SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ‘ጸለመ'ዩ’ ዝብል ምላሽ ተዋሂቡሉ። 31.07.2024 7:37
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ኣብ ኲናት ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ተዋጋእቲ ብናጻ መንበሪ ገዛን ናይ ስራሕ ቦታን ዘወንን ሕጊ ኣጽዲቑ ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ንዝኣወጀት ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ዓመታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ክትረክብ ተመዲቡ። ማዕረ ውክልና ኩሎም ኣተሓሳስባታት ዘካተተ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ክጣየሽ ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ፀዊዐን። እዚ ጻውዒት፡ ህወሓት ኣብ ሓያል ምክፍፋልን ምጥቕቓዕን ላዕለዎት መሪሕነት ከም ዘሎ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ ወቕቲ እዩ።
"እዚ ናትና ወለዶ ናይ መከራ ወለዶ ኮይኑ'ዩ ዝስማዓኒ።" ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ 31.07.2024 14:13
ካልኣይ ክፋል ዕላል ምስ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ። ኣብዚ ክፋል ብዛዕባ ኣብ መጽሓፉ ዝርከባ ግጥምታት ኣዕሊሉ ኣሎ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ሓምለ 2024) 31.07.2024 5:33
ንሎሚ 31 ሓምለ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ; ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ሊባኖስ ፡ በይሩት ፡ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ተፈቒድዋ። ኣውስትራሊያዊት ካይሌ ማክከውን ኣብ ናይ ፓሪስ ኦሎምፒክ ኣብ ናይ 100 ሜትሮ ብናይ ምሕምባስ backstroke ናይ ወርቂ መዳልያ ተዓዊታ።
ሕግታት ተጓዓዝቲ ኣጋር 30.07.2024 8:31
ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣጋር መዓልታዊ ነቲ ብእግሪ ናይ ምጉዓዝ ሕጊ ብዘይምፍላጥ የፍርሱ ። እዚ መቕጻዕቲ ከስዕብ ይኽእልን ሓሓሊፉ'ውን ሓደጋ የስዕብን ። ኣብዚ ኵነታት እዚ ከመይ ጌርና ካብ ዘይተሓስበ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ከም እንገላገልን ብኸመይ ካብ ሓደጋ ከም እንድሕንን ከምኡውን ንገለ ካብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ልሙድ ሕግታት ኣጋር ምፍላጥ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ሓምለ 2024) 30.07.2024 5:52
ንሎሚ 30 ሓምለ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፥ ብ እስራኤል ክግበር ዝኽእል መጥቃዕቲ ብምስጋእ ኣውስትራሊያውያን ናብ ሊባኖስ ከይጉዓዙን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ "ቀልጢፎም ክወጹ" መንግስቲ ኣውስትራሊያ ጸዊዑ ። ምርጫ ፐንዙወላ ሲዒቡ ፓናማ ንዲፕሎማሰኛታታ ካብ ቨነዝዌላ ስሒባ ። ፕረዚደንታት ጂቡቲን ፈረንሳን ምሕዳስ ወትሃደራዊ ውዕል ክልቲኤን ሃገራት ፈሪሞም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሓምለ 2024) 29.07.2024 55:24
ንሎሚ ሰኑይ 29 ሓምለ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ድሕሪ ዜና፡ ምስ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ ዝገበርናዮ ዕላል ቀዳማይ ክፋል ምስ ግጥምታቱ ኣሰኒና ከነቕርበልኩም ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ሸርፊ ብር ብዕዳጋ ክውሰን ዝብል ውሳነ ከትተግብር ተቐቢላ። ፕረዚደንት ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል'ቡርሃን ፕረዚደንት ኤርትራ ዝርከቦም ሰለስተ መራሕቲ ዓዲሙ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ እስራኤል ተቖጻጺራቶ ትርከብ ግዝ ኣት ሶርያ ኣኽራን ጐላን ኣብ ዝርከብ ሚዳ ኲ...
“ኣብ ጥቓ ስድራይ ዝነብርሉ ናይ ኣየር ቅምቡላ ወዲቑ፡ እናንቀጥቀጥኩ ብዜና ከቕርብ ነይሩኒ።” ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ 29.07.2024 13:58
ኣብዚ ቅሩብ እዋን ናብ ኣውስትራሊያ መጺኡ ምንባር ጀሚሩ ዝርከብ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ ዝገበርናዮ ዕላል። ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ብዛዕባ ናብ ሞያ ጋዜጣኝነትን ግጥምን ኣተኣታትዋኡን ዘጋጠምዎ ኩነታትን ምስ ግጥምታቱ ቀሪቡ ኣሎ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሓምለ 2024) 29.07.2024 17:05
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ እስራኤል ተቖጻጺራቶ ትርከብ ግዝ ኣት ሶርያ ኣኽራን ጐላን ኣብ ዝርከብ ሚዳ ኲዕሶ እግሪ መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺሙ ብውሕዱ 12 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ፈንያ። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ኣመሪካ ኣብ ጀርመን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት እንተ ኣዋፊራ ፡ ሩስያ ኣብ ውሽጢ ምዕራባውያን ሃገራት ከጥቅዕ ዝኽእል ርሕቀት ኣብዘለዎ ከባቢ ተመሳሳሊ ሚሳይላት ከተዋፍር ምዃና ገሊጹ ኣሎ ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሪቻርድ ማርለስ ፡ ሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ንምሃብ ካብ ሰልፊ ለበር ናይ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝቐረበ ጻውኢት ፡ ምላሽ ሂቡ ኣሎ ። ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ጋ...
ምስጋና ዋኩማን ሊና ኣለማየሁን ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣብ ፓሪስ ኣውለብሊቦም፣ ቢንያም ግርማይ ውዕሉ ምስ ጋንትኡ ኣናዊሑ ናብ ፓሪስ መሪሹ፣ 28.07.2024 9:46
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት * ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ጋንትኡ ኢንተርማርሸ ዎንቲ ክሳብ 2028 ምስኣ ክጸንሕ ውዕሉ ኣናዊሓትሉ፣ ባንዴራ ኤርትራ ተሰኪሙ ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 መሪሑ ክምርሽ’ንከሎ ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ብውልቂ ተሳቲፉ መበል 29 ወዲኡ፣ * ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ዝሓለፈ ዓርቢ ብድሙቕ ስነስርዓት ኣብ ሩባ ሰን ከተማ ፓሪስ ተኸፊቱ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ቅልጣፈ ስጉምቲ ንዝወዳደር ምስጋና ዋኩማን ሓንባሲት ሊና ኣለማየሁን ሰንደቕ ዓላማ’ታ ሃገር እናውለብለቡ ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት ክምርሹ ክብሪ ሂባ፣
ኢትዮጵያ ነቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ሸርፊ ብር ብዕዳጋ ክውሰን ዝብል ውሳነ ከትተግብር ተቐቢላ። 28.07.2024 4:39
ፕረዚደንት ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል'ቡርሃን ፕረዚደንት ኤርትራ ዝርከቦም ሰለስተ መራሕቲ ዓዲሙ። ኣብ ትግራይ፡ ክልተ ሚልዮን ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዝርከቡ ምስልታት ሳተላይት ኣቃሊዖም። ባይቶ ቱርኪ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ሶማልያ ክዋፈር ፈቒዱ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሓምለ 2024) 25.07.2024 54:18
ንሎሚ ሓሙስ 25 ሰነ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ምስ ዶ/ር ፍጹም ሰመረ ወልደጊዮርጊስ ኪኢላ ዕደና ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት፣ ትሕተ ቅርጽን ልምዓት ኢንዱስትሪታትን ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ሎሚ ናይ መወዳእታ ክቐርብ እዩ። ኤርትራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራ ከቋርጽ ከም ዝወሰነት ኣፍሊጣ። ኤርትራ ሱዳናዊ ዲፕሎማት ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝኣዘዘት ተሓቢሩ። ማእኸላይ ኮምሽን ቁፅፅር ህወሓት ካብቲ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ጉባኤ ኣባላቱ ከም ዝሰሓቡ ኣፍሊጡ።ዝብሉ ጸብጻባት ል ኡኽና እዮም። ምርዳእ ስርዓተ ሕጊ ኣውስትራሊያ፡ ኣብያተ ፍርዲን ሕጋዊ ደገፍን ዝብል ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሓምለ 2024) 25.07.2024 6:20
ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራሊያ ኣብ "ሕጽረት ብዝሒ ህጻናት " ከም ትርከብ ዘላ ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ሓቢሩ። ናይዚ ምኽንያት ጸቕጢ ክብሪ መነባብሮን ቁጠባዊ ስግኣትን እዩ ተባሂሉ። ኣብ ኔፓል ፡ ሓንቲ ነፋሪት ንኽትበርር ኣብትብገሰሉ ዝነበረት ካብ መሕንበቢ ጽርግያ ወጺኣ ብምሕምሻሻ ፡ ብውሕዱ 18 ተጓዓዝቲ ሞይቶም ። ኤርትራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራ ከቋርጽ ከም ዝወሰነት ኣፍሊጣ።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.