SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1431 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Be sure to visit the podcast's website and support the creator: www.sbs.com.au

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Oct 28, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android almost 10M downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ነሓሰ 2025) 13.08.2025

** ማዕከን ገንዘብ ከምቲ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ወግዓዊ መጠን ወለድ ብ 0.25 ሚእታዊ ኣጉድልዎ ።... ** ኣውስትራሊያ ትርከበን 23 ሃገራትን ረዲኤት ናብ ቓዛ ብዘገደብ ክ ኣቱን ቅልውላው ጥምየት ቓዛ ከብቅዕን ንእስራኤአል ሓቲተን። ** ኣብ ሱዳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።.

A beginner’s guide to owning a pet in Australia - ምኽሪ ንሓደስቲ ወነንቲ ገዛ እንስሳ 12.08.2025

Bringing a pet into your home can fill it with joy and companionship – but it also comes with important responsibilities. In Australia, new pet owners need to be aware of legal requirements, along with essential tips for training and caring for their animals. - ናይ ገዛ እንስሳ ወይ ፐት ንብዙሓት ፍቑር ክፍሊ ናይ ህይወቶም እዩ ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዳርጋ ክልተ ካብ ሰለስተ ስድራቤታት ናይ ገዛ እንስሳ ዝውንኑ እዮም። ቅድሚ ሕጂ ወኒንኩም ዘይትፈልጡ እንተ ዄንኩም ግና ፡ ብዛዕባ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ነሓሰ 2025) 12.08.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ ንመንግስቲ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ከምዝህብ ምስ ኣወጀ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ንጉዳይ ድሕነቶም ክሓስብሉ ሓቲቶም። ** ሓደ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ምስ መሳርሕቱ ኣብ ቓዛ ብወተሃደራት እስራኤል ምስተቐትለ ኣብ ምዕራብ ባንክ ዓቢ ስላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ** ዶናልድ ትራምፕ ንዋሽንግተን ዲሲ 'ሓራ ንምውጻእ' ሃገራዊ ሓለዋ ከምዘዋፍር ኣፍሊጡ።..

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ነሓሰ 2025) 11.08.2025

ን ሎሚ 11 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝነበሩ 15 ኤርትራውያን ድሒኖም። ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዕዉት ጎሮሮ ሓራጅ ብ መዓንጣ ናይ ምትካእ መጥባሕቲ አሳሊጡ። ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ብወግዒ ተኸፊቱ፡ ህወሓት ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ብዝምልከት ንፈለማ ዕላዊ ርእይቶ ሂቡ። ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና "ዝተናውሐ ኲናት ዝተኾለፎም ጸላእቲ" ኢሉ ዝገልጾም ሓይልታት ብምቕስቃስ ግጭት ከሲሱ። ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ነሓሰ 2025) 11.08.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኒው ዚላንድ ክሪስቶፈር ንምርኻብ ናብ ኒው ዚላንድ ዝገበሮ ምብጻሕ ፈጺሙ ። ፕረዚደንት ትራምፕ ሶማሊላንድ ተፈላጥነት ንምርካብ ዘቕረበቶ ሕቶ ፡ ቀጻሊ ምይይጥይግበረሉ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት ሂቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማ ጋዛ ብህጹጽ ከም ዝውዳእ ዝገለጾ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፡ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም እተዘራረበ ገሊጹ ።

ህወሓት ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ብዝምልከት ንፈለማ ዕላዊ ርእይቶ ሂቡ። 10.08.2025

ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝነበሩ 15 ኤርትራውያን ድሒኖም። ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዕዉት ጎሮሮ ሓራጅ ብ መዓንጣ ናይ ምትካእ መጥባሕቲ አሳሊጡ። ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ብወግዒ ተኸፊቱ፡ ህወሓት ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ብዝምልከት ንፈለማ ዕላዊ ርእይቶ ሂቡ። ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና "ዝተናውሐ ኲናት ዝተኾለፎም ጸላእቲ" ኢሉ ዝገልጾም ሓይልታት ብምቕስቃስ ግጭት ከሲሱ።

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2025) 07.08.2025

ንሎሚ ሓሙስ 7 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝመሰጦ፡ ዝተሰምዖን ምስ ሃገሩ ጥልያን ዘሎ ምትእስሳርን ፍልልይን ገሊጹልና ኣሎ። ሎሚ ከነቕርቦ ኢና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ** ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብፀሊም ዕዳጋ ዝግበር ልውውጥ ሸርፊ ወጻኢ ክውረስ ዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ** ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ዝርርብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። ** ኣብ ትግራይ ሓደ ቶን ወርቂ ብዘይሕጋዊ መን...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2025) 07.08.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ፖለቲከኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ጃፓን ፡ ነቶም ቅድሚ 80 ዓመት ብ ደብዳብ ኣቶማዊ ቦምብ ኣመሪካ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ዝኽሪ ንምኽፋል ኣብ ሂሮሺማ ተኣኪቦም ። ረድኤት ዝጽበዩ ዝነበሩ ፡ ብውሕዱ 38 ፍልስጤማውያን ኣብ ጋዛ ተቐቲሎም ኣለዉ ። ሃገራዊ ውድድር ተኒስ ደቀባት ብረቡዕ [6 ነሓሰ] ኣብ ዳርዊን ጀሚሩ፣ ካብ መላእ ኣውስትራልያ ዝመጹ ልዕሊ 160 ኣብቲ ጸወታ ይሳተፉ ኣለዉ ።

"ተስፋ እገብር ሓደ መዓልቲ ኩነታት ተመሓይሹ ተኣኻኺብና ምስ ኤርትራውያን ኣዕሩኸይ ዳግማይ ናብ ኤርትራ ክንበርር።" ጋዜጠኛ SBS ዳርዮ 06.08.2025

ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝመሰጦ፡ ዝተሰምዖን ምስ ሃገሩ ጥልያን ዘሎ ምትእስሳርን ፍልልይን ገሊጹልና ኣሎ።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ንዘሎ ህዝቢ "ብሓይሊ ኢና ፈላሊናዮ ፀኒሕና" ኢሉ። 06.08.2025

ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብፀሊም ዕዳጋ ዝግበር ልውውጥ ሸርፊ ወጻኢ ክውረስ ዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ዝርርብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። እቲ ጀነራል ኣብ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ንዘሎ ህዝቢ ድማ "ብሓይሊ ኢና ፈላሊናዮ ፀኒሕና" ኢሉ። ኣብ ትግራይ ሓደ ቶን ወርቂ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምርካብ ከባቢ 140 ሄክታር መሬት ይፋሓር ከም ዘሎ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ። ኣመሪካ ቪዛ ንዝሓቱ ዜጋታት ሃገራት 15 ሽሕ ዶላት ከምመትሓዚ ክትሓትት ምዃኑ ገሊጻ። ብሑቲ ተወቒዐን ዝጠሓላ መራኽብ ኣብ ማያት ኤርትራ ስግኣት ፈጢረን ተባሂሉ ።

ጽምዋ፡ ንመንእሰያት ዘጎድእ ዘሎ ጉዳይ ጥዕና 06.08.2025

ብዛዕባ ጽምዋነት ዝምልከት ዝወአጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣዚዩ ኣብ ዘተሕሳስብ ኩነታት ከምዝበጽሐ ኣረጋጊጹ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ነሓሰ 2025) 06.08.2025

** ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ መምሃራን ኲንስላንድ ንወሰኽ ደሞዝን ምምሕያሽ ኩነታትን ሰላማዊ ተቓዉሞ ይገብሩ ኣለዉ። ** ርዋንዳ ነቶም ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝስጎጉ ስደተኛታት ክትወስድ ዝተሰማምዐት ሳልሰይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ። ** ጃፓን ካብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሂሮሺማ ኣቶማዊ ቦምብ ካብ እትድርቢ 80 ዓመት ትዝክር ኣላ።

#92 Asking for donations (Med) - #92 ብዛዕባ ሓገዝ ምሕታት (ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ) 06.08.2025

Learn how to ask for money or donations in English. - ከመይ ጌርካ ገንዘብ ወይ ሓገዝ ብቛንቋ እንግሊዝ ከምዝሕተት። Learn how to ask for money or donations in English.

Is Australian tap water safe to drink?  - ኣብ ኣውስትራሊያ ንዝስተ ማይ ዝቐርብ ጥዑይ ድዩ፧ 05.08.2025

Access to safe drinking water is essential, and Australia’s often harsh environment means that our drinking water supplies are especially precious. With differences in the availability and quality of drinking water across the country, how do we know if it’s safe to drink? In this episode we get water experts to answer this question and more.   - ጽሩይ ዝስተ ማይ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ሕማቕ ሃዋህው ከኣ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ነሓሰ 2025) 05.08.2025

** ቀዳማይ ሚንስተር ኣንተኒ ኣልበኒዝን ፕረሲደንት ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤኤምን ብተሌፎን ተዘራሪቦም። ** ሰሙን ኣፍልጦ ጽምዋ ምኽንያት ብምግባር ብዛዕባ ሕልኽላኻት ስምብራት ኣእምሮን ኣብ ልዕሊ ጽምዋ ዘሕድሮ ጽልዋን ዝምልክት ሰፊሕ ኣፍልጦ ክወሃብ ኪኢላታት ጸዊዖም። ** መንግስቲ ኬንያ ንዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ሓተትቲ ዑቕባ ምቅባልን ምምዝጋብን ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ነሓሰ 2025) 04.08.2025

ን ሎሚ 4 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት ማሕበረ ሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ብዕረፍቲ ዶ/ር መሓመድ ዑስማን ቑስሙላህ ኣብ ዓቢ ሓዘን ቀንዮም ኣለዉ። ዶ/ር መሓመድ ቁስሙላህ ብሞያኡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ እጃም ድሕሪ ምብርካት ናብ ኣውስትራሊያ ኣብ 1989 ተሰዲዱ ንልዕሊ 35 ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ብቐዳም 2 ነሓሰ ብርክት ዝበሉ መቓልስቱን ኣባላት ማሕበረ ሰብ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ መልበርን ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ዶ/ር መሓመድ ዝፍለጠሉ ዓበይቲ ኣበርክቶን ብሓፈሻ ድማ ንልዕዕሊ 90 ዓመት ኣብዛ ምድሪ ክነብር ብድሕሪኡ ዝገደፎ ሓድጊ ብዝምልከት ኣቶ ቶፊቕ ቑስምላህ ገሊጹልና...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ነሓሰ 2025) 04.08.2025

ን ፍልስጤማውያን ናይ ጋዛ ንምድጋፍ ኣብ ስድኒ ሃርበር ብሪጅ እተገብረ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ታሪኻዊ ሰልፊ ምዃኑ ተገሊጹ ። ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ሓንቲ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ብውሑዱ 68 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ከምዝሞቱ ትካል ፍልሰተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ። ሰንበት ኣብ ስፐይን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ በርጎስ በርፐለት ቢኤች መርሃዊ ቅዱስ መበል 45 ኣትዩ።

"ካብ ጀርመናዊት ዝወለድክዎ ወደይ 'ነጋሲ' ኢለ ዝሰመኽዎ ሓበሻነቱ ንኸይጠፍእ ኢለ'የ።" ዶ/ር መሓመድ ዑስማን ቁስሙላህ ዓሪፉ። 04.08.2025

ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት ማሕበረ ሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ብዕረፍቲ ዶ/ር መሓመድ ዑስማን ቑስሙላህ ኣብ ዓቢ ሓዘን ቀንዮም ኣለዉ። ዶ/ር መሓመድ ቁስሙላህ ብሞያኡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ እጃም ድሕሪ ምብርካት ናብ ኣውስትራሊያ ኣብ 1989 ተሰዲዱ ንልዕሊ 35 ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ብቐዳም 2 ነሓሰ ብርክት ዝበሉ መቓልስቱን ኣባላት ማሕበረ ሰብ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ መልበርን ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ዶ/ር መሓመድ ዝፍለጠሉ ዓበይቲ ኣበርክቶን ብሓፈሻ ድማ ንልዕዕሊ 90 ዓመት ኣብዛ ምድሪ ክነብር ብድሕሪኡ ዝገደፎ ሓድጊ ብዝምልከት ኣቶ ቶፊቕ ቑስምላህ ገሊጹልና ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ልዝብ ንምክያድ እወንታዊ ምላሽ ከምዝሃበ ተሓቢሩ። 03.08.2025

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ልዝብ ንምክያድ እወንታዊ ምላሽ ከምዝሃበ ተሓቢሩ። ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ፡ ንልኡኽ ምብራቕ ሱዳን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ መዘናኡ ዶናልድ ትራምፕ ደብዳበ ከምዝሰደሉ ክዝረብ ቀንዩ ዩ። ትግራይ፡ ኣብ ሓንቲ ጣብያ 22 ሰባት ብደርቂ ሞይቶም ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ዓዲ ናብ ኢትዮጵያ ገንዘብ ዘመሓላልፋ ኣርባዕተ ወኪላት ኣጊዱ ኢትዮጵያዉያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ጀልባ ተገልቢጣ 54 ሰባት ከምዝሞቱ ተሰሚዑ።

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ሓምለ 2025) 31.07.2025

ንሎሚ ሓሙስ 31 ሓምለ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካልኣይ ክፋል ዝርርብ ምስ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ዘካሪያስ ገሪማ፡ ብዛዕባ ካብ ካልእ ቋንቋ ናብ ትግርኛ ዝግበር መስርሕ ምትርጓም ብሱሩዕ ዘይከይድ ምህላዉ ጸገማት ክረኣዩ ጸኒሖም ኣለዉ።ሎሚ ከነቕርቦ ኢና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራን ጣልያንን ዓበይቲ ውዕላት ከም ዝተፈራረማ ተገሊጹ መንግስቲ የመን፡ ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐ ተሰሚዑ። መበል 38 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ክወርዱ ጀሚሮም። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ : ዳያኑ ዘመሓላለፍዎ መሃያ መማህራን ይከፈል ዝብል ውሳኔ ብ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ሓምለ 2025) 31.07.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ቓዛ ብመጥቃዕቲ እስራኤልን ተዅስን ብውሕዱ 46 ፍልስጤማውያን ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ፡ በቲ ቴክኖሎጂ ናይ ብዙሓት ክታበታት ኮቪድ-19 ዝተማህዘሉ m-R-N-A ብምጥቃም ሓድሽ ክታበት ኤች-ኣይ-ቪን ፈቲኖም ። ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሃንተር ቫሊ ሓደ ሰብኣይ ንኽምርዖ እናተጓዕዘ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሚኒባስ ፡ ምስ ኣዕሩኽ መርዓዊ ከቢድ ጕድኣት ኣጋጢምዎም ።

"ኣብ መስርሕ ምትርጓም ቋንቋ ትግርኛ ብዙሕ በደል እዩ ዝፍጸሞ ዘሎ፡" ዘካሪያስ ገሪማ (ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት) 30.07.2025

ካልኣይ ክፋል ዝርርብ ምስ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ዘካሪያስ ገሪማ፡ እዚ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ካብ ካልእ ቋንቋ ናብ ትግርኛ ዝግበር መስርሕ ምትርጓም ዝረኣዩ ጸገማትን ገለ ገለ መፍትሒን ኣብዝብል ዛዕባ ዘተኮረ እዩ።

መንግስቲ የመን፡ ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐ ተሰሚዑ። 30.07.2025

ኤርትራን ጣልያንን ዓበይቲ ውዕላት ከም ዝተፈራረማ ተገሊጹ መንግስቲ የመን፡ ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐ ተሰሚዑ። መበል 38 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ክወርዱ ጀሚሮም። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ : ዳያኑ ዘመሓላለፍዎ መሃያ መማህራን ይከፈል ዝብል ውሳኔ ብሓዱሽ ኣዋጅ ደው ኣቢሉዎ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ጌታቸው ረዳ "ሓይልታት ፌደራል ንሓለዋ ዜጋታት ዘለዎም ድልየትን ድልዊነትን መሰከፊ'ዩ: " ክብል ነቒፉ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ሓምለ 2025) 30.07.2025

** እስራኤል ነቲ መንግስቲ ንግሊዝ ንሃገረ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ክህብ ዝሃቦ ቅድምመ ኩነትን መቓን ግዜን ኮኒና። ** ሎሚ ዝወጸ ሓበሬታ ዋጋታት ሸቐጥ መጠን ወለድ ክጎድል ክገድድ’ዩ ክብሉ ኪኢላታት ቁጠባ ገሊጾም... ** ኣብ ግምቢ ማንሃታን ብጠበንጃ ኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለ ሰብኣይ ፡ ነቲ እናኣንቈልቈለ ዝኸይድ ዝነበረ ሕማም ሓንጐሉ ተሓታቲ ሃገራዊ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ (National Football League) ምዃኑ ዝሕብር ወረቐት ሒዙ ከምዝነበረ ተገሊጹ።

“ ‘ኣብ ቋንቋኻ ዝገልጽ ቃላት እንተለካ ኣይትለቃሕ፡’ እዩ እቲ ሕጊ” ጸሓፊን ጋዜጠኛን ዘካሪያስ ገሪማ 29.07.2025

ብዛዕባ ካብ ካልእ ቋንቋ ናብ ትግርኛ ዝግበር መስርሕ ምትርጓም ብሱሩዕ ዘይከይድ ምህላዉ ጸገማት ክረኣዩ ጸኒሖም ኣለዉ። እቲ ጽገም እንታይ ምዃኑን ኣፈታትሓኡን ዝምልከት ምስ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ዘካርያስ ገሪማ ዝተገብረ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.