SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

Are Australian workplaces safe for migrant women? - ኣውስትራልያውያን ቦታታት ስራሕ ድሕነት መጻእቲ ደቀንስትዮ የውሕሱ ድዮም፧ 29.11.2024

New research has highlighted the high rates of workplace sexual harassment and assault experienced by migrant women. Experts say there are many reasons why this type of abuse often goes unreported. - ልዑላት መጠናት ጾታዊ ዓመጻትን በደላትን ንሓደስቲ መጻእቲ ደቀንስትዮ የጋጥመን ክብል ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ክኢላታት ከኣ እዚኦም ዓይነታት በደላት ከይተነግሩ ወይ ከይተጠርዑ ዝተርፉሉ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ ይብሉ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (28 ሕዳር 2024) 28.11.2024

ንሎሚ ሓሙስ 28 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶ/ር ሳዕድያ ሓሰኒን ካብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም በዓልቲ ሞያ ኣንትሮፖሎጂ ኮይና፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ስዊድንን ኣውስትራሊያን መጽናዕቲ ተካይድ ምህርቲ እያ። ኣብዚ እዋን ሕማም ለበዳ ኮቪድ ኣብ ስዊድን ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ከምኡ'ውን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን መጽናዕታ ተካይድ ኣላ። ብዛዕባ ትገብሮም መጽናዕትታትን ብሓፈሻ ብዛዕባ ስርሓን ኣዕሊላትና ኣላ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣ...

"ግዝያዊ ምምሕዳር መንእሰያት ኣሰልጢኑ ህወሓት ንምፍራስ ይሰርሕ ኣሎ።"ጉባኤ ዘካየደ ህወሓት: "ዕልዋ መንግስቲ ይገብር ኣሎ" ፕ/ ግምት። 27.11.2024

ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተመያዪጦም። ሚኒስተር ወጻኢ ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተ ኣካይዱ "ዕልዋ መንግስቲ ይገብር ኣሎ" ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ። "ግዝያዊ ምምሕዳር መንእሰያት ኣሰልጢኑ ህወሓት ንምፍራስ ይሰርሕ ኣሎ።" ጉባኤ ዘካየደ ህወሓት ኢትዮጵያን ክኢላታት ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ኣብ ካልኣይ ዳግመ ግምት ናይቲ ዝተናውሐ ውዕሊ ልቓሕ ተሰማሚዖም።

ምርዳእ ብዛዕባ ኣብያተ መድሃኒት ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከም ዝሰርሕ፥ (ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ) 27.11.2024

ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ፋርማሲታት ሓኪም ዝኣዘዝዎም መድሃኒታትን ናይ ጥዕና ክንክን ምኽሪ የበርክቱ ፤ ንሕብረተሰብ ድማ ብዛዕባ ውሑስ ኣጠቓቕማ መድሃኒትን ምክልኻል ሕማምን ይምህሩ ። እንተሓሚምካን ሓኪምኻ መድሃኒት እንተኣዚዙልካን ፡ ዝቕጽል ስጉምቲ ሓኪም ዝ ኣዘዘልካ መድሃኒት ንምርካብ፡ ናብ ኣብ ከባቢኻ ናብዘሎ ቤት-መድሓኒት ምኻድ እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣሰራርሓ ፋርማሲ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዝሰርሕ ብምርኣይ፡ ናብ ፋርማሲ ክትከይድ ከለኻ እንታይ ክትጽበ ከምትኽእል ክግለጽ እዩ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ሕዳር 2024) 26.11.2024

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ተገይሩ። ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ኣስመራ ኣትዩ፡ ምስ ፕ/ት ኢሳይያስ ተዘራሪቡ። ቪክቶርያውያን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ ጽባሕ ዝጸንሕ ብርቱዕ ዝናም ዘለዎ ለይቲ ፡ ክርእዩ እዮም ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ሕዳር 2024) 26.11.2024

ንሎሚ 26 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ: ** እስራኤልን ሊባኖስትን ስምምዕ ተዂሲ ንኽገብራ ቀሪበን ... ** ሓደ ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ ንክልተ ክስታት ዶናልድ ትራምፕ ኣልዒልዎ ... ** ኣብ ሰሜን ግሪኽ ኣብ እትርከብ ደሴት ሳሞስ: ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ፡ ሽዱሽተ ቘልዑ ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም ።

"ሎሚ፡ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብረሉ ስግረ-ዶብ ነባሪ ኮይኑ ኣሎ።" ዶ/ር ሳዕድያ ሓሰኒን 26.11.2024

ዶ/ር ሳዕድያ ሓሰኒን ካብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም በዓልቲ ሞያ ኣንትሮፖሎጂ ኮይና፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ስዊድንን ኣውስትራሊያን መጽናዕቲ ተካይድ ምህርቲ እያ። ኣብዚ እዋን ሕማም ለበዳ ኮቪድ ኣብ ስዊድን ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ከምኡ'ውን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን መጽናዕታ ተካይድ ኣላ። ብዛዕባ ትገብሮም መጽናዕትታትን ብሓፈሻ ብዛዕባ ስርሓን ኣዕሊላትና ኣላ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሕዳር 2024) 25.11.2024

ንሎሚ ሰኑይ 25 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ፡ ካብ ሊባኖስ ብኣማእታት ዝቝጸር ሚሳይላት ፡ ሮኬታትን ድሮንን ተወንጪፉ ። ድሕሪ ጽዑቕ ዘተ ፡ ኣብ ኣዘርባጃን እተገብረ ኣኼባ ክሊማ ኮፕ-29 ፡ ኣብ መወዳእታ ፡ኣኼበኛታት ብዛዕባ ክሊማዊ ፋይናንስ ተሰማሚዖም ። ኣጥቃዒት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ማቲልዳስ ዝኾነት ሜሪ ፎውለር ካብ ኵሉ እቲ ዝመጽእ ኣህጉራዊ ዉድድራት ንኸይትሳተፍ ወሲና ።

ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ቅልውላው ኣትያ፣ ሊቨርፑል ፍልልያታ ተግፍሕ፣ ጋንታታት ስፖርት ካብ X (ትዊተር ነበር) ይሃድማ፣ 24.11.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/11/2024) * መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2025 ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ድሕሪ ምጥንቓቖም ኣብ'ቲ ውራይ ዝሳተፋ ኩለን ሃገራት ተፈሊጠን፣ * ኢትዮጵያ ኣንጻር ኮንጎ ኣብ ዘካየደቶ ናይ መወዳእታ መጻረዪ ግጥም 2-1 ተዓዊታ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ደጊማ ተሳዒራ ነጥቢ ክትከስርን ኣብ ቅልውላው ክትእቱን'ንከላ ሊቨርፑል ፍልልያ ናብ 8 ብምስፋሕ መሪሕነታ ኣደልዲላ፣ * ለስተር ሲቲ ከኣ ኣሰልጣኒኣ ኣባሪራ፣ * ወናኒ ትዊተር ወይ ኤክስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ኮይኑ ክዕወት ድሕሪ ምሕጋዙን ኣብ ካቢነኡ ድሕሪ ምምራጹን ጋንታታት ኩዕሶ...

ኣብ ትግራይ ኣብ 4 ወርሒ ልዕሊ 28 ኩንታል ወርቂ ከምዝወፀን መንግስቲ ከም ዘይተረብሐሉን ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ገሊጹ። (ጸብጻብ) 24.11.2024

ብካልእ ሓበሬታ DDR ብምፍጻም ዝፍጠር ስግኣት ከምዘየለ እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ። ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር፡ ሃገራዊ ወፍሪ ቅነ ንቕሓት ኣብ ተጻዋርነት ንመድሃኒታት ጸረ-ታህዋስያን ብወግዒ ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ። ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኢትዮጵያ ተወሳኺ 582 ቢልዮን ብር በጀት ኣጽዲቑ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (21 ሕዳር 2024) 21.11.2024

ንሎሚ ሓሙስ 21 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሰዲዶም ኣብ ፈቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ንዘለዉ ኣውስትራሊያ ትህቦ ቪዛ እናወሓደን ነቲ ቪዛ ንምርካብ ንውሓት ግዜ ኣዚዩ ነዊሕ ዓመታት ዝወስድ ዘሎ ክስተት እዩ። እዚ ንምንታይ እዩ ኮይኑ፧ ግደ ኣብዚ ዘሎ ማሕበረሰብከ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ዝብሉን ምስዚ ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ ብርሃን ኣሕመድ መሊሱልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታት ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ው...

ኣብ ኣልኮላዊ መስተ እናኣተወ ንመንእሰያት ዝስምም ዘሎ መታኖል፡ ንኽልተ መንእሰያት ኣዋልድ ኣብ ናይ ሞትን ሕየትን ኣውዲቕወን። 20.11.2024

ክልተ ደቂ መልበርን መንእሰያት ፡ ኣብ ላኦስ ስሚ ዝኣተዎ መስተ ኮክተይል ሰትየን ኣብ እተፈላለየ ሆስፒታላት ታይላንድ ፡ ኣብ ናይ ህይወትን ሞትን ኩነታት ይርከባ። ወለዲ እተን ብመርዚ ሜታኖል ከምዝተሰመማ እተጠርጠራ 19 ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልድ ፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት ሕማም ይርከባ ምህላወን ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ኣብ መስተ ኣእትዮም መንእሰያት ከምዝስመሙ ዝገብር መታኖል ግን እንታይ እዩ ፈውሲ’ኸ ኣለዎዶ፧

ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ። 20.11.2024

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስነት ክወሃቦም ጸዊዑ።ነበርቲ ብሄረሰብ ኢሮብ ኲናት ደው ካብ ዝብል ንደሓር ኣብ ዘለው ክልተ ዓመታት ዝዀነ ምምሕያሽ ድሕነትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከም ዘየለ ነበርቲ ገሊጾም።ነባር ጽርግያ ኢሮብ ብወተሃደራት ኤርትራ ብምዕጻዉ ካብቲ ነባር 10 ዕጽፊ ክፍሊት ዝወሰኸ ዘይውሑስ መገዲ ጉዕዞ ክገብሩ ከም ዝተገዱ ውን ሓቢሮምሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ፡ ተጋደልቲ ነበር ናብ ሕብረተሰብ ምፍናውን፣ ምጥያስን ስርሑ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ትግራይ ብዕሊ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

ጸገም ድቃስ ምስኣን፡ 20.11.2024

ሰባት ብስደት መጺኦም ኣብ ሓዳሽ መንበሪ ዓዶም ምንባር ክጅምሩ ከለዉ ናይ ድቃስ ምምዝባል ክህሉ ልሙድ እዩ ። ክኢላታት ከምዝብልዎ ፡ን ሓጺር እዋን ናይ ድቃስ ልምድኻ ክጎድል ትጽቢት ዝግበረሉን ንቡርን እዩ ። እንተኾነ እዚ ተርእዮ ናብ ሕዱር ጕዳይ ጥዕና ኮይኑ ሕክምና ናብ ዘድልዮ ኮይኑ እንተ ተቐየረኸ ? መዓስ ኢና ስጕምቲ እንወስድ ? ንገዛእ ርእስኹም ወይ ን ሰብኩም ንምሕጋዝ እንታይ ኣማራጺታት ኣሎ ?

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ሕዳር 2024) 20.11.2024

ንሎሚ 20 ሕዳር 2024; ዩክሬን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል ምስ ኣወንጨፈት፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምጥቃም ንምውሳን ተኽእሎ ኣዛይድዎ ። ኣብ ሲድኒ ሰፊሕ ሰላማዊ ተቓዉሞ ኣገልግሎታት መጓዚ ስለዝግበር ናይ ሲድኒ ሳብበርብ መስመር ባቡር ፡ ንልዕሊ ክልተ መዓልቲ ክዕጾ ከም ተፈሊጡ። ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ተዓዊቱ።

ዕለትዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ሕዳር 2024) 19.11.2024

ሩስያን ኣመሪካን ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ግጭት ከም ዘጋደዳኦ ነንሕድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ ። ሓደ ትካል ዕደና ኣውስትራሊያ ን መንግስቲ ማሊ 160 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ። ውድድር ቁንጅና ዓለም ሜክሲኮ ንደንማርክ ዝወከለት ቆንጆ ዩኒቨርስ ኮይና ቀዳመይቲ ወጺኣ።

ኣውስትራሊያ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትቕበሎም ዘላ ስደተኛታት ብዝሖምን ዝወስዶ ንውሓት ግዜ ንምንታይን ብኸመይን፧ ምስ ዶ/ ብርሃን ኣሕመድ 18.11.2024

ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካል ኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሰዲዶም ኣብ ፈቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ንዘለዉ ኣውስትራሊያ ትህቦ ቪዛ እናወሓደን ነቲ ቪዛ ንምርካብ ንውሓት ግዜ ኣዚዩ ነዊሕ ዓመታት ዝወስድ ዘሎ ክስተት እዩ። እዚ ንምንታይ እዩ ኮይኑ፧ ግደ ኣብዚ ዘሎ ማሕበረሰብከ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ዝብሉን ምስዚ ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ ብርሃን ኣሕመድ መሊሱልና ኣሎ።

"ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ናብ ምዕራባዊ ሃገራት ናብ ቦትስዋና እንተዝጥምታ ምሓሸን።" ዮሃንስ በራኺ 18.11.2024

ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝተገብረ ምርጫ እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን (58 )ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ቦትስዋና (Botswana Democratic Party (BDP)) ብምርጫ ብሰልፊ ተቓዋሚ ጽላል ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (The Umbrella for Democratic Change) ተሳዒሩ እቲ ኣገዳሲ ዝገብሮ ግና እቲ ዝጸንሐ መራሒ ነቲ ዝሰዓረ መራሒ ተቓዋሚ ቅድሚ ምቑጻር ምውዳኡ “እንቋዕ ኣሐጎሰካ፡ ኣነ ተሳዒረ ኣለኹ” ክብል ደዊልሉ። ቦትስዋና ግን ንምንታይ እያ ሰላማዊት ሃገር ኮይና፡ ታሪኽ ፖለቲካን ቁጠባን እታ ሃገር እንታይ ይመስል፧ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብታ ሀገር እንታይ ክመሃራ ይኽእላ፧ ነዚን ምስ...

ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵያ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንሽወደን ሽቶ ኣመዝጊቡ፣ 17.11.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (17/11/2024) * መበል 24 ዓለም ለኸ ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵያ ሰንበት ተኻይዱ ኣሳየች ኣይቸው ብደቀንስትዮ ክትዕወት'ንከላ ቢንያም መሓሪ ብደቀተባዕትዮ ተዓዊቱ፣ * ኣትለቲክስ ዓለም ንስልማት መጻኢት ኮኾብ ኣትሌት 2024 ኣብ ፍጻመ ዝበጽሓ ሰለስተ ኣትሌታት ስመን ዘርጊሑ፣ ኢትዮጵያዊት መንእሰይ ኣትሌት ሰምቦ ኣለማየሁ ሓንቲ ካብአን ኮይና፣ * መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣፍኮን 2025 ኣብ ዝቐጸልሉ ኢትዮጵያ ኣንጻር ታንዛንያ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 2-0 ተሳዒራ፣ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ኣኽቲሙ፣

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዝነብሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ጽዑቕ ግፋ የጋጥሞም ምህላዉ ተገሊጹ። 17.11.2024

ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ሰላም ንምስፋን ዝግበር ጻዕርታት ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ምስ ሓለፍቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዓሚቕ ዘተ ዓካይዱ ተባሂሉ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንኤርትራውያን ዘነጻጸረ ጽዑቕ ግፋ ይቕጽል ምህላዉ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ሶማልያ ክተወጽእ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ወቕቲ ንኣልሸባብ ምውጋእ ከምትቕጽል ኣፍሊጣ።

This community faces unemployment like no other - ከም'ዚ ማሕበረሰብ ገይሩ ሽቕለተ ኣልቦነት ዘጋጥሞ ካልእ የለን 14.11.2024

The unemployment rate for the Dinka community in Australia is almost double the national average. - ኣብ ኣውስትራሊያ መጠን ሽቕለተ ኣልቦነት ኣብ ማሕበረሰብ ዲንካ ካብ'ቲ ማእከላይ ሃገራዊ መጠን ዳርጋ ዕጽፊ'ዩ።

“ቦትስዋና ንፖለቲካ ከም ኩዕሶ እግሪ’ዮም ዝርእይዎ፡ ኣብ ንሕድሕዶም ጽልኢ ዝበሃል የብሎምን።” ዮሃንስ በራኺ 14.11.2024

ኣብ እዋን’ቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዝተገብረ ምርጫ፡ ኣብ ከም በዓል ሞዛምቢክ፡ ሞሪሺየሽን ቦትስዋናን ምርጫ ተገይሩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝተገብረ ምርጫ እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን (58 )ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ቦትስዋና (Botswana Democratic Party (BDP)) ብምርጫ ብሰልፊ ተቓዋሚ ጽላል ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (The Umbrella for Democratic Change) ተሳዒሩ እቲ ኣገዳሲ ዝገብሮ ግና እቲ ዝጸንሐ መራሒ ነቲ ዝሰዓረ መራሒ ተቓዋሚ ቅድሚ ምቑጻር ምውዳኡ “እንቋዕ ኣሐጎሰካ፡ ኣነ ተሳዒረ ኣለኹ” ክብል ደዊልሉ። ቦትስዋና ግን ንምንታይ እያ ሰላማዊት...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (14 ሕዳር 2024) 14.11.2024

ንሎሚ ሓሙስ 14 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ፡ ንልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣዘራሪቡ፡ናይ ኤርትራ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከምዝመደበ ኣፍሊጡ።ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ምስ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዮም።ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ኢትዮጵያ መሰል ፕረስ ከተኽብር ጸዊዑ ንዓኹም ብዝበለጸ ዘርብሕ ናይ ባንክ ሒሳብ (ኣካውንት) ብኸመይ ትረኽቡ፧ ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስ...

ናይ ኤርትራ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከምዝመደበ ኣፍሊጡ። 13.11.2024

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ፡ ንልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣዘራሪቡ። ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ምስ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዮም።ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ኢትዮጵያ መሰል ፕረስ ከተኽብር ጸዊዑ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ሕዳር 2024) 12.11.2024

ን ሎሚ 13 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝምለሰሉ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልታት ስልጣኑ ብ ብዝሒ ስደተኛታት ክጥርዝን ፡ ፖሊሲታት ትምህርቲ ምምሕዳር ባይደን ከምዝቕይርን ተፈሊጡ ። ንልዕሊ 23 ዓመታት ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ዝርከብ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፡ ሽልማት “ኤደልስታም” ተሸሊሙ። ኣብ መላእ ህዝባዊ ሆስፒታላት ኒው ሳውዝ ወልስ ዝርከቡ ልዕሊ 50,000 ነርሳትን መሕረስቲን 15 ሚኢታዊ ወሰኽ ደሞዝ ብምሕታት ካብ ስርሖም ብምውጻእ ናይ 24 ሰዓታት ኣድማ ገይሮም ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.