SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

Who's Right? Who's Left? Where do you fall on the political spectrum? - SBS Examines: መን`ዩ የማን፧ መን`ዩ ጸጋም፧ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታትኩም ኣየናይ ሸነኽ`ዩ ዝውክለኩም፧ (1ይ ክፋል) 15.04.2025

For years, the labels 'left' and 'right' have been used to describe where political parties sit. But are they still useful? - ንነብስኹም ኣብ ጸጋማዊ ዲኹም የማናዊ ኣተሓሳስባ ወይ ኣረኣእያ ተቐምጥዋ፧ ንዓመታት እዚኦም ኣስማት ፖለቲካዊያን ሰልፍታት ኣብ ዝበዝሑ መርገጺታቶም ኣበየናይ ይዝንብላ ንዝብል ንምግላጽ ወይ ንምዕቃን ከገልግሉ ጸኒሖም። እቶም ናብ ጸጋም ዝዘዝዉ ኣብ ዝያዳ ገስጋሳዊ ክብርታት ዝኣምኑ`ዮም፣ እቶም ኣብ የማናዊ ወገን ናይ`ቲ መዐየሪ ዘለዉ ድማ ኣብ ዝያዳ ዓቃባውያን ክብርታት ይኣምኑ። እዞም ኣስማት ግን ክሳብ ሕጂ ጠቐምቲ ድዮም፧ መርገጺ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 መጋቢት 2025) 15.04.2025

ንሎሚ 15 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሃጽርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ... ** ፕረሲደንት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት ኑክሌስ ኢራን ከጥቅዕ ምዃኑ ይፋራርሕ... ** ዓበይቲ ሰልፍታት ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ኣባይቲ ዝምልከት መደባቶም ዝመጾም ዘሎ ወቐሳ ይከላኸልሉ... ** ኮኾብ ተጻዋታይ ሪልማድሪድ ሓደ ካብ ወነንቲ ክለብ ስዋንስተን ሲቲ ኮይኑ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መጋቢት 2025) 14.04.2025

ን ሎሚ 14 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣውስትራሊያዊያን ኣብ 3 ግንቦት 2025 ወከአልቶም ንፈደራል መንግስቲ ክመርጹ እዮም። ኣባላት ማሕበረሰብና እቶም ቀንዲ ዘአገድስዎም ጉዳያትን ካብ ሕጹያት ዝጽበዮም ፖሊሲታት እንታይ ምዃኖም ኣቶ ልኡል ፍስሃ ዝሃቦ መግለጺ ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 18 ዓበይቲ ዝተብሃሉ ሕቶታት ብፅሑፍ ተቐቢሉ። ህወሓት ንፕረዚደንነት ሌ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝድግፍ ኣረጋጊፁ። ብመንግስቲ ኤርትራ ዕድመ ዝተገብረሉ ጉጅለ ልኡኽ ኤዉረጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ። ኣብ ኤርትራ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መጋቢት 2025) 14.04.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ንገለ ኤለክትሮኒካዊ ፍርያት ዝንሓፍ ቀረጽ ከም ዘየለ ፕረሲደንት ትራምፕ ገሊጹ ። ኣብ ሓንቲ ከተማን ናይ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ ክልተ ማእከል ተመዛበልቲን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም ። ሰልፍታት ፖለቲካ ኣውስትራሊያ ጎስጓስ ምርጫ ቐጺሉ፡ ሰልፊ ለበር ንፈለማ ዓደግቲ ገዛ ክሕግዝ ክመባጻዕ’ከሎ፡ ሰልፊ ተቓዋሚ ድማ ንሓደ ዓመት ምጉዳል ግብሪ ክግበር እዩ። ኣውስትራልያዊ ኦስካር ፡ ኣብ ናይ ባሕሬን ግራንድ ፕሪክስ ተዓዊቱ ።

ብመንግስቲ ኤርትራ ዕድመ ዝተገብረሉ ጉጅለ ልኡኽ ኤዉረጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ።(ጸብጻብ) 13.04.2025

ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 18 ዓበይቲ ዝተብሃሉ ሕቶታት ብፅሑፍ ተቐቢሉ። ህወሓት ንፕረዚደንነት ሌ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝድግፍ ኣረጋጊፁ። ብመንግስቲ ኤርትራ ዕድመ ዝተገብረሉ ጉጅለ ልኡኽ ኤዉረጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ። ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ።

ቅድድም ብሽግለታ ፓሪስ-ሩበይ ማቲው ፋን ደር ፓውል ተዓዊትዎ፣ ቢንያም ግርማይ መበል 15 ኣትዩ፣ በዳቱ ሂርፓ ኣብ ማራቶን ፓሪስ ተዓዊታ፣ 13.04.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/04/2025) * ታደይ ፖጋቻር ወዲቑ ማቲው ፋን ደር ፖወል ኣብ ዝተዓወተሉ ብዙሕ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ቅድድም ብሽግለታ ፓሪስ-ሩበይ ቢንያም ግርማይ ዘዕግብ መበል 15 ኣትዩ፡ * ኢትዮጵያዊት በዳቱ ሂርፓ ካልኣይ ዓወታ ኣብ`ዚ ዓመት ዘመዝገበትሉ ኣብ ማራቶን ፓሪስ ተዓዊታ፡ * ቀዳማይ እግሪ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮንስ ሊግ ጋንታታት ኤውሮጳ ተኻይዶም ኣርሰናል ንሪያል ማድሪድ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ብገፊሕ ክትስዕራ'ንከላ ባርሴሎናን ፒኤስጂን ድማ ብገፊሕ ተዓዊተን ናይ ምሕላፍ ዕድለን ዝለዓለ ኮይኑ፡ * መሓመድ ሳላሕ ሓድሽ ውዕል ኣብ ዝፈረመሉ ሊቨርፑል ሓደ ስጉምቲ ናብ ምዕታር ጽዋዕ ፕ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 መጋቢት 2025) 10.04.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣንቢርዎ ዘሎ ንናይ ብዙሓት ሃገራት ልዑል ቀረጽ ን90 መዓልታት ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ - ኣብ ልዕሊ ቻይና ተወሳኺ ናይ ታሪፍ ወይ ቀረጽ ናብ 125 ሚኢታዊ ክብ ኣቢልዎ ኣሎ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሲ መንግስቲ ንምምስራት ዋላ እውን ደገፍ ናይ ንእሽቶ ሰልፊ እንተ ኣድለዮ: ምስ ሰልፊ ግሪንስ ከም ዘይደራደር ገሊጹ ። ኣብ ቴኒስ ኣውስትራልያዊ ኣሌክስ ደ ሚኑር ፡ ኣንጻር ቶማስ ማሃ-ች 3-6, 6-0, 6-3 ብምዕዋት ፡ ካብ ሞንተ ካርሎ ማስተርስ ናይ መወዳእታ 16 በጺሑ ኣሎ ።

ኢትዮጵያ፡ ' ንሕቶ መሰል ኣፍደገ ባሕሪ ተካይዶ ጻዕሪ ብዘለዎ ረስኒ' ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጣ።(ጸብጻብ) 09.04.2025

ውዕሊ ፕሪቶርያ ንምትግባር መላእ ዓቕሚ ህዝቢ ክንጥቀም ኢና ክብል ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀ/ ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ድማ ፣ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላያት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍትሑ ውሕስ ሰላም ክህሉን ብሄራዊ ዕርቂ ክፍጠርን ሓቲቱ። ኢትዮጵያ፡ ' ንሕቶ መሰል ኣፍደገ ባሕሪ ተካይዶ ጻዕሪ ብዘለዎ ረስኒ' ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጣ። 24 ግንቦት - መበል 34 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ “መስመርና ድርዕና” ብዝብል ቴማ ከም ዝኽበር ተገሊጹ።

ክንዮ መጻሕፍቲ፡ ኣብያተ መጻሕፍቲ ንኹሉ ብማዕረ ዝህባኦ ብዙሕ ኣገልግሎታት (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 09.04.2025

ህዝባዊ ብያተ ንባብ ኣውስትራሊያ ፍሉያት ቦታታት እዮም ። እወ ፡ ብናጻ መጻሕፍቲ ኽትልቃሕ ይግብሩ እኳ እንተ ኰኑ ፡ ብዙሕ ብናጻ ንዅሎም ሰባት ካልእ መደባትን ኣገልግሎታትን እውን ይህቡ እዮም ፣ ካብ ንኣሽቱ ቘልዑ ኽሳዕ ዓበይቲ ዜጋታት እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኢሎም ዝቕበሉ እዮም ። ሎሚ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ህዝባዊ ቤተ-መፃሕፍቲ ዝህቡ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ክንርኢ ኢና ።

ሓጽርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2025) 09.04.2025

ንሎሚ 9 ሚያዝያ 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስታት፡ ** ቀዳማይ ሚኒስተር ን መራሒ ሰልፊ ተቓዋምን ናይ ፈለማ ናይ ምርጫ ክትዕ ኣካይዶም ... ** ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይና ናይ 104 ሚእታዊ ቀረጽ ወይ ታሪፍ ኣንቢራ ... ** ኣብ ግጥማት ርብዒ-ፍጻመ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ኣርሰናል ን ርያል ማሪድ ብገፊሕ 3 ብባዶ ሲዒራታ።.

It's one of the most common forms of domestic violence. Why does it still go unrecognised and unreported? - SBS Examines: ሓደ ካብ'ቶም ብብዝሒ ዘጋጥሙ ዓይነታት ዘቤታዊ ዓመጽ'ዩ፡ ንምንታይ ደኣ'ዩ ዘይፍለጥን ዘይጥራዓሉን፧ 08.04.2025

In Australia, 90 per cent of women who have sought support for domestic violence have experienced financial abuse, and experts say migrant women are more at risk. - ኣብ ኣውስትራልያ፡ ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ ሓገዝ ካብ ዝሓተታ ደቀንስዮ 90% ዝኾና ፋይናንሳዊ ዓመጽ ኣጋጢምወን፡ ክኢላታት ድማ ሓደስቲ መጻእቲ ደቀንስትዮ እተን ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ዝርከባ'የን ይብሉ።

ኣባላት ማሕበረሰብና ካብቶም ኣብ ፈደራል መንግስቲ ዝምረጹ ሕጹያትን ፖሊስን ዝጽበይዎም ንገራት፡ ዝርርብ ምስ ኣቶ ልኡል ፍስሃ 08.04.2025

ኣውስትራሊያዊያን ኣብ 3 ግንቦት 2025 ወአከአልቶም ንፈደራል መንግስቲ ክመርጹ እዮም። ኣባላት ማሕበረሰብና እቶም ቀንዲ ዘአገድስዎም ጉዳያትን ካብ ሕጹያት ዝጽበዮም ፖሊሲታት እንታይ ምዃኖም ኣቶ ልኡል ፍስሃ ኣብሪሁ ኣሎ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሚያዝያ 2025) 08.04.2025

ንሎሚ 8 ሚያዝያ 2025 ዝተዳልዉ ሓጸርቲ ዜናታት፡ ኣርእስታት ዜና፡ ** ሚኒስተር ጥዕና ማርክ በትለር ፡ ነቲ መንግስቱ ብዛዕባ ኣብ ናይ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዝገብሮ ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ፡ ብዙሕ ወጻኢታት ዝምልከት ንዝቐርብ ዘሎ ሕቶታት ይጣበቐሉ ኣሎ... ** ሓድሽ ናይ ሕማም ሽኮርያ መድሃኒት ምስ ሕማም ረሲዕን ካልእ ናይ ኣልዛይመር ሕማምን ዝተሓሓዝ ምዃኑ ሓድሽ ዉጽኢት ምርምር ኣረጋጊጹ ... ** ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ንክልተ ዓመት ዘገልገለ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ስልጣኑ ከምዝተሰናበተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 መጋቢት 2025) 07.04.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ለበር ን ኣድመጽቲ ንምስሓብ ወነንቲ ቤት ፡ ዝሓሰረ ጸዓት ንኽረኽቡ ፡ ን ባተሪታት ዝኸውን ናይ 4,000 ዶላር ምወላ ተመባጺዑ ኣሎ ። ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን [2 ሚያዝያ] ሓድሽ ታሪፍ ፡ ዒላማ ዝተገብረለን ልዕሊ 50 ሃገራት ድርድር ክገብራ ከምዝቐረባ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም ። ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኣትለቲክስ (ኪንግስተን ግራንድ ስላም ትራክ) ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ዲሪበ ወልተጂ ሻምፒዮን ኮይና፡

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 መጋቢት 2025) 07.04.2025

ን ሎሚ 07 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ : መምህር ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ 1996 ናብ ኣወስትራሊያ ተሰዲዱ ስድራ ቤቱ ብምእላይን ነቲ ማሕበረሰብ ኣብ ምግልጋልን ኣሕሊፍዎ። ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ወዲሰብ ብምዃኑ ከኣ፡ ብ27 መጋቢት 2025 ካብዛ ዓለም ተፈልዩ፡ መላእ ነበርቲ ማሕበረሰብ ከተማ ብርስቤንን ከባቢኣን ካብ ወጻኢ ድማ ብማንዛን ብዓቢ ስነስርዓት ብ 6 ሚያዝያ 2025 ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ናይ ቀረባ መቓልስቱን ንነዊሕ ዓመታት መናብርቱን ዝኾነ ኣቶ ሚካኤል (ወዲ ቐሺ) ብዛዕባ ህይወት መምህር ጸጋይ ኣካፊሉና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ሽልማት ሕሩያት መማህራን ተጀሚሩ። ኣባላት ቐዋሚ ኮሚቴ ጊዜ...

ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኣትለቲክስ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ዲሪበ ወልተጂ ሻምፒዮን ኮይና፡ (ሰሙናዊ መደብ ስፖርት) 06.04.2025

ንሎሚ ዝተዳለወ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ ካብ'ዚ ቀጺልና ከነቕርበልኩም ኢና፡ ፈለማ ግን ኣርእስታቱ፡ ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኣትለቲክስ (ኪንግስተን ግራንድ ስላም ትራክ) ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ዲሪበ ወልተጂ ሻምፒዮን ኮይና፡ ኬንያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ከተማ ኤልደሮት ኣንጻር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ክወዳደሩ ዕድል ክረኽቡ'ዮም፡ ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚከል ኣርቴታ ብተኸላኻላዩ በደል ተፈጺሙ ኢሉ ንኤቨርተን ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ዝሃበ ውሳነ ዳኛ ከምዘይሰማማዓሉ ኣፍሊጡ፡ ንምብጻሕ ናብ ሩዋንዳ ዘተባብዕ መወዓውዒ 'Visit Rwanda' ኣብ ማልየአን ዘለወን ጋንታታት ኤውሮጳ ብሰንኪ ምትእትታው ሩዋንዳ...

ኣባላት ቐዋሚ ኮሚቴ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ምስ ኣምሳደር ኣሜሪካ ተዛትዮም። (ጸብጻብ) 06.04.2025

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ሽልማት ሕሩያት መማህራን ተጀሚሩ። ኣባላት ቐዋሚ ኮሚቴ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ምስ ኣምሳደር ኣሜሪካ ተዛትዮም። ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያን ሕብረት ኣፍሪቃን ፡ ምስ ወከልቲ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ሕብረት ርክባት ኣካይዱ። ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 240 ሚልዮን ዩሮ ድጋፍ ሂቡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ንብርጣኒያ ተቓውሞ ኣስሚዑ።

"ብሞት መምህር ጸጋይ ተስፋይ ምሉእ ማሕበረሰብ ኲንስላንድ እዩ ሓዚኑ።" ኣቶ ሚኪኤል (ወዲ ቐሺ) 06.04.2025

መምህር ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1949 ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ወረዳ ዓዲ ዃላ ኣብ እትርከብ፡ ዓዲ ባሕሮ ተወሊዱ። ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ክሳብ 8ይ ከፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ዓዲ ዃላ ተማሂሩ። ድሕሪኡ ናብ ኣስመራ ከይዱ ክሳብ መበል 12 ክፍሊ ቀጺሉ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ድማ ኣብኡ ብሞያ ምምህርና ክስልጥንን ከም መምህር ከስትምሃርን 5 ዓመታት ጸኒሑ። ካብኡ ከኣ ንዝያዳ ትምህርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ። ከም ተጋዳላይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ተጋድሎ ሓነት ኤርትራ ናብ ሱዳን ድሕቲ ምእታው ከኣ፡ ኣብ ከሰላ ኣባል ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ሓላፊ ክ...

The legal loophole allowing political lies during elections - SBS Examines: ኣብ ግዜ ምርጫታት ፖለቲካዊ ሓሶታት ክሓልፉ ዘፍቅዱ ክፍተታት ሕጊ 05.04.2025

With an election date set for May 3rd, campaigning has officially begun. But political advertisements have already been circulating for months. Can you trust what they say? - ምርጫ ዝካየደሉ መዓልቲ ግንቦት 3 ክኸውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ጎስጓሳት ብወግዒ ተጀሚሮም ኣለዉ። እንተኾነ ግን ፖለቲካውያን መወዓውዒታት ቅድሚኡ ንኣዋርሕ ክዝርግሑ ወይ ክዘሩ ጸኒሖም'ዮም። እቲ ዝብሉዎ ወይ ዘውጽእዎ ክትኣምኑዎ ትኽእሉ ዶ፧

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መጋቢት 2025) 03.04.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ጥምረት እንተድኣ ተመሪጹ ናይ ሕርሻን ዕደናን ጽርግያታት ንምምሕያሽ 600 ሚልዮን ዶላር ከውጽእ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልበኔዝ ፡ ኣብዚ ኣመሪካ ግብሪ ክትውስኽ ምዃና ገሊጻትሉ ዘላ እዋን ብጽንዓት ደው ከምዝብል ኣረጋጊጹ። ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቁጠባ ዓለም ሰፊሕ ጽልዋ ክህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ንመብዛሕትኡ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ኣቑሑት ቀረጽ/ግብሪ ከምዝግበር ኣፍሊጡ ።

ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም 'ኣማራጺ' ከም ዘይወስድ ገሊጹ። (ጸብጻብ) 02.04.2025

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ መልእኽቲ መራሒ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዳት ኣብጺሑ። ብኲናት ንዝተሃሰየ ዓውዲ ጥዕና ትግራይ ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ መፍትሕታት ንምንዳይ ዝዓለመ 10ይ ዓለም ለኸ ዓውደ መፅናዕቲ ተጀሚሩ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ዘጓነየ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ይሳለጥ ምህላዉ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ጠቒሱ። ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም 'ኣማራጺ' ከም ዘይወስድ ገሊጹ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልላት ዝጣየሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ንኽልተ ግዜ በብኽልተ ዓመት ክናዋሕ ዘኽእል ኣዋጅ ኣጽዲቑ።

How to vote in the federal election  - ኣብ ፈደራላዊ ምርጫ ኣውስትራልያ ከመይ ገይርኩም ተድምጹ 02.04.2025

On election day the Australian Electoral Commission anticipates one million voters to pass through their voting centres every hour. Voting is compulsory for everyone on the electoral roll, so all Australians should familiarise themselves with the voting process before election day. - 18 ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ኣብ'ዚ ዝመጽእ ዘሎ ፈደራል ምርጫ ከድምጹ ተመዝጊቦም ኣለዉ። ኣብ መዓልቲ ምርጫ፡ ኮሚሽን ምርጫ ኣውስትራልያ the Australian Electoral Co...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ሚያዝያ 2025) 01.04.2025

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (2 ሚያዝያ 2025) * ፍርሒ ዝዓበየ ኲናት ንግዲ ኣብ ዝተፈጥረሉ ዶናልድ ትራምፕ ሓደስቲ ታሪፋት ክእውጅ’ዩ፣ * ሰልፊ ለይበር ኣውስትራልያ ንሰለስተ ሚልዮን ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሓቀኛ ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም ድፍኢት ክገብር’የ ይብል፣ * መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ፒተር ዳተን ፖሊሲታቱ ካብ ዶናልድ ትራምፕን ኢሎን ማስክን ይቐድሖም ኣሎ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ፣ * ክልተ ኣትሌታት ካብ ኢትዮጵያን ኬንያን ብምኽንያት ጥሕሰታት ሕጊ ብቕዓት ዘደንፍዑ ንጥረነገራትን መርመራታትን ብኣትለቲክስ ዓለም እገዳ ተነቢርሎም፣

"ካብ ፖሊስ ክሃድሙ ካብ ፓላሶ ወዲቕቖም ዝሞቱ ብጥይት ተሃሪሞም ይቕተሉ ኣለዉ።" ስደተኛታት ኣብ ሊብያ "ርድኡና!" ኢሎም ይጣርዑ። 01.04.2025

ኣብ ሊብያ ካብ ኤርትራውያን ኢትዮጵያ ሱዳንን ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ናይ ሞትን ህላወን ኩነታት ይርከቡ። ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ንህዝቢ ሊብያ ነቶም ስደተኛታት ድላዮም ክግብርዎ መገዲ ስለዝኽፈተ ናይ ሞት ስጉምቲ ከይወስደሎም ኣብ ከቢድ ስግኣት ይርከቡ ኣለዉ። ፈቐ ኡ ተዘርዮም ድማ ርድኡና ክብሉ ይጣረዑ ኣለዉ። ኣብ ሊብያ ካብ ዝርክቡ ንኽልት ረኺብና ኣዛሪብናዮም ኣለና።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ሚያዝያ 2025) 01.04.2025

ንሎሚ 1 ሚያዝያ 2025 ዝትዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስስታት : ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ 3 ግንቦት ንዝግብር ምርጫ ጎስጓስ ምረጹና ጽዒቑ ቀጺሉ፡ ኣብ ሚያንማርን ታይላንድን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቁጽሪ ምዉታት ይውስኽ፡ ኣብ ሚያንማር ጥራይ ዛጊት ኣስታት 2000 ሰባት ሞይቶም። መራሒት ሰልፊ ሕሉፍ የማናይ ፈረንሳ ማሪን ለ ፐን ፡ ብምጥፍፋእ ገንዘብ ሕብረት ኣውሮጳ ገበነኛ ምዃና ንሓሙሽተ ዓመት ንስልጣን ከይትወዳደር ቤት ፍርዲ ውሲኑ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.