SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

Finding a bank account that works hard for you - ንዓኹም ብዝበለጸ ዘርብሕ ናይ ባንክ ሒሳብ (ኣካውንት) ብኸመይ ትረኽቡ፧ 12.11.2024

If you have a job, receive government benefits or want to pay your bills easily you’ll need a bank account. You may even need more than one. To join the 20 million customers who hold Australian bank accounts, take some time to find one that best suits your needs. - ስራሕ እንተሃልይኩም፡ መንግስታዊ ኣበላት (ሓገዛት) ትቕበሉ ወይ ሕሳባትኩም ብቐሊሉ ክትከፍሉ እንተደሊኹም ናይ ባንክ ሕሳብ (ባንክ ኣካውንት) ከድልየኩም'ዩ። ምናልባት'ውን ካብ ሓደ ንላዕሊ ከድልየኩም ይኽእል'ዩ።...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ሕዳር 2024) 12.11.2024

ናይ ሰሉስ 12 ሕዳር 2024 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ውድብ ሜቲዮሮሎጂ ዓለም፡ ዓመተ 2024 ኣብ መዝገብ ዝሞቐት ዓመት ክትከውን ኣብ መስመር ኣላ ክብል ገሊጹ፣ * ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት 2024 ኣብ ኣዘርባይጃን ይካየዱ'ለዉ፣ ኣውስትራልያ ብሚኒስተር ለውጢ ክሊማ ክሪስ ቦወን ዝምራሕ ልኡኽ ትሳተፍ፡ * ሓይልታት እስራኤል ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኑሰይራት ታንክታት ተኹሲ እናኸፈታ ኣብ ዝኣተውሉ ኣብ ማእከላይ ቓዛ ብዉሑዱ 30 ሰባት ቀቲሎም፣ * ዳኛ ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ደይቪድ ኩት ንሊቨርፑልን ናይ ቀደም ኣሰልጣኒኦም የርገን ክሎፕን እናተጻረፈ ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ ካብ...

ጸብጻብ ኤርትራዊ ባህሊ ካርኒቫል (ኣልዋን) ኣብ መልበርን፡ 11.11.2024

ኣብ ከተማ መልበርን ኣውስትራልያ ፡ብ ኣልዋን ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ብምትሕብባር ፡ ጉጅለ ባህሊ ኣልዋን ዘዳለዎ ፍሉይ ካርኒቫል ዕለት 11 ሕዳር 2024 ፍሉይ ባህላዊ ምሸት ተገይሩ። ኣብዚ ካርኒቫል እዚ ፡ ብያታታትን ብስነ-ጥበብን ብጽሑፋትን ንእተፈላለየ መዳያት ባህሊ ኤርትራ ዝውክል ኣብ ማሕበረሰቦም ኣበርክቶ ዝገበሩ ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ተዓዲሉ። ነዚ ኣመልኪትና ምስ ኣወሃሃድቲ እቲ መደብ ቅድሚ እቲ ካርኒቫል ምጅማሩ ብዛዕባቲ መደብ ገሊጾሙልና ኣለዉ፡ ከነቕርቦ ኢና። ከም ስነጥበበኛታት ሚካኤል ኣዶናይ ስዒድ ዓብደላን ወልደየሱስ ማንጁስን ካልኦት ዓበይቲ ስነጥበበኛታት ኣብቲ እዋን ተሸሊሞም። ዝተፈላዩ ድምጻውያን ዝተሳተፍ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሕዳር 2024) 11.11.2024

ንሎሚ ሰኑይ 11 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ከተማ መልበርን ኣውስትራልያ ፡ብ ኣልዋን ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ብምትሕብባር ፡ ጉጅለ ባህሊ ኣልዋን ዘዳለዎ ፍሉይ ካርኒቫል ዕለት 11 ሕዳር 2024 ፍሉይ ባህላዊ ምሸት ተገይሩ። ኣብዚ ካርኒቫል እዚ ፡ ብያታታትን ብስነ-ጥበብን ብጽሑፋትን ንእተፈላለየ መዳያት ባህሊ ኤርትራ ዝውክል ኣብ ማሕበረሰቦም ኣበርክቶ ዝገበሩ ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ተዓዲሉ። ነዚ ኣመልኪትና ምስ ኣወሃሃድቲ እቲ መደብ ቅድሚ እቲ ካርኒቫል ምጅማሩ ብዛዕባቲ መደብ ገሊጾሙልና ኣለዉ፡ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ወተሃደራ...

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ኒውካስትል ዩናይትድ ክትዕወት ሓጊዙ፣ ሊቨርፑል ፍልልያ ብምግፋሕ መሪሕነታ ኣደልዲላ፣ 10.11.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (11/11/2024) * ጸሃይ ገመቹ ጥሕሰት ድንፋዐ ደምን ብቕዓትን ፈጺማ ተባሂላ ን4 ዓመታት ድሕሪ ምእጋዳ ካልእ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት እብሲት ጥላሁን ኣስረስ'ውን ኣብ'ዚ ሰሙን እገዳ ተነቢሩላ፣ * ሻምፒዮን ውድድር ማራቶን ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ኢትዮጵያዊ ታምራት ቶላን ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰንን ንብሉጽ ኣትሌት ናይ'ዚ ዓመት ተሓጽዮም ኣብ ፍጻመ በጺሖም፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ሰንከልከል ኣብ ዝብላሉ ዘለዋ እዋን ሊቨርፑል ፍልልያ ብምግፋሕ መሪሕነታ ኣደልዲላ, * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ክትዕወት ሓጊዙ፣

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ወተሃደራውያን መራሕቲ ምብራቅ ሱዳን ተዛትዩ ተባሂሉ። 10.11.2024

ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ወተሃደራውያን መራሕቲ ምብራቅ ሱዳን ተዛትዩ ተባሂሉ። ብካልእ ሓበሬታ ሽማግለ ኣደ ዝርከብኦም 23 ኣመንቲ መሰኻኽር ጅሆቫ፡ ኣብ ማይ ስርዋ ይሳቐዩ ኣለዉ ተባሂሉ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕላዊ ዝኾነ ዕልዋ መንግስቲ ንምግባርን ስርዓት ኣልቦነት ንምስፍሕፋሕ ሸርሕታት ይእለም ኣሎ ክብል ከሲሱ። ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያን ካልኦት ወሰንቲ ጉዳያት ትግራይን ዝከታተል ንኹሉ ዘሳተፈ ካውንስል ንክጣየሽ ሸውዓተ ሲቪክን ቢዝነስን ማሕበራት ፀዊዐን። ሶማልያ ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ሓድሽ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘይካተት ኣፍሊጣ ኣላሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ መልበርን ብዛዕባ ተዳልዩ ዘሎ ካርኒቫልን ሽልማትን ስነጥበብ ኤርትራዊያን፥ መ/ ሻግራይን በክሪ ሑመድን ይገልጹ። 07.11.2024

ኣልዋን/ ሕብሪ ዓመታዊ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዘዳልዎ ምሽላም ኤርትራዊያን ስነጥበበኛታት ዕለት 10 ሕዳር ኣብ መልበርን/ ኣውስትራሊያ ንዓበይቲ ስነ ጥበበኛታት ኣፍልጦን ስልማትን ክህብ እዩ። ነዚ ኣመልኪትና ካብ ኣዳለውቲ እቲ መደብ መሓመድ ሻግራይን በክሪ ሑመድን ብዛዕባ እቲ ተዳልዩ ዘሎ መደብ ገሊጾሙልና ኣለዉ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሕዳር 2024) 07.11.2024

ንሎሚ ሓሙስ 7 ሕዳር 2024/ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንሓዱሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ናይ እንቋዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዶም። "ልዕሊ 970 ሽሕ ተመዛበልቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን" ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ስራሕቲ ጽገና ሓወልቲ ኣኽሱም ናብ ተግባር ንምእታው ስምምዕት ተፈሪሙ። መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ ንኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘካይዶ በረራ ኣቋሪጹ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣለና። ኣገዳስነት ባህላዊ ቅድታት ኣብ ከተማታት ኣውስትራሊያ፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካ...

መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ ንኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘካይዶ በረራ ኣቋሪጹ 06.11.2024

መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንሓዱሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ናይ እንቋዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዶም። "ልዕሊ 970 ሽሕ ተመዛበልቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን" ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ስራሕቲ ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ናብ ተግባር ንምእታው ስምምዕነት ተፈሪሙ መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ ንኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘካይዶ በረራ ኣቋሪጹ

ኣገዳስነት ባህላዊ ቅድታት ኣብ ከተማታት ኣውስትራሊያ፡ 06.11.2024

ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ቦታታት ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ሃገር ፡ ባህሊ ፡ ቋንቋ ዝሓቘፈ ታሪኽ ዝሓዘ እዩ ። ኣብ ህንጻ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቅድን ነዚ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍልጠት ኣብ መነባብርና ከምዝርአ ንምግባር ዝዓለመ እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብ ካብ ደቀባት ዝኾኑን ዘይኮኑን ክኢላታት ካብ ናይ ኣቦርጂንን ምዕራብን ፍልጠት ዘለዎም ቦታታት ወይ ህንጻታት ንምፍጣር ይጽዕሩ ከምዘለዉ ርእይቶም ክህቡ እዮም ።

#74 Talking about your pet peeves (Med) - #74 Talking about your pet peeves (Med) 06.11.2024

Learn how to talk about things that annoy you. - Learn how to talk about things that annoy you.

ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ሕዳር 2024) 05.11.2024

ኣርእስታት ንሎሚ 6 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ፡ ** ኣብ መዓልቲ ምርጫ፡ ዓሰርተታት ሚልዮናት ኣመሪካዊያን ድምጾም ሂቦም... ** ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ሳሕቲ ጥራይ ዝግበር ሕክምናዊ ምውጻእ፡ ልዕሊ 100 ብከቢድ ሕሙም ዝሓመሙ ካብ ጋዛ ኣውጺኡ ... ** ኣመሪካ ብኹነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ስእነት ጸጥታ ስክፍታ ከም ዘለዋ ሚ/ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብንሊከን ገሊጹ።

Migrants aren't being hired in the jobs they're qualified for. It's costing Australia billions - SBS Examines: ሓደስቲ መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ብቑዓት ኣብ ዝኾኑሉ ሞያ ኣይኮኑን ዝቑጸሩ ዘለዉ፣ እዚ ኸኣ ንኣውስትራልያ ቢልዮናት የኽስራ፣ 05.11.2024

Australia is facing a skills shortage. So why are migrants struggling to find work in line with their education and experience? - ኣውስትራልያ ሕጽረት ክኢላታት ኣጋጢምዋ’ሎ። እንተኾነ ግን ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ እቶም ዘድልይዋ ሞያታትን ክእለታትን ዝሓዙ ልዕሊ 600,000 ሰባት ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ኣለዉ ክብል ይገልጽ። ስለ’ዚ መጻእቲ ናብ’ዚ ሃገር ዝኾኑ ሰባት በቲ ብቑዓት ዝኾንዎ ሞያ ስራሕ ክረኽቡ ዝሽገሩ ዘለዉ ደኣ እንታይ ኮይኖም’ዮም፧

ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ፡ ሃሪስን ዶናልድን ን ኣመሪካዊያንን ዓለምን እንታይ ሒዞም'ዮም ቀሪቦም ዘለዉ፧ ዝርርብ ምስ ክብረኣብ ይመስገንን ሳሚኤል ቢዘንን 05.11.2024

ኣብ ኣመሪካ ዝግበር ዘሎ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ሕጹያት ካመላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን ብተቐራራቢ ድምጺ ናብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ። ነዚ ኣብ ኣመሪካ ዝግበር ዘሎ ምርጫን ብዛዕባ ሕጹያት ንህዝቢ ሒዞሞ ቐሪቦም ዘለዉን ብሓፈሻ ህዝቢ ነዞም ሕጹያት ብኸመይ ይግምግሞም ከምዘሎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብፍላይ ኣብዚ ቕሩብ እዋን "ዕላል መዛኑ" ብዝብል ትንተና ዘካይዱ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘንን ኣቶ ክብረኣብ ይመስገንን ገሊጾሙልና ኣለዉ። (ብተክኒካዊ ጸገም ዘይንጹር ድምጺ ኣቐዲምና ይረታ ንሓትት።)

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ሕዳር 2024) 04.11.2024

ኣርእስታት፡ ንሎሚ 5 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ምርጫ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ካማላ ሃሪስን ኣብተን ወሰንቲ ቦታታት ምርጫ ናይ መወዳእታ ጎስጓሶም የካይዱ ኣለዉ። እቲ ንህዝቢ ኣውስትራሊያ ደው ንኽብል ዝገብር ተባሂሉ ዝፍለጥ በብዓመቱ ዘካየድ ውድድር ኣፍራስ መልበርን ካፕ ፡ ሎሚ [5 ሕዳር] ኣስታት 90 ሽሕ ሰባት ክዕዘብዎ ትጽቢት ይግበር ። ብሪጣንያ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘለዉ ግጭታት ደው ክብሉ ጸዊዓ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኢአስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ሕዳር 2024) 04.11.2024

ንሎሚ ሰኑይ 04 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሎሚ ብዙሓት ኤርትራዊያን ንኡጋንዳ ከም ካልኣይትቲ ዓዶም ሓሲቦም ኣብታ ሃገር ከውፍሩ ደቆም ከምህሩን ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክሳተፉን ትካላት ሃይማኖት ከዐንብቡን ይረኣዩ ኣለዉ። ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል'ውን ኣብ ኡጋንዳ ንልዕሊ 13 ዓመታት ኣብዝነብረሉ ዘሎ ነቶም ኣብቲ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራዊያን ዝተፈላልዩ ሞያታት ክሕዙን ብማሕበራዊ መድያ ዘንቅሑን ዘለዉ እዩ። እቲ ንሱ ኣብታ ሃገር ዝገብሮ ንጥፈታት፡ ኣብ ኡጋንዳ ዘሎ ዕድላትን ግድላትን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡና ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ስምምዓት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ መሊኦም ክትግበሩ ከም...

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተስፋ ኣርሰናል ንጽዋዕ ፕሪምየር ሊግ የጸልምት፣ ለሚ ብርሃኑ ኣብ ማራቶን በይጂንግ ሃዊ ፈይሳ ኣብ ፍራንክፈርት ተዓዊቶም፣ 03.11.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (04/11/2024) * ለባሲ ቀጠልያ ማልያን ሰለስተ ግዜ ተዓዋቲ መድረኽ ዝኾነን ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ክቡር ዕዱም ኮይኑ ኣብ ዝተረኽበሉ ዙር ፈረንሳ 2025 ዝኽተሎም መንገድታት ብወግዒ ኣፍሊጡ፡ * ሃዊ ፈይሳ ኣብ ማራቶን ፍራንክፈርት ድሕሪ ምዕዋታ ኢትዮጵያውያን ዝርዝር ኣስማት ብሉጽ ግዜ ማራቶን ናይ ኩሉ ግዜ ዘመዝገባ ኣትሌታት ዓለም ምዕብላለን ይቕጽላ፣ * ኣብ ማራቶን ቶክዮ ካልኣይቲ ዝወጸት ጸሃይ ገመቹ ምስ ምድንፋዕ ደም ብዝተኣሳአር ጥሕሰት ተጠርጢራ ንኣርባዕተ ዓመት ተኣጊዳ፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ምንቁልቋል ኣርሰናል ዘጋደደት ሽቶ ብምምዝጋብ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ክትዕወት ክሕግዝ'ንከሎ...

ክልተ ዓመቱ ዝመልኦ ስምምዓት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ መሊኦም ክትግበሩ ከምዝግባእ ሕብረት ኣውሮጳ ሓቲቱ። 03.11.2024

ስምምዓት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ መሊኦም ክትግበሩ ከምዝግባእ ሕብረት ኣውሮፓ ሓቲቱ። መበል ካልኣይ ዓመት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ ዘይተመለሰ ተመዛባልን ግዝኣትን ክምለስ ጸዊዑ ኣሎ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ልኡኽ ከባቢ ናጻ ንግዲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝርርብ ኣካይዱ።።ዝብሉን ካልእን ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ።

"ሰብ ካብ መፈጠሩ እናረሓቐ እንተኸይዱ፡ እናጎሃየን ትርጉም ህይወት እናሰኣነን'ዩ ዝኸይድ" ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል 03.11.2024

ሎሚ ብዙሓት ኤርትራዊያን ንኡጋንዳ ከም ካልኣይትቲ ዓዶም ሓሲቦም ኣብታ ሃገር ከውፍሩ ደቆም ከምህሩን ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክሳተፉን ትካላት ሃይማኖት ከዐንብቡን ይረኣዩ ኣለዉ። ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል'ውን ኣብ ኡጋንዳ ንልዕሊ 13 ዓመታት ኣብዝነብረሉ ዘሎ ነቶም ኣብቲ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራዊያን ዝተፈላልዩ ሞያታት ክሕዙን ብማሕበራዊ መድያ ዘንቅሑን ዘለዉ እዩ። እቲ ንሱ ኣብታ ሃገር ዝገብሮ ንጥፈታት፡ ኣብ ኡጋንዳ ዘሎ ዕድላትን ግድላትን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡና ኣለዉ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ጥቅምቲ 2024) 31.10.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያ በቲ ተዓሊሙ ክስርሓሉ ዝጸንሐ መጠን ዝቕባበ ካብ 2 ኽሳእ 3 ሚእታዊ ነክዩ እንተሎኳ መጠን ወለድ ግን ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ከምዘይጎድል ተፈሊጡ። ሓድሽ መራሒ ሕዝቦላህ ፡ ናዒም ቃስም ፡ዘተኣማምን ውዕል እንተልዩ ምስ እስራኤል ተዅሲ ደው ንምባል ከምዝሰማምዕ ገሊጹ ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምርጫ ትሕቲ ሓደ ሰሙን ጥራይ ተሪፉ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ እቶም ፕረዚደንታዊ ሕጹያት ኣብቲ ወሳኒ ቦታታት ዝገብርዎ ወፈራ ኣሐዪሎም ቀጺሎም ኣለዉ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (31 ጥቅምቲ 2024) 31.10.2024

ንሎሚ ሓሙስ 31 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብብዝሒ ኤርትራዊያን፡ ኢትዮጵያዊያንን ሶማሊያውያንን ብሓፈሻ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ዝነብርዎ ነዋሕቲ ርሻናት መንበሪ ኣባይቲ መንግስቲ፡ እቲ ህንጻታት ፈሪሱ ከም ብሓድሽ ክስራሕ መደብ ስለ ዝወጸ ካብቲ መንበሪ ወጺኦም ኣብ ካልእ ክሰፍሩ ዝተገብረ መደብ በቶም ነበርቲ ተቓዉሞ በጺሕዎ እቲ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ሒዝዎ ይርከብ። ብዕለት 28 ን 29 ጥቅምቲ 2024 ዝወዓለ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ዉሳነ ከይሃበ ንሓደ ወርሒ ኣናዊሕዎ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ከብርሃልና ንጋዜጠኛ 3 ሲ ኣር ዝኾነ ብርሃን ጃብር እስማዒል ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ክቐርብ እዩ። ኣ...

ኣብ ፈለማ ዘቤታዊ ዓመጽ ብኸመይ ደው ተብሎ? 30.10.2024

ኣብዚ ፍሉይ ትሕዝቶ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ፡ ንውሉዳትን ከነዕብዮም ከለና ፡ ኣኽብሮት ዘለዎም መጻምድቲ ምእንቲ ክዀኑ ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ኽንርእይ ኢና ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ናይ ብሕቶም ተመኩሮን ዓሚቝን ኣረኣእያ ዘለዎም ሰለስተ ኣጋይሽ ክትረክብ ኢኻ ። ወላዲ ኩን ኣባል ስድራ ቤት ፡ ምስ መንእሰያት ብዛዕባ ኣኽብሮት እንታይ ከም እትደልን ብኸመይን ስለምንታይን ከም እትዘራረብን ካብዚ ምምሃር ይከኣል እዩ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ጥቅምቲ 2024) 30.10.2024

ንሎሚ 30 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ *** ኣውስትራሊያ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ፡ ንኣጽዋር ኲናት ፡ መከላኸሊ ሚሳይል ፡ ምስኡ ዝተሓሓዝ መሳርሕን ልዕሊ 70 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ገይራ ። *** ኣብ ማእከላይ ሱዳን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ብዘካየድዎ ሓድሽ ጃምላዊ ቅትለት ልዕሊ 120 ሰባት ተቐቲሎም ። *** ሓድሽ መራሒ ሕዝቡላህ ተሸይሙ ።

SBS Examines: In Conversation with the Governor-General - SBS Examines: ተራ ንግስነት ኣብ ዘመናዊት ኣውስትራልያ እንታይ'ዩ፧ ዕላል ምስ ዋና ኣመሓዳሪት ኣውስትራልያ 30.10.2024

Australia's Governor-General is hopeful about Australia's future, despite conflict and difficulty dominating headlines. - ባሕቲ ሓምለ 2024 ክብርቲ ሳም ሞስቲን ኣመሓዳሪት ኣውስትራልያ ወይ Governor-General (ጋቨርነር ጀነራል) ኮይና ብወግዒ ቃለመሓላ ፈጺማ። ንሳ ናይ'ዛ ሃገር መበል 28 ኣመሓዳሪትን ነዚ መዝነት ዝሓዘት ካልኣይቲ ጓለንስተይቲን እያ። SBS Examines ኣብ ከተማ ብሪዝበን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ (Ethinic Communities Council of Australia) ተረኺቡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ስምረት...

ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ዝርከብዎም ኣብ ናይ መንግስቲ ገዛውቲ ዝነብሩ ካብ መንበሪኦም ክወጹ ዝተገብርሉ ጉዳይ ዉሳነ ቤት ፍርዲ ተናዊሑ። 29.10.2024

ብብዝሒ ኤርትራዊያን፡ ኢትዮጵያዊያንን ሶማሊያውያንን ብሓፈሻ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ዝነብርዎ ነዋሕቲ ርሻናት መንበሪ ኣባይቲ መንግስቲ፡ እቲ ህንጻታት ፈሪሱ ከም ብሓድሽ ክስራሕ መደብ ስለ ዝወጸ ካብቲ መንበሪ ወጺኦም ኣብ ካልእ ክሰፍሩ ዝተገብረ መደብ በቶም ነበርቲ ተቓዉሞ በጺሕዎ እቲ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ሒዝዎ ይርከብ። ብዕለት 28 ን 29 ጥቅምቲ 2024 ዝወዓለ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ዉሳነ ከይሃበ ንሓደ ወርሒ ኣናዊሕዎ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ከብርሃልና ንጋዜጠኛ 3 ሲ ኣር ዝኾነ ብርሃን ጃብር እስማዒል ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ኣብዚ ትሕዝቶ ኣሎ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.