SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ለካቲት 2025) 17.02.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ኮሚሽነር ሻን ፓተን ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ ፖሊስ ቪክቶሪያ ሓድሽ ሓላፊኡ ክምዝዝ እዩ ። መራሕቲ ኣፍሪቃ ብተወሳኺ ነቲ ምምሕዳር ትራምፕ ናብ ኣፍሪቃ ዝወሃብ ዝነበረ ረድኤት ምጉዳሉ ከውርዶ ዝኽእል ጽልዋን ክዛራረቡ እዮም ። መርሃዊ ቅዱስ ከቢድ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎ፣ ጉዳፍ ጸጋይን ዮሚፍ ቀጀልቻን ዓወታት ኣመዝጊቦም፣

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ለካቲት 2025) 17.02.2025

ን ሎሚ 17 ለካቲት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝምልከት ሕብረት አፍሪካ ኣብ ዘቕረቦ ሪፖርት ዘተ ተኻይዱ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ንመፍትሒ ፀገማት ኣፍሪቃ ትምህርቲ ክኸውን ይግባእ" ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ባንኮሌ ኣዶዬ ጸዊዑ ። ንኣፍሪካውያን መስርሕ መከሓሓሲ ፍትሒ ክዝርጋሕ ፃውዒት ቀሪቡ ። ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድ ተዛትዩ ። ኤርትራዊት ሚካል ተስፋይ ተዓዋቲት ዓለምለኻዊ ውድድር ጽባቐ ኣፍሪቃ ኮይና፡። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታ...

መርሃዊ ቅዱስ ከቢድ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎ፣ ጉዳፍ ጸጋይን ዮሚፍ ቀጀልቻን ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ 16.02.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (17/02/2025) * ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውድድር 1500 ሜ ባዕላ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ካብ ኩሉ እዋን ካልኣይ ዝቐልጠፈ ግዜ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፣ * ኣብ መንጎ ኣአንጋዲት ሃገር ኣልጀርያን ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራን ብርቱዕ ምቅንቓን ዝረኣየሉ ዘሎ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኣልጀርያ ሰንበት ሸሞንተ መድረኻቱ ብምጥንቓቕ ይቕጽል ኣሎ፡ * ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ በርጎስ ቢኤች መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ግራንድ ፕሪ ቺክሊስተ ደ ማርሰይ መውደቕቲ ኣጋጢምዎ ብኸቢድ ተጎዲኡ ክትብል ጋንትኡ ገሊጻ፡ * ኣብ መበል 25 ዙርያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ...

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝምልከት ሕብረት አፍሪካ ኣብ ዘቕረቦ ሪፖርት ዘተ ተኻይዱ። 16.02.2025

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝምልከት ሕብረት አፍሪካ ኣብ ዘቕረቦ ሪፖርት ዘተ ተኻይዱ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ንመፍትሒ ፀገማት ኣፍሪቃ ትምህርቲ ክኸውን ይግባእ" ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ባንኮሌ ኣዶዬ ጸዊዑ ። ንኣፍሪካውያን መስርሕ መከሓሓሲ ፍትሒ ክዝርጋሕ ፃውዒት ቀሪቡ ። ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድ ተዛትዩ ። ኤርትራዊት ሚካል ተስፋይ ተዓዋቲት ዓለምለኻዊ ውድድር ጽባቐ ኣፍሪቃ ኮይና።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቤስ ትግርኛ (13 ለካቲት 2025) 13.02.2025

ንሎሚ ሓሙስ 13 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ኣርእስታት ዜና። ክልተ ኣውስትራሊያዊያን ንእስራኤላዊያን ሕሙማት ክቐትሉ ዝፈከርዎ፡ ነቲ "ዘሰክሕ" ዝተባህለሉ ጉዳይ ንምጽራይ ፖሊስ ን 24 ሰዓታት ኣብ ምስራሕ ይርከብ። ሓይሊ ባሕርን ነፈርትን ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን ተዋፊሮም ፡ መንግስቲ ቻይና ግን ፡ ድሉው ንምዃንን ንልምምድን ከም ዝዀነ ገሊጹ ። ኣብ ቅድድም ብሽግለታ መስቓጥ ክላሲክ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሳልሳይ ወጺኡ።

ኣብ 2024 ካብ 180 ሃገራት ተርታ ሃገራት ብልሽውና፡ ኤርትራ ካብ ቀዳሞት 13 ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መበል 99 ተሰሪዐን። (ጸብጻብ) 12.02.2025

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታት ፡ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣህጉር ጎንጽታት ክዓርፍ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ብምዃን ተመሪፃ። ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ቀዳምነት ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እጃም ተመዛበልቲ ናብ ገዝኦም ምምላስ ክኸውን ናብ ትግራይ ዝበጽሑ ዲፕሎማሰኛታት ጸዊዖም። ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ነፍስ-ወከፍ ስድራ ንህወሓት መጠናኸሪ፣ ብዝብል 200 ብር ንኸዋፅኡ ይግደዱ ከምዘለዉ ተመዛበልቲ ገሊፆም።

ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2025) 12.02.2025

ንሎሚ 12 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ** ኣውስትራሊያ ካብቲ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ኣብ ልዕሊሓጺንን ኣለሙኒየምን ተወጢኑ ዘሎ ግብሪ ክትመሓር ሓደ ኣባል ኮንግረስ ይድግፍ... ** ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ክዋጋእ ድሉው ክኸውን ቤንያሚን ናታንያሁ ኣዚዙ... ** ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ንላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ካብ መዝነቶም ኣልዩ።

ልምዳዊ ምንዳድ፡ ሓዊ ተጠቒምካ ካብ ሓዊ ምክልኻልን ምልማዕ ገጠርን 12.02.2025

ከም ኣውስትራሊያ ዝበለ ሓዊ ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ ምንባር ፡ መብዛሕትና ንሓዊ ካብ ምፍርራሕ ሓሊፍና ካልእ ነገር ምርኣይ የጸግመና እዩ ። ይኹን እምበር: ሓዊ ንሚልዮናት ዓመታት ንኣህጉር ኣውስትራልያ ኣይተፈልያን: ኣብ ልዕሊ እቶም ዝበዝሑ ኢኮሎጅያውያን ማሕበረሰብ ዝዀኑ ኣትክልትን እንስሳታትን ድማ ሚዛኑ ኽሕሉ ወሳኒ ግደ ጸኒሕዎ ኣሎ ። ንኣሽሓት ዓመታት ፡ ቀዳሞት ህዝብታት ንሓዊ ከም ኣገዳሲ መሳርሒ ብምጥቃም ፡ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኣዕቊቦምን ኣመሓዲሮምን እዮም ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፡ ልዑል ዝመጠኑ ባህላዊ ቃጸሎ ይጽቀጥ ነይሩ እዩ ፣ ሎሚ ግና ባህላዊ ምንዳድ ሓዊ ከም መጥፍኢ ናይ ዱር ሓውን ጥዕና ናይዚ ሃገር ዝሕሉ ምዃኑ ጌር...

ዕላል ምስ ጸሓፊ ታሪኽ ህይወት ዑስማን ዓብደርሒም፡ ኮ/ል ካልድ ኣበራ። 11.02.2025

ኣብዚ ቕሩብ ዓመታት ካብ ተጻሒፈን ዝተሓትማ ናይቲ ፍሉጥ ታሪኽ ህይወት ስነ ጥበባዊ ዑስማን ዓብዱልረሒም ይርከባ፡ ናይዛ "ዑስማን ዓብዱልረሒም፡ ታሪኽ ኮኾብ ዘመናዊ ሙዚቃ ኤርትራ" ትብል 25 ምዕራፋት ኣስታት 350 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፍ ዝጸሓፈ ኮ/ል ካልድ ኣበራ እዩ። ካልድ ቅድሚ ሕጂ'ውን "ሚራመር" ዘርእስታ ናይቲ ፍሉጥ ግብጻዊ ጸሓፋይ ነጂብ ማሕፉዝ ተርጒሙ ኣሕቲሙ እዩ። ብዛዕባ እዛ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ ዕላል ኣካይድና ኣለና።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ለካቲት 2025) 11.02.2025

ንሎሚ 11 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ** ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዋሽንግተን ይራኸቡ... *** ኒው ዚላንድ ፡ ወርቃዊ ትኬት ዝብሃል ኣገባብ ከም እትኣቱ ድሕሪ ምግላጻ ፡ ብዛዕባ ንሃብታማት ስደተኛታት ዝወሃብ ቪዛ ዝምልከት ክትዕ ጀሚሩ። ** ሚኒስትሪ ወጻኢ ሱዳን ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ ነቲ ድሕሪ ዝግበር ዘሎ ኲናት እታ ሃገር ዝህሉ መስርሕ ፖሎቲካ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክድግፍ ጸዊዑ ...

MiniPod: Ep5 Filling in forms| Starting Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 5ይ ክፋል፡ ምምላእ ቅጥዒታት | ምጅማር | | English on Repeat (Easy) 10.02.2025

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: Is this the right form?| Can you help me fill in this form?| What does this mean? | Do I have to fill in every part? - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ ንምምላእ ቅጥዕታት ክንምልከት ኢና፣ እዚኦም ሓረጋት ከኣ እቶም ንደጋግሞም'ዮም። Is this the right form?| Can you help me fill in this for...

ንጥዕና ሰብ ዝጎድኡ ዘለዉ ሕሉፋት ዝተመስርሑ መግቢታት። 10.02.2025

ሽኮራዊ መስተ: ሰርያል: ከምኡውን ኣቐዲሞም እተዳለዉ ምግብታት(ready-made) ዝበሉ ምግቢ ምብላዕ ን ልዕሊ 30 ዝኸውን ንጥዕና ጎዳኢ ዝኾኑ ምግቢ ተባሂሎም ብመጽናዕቲ ተለልዮም ኣለዉ ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ለካቲት 2025) 10.02.2025

ን ሎሚ 10 ለካቲት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዕደና ክቡራት መዓድናት ሙሉእ ብሙሉእ ደው ክብል ጊዝያዊ ምምሕዳር ወሲኑ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ጽንብል መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ኣኽሊል ዕምባባ ኣንቢሩ፡ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ክርስቲና ጆርጅያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተተግበሩ ቁጠባዊ ሪፎርም ንኢዳ። ድሕሪ ምቍራጽ ሓገዝ ኣመሪካ፡ ጽላት ጥዕና ኢትዮጵያ ዓቢ ክፍተት ኣጋጢምዎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ግብጺ ፡ "ኣብ ጕዳይ ፍልስጤም ሓድሽ ዝዀነን ሓደገኛን ምዕባለታት" ንዚበለቶ ምንቅስቓስ ንምፍሻል ፡...

ፍረወይኒ ሃይሉ ብሉጽ ግዜ ኣመዝጊባ ትዕወት፣ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዙር ኣልጀርያ ተሳትፎኣ ጀሚራ፣ 10.02.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (10/02/2025) * ኢትዮጵያዊት ፍረወይኒ ሃይሉ ንሳልሳይ ግዚኣ ኣብ ውድድር 3000 ሜ ተሳቲፋ ሓደ ካብ’ቶም ካብ ኩሉ እዋናት ዝቐልጠፉ ግዜታት ብምምዝጋብ ተዓዊታ፣ * ኣልጀርያ ኣብ ዘአንገደቶ ቅድድም ብሽግለታ ግራንድ ፕሪ ሳኪያት ሲዲ ዩሱፍ ሚልኪያስ ማእከለ ድሕሪ ምዕዋቱ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዙር ኣልጀርያ ተሳትፎኣ ጀሚራ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ መስቓጥ ክላሲክ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ዝድነቕ ሳልሳይ ወጺኡ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ወይ ኤፍኤ ካፕ መሪሕነት ፕሪምየር ሊግ ሒዛ ትርከብ ሊቨርፑል ኣብ ቀዳማይ ዲቪዥን ሻምፒዮንሺፕ ትጻወት ጋንታ ኣርጋይል ፕሊመ...

ድሕሪ ምቍራጽ ሓገዝ ኣመሪካ፡ ጽላት ጥዕና ኢትዮጵያ ዓቢ ክፍተት ኣጋጢምዎ። (ጸብጻብ) 09.02.2025

ዕደና ክቡራት መዓድናት ሙሉእ ብሙሉእ ደው ክብል ጊዝያዊ ምምሕዳር ወሲኑ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ጽንብል መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ኣኽሊል ዕምባባ ኣንቢሩ፡ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ክርስቲና ጆርጅያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተተግበሩ ቁጠባዊ ሪፎርም ንኢዳ። ድሕሪ ምቍራጽ ሓገዝ ኣመሪካ፡ ጽላት ጥዕና ኢትዮጵያ ዓቢ ክፍተት ኣጋጢምዎ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ((06 ለካቲት 2025) 06.02.2025

ንሎሚ ሓሙስ 6 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት። ኣርእስታት ዜና፥ ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ቓዛ ብ ኣመሪካ ክውነንን ነበርቲ ቓዛ ድማ ናብ ካልእ ክግዕዙን ብሰፊሑ ኣብ መላእ ዓለም ኣዘራራቢ ዛዕባ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ይጣበቐሉ ኣሎ። ኣብ ሽወደን ልዕሊ 10 ሰባት ዝቐተለን ብዙሓት ዘቑሰለን ሰብ ፡ ስራሕ ዘይብሉ ሪካርድ ኣንደርሰን ከምዝበሃልን ፖሊስ ገሊጹ፡ሬሳኡ ኣብቲ ቦታ ከም እተረኽበ'ውን ኣረጋገጹ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ ጎማ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ብቕልጡፍ ክኽፈት ጸዊዑ ። ኣብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ መገዲ ክነብሩ ዝጸንሑ ዝተባህሉ ልዕሊ 100 ህንዳውያን ስደተኛታት ብወተሃደራዊት ነፋሪት ናብ ሃገ...

ለበዋ ኣብይ "ህዝቢ ትግራይ ከም ደላዪ ኲናት ዘምስል ዘቕረቦ ተቐባልነት የብሉን፡”ሓላፊት ቤትፅሕፈት ህወሓት ወ/ሮ ፈትለወርቅ። 05.02.2025

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታት፡ ፍሉይ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዩኤስኤይድ ዝድገፋ ሲቪል ማሕበራት ንብረትን ገንዘብን ከየመሓላልፋ ተኸልኪለን። ኬንያ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሰራዊት ኦነግ "ወተሃደራዊ ስርሒት" ጀሚራ.።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ለካቲት 2025) 05.02.2025

ንሎሚ ረቡዕ 05 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት: ** ኣብ ምዕራባዊ ቪክቶርያ ፡ በርቂ ንዘበገሶ ባርዕ ዱር ንምምካት፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ ይርከቡ... ** ፖሊስ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ናይ ስዊድን ልዕሊ 10 ሰባት ዝቐተለ ድራኸ ይምርምር ... ** ስትራዲቫሪዩስ ቫዮሊን ኣብ ኒው ዮርክ ብ ኣስታት 18 ሚልዮን ዶላር ክትሽየጥ እያ ...

ደሞዝ ዝክፈሎ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ንመንን ብኸመይን'ዩ ዝርከብ፧ 05.02.2025

ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደሓደ ወለዲ ካብ መንግስቲን ኣስራሕቶምን ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ክፍሊት ኽውሃቦም ይኽእል ። እንተኾነ ንኹሉ ሰብ ዝምልከት መሰል ኣይኮነን ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ትሕዝቶ ፤ ንዝወልዱ ወለዲ ዝወሃብ ደሞዝ ዝክፈሎ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ እንታይ ከምዝረኽቡ ፤ ንመን ከምዝፍቀደሎም ፤ ብኸመይ ከምዝሕተት ክርእይ ኢና ።

ጸባ ገመል ዝደልዩ ኣውስትራሊያውያን እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ፡ ንሓደ ሊትሮ $18 ዶላር ገዚእካ ግን የዋጽእ ዶ፧ 04.02.2025

ጸባ ገመል ምስ ጸባ ላም ብዝመሳሰል መገዲ ፡ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃውያንን ማሕበረሰብ ከም መግቢ ኰይኑ የገልግል ኣሎ ። ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ባህላዊ ጸባን ውጽኢት ጸባን ዝወጽእ ኣማራጺታት ፡ እቲ ዝበለጸ ተደላይ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ

ቃለ መሕትት ምስ ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ብዛዕባ እቶም ዓበይቲ ሕማማት ማለት ሕማማት ሽኮር፡ ደም ብዝሒ፡ ካንሰርን ካልኦት ሕማማትን። 04.02.2025

ዶክተር ሕሉፍ ኣበራ ኣብ መልበርን ኣብ ሆፐር ክሮሲንግ ዝርከብ ሰንትራል ክሊኒክ ሓፈሻዊ ሓኪም እዩ። ዓበይቲ ሕማማት ከም ሕማማት ሽኮር፡ ደም ብዝሒ፡ ካንሰርን ካልኦትን ትምህርታዊ መብርሂ ሂቡና ኣሎ። ኣብዚ ትሕዝቶ ሕማም ሽኮር እንታይ እዩ፧ መንቀሊኡ፧ ኣከናኽናኡን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ሓበሬታን ገሊጹ ኣሎ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ለካቲት 2025) 04.02.2025

ንሎሚ 04 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት: ** ሓንቲ ጎርዞ ብሻርክ ተነኺሳ ሞይታ... ** ኣብ ዋሺንግተን ድሕሪ ዝወረደ ግጭት ሂሊኮፕተርን ነፋሪትን መንነት ናይ 55 ምውታት ተለልዩ... ** ኣብ ኡጋንዳ ለበዳ ኢቦላ ተኸሲቱ ናይ ፈተነ ክታበት ይወሃብ ኣሎ።

MiniPod: Ep4 Talking about visas | Starting Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 4ይ ክፋል፡ ዕላል ብዛዕባ ቪዛታት | ምጅማር | English on Repeat (Easy) 03.02.2025

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: I came to work in Australia.| I have a student visa.| What visa do you have? | I want to become a permanent resident. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። እቶም ንደጋግሞም ሓረጋት እዚኦም'ዮም፣ I came to work in Australia.| I have a student visa.| What visa do you have? | I want to bec...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ለካቲት 2025) 03.02.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ፌደራላዊ ፓርላማ ሰሉስ [4 ለካቲት] ኣብ ዝእከበሉ ፣ ሰልፊ ግሪንስ "ብመትከል" ነቲ ሰልፊ ለበር ዘቕርቦ ሕጊ ናይ ጽል ኢ ዘረባ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ ። ሰራዊት ሱዳን ፡ ኣብ ግዝኣት ኣል ያዚራ ዝርከባ ኣገደስቲ ከተማታት ከም ዝተቖጻጸረን ገሊጹ። ቪክቶርያ ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ንሰለስተ መዓልታት ብማዕበላዊ ንፋስ ሙቐት ኣብ ትህረመሉ እኹል ዕቑር ጸዓት ከምዘሎ ናይ ኣውስትራሊያ ተቖጻጻሪ ጸዓት ኣረጋጊጹ ።

ቅነ ቢንያም ግርማይ ኣብ ስፐይን፣ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድማ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ዓወት እጅጋየሁ ታየ ኣብ ራስ ኣልኼማ (ሰሙናዊ መደብ ስፖርት) 02.02.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (03/02/2025) * እጅጋየሁ ታየ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣልኼማ ተዓዊታ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ትሮፊዮ ሰስ ሳሊነስ ተሳቲፉ ራብዓይ ወጺኡ፣ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድማ ኣብ ጂሎንግ (ኣውስትራልያ) ተቐዳዲሞም፣ * ሞሮኮ ኣብ ተአንግዶ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣፍኮን 2025 ተሳተፍቲ ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ምድባተን ፈሊጠን፣ * ናይ መወዳእታ ዙርያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ሮቡዕ ተኻይዶም ኣብ ኣፈፈት ውድቀት ዝነበራ ማድሪድን ስቲን ወሲኽካ ዝበዝሓ ዓበይቲ ጋንታታት ዓለምና ናብ ዝቕጽል ዙር ምሕላፈን ኣረጋጊጸን፣ * መበል 24 ዙ...

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.