SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መጋቢት 2025) 03.03.2025

ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ እንግሊዝ ዓቕሚ ምክልኻል ዩክረይን ንምድጋፍ ናይ 4.57 ቢልዮን ዶላር (2.26 ቢልዮን ፓውንድ) ናይ ልቓሕ ስምምዕ ምስ መንግስቲ ዩኪሬን ከቲሙ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ’ውን ኣውስትራሊያ ደገፋ ንዩክረይን ክትቅጽል ምዃና ኣፍሊጡ ። 800,000 ወለንተኛታት ትማሊ [2 መጋቢት] ጎሓፍ ንምእራይ ናብ ገማግም ባሕሪ: መናፈሻታት: ጐደናታትን ማያትን ኣውስትራልያ ተዋፊሮም ውዒሎም ። ኣብ ስፖርት ፡ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤስያ ኣውስትራልያ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ዋንጫ ኤስያ ምዕታራ ሓጎሱ ገሊጹ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መጋቢት 2025) 03.03.2025

ን ሎሚ 03 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዝኽሪ ኲናት ዓድዋ ኣብቲ ታሪኻዊ ቦታ ፕረሲደንት ትግራይ ኣብ ዘይብሉ፣ ወከልቲ ፌደራልን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተዘኪሩ ውዒሉ። "ሎሚ እውን ፀላእትና ካብ ዝተሰሓሓተ ስልሒት ኣይወጹን" ክብል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቡ። ብኻልእ ወገን ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ "ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓይሊ ምድሪን ሓይሊ ሳይበርን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ንዝመፅእ ፀላኢ ዘይኽበስ ኮይኑ ተሃኒፁ ኢዩ" ኢሉ። ኣብ መበገሲኡ ዓፋር ዝገበረ 5.2 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዓዲግራት ፡ ዓድዋን መቐለን ውን ተሰሚዑ።...

ቶክዮ ማራቶን ብዓወት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዛዚሙ፣ ቢንያም ግርማይን ጋንትኡን ዜና ካልኣይ ውላዱ ንደገፍቱ ኣበሲሮም፣ 02.03.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (03032025)! * ማራቶን ቶክዮ 2025 ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓብላሊ ተዓዊቶም፡ * ቀዳማይ ዙርያ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ደቀንስትዮ ሞሮኮ 2026 ኢትዮጵያ ዘደንቕ ውጽኢት ብምምዝጋብ ካብ'ተን ዝሓለፋ ኮይና፡ * ቢንያም ግርማይ በዓልቲ ቤቱ ካልኣይ ቆልዓ ከምዝወለደት ኣበሲሩ፡ ምስ ስድርኡ ክኸውን ድማ ቅድድማቱ ኣቋሪጹ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ፡ * ዙር ሩዋንዳ ሻብዓይን ናይ መወዳእታ መድረኽ ቅድድሙ ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየር ብምስራዙ ኣዘራራቢ ኮይኑ፣ * ማንቸስተር ዩናይትድን ኒውካስትል ዩናይትድ ናይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ካብ ግጥማት ዋንጫ ኤፍኤ ካ...

"ሓይሊ ኣየር፡ ሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ምድሪን ሓይሊ ሳይበርን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ንዝመፅእ ፀላኢ ዘይኽበስ ኮይኑ ተሃኒፁ ኢዩ" ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ 02.03.2025

ዝኽሪ ኲናት ዓድዋ ኣብቲ ታሪኻዊ ቦታ ፕረሲደንት ትግራይ ኣብ ዘይብሉ፣ ወከልቲ ፌደራልን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተዘኪሩ ውዒሉ። "ሎሚ እውን ፀላእትና ካብ ዝተሰሓሓተ ስልሒት ኣይወጹን" ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ "ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓይሊ ምድሪን ሓይሊ ሳይበርን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ንዝመፅእ ፀላኢ ዘይኽበስ ኮይኑ ተሃኒፁ ኢዩ" ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ መበገሲኡ ዓፋር ዝገበረ 5.2 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዓዲግራት ፡ ዓድዋን መቐለን ውን ተሰሚዑ። ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ኣብ ኣስመራ ዑደት ኣካይዱ። ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ (ዶ/ር)...

ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቦ መበር ሰልፊ ፈጻሚ ሃገራዊ ባይቶ ነጋሽ ዑስማን 02.03.2025

ኣቦ መንበር ቤ/ጽ ፈጻሚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዶ/ር ነጋሽ ዑስማን ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ዝገብርዎ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ከባቢ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ምስ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ዝገበረኦ ካልኣይይ ክፋል ዝርርብ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ለካቲት 2025) 27.02.2025

ንሎሚ ሓሙስ 27 ለካቲት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ዶ/ር ኣብራሃም በላይ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ሰለስተ ውድባት ትግራይ ኣብ ትግራይ"ዝተረሓሓቐ ርድኢትን ኣፈላላይ ቅዋምን ኣሎ " ኢሎም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሓሙስ መቓዲሾ ክበጽሕ’ዩ ዝግብእኹም መንግስታዊ ክፍሊታት ኣየኖት ምዃኖም ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ቃለ መሕትት’ውን ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ለካቲት 2025) 27.02.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራልያ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ሓምሻይ ዓመት ንምዝካር ፡ ትማሊ ምሸት [ረቡዕ] ካብቲ መዓት ዝደሓኑ ኣብ ሲድኒ ተኣኪቦም ኣምስዮም። ሞስኮን ዋሽንግተንን ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾታት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ ዝርርብ ንምክያድ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ሩስያን ሎሚ ኣብ ኢስታንቡል ይራኸቡ ኣለው ። ወለዲ ናይ ሓንቲ ጓል ሸሞንተ ዓመት ቈልዓ፡ ንጓሎም ክወሃባ ዝግባእ ኢንሱሊን ብምኽላእ ውላዶም ቀስ ኢላን ብኣቐንዛዊ መገዲ ክትመውት ብምግባሮም ናይ 14 ዓመት ማእሰርቲ ፍርዲ ተዋሂብዎም ። ጋንታ ማቲልዳስ ኣብ ክልተ ጸወታታት ተሳዒራ ሎሚ ሓሙስ 27 ለካቲት ኣንጻር ጋንታ ኮሎምቢያ ናይ መወዳእታ ግ...

ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ኣብራሃም በላይ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ። (ጸብጻብ) 26.02.2025

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ዶ/ር ኣብራሃም በላይ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ። ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ሰለስተ ውድባት ትግራይ ኣብ ትግራይ"ዝተረሓሓቐ ርድኢትን ኣፈላላይ ቅዋምን ኣሎ " ኢሎም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሓሙስ መቓዲሾ ክበጽሕ’ዩ።

The AI Election: How artificial intelligence impacted the world's biggest ballots - SBS Examines: ፖለቲካዊ ምርጫ ኤኣይ (AI): Artificial intelligence (ሰብሰርሖ ብልሒ) ንዝዓበዩ ምርጫታትን ጎስጓሳትን ኣብ ዓለምና ከመይ ጸልይዎም 26.02.2025

From "Communist Kamala" to Bollywood endorsements, artificial intelligence and disinformation played a big role in some of the biggest democratic elections last year. - ካብ 'ኮሚኒስት ካማላ' ክሳብ ደገፍ ካብ ቦሊዉድ፡ ሰብሰርሖ ብልሒን (artificial intelligence)፡ ኮነ ኢልካ ዘጋጊ ሓበሬታን (disinformation)፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ገለ ካብ'ቶም ዝዓበዩ ደሞክራሲያዊ ምርጫታት ዓቢይ ተራ ተጻዊቶም'ዮም።

ዝግብእኹም መንግስታዊ ክፍሊታት ኣየኖት’ዮም፧ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 26.02.2025

መንግስቲ ኣውስትራሊያ ንዝተፈቐደሎም ሰባት ዝተፈላለዩ ናይ እቶት ደገፍ ዝህብ ናይ ማሕበራዊ ውሕስና ስርዓት ኣለዎ ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ገለ ደረጃ ህይወቶም ናይ መንግስቲ ናይ ሓገዝ ክፍሊት ይረኽቡ እዮም ። ነዞም ክፍሊታት መን ክቕበሎም ከም ዝኽእልን ክንደይ ክፍሊት ከም ዝኽፈሎምን ጽኑዕ ሕጊ ድማ ኣሎ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ እቲ ልሙድ ዝኾነ ናይ መንግስቲ ክፍሊታት ንመን ከም ዝምልከቶን ክንርእይ ኢና ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ለካቲት 2025) 26.02.2025

ንሎሚ 26 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሕጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ኣርእስታት፥ ** ነታ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ህጣማ ዘጥፈአት ቁጽሪ በረራ MH370 ነፋሪት ማሌዥያ ንምርካብ ሓድሽ ናይ ምድላይ መስርሕ ተጀሚሩ ... ** ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነቲ ብ ሩስያ እተታሕዘ መሬት ዩክረይን ሓዊስካ ፡ ብቐሊሉ ዘይርከብን ክቡርን ማዕድናት ምድሪ ኽትዕድጎ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ ።... ** ኣለክስ ደ ሚኖር ኣብ ዉድድር ቴኒስ ዱባይ ኦፐን ተሳዒሩ።

ዝርርብ ምስ ኣቦ መንበር ቤ/ጽ ፈጻሚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዶ/ር ነጋሽ ዑስማን (ቀዳማይ ክፋል) 25.02.2025

ኣቦ መንበር ቤ/ጽ ፈጻሚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዶ/ር ነጋሽ ዑስማን ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ዝገብርዎ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ከባቢ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ምስ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ዝገበረኦ ቀዳማይ ክፋል ዝርርብ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ለካቲት 2025) 24.02.2025

ንሎሚ 25 ለካቲት ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት፡ **ቮለድሚ ዘለንስኪ ዩክሬን ኣባል ኔቶ ክትከውን ጻዊዒቱ የሐይል... ** ኣብ ኣውስትራሊያ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ሰንፈላል ዘለዉ ብ ኣሻሓት ዝቚጸሩ ሓተቲ ዑቕባ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ተገሊጹ... ** ብ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ዝተወዳደረ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ወጺኡ።

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክልተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ ጋንትኡ የዐውት፡ ኣብ ሰቪልን ዱባይን ድርብ ዓወት ኢትዮጵያ ኣብ ጉያ እግሪ ተመዝጊቡ፡ 24.02.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (24022025) * ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብኽልቲኡ ጾታታት ኣብ ሰቪልን ኣብ ዱባይን ድርብ ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ * ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዝመጽእ ሮቡዕ ዝካየድ ግጥም ንመጻረዪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ደቀንስትዮ 2026 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ኡጋንዳን ዝኣልየኦ ኣርባዕተ ናይጀርያን ደያኑ መዚዙ፡ * ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ኣልጀርያ ተሳትፎኣ ኣብ ዝዛዘመትሉ ካልእ ሃገራዊት ጋንታ ድማ ኣብ ዙር ሩዋንዳ ተሳትፎኣ ጀሚራ፣ * ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ክልተ ሽቶታት ዘመዝገበ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ክትዕወት ከኽእል'ንከሎ ኣ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ለካቲት 2025) 24.02.2025

ን ሎሚ 24 ለካቲት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሓይልታት ፀጥታ ምስ ነበርቲ ብዝፈጠርዎ ተፃብኦ 17 ሰባት ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ዝተነግረሉ ግጭት ንምፍታሕ ዝርርብ ተጀሚሩ። ኣብ ሰሓርቲ ትግራይ ብገለ ኣባላት ሰራዊት ዝተፈጸመ በደል ንኩሉ ሰራዊት ኣይውክልን ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም። ብካልእ ሓበሬታ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ንእገዳ ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ውዱቕ ግይሩ። ኣብ ትግራይ 4 ሓደሽቲ ሙሩፃ ዓሌት ዝራእቲ ብሓረስቶት ተግራይ ንኽባዝሑ ቁሩብ ከምዝገበረ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ኣፍሊጡ። ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ከባቢ ጉረታት ብልዕሊ ክልተ ሚልዮን ናቕፋ ዝተዳለወ ፕሮጀክት ዝ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ለካቲት 2025) 24.02.2025

ኣርእስታት ዜና፥ እቲ ብ ሰልፊ ለበር ተሓሲቡ ዘሎ ናይ 8.5 ቢሊዮን ዶላር ድጎማ ክፍሊት ሕክምና ነቶም ዝያዳ ዘድልዮም ይበጽሖም ድዩ ኣይኮነን ምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ ማሕበር ሕክምና ኣውስትራሊያ [A-M-A] ገሊጹ፤ ። ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ን ሃገሩ ሰላም ዘምጽእ እንተኾይኑ ስልጣኑ ክገድፍ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ ። ሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ "ተኣፋፊ" ኩነታት ከምዘለዉ ቫቲካን ትገልጽ።

ኣብ ኤርትራ ተጀሚሩ ዝተብሃለ "ተወሳኺ መምርሒታት ክተት" ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 24.02.2025

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሓይልታት ፀጥታ ምስ ነበርቲ ብዝፈጠርዎ ተፃብኦ 17 ሰባት ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ዝተነግረሉ ግጭት ንምፍታሕ ዝርርብ ተጀሚሩ። ኣብ ሰሓርቲ ትግራይ ብገለ ኣባላት ሰራዊት ዝተፈጸመ በደል ንኩሉ ሰራዊት ኣይውክልን ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም ብካልእ ሓበሬታ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ንእገዳ ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ውዱቕ ግይሩ። ኣብ ትግራይ 4 ሓደሽቲ ሙሩፃ ዓሌት ዝራእቲ ብሓረስቶት ተግራይ ንኽባዝሑ ቁሩብ ከምዝገበረ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ኣፍሊጡ። ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ከባቢ ጉረታት ብልዕሊ ክልተ ሚልዮን ናቕፋ ዝተዳለወ ፕሮጀክት ዝስተ ማይ ተመሪቑ። ኣብ ኤርትራ ተጀሚሩ ዝተብሃለ "ተወሳኺ መምር...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ለካቲት 2025) 20.02.2025

ንሎሚ ሓሙስ 20 ለካቲት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ጸዊዑ። ኲናት ብምጽሕታር ዝተኸሰሰት ኤርትራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽዑቕን ምትዂታዂን ኣዊጁ ክትብል ከሲሳ። መበል 50 ዓመት ፅምብል ህወሓት ብዝተኸፋፈለ ኩነታት ተኸቢሩ። ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን ትግራይ ሕገመንግስታዊ ግዝኣታት ትግራይ "ኣብ መንጎኛ ይዕናሕ" ንዝበለ ኦሊሴንጎን ኦባሳንጆ ኮኒኖም። ብሃገራዊ ማሕበረሰባት ካውንስል ኤርትራዊያን (ENCC) ኣብ ኣውስትራሊያ ተመዲቡ ዝነበረ ፌስቲቫል ምስራዙ ዝምልከት ዝርርብ ምስ ሃቱ ገብረመድህን። ዝገ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ለካቲት 2025) 20.02.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ሕሉፍነት ዘማዕበሉ ቆልዑ ማዕረ ዓበይቲ ኣሸበርቲ ን ኣውስትራሊያ ስግኣት ምዃኑ ናይ ኣውስትራሊያ ሓላፊ ጸጥታ ገሊጹ። ኣብ ማእከል ዕዳጋ ብጽል ኢ ናይ ምስልምና ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣንስቲ ዘጥቀዐት እተኸሰሰት ሰበይቲ ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ። ኣብ ተኒስ: ኣውስትራልያዊ ኣሌክስ ደ ሚኖር ኣብ ናይ ኳታር ኦፐን ናብ ርብዒ ፍጻመ ሓሊፉ ።

ብማሕበረኮም ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ (ENCC) ተመዲቡ ዝነበረ ፌስቲቫል ንምንታይ ተሰሪዙ፧ ዝርርብ ምስ ሃቱ ገብረመድህን። 20.02.2025

ሲቲ ካውንስል Meri bek ብ ማሕበረሰብ ሃገራዊ ካውንስል ኤርትራዊያን (ENCC)ተመዲቡ ዝነበረ ፌስቲቫል ከምዝተሰረዘ ሀራልድ ሳን ጸብጺቡ ኣሎ። እቲ ጋዜጣ ዘውጽኦ ጸብጻብ መሰረት፡ እቲ ኣካታዒ (ኮንትሮቨርሺያል) ፈስቲቫል ኢሉ ዝጸውዖ፡ በቶም ኣዳለውቲ እቲ ፌስቲቫልን ነቲ ፌስቲቫል ዝቃወሙ ግጭት ከይፍጠር ብምስጋእ ኣብ ኮበር ታውን ሆል ናይቲ ካውንስል ኣዳራሽ ክግበር ተሓሲቡ ዝነበረ ፌስቲቫል ክስረዝ ገይሩ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ካብቶም ነቲ ፈስቲቫል ዘዳልውን ነቲ ፈስቲቫል ዝቃወምዎን ከነዘራርብ ሓቲትና፡ ካብ ሰማያዊ ማዕበል ፍቓደኛ ኮይኑ ዝቐረበ ኣቶ ሃቱ ገብረመድህን ኣዘራሪብናዮ ኣለና።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ጸዊዑ። 19.02.2025

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ጸዊዑ። ኲናት ብምጽሕታር ዝተኸሰሰት ኤርትራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽዑቕን ምትዂታዂ ኣዊጁ ክትብል ከሲሳ። መበል 50 ዓመት ፅምብል ህወሓት ብዝተኸፋፈለ ኩነታት ተኸቢሩ። ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን ትግራይ ሕገመንግስታዊ ግዝኣታት ትግራይ "ኣብ መንጎኛ ይዕናሕ" ንዝበለ ኦሊሴንጎን ኦባሳንጆ ኮኒኖም።

ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ነበር ፡ ኤርትራ ኲናት ትጽሕትር ከምዘላ ዝገልጽ ዘውጽኦ ጽሑፍ ስዒቡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምላሽ ሂቡሉ። (ዜናታት SBS 19 ለካቲት 2025) 19.02.2025

ንሎሚ 19 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት፡ ** ኣለቃሕቲ ባንክታት መጠን ገንዘብ ብ25 ነጥቢ ድሕሪ ምንካዩ ናይ ወለድ መጠን ከጉድላ ትጽቢት ይግበር ።... ** ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና መጥቓዕቲ እናወሰኸ ምምጽኡ ይገልጽ ... ** ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ነበር ፡ ኤርትራ ኲናት ትጽሕትር ከምዘላ ዝገልጽ ዘውጽኦ ጽሑፍ ስዒቡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምላሽ ሂቡሉ። **እቲ ልሙድ ዝዀነ ሕማም መንሽሮ ዝዀነ ሜላኖማ ኣብ ክሊኒካዊ ፈተና ሕክምና ዘደንቕ ውጽኢት ከም እተረኽበ ተፈሊጡ።

ዓቕሚ ዘፍቅዶን ንኹሉ ዝኾንን ንጥፈታት ድሕሪ ትምህርቲ፡ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 18.02.2025

ኣብ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ሰዓታት ትምህርቲ ዝግበር ንጥፈታት ፡ ንቘልዑን ንመንእሰያትን ብዙሕ ጥቕምታት እዩ ዘምጽኣሎም ፣ ካብ ሓድሽ ሞያ ምምሃር ክሳብ ኣዕሩኽ ምጥራይ ይርከቦ ። ኣብ ኣውስትራሊያ ብዙሕ ኣማራጺታት እንተሃለዉ'ኳ ፤ ክቡራት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ድሕሪ ሰዓታት ትምህርቲ ሕሱርን ንኹሉ ዝሓቆፍን ፡ ኣበይ ከም ዝርከብ ዳህሲስና ኣለና።

“ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ምፍልላይ መዝሚዙ ዳግማይ ኲናት ከባርዕ ይዳሎ ኣሎ።" ነበር ፕረ/ ኢትዮጵያ 18.02.2025

ንሎሚ 18 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት፡ ** ምሕበራት እስልምና ነቲ ኣብ መልበርን ኣብ ልዕሊ ክልተ ሙስሊም ደቂ ኣንስትዮ ንዝተፈጸሙ መጥቓዕትታት ዝተዋህበ ምላሽ ድርብ መለክዒ ዘለዎ እዩ ኢሎሞ። ** ነበር ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ፡ “ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ምፍልላይ መዝሚዙ ዳግማይ ኲናት ከባርዕ ይዳሎ ኣሎ ክብል ከሲሱ... ** መራሒ እስልምናን ኣብ ዓለም ናይ ፈለማ ተመሳሳሊ-ጾታዊ ኢማምን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተቐቲሉ።

MiniPod: Ep6 Talking about community services| Starting Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 6ይ ክፋል፡ ኣገልግሎታት ማሕበረሰብን ከባብያዊ ምምሕዳርን | ምጅማር | English on Repeat (Easy) 17.02.2025

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: What day do the bins get emptied?| Which bin goes out tonight?| There are activities at the community centre. | Our library has English classes. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። ኣብ'ዚ ክፋል፡ ከባብያዊ ምምሕዳራትን ዝህብኦ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ክንመሃር ኢና። እቶም ንደጋግሞም ሓረጋት ድማ እዚኦም'ዮም፣ What day d...

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.