SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2025) 15.01.2025 5:57
ንሎሚ 15 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ** ኣውስትራሊያ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ጸረ-ሴማውነት ፍታሕ ንምንዳይ ናይ መምሕድዳር ግዝኣታትን ናይ ፌደራል መራሕቲ ምስ ናይ ፖሊስ ሹማምንቲ ብስሩዕ ክእከቡ እዮም። ** ኣብ ቓዛ ተዂሲ ደው ንምባል ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ኣብ መወዳታኡ ክበጽሕ ከምዝቐረበ ቐጠር ኣፍሊጣ ... ** ኣውስትራሊያዊ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣሌክስ ደ ሚኖር ኣብ ተኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ፡ ንሆላንዳዊ ቦቲክ ቫን ደ ዛንቹልፕ ብምስዓር ጉዕዞ ዓወቱ ጀሚሩ።
26 ጥሪ ንደቀባት ኣውስትራሊያዊያን እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ 15.01.2025 9:15
ኣብ ኣውስትራሊያ 26 ጥሪ ሃገራዊ መዓልቲ እዩ ፤ እታ ዕለት ግን ኣሰሓሓቢት እያ ። ብዙሓት ናብ ኣውስትራሊያ ሓደሽቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ነታ ሓድሽ ዓዶም ኣብዚ ዕለት ከብዕልዋ ይደልዩ እዮም ፡ እንተኾነ ብድሕሪ እዛ መዓልቲ ዘሎ ሙሉእ ታሪኽ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ። ንገለ ተቐማጦ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣቦርጂንን ፡ 26 ጥሪ ኣብ ታሪኽ ህይወቶም ዘሕዝን ፍጻመ ከም እተፈጸመ ፡ ናይ ሞትን ህየትን ፡ ወራርን ሓዘንን መዓልቲ ገይሮም ይሓስብዋ ።
How do heatwaves highlight inequality? - ሙቐት ክብርትዕ እንከሎ ንድኻን ሃብታምን ብማዕረ ዘይጸልወሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ፧ 14.01.2025 6:58
In the midst of one of the hottest Australian summers on record, experts say heat inequality is deepening social division. - ኣውስትራልያውያን ኣብ'ዚ እዋን ኣብ ማእከል ሓደ ካብ'ቶም ኣብ መዝገብ ዝወዓዩ ወቕትታት ክረምቲ (ሳመር) እዮም ዘለዉ። ክኢላታት ድማ ናይ ሙቐት ዘይማዕርነት (heat inequality) ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ምክፍፋል መሊሱ የጋድዶ'ሎ ይብሉ።
ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ጥሪ 2025) 14.01.2025 5:56
ንሎሚ 14 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት: ዝሰናበት ዘሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዝከኣል ብሩህ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ ። ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ እተሓድገ መዐደኒ ወርቂ ን ኣዋርሕ ኣብ ጉድጓድ ተደብዮም ዝጸንሑ ፡ ብውሕዱ 100 ዘይሕጋውያን ዓደንቲ ሞይቶም ተረኺቦም ። ኒክ ኪርጊዮስ ኣብ ዉድድራት ቴኒስ ኣውስትራልያ ኦፐን ተሳቲፉ ብ ስኮትላንዳዊ ጃኮብ ፈርንለይ ተሳዒሩ ካብ ግራንድ ስላም ተገሊፉ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (13 ጥሪ 2025) 13.01.2025 48:41
ን ሎሚ 13 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ: ኣብ ሱሳታትን ፈለማ ሰብዓታትን ኣብ ኤርትራ ምዕቡል ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ከምዝነበረን ፍሉጣት ጋንታትን ተጻወትን ፈርዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋን ምስ ዝነበራ ጋንታታትን ተጻወትን ብቐረባ ዝፈልጦም ዝነበረን ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ካብ ዝኽሩ ዘይሃሰሰ ፍጻመታት ነባሪ መልበርን ኢብራሂም ሓጅ ኣዕሊሉና ኣሎ። ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝክሮ ኢና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ሊበራል ኣውስትራሊያ ኣብ...
ዘይሃስስ ዝኽሪ ጋንታት ኩዕሶ እግሪ ሓማሴን/ኣስመራ፡ ሃይካ ሎጎን ካልኦትን ምስ ኢብራሂም ሓጅ፡ 13.01.2025 20:29
ኣብ ሱሳታትን ፈለማ ሰብዓታትን ኣብ ኤርትራ ምዕቡል ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ከምዝነበረን ፍሉጣት ጋንታትን ተጻወትን ፈርዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋን ምስ ዝነበራ ጋንታታትን ተጻወትን ብቐረባ ዝፈልጦም ዝነበረን ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ካብ ዝኽሩ ዘይሃሰሰ ፍጻመታት ዝምልከት ነባሪ መልበርን ኢብራሂም ሓጅ ኣዕሊሉና ኣሎ። ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝክሮ ኢና።
ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝነድድ ዘሎ ባርዕን ዘስዕቦ ዘሎ ጉድኣትን። 12.01.2025 10:56
ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ተኸሲቱ ዘሎ ብርቱዕ ነበልባል ሓዊ ፡ ህይወት 13 ሰባት ቀዚፉ ኣሎ ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ ቦታ ኺግዕዙ ተገዲዶም እዮም ። ኣባይቲ ፡ ትካላት ንግዲ ፡ ከምኡ እውን ፍሉይ ከባቢታት ኣብ ሓደጋ ብምውዳቑ ህጹጽ ረድኤት ንምፍጻም ነቲ ሓዊ ኣብ ዘጥፍኣሉ እዋን ፡ ኣብ መላእ ጐረባብቲ ከባቢታት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ ።
ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ናብ ኣውስትራልያ ክመጹ'ዮም፣ ማራቶን ዱባይ ኢትዮጵያውያን ዓብሊሎሞ፣ 12.01.2025 10:46
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (13/01/2025) * ማራቶን ዱባይ ኢትዮጵያውያን ይዕብልልዎ፣ * ኣብ’ዚ ዓመት ፈላማይ ብዙር ዓለም ዝስራዕ ቅድድም ብሽግለታ ኣውስትራልያ 'ሳንቶስ ቱር ዳውን ኣንደር' ዛጊት ክልተ ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ተረጋጊጹ፣ * ዚምባብወ ካብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ት17 ከምዘንሰሓበት ድሕሪ ምፍላጣ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፈን፣ * ቀዳማይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ካርሊንግ ካፕ ተኻይዶም ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሓንቲ ሽቶ ትኸውን ኩዕሶ ኣቐቢሉን ካልእ ከኣ ባዕሉ ኣመዝጊቡን ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ንኣርሰናል ኣብ ሜድኣ 2-0 ክትስዕራ ሓጊዙ፣ * ኣብ ኤፍኤካፕ ኣርሰናልን ብ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ጥሪ 2025) 09.01.2025 50:35
ንሎሚ ሓሙስ 9 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ማርያም/ሚካኤል ብርዝቤን ዝኾኑ ቀሺ ገብረብርሃን ፍስሃ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተባዕለ ዘሎ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ ምእመናን ቤተ ክርስትያኖምን ብተወሳኺ ብምኽንያት እዚ በዓል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላለወ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ብመሰረቱ ንምፍታሕ ሓያል ርብርብ ከም ዝግበር ገሊጹ። ኤርትራ ዋንነተን ናይ ኣዘርባጃን ምኳነን ዝተገልጻ...
ኣብ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዕላዊ ኮይኑ። (ጸብጻባት) 08.01.2025 7:43
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላለወ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ብመሰረቱ ንምፍታሕ ሓያል ርብርብ ከም ዝግበር ገሊጹ። ኤርትራ ዋንነተን ናይ ኣዘርባጃን ምኳነን ዝተገልጻ ሰለስተ መራኽብ ከም ዝሓዘት ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዕላዊ ኮይኑ። ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጀኖሳይድ ምፍፃሙ መንግስቲ ኣሜሪካ ዕላዊ ጌሩ።
"ንሃገረ ግሪን ላንድ ክዕድጋ'የ፡ ካናዳ መበል 51 ግዝ ኣት ኣመሪካ ትኹን።" ትራምፕ። (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 08/01/2025) 08.01.2025 4:28
ንሎሚ 7 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም ዶናልድ ትራምፕ ፡ ንድሕንነት ኣመሪካ ከተገልግል ስለትኽእል ንሃገረ ግሪንላንድ ክዕድጋ ከም ዝደሊ ገሊጹ፡ ካናዳ ድማ ግዝኣት ኣመሪካ ክትከውን ጸዊዒ ። ኣብ ትቤት ግዝኣት ቻይና ብዘጋጠመ ዓቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብውሑዱ 126 ሞይቶም።
#77 Setting up a tent (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ #77 Setting up a tent (Med) 07.01.2025 14:32
Learn how talk about setting up a tent. - Learn how talk about setting up a tent.
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ጥሪ 2025) 07.01.2025 6:28
ንሎሚ 7 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ኣርእስታት ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ: ጃስቲን ትሩዶ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትርነት ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ ቪክቶርያ ኣብ ካውልፊልድ ዝርከብ ሜዳ መወዳደሪ ኣፍራስ (Racecourse) ፡ ብሓዊ ድሕሪ ምንዳዱ ብፖሊስ መርመራ ይካየደሉ ኣሎ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ምብራቓዊ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ በዓል ልደት ኣኽቢሮም።
"ልደት፡ ምስ ኣምላኽና ብፍቕሩን ምሕረቱን ዕርቂ ዝረኸብናሉ ዕለት'ዩ።" ቀሺ ገብረብርሃን ፍስሃ 06.01.2025 17:37
ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ማርያም/ሚካኤል ብርዝቤን ዝኾኑ ቀሺ ገብረብርሃን ፍስሃ ብዛዕባ እዚ ዝበዓል ዘሎ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ ምእመናን ቤተ ክርስትያኖምን ብተወሳኺ ብምኽንያት እዚ በዓል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥሪ 2025) 06.01.2025 55:30
ን ሎሚ 6 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም በዓል ልደት የሱስ ክርስቶስ ተኽብሩ ርሑስ በዓል ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ "ግዝያዊ ምምሕዳር ኣድኪምካ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦ ምግባር ጥፍኣት እዩ።" ክብል ምክትል ፕሬዝደንት ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሰለስተ ብሄራዊያን ውድባት ትግራይ ብሓባር ዝሰርሓሉ ኪዳን ዕላዊ ኣቚመን። ኣህጉራዊ ዋዕላ ንመጽናዕትታት ኤርትራ፡ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዝረአ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዝትንከፉ ክልላት 80 ሽሕ ነበርቲ ከውጽእ ምዃኑ መንግስቲ ኣፍሊጡ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተ...
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ውዕሎም የሐድሱን ጋንታታት ይረኽቡን፣ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ይዕወቱ፣ ማንቸስተር ዩናይትድ ንሊቨርፑል ማዕረ ኣውጺኣታ፣ 05.01.2025 11:52
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (06/01/2025) * ሩቲ ኣጋን ዳዊት ወልዴን ኣብ ማራቶን ሺያመን ተዊቶም፣ * ገለ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ምስ ዝጸንሕወን ጋንታታቶም ውዕሎም ከናውሑ’ንከለዉ ሓደ ተቐዳዳማይ ድማ ምስ ሓዳስ ጋንታ ተጸንቢሩ፣ * ዋና ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዘሎ መሳይ ተፈሪ ኪንዮ ጥሪ 2025 ኣብ ዘለዎ ክጸንሕ ውዕሉ ከናውሕ ድሌት ከምዘለዎ ገሊጹ፣ * መበል 20 ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝተኻየድሉ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብሉጽ ኣጥቃዓይ ተባሂሉ ተገሊጹ፣ ኣውስትራልያዊ ኣሰልጣኒ ኣንጅ ፖስትኮግሉ ድሕሪ ግጥም ጋንትኡ ቶተንሃም ሆትስፐር ‘ከም’ዚ ገይረ ሓሪቐ ኣይፈልጥን’የ’ ይብል፣ ኣሰልጣኒ...
"ግዝያዊ ምምሕዳር ኣድኪምካ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦ ምግባር ጥፍኣት እዩ።"ምክትል ፕሬዝደንት ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ 05.01.2025 8:22
ሰለስተ ብሄራዊያን ውድባት ትግራይ ብሓባር ዝሰርሓሉ ኪዳን ዕላዊ ኣቚመን። ኣህጉራዊ ዋዕላ ንመጽናዕትታት ኤርትራ፡ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዝረአ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዝትንከፉ ክልላት 80 ሽሕ ነበርቲ ከውጽእ ምዃኑ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
ምስ ምምጻእ ሓድሽ ዓመት ካብ ዝተለወጡ ሕግታትን ፖሊሲታትን 03.01.2025 6:12
ሓድሽ ዓመት 2025 ኣብ ዝኣተወተትሉ ኣውስትራልያውያን ሓድሽ ዓመት ጥራይ ዘይኮኑ ዝቕበሉ ንህይወቶም ብዝተፈላለዩ መጠኑ ዝጸልዉ ሓደስቲ ሕግታት'ውን ክዕዘቡ'ዮም። ገለ ካብ'ቶም ካብ ባሕቲ ጥሪ ጀሚሮም ተግባራዊ ዝኾኑ ቀንዲ ለውጥታት ካብ'ዚ ቀጺልና ከነቕርቦም ኢና።
ገምጋም 2024: ዓወታት ኣብ ኦሎምፒክስ ዝዓብለልዎ ስፖርት ኣውስትራልያን ዓለምን 03.01.2025 12:14
2024 ኣብ ስፖርት ዓለም፣ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ መላእ ዓለምን፣ ዓባይ ኮይና`ያ ሓሊፋ። ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ብመንጽር ስፖርት ከመይ ሓሊፎም ኣብ`ዚ ክንምልከቶ ኢና።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (2 ጥሪ 2025) 02.01.2025 48:14
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (2 ጥሪ 2025) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ ፍጻመ ቅትለት ኒው ኦርሊይንስ፣ ስለያ ኣውስትራልያን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ጆን ሃዋርድን፣ ቓዛን ቀይዲ ኣልቦ ዝተባህለት እስራኤልን * ጸብጻባት ልኡኽና ስድራቤት ኤርትራውያን እሱራት መዓሰከር ዳባት ገንዘብ ክኸፍሉ ይሕተቱ ምህላዎም ገሊጾም፣ ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ ህወሓት ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ሓቲቱ፣ ኣብ ከባቢ ኣዋሽ ፈንታሌ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዝቐጸለ ተሓቢሩ፣ ኣብ ክልል ሲዳማ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሑድ 71 ሰባት ሞይቶም * ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሑ፣ እዚ ነቕ ዘይበለ...
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (2 ጥሪ 2025) 02.01.2025 10:01
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (2 ጥሪ 2025) * ብዙሓት ክፋላት ዓባይ ብሪጣንያ ብርቱዕ ዝናብ ዝፈጠሮ ምዕልቕላቕን ብርቱዕ ንፋስን ኣጥቂዕዎም፣ * ናይ ጽዕነት መኪና ናብ ሓድሽ ዓመት ዘብዕሉ ዝነበሩ እኩባት ሰባት ኣጋጭዩ 10 ሰባት ዝቐተለ ሓደ ሰብ ኣብ ኒው ኦርሊይንስ ብፖሊስ ተቐቲሉ፣ * ሱፐር ማርኬት ዉልዎርዝስ ንመዓልቲ ኣውስትራልያ ዘንጸባርቑ ነገራት ንዕዳጋ ከቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ሆስፒታላት ቓዛ ኣብ ዝዓነውሉ ተማእዛዝነት እስራኤል ብሕግታት ዓለም የተሓታትት፣
ህወሓት ጉባኤ ከካይድ ተሓቲቱ፣ ስድራቤት ኤርትራውያን እሱራት መዓሰከር ዳባት ገንዘብ ይሕተቱ (ጸብጻባት) 02.01.2025 5:35
ጸብጻባት ዜና ልኡኽና (2 ጥሪ2025) * ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዙርያ ዘላቒ መፍትሒ ተመዛበልቲ ኣድሂቡ ምስ ሰለስተ ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛትዩ፣ * ስድራቤት ኤርትራውያን እሱራት መዓሰከር ዳባት ገንዘብ ክኸፍሉ ይሕተቱ፣ * ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ ህወሓት ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ሓቲቱ፣ * ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣዋሽ ፈንታሌ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቀጺሉ፣ * ኣብ ክልል ሲዳማ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሑድ 71 ሰባት ቀቲሉ እዚኦም
Revellers welcome 2025 in Australia and around the world - 2025 እንቋዕ ደሓን መጻእኪ! ኣውስትራልያውያንን ዓለምን ንሓዳስ ዓመት ብሓጎስ ይቕበልዋ 01.01.2025 8:30
The start of 2025 has been celebrated around the world with dazzling fireworks displays and rituals. Australia was among the first countries to welcome the New Year. - ምእታው 2025 ኣብ መላእ ዓለም ብድሙቓት ምርኢታት ርችታትን ባህላውን ሃይማኖታውን ጽምብላትን ተባዒሉ። ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ`ተን ቀዳሞት ንሓድሽ ዓመት ብሓጎስ ዝተቐበለኦ ሃገራት`ያ።
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (31 ታሕሳስ 2024) 31.12.2024 6:38
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (31 ታሕሳስ 2024)፣ * ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ንምርኢት ርችታት ፍርቂ ለይቲ ሓድሽ ዓመት ኣብ ሲድኒ ክእከብ ትጽቢት ይግበር፣ * ሓድሽ ዓመት ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ለውጥታት ፖሊሲን ወሰኽ መንግስታዊ ክፍሊታት ሒዝሎም ክመጽእ`ዩ፣ * ዋሽንግተን ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ብኽብሪ ከተፋንዎ ትዳሎ፡ ንሰብኣዊ ኣብርክቶታቱ ክብሪ ዝህቡ ኣብ መላእ ዓለም ይቕጽሉ፡ ዝዓበየላ ከተማ ድማ ብሞቱ ሓዘና ትቕጽል፣
ቭላድሚር ፑቲን፣ ን25 ዓመታት ልጓም ስልጣን ሩስያ ዘጽንዐ ሰላዪ 31.12.2024 10:39
ቭላድሚር ፑቲን ልጓም ስልጣን ኣብ ሩስያ ረጊጡ ካብ ዝሕዞ 25 ዓመታት ኣቑጺሩ'ሎ። ዕድመ ስልጣኑ ብኲናት፡ ተቓውሞታት፡ ኣድማታት፡ ቅዋማዊ ለውጥታትን ናዕብታት ከይተረፈን ዝተራእየሉ ብምዃን ይልለ፡ እንተኾነ ግን እዚ ሰላዪ ኬጂቢ (KGB) ዝነበረ ፑቲን ኣብ ስልጣኑ ዘይንቕነቕ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.