SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Be sure to visit the podcast's website and support the creator: www.sbs.com.au
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መስከረም 2025) 25.09.2025 9:01
ኣርእስታት ዜና፥ ዝሓየለ ህቦቡላ ሳይክሎን ናይ 2025 ኣብ ሆንግ ኮንግ ጉድ ኣት ድሕሪ ምውራዱ ኣብ ታይዋን 17 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን ናብ ገማግም ደቡብ ቻይና ሓሊፉ ኣሎ ። ንትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቖልዑ ምእጋድ ካብ ምጥቃም ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝዛለዩ ናይ ጌም ጸወታታት’ውን ከጠቓልል ከምዝኽእል ተፈሊጡ። ካብ የመን እተተኮሰ ድሮን ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ከተማ ኤላት ወቒዑ: ብውሕዱ 20 ሰባት ኣቝሲሉ ። ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ዝግበር ግራንድ ፋይናል A-F-L ኣዚዩ ከቢድ ጸወታ ከምዝኸውን ተገሊጹ።
"ንእሱራትና ከምዘይረሳዕናዮም ንምርኣይ ኢና ዝክሪ እሱራት ኣካይድና፡" ዝርርብ ምስ ኣቶ ዘርኡን ኣቶ ብርሃነን ብዛዕባ ኣብ ኲንስላንድ ዝተገብረ ዝኽሪ እሱራት፡ 25.09.2025 17:21
ወርሒ መስከረም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዝተኣስርሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ። ማሕበረሰብ ኲንስላንድ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ንብዙሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ንምዝካር መዓልቲ ዝኽሪ ኣካይዶም ነይሮም። ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ፍጻመ ን ኣቶ ብርሃነ መሓርን ኣቶ ዘርኡ ቦኽረጽዮንን ብዛዕባ'ቲ ዝኽርን ሓፈሻዊ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራን ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ።
ኢትዮጵያን ኬንያን ወታደራዊ ምትሕባረን ንምጥንኻር ተፈራሪመን ። (ጸብጻብ) 24.09.2025 7:11
ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፉ ። ደበና ኩናት ንምቕንጣጥን ብዕቱብ ይሰርሕ ምህላዉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ቢሮ ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ትግራይ ካብ ዓዱ ተመዛቢሉ ብዝብኢ ንዝተበልዐ ህፃን ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊፁ። ኢትዮጵያን ኬንያን ወታደራዊ ምትሕባረን ንምጥንኻር ተፈራሪመን ። ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ዜጋታት ዝግበር ዘሎ ጥሕሰት ከም ዘተሓሳሰበን 42 ሃገራት ዓለም ንሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጠን።
Indigenous sport in Australia: Identity, culture and legacy - ስፖርት ደቀባት ኣውስትራሊያ: መንኮርኮር መንነት፣ ባህሊን ሓድግን፡ 24.09.2025 10:54
From the soccer field to the athletics track, Australia’s Indigenous sportspeople connect cultures and communities whilst contributing to our national identity. Taking inspiration from those before them, their athletic prowess leaves an indelible mark on our nation. Sport’s ability to foster inclusion, equality and the opportunity for greatness has seen Indigenous Australian sportspeople ingrained...
ሚ/ር ጥዕና ብዛዕባ ሕማም ኦቲዝም ዝምልከት ብትራምፕ ዘይተረጋገጸ ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሑ ነቒፍዎ ። (ሓጸርቲ ዜናታት 24 መስከረም) 24.09.2025 6:06
*** ኣንተኒ ኣልበኔዝ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝራኸብ ኣረጋጊጹ... *** ኣብ ኦስሎን ኮፐንሃገንን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ፡ብሰንኪ በረራታት ሓያሎ ዓበይቲ ድሮናት ምሉእ ለይቲ ክዕጾ ተገዲዶም... *** ሚንስትር ጥዕና ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ሕማም ኦቲዝም ዝምልከት ብዶናልድ ትራምፕ ዘይተረጋገጸን ዘጨንቕን ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሑ ነቒፍዎ ።
"ናብ ዓድና እናማዕደና፡ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ዓዲ ዕዉታት ክንከውን ኣለና።" መንእሰይ ወደብ ቴድሮስ 23.09.2025 25:37
ወደብ ቴድሮስ ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን እተሰደ መንእሰይ እዩ። ኣብቲ ዝነብሮ ዘሎ ሃገር ጸገማት ምውህሃድ ስደተኛታት ምስ ሓድሽ ሃገሮም ብምግንዛብ ኣብዚ ጉዳይ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትምህርቱ ወሲኹ ቋንቋን ባህልን ጀርመን ኣጽኒዑ ንባይቶ ከባቢ ናይ ከተማ ከለን ክወዳደር ዝበቕዐ እዩ። መስርሕ ምውህሃድ፡ ናብራኻ ኣብ ስደት ኣመሓይሽካ ንዝገደፍካዮ ሃገር ክትሕግዝ ከም ዝከኣል ካብ ተሞኩሮኡ ኣዕሊሉ ኣሎ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 መስከረም 2025) 23.09.2025 5:06
*** ሃገረ-ፍልስጤም ምምስራት ሰላም ንኽርከብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ከምዝኣምን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልበነዝ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ... *** ድሕሪ ተኸታታሊ ምዝንባይ ድሮናት ኣብ ኮፐንሃገን ዝርከብ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ዴንማርክ ፡ በረራታት ነፈርቲ ደው ኢሉ ... *** ምክትል ፕረሲደንት ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር ብኽሲ ክሕደት ኣብ ፍርዲ ምቕራቡ ኣብታ ሃገር ሕድሕድ ኲናት ከይለዓል ተሰጊኡ።.
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 መስከረም 2025) 22.09.2025 11:59
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ፡ ብሪጣንያን ካናዳን ምስ ሓያለ ኣባል ሃገራት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ን ሃገረ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ሂበን፡ እስራኤል ነዚ ትነጽግ ። ** መስራትን ዳይሬክተርን ራድዮ ኤረና ብንያም ስምኦን ኣብቲ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝወሃብ ሽልማት ፐን ኤርትራ ተዓዋቲ ናይ ዓመተ 2025 ኮይኑ። ** ኣውስትራሊያዊት ኒኮላ ኡሊይስላገርስ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ኣብ ልዑል ዝላ፡ ክልተ ሜትሮ ብምዝላል ተዓዋቲት መዳልያ ወርቂ ኮይና ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 መስከረም 2025) 22.09.2025 54:32
ን ሎሚ ሰኑይ 22 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣውስትራልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣብ መሬታ ብምምጻእ ኣጣይሳ። ብዙሓት ግን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦምን ምስ ትሑት ብቕዓት ትምህርትን’ዮም ናብ ኣውስትራልያ መጺኦም። እዚ ዝያዳ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፉ ንምትብባዕ ኣብ ምፍታን ብድሆታት ይፈጥር። ዝብል ሓደ ትሕዝቶ ክህልወና እዩ። ወርሒ መስከረም ኣብ ዝመጻሉ እዋን ነቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣዳለውቲን ጋዜጠኛታትን ብሕቲ ጋዜጣታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣሰሮም ብዘይፍርዲን ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእን 24 ዓመት ዘቑጸሩ ዝዝከረሉ እዩ ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ቀሪብና ዘለና፡...
መንእሰያት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ከይበጽሑ ዘሰናኽልዎም እንታይ'ዮም፧ 21.09.2025 9:22
ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣውስትራልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣብ መሬታ ብምምጻእ ኣጣይሳ። ብዙሓት ግን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦምን ምስ ትሑት ብቕዓት ትምህርትን’ዮም ናብ ኣውስትራልያ መጺኦም። እዚ ዝያዳ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፉ ንምትብባዕ ኣብ ምፍታን ብድሆታት ይፈጥር።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመን ስልጣኑ ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ወተሃደራት መዓርግ ወሲኹ። (ጸብጻብ) 21.09.2025 8:51
ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰላም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመኑ ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ወተሃደራት መዓርግ ወሲኹ። ውድብ ወለዶ ትግራይ ዝተብሃለ ውድብ መስራታይ ጉባኤ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ምስ ናይ ቻይና ትካል ብምትሕብባር ሰብ ሞያ ሚድያ ኣመሪቑ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2025) 18.09.2025 49:19
ሎሚ ሓሙስ 18 መስከረም 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ኣብ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት ዘሰጎመ ደርሲ ምዃኑ ይፍለጥ። ንሱ ኣብ ሓጸርቲ ዛንታ ከይተሓጽረ ኣብ ምጽሓፍ ድራማ፡ ፊልም፡ ኣብ ጋዜጣ ዝጽሕፎም ዝነበሩን ብሱላት ዓንቀጻትን ዝፍለጥ እዩ። ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ብ 30 ነሓሰ 2025 ኣብ መበል 64 ዓመት ዓሪፉ። ብዛዕባ ዘበርከቶም ስራሓትን ብዛዕባ ህይወት ደራሲ ሚኪኤል በርሀን ዝምልከት ምስ ናይ ቀረባ ፈላጢኡን መሳርሕቱን ዝነበረ ኣርቲስት ሚካኤል ኣዶናይ ዝተገብረ ዝርርብ ካልኣይን መወዳእታን ክፋሉ ከነቕርብ ኢና። ልኡ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2025) 18.09.2025 8:28
ኣርእስታት ዜና፥ ኮምሽን ኤውሮጳ ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ጃምላዊ ህልቂት ከም ዝፈጸመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘቕረቦ ጸብጻብ ፡ ምስ እስራኤል ዝግበር ስምምዓት ናጻ ንግዲ ክድስክል ሓሳብ ኣቕሪቡ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ናይ ኣውስትራሊያ ዒላማ ክሊማ ኣብ 2035 ሎሚ [18 መስከረም] ኣብ ሲድኒ ሎሚ ከፍልጥ እዩ ። መንእሰይ ኣውስትራሊያዊ ተቐዳዳማይ Gout Gout ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዉድድር ሓሊፉ ።
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቡ። 17.09.2025 5:53
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ማሳድ ቡሎስ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ። ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ። ኣብ ዓፋር ናይ ዘሎ ዕጡቕ ትግራይ 12 ኣመራርሓ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ወርሒ ከም ዝሓለፈ ተገሊጹ። ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኣቶ ክርስትያን ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ተሰሚዑ።
#95 Under the stars (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ (#95 Under the stars (Med)) 17.09.2025 13:00
Learn how to talk about the night sky and stargazing. - ትምህርቲ ብዛዕባ ሰማይ ለይትን ምዕዛብ ከዋኽብትን ከመይ ከም ትዛረቡ፡ (Learn how to talk about the night sky and stargazing.) ቋንቋ እንግሊዝኛ ምርዳእን ምዝራብን ኣብ ኣውስትራሊያ ናብራኹም ከመሓይሽ ዝኽእል እዩ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትሕዝቶ ብዛዕባ ናይ ኣውስትራሊያ ህይወትን ኣገላልፃታትን ኣብ ብኸመይ ከምዝበሃልን ኽንገልጽ ኢና ። ናይ እንግሊዝኛ ቛንቛ ክእለትካ ንምምሕያሽ ፣ ብዛዕባ ኣውስትራሊያ ፍልጠትካ ንምዕባይ ጎኒ ንጎኒ ድማ እናተዘናጋዕካ ትምህርቲ ምቕሳም ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብና ብዛዕባ ትምህርቲ ብ...
እስራኤል ኣብ ቓዛ ጅምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸመት መጽናዕቲ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ...(ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ) 17.09.2025 6:32
*** እስራኤል ኣብ ቓዛ ጅምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸመት መጽናዕቲ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ... *** ምስ ፖሊሲ ሰልፊ ጥምረት ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ መራሒት ተቓዋሚት ሱሳን ሊ ጸቕጢ ቀጺሉ ... *** ኣብ ማላዊ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድምጹ ክህብ ዝደለየ ሰብ ኩሉ ድምጹ ክህብ ዕድል ክረኽብ ዘይምኽኣሉ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ተወዲኡ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መስከረም 2025) 16.09.2025 4:52
*** ምስቲ ብ ደማዊ ሰንበት ተባሂሉ ዝፍለጥ ጃምላዊ ቅትለት ናይ 1972 ዝተሓሓዝ መስርሕ ፍርዲ ጀሚሩ... *** ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብቲ ኣሰሓሓቢ ቅዱስ ስፍራ እስራኤል በአጺሑ... *** ቻይና ፡ እቲ ምስ ኣመሪካ ኣብ ዋንነት ቲክቶክ ዝግበር ሓድሽ ስምምዕ ፡ ንረብሓ ክልቲኡ ወገን ዝሰማማዕ ምዃኑ ከም እትኣምን ገሊጻ ።
How do you legally change your name in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ ብሕጋዊ መገዲ ስምካ ብኸመይ ትቕይሮ፧ 16.09.2025 8:50
Choosing to legally change your name is a significant life decision that reflects your personal circumstances. Each year, tens of thousands of Australians lodge an application through the Registry of Births, Deaths & Marriages. If you’re considering a change of name, this episode takes you through the process. - ስምካ ብሕጋዊ መገዲ ኽትቅይሮ ምምራጽ ፡ ንብሕታዊ ኵነታትካ ዘንጸባርቕ ኣገዳሲ ናይ ህይወት ውሳነ እዩ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዓሰር...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 መስከረም 2025) 15.09.2025 8:53
ኣርእስታት ዜና፥ ** መራሒት ሰልፊ ሊበራል ሱሳን ለይ ንጃኪንታ ናምፒንጂንፓ ፕራይስ ካብ ናይ ቅድሚት መናብር ሰልፊ ተቓወምቲ ድሕሪ ምስጓጓ ሚኒስተራታ በዊዛቶም ። ** ብቐዳም 13 መስከረም ኣንጻር ስደተኛታት ብኣንጻሩን ዝቕንዑ ሰልፍታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ክግበሩ ዉዒሎም። ** ዉድድር ናይ መወዳእታ መድረኽ ቮልታ ኢስጳኛ ብሰንኪ ደገፍቲ ፍልስጢኤማውያን ዝገበርዎ ተቓዉሞ ተዘሪጉ።
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 መስከረም 2025) 15.09.2025 50:03
ን ሎሚ ሰኑይ 15 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2018 ግእዝ ምስ ኣመሓዳሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርዝቤን መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለ ማርያም ሃይሉ ዝገበርናዮ ዝርርብ ሎሚ ክንውድኦ ኢና። ኣብ ቀዳሞት ሒደት ዓመታት ምምጻእ ናብ'ዚ ዓዲ ክንጥንቀቐሎም ዝግበኣና ጌጋታት ሕጊ፡ ዝብል ሓደ ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና’። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኣሜሪካውያን ሰብ ሃብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ወፍሪ ልምዓት ቱሪዝም ክነጥፉ ምይይጥ ኣካይዶም። ንብሉጻት ተምሃሮ ዞባ ደቡብ ሽልማት ከም ዝተውሃበ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ...
ኣሜሪካውያን ሰብ ሃብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ወፍሪ ልምዓት ቱሪዝም ክነጥፉ ምይይጥ ኣካይዶም። (ጸብጻብ) 14.09.2025 9:46
ንብሉጻት ተምሃሮ ዞባ ደቡብ ሽልማት ከም ዝተውሃበ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ተመሃሮ 12 ክፍሊ 91.6% ተምሃሮ ክወድቁ እንከለዉ 8.4% ጥራሕ ሓሊፎም። ኣብ ትግራይ’ውን 8 ነጥቢ 3 ምኢታዊ ጥራይ ምሕላፎም ተገሊጹ ኣሎ። ዓለምለኸ ማሕበር ምሁራትን ሰብሞያን ተጋሩ ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝወቅስ ጥርዓን ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣቕሪቡ። ትራምፕ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበሮ ማዕቀብ ክቕፅል ኣዚዙ።
ኣብ ቀዳሞት ሒደት ዓመታት ምምጻእ ናብ'ዚ ዓዲ ክንጥንቀቐሎም ዝግበኣና ጌጋታት ሕጊ 14.09.2025 9:21
ኣብ ኣውስትራልያ ሓደስቲ ኮይንና ኣብ ንመጻሉ ኣብ’ቲ ዝነበርናዮ ሃገር፣ ከተማ ይኹን መዓስከር ስደተኛታት ኣፍልጦ ብዛዕባ ናብራ፣ ሕጊን ኣካይዳን ኣውስትራልያ እንተዘይሃሊና ብፍላይ ኣብ’ቶም ቀዳሞት ዓመታት ጸገም ከጋጥመና ይኽእል’ዩ። እቶም ንሕጊ ዝምልከቱ ጸገማት ግን ብቐንዱ ህይወትና ካብ ፈለምኡ ከይጸልውዎን ከየበላሽውዎን ክንፈልጦም ዝግበኣና ነገራት እንታይ’ዮም፧ ካባናን ካብ ካልኦት ትካላት መንግስትን ማሕበረሰብን ክመጹ ዝኽእሉ ፍታሓት ከ ኣለዉ ድዮም፧
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 መስከረም 2025) 11.09.2025 50:47
ሎሚ ሓሙስብ ኣቋጻጽራ ግእዝ ሓድሽ ዓመት ሓደ መስከረም 2018 እዩ። ንኹላትኩም ሓድሽ ዓመትን ቅዱስ ዮሃንስን ተኽብሩ ሰማዕትና እንቋዕ ኣብጽሓኩም። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብምኽንያት እዚ ንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ዓመተ 2018 መልእኽቲ ኣመሓዳሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርዝቤን መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለ ማርያም ሃይሉ። ክቐርብ እዩ። ሉኡኽና ዝሰደደልና መልእኽቲ፥ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይን ኤርትራን ናይ ሓዱሽ ዓመት መልእኽቲ እንቋዕ ኣብጸሓኩም ኣመሓላሊፎም። ኢትዮጵያ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ህንፀት መመንጨዊ ሓይሊ ኑክሌር ክትጅምር ምዃና ተገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 መስከረም 2025) 11.09.2025 11:20
ኣርእስታት ዜና፥ ቀ/ሚ ኣንተኒ ኣልበኔዝን መራሒት ሰልፊ ተቓዋሚ ሱዛን ለይን ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ግእዝ ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ፡ ብምኽንያት እቲ እስራኤል ኣብ ጋዛ ንእተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ ፡ ማዕቀብ ክግበረላን ብኸፊል ንግዳዊ ምድስካል ዝግብረሉን ኩነታት ክትላዘብ ምዃና ኣፍሊጣ ። ፍቱው ኣጥቃዒ ጋንታ መልበርን ቪክትሪ ብሩኖ ፎርናሮሊ ምጽዋት ኩዕሶ ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ ።
መራሕቲ ኣውስትራሊያ ሰናይ ትምኒት ሓድሽ ዓመት ግእዝ 2018 ትምኒቶም ገሊጾም። 11.09.2025 1:59
ቀ/ሚ ኣንተኒ ኣልበኔዝን መራሒት ሰልፊ ተቓዋሚ ሱዛን ለይን ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ግእዝ ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.