SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 መጋቢት 2025) 31.03.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ወርሒ ረመዳን ተወዲኡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ምስልምና: ዒድ ኣል-ፈጥር ንምኽባር ኣብ ቀጽሪ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ መስጊድ ኣል-ኣቓሳ ጸሎት ገይሮም ። ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ዶናልድ ትራምፕ ንረቡዕ ሓድሽ ቀረጽ ከምዝገብር ኣብዘፍልጠሉ እቲ ጉዳይ ንናይ ኣውስትራሊያ ፈደራል ምርጫ ጎስጓስ ከየንጸላልዎ ተሰጊኡ ። ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅደድም ብሽግለታ ኸንት ዊቨለኸም ተሳቲፉ ሻብዓይ ወጺኡ፡

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 መጋቢት 2025) 31.03.2025

ንኹሎም ኣመንቲ እንቋዕ ንመበል 1446 ዓመተ ሂጅርያ በዓል ዒድ ኣልፍጥር ኣብጽሓኩም ዒድ ሙባረክ እናበልና ን ሎሚ 31 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ብዛዕባ ዒድ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ መበል 1446 ዓመተ ሂጅርያ በዓል ዒድ ኣልፍጥር ብተከተልቲ እምነት እስልምና ኣብ ትግራይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብድሙቕ መልክዑ ተኸቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ፈላማይ ዝርርብ ኣካይዱ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 915 ሰብ ሞያ ሕክምና ካብ ስርሖም ለቒቖም ተባሂሉ። ኣብ ኤርትራ ዞባ • ደቡብ - ነቚጣታት መከፋፈሊ ሓ...

መልእኽቲ ዒድ ኣል-ፈጥር ካብ ማሕበረሰብ፡ 31.03.2025

ኣብዚ መበል 1446 ዓመተ ሂጅርያ በዓል ዒድ ኣልፍጥር ብተከተልቲ እምነት እስልምና ዝበዓለለሉ ዘሎ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዉ ኣመንቲ'ውን ብኽብ ዝበለ ስነ ስርዓት ምስ ስድራቤቶ የብዕልዎ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ዒድ መልእኽቶም ዘመሓላለፉ ኣቦ ወምበር ማሕበረሰ ኤርትራውያን ኣብ ቪክቶሪያ ዓብዱልቓድር ኬኪያን ጋዜጠኛ ብርሃን ጃብር እስማዒልን እዮም።

መበል 1446 ዓመተ ሂጅርያ በዓል ዒድ ኣልፍጥር ብተከተልቲ እምነት እስልምና ኣብ ትግራይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብድሙቕ ተኸቢሩ። 30.03.2025

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ፈላማይ ዝርርብ ኣካይዱ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 915 ሰብ ሞያ ሕክምና ካብ ስርሖም ለቒቖም ተባሂሉ። ኣብ ኤርትራ ዞባ • ደቡብ - ነቚጣታት መከፋፈሊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ይስራሕ ኣሎ፡ ሶማሊላንድ ነቲ ሶማልያ ንኣሜሪካ ክትህቦ ዝወጠነቶ ወደብ ተቓዊማ።

ኣብ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ኢትዮጵያ ንጂቡቲ 6-1 ስዒራታ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ደቂ ጋንትኡን ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ደገፍቲ ኒው ካስትል ምረሻ ዓወት ኣካይዶም፣ 30.03.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (31/03/2025) * ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅደድም ብሽግለታ ኸንት ዊቨለኸም ተሳቲፉ ሻብዓይ ወጺኡ፡ * ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ኢትዮጵያ ንጂቡቲ ብገፊሕ 6-1 ብምስዓር ቀዳማይ ዓወታ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግጥማት ኣመዝጊባ፣ * ዓሰርተታት ኣሽሓት ደገፍቲ ኒውካስትል ዩናይትድ በዓል ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ደቂጋንትኡን ዘመዝገብዎ ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ቀዳማይ ጽዋዕ ናይ'ታ ጋንታ ንምብዓል ኣብ ጎደናታት ከተማ ኒውካስትል ተኣኪቦም፣ * ዝሓለፈ ቀዳመሰንበት ድሕሪ ዝተኻየዱ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ኤፍኤ ካፕ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ፡ ክሪስ...

What’s Australia really like for migrants with disability? - SBS Examines: ስንክልና ንዘለዎም ሓደስቲ መጻእቲ ሰባት ኣውስትራልያ ከመይ እያ፧ 27.03.2025

Disability advocates and experts say cultural stigma and migration laws leave migrants living with disability further excluded and marginalised. - ተጣበቕቲ ኣካለ ስንኩላንን ክኢላታትን፡ ምስ ስንክልና ዝነብሩ ሓደስቲ መጻእቲ ናብ'ዚ ሃገር፡ ድሑር ባህላዊ ኣረኣእያታትን ሕግታት መጻእቲን (ማይግሬሽንን) ኣዝዮም ንጹላትን ግሉላትን ይገብርዎም ይብሉ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 መጋቢት 2025) 27.03.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ መንግስቱ ፡ ብዝሒ ብስደት ዝ ኣቱ ሰብ ኣመና ኺዛይድ ከም ዝፈቐደ ንዚቐርበሉ ዘሎ ክሲ ነጺግዎ ። ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ፡ ነቲ ምስ እስራኤል ዝግበር ውግእ ደው ከብሎ ብምጥላብ ፡ ንሓማስ ተቓዊሞኦም ኣስሚዖም። ሰራዊት ሱዳን ንኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ካብ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ (RSF) እንደገና ከምዝተቖጻጸረ ወተሃደራዊ ምንጭታት ሓቢሮም ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 መጋቢት 2025) 27.03.2025

ንሎሚ ሓሙስ 27 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ህወሓት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንግዝያዊ ፕረዚደነት ትግራይ ዝኸውን ሰብ ንምርቋሕ ንዘቕረቦ ፃውዒት ተቓዊሙ። ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንጠለብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ነጺግዎ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስታት ግብጽን ዖማንን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣካይዱ። ብርጌድ ንሓመዱ ብኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን 'ውሽጣዊ ግብረሽበራዊ ውድብ' ተባሂሉ ብዛዕባ፡ ካብ ስርቂ ምሕላው፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ስርቅን ምጥፍፋእን ምርዳእ። ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራ...

ብርጌድ ንሓመዱ ብኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን 'ውሽጣዊ ግብረሽበራዊ ውድብ' ተባሂሉ። (ጸብጻብ) 26.03.2025

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ህወሓት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንግዝያዊ ፕረዚደነት ትግራይ ዝኸውን ሰብ ንምርቋሕ ንዘቕረቦ ፃውዒት ተቓዊሙ። ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንጠለብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ነጺግዎ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስታት ግብጽን ዖማንን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣካይዱ። ብርጌድ ንሓመዱ ብኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን 'ውሽጣዊ ግብረሽበራዊ ውድብ' ተባሂሉ።

ካብ ስርቂ ምሕላው፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ስርቅን ምጥፍፋእን ምርዳእ። 26.03.2025

ቤትካ ወይ ትሰርሓሉ ቦታ ስራሕካ እንተ ዘይተሰይሩ ፡ ዕድለኛ ክትከውን ኣልካ ። ንሰረቕቲ ምርሓቕ ዝብል መልእኽቲ ካብ ሰራሕቲ መፋትሕን ክኢላታት ጸጥታን ካብ ነበርቲ ኣውስትራልያን ብተደጋጋሚ እትሰምዖ መልእኽቲ እዩ ። እንተዀነ ግን: ስርቂ ብሕጋዊ ዓይኒ ክርአ ከሎ እንታይ ማለት እዩ ? ንገዛእ ርእስኻ ብኸመይ ኢኻ ኽትከላኸለላ እትኽእል ? እቲ ዝኸፍአ እንተ ኣጋጢሙኸ ፡ እንታይ ደገፍ እዩ ዘሎ ? ድሕንነትን ውሕስነትን ምእንቲ ክህልወካ ፡ ነአዚ ኣገዳሲ ሕቶታት እዚ ክንምልሶ ኢና ።

መንግስቲ ሃንደበታዊ ምጉዳል ግብሪ ኣብ ባጀቱ ኣንጸባሪቑ፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 መጋቢት 2025) 25.03.2025

ንሎሚ 26 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ኣርእስታት ** ፈደራል መንግስቲ ሃንደበታዊ ምጉዳል ግብሪ ኣብ ባጀቱ ኣንጸባሪቑ፡ እንተኾነ ተቓዋሚ ሰልፊ ከምዘይግፎ ኣፍሊጡ ... ** ሓደ ቤት ፍርዲ ጃፓን ፡ ኣብታ ሃገር እትርከብ ኣካራኻሪት ቤተ ክርስትያን ሓድነት (Unification Church) ክትዕጾ ኣዚዙ። ** ጋንታ ሶኮሩ ንሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ ቻይና 2- ብባዶ ብምስዓር ናብ ዋንጫ ዓለም ምረሻኣ ትቕጽል..

“ረመዳን ምስተወደአ ኣብ ልዕሊ’ዞም ስደተኛታት ስጉምቲ ክንወስድ ኢና።” ኣብ ሊብያ ሞት ኣንጽላልይዎም ዘለዉ ስደተኛታት፡ ዝርርብ ምስ ኣብርሃም ተስፋይ 25.03.2025

ኣብ ሊብያ ኣስታት 8000 ምዝጉባት ከምኡ ድማ 2000 ዝኾኑ ዘይምዝጉባት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን ምስ ካልኦት ካብ ኢትዮጵያ ሱዳንን ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ናይ ሞትን ህላወን ኩነታት ይርከቡ። ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ንህዝቢ ሊብያ ነቶም ስደተኛታት ድላዮም ክግብርዎ መገዲ ስለዝኽፈተ ረመዳን ምስተወደአ እቲ "እምነትናን ባህልናን የበላሽዉ ኣለዉ" ኢሉ ንዝኸሶም ዘሎ ስደተኛታት ናይ ሞት ስጉምቲ ከይወስደሎም ኣብ ከቢድ ስግኣት ይርከቡ ኣለዉ። ነዚ ኣመልኪትና ብቐረባ ምስ ዝከታተሎም ዘሎ ኣብርሃም ተስፋይ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ኩነታት ኣብሪሁልና ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዖማን ናብ ኤርትራ በጺሑ.... ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መጋቢት 2025) 24.03.2025

ንሎሚ 25 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስታት: ** ካብ ቨንዙወላ ነዳዲ ዝዕድጋ ሃገራት ተወሳኺ ግብሪ ክኸፍላ ከምዝግደዳ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ። ** ሎሚ ምሸት ፌደራል ባጀት ኣብዝግለጸሉ መንግስቲ ዕዳ ከምዘለዎ ዝግለጽ እኳ እኾነ እንትነ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ግና ዕዳኡ ንምኽፋል ንዘለዎ ታሪኽ ይከላከለሉ ኣሎ ... ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዖማን ናብ ኤርትራ በጺሑ።....

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 መጋቢት 2025) 24.03.2025

ን ሎሚ 24 መጋቢት መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራ “ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሕጂስ ሓላፍነቱ ክስከም ግቡእ እዩ” ዝብል ጻውዒት ኣቕሪባ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብጺሑ። ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ መሬት ዘየለ ክሲ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ዕጡቓት ፋኖን ነጺጎምዎ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መንግስቲ ኣብ ጽባሕ [ሰሉስ] ባጀቱ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ፡ ብዝሒ ኣብ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝኣትዉ ስደተኛታትን ናብ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 መጋቢት 2025) 24.03.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መንግስቲ ኣብ ጽባሕ [ሰሉስ] ባጀቱ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ፡ ብዝሒ ኣብ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝኣትዉ ስደተኛታትን ናብ ወጻኢ ዝስደዱን መጠናዊ ለውጢ ከም ዝህሉ ገሊጹ ። እስራኤል ኣብ ጋዛ ደብዳብ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን ፡ዕለዋይ መራሒ ፖለቲካ ሓማስ ሳላሕ ኣል-ባርዳዊል ምስ ሰበይቱ ኣብ ጥቓ ክሃን ዮኒስ ተቐቲሎም ። ሓደ ቤት ፍርዲ ቱርኪ ፡ ብክሲ ብልሽውና ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዘሎ ከንቲባ ኢስታንቡል ኢክረም ኢማሞግሉ ውጽኢት ፍርዲ ክሳብ ዝርከብ ክእሰር ኣዚዙ ኣሎ ።

ጉዳፍ ጸጋይን ፍረወይኒ ሃይሉን ኣብ ናንጂንግ መዳልያታት ወርቂ ንኢትዮጵያ የዕትራ፣ ቢንያም ግርማይ ናብ ቅድድም ተመሊሱ፣ 23.03.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (24/03/2025) * ኣብ ኣትለቲክስ ዓለም ውድድራት ውሽጢ ኣዳራሽ ናንጂንግ 2025 ፍረወይኒ ሃይሉን ጉዳፍ ጸጋይን ብዘመዝገበኦም ዓወታት ኢትዮጵያ 2 መዳልያታት ወርቂ ዓቲራ፡ * ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ድሕሪ ዜና ካልኣይ ውላዱ ንፈለማ ግዜ ናብ ቅድድም ተመሊሱ ኣብ ሚላኖ-ሳን ሬሞ ተወዳዲሩ፡ * ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃ መበል 5ይን 6ይን ዙርያ መጻረዪ ግጥማት ካፍ ንዋንጫ ዓለም 2026 ኣብ'ዚ ሒዝናዮ ዘለና ክልተ ሰሙን የካይዳ'ለዋ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ግጥማ ኣንጻር ግብጺ፣ ኮኾብ ተጻዋታይ መሓመድ ሳላሕ ሓንቲ ሽቶ ኣመዝጊቡ ሓንቲ ሽቶ ትኸውን ዕድል ከኣ ፈጢሩ ኣብ ካዛብላንካ 2-0 ተ...

ኤርትራ “ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሕጂስ ሓላፍነቱ ክስከም ግቡእ እዩ” ዝብል ጻውዒት ኣቕሪባ። 23.03.2025

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራ “ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሕጂስ ሓላፍነቱ ክስከም ግቡእ እዩ” ዝብል ጻውዒት ኣቕሪባ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብጺሑ። ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ መሬት ዘየለ ክሲ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ዕጡቓት ፋኖን ነጺጎምዎ።

Why are we debating Welcome to Country? - SBS Examines: ብዛዕባ ደቀባታዊ ልምዳዊ ኣቀባብላ ኣጋይሽ 'Welcome to Country' ንምንታይ ክትዕ ተፈጢሩ፧ 20.03.2025

The government's Welcome to Country spending has been heavily criticised but some believe the cultural protocol is being used as a "political football". - መንግስቲ ኣብ ደቀባታዊ ልምዳዊ ስነስርዓት ኣቀባብላ ኣጋይሽ ዝገብሮ ወጻኢታት ገንዘብ ብኸቢድ ተነቒፉ፡ ገሊኦም ግን እዚ ባህላዊ ወይ ልምዳዊ ስነስርዓት ከም 'ፖለቲካዊ ግጥም ኩዕሶ እግሪ' እዮ ዝምዝመዝ ዘሎ ይብሉ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 መጋቢት 2025) 20.03.2025

ንሎሚ ሓሙስ 20 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክግበር ጸዊዓ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህብ ዩ ተባሂሉ። ሚኒስትራት ጉዳያት ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያትን ዘትዮም፡፡ ኣብ ትግራይ ካብቲ ሓዱሽ መለለዪ መንነት ወጻኢ ካልእ መለለዪ መንነት ክኽልከል ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ኣቦ መበር ጽላል ፖለቲካዊያን ሓይልታት ኤርትራ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ ኒውዚላንድን ኣውስትራሊያን ዑደት ኣብ ዝገበረሉ፡ ብዛ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 መጋቢት 2025) 20.03.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ካናዳ ካብ ኣውስትራሊያ 6.6 ቢልዮን ዶላር ዝዋግ ኡ ካብ ኣመሪካ ናይ መጠንቀቕታ ሓበሬታ ዘመሓላልፍ ራዳር ክትዕድግ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ኣፍሊጡ። እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 400 ፍልስጢኤማዊያን ኣብ ቓዛ ብምቕታል ስምምዕ ተዂሲ ደው ምባል ኣፍሪሳቶ። ሎሚ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ኣንጻር ጋንታ ኢንዶነዥያ ትገብሮ ግጥም እንተሲዒራ ናብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ዕድላ ከስፍሖ እዩ ።

ሚኒስትራት ጉዳያት ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያትን ዘትዮም፡፡ 19.03.2025

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክግበር ጸዊዓ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህብ ዩ ተባሂሉ። ሚኒስትራት ጉዳያት ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያትን ዘትዮም፡፡ ኣብ ትግራይ ካብቲ ሓዱሽ መለለዪ መንነት ወጻኢ ካልእ መለለዪ መንነት ክኽልከል ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

How to choose the right tutor for your child - ንውላድኩም እቲ ብቑዕን ዝሰማማዕን ተሓጋጋዚ መምህር ከመይ ትመርጹ 19.03.2025

Tutoring is a booming industry in Australia, with over 80,000 tutors nationwide. Migrant families often spend big on tutoring, seeing education as the key to success. However, choosing the right tutor is essential to ensure a positive experience and real benefits for your child. - ድሕሪ ስሩዕ ትምህርቲ ወይ ጎድኒ ጎድኑ ዝወሃብ ተወሳኺ ወይ ሓገዝ ትምህርቲ ወይ Tutoring ዓቢይን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎን ጽላት ኣብ ኣውስትራልያ'ዩ፡ ልዕሊ 80ሽሕ ኣብ'ዚ ዝተዋፈሩ...

Islamophobia in everyday life - SBS Examines: ጽልኢ እስልምናን ኣስላምን (Islamophobia) ኣብ ዕለታዊ ናብራ 18.03.2025

Against the backdrop of the Israel-Hamas war, incidents of Islamophobia in Australia have surged – whether verbal, physical or online. What's the lasting impact on victims, and what can be done? - ድሕሪ ኲናት እስራኤል-ሓማስ፣ ጽልኢ እስልምናን ኣስላምን ዘንቀዶም በደላትን ተግባራትን ብልዑል ናህሪ ቁጽሮም ወሲኹ - ናይ ቃላት ጸርፊ፣ ኣካላዊ ማህረምቲ ወይ ኦንላይን። ኣብ'ቶም ግዳያት ዝገድፎ በሰላ ግን እንታይ'ዩ፧ እንታይ ከ ክግበር ይከኣል፧

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መጋቢት 2025) 18.03.2025

ንሎሚ 18 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ዜና፡ ** ሰላም ኣብ ዩክረይን ካብዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ዝቐረበ ከምዝኾነ ኣመሪካ ገሊጻ፡ ሎሚ ፕረሲደንት ትራምፕን ፑቲንን ብተለፎን ክዘራረቡ ኣብዝዳለዉሉ እዩ ነዚ ዝበሃል ዘሎ። ** ትረዠረር ጂም ቻለምስ እቲ ብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተወስደ ስጉምቲ ቀረጽ ኣብ ልዕሊ ሰደድ ኣውስትራሊያ ኣብ ቁጠባ ከቢድ ዕንወት ከውርድ ከምዝኽእል ኣሚቱ። ** ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ መጠን ቅትለት ናይ ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ዝለዓለ ኮይኑ ተረኺቡ ፣ ዛጊት ኣብ 2025 ጥራይ 85 ሰባት ተቐቲሎም ።

“ኪዳነ ክፍሉ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሰዲዶ፡ ኣነ’የ ኣብ ኣስመራ ተቐቢለ ናብ ሜዳ ኣፋንየዮ።” ገረዝግሄር ተወልደ 18.03.2025

ኣቦ መበር ጽላል ፖለቲካዊያን ሓይልታት ኤርትራ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ ኒውዚላንድን ኣውስትራሊያን ዑደት ኣብ ዝገበረሉ፡ ብዛዕባ ተሞክሮ ህይወቱን ህሉው ኩነታት ፖሎቲካን ኣብ ስቱድዮ ኤስ ቢ ኤስ መልበርን ኣካፊሉ ኣሎ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.