SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ትራምፕ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ። 02.02.2025 7:07
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣካታዒ ኮይኑ ዝጸንሐ ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ካውንስል ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወግዒ ተመስሪቱ። ፓርቲ ብልፅግና ይካይዶ ኣብ ዘሎ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ንመራሕቱ ዳግም ንክመርሑዎ መሪፁዎም። ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ገይሩ። ሓይልታት ጸጥታ ጅቡቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዝተፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ኣባላት ጉጅለ ዓመጽትን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰላማውያን ሰባትን ከምዝቐተሉ ተገሊጹ። ትራምፕ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ጥሪ 2025) 30.01.2025 50:19
ንሎሚ ሓሙስ 30 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣዲስ ኣበባ ንፈለማ እዋን ህዝባዊ ዋዕላ ተቓዋሚ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ብርጌድ ንሓመዱ ኣአንጊዳ። ኣዘዝቲ' ሓይልታት ትግራይ ነቲ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝተነፍገ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ደጊፎም ምምጽኦም ኣብ ትግራይ ቅልውላው ኣጋዲዱ። ኣብ 104.4 FM መቐለ ዘጋጠመ ፀገም ብምርድዳእ ከምዝተፈትሐ መምርሒ ፓሊስ ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝረኣ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከምዝቃወምን ዝዅንን ኣምንስቲ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣውስትራሊያ 26 ጥሪ ሃገራዊ መዓልቲ እ...
ብ ኣፍልጦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዋዕላ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ጸብጻብ ልኡኽና። 29.01.2025 7:01
ኣዲስ ኣበባ ንፈለማ እዋን ህዝባዊ ዋዕላ ተቓዋሚ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ብርጌድ ንሓመዱ ኣአንጊዳ። ኣዘዝቲ' ሓይልታት ትግራይ ነቲ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝተነፍገ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ደጊፎም ምምጽኦም ኣብ ትግራይ ቅልውላው ኣጋዲዱ። ኣብ 104.4 FM መቐለ ዘጋጠመ ፀገም ብምርድዳእ ከምዝተፈትሐ መምርሒ ፓሊስ ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝረኣ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከምዝቃወምን ዝዅንን ኣምንስቲ ኣፍሊጡ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ጥሪ 2025) 29.01.2025 4:46
ን ሎሚ ረቡዕ 29 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት፡ ** ኣብ ኲንስላንድ ብፖሊስ ዝተተኮሰሉ ሰብ ኣብ ኩነታት ሞትን ህይወትን ከምዘሎ ተፈሊጡ... ** ሴቭ ዘ ችልድረን ኣስታት 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ዝዀኑ ቈልዑ ኣብ ኮንጎ ከተማ ጎማ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምዃኖም ከምዘሰክፎ ገሊጹ ። ** ወናኒ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ሌስተር ሲቲ ዝነበረ ቪቻይ ስሪቫዳሃናፕራባን ካልኦት ኣርባዕተ ሰባትን ብ ሄሊኮፕተር ዝሞቱሉ ጉዳይ ሓደጋ ከምዝነበረ ፍርዲ ተዋሂቡ ።
ሕጊ መሰል ዋንነት (copyright)ኣብ እትጥቀምሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብኸመይ ይሰርሕ፧ 29.01.2025 11:13
ብዘይፍቓዶም ናይ ካልእ ሰብ ቪድዮ ወይ ሙዚቃ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣካፊልኩም ትፈልጥዶ ? እዚ ብምግባር ሕጊ መሰል ዋንነት እትጥሕስሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ ይኽእ እዩ ። ሕጊ መሰል ዋንነት ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክንጥቀመሉ እንኽእልን እንካፈሎን ነገራት ይድርት እዩ ። ነቲ ሕጊ መሰል መሰል ዋንነት ብኸመይ ከም እተተግብሮ ምርዳእ ፡ ሕማቕ ኵነታትን ከቢድ ሳዕቤናትን ንኸየጋጥመካ ዝሕግዘካ እዩ ።
Does Australia's Parliament reflect society? - SBS Examines: ባይቶ ኣውስትራልያ ንሕብረተሰብ ኣውስትራልያ የንጸባርቕ ድዩ፧ 28.01.2025 8:02
Australia is one of the world's most multicultural nations but our Parliament isn't. Does it matter? - ኣውስትራልያ ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብ`ተን ብዝሐባህላዊያን ሃገራት`ያ፣ ባይቶኣ ግን ነዚ ኣየንጸባርቕን። ከምኡ ምዃኑ ጸገም ይፈጥር ድዩ፧
ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ጥሪ 2025) 28.01.2025 6:51
ንሎሚ ሰሉስ 28 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ኣርእስታት ዜና፡ ** ኣብ ኮንጎ ከተማ ጎማ ብዝግበር ዘሎ ዉግእ ህዝቢ ኣብ ስግኣት ምውዳቑ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ስክፍታኡ ገሊጹ። ** ጥፍኣት ኦሽዊትዝ ሰፈር ሞት ናዚ ጀርመን መበል 80 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘለዉ ፡ ካብቲ ትፍኣት ዝደሓኑ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሓደገኛ ጸረ ሴማውነትን ጽልእን ዝደሓኑ ፍርሖም ገሊጾም። ** ኣብ ትግራይ -ላዕለዎት ወታሃደራውያን ኣዘዝቲ ዘውጽእዎ ቅዋም ስዒቡ ናይ ድጋፍን ተቓውሞን ሰልፍታት ቀጺሉ።
MiniPod: Ep3 Talking about work | Starting Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 3ይ ክፋል፡ ብዛዕባ ስራሕ ምዕላል | ምጅማር | English on Repeat (Easy) 27.01.2025 5:23
Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: What do you do for a living? | I’m a student.| I want to start a business. |I work part-time. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። ኣብ'ዚ ክፋል፡ ንመነባብሮና እንታይ ኢና ንሰርሕ ዝብል ከነዕልለሉ ኢና። እቶም ንደጋግሞም ሓረጋት ድማ እዚኦም'ዮም፣ What do you do for a living? | I’m a student.| I want to start a bu...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ጥሪ 2025) 27.01.2025 52:25
ን ሎሚ 27 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ትማሊ 26 ጥሪ ዓመታዊ ዝኽበር መዓልቲ ኣውስትራሊያ ወይ ኣውስትራሊያ ደይ ተኸቢሩ ዊዒሉ፡ ኣብቲ መዓልቲ ኣብ ሕብረተሰቦም ፍሉይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣፍልቶን ሽልማትን ሓንቲ ካብ ኦም ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም ካብ ኲንስላንድ ናይ 2025 "Medal of the Order of Australia" ተሸላሚት ኮይና ኣላ። ናብዚ ዘብጽሐ ጉዕዞን ናብዚ ንምብጻሕ ዘጋጥማ ብድሆታትን ካብዘካፈለትና ሎሚ ቆንጪልና ከነቕርበልኩም ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ጽንብል ስርዓተ ሲመት 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ተፈጺሙ ። ፖለቲካ ትግ...
ኣሌክሳንዴር ኢሳቕ ሽቶ ምምዝጋብ ቀጺሉ ጥቓ ሃላንድን ሳላሕን ቀሪቡ፣ ወርቅነሽ እዴሳ ኣብ ማራቶን ቶክዮ ተዓዊታ፣ 27.01.2025 12:41
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (27/01/2025) * ወርቅነሽ እዴሳ ኣብ ማራቶን ቶክዮ ተዓዊታ፣ * ኣብ ኣስታና ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 3000ሜ ኣትለቲክስ ዓለም ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ብዓብላሊ ተዓዊተን፣ * ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ቅድድም ብሽግለታ ቀዳማይ ዝኾነ ኣብ ኣውስትራልያ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ቱር ዳውን ኣንደር ኤርትራውይን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ተሳቲፎም፣ * ኢትዮጵያዊ ኣከፋፋሊ ጋቶች ፓኖም ቀዳመይቲ ሽቶኡ ብምምዝጋብ ዒራቓዊት ጋንትኡ ማዕረ ክትወጽእ ሓጊዙ፣ * ኢትዮጵያ ዝመበቆላ ኣሜሪካዊት ናዮሚ ግርማ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ብሚልዮን ዶላር ዝተሸጠት ኮይና፣ ክብረወሰን ብዝኾነ ክፍሊት ምስ ጋንታ ቸልሲ ክ...
ጽንብል ስርዓተ ሲመት 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ተፈጺሙ። 26.01.2025 7:35
ጽንብል ስርዓተ ሲመት 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ተፈጺሙ ። ፖለቲካ ትግራይ ናብ ፖለቲካዊ ባዶ ድምር ወሪዱ ትግራይ ናብ ዝኸፈአ ኩነተት ክትኣትው ምኽንያት ኮይኑ'ሎ: ክብል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምም/ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ ። ኣብ ሓደጋ ወዲቚ ዘሎ ሃገራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ዘተ ጥራይ ክፍታሕ ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ሬጋሳ ጸዊዑ። ኤርትራ፡ ቀይዳቶም ዝጸንሐት ተወሰኽቲ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ለቂቓ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ።
"ክብርታት ኣውስትራሊያን ኣደይን'ዩ ናብዚ ኣብቂዑኒ።" ሳባ ኣብርሃም ተሸላሚት 'The Medal of the Order of Australia 2025) 26.01.2025 22:15
ብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን "ማማ ሳባ" ኢሎም'ዮም ዝጽውዕዋ። ንሳ ኣብ ማሕበረሰባን ብሓፈሻ ኣብ ኣፍሪቃዊያን ኣውስትራሊያዊያን ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ብዙሕ ተፈላጥነት ኣጥርያን ብዙሕ ሽልማት ረኺባ እያ። ገለ ካብኡ፡ ኣብ 2020 ኮቪድ-19 ተኸሲትሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዘበርከተቶ ስራሕ ናይ 2022 "Local Hero" ተባሂላ። ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልዛቤጥ ካብቶም ዉሑዳት ዝተመርጹ ኣውስትራሊያዊያን ኮይና ን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልበኔዝ ኣሰንያ ክትከይድ ተመሪጻ ኣብ ለንደን ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ተሳቲፋ። ሎሚ ድማ ናይ 2025 "Medal of the Order of Australia" ተሸላሚት ኮይና ኣላ። ናብዚ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (23 ጥሪ 2025) 23.01.2025 52:47
ንሎሚ ሓሙስ 23 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረሲደንት ኮይኑ ንኻልኣይ እዋን ቃለ ማሕላ ፈጺሙ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዓለሙ ብዙሓት ፖሊሲታት ድሮ በቲ ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ፈሪሙሎም ኣሎ። ኣብ ኣመሪካን ካብ ኣመሪካን ወጻኢን ንመነባብሮን ጸጥታን ህዝቢ ዝጸልዉ ሕግታት ክትግበሩ ክጅምሩ እዮም። ነቶም ብፍላይ ኣብ ዞባናን ዓለምን ዝምልከቱ ጉዳያት ኣልዒልና ምስ ነበርቲን ዜጋታትን ኣመሪካ ዝኾኑ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘንንን ክብረኣብ ይመስገንን ዝገበርናዮ ዝርርብ ኣሎ። ሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ጠቕ...
ጠቐምቲ ሓበሬታታት ብዛዕባ ምዝዋር ብሽግለታ ኣብ ኣውስትራሊያ። 22.01.2025 11:48
ብሽክለታ ምዝዋር ኣብ ኣውስትራሊያ ልሙድ ዝኾነ ዓይነት መጓዓዚያ እዩ ፤ ንስፖርታዊ ፤ ንምዝንጋዕን ንመጓዓዝያን ሰባት ብሽክሌታ ምዝዋር የዘውትሩ። ከከም ኣብ ትነብረሉ ከባቢ ናይ ብሽክሌታ መንገዲ ፣ መስመራት ብሽክሌታን ትሕተ ቅርጺ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ "ውን ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ናይ ብሽክሌታ ጉጅለታት ምዝዋር ወይ ስፖርታዊ ውድድር ዘወሃህዱ ትካላት ዝኣመሰሉ ናይ ብሽክሌታ ይህልዉ ይኾኑ ። ንቆልዑን ዓበይትን ፡ ብሽክለታ ምዝዋር ክመሃሩ ባህታ ዝፈጥር እዮ ፡ ከመይ ጌርካ ብዘይ ጸገም ከም እትዝውር ምፍላጥ ከኣ ኣገዳሲ እዩ ።
ኣዘርባዥያን፣ ኣብ ኤርትራ ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽባ ክፍነዋ፣ ብመንገዲ ሞስኮን ኣንካራን ዘተ ይቕጽል ምህላዉ ኣፍሊጣ። 22.01.2025 7:04
ጠቕላላ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብኽልተ ትሪልዮን ብር ከምዝወሰኸ ተገሊጹ። ተወሳኺ፡ 248 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ውን ካብ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ክትረክብ እያ። ሒጃብ ሃይማኖታዊ መሰልና'ምበር ሓለፋ ኣይኮነን" ዝብል መሪሕ ጭርሖ ዝሓዙ ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ከተማ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ብውሕዱ 20 ኢትዮጵያውያን ከምዝሞቱ ዓለምለኻዊ ወድብ ስደት ሓቢሩ።
ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥሪ 2025) 22.01.2025 6:11
ንሎሚ 22 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ዜና ** ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ፐኒ ዎንግ ምስ ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ ተራኺባ ዘትያ... ** ኣመሪካ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ዉድብ ጥዕና ዓለም ንክትወጽእ ናይ ምውጻእ መስርሕ ከምዝጅምር ምግላጹ ዉድብ ጥዕና ሓዘኑ ገሊጹ። * ተመሃሮ ኣኽሱም ሕጃብ ከይገብራ ምኽልካለን ዝቃወም ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ተገይሩ።
Celebrating, reflecting, mourning: Indigenous and migrant perspectives on January 26 - SBS Examines: ጽንብል፣ ኣስተንትኖን ሓዘንን፣ ጥሪ 26 ብዓይኒ ደቀባትን መጻእቲን 21.01.2025 6:54
Some celebrate Australia Day with patriotic pride, others mourn and protest. What’s the right way to mark January 26, and can you have pride in your country while also standing against injustice? - ገለ ሰባት ንመዓልቲ ኣውስትራልያ ብሓርበኛዊ ወይ ሃገራዊ ሓበን የብዕልዎ፣ ካልኦት ድማ ይሓዝኑን ተቓውሞታትን ኣድማታትን የካይዱን። እቲ ቅኑዕ ኣገባብ ንምኽባር ወይ ንምዝካር ጥሪ 26 ደኣ እንታይ'ዩ፣ ኣንጻር በደል ደው እናበልኩም ብሃገርኩም ክትሕበኑ ትኽእሉ ዲኹም፧ ነዚ ሕቶ ዝፍትሽ ትሕዝቶ ቀሪቡ`ሎ። ሰናይ ምክትታል!
"ምስ ምህዳእ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣቓልቦ ትራምፕ ናብ ዞባና ከተኲር ይኽእል'ዩ።" ዝርርብ ብዛዕባ ፖሊሲታት ፕ/ትራምፕ ምስ ኣቶ ክብረኣብን ኣቶ ሳሙኤልን 21.01.2025 28:38
ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረሲደንት ኮይኑ ንኻልኣይ እዋን ቃለ ማሕላ ፈጺሙ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዓለሙ ብዙሓት ፖሊሲታት ድሮ በቲ ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ፈሪሙሎም ኣሎ። ኣብ ኣመሪካን ካብ ኣመሪካን ወጻኢን ንመነባብሮን ጸጥታን ህዝቢ ዝጸልዉ ሕግታት ክትግበሩ ክጅምሩ እዮም። ነቶም ብፍላይ ኣብ ዞባናን ዓለምን ዝምልከቱ ጉዳያት ኣልዒልና ምስ ነበርቲን ዜጋታትን ኣመሪካ ዝኾኑ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘንንን ክብረኣብ ይመስገንን ዝገበርናዮ ዝርርብ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
MiniPod: Ep2 Meeting your neighbour | Starting Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 2ይ ክፋል፡ ምዝራብ ቋንቋ እንግሊዝ | ምስ ጎረባብቲ ምፍላጥን ምዕላልን | English on Repeat (Easy) 20.01.2025 5:33
Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: I live nearby. | I’m new to the area.| How long have you lived here? | I like living here. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። ኣብ'ዚ ክፋል ምስ ጎረባብቲ ምፍላጥን ምዕላልን ክንለማመድ ኢና። እቶም ንደጋግሞም ሓረጋት እዚኦም'ዮም፣ I live nearby. | I’m new to the area.| How long have you lived here? | I like...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግሪኛ (20 ጥሪ 2025) 20.01.2025 53:34
ን ሎሚ 20 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ : ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ በዓል ጥምቀት ብተኸተልቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ መቐለ፣ አስመራን ኣዲስ ኣበባን ብድምቀት ተኸቢሩ። ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ኣባ ማትያስ ቀደማዊ ንመራሕቲ ትግራይ ገሲፆም። ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምትእትታው ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ። መጠን GDP ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ካብ 207 ቢልዮን ዶላር ናብ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝወረደ ተገሊጹ። ኤርትራ ንህዝቢ ፍልስጤም ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና...
ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ሙምባይ ቀዳማይን ካልኣይን ወጺኦም፣ ኣርሰናል ነጥቢ ትኸስር፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ናይ ሽቶ ምምዝጋብ ምረሽኡ ተገቲኡ፣ 19.01.2025 11:38
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (20/01/2025) * ማራቶን ሙምባይ 2025 ሰንበት ተኻይዱ ኤርትራውያን ኣትሌታት ቀዳማይን ካልኣይን ብምውጻእ ተዓዊቶም፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ወርሒ መስከረም ሩዋንዳ ኣብ ተአንግዶ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ዓለም ንኤርትራ ወኪሉ ክሳተፍ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ርግጸኛ ከምዘይኮነ ገሊጹ፣ * ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ብምኽንያት ብቑዕ ዘይኮነ ትሕተ ቅርጺ ብሓባር ኣብ ዘአንግዳ ሃገራት ኬንያ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን፣ ንግጥማት ሻምፒዮና ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ቻን) 2024 ናብ ካልእ እዋን ኣመሓላሊፍዎ፣ * ዕዳጋ ተጻወቲ ሓጋይ ኣብ ዝዓመረሉ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ሸሞንተ ተኸታተልቲ ግጥ...
ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምትእትታው ክቝጠብ ኣተጠንቂቑ። 19.01.2025 10:44
በዓል ጥምቀት ብተኸተልቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ መቐለ፣ አስመራን ኣዲስ ኣበባን ብድምቀት ተኸቢሩ። ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ኣባ ማትያስ ቀደማዊ ንመራሕቲ ትግራይ ገሲፆም። ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምትእትታው ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ። መጠን GDP ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ካብ 207 ቢልዮን ዶላር ናብ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝወረደ ተገሊጹ። ኤርትራ ንህዝቢ ፍልስጤም ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።
MiniPod: Ep1 Speaking English | Starting Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 1ይ ክፋል፡ ምዝራብ ቋንቋ እንግሊዝ | ምጅማር | English on Repeat (Easy) 16.01.2025 6:50
Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: I speak a little English. | I’m not used to the Australian accent. | I’m still learning English. | Sorry, I don’t understand. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። ኣብ'ዚ ክፋል፡ ምዝራብ ቋንቋ እንግሊዝ ንጅምረሉ ኩነታት ክንመሃር ኢና። I speak a little English. | I’m not used to the Australian acce...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (16 ጥሪ 2025) 16.01.2025 52:42
ንሎሚ ሓሙስ 16 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ መቐለ ዝቐነየ ሰልፊ ተመዛበልቲ ቀዳማይ ምዕራፉ ከም ዝተዛዘመ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ቻይና ከምትድግፎ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቸን ሃይ ከም ዝተዛረበ ተሓቢሩ። ኣብ ካናዳ፣ ብሰንኪ ናዕቢ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም። ኣብ ኣውስትራሊያ 26 ጥሪ ሃገራዊ መዓልቲ እዩ ፤ እታ ዕለት ግን ኣሰሓሓቢት እያ ። ብዙሓት ናብ ኣውስትራሊያ ሓደሽቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ነታ ሓድሽ ዓዶም ኣብዚ ዕለት ከብዕልዋ ይደልዩ እዮም ፡ እንተኾነ ብድሕሪ እዛ መዓልቲ ዘሎ ሙሉ...
ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ቻይና ከምትድግፎ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቸን ሃይ ከም ዝተዛረበ ተሓቢሩ። 15.01.2025 6:04
ኣብ መቐለ ዝቐነየ ሰልፊ ተመዛበልቲ ቀዳማይ ምዕራፉ ከም ዝተዛዘመ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ቻይና ከምትድግፎ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቸን ሃይ ከም ዝተዛረበ ተሓቢሩ። ኣብ ካናዳ፣ ብሰንኪ ናዕቢ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.