SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ሚያዝያ 2025) 30.04.2025 5:43
ንሎሚ 30 ሚያዝያ 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም ፈለማ ኣርእስታቶ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ሩስያን ዩክረይንን ጭቡጥ ውጥናት ንዕርቂ እንተዘየፍርዮም ካብቲ ሽምግልና ክወጽእ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ግጭት ከይለዓል ንምድጋፍ ሉው ምዃኑ ተሓቢሩ ። ብነበር ፕርሲደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓድሽ ሰልፊ ከምዝመስረተ ተፈሊጡ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኢስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሚያዝያ 2025) 29.04.2025 5:30
ንሎሚ 29 ሚያዝያ 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኛ ኣርእስታት፡ ** ኣብ ዩክሬን ዝግበር ዘሎ ዉግእ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ተኹሲ ደው ክብል ፕረሲድንት ሩሲያ ቪላድሚር ፑቲን ኣዊጁ ... ** ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ ፡ ኣብ ኣውራጃ ሳዓዳ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝነበርዎ ኣብ ሓደ ቤት-ማእሰርቲ ብ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካ ፡ ብውሕዱ 68 ሰባት ከም ዝቐተሉ ተፈሊጡ ። **ኣብ ስፔንን ፖርቱጋልን ሓይሊ ኤለክትሪክ ድሕሪ ምቁራጹ ፡ ባቡራት ፡ ሞባይልን ኢንተርነትን ተቛሪጹ ።
"ብዝሒ ስደተኛታት ጠንቂ ጸገም ቁጠባን ገዛን" ብሂላት ብዛዕባ ስድተኛታት ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ዝምልከት መጽናዕቲ ዶ/ር ማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲክን ዩኒቭርሲቲ 29.04.2025 18:28
ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ኣውስትራሊያ ጉዳይ ስድተኛታት ሓደ ካብ ዛዕባታት ኮይኑ ብሰልፍታት ፖለቲካ ቀሪቡ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ ዝምልከት ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስን ፕሮፌስር ፈትሒ ማንሱሪ "4 key myths that manufacture an immigration ‘crisis’" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ ዓንቀጽ እቲ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝወሃብ ብሂላት ብ ኣኣርባዕተ ጉዳይ ከፊሎም ኣቕሪቦም እቲ ዝበሃል ድማ ጌጋ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ኣደጊፎም ኣቕሪቦሞ ኣለዉ። ብዛዕባ'ዚ ጽሑፍ ምስ ምርጫ ፈደራል መንግስቲ 2025 ኣተሓሒዝና ካብ ጽሓፍቲ ናይቲ ዓንቀጽ ዝኾነ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ዝርርብ ኣካይድና ኣለና።
Who's Right? Who's Left? How will migrant communities vote this election? - SBS Examines፣ መን'ዩ የማን፧ መን'ዩ ጸጋም፧ መጻእቲ ማሕበረስባት ኣብ'ዚ ምርጫ ከመይ ከድምጹ'ዮም፧ 29.04.2025 10:05
Migration policies are a hot topic this election, but it's not clear how our diverse communities will cast their vote. - ፖሊሲታት ብዛዕባ መጻእቲ ወይ ናብ'ዚ ሃገር ዝመጹ ሰባት ውዑያት ኣርእስታት ኣብ'ዚ ምርጫ'ዮም፣ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባትና ግን ኣብ'ዚ ምርጫ ከመይ ከድምጹ'ዮም ንጹር ኣይኮነን።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ሚያዝያ 2025) 28.04.2025 12:28
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብዚ ትሕቲ ሰሙን ተሪፍዎ ዘሎ ምርጫ ፈደርኣል ኣውስትራሊያ፡ መራሕቲ ዓበይቲ ሰልፍታት ኣብ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ናይ ምርጫ ክትዕ ብዛዕባ ምጉዳል ክብሪ መነባብሮ ዝምልከት ፖሊሲታቶም ክሕተቱ ኣምስዮም ... ** ቫቲካን መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ነቶም ኣኽብሮት ክገልጹ ዝመጹ በጻሕቲ ክፉት ገይራቶ። ** ሊቨርፑል ናይዚ ዓመት ሻምፕዮን ፕሪሜር ሊግ ኮይና።
ሊቨርፑል ሻምፒዮን ኮይና፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ምምዝጋብ ይቕጽል፣ ትዕግስት ኣሰፋ ንማራቶን ለንደን ተዓዊታቶ 27.04.2025 12:00
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (28/04/2025) * ኢትዮጵያዊት ትዕግስት ኣሰፋ ኣብ ማራቶን ለንደን ሓድሽ ክብረወሰን ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ኤርትራዊ መንእሰይ ሳይመን ተስፋጊዮርጊስ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 10ኪሜ ቤንጋሉሩ ዝድነቕ ካልኣይ ወጺኡ፣ * ኣብ ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያዊ ሳሙኤል ተፈራ ሓድሽ ክብረወሰን ናይ'ቲ ርክባት ብምምዝጋብ ኣብ ውድድር 3000ሜ መሰናኽል ተዓዊቱ፡ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል መበል 20 ጽዋዕ ብወግዒ ክትዓትር'ንከላ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ኒውካስትል ዩናይትድ ናብ ሳልሳይ ተርታ ክትድይብ ሓጊዙ፣
ወጥሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላማዊ መፍትሒ ክሃድእ ኣቦወንበር ህወሓት ጸዊዑ። (ጸብጻብ ልኡኽና) 27.04.2025 10:15
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ወጥሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላማዊ መፍትሒ ክሃድእ ኣቦወንበር ህወሓት ጸዊዑ። ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት “ናብ ፓርቲነት" ዘሰጋግሩዎ መስርሓት ይዛዝም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ምስ ፕረዝደንት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝተዛተየ ሓቢሩ ። ኣብ እስራኤል፡ ብቕትለት ክልተ ሰባት ዝጥርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዶብ ተታሒዞም'። ሚንስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣህመድ ሺዴ ምስ ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ተዛቲዩ። ግብጽን ጅቡቲን፡ ብጉዳያት ምሕደራን ጸጥታን ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተሰማሚዐን'።
ዓብዱልፋታሕ ኣሕመድ ብፖሊስ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣፍሪቃውያን ነበርቲ መልበርን ቁጥዓኦም ንምግላጽ ሰልፊ ገይሮም። 25.04.2025 20:33
ብሓሙስ ምሸት ኣብ ምዕራብ መልበርን ኣብ ፉትስክረይ ሓደ ሰብ ብፖሊስ ተተኲስሉ ድሕሪ ምቕታሉ ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ኣንጻር እቲ ቅትለት ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኦም። ኣስታት 200 ዝዀኑ ሰባት ፡ ኣብ ኒከልሰን ስትሪት ኣብ ማእከል ፉትስክረይ ናይቲ ዝተቐትለ ዓብደልፋታሕ ኣሕመድ ስእሊ ሒዞም "ህይወት ጸሊም ይከበር" "Black Lives Matter"ዝብል ጭርሖታት ሒዞም ፡ ዝያዳ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ደገፍ ክግበር ጸዊዖም ። ኣብቲ ኣጋጣሚ መደረ ካብ ዘስምዑ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ እቲ ከባቢ ኣብ ክንዲ ብፖሊስ ናይ ኣእምሮ ናይ ጥዕና ሓገዝ ከም ዘድልዮ ገሊጹ ። ነቲ ዘጋጠመ ኩነታትን ኣፍሪቃውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገምን ኣብሪሁልና ኣሎ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ብኢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2025) 24.04.2025 52:26
ንሎሚ ሓሙስ 24 ሚያዝያ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝምልከት ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ UN-OCHA ተመያይጡ። ፕረዝደንት ትግራይ ዝተጣየሸ ካብኔ ሓቛፋይን ኣሳታፍን ኣይኮነን ተባሂሉ። ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣምባሳደር ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ውን ተዛትዩ ኣሎ። ኣይ ኤም ኤፍ ንልምዓትን ዕቤትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ። ፕረዚደንት ኣሳይያስ ኣፈወርቂ ብሞት ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰምዖ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2025) 24.04.2025 12:54
ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ጥምረት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ንዘሎ ናይ ስድራን ዘቤታዊ ጐንጺን ንምምካት ተወሳኺ 90 ሚሊዮን ዶላር ከምዝምድብ ገሊጹ ። ንቱርኪየ 6.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢምዎ እዩ ። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ኢጣልያ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ በልጅም ተወዳዲሮም ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፡
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝምልከት ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። (ጸብጻብ) 23.04.2025 9:54
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ UN-OCHA ተመያይጡ። ፕረዝደንት ትግራይ ዝተጣየሸ ካብኔ ሓቛፋይን ኣሳታፍን ኣይኮነን ተባሂሉ። ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣምባሳደር ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ውን ተዛትዩ ኣሎ። ኣይ ኤም ኤፍ ንልምዓትን ዕቤትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ። ፕረዚደንት ኣሳይያስ ኣፈወርቂ ብሞት ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። ኣቡነ ፍራንቺስኮ ኣብ ትግራይ ንዝነበረ ኵናት ደው ንኽብል ደጋጊሞም ይሰርሑ ከምዝነበሩ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሃገረ...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ሚያዝያ 2025) 23.04.2025 5:15
ንሎሚ 23 ሚያዝያ 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ** ሰልፊ ተቓዋሚ ኣብ ፈደራል ምርጫ እንተተዓዊቱ ወጻኢታት ምክልኻል ከምዘዛይዶ ተመባጺዑ... ** ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ንቕትለት በጻሕቲ ሃገር ኣብ ክሽሚር ኮኒኑ... ** ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ኣል ጎረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንክሊማዊ ለውጢ ዝግበር ጻዕሪ ብምግታእን ንዲሞክራሲ ኣመሪካ ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ህዝቢ ኣመሪካ ክቃወሞ ጸዊዑ ።
What is Closing the Gap? - ምዕጻው ጋግ (Closing the Gap) እንታይ እዩ፧ 23.04.2025 6:50
Australia has one of the highest life expectancies in the world. On average, Australians live to see their 83rd birthday. But for Aboriginal and Torres Strait Islander peoples, life expectancy is about eight years less. Closing the Gap is a national agreement designed to change that. By improving the health and wellbeing of First Nations, they can enjoy the same quality of life and opportunities a...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2025) 22.04.2025 8:21
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (22/04/2025) * ጠንቂ ሞት ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ወቕዒን ክምለስ ዘይክእል ሕማም ልቢን ከምዝኾነ ቫቲካን ዘውጽኦ ምስክር ወረቐት ሞቶም ኣረጋጊጹ፣ * መራሕቲ ሃገራት ካብ መላእ ዓለም ብሞት ጳጳስ ፍራንሲስ ዝተሰመዖም ሓዘን ይገልጹ`ለዉ፣ * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዚ ንክብሪ`ቶም ጳጳስ ባንዴራታት ኣብ ፍርቂ ክስቀላ`የን ኢሉ፣ * ኣውስትራልያውያን ኣብ ናይ`ዚ ዓመት ፈደራላዊ ምርጫ ከድምጹ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ተወዳደርቲ ሕጹያት ፖለቲከኛታት ቀንዲ ፖሊሲታቶም ንምግላጽን ንምሻጥን ግዜ ይውድኦም ኣሎ፣ * ኣትሌታት ኬንያ ንማራቶን ቦስቶን ዓብሊሎሞ።
Who's Right? Who's Left? The ideological gender gap in Australia - #SBSExamines: መን'ዩ የማን፧ መን'ዩ ጸጋም፧ ኣብ መንጎ ጾታታት ዘሎ ስነሓሳባዊ ፍልልይ ኣብ ኣውስትራልያ 21.04.2025 11:00
Elections overseas last year showed a growing political divide between young men and women. Will the same happen here? - ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየዱ ምርጫታት ኣብ ካልኦት ሃገራት እናዓበየ ዝኸደ ፖለቲካዊ ፍልልይ (ጋግ) ኣብ መንጎ መንእሰያትን ደቀንስትዮን ኣርእዮም። ኣብ ኣውስትራልያ ኸ ከምኡ ከጋጥም ድዩ፧
ዝርርብ ብዛዕባ'ቲ ብዙሕ ሰብ ዘይዛረበሉ ሕማም ምስ ክኢላ ጥዕና ኣእምሮ ዮርዳኖስ ተስፋይ። 21.04.2025 21:11
ብዙሕ ሰብ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዘጋጥሞ'ኳ እንተኾነ ሰኣን ግቡእ ሕክምና ምርካብ ክሳብ ሞት ዝበጽሑ ኣለዉ። ሰባት ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዘለዎም ብምንታይ ይፈልጡ፧ መቕርቦም ጸገም ከምዘለዎም ብኸመይ ክፈልጡ ይኽእሉ፧ ብዙሓት ጸገም ከምዘለዎም እናፈለጡ ንምንታይ ናብ ሓኪሞም ከይዶም ሕክምና ክወስዱ ዘይደልዩ፧ ነዚን ካልእ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ዝተሓሓዝ ሕቶታት ኪኢላ ጥዕና ኣእምሮ ዮርዳኖስ ተስፋይ መሊሳትልና ኣላ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሚያዝያ 2025) 21.04.2025 9:05
ኣርእስታት ዜና፥ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣውስትራልያዊያን ኣድመጽቲ ኣቐዲምካ ድምጺ ምሃብ ካብ 22 ሚያዝያ ኣብ ዝጅምርሉ : መራሕቲ ቅድሚ እቲ ድምጺ ምሃብ ምጅማሩ ፖለቲካዊ መብጽዓታቶም ይቕጽሉ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ፍራንሲስ ኣብ ናይ በዓል ትንሳኤ መልእኽቶም ፡ ኣብ ጋዛን ዩክረይንን ካልእ ክፍለ ዓለምን ሰላም ክሰፍን ተማሕጺኖም። ኣብ ተኒስ ፡ ዴንማርካዊ ሆልገር ሮይ-ኒ ኣብ ዓለም ካልኣይ ተርታ ዝስራዕ ካርሎስ ኣልካርታዝ ስዒሩ ፡ ናይ ፈለማ ሻምፕዮን ዓወቱ ጨቢጡ ።
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሚያዝያ 2025) 21.04.2025 49:55
ን ሎሚ 21 ሚያዝያ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ተኽብሩ እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈትሓልኩምን ርሑስ በዓል ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከ ሎሚ ብ ኣመንቲ ክርስትና በዓል ትንሳኤ ይኽበር ኣሎ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመጻጽኣን ኣከባብራን እቲ በዓል ፓስቶር ብርሃነ መርሶ ካብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ስላሴ ብርስቤን መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ሓዱሽ ፕረዚደንት ትግራይ ነበር ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ናብ ትግራይ ክምለስ ጸዊዑ። ኣብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ መርሃ ግብሪ ዳግማይ እግሪ ምትካል ነበር ተጋደልቲ መሊሱ ጀሚሩ። ብርጌ...
ሓዱሽ ፕረዚደንት ትግራይ ነበር ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ናብ ትግራይ ክምለስ ጸዊዑ። 21.04.2025 6:49
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ሓዱሽ ፕረዚደንት ትግራይ ነበር ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ናብ ትግራይ ክምለስ ጸዊዑ። ኣብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ መርሃ ግብሪ ዳግማይ እግሪ ምትካል ነበር ተጋደልቲ መሊሱ ጀሚሩ። ብርጌድ ንሓመዱ ብዝብል ዝፍለጥ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ማእኸል ከም ዝኸፍት ኣፍሊጡ።
ሊቨርፑል ጽዋዕ ፕሪምየር ሊግ ክትዓትር 3 ነጥቢ ጥራይ ተሪፍዋ፣ ኤርትራዊ ዳዊት ሰዓረን ኢትዮጵያዊት ገላ ሃምበሰን ኣብ ቦስቶን ተዓዊቶም፣ 20.04.2025 10:11
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/04/2025) * ኤርትራዊ ዳዊት ሰዓረን ኢትዮጵያዊት ገላ ሃምበሰን ኣብ ውድድር 5ሽሕ ሜትሮ ቦስቶን ተዓወትቲ ኮይኖም፣ * ናይ ማራቶን ቦስቶን ሻምፒዮንኦም ዝከላኸሉ ኢትዮጵያዊ ሲሳይ ለማን ኬንያዊት ሄለን ኦቢሪን ኣብ'ቲ ሎሚ ሶኑይ ዝካየድ ውድድር ካብ'ቶም ተሳተፍቲ ምኳኖም ተፈሊጡ፡ * ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ኢጣልያ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ በልጅም ተወዳዲሮም ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፡ * ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል ንሌስተር ሲቲ ድሕሪ ምስዓራ ሻምፒዮን ክትከውን ሰለስተ ነጥቢ ጥራይ ተሪፍዋ፣ ድኻም ዝተሰመዖም ዝመስል ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡ ኒውካስትል...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሚያዝያ 2025) 17.04.2025 47:43
ንሎሚ ሓሙስ 17 ሚያዝያ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ትካላት ረድኤት ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየን ዝቐልጠፈን ናይ ምምዝባል ቅልውላው ኢለንኦ ኣለዋ ። ኣብ ሱዳን ውግእ ሓድሕድ ናብ ሳልሳይ ዓመት [ካብ ሚያዝያ 2023] ኣብ ዝኣተወሉ ዘሎ ፡ ዳርጋ 13 ሚልዮን ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም እዮም ። ኣብታ ሃገር እውን ጥሜት እናበዝሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ ፡ ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ፡ ማለት 24.6 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ስእነት መግቢ ወዲቖም ኣለዉ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ጸብጻባዊ ዜና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሓ...
ኩነታት ሱዳን ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደደ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ 16.04.2025 7:57
ትካላት ረድኤት ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየን ዝቐልጠፈን ናይ ምምዝባል ቅልውላው ኢለንኦ ኣለዋ ። ኣብ ሱዳን ውግእ ሓድሕድ ናብ ሳልሳይ ዓመት [ካብ ሚያዝያ 2023] ኣብ ዝኣተወሉ ዘሎ ፡ ዳርጋ 13 ሚልዮን ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም እዮም ። ኣብታ ሃገር እውን ጥሜት እናበዝሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ ፡ ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ፡ ማለት 24.6 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ስእነት መግቢ ወዲቖም ኣለዉ ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ንሓዋሩ ክዕጾ እማመ ቀሪቡ። (ጸብጻብ) 16.04.2025 7:39
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሄራዊ ዕርቂ ክግበር መደብ ከም ዘሎ ገሊጹ። ደጋፍን ተቓዋምን ኮይኑ ኣብ ክልተ ተኸፋፊሉ ዘሎ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ትግራይ ናብ ሓደ ብሄራዊ ምርድዳእ ክመፅእ ክስራሕ ምዃኑ ሓባር ኣሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ናይ 17 ወርሒ ውዝፍ መሃያ መምህራን ክኽፈል ወሲኑ። መንግስታዊ ሚድያን ርክብ ህዝብን ክልል ኣምሓራ ቶኽታኺ ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ ክቑጠቡ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣተሓሳሲቡ ። ቀዋሚት ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ናህላ ቫልጂ ምስ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ ርክብ ኣካይዳ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ኤምባሲ ኣመ...
መስርሕ ሕውየት ድሕሪ ምዕልቕላቕን ማዕበልን፡ 16.04.2025 9:59
ኣውስትራልያ ፡ ብተደጋጋሚ ብርቱዕ ህቦብላን ምዕልቕላቕ ማይን የጋጥማ ኣሎ ፣ ድሕሪ ነፍሲወከፍ ዘጋጥም ባህርያዊ ሓደጋታት ማሕበረሰባት ከኣ ናብ ንቡር ንምምላስ ነዊሕ ጉዕዞ ይጽበዮም ። እቲ ዝናብ ድው ምስበለ ግና ፡ ከመይ ጌርካ ናብ ቤትካ ብሰላም ትምለስን ተጽርዮን ደገፍ ትረክብን ? ድሕሪ ሓደጋ እንታይ ኣገዳሲ ስጕምትታት ክንወስድ ከም ዘሎና ምስ ክኢላታት ተዘራሪብና ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መጋቢት 2025) 16.04.2025 6:10
ንሎሚ 16 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ** ብዛዕባ ፖሊሲታት መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ዓበይቲ ሰልፍታት ፖሎቲካ ኣውስትራሊያ ነቐፌታ ይቐርብ ኣሎ ... ** ማእከላይ ባንክ ኣውስትራሊያ ኣብ ወርሒ ግንቦት ተወሳኺ ምጉዳል መጠን ወለድ ክገብር ክፉት እዩ ኢሉ... ** መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 58 ከተማታት ዝካይዶ 'ልምዓት ኮሪደር' ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ጽልዋ ክግምግም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.