SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

Are you in need of crisis accommodation? - ብሰንኪ ቅልውላው ህጹጽ መዕቆቢ፣ መጽለሊ ወይ መጽንሒ የድልየኩም ድዩ፧ 17.12.2024

If you are homeless or at risk of becoming homeless it can be difficult knowing who to ask for a safe place to go. You don’t have to feel isolated, and there is no shame in asking for help. There are services that can point you to crisis accommodation and support, wherever you are. - ግዳም ሓደር እንተኾይንኩም ወይ ከምኡ ከጋጥመኩን ኣብ ሓደጋ እንተሃሊይኹም ናብ ሓደ ደሓን ዝኾነ ቦታ ክትከዱ ንመን ትሓቱ ምፍላጥ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ዝተገለልኩም ኮይኑ ክስመ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ታሕሳስ 2024) 17.12.2024

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ካብ ዝኾነ ካልእ ዓለም ንላዕሊ (ብመንጽር ካፒታ) ቓዛ ዝበዝሑ ኣካሎም ዝተቆርጹ ህጻናት ኣለውዋ (ወኪል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጢማውያን ስደተኛታት )፡ * ሓደ ተመሃራይን ሓደ መምህርን ኣብ ግዝኣት ዊስኮንሲን ድሕሪ ዝተፈጸመ ተኹሲ ካብ'ቶም ሰለስተ ዝተቐትሉ ኮይኖም፣ * ክኢላታት ኩነታት ኣየር ማዕበል ሙቐት ኣብ ዝመጹ መዓልታት ዓቢይ ክፋል ምብራቓዊ ኣውስትራልያ ክሽፍን ምዃኑ የጠንቅቑ፣ * ግዝኣታውያን መንግስታት ኣውስትራልያ ኣብ ኣፍደገ ሃይማኖታዊ ትካላትን ቤተ ጸሎትን ዝካየዱ ተቓውሞታት ንምቁጽጻር ምትዕርራይ ሕጊ ክገብራ ይሓስባ

Islamophobia ignites security concerns at schools, mosques - ጽልኢ እስልምና ስግኣት ጸጥታ ኣብ መሳጊድን ቤት ትምህርታትን ፈጢሩ 16.12.2024

As Australia responds to an increase in anti-Semitic attacks, reports of Islamophobia have skyrocketed too. Some women say they're afraid to leave home, and there are fears for the safety of children in school. - ኣውስትራልያ ንምውሳኽ ጸረ-ሴማዊ መጥቃዕታት ምላሽ ኣብ ትህበሉ ዘላ እዋን፣ ፍጻመታት/ተግባራት ጽልኢ እስላም'ውን ሰማይ ከይዶም ኣለዉ። ገለ ደቀንስትዮ ካብ ገዝአን ክወጻ ንፈርሕ ኣለና ይብላ፣ ንድሕነት ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርታት'ውን ፍርሒ ተፈጢሮም ኣለዉ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (12 ታሕሳስ 2024) 16.12.2024

ቀጥታ ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስቢኤስ ትግርኛ (16 ሕዳር 2024) * ጸብጻብ ዜናታት - ዞባዊን ዓለማውን * ጸረ ሴማውነት (Antisemitism) ሓድሽ እንተዘይኮነ’ኳ ክኢላታት ኣብ'ዚ እዋን ንርእዮም ዘለና ጸረ-ኣይሁድውያን ተግባራትን መጥቃዕታትን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ኣጋጢሞም ኣይፈልጡን ይብሉ። ስለ'ዚ እንታይ ደኣ'ዩ ተቐይሩ፧ * ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራሊያ ዝሓለፈ ወርሒ ዓሌታዊ ኣድልዎ ንምጥፋእ ዝዓለመ፡ ሃገራዊ መርሓ ጸረ ዓሌትነት ኣውጺኡ ነይሩ። እዚ ብኹሉ መዳይ ኣብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብን ደረጃታት መንግስቲን ንዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ስጉምቲ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። እዚ ናይ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ታሕሳስ 2024) 16.12.2024

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (16 ሕዳር 2024) * ሰብመዚ ኣውስትራልያ ሎሚ ሶኑይ (16 ታሕሳስ 2024) ኣብ ሰፊሕ ክፋል’ዛ ሃገር ጽዑቕ ማዕበል ሙቐት ዝሓዘ ኩነታት ክህሉ ትጽቢት ብምግባር ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ፣ * ሓድሽ ምምሕዳር ሶማሊላንድ በቲ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣንካራ፣ ቱርኪየ፣ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ከምዘይስከፍ ገሊጹ፣

ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ኣብ ዓሰብ ርክብ ኣካይዱ፣ ሃፍታ ብምብራስ ትግራይ ንምድኻም ዝግበር ምንቅስቃስ ደው ክብል መጸዋዕታ ቀሪቡ (ጸብጻብ) 15.12.2024

ጸብጻባት ዜና (16 ታሕሳስ2024) * ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ኣብ ዓሰብ ርክብ ኣካይዱ፣ * ሃፍቲ ትግራይ ብምጉሓልን ብምብራስን ትግራይ ንምድኻም ዝግበር ዘሎ ምንቅስቃስ ደው ክብል ሰለስተ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ፀዊዐን፣ * ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ ሓቛፋይን ምእኹልን ቤት ምኽሪ ትግራይ ክስየም ሓቲቱ፣ * ወኪል ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ምጥራዝ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ካብ ኢትዮጵያ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ፣ * ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዑደት ክገብር’ዩ፣ * መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን 425 ሽሕ ዶላር ንኽቕፃዕ ተወሲኑ፣ * ግብፂ ብጉዳይ ህዳሰ ግድብ ዘለዋ...

ማንቸስተር ዩናይትድ ንሲቲ ድሕሪ ምስዓራ ማንቸስተር ሕብራ ቀይሕ ኮይኑ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተኣምራቱ ይቕጽል፣ 15.12.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (16/12/2024) * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ናሆም ዘርኣይ ምስ ሓንቲ ጃፓናዊት ጋንታ ከምዝተጸንበረ ተፈሊጡ፣ * ንኣዋርሕ ዝኣክል ንብዙሓት ሰንፈላል ገይሩ ዝጸንሐ ዜና ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2034 ፊፋ ስዑዲ ዓረብ ከተአንግድ ምዃና ድሕሪ ምግላጹ መዕለቢ ረኺቡ፣ * ኣብ ማራቶን ሆኖሉሉ ዝተዓወተ ኤርትራዊ የማነ ሃብተስላሰ ወረቐቱ ተወዲእሉ ንኣሜሪካ ክወዳደር ሕልሙ ምዃኑ ገሊጹ፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተኣምራዊ ብቕዓቱን ሽቶታት ምምዝጋቡን ይቕጽል፣ * ኣብ ቅልውላው ተሸሚማ ዘላ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ማንቸስተር ደርቢ ተሳዒራ፣

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (12 ታሕሳስ 2024) 12.12.2024

ንሎሚ ሓሙስ 12 ታሕሳስ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራሊያ ዝሓለፈ ወርሒ ዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ዝዓለመ፡ ሃገራዊ መርሓ ጸረ ዓሌትነት ኣውጺኡ ነይሩ። እዚ ብኹሉ መዳይ ንዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ኣብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት መንግስቲ ኣድልዎ ብዓሌት ንምጥፋእ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ስጉምቲ ንምጥፋእ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣድልዎ ብዓሌት ኣብ ኣውስትራሊያ ከንጥፍኦ ንኽእልዶ? በቲ ወጺኡ ዘሎ ናይ ፈለማ ሃገራዊ መደብ ይከኣል እዩ። ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ተመራመርቲ ዝኾኑ ፕሮፌሰር Fe...

ክልተ ናይ ስነ-ቀመም ኤርትራዉያን ኢንጅነራት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቶታል ኤነርጂ ዘካየዶ ናይ ምህዞን ሰንዓን ዉድድር ዕዉታት ኮይነን፡ 11.12.2024

ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ምዃኑ ዝተነግረሉ ፋብሪካ ቴራናይት ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ተተኺሉ ፍርያት ምሃብ ምጅማሩ ተገሊጹ። ወግዓዊ ጽንብል ምሻም መበል 6ይ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ንዕለት 26 ጥሪ 2025 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ፡ ክልተ ናይ ስነ-ቀመም ኤርትራዉያን ኢንጅነራት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቶታል ኤነርጂ ዘካየዶ ናይ ምህዞን ሰንዓን ዉድድር ዕዉታት ኮይነን፡ መራሕቲ ሶማልን ኢትዮጵያን ብመገዲ ቱርኪ ስሉሳዊ ዘተ ንምክያድ ናብ ከተማ ኣንካራ ኣምሪሖም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 30 ሲቪላት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ ኣብ መንጎ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድን ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ሶማልን ግጭት ኣጋጢሙ።

Is antisemitism in Australia changing? - SBS EXAMINES፡ ጸረሴማውነት (Antisemitism) ኣብ ኣውስትራልያ ይቕየር ኣሎ ድዩ፧ 11.12.2024

Antisemitism is nothing new. But experts say the kinds of anti-Jewish incidents and attacks we're seeing now have never happened before in Australia. - ጸረ ሴማውነት (Antisemitism) ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ክኢላታት፡ ዓይነት'ቶም ኣብ'ዚ እዋን ንርእዮም ዘለና ጸረ-ኣይሁድውያን ዝኾኑ ተግባራትን መጥቃዕታትን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ፈጺሞም ኣጋጢሞም ኣይፈልጡን'ዮም ይብሉ።

በዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣብ 10 ዓመት ዓሌታዊ ኣድልዎ ክውገድ ድዩ፧ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ 10.12.2024

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራሊያ ዝሓለፈ ወርሒ ዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ዝዓለመ፡ ሃገራዊ መርሓ ጸረ ዓሌትነት ኣውጺኡ ነይሩ። እዚ ብኹሉ መዳይ ንዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ኣብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት መንግስቲ ኣድልዎ ብዓሌት ንምጥፋእ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ስጉምቲ ንምጥፋእ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣድልዎ ብዓሌት ኣብ ኣውስትራሊያ ከንጥፍኦ ንኽእልዶ? በቲ ወጺኡ ዘሎ ናይ ፈለማ ሃገራዊ መደብ ይከኣል እዩ። ብእንግልዝኛ Can we end racism in Australia? Yes, according to the first-ever national plan ብዝብል ኣርእስቲ...

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ 6ይ ፓትርያርክ መሪጻ፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ታሕሳስ 2024) 09.12.2024

ኣርእስታት ዜና፡ አቡነ ባስልዮስ 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኰይኖም ተመሪጾም። ኣይሁዳውያን ናብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ጸረ- ሴማዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከም ዝኽእል ዝገልጽ ናይ ጕዕዞ መጠንቀቕታ ከም ዘውጽአ ተሓቢሩ ። ቱርኪ ነቶም ሒዛቶም ዘላ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሶርያውያን ስደተኛታት ውሑስን ወለንታውን ምምላስ ዶባ ኸፊታ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (9 ጥሪ 2024) 09.12.2024

ን ሎሚ 9 ታሕሳስ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሎሚ ኣብ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ጆኖሳይድ ፣ህልቂት ትግራይ ኣብ ቤት ምኽሪ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝዝከር ተገሊጹ። ሕጹይ ተወዳዳሪ ኣቦወምበርነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ደገፍ ንምርካብን ንምምኽካርን ኣስመራ በጺሑ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ተኹሲ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ። ሶማልያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ምትእትታው ይገብር ኣሎ ክትብል ከሲሳ። ብዛዕባዚ ኤርትራን ግብጽን ዝርርብ ከም ዘካየዳ ውን ተሰሚዑ ኣሎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና...

"ነዛ መዓልቲ ንኽንርእያ ካብ ነዊሕ እዋን ኢና ክንጽበያ ጸኒሕና" ሓጎስ ሶርያውያን ብምውዳቕ ስርዓት ኣሳድ 09.12.2024

ፕረዚደንት ሶርያ ባሻር ኣል-ኣሳድ ፡ ብሰንበት ካብ ደማስቆ ካብ ዝሃደመሉ እዋን ኣትሒዙ ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኰነ ክንዮ ሶርያ ኣብ መወዳእታ እቲ ጨቋኒ ግዝኣት ብምብቃዑ ፡ ሶርያውያን ብሓጎስ ይጽምብሉ ኣለዉ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ፡ ሰባት ንሓወልትታት ሃፈዝ ኣል-ኣሳድ ፡ ኣቦ ባሻር ኣል-ኣሳድ ፡ ከምኡውን መስራቲ እቲ ዝወረሶ ስርዓት መንግስቲ ኣፍሪሶምዎ ኣለዉ ።

ሶማልያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ምትእትታው ይገብር ኣሎ ክትብል ከሲሳ። 08.12.2024

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሎሚ ኣብ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ጆኖሳይድ ፣ህልቂት ትግራይ ኣብ ቤት ምኽሪ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝዝከር ተገሊጹ። ሕጹይ ተወዳዳሪ ኣቦወምበርነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ደገፍ ንምርካብን ንምምኽካርን ኣስመራ በጺሑ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ተኹሲ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ። ሶማልያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ምትእትታው ይገብር ኣሎ ክትብል ከሲሳ። ብዛዕባዚ ኤርትራን ግብጽን ዝርርብ ከም ዘካየዳ ውን ተሰሚዑ ኣሎ።

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ስሙን ዝንኡን እናደመቐ ይኸይድ፣ ሲፋን ሓሰን ብልጽቲ ኣትሌት ናይ'ዚ ዓመት ተሰይማ፣ 08.12.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/12/2024) * ኢትዮጵያ ዝመበቆላ ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ብልጽቲ ኣትሌት ናይ'ዚ ዓመት ተባሂላ ክትስየም'ንከላ ኢትዮጵያዊት ሰምቦ ኣለማየሁ ብልጽቲ መንእሰይ ዓለም ተሰይማ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ'ዚ ወርሒ ኡጋንዳ ካብ ተአንግዶ ዞባዊ ግጥማት ሻምፒዮና ት17 መንእሰያት ከተንሳሕብ ምዃና ፈደረሽና ንሴካፋ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ግጥም ሊቨርፑል-ኤቨርተን ብምኽንያት ህቦብላ ከይተኻየደ ተሪፉ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶታት ብምምዝጋብን ንኡድ ክእለት ብምርኣይን ደሚቑ፣

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቀይድዎም ዝጸንሐ ኣማኢት ኤርትራያን ናብ ኤርትራ ይሰጎም ከምዘሎ ተሓቢሩ። 05.12.2024

ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለ ብሰንኪ ውጥጥ ሰበስልጣን ተዓሺጉ ተባሂሉ። ኢምባሲ ኢጣልያ ምስ ማሕበር ዳንተ ዓሊጊየሪ ብምትሕብባር ኣብ ኣስመራ ናይ ጣልያን ትምህርቲ ክህብ ጀሚሩ። ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምምካት ምድረበዳነት ትሳተፍ ኣላ። መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ምስ ምንቅስቃስ ናጽነት ኦሮሞ ዝተበጽሐ ስምምዕ ስዒቡ ኣባላት’ቲ ምንቅስቃስ ናብ መንግስቲ ይምለሱ ምህላዎም ገሊጹ። ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት "ፋይዳ" ዝተባህለ ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት ከቕርቡ ከምዘገድድ ኣፍሊጡ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ታሕሳስ 2024) 05.12.2024

ንሎሚ ሓሙስ 5 ታሕሳስ 2024/ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለ ብሰንኪ ውጥጥ ሰበስልጣን ተዓሺጉ ተባሂሉ። ኢምባሲ ኢጣልያ ምስ ማሕበር ዳንተ ዓሊጊየሪ ብምትሕብባር ኣብ ኣስመራ ናይ ጣልያን ትምህርቲ ክህብ ጀሚሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቀይድዎም ዝጸንሐ ኣማኢት ኤርትራያን ናብ ኤርትራ ይሰጎም ከምዘሎ ተሓቢሩ። ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት "ፋይዳ" ዝተባህለ ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት ከቕርቡ ከምዘገድድ ኣፍሊጡ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣለና። ፍልጠት ደቀባት ብዛዕባ ኩነታት ኣየርን ወቕትን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ...

ፍልጠት ደቀባት ብዛዕባ ኩነታት ኣየርን ወቕትን: 04.12.2024

ብዛዕባ'ቶም ኣርባዕተ ወቕቲ ፡ ማለት ክረምቲ ፡ ቀውዒ ፡ ሓጋይን ጽድያን ትፈልጡ ትኾኑ ኢኹም ፣ ቀዳሞት ህዝብታት ግና ካብዚኦም ዝበዝሑ ወቕትታት ከምዘለዎም ግና ኣይትፈልጡን ትኾኑ። ከከም ከባቢኡ ኣብ ዓዓመት ፡ ንገለ ካብ ዓሌታት ደቀባት ኽሳዕ ሽዱሽተ ፍሉያት ወቕትታት ኣለዉዎም ። ብዛዕባ ኵነታት ኣየርን ወቕትታቱን ምርዳእ ኣገዳሲ መዳይ ኣቦርጂናውያንን ነበርቲ ደሴት ቶረስን ባህላዊ ፍልጠት ኮይኑ ንልዕሊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ዝማዕበለ እዩ ። ኩነታት ኣየር ነቲ ናይ እንስሳታትን ኣትክልትን ዑደታት ሂወት ዝቕይር እዩ ፡ ነዚ ምውሳባት እዚ ምርዳእ ኣብ ህላውነት ደቂ ሰባት ወሳኒ እዩ ፡ ብፍላይ ኣብ ኣውስትራሊያ ገለ ሕሉፍ...

መራሒ ደቡብ ኮርያ ናብ ኣምባገንነት፧ ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ታሕሳስ 2024) 03.12.2024

ንሎሚ 4 ታሕሳስ 2024 ኣርእስታት ዝተዳለዉ ዜናታት፥ ኣብታ ሃገርን ዓለምን ቁጠዐ ዘልዓለ፡ ፕረሲደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዮአል ዝኣወጆ ሕጊ ማርሻል ድሕሪ ቕሩብ ሰዓታት ኣልዒልዎ። ፕረዚደንትጆ ባይደን ንወዱ ናይ ፈደራል ምሕረት ድሕሪ ምግባሩ ፡ ሓደ ናይ ፈደራል ዳኛ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃንተር ባይደን ዝቐረበ ክሲ ሰሪዝዎ ። ሁይማን ራይትስ ዎች መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዘይመንግስታዊ ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት ብምእጋዱ ነቒፍዎ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ታሕሳስ 2024) 03.12.2024

ንሎሚ 3 ታሕሳስ 2024 ኣርእስታት ዝተዳለዉ ዜናታት፥ መንግስቲ ፈረንሳ ፡ ድሕሪ እዚ ሰሙን ክፈርስ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሉ ተፈሊጡ፡ ኣብ ትግራይ ብቅትለት ማህሌት ተኽላይ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ካብ ዝጸንሑ እቲ ሓደ ንሞት ተፈሪዱ። ኣብ ጊኒ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት ፡ ብውሕዱ 56 ሰባት ተቐቲሎም ።

“ኣብዚ እዋን ክደርፍ እንተኾይነ ናይ ብኽያት ደርፊታት ጥራይ እየ ክደርፍ ዝኽእል” ዮሱፍ ስዒድ 02.12.2024

ኣብ ሰብዓታት ብጊታሩ ኣሰንዩ ዝደርፎም ዝነበሩ ምኡዛት ዜማታት ክሳብ ሎሚ ሓይሎም ኣይደኸሙን። ዮሱፍ ከም ግመለይ ግመለይ፡ ንፋታሕ ንፋታሕ፡ ምሳኺን ካልኦትን ዝብላ ደርፊታቱ ንብዙሓት መን እሰያት ልቦም ንፍቕሪን ሃገራዊ ስምዒት ዘንድዳ ካብ ሓያሎ ቁንጣሮ ደርፊታቱ እየን። ስነጥበበኛ ዮሱፍ ብዘይካ ደርፍታቱ ሃለዋቱ’ውን ኣበይ ከምዘሎ ብዙሓት ከይፈለጥዎ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ እዚ ቃለ መሕት ካብቲ ኣቐዲሙ ምስ SBS ትግርኛ ዝገበሮ ደጊምና ናብ ሰማዕትና ነብሎ ዘለና። ስራሓት ዮሱፍ ዳግም ዝኽርኹም ንምሕዳስን፡ ንሱ ካበይ ናበይን ኣበይን ከምዘሎን ንምፍላጥን ነዚ ትሕዝቶ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ SBS ትግርኛ (2 ታሕሳስ 2024) 02.12.2024

ንሎሚ ሰኑይ 2 ታሕሳስ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ካብ 2025 ንደሓር ዝስረሓሉ ውጥን መኸተ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ኢትዮጵያ ብሸመታ ኣጽዋር ኣብ 6ይ ደረጃ ከምትስራዕ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። ግራብ ኢብራሂም ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ካብ ዘቕርቦ ሓደ ኣርእስቲ እዩ፡ ቃለ መሕትት’ውን ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ኣብዚ መፋርቕ ሰሙን ምብራቓዊ ኣውስትራልያ ዝያዳ ምዕልቕላቕ ማይ ክህሉ ም...

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 01.12.2024

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ካብ 2025 ንደሓር ዝስረሓሉ ውጥን መኸተ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ኢትዮጵያ ብሸመታ ኣጽዋር ኣብ 6ይ ደረጃ ከምትስራዕ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። ኮምሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ ኣብ ህዝቢ ። ቀፃሊ ጨፍጫፍን መግዛእትን ከም ዘየቋረጸ ገሊጹ።ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ።

ሊቨርፑል ንሲቲ ስዒራ መሪሕነታ ኣብ ፕሪምየርሊግ ኣስፊሓ፣ መገርቱ አለሙ ኣብ ቫለንስያ፣ ሰሎሞን ኣማረ ኣብ ሻንግሃይ ተዓዊቶም፣ 01.12.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/12/2024) * ኢትዮጵያዊት መገርቱ ኣለሙ ኣብ ቫለንስያ ኤርትራዊ ሳምሶን ኣማረ ኣብ ሻንግሃይ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ማራቶን ተዓዊቶም፣ * ኣብ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ትዕግስት ኣሰፋን ሲፋን ሓሰንን እናተደፋፋኣ ዝተላዕለት ስእሊ ብልጽቲ ናይ’ዚ ዓመት ተባሂላ ተሰሊማ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ወርሒ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ት17 መንእሰያት መጋጥምታ ፈሊጣ፣ * ሊቨርፑል ንማንቸስተር ሲቲ 2-0 ድሕሪ ምስዓራ መሪሕነታ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ናብ 9 ደይቡ፣ ማንቸስተር ሲቲ ምንቁልቋላ ቀጺሉ ንራብዓይ ተኸታታትሊ ግዜ ተሳዒራ፣ * ሱዳን ብዂናትን ኣዕናዊ ሳዕቤናቱን ትሕመሰሉ ኣብ ዘላ እዋን ሃገራዊት ጋንትኣ ናብ...

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.