SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ዕለታዊ ዝኤና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 መጋቢት 2025) 17.03.2025 10:53
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ ምሓዝ ጎዞሞ እገዳ ከቀላጥፍ ምሕጽንታ ቀሪቡ ። ሰበ-ስልጣን መሰዶኒያ ከም ዝገልጽዎ ፡ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ኮካኒ [ኮሄ-ሹህ-ነዐ] ፡ ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ብውሕዱ 59 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ፡ ንሓያሎ ሰባት ኣሲሮም እዮም ። ናይ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ጋንታ ኒውካስል ድሕሪ 70 ዓመት ዋንጫ ዓቲራ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 መጋቢት 2025) 17.03.2025 51:34
ን ሎሚ 17 መጋቢት ጥሪ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ከተማ መልበርን ብ ባይቶ ጀበርቲ ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝተዳለወ ናይ ኢፍጣር መደብ ብ 16 መጋቢት 2025 ተኻይዱ ነይሩ ብዛዕባቲ መደብ ኣቦ መንበር እቲ ባይቶ ኣቶ ሑሴን ዓብደልዋስዕ ዝሃቦ ርእይቶ ኣሎ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ድሕሪ ወጥሪ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣብ ትግራይ ቅትለትን መውቃዕቲ ሰባትን ይፍጸም ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ን300 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ድሉዋት ከምዝኾኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ። ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሚኒስተር ንግድን...
"ኣብ እዋን ረመዳን ነቶም ምንጻፎም ሓመድ ጉልባቦም ሰማይ ዝኾኑ ቊሊሕ ንብለሉ እዋን እዩ።" ኣቦ ወምበር ባይቶ ጀበርቲ ሑሴን 17.03.2025 7:37
ኣብ ከተማ መልበርን ብ ባይቶ ጀበርቲ ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝተዳለወ ናይ ኢፍጣር መደብ ብ 16 መጋቢት 2025 ተኻይዱ ነይሩ ብዛዕባቲ መደብ ኣቦ መንበር እቲ ባይቶ ኣቶ ሑሴን ዓብደልዋስዕ ዝሃቦ ርእይቶ ኣሎ ከነቕርቦ ኢና።
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ትጽቢት ልዕሊ 50 ዓመት ንጽዋዕ ጋንትኡ ከምዘብቅዕ ገይሩ፣ 16.03.2025 13:07
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (17/03/2025) * ሻምፒዮን ኣትሌታት ጽገ ዱጉማን ፍረወይኒ ሃይሉን ኣብ ሻምፒዮናታት ውሽጢ ኣዳራሽ ኣትለቲክስ ዓለም ናንጂንግ 25 ንኢትዮጵያ ወኪለን ካብ ዝሳተፋ ኣትሌታት ምዃነን ተፈሊጡ፡ * ኤርትራውያን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ዝተሳተፍሉ ቅድድም ብሽግለታ ቲረኖ ኣድሪያቲኮ ሰንበት ተዛዚሙ፡ * ሊቨርፑል ካብ ግጥማት ሻምፒዮንስ ሊግ ጋንታታት ኤውሮጳ ድሕሪ ምግላፋ ብኒውካስትል ዩናይትድ ኣብ ዋንጫ ካራቦኣ ካፕ ተሳዒራ፡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ፣ ናይ ፈለማ ጽዋዑ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዓቲሩ ነቶም ዋንጫ ክረኽቡ ልዕሊ 50 ዓመት ዝተጸበዩ ደገፍቱ ድማ ኣሐጒሱ፣ * ኣብ ግጥ...
ድሕሪ ወጥሪ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣብ ትግራይ ቅትለትን መውቃዕቲ ሰባትን ይፍጸም ከም ዘሎ ተገሊጹ። 16.03.2025 8:29
ኣብ ትግራይ ን300 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ድሉዋት ከምዝኾኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ። ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሚኒስተር ንግድን ስርሓት ኢጣሊያን ተራኺቦም፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንኤርትራን ሶማልያን ሓዊሱ ኣብ 41 ሃገራት እገዳ መገሻ ዘውጽእ ሰነድ ከምዘዳለወ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ልኡኽ ሩስያ "ስምምዕ ሓይሊ ባሕሪ" ከምዝፈረመ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጣ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መጋቢት 2025) 13.03.2025 12:41
ኣርእስታት ዜና፥ ዶናልድ ትራምፕ ንናይ ኣውስትራሊያ ንዘቤታዊ ኢንዱስትሪ ሓጺን ንምድኻም ናይ ንግዲ ቀረጽ ይጥቀም ኣሎ ክብሉ ሰብ መዚ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣውስትራሊያ ገሊጾም ። ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ነበር ሮድሪጎ ዱተርተ ፡ ብሰሉስ [11 / 03 /] ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ማኒላ ብሃንደበት ተታሒዙ ፡ ናብ ሄግ ተወሲዱ። ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ሲድኒ ካብ ዝርከብ መስጊድ ባንዴራ ብምስራቕ ተተሓሒዙ ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ኣለዉ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መጋቢት 2025) 13.03.2025 53:09
ንሎሚ ሓሙስ 13 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ምጅማሩ ደው ክብል ክልተ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታት ሓቲቶም። ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ነጺጋ። ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ምዕራባውያን ዘትዮም ። ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ማእኸላይ መንግስቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝቐረበ ጻውዒት ተቓዊሙ። ሰለስተ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ትግራይ ነቲ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝድ...
ተሰጊኡ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ምጅማሩ ደው ክብል ክልተ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታት ሓቲቶም። (ጸብጻብ) 13.03.2025 9:09
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ምጅማሩ ደው ክብል ክልተ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታት ሓቲቶም። ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ነጺጋ። ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ምዕራባውያን ዘትዮም ። ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ማእኸላይ መንግስቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝቐረበ ጻውዒት ተቓዊሙ። ሰለስተ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ትግራይ ነቲ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም።
ኣብ ዓለም ናይ ፈለማ ምሉእ ብምሉእ ብሰብ ሰርሖ (ኣርተፊሺያል) ልቢ ተተኺልሉ ካብ ሆስፒታል ዝወጸ ሰብ ። 12.03.2025 4:36
ሓደ ኣውስትራልያዊ ሰብኣይ ሰብ ሰርሖ ልቢ ተተኺልሉ ካብ ሆስፒታል ብምውጻእ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርያ ሰብ ሰብ ዝሰርሖ ልቢ ዝተተኽለሉ ኮይኑ ኣሎ ። እቲ ሕሙም ፡ ኣብዚ ወርሒ ካብ ሓደ ለጋሲ ልቢ ቅድሚ ምርካቡ ፡ ንልዕሊ 100 መዓልቲ በታ መሳርሒት እዩ ክነብር ጸኒሑ ።
"ውሑዳት ኣባላት ሓደ ጃንዳ መኮንናት ሕጊ ጥሒሶም፡ ኣብ መላእ ትግራይ መሓውራት መንግስቲ ንምፍራስ ዘይቅኑዕ ውሳነ ይወስዱ ኣለዉ።" ጌታቸው ረዳ። 12.03.2025 5:50
ንሎሚ 12 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት፡ ** ፕሬዝዳንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ምስ ሩሲያ ን30 መዓልታት ዝጸንሕ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል መደብ ከምዝቕበሎ ገሊጹ።... ** ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ብዝወሰድዎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዶም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣፍሊጡ ... ** ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ጎኒ እቲ ድሮ ኣብ ሜዳ ኦልድ ትራፎርድ ዝርከብ ዝዓበየ ስታድዩም ኩዕሶ እግሪ ብሪጣንያ ክትሃንጽ መደብ ከም ዘለዋ ኣፍሊጣ ።
ብዙሕነት ቋንቋታት ቀዳሞት ህዝብታት (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 12.03.2025 9:42
ናብ ኣውስትራሊያ ዝመጸ ዝኾነ ሓድሽ ሰብ ንናትኻ ቛንቛ ምዕቃብ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ክርዳእ ይኽእል ። ቛንቛ ምስ ባህልኻ ዝተኣሳሰረ እዩ ከምኡ "ውን ኣውስትራሊያውያን ድቀባት ዝጥቀምሉ ቛንቛታት ዝተፈልየ ኣይኮነን ፤ እዚ ምስ መሬትን ምስ ኣቦሓጎታታቶም ፍልጠት የራኽቦም ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ልዕሊ 100 ናይ ቀዳምት ህዝብታት ቋንቋታት ይዝረብ ኣሎ ። ገሊኡ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ሰባት ጥራይ እዮም ዝዝረብዎ: መብዛሕትኦም ከኣ ንዘለኣለም ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ዘንጸላልዎም ኣለዉ ። ብዙሓት ግና ተሓዲሶም ኣለዉ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ብዛዕባ ብዙሕነት ን ቛንቛታት ቀዳሞት ህዝብ...
"ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝውላዕ ኲናት ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከቢድ ሳዕቤናት ከህልዎ'ዩ።" ሌ/ጀ ጻድቃን። 11.03.2025 6:14
ንሎሚ 11 መጋቢት 2025 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አርእስታት፡ ** ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 800 ሰላማውያን ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ፡ ኣውስትራሊያ ደገፍ ክትገብር ማሕበረሰብ ሶርያዊያን-ኣውስትራልያውያን ጸዊዑ። ** ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዘውጽ ኦ መግለጺ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ዓቃብ ሰላም ናብ ዩክረይን እንተሰዲዱ "ከቢድ ሳዕቤን" ክህሉ' ዩ "ክብል ኣጠንቂቑ ። ** ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንገለ "ዕግርግር" ኣብ ምፍጣር ኢድ ኣለዎም ዝበሎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ኣጊዱ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 መጋቢት 2025) 10.03.2025 46:13
ን ሎሚ 10 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ኣብ ርያድ ተመያዪጦም ። ኣብ ትግራይ ብኣዘዝቲ ግንባር ዝግበር ዘሎ ምንቕስቓስ ብኣግኡ ደው ክብል ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓቲቱ። ኣብ ትግራይ መስርሕ (DDR) ኣብዚ ሰሙን ዳግም ከምዝጅመር ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ኣፍሊጡ ። ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ተገልቢጠን ሃለዋት 180 ሰባት ጠፊኡ ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ብትሮፒካል ሳይክሎን ኣልፍረድ ድሕሪ ዘጋ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 መጋቢት 2025) 10.03.2025 12:15
ኣርእስታት ዜና፥ ብትሮፒካል ሳይክሎን ኣልፍረድ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣስታት 350,000 ኣባይትን ንግድን ብዘይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ዝሓደሩ ተፈሊጡ ። ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ሰልፊ ለበር ንሳልሳይ ተኸታታሊ ብዓቢ ጸብለልታ ተዓዊቱ ። ኢራን ፡ ሩስያን ቻይናን ዓመታዊ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኢራን እትርከብ ወደብ ቻባሃር ፡ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ከካይዳ እየን ።
ሊቨርፑል ብ15 ነጥቢ ተፈልያ ሻምፒዮን ፕሪምየር ሊግ ክትከውን ትምርሽ፣ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ትሮፊዮ ተቐዳዲሙ፣ 09.03.2025 9:58
ሰሙናዊ መደብ ኤስቢኤስ ትግርኛ (10032025) * ማራቶን ናጎያ ሰንበት ተኻይዱ ኬንያውያን ኣትሌታት ብዓብላሊ ተዓዊቶም፡ * ቅድድም ብሽግለታ ፓሪስ-ኒስ ሰንበት ተጀሚሩ፡ ኣብ ቅድድም ስትራደ ቢያንከ ድማ ናትናኤል ተስፋጽዮን ተሳቲፉ፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ቀዳመ ሰንበት መበል 28 ዙርያ ግጥማቱ ኣካይዱ ኣርሰናል ንሳልሳይ ተኸታታሊ ግዚኣ ሰንከልከል ብምባል ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ማዕረ ክትወጽእ'ንከላ ብገፊሕ ነጥብታት ፍልልይ ኣብ ዝለዓለ ተርታ ትርከብ ሊቨርፑል ድማ ብቐሊሉ ተዓዊታ ሻምፒዮን ክተከውን እናቐረበት ትመጽእ ኣላ፣
ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ተገልቢጠን ሃለዋት 180 ሰባት ጠፊኡ ። (ጸብጻብ) 09.03.2025 5:54
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ኣብ ርያድ ተመያዪጦም ። ኣብ ትግራይ ብኣዘዝቲ ግንባር ዝግበር ዘሎ ምንቕስቓስ ብኣግኡ ደው ክብል ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓቲቱ። ኣብ ትግራይ መስርሕ (DDR) ኣብዚ ሰሙን ዳግም ከምዝጅመር ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ኣፍሊጡ ። ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ተገልቢጠን ሃለዋት 180 ሰባት ጠፊኡ ።
ዝርርብ ምስ ኢንጂኔር ዘርኡ በኽረጽዮን፥ ወለንታዊ ስራሓት ማ/ሰብ ኤርትራ ኣብ ኲንስላንድ ብምኽንያት ባህርያዊ ሓደጋታት ሳይክሎን ኣልፍረድ፡ 09.03.2025 12:22
ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ዝተኸስተ ባህርያዊ ሓደጋ ብርቱዕ ህቦቡላን ዝናብን ሳይክሎን ኣልፍረድ ኣብ ኲንስላንድን ሰሜን ኒውሳውዝወልስን ኣብ ንብረትን ገዛውትን ዕንወት ኣውሪዱ፡ ብ ኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ኣባይቲ ብዘይ ኤለክትሪክን መስመር ኢንተርነትን ተሪፉ ይርከብ። ኣብ ብርስቤን ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኲንስላንድ ኣብ ወለንታዊ ስራሕ ብምውፋር ንማሕበረሰብ እቲ ግዝኣት ካብዚ ዝወረደ ሓደጋ ኣብ ምሕጋዝ ተዋፊሮም ይሰርሑ ኣለዉ። ነዚ ብዝምልከት ኣቦ ወምበር ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኲንስላንድ ዝኾነ ኢንጂኔር ዘርኡ በዂረጽዮን ኣዘራሪብናዮ ዝሃበና መብርሂ ኣብዚ ቐሪቡ ኣሎ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 መጋቢት 2025) 06.03.2025 50:15
ንሎሚ ሓሙስ 06 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ዕዉት መጥባሕቲ ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ናቕፋ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ። ትካል መዕቆብን መድሕንን ጉዱኣት ኣካል ኵናት ትግራይ 54 በዓል 3 እግሪ ናይ ኤለክትሪክ ሞተራት ንሓርበኛታት ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ብሓገዝ ኣበርኪቱ። ወከልቲ ሰራዊት ትግራይ ናብ ቤት ምኽሪ ክኣትው ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዳግማይ ፀዊዑ። ኣብ ክልል ኣምሓራ - ንሰደድ ሰሊጥ ዝጸዓና መካይን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ህይወት ሰባት ጠፊኡ ግዳይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኾነ ፋብሪካ ሽኮር ከሰም ትካሉ ይዓጹ፡ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 መጋቢት 2025) 06.03.2025 13:33
ኣርእስታት ዜና፥ ትሮፒካል ሳይክሎን ኣልፍረድ ዓርቢ ናብ መሬት ክበጽሕ ትጽቢት ከምዝግበር ቢሮ ሜትሮሎጂ ኣፍሊጡ ። ፕሬዝዳንት ፈረንሳይ እታ ኣህጉር ካብ ናይ ሩስያ ስግኣት ንምክልኻል ፈረንሳይ ኒኩሌራዊ መከላኸሊ ክትጥቀም ዝብል ሓሳብ ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ኣውሮፓ ከምዝዘራረብ ገሊጹ ። ናይ ኣውስትራሊያ ግኑን ተጻዋቲ ክሪኬት ስቲቭ ስሚዝ ምጽዋት ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ኣፍ ሞት ዝጸንሑ ስደተኛታት ረዳኢት መርከብ ረኺቦም። (ጸብጻብ) 06.03.2025 8:52
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ዕዉት መጥባሕቲ ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ናቕፋ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ። ትካል መዕቆብን መድሕንን ጉዱኣት ኣካል ኵናት ትግራይ 54 በዓል 3 እግሪ ናይ ኤለክትሪክ ሞተራት ንሓርበኛታት ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ብሓገዝ ኣበርኪቱ። ወከልቲ ሰራዊት ትግራይ ናብ ቤት ምኽሪ ክኣትው ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዳግማይ ፀዊዑ። ኣብ ክልል ኣምሓራ - ንሰደድ ሰሊጥ ዝጸዓና መካይን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ህይወት ሰባት ጠፊኡ ግዳይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኾነ ፋብሪካ ሽኮር ከሰም ትካሉ ይዓጹ፡ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት የፋኑ ከምዘሎ ተገሊጹ።
The AI Election: Will artificial intelligence influence how Australia votes? - SBS Examines: ፖለቲካዊ ምርጫ ኤኣይ (AI): ሰብሰርሖ ብልሒ (AI) ኣውስትራልያ ከመይ ተድምጽ ክጸሉ ድዩ፧ 05.03.2025 9:02
Experts say AI could have significant impacts on democracy and trust. - ክኢላታት፡ ሰብሰርሖ ብልሒ (AI) ኣብ ዲሞክራሲን እምነትን ዓቢይ ጽልዋታት ክህልዎ ይኽእል ይብሉ።
ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 መጋቢት 2025) 05.03.2025 5:49
ንሎሚ 5 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት፥ ** ኲንስላንድ ሓያል ህቦቡላ ኣልፍረድ ስይክሎን ክወድቃ ኣብ ትዳለወሉ ዘላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ብርስበን ኣትዩ... ** መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ኣብቲ ኣብ ግብጺ እተገብረ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ጋዛ ዳግም ንምህናጽ ካልእ ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪቦም .. ** ግጥማት ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ጉጅለ ጀሚሩ ኣብቲ ትማሊ ምሸት ዝተኻየደ ቀዳማይ እግሪ ኣርባዕተ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ፡ ኣርሰናል ኣንጻር ሆላንዳዊት ጋንታ ፒ-ኤስ-ቪ፡ ገጢማ 7 ብ ሓደ ስዒራ።
ኣብ ምርጫ ድምጺ ንምሃብ ብኸመይ ትምዝገብ፧ 05.03.2025 6:35
ኣብዚ ዓመት 'ዚ ካልእ ናይ ፌደራል ምርጫ ክካየድ እዩ: ንፈለማ ግዜ ተድምጹ እንተኾይንኩም ቅድሚ ምድማጽኩም ክወሰድ ዝግበኦ ስጉምቲ ኣሎ ። ድምጽኹም ንምግላጽ ንምምዝጋብን ነዛ ሃገር ዝግባእ ምሕደራ ክህልዋ ኣብ ምግባር ድምጽኻ ንምሃብ ብዙሕ ደገፋት ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ረመዳን ዝዳለዉ መግብታት፡ ዕላል ምስ ወ/ሮ ሰሚራ መሓመድ 04.03.2025 11:24
ኣብዚ ወርሒ ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ናይ ረመዳን ጾም ኣለዉ፡ ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ኣብ እዋን ረመዳንን ዒድን ዝዳሎ መግቢን መስተን ምስኡ ዝኸይድ ፍቕርን ምትሕውዋስን ኣብ ዓዲን ኣብ ወጻእን ከመይ ከምዝመስል ኣብሪሃትልና ኣላ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 መጋቢት 2025) 04.03.2025 6:09
ንሎሚ 4 መጋቢት 2025 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ዶናልድ ትራምፕ ፡ኣብ ልዕሊ ካናዳን ሜክሲኮን ተኣሚሙ ዘሎ ሓድሽ ቀረጽ ንኸይጅመር ደው ዘብሎ ዕድል ከምዘየለ ገሊጹ ። ኲንስላንዳውያን ነቲ ካብ ትሮፒካላዊ ሳይክሎን ኣልፍረድ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ኣርዚኖም ኽርእይዎ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ። ፍልስጢኤማዊን እስራኤላውን ተዓወቲ ኦስካር ፊልምታት ንኽልቲኡ ህዝብታት ማዕረ መሰል ክወሃቦም ንማሕበረሰብ ዓለም ጸዊዖም።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.