SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (30 ታሕሳስ 2024) 30.12.2024

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (30 ታሕሳስ 2024) *ሞት ፕረዚደንት ጂሚ ካርተር፣ ቅነ ሓዘን ነቶም ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝወደቐት ነፋሪት ዝሞቱ ሰባት ተኣዊጁ፣ ጸብጻብ ልኡኽና፤ * ብዛዕባ ዕደና ወርቂ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ከለዉ ብዕጡቓት ተጨውዮም ዝተብሃሉ ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ ከም ዝተለቐቑ ተገሊጹ፣ * ኣብ ክልል ሲዳማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 71 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም፣ * ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞትዎስን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን መሓመድን ናብ ጁቡቲ ኣትዮም፣ * ኣብ ክልል ዓፋር እምባ ኣዋሽ ፈንታሌ ትማሊ ጥራሕ 7 ጊዜ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመን እቲ ዝለዓለ 5.0 ምዃኑን ተገሊጹ፣ * ሓደ ኦስካ...

2024 ኣብ ትፋነወሉ ቢንያም ግርማይን ዓወታቱን ተጠቀስቲ ኮይኖም፣ ሊቨርፑል ንወስትሃም ደምሲሳ 2024 ብመሪሕነት ዓጽያቶ (ስሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ) 30.12.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (30/12/2024) * ዓመተ 2024 ኣብ ዝተጠናቐቐሉ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ታሪኽ ስፖርት ስሞም ካብ ዘጸውዑ ኣፍሪቃውያን ብሓበን ነዛ ዓመት ዝዝክርዋ ክኸውን`ዩ ክብል ቢቢሲ ጸብጺቡ፣ * ግጥማት ጽባሕ በዓል ልደት/ቦክሲንግ ደይ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝሓለፈ ሰሙን ተኻይዶም ቅልውላው ማንቸስተር ዩናይትድ መመሊሱ ገዲዱ፣ * ሊቨርፑል መሪሕነታ ዓቂባ፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ምምዝጋቡ ይቕጽሎ፣ * ሰንበት ኣብ ቅልውላው ተሸሚማ ዘላ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ንፈለማ ግዜ ተዓዊታ፣ * ኣብ`ዚ ዓመት ኣገራሚ ውጽኢታት ተመዝግብ ዘላ ኖቲንግሃም ፎረስት ናብ ካልኣ...

ፕረዚደንት ጂሚ ካርተር ኣብ መበል 100 ዓመቱ ዓሪፉ (ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (30 ታሕሳስ 2024)) 30.12.2024

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (30 ታሕሳስ 2024) * ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ኣብ መበል 100 ዓመቱ ዓሪፉ፣ * ጽንኩር ኩነታት ኣየር ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብደረጃ ዓለም 3.2 ትሪልዮን ዶላር ክሳራ ኣኸቲሉ፣ * ደቡብ ኮርያ ነቶም ዝሞቱ ሰባት ክብሪ ንምሃብ ናይ ሸውዓተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ፣ * ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዕብይ ዝበለ ጸረግብረሽበራዊ ስርሒት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝትክእ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምርግጋእን ደገፍን ሶማልያ ክዋፈር ፈቓድ ሂቡ፣

ብዕጡቓት ተጨውዮም ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ተለቒቖም (ጸብጻባት ልኡኽና (30 ታሕሳስ 2024)) 30.12.2024

ጸብጻባት ልኡኽና (30 ታሕሳስ 2024) * ብዛዕባ ዕደና ወርቂ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ከለዉ ብዕጡቓት ተጨውዮም ዝተብሃሉ ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ ከም ዝተለቐቑ ተገሊጹ፣ * ኣብ ክልል ሲዳማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 71 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም፣ * ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞትዎስን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን መሓመድን ናብ ጁቡቲ ኣትዮም፣ * ኣብ ክልል ዓፋር እምባ ኣዋሽ ፈንታሌ ትማሊ ጥራሕ 7 ጊዜ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመን እቲ ዝለዓለ 5.0 ምዃኑን ተገሊጹ፣

ገምጋም 2024: ዓብለልቲ ዜናታትን ፍጻመታትን ዓለም 28.12.2024

ኲናት ኣብ ቓዛ ዓለምለኻዊ ኣርእስታት ዜና ኣብ'ዚ ዓመት ዓብሊልዎ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት ቮልከር ተርክ ነዚ ዘሕዝን መዝገብ ታሪኽ ኣብ ዓለም ቆላሕታ ክረክብ ገይሩ፡ ዓሰርተ ኣዋርሕ ድሕሪ ፍጻመታት ጥቅምቲ 7 ቁጽሪ ዝሞቱ ፍልስጤማውያን 40ሽሕ በጺሑ። እዚ ዓመት ብተወሳኺ ኣብ ፖለቲካ ኣሜሪካ ምጥውዋያት ዝመልኦ ኔሩ።

ገዳይም ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ተኣጊደን (ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ 27 ታሕሳስ 2024) 26.12.2024

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (27 ታሕሳስ 2024) * ክልተ ባሕረኛታት ኣብ ውድድር ምጅላብ ካብ ሲድኒ ናብ ሆባርት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ኩነታት ኣየር ኣብ ባሕሪ መይቶም፣ * ዝሑል ኩነታት ኣየር ነቶም ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኖም ዘለዉ ባርዓት ጣሻ ዝቆጻጸሩ ዘለዉ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ኩነታት ኣቃሊልሎም፣ * ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ነበር ማንሞሃን ሲንግ ኣብ መበል 92 ዓመቱ ዓሪፉ፣ * ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 33 ዓመታት ኣብ ምጉስጓስን ምጥባቕን ሰብኣዊ መሰላት ቀንዲ ተዋሳኢ ዝኾነ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ስርሑ ደው ከብል ተኣዚዙ፣

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (26 ታሕሳስ 2024) 26.12.2024

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (26 ታሕሳስ 2024) * ደቡባዊ ምብራቕ ኣውስትራልያ ማዕበላት ሓያል ሙቐት ክመጾ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ሓደገኛ ኩነታት ባርዕ ሓዊ ንብዙሓት ግዝኣታት ከጋጥመን’ዩ፣ * ኣሽሓት ተሳፈርቲ መንገዲ ኣየር ኣሜሪካን ኤየርላይንስ ብምኽንያት ቴክኒካዊ ጸገም ኣብ ድሮ መዓልቲ ልደት በረራታቶም ተሰናኺሉ፣ * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድን ተመያዪጦም፣ ቢቢሲ ሶማሊያ ኣብ ኣዋጅ ኣንካራ ኣመልኪቱ ንዝዘርግሖ ሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ነጺግዎ፣

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (26 ታሕሳስ 2024) 26.12.2024

ጸብጻባት ዜና * ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን ተመያዪጦም፣ *ቢቢሲ ሶማሊያ ኣብ ኣዋጅ ኣንካራ ኣመልኪቱ ንዝዘርግሖ ሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ነጺግዎ፣ * ቤትፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣብ ዝሓለፈ በጀት-ዓመት ልዕሊ 212 ሚልዮን ቅርሺ ከም ዝሓገዘ ኣፍሊጡ፣ * ኢትዮጵያ ንክሲ ሶማልያ መሰረት ዘይብሉ ብምባል ነጺጋቶ፣ ምስ ጅቡቲ ሓይሊታት ፀረ-ሰላም ንምግታእ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ ንምስራሕ ተሰማሚዓ፣ * በዓል ልደት፣ ብርሃናት ብልጭልጭ ዝብልሉን ክቡራት ልምድታት ዝኽበረሉን ወቕቲ፣ ብደረጃ ዓለም ይኽበር ኣሎ። ካብ ቁሪን በረድን ዝዓብለሎም ዕዳጋታት ኤውሮጳ ክሳብ ጸሓያዊ ገማግም ባሕሪ ኣውስትራልያ፣ ዶባት ሰጊሩ፣...

ገምጋም 2024: ፖለቲካ 26.12.2024

ጸገማት ክብሪ መነባብሮ ንፖለቲካ ኣውስትራልያ ኣብ'ዚ ዓመት ዝዓብለሎ ዛዕባ ኔሩ። እንተኾነ ግን ፖለቲከኛታት ኣብ ውሽጢ'ዞም ዝቕጽሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምርጫ ኣብ ዝዳለውሉ፡ ገለ ካብ'ቶም ናብ ምርጫ ዝቐርቡ ቀንዲ ጉዳያት ኣብ መላእ'ዚ ንዛዝሞ ዘለና ዓመት ተቐላቒሎም'ዮም። ን2024 ብመንጽር ፖለቲካ ከመይ ሓሊፋ ክንግምግማ ኢና።

መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን ተራኺቦም፣ ኤርትራ ጸብጻብ ቢቢሲ ጌጋ'ዩ ትብል (ጸብጻባት ልኡኽና) 25.12.2024

ጸብጻባት ዜና: * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድን ተመያዪጦም፣ * ቢቢሲ ሶማሊያ ኣብ ኣዋጅ ኣንካራ ኣመልኪቱ ንዝዘርግሖ ሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ነጺግዎ፣ * ቤትፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ልዕሊ 212 ሚልዮን ቅርሺ ከም ዝሓገዘ ኣፍሊጡ፣ * ኢትዮጵያ ንክሲ ሶማልያ መሰረት ዘይብሉ ብምባል ነጺጋቶ፣ * ኢትዮጵያን ጅቡቲን ሓይሊታት ፀረ-ሰላም ንምግታእ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ ንምስራሕ ተሰማሚዐን፣

በዓል ልደት ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለየ ኣገባባት ተባዒሉ 25.12.2024

በዓል ልደት፣ ብርሃናት ብልጭልጭ ዝብልሉን ክቡራት ልምድታት ዝኽበረሉን ወቕቲ፣ ብዓለም ደረጃ ይኽበር ኣሎ። ካብ ቁሪን በረድን ዝዓብለሎም ዕዳጋታት ኤውሮጳ ናብ ጸሓያዊ ገማግም ባሕሪ ኣውስትራልያ፣ ዶባት ሰጊሩ፣ እምነት፣ ስድራቤትን ፌስታን ብሓባር ኣሊሙ ዝጠምር ጽምብል ወይ በዓል’ዩ። እንተኾነ ግን ሕጂ’ውን መንፈስ በዓል ልደት በቶም ዝቕጽሉ ዘለዉ ግጭታት ኣብ ቓዛን ዩክረይንን ተዓብሊሉ ይርከብ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ባህሊ ኣበዓዕላ ልደት (Christmas) ከመይ ይመስል? (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 25.12.2024

ኣውስትራሊያዊያን ንገለ ገለ ኣውሮጳዊ ባህላዊ ኣበዓዕላታት ልደት (ክሪስማስ) ይኽተሉ እዮም። ናይ ገዛእ ርእሶም ባህሊ'ውን ኣማዕቢሎም እዮም። እቲ ጽቡቕ ነገር ኣብ ኣውስትራሊያ በዓል ልደት ወይ ክሪስማስ ንምብዓል ብዙሕ መገዲታት ምህላዎም እዩ። እዚ መደብ ንገለ ኣገባባት ኣበዓዕላ ክሪስማስ ኣብ ኣውስትራሊያ ክርእይ እዩ።

ሩስያውያን ሓደ ኣውስትራልያዊ ኣብ ዩክረይን ማሪኽና ኢሎም ኣብ ቪድዮ ኣውጺኦሞ 24.12.2024

ሓደ ኣውስትራልያዊ ብወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዩክረይን እናተሓተተ ዝመስል ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መድረኻት ድሕሪ ምዝርግሑ ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ቅልጡፍ መርመራታት ብዛዕባ'ታ ቪድዮ የካይድ ኣሎ። እቲ ኦስካር ጀንኪንስ ኢሉ ንነብሱ ዘላለየ ወዲ 32 ዓመት መምህር ስነህይወት ወይ ባዮሎጂ ካብ ኣውስትራልያ'ዩ።

ክርስቶስ’ዶ ክልተሳዕ ተወሊዱ’ዩ ክልተ መዓልቲ ልደት ነብዕል ዘለና፧ መብርሂ ብዛዕባ ልደት ካብ ቀሺ ዮናስ 24.12.2024

ንኹሎም ኣመንቲ ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመት 2024 እናተመነና፡ ታሪኽን ኣመጻጽኣን በዓል ልደት ዝምልከት ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ዝሃብዎ መብርሂ ቀሪቡ ኣሎ።

መራሕቲ ኣውስትራልያ መልእኽታት በዓል ልደት ኣመሓላሊፎም (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ 24 ታሕሳስ 2024) 24.12.2024

* ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያን መራሒ ተቓዋሚን መልእኽታት በዓል ልደቶም ኣብጺሖም፡ * ፕረዚደንት ጆ ባይደን 37 ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ብዕድመ ልክዕ ቀይርሎም፡ * መደበር ቴሌቪዥንን ስፖርትን ፎክስተል ተሸይጡ፣ * ሶማልያ ወሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራተይ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክትብል ከሲሳ፣

ኢትዮጵያ መጻረዪ ግጥማ ኣንጻር ሱዳን ኣብ ዕጹው ሜዳ ኣብ ሊብያ ክኾነላ ሓቲታ፣ ጋንታታት ማንቸስተር ክልቲኤን ተሳዒረን፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሃትሪክ ሰሪሑ፣ 23.12.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (23/12/2024) * ኢትዮጵያ ኣንጻር ሱዳን ዘለዋ መጻረዪ ግጥም ንሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኣብ ሊብያ ክኾነላ ሓቲታ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ካራባኦ (ካራባኦ ካፕ) ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝሓለፋ ጋንታት መጋጥምተን ፈሊጠን፣ ሊቨርፑል VS ቶተንሃም፣ ኣርሰናል VS ኒውካትስል ዩናይትድ፣ * ናይጀርያዊ ኣዴሞላ ሉክማንን ዛምብያዊት ባርባራ ባንዳን ብሉጻት ተጻወቲ ኣፍሪቃ ናይ'ዚ ዓመት ተሰይሞም፣ * ኣርጀንቲና ኣብ ተርታ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ ቀዳመይቲ ኮይና ን2024 ወዲኣታ፣ ኢትዮጵያ መበል 146፣ ኤርትራ ኣይተሰርዐትን፣ *

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2024) 23.12.2024

* ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ ኣሜሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኮይኑ ኣብ ዝምረቐሉ ክትወጽእ ትሓስብ፣ ጳጳስ ፍራንሲስ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ኮኒኖም፣ * ጸብጻባት ልኡኽና፣ ኣውስትራልያ ኤምባሲኣ ኣብ ዩክረይን ደጊማ ክትከፍቶ ምዃና ኣፍሊጣ፣ ሩስያ ንሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣብ ሞስኮ ዝቐተለት ቦምብ ከምዘንቶጋ ዝኣመነ ወዲ ኡዝበኪስታን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወት ገሊጻ፣ መንገዲ ኣየር ኳንታስ፣ ብዘይሕጊ ካብ ስራሕ ንዝሰጎጎም ሰራሕተኛታት 120 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ድሕሪ ምስምምዑ ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ከምዘይክእል ተነጊሩ፣ * ቃለመሕትት (2ይ ክፋል) ምስ ብርሃን እስማዒል ጃብር፣ ኣብ...

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2024) 23.12.2024

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2024) * ሊቃነ ጳጵሳት ፍራንሲስ ንመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ቓዛ ኮኒኖም፣ * ኣብ ሲድኒ ኣድማ ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ብምቕጻሉ ሕጽረት 200 ዝኾኑ መራሕቲ ኣውቶቡስ፣ ትራምን ባቡርን ከጋጥም ይኽእል፣ * ኣብ መዓልቲ ምምራቕ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለም ክትወጽእ ትሓስብ፣

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣብ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ርእይቶ ሂቡ (ጸብጻባት ዜና 23 ታሕሳስ 2024) 23.12.2024

ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት: * ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢትዮጵያ ዘልዓለቶ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ቅኑዕን ዝድገፍን ምዃኑ ኣመልኪቱ፣ ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ክትግበርን ፍትሕን ተሓታትነትን ክነግስን መንግስቱ ሓቲቱ፣ * ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፍወርቂ፡ ንፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዘራሪቡ፣ * ቻይናዊ ኩባኒያ "SBM" ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ኢንዱስትሪ ዕደና ተጸንቢሩ፣ * ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ውሳነታት ኣሕሊፉ፣

ገምጋም 2024፡ ክሊማ 22.12.2024

'Climate whiplash' ነዚ ንዓለምና ኣብ 2024 ዘጋጠማ በብግዚኡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምድግጋምን ጻዕቅን ክቱራት ዝኾኑ ኣንጻራዊ ክስተታት ኩነታት ኣየር ንምግላጽ ዘገልግል ዘሎ ሓረግ`ዩ። ተመራመርቲ, ማእከላይ ገምጋም ዓለማዊ መጠን ሙቐት ኣብ መላእ`ዚ ዓመት ንግዚኡ ብ1.5 ዲግሪ ሰነቲግረይድ ልዕሊ`ቶም ቅድመ-ኢንዱስትርያዊ መጠናት ክሓልፍ ኣብ መስመር ይርከብ፣ እቲ ቀንዲ ደፋኢ ናይ`ዚ ኸኣ ወዲሰብ ዘጋደዶ ለውጢ ክሊማ`ዩ ይብሉ።

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (20 ታሕሳስ 2024) 19.12.2024

ዕለታዊ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (20 ታሕሳስ 2024) * ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኢድ ኔርዎም ዝተባህሉ ወተሃደራዊ ኣባላትን ሰበስልጣንን ካብ ናይ ስልጣን ሓላፍነታት ክኣልይዎም ኣምባሳደር ኣሜሪካ ጸዊዓ፣ * ልዑል ዝኾነ ወሰኽ ኣብ ዓሌትነትን ኣድልዎን፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣውስትራልያውያን ዩኒቨርሲቲታት፣ ከምዘሎ ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ፣ * ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ኣብ ቫኑዋቱ ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዝተረፈ ዑናታት ንዝደሓኑ ሰባት ንምርካብ ዝገብርዎ ፈተነታት ይቕጽሉ፣ * ፌደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ካብ ትሑት ክሳብ ማእከላይ እቶት ዘለዎምን ናብ ኤሌክትሪክ መኪና ክሰጋገሩ ዝደል...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ታሕሳስ 2024) 19.12.2024

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (9 ጥሪ 2024) * ገለ ካብ ናይ ሎሚ ጸብጻባት ዜና - ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሓያለ ኣምባሳደራት ወጻኢ ተዘራሪቡ፣ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከባ 451 ኣብያተ ትምህርቲ 8ይ ክፍሊ ቀዳማይ ዙር ፈተና ክህባ ጀሚረን፣ ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ የሳልጥ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ማያት ባሕሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕላው ዘዋፈሮ ሓይሊ ባሕሪ ንተወሳኺ 2 ዓመታት ከምዘናውሖ ኣፍሊጡ፣ * ኣውስትራልያ ንወሰኽ ቁጽሪ ጸረ-ሴማዊ መጥቃዕታት ምላሽ ኣብ ትህበሉ ዘላ እዋን፣ ጽልኢ እስላም ዘበገሶም ተግባራት'ውን ሰማይ ከይዶም ኣለዉ። ገለ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ታሕሳስ 2024) 19.12.2024

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (19 ታሕሳስ 2024) * ኣውስትራልያ ኤምባሲኣ ኣብ ዩክረይን ደጊማ ክትከፍቶ ምዃና ኣፍሊጣ፣ * ሩስያ ንሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣብ ሞስኮ ዝቐተለት ቦምብ ከምዘንቶጋ ዝኣመነ ወዲ ኡዝበኪስታን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወት ገሊጻ፣ * መንገዲ ኣየር ኳንታስ፣ ብዘይሕጊ ካብ ስራሕ ንዝሰጎጎም ሰራሕተኛታት 120 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ድሕሪ ምስምምዑ ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ከምዘይክእል ተነጊሩ፣

ማያት ቀይሕ ባሕሪ ክሕሉ ዝተዋፈረ ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳ ተወሳኺ ክልተ ዓመታት ክጸንሕ ተናዊሕሉ (ጸብጻባት ዜና) 18.12.2024

ጸብጻባት ዜና (19/12/2024) * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሓያለ ኣምባሳደራት ወጻኢ ተዘራሪቡ፣ * ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝርከባ 451 ኣብያተ ትምህርቲ 8ይ ክፍሊ ቀዳማይ ዙር ፈተና ተጀሚሩ፣ * ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ የሳልጥ ኣሎ፣ * ሕብረት ኤውሮጳ፡ ማያት ባሕሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕላው ዘዋፈሮ ሓይሊ ባሕሪ ንተወሳኺ ክልተ ዓመታት ከምዘናውሖ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ቡግና ዝተኸሰተ ደርቅን ሕጽረት መግብን ህጻናት ሓዊሱ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ከም ዝተጐድኡ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፣

“ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተታሕዘ ናይ ብዙሓት ናይ ሓባር ጉዳይ ኮይኑ ስለዘሎ ካብ ገዛኹም ክትወጹ ብውልቂ ንዝመጻኩም መልእኽቲ ተጠንቀቑሉ፣” ብርሃን እስማዒል ጃብር 17.12.2024

ክቡራት ሰማዕትና ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት መንግስቲ ግዝኣት ቪክቶርያ ነቶም ብዙሓት ካብ ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ካልኦትን ዝነብሩሎም ኣብ 1960ታት ዝተሃንጹ ህዝባውያን ወይ መንግስታውያን ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ከፍርሶም መደብ ሒዙ ክሰርሓሉ ጸነሑ'ዩ። ዝበዝሑ እቶም ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ዕድሚኦም ወይ ድልዱላት ኮይኖም ዝጸንሕሉ ዕድመ 50 ዓመት ስለዝሓለፈ፣ ንመጸገኒኦም ጥራይ ኣብ ዝመጹ 20 ዓመታት ልዕሊ 2.3 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ፣ ዘመናዊ ኮዳት ህንጻታት፡ ብሃገር ደረጃ ዝስርሓሎም መለክዒታት መጠን ሃልኪ ጸዓት ድሕሪ ደጊም ኣየማልኡን፣ ንዝበዝሑ ነበርቲ ብቐሊሉ ክኣትዉሎምን ክወጹሎም ዝኽእሉ ምቾት...

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.