋዕላ ብሪክስ ይካየድ ኣሎ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ፡ ውግእ እስራኤል-ሓማስ ካብ ዝጅምር ን መበል 11 ግዜ ናብ እስራኤል ምብጻሕ ይገብር ኣሎ። ኣብዚ ዓመትካብ ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝፈተኑ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሞቱ ዓለምለኻዊ ትካል ፍልሰት ሓቢሩ።

ኣብ ኣውስትራሊያ መስርሕ ምህናጽ መንበሪ ገዛኻ (ምንባረ ኣብ ኣውስትራሊያ) 23.10.2024

ኣብ ኣውስትራሊያ ገዛ ምስራሕ ናይ ብዙሓት ሰባት ሕልሚ ወይ ራእይ እዩ ፡ እዚ ሕልሚ ተግባራዊ ንምግባር ግን እንታይ ኣገደስቲ ስጕምትታት እዮም ዘድልዩ ። ዝጸንሐ ቤት ምዕዳግ ቀሊል ዝመስል እኳ እንተ ኰነ ፡ መሬት ንምዕዳግን ቤትካ ንምህናጽን ዝግበር መስርሕ ብጥንቃቐ መደብ ምውጻእን ኣብ ግምት ምእታውን ዝሓትት እዩ ። ኣብ ኣውስትራሊያ መንበሪ ገዛኻ ንምህናጽ ዝድለዩ ስጉምትታት ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባአ ኣብ ኣውስትራሊያ ተገሊጹ ኣሎ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥቅምቲ 2024) 22.10.2024

ንሎሚ 22 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት: ነጻ ኣባል ባይቶ ሊድያ ቶርፔ ነቶም ኣብ ካንቤራ መንግስታዊ ኣቀባብላ ዝግበረሎም ዝነበረ ንጉስ ቻርለስን ሰበይቱን “ንጉሰይ ኣይኮነን ኢላ ዝጨደረቶ ዓለምለኻዊ ኣርእስቲ ዜና ኮይኑ ዊዒሉ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ማርካቶ ኣዲስ ኣበባ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ፡ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕ ፡ ዳግም ብምጽላም ስም ተኸሲሱ ።

“ወለደይ ነጻ ኣተሓሳስባ ክውንን ነጻ ጌሮሙኒ።” ሰዊት ዮሃንስ፡ ዕላል ኣቦን ጓልን 21.10.2024

ሰዊት ዮሃንስ ብንእስነታ ምስ ወለዳ ካብ ኤርትራ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ተሰዲዳ ዝለዓለ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ዛዚማ ብሞያ ጥብቅና ትሰርሕ ዘላ እያ። ኣቦን ወድን ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን ብዛዕባ ዝምድና ወለድን ዉልድን፡ ጥዑይ ኣተዓባብያ ዉሉድን ዘጋጥሙ ጸገማትን ኣፈታትሓኡን ብሰፊሑ ኣዕሊሎምና ኣለዉ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ጥቅምቲ 2024) 21.10.2024

ንሎሚ ሰኑይ 21 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ትካላውነት ብዘይምህናጹ ሚድያታት ብነጻነት ክሰርሓ ኣይክኣላን ተባሂሉ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎጃም “ሓይልታት መንግስቲ" ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ። ዝብሉን ካልእን ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ። ኣባል ኮሚቴ ምምኻርን ኣድኣላዊ ሲምፖዚየምን ኤሪሳት ኣቶ ዮሴፍ ኣልኣዛር ብዛዕባ ኣብ 2 ሕዳር 2024 ዝግበር ሲምፖስየምን ስልማት ተባዕ ጋዜጠኛ ምልክያስ ዝምልከት ዝተገብረ ቃለ መሕትት። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢ...

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ልዕሊ 13.4 ኩንታል ወርቂ ዕድጊት ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ። (ጸብጻብ) 20.10.2024

ኣብ ዝተኻየደ ዓብዪ ቴሌቶን ትግራይ ክልተ ሚኢትን ሓደን ሚሊዮን ብር ንምልጋስ ቃል ተኣትዩ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ልዕሊ 13.4 ኩንታል ወርቂ ዕድጊት ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ ኣብ ትግራይ ትካላውነት ብዘይምህናፁ ሚድያታት ብነፃነት ክሰርሓ ኣይክኣላን ተባሂሉ። ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ፍስሃጽዮን ጴጥሮስ ናይ ኣምባሳደርነት ወረቐት ንንጉስ ስዊድ ኣቕሪቡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎጃም “ሓይልታት መንግስቲ" ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ቢንያም ግርማይ ንብሉጽ ተቐዳዳማይ ተሓጽዩ፣ ኣርሰናል ኣብ`ዚ ወቐቲ ፕሪምየር ሊግ ንፈለማ ግዜ ተሳዒራ፣ 20.10.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/10/2024) * ማራቶን ኣምስተርዳም ብዓወት ኢትዮጵያውያን ብክልቲኡ ጾታታት ተዛዚሙ፣ * ሻምፒዮን ቅድድም ብሽግለታ ኢትዮጵያ ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃ ሓዳስ ጋንታ ይደሊ ከምዘሎን ሰባት ክተሓባበርዎን ኣብ መድረኽ ሓፋሽ ክፉት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ፣ * ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ንብሉጽ ተቐዳዳማይ ዓመተ 2024 ካብ ዝተሓጽዩ 10 ተቐዳደምቲ ኮይኑ፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምናይ ዙርያ ግጥማቱ ኣካይዱ ኣብ መሪሕነት ዝርከባ ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲን ዓወታት ከመዝግባ`ንከለዋ ኣርሰናል ንፈለማ ግዜ ኣብ`ዚ ወቕቲ ስዕረት ኣጋጢምዋ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ደጊማ...

"ኤሪሳት ይኹን ካልእ ትካል ዝሕለፍ ሓሊፉ ክቕጽል ምኽኣል ዓቢ ነገር'ዩ" ዝርርብ ምስ ዮሴፍ ኣልኣዛር ብዛዕባ ዝመጽእ ሲምፖዚዮም። 20.10.2024

ኣባላ ኮሚቴ ምምኻርን ኣድኣላዊ ሲምፖዚየምን ኤሪሳት ኣቶ ዮሴፍ ኣልኣዛር ብዛዕባ ኣብ 2 ሕዳር 2024 ዝግበር ሲምፖስየምን ስልማት ተባዕ ጋዜጠኛ ምልክያስ ይዛረብ።

ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ጥቅምቲ 2024) 17.10.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ፓርላማ ደቡብ ኣውስትራሊያ ድሕሪ 27 ሰሙናውን ሽድሽተ መዓልታትን ጥንሲ ምውራድ ሕጋዊ ዝገብር ሕጊ ብጸቢብ ድምጺ ዉዱቕ ገይርዎ። ፕረዚደንት ዩክሬን ቭሎዶሚር ዘለነስኪ፡ መሻርክቲ ዩክሬን ሃገሩ ናብ ኔቶ ክትጽንበር ዕድመ ከቕርባ ሓቲቱ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ብዝኸፍአ መልክዑ ዝቕጽል ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ ጸብጻቡ ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኸቕርብ ተሓቲቱ።

ኣብ ዓፋር ተጫጭሑ ዝተብሃለ ኣንበጣ ገረብ ስግኣት ሓረስቶት ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 16.10.2024

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣመልኪቱ ፀብፃቡ ንባይቶ ፀጥታ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኸቕርብ ተሓቲቱ። ኢትዮቴሌኮም ካብ ጠቕላላ 100 ቢልዮን ብር ኣክስዮን ናይ 100 ሚልዮን ብር ኣክስዮን ንመሸጣ ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ። ስምምዕ ኣጠቃቅማ ማይ ሃገራት ተፋሰስ ፈለግ ኣባይ ካብዚ ሰሙን ጀሚሩ ናብ ተፈፃምነት ምብጽሑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።

ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ኣንጻር ዋልያታት ኢትዮጵያ ክትገጥም'ያ። 16.10.2024

ዓሰርተ ሓደ ሃገራት ኣብ ዞና ሴካፋ ንመጻረዪ ግጥማት ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን 2025 ኣብ ዝሳተፋሉ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ግጥማት ኣንጻር ኢትዮጵያ ክትገጥም በጺሕዋ፣ * ኢትዮጵያ መጻረዪ ግጥማ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ኣብ ከተማ ኣቢጃን፣ ኣይቮሪኮስት፣ ኣካይዳ ኣብ ጀርመን ዝጻወት ሰርሑ ጊራሲ ሰለስተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ 4-1 ተሳዒራ,

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ጥቅምቲ 2024) 16.10.2024

ንሎሚ 16 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ : ኣርእስታት ዜና፥ ግዚያዊ መራሒ ሕዝቦላህ ፡ ምስ እስራኤል ተዅሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ሰራዊ እስራኤል መጥቃዕቲን ወረራን ኣብ ሊባኖስ ቐጺሉ። ሰባት ኣብ ናይ ዘይሃሰብዎ ኮንትራት ወይ ሳብስክሪፕሽን ዘእቱ መጻወድያታትን ፡ ነቲ ውዕላት ንምስራዝ ኣጸጋሚን ኣደናጋርን ዝኸውን ዘሎን ተግባራት ኣብዚ ቅሩብ እዋን ክእገድ ከምዝኽእል ተፈሊጡ። ዝተኸፋፈሉ ፖለቲከኛታት ህወሓት ንምዕራቕ ዝተገብረ ጻዕሪ ከምዝፈሸለ ተፈሊጡ።

Understanding vaccination rules for children in Australia - ንክታበት ህጻናት ዝምልከቱ መምርሒታት ኣብ ኣውስትራልያ ንፈልጦም ዶ፧ 15.10.2024

Did you know that one in five children is at risk of dying from a disease that is now preventable through vaccination? Australia’s vaccination program helps to prevent severe outcomes from many childhood infections. To access family support payments—and in some states, childcare services—your child must be fully immunised according to the national schedule. - ደቅኹም ክታበት ከምዝወሰዱ ምርግጋጽ ንዕኦም ይከላኸለሎምን ን...

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2024) 15.10.2024

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ ( ሰሉስ 15 ጥቅምቲ 2024) * ከባቢ ፍርቂ ዝኾኑ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤታት ኣብ ኣውስትራልያ ውሕስነት ቀረብ መግቢ ዘይብሉ መነባብሮ የሕልፉ ከምዘለዉ ተገሊጹ፣ * ኣውስትራልያ ዜጋታታ ናብ እስራኤል ከይጓዓዙን ኣብኡ ዘለዉ ኸኣ ብዝተቐላጠፈ ክወጹን ተጠንቅቕ፣ * ሰራዊት እስራኤል ኣርባዕተ ወተሃደራት ዝቐተለን ልዕሊ 60 ሰባት ዘቑሰለን መጥቃዕቲ ድሮን ሒዝቡላህ መርመራ ከካይደሉ ምዃኑ ገሊጹ፡ * ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝካየድ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝህቦ ደገፍ ክቕጽሎ ምዃኑ ቃል ከምዝኣተወላ ኢትዮጵያ ገሊጻ፣

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ጥቅምቲ 2024) 14.10.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ንባህልን ልምድን ማሕበረሰብ ግሪኽ ብምዕቃባ ንቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ግሪኽ ንኢዱ ። ኣብ ማእከላይ እስራኤል ከተማ ቢንያሚና ብመጥቃዕቲ ድሮን 20 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ኣገልግሎት ምድሓን እስራኤል ገሊጹ። ኢትዮጵያ ብጉዳይ ግብጽን ጎረባብታን ከም ዘይትሻቐል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊጹ።

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ጥቅምቲ 2024) 14.10.2024

ንሎሚ ሰኑይ 14 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መሮን ሰመዳር፡ ኣብ ሳሕል ዓብዩ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣመሪካ ካብ ዝኣቱ 12 ዓመታት እኳ እንተገበረ ክልተ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ጥራይ ዘይኮነ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ኦክላንድ ኣባል ባይቶ ከተማ ንምዃን ዝወዳደር ዘሎ እዩ። ብዛዕባ ናብዚ ዝበጽሓሉ ጉዕዞ ህይወቱን ብዛዕባ ፖለቲካ ኣመሪካን ኣዕሊሉና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ግብጽን ጎረባብታን ከም ዘይትሻቐል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊጹ። ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ ኣጋጢሙ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ መሰል ሃይማኖት ዝገብ...

ኢትዮጵያ ብጉዳይ ግብጽን ጎረባብታን ከም ዘይትሻቐል ገሊጻ። (ካብ ጸብጻብ) 13.10.2024

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ግብጽን ጎረባብታን ከም ዘይትሻቐል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊጹ። ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ ኣጋጢሙ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ መሰል ሃይማኖት ዝገብሮ ግህሰት ብምቕጻል፡ 24 ኣመንቲ ጂሆቫ ኣሲሩ ተባሂሉ። ውድብ ሳልሳይ ወያነ " ህዝባዊ ዋዕላ ብሄራዊ ድሕነትን ስምረትን " ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ መድረኽ ኣሳሊጡ።

#72 Talking about which team sport to join (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ዝርርብ ብዛዕባ ምስየናይ ጋንታ ስፖርት ምጽዋት 13.10.2024

Learn how to describe social team sports and choose one that is right for you. - ብዛዕባ ማሕበራዊ ጋንታ ስፖርትን እታ ዝበለጸት ምምራጽ ዝምልከት ብቛንቋ እንግሊዝኛ ንመሃር። Learn how to describe social team sports and choose one that is right for you.

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.