SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፥ ትዕዝብቲ ጋዜጠኛታት ኣብርሃም ተ/ልኡልን ተመስገን ደበሳይን፡ ኣብ እዋን ምምጻእ ቀ/ሚ ኣብያ ናብ ስልጣን 06.06.2025

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዯጵያን ብናህሪ ክኸይድ ጀሚሩ ዝነበረ ናይ ሰላም ኩነታት ንብዙሓት ዘሐጎሶምን ዘገረሞምን፡ ዘሰክፎምን ኔሮም። ብዛዕባ'ዚ ኣብቲ እዋን ዋና ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ኣብርሃም ተስፋል ኡልን ጋዜጠኛ ተመስገን ደበሳይን ትዕዝብቶም ምስ ረዲዮ ኤስ ቢ ኤስ ኣካፊሎም ነይሮም። ብምኽንያት ዝኽሪ 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ዳግም ቅሪቡ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት'ውን ንምንጽጻር ዝሓግዝ ርእይቶታት ዘለዎ እዩ።

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (5 ሰነ 2025) 05.06.2025

ንሎሚ ሓሙስ 05 ግንቦት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር፡ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንማሕበረሰቦም ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ተመኩሮኦም ኣብ ምክፋልን ንሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እግሮም ክተኽሉ በብእዋኑ ኣብ ኣድዮ ኤስ ቢ ኤስ እናቐረቡ ሓሳቦም ዘቕርቡን ነዚ ራድዮ ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ግደ ካብ ዝገበሩ መራሕቲ መልእኽቲ እንቋዕ ኣብጽሓና ኣቕሪቦም ኣለው። ንሳቶም ድማ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም፡ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ፡ ኣቶ ኬነዲ ወልደማርያምን ኣቶ ልኡል ፍስሃየን እዮም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉ...

ዕላል ምስ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብናይ ዶክትሬት ማዕርግ ዝተመረቑ ሰብኣይን ሰበይቲን። 05.06.2025

ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰብኣይን ሰበይቲን ናይ ፒኤች ዲ ትምህርቶም ዛዚሞም ምስዝተመረቑ ምስ ዶ/ር ካሕሱ ገብረክርስቶስን ዶ/ር ኣጸደ ፋንታሁንን ዝተገብረ ዕላል

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ሰነ 2025) 05.06.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ናብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝኣቱ ሓጺን ንኹለን ሃገራት ብዕጽፊ ግብሪ ወይ ታሪፍ ተወሲኑ ን ኢንግላንድ ግን ብ ምምሓሩ ኣውስትራሊያ ተመሳሳሊ ምሕረት ክግበረላ ትትስፎ። ናብ መካ ዝግበር ሓጅ ወይ ንግደት ጀሚሩ ፡ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ዝዀኑ ኣስላም ድማ ሃይማኖታዊ ግቡኦም ንምፍጻም ካብ መላእ ዓለም ናብ ስዑዲ ዓረብ ይጓዓዙ ኣለዉ ። ኣውስትራልያዊት ኰዀብ ተጻዋቲት ተኒስ ባይታ ኤመርሰን ጆንስ ኣብ ዉድድር French Open ናብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ በጺሓ ።

“ምጽራፍ ኣይባህልናን’ዩ፡ ፍትሓዊ’የ ትብል ኣንተኾይንካ ንዝኾነ ሰብ በቲ ዝደለዮ መገዲ ክኸይድ ኣፍቅደሉ።” ስነ ጥበባዊ ካሕሳይ በርሀ 05.06.2025

ስነ-ጥበባዊ ካሕሳይ በርሀ ንፌስቲቫል ኤርትራ 2018 ናብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣዋን ኣብዚ ምስዘለዉ ኣድነቕቱን ምስ ብጻዩን ናይ ቀደም መሳርሕቱን ኣሌክስ ካሕሳይን ተራኺቡ ነይሩ። ካሕሳይን ኣሌክስን ናብ ስቱዲዮ ሬድዮ ኤስ.ቢ.ኤስ ብምባጻሕ ድማ ንድሕሪት ተመሊሶም ብዛዕባ ኣዱሊስ ባንድን ብዛዕባ ዘለዉዎ ኩነታትን ኣዕሊሎም ኣለዉ። ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክስማዕ ይከኣል’ዩ።

This rural town has grown into a thriving multicultural hub - SBS Examines: መርኣያ ስኒት ብዝሐ ባህላውያን ማሕበረሰባት ዝኾነት ንእሽቶ ከተማ ኣውስትራልያ 04.06.2025

In the central west of New South Wales, Dubbo is home to some of the largest Nepali and Indian communities in the state. - ኣብ’ዚ ዓመት፣ ኤስቢኤስ 50 ዓመት ይገብር ኣሎ፣ ነዚ ንምብዓል ዛንታታት ስግረ-ባህላውያን ዓወታትን ሕቡናት ብዝሐ ባህላውያን ማሕበረሰባትን ነቕርብን ነካፍልን ኣለና። ብዛዕባ ኣብ ከባቢታት ገጠር ዝርከባ ንኣሽቱ ከተማታት ዝጸንሐ ብሂል ወይ ኣረኣእያ’ሎ፣ ግሉላት ዝኾና፣ ኣብ ገለ እዋናት’ውን፣ ኣጋይሽ ብጽቡቕ ዘይቅበላ። እዚ ግን ሓቂ ድዩ፧ ኣብ ሃገረ ዊራድጁሪ፣ ማእከላይ ምዕራብ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ትርከብ እዚኣ ንእሽቶ ከተማ ዕም...

ኣብዚ ቅንያት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ቃላት ልውውጥ በርትዑ ይርከብ። 04.06.2025

ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ትግራይ ዝተተኽለ ኬላታት ደው ንክብል ኣዚዙ። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ወረዳታት ጉሎመኸዳን ኢሮብን ወፅዩ ዝብል ጌጋ ምዃኑ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ገሊጾም። ኣብዚ ቅንያት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ቃላት ልውውጥ በርትዑ ይርከብ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ደቂ ብሄረ ትግራይ ሓቀኛ ልዝብ ከካይዱ ጸዊዑ።

መዲያ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ይመስል፧ 04.06.2025

ነጻነት ፕረስን ዝተፈላለየ ዓይነት መራኸቢ ብዙሃን ኣገዳሲ መለለዪ ጥዑይ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እዩ ። ኣብዚ ከምዚ ሃዋሁ ብዘይምትእትታው ካብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዜጋታትን ጋዜጠኛታትን ሓሳቦም ብናጻ ናይ ምግላጽን ሓበሬታ ናይ ምርካብን ስልጣን ኣልዎም ። ዋላኳ ሕገ-መንግስቲ ንናጽነት ፕረስ ውሕስነት ዘይህብ እንተዀነ: ኣውስትራልያ ግን ካብተን ኣብ ዓለም ነጻ ፕረስ ፍሪደም ኢንደክስ ካብ ዝለዓላ 29 ሃገራት ሓንቲ እያ ። እሞኸ መዲያ ኣብ ዲሞክራሲ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ ? ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ንግዲ መራኸቢ ብዙሃንን ብህዝቢ ዝምወላ መዲያታት ፍልልያትን እንታይ እዩ?

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሰነ 2025) 03.06.2025

ንሎሚ 3 ሰነ 2025 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስተ ዜና፡ ** ኣባል ሰልፊ ግሪንስ ሰኔተር ዶሪንዳ ኮክስ ነቲ ሰልፊ ገዲፋ ናብ ሰልፊ ለበር ብምቕያራ ሰልፊ ግሪንስ ሓዘኑ ይገልጽ። ** ሰበ-ስልጣን ፈደራል ኣቕሑ ዝጸዓና ናይ ጽዕነት ማካይን ናብ ትግራይ ፡ ከይኣትዋ ከልከሉወን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጕዕዞአን ከም ዝቐጸላ ተፈሊጡ። ** ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተሓተ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ናይ 3.5 ሚኢታዊ ወሰኽ መሃያ ክግበረሎም Fair Work Commission ኣሚሙ።

መልእኽቲ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ምጅማር SBS፡ ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብ። 03.06.2025

መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ንጽምብለሉ ዘለና እዋን ኢና ዘለና። እቲ ኣብ 1975 ብዉሑዳት ቋንቋታት ዝጀመረ መደብ ኣብዚ እዋን ንከም ቋንቋታት ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ሶማልን ዲንካን ካልእ ቋንቋታት ኣፍሪቃ ወሲኹ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት ዝተፈላለዩ መደባት ኣብ ምቕራብ ዝነጥፍ ዘሎ ህዝባዊ ሬድዮ እዩ። ነዚ ናይ መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር፡ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንማሕበረሰቦም ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ተመኩሮኦም ኣብ ምክፋልን ንሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እግሮም ክተኽሉ በብእዋኑ ኣብ ኣድዮ ኤስ ቢ ኤስ እናቐረቡ ሓሳቦም ዘቕርቡን ነዚ ራድዮ ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ግደ ካብ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ሰነ 2025) 02.06.2025

ን ሎሚ 02 ሰነ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝጅምር 50 ዓመቱ የብዕል ኣሎ፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዘቕረብናዮም ምልስ ኢልና ንርእዮም ካብ ዘለና መደባት ምስ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝኾነ ኣቶ ፍስሃየ ኣብርሃም ዝገበርናዮ ዕላል ከነቕርበልኩም ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ዝነበረ ሸቐጣ ሸቐጥ ብምዝርራብ ንምፍታሕ ከም ዝተወሰነ ተገሊጹ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህንዲ ተራኺቡ ዘትዩ፡ ሓዱሽ ውዳበ ትግራይ 'ስምረት' ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ብሓይሊ ዝተታሕዙ ግዝኣታት ኣካል ትግራይ እምበር...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ሰነ 2025) 02.06.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣውስትራሊያ ብዝተፈጥረ ባህርያዊ ሓደጋታት ዛጊት ናይ 2.2 ቢልዮን ዶላር ቁጠባዊ ጥፍ ኣት ከምዘስዓበ ተገሚቱ። ረድኤት ክረኽቡ ኣብ ዝጓየዩ ዝነበሩ ፍልስጢኤማውያን ብዝተተኮሰሎም ብውሕዱ 31 ፍልስጤማውያን ን ልዕሊ 170 ቆሲሎምን፡ ሰራዊት እስራኤል ክምርምሮ እየ ኢሉ። ብሪጣናዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ሳይሞን ያተስ ተዓዋቲ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ኮይኑ።

ሳሙኤል ኤቶ፣ ኦኮቻን ኣደባዮርን ኣብ ሶማልያ ምብጻሕ ኣካይዶም፣ ፒኤስጂ ሻምፒዮን ኤውሮጳ ኮይና፣ 01.06.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/06/2025) * ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ዓወት ዘመዝገበ ሚልኪያስ ማእከለ ወሲኽካ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ደሚቖም ዝተራእይሉ መበል 37 ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢራን ዝሓለፈ ሰሙን ተኻይዱ፣ * ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ሃገሩ ታሪኻዊ ዑደት ዝፈጸሙ ኤቶን ኦኮቻን ዝርከብዎም ገዳይም ህቡባት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣብ ቤተመንግስቱ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ፣ * ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ተወዳዳሪ ግጥማት ምምላሳ፣ ብምኽንያት መበል 34 ዓመት በዓል ነጻነት ዝተዳለዉ ምሕዝነታዊ ግጥማት ኤርትራ 1-0 ተሳዒራ ተዛዚሞም፣ * ፓሪስ ሳን ዠርማን (ፒኤስጂ) ንኢንተርሚላን ዘሕፍር ስዕረት ኣሰኪማ ንፈለማ ግዚኣ ሻምፒዮን ኤው...

CPJ ዝርከቦም ልዕሊ 31 ተጣበቅቲ ሰባኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኹነን ጸዊዖም። 01.06.2025

ናብ ትግራይ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ዝነበረ ሸቐጣ ሸቐጥ ብምዝርራብ ንምፍታሕ ከም ዝተወሰነ ተገሊጹ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህንዲ ተራኺቡ ዘትዩ፡ ሓዱሽ ውዳበ ትግራይ 'ስምረት' ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ብሓይሊ ዝተታሕዙ ግዝኣታት ኣካል ትግራይ እምበር ዘካትዑ ከምዘይኮኑ ኣፍሊጡ። ዴምክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ወርሕን ፈረቓን ኣብ ትግራይ መስራቲ ዋዕላ ከምዘካይድ ገሊጹ ኣሎ። ህወሓት ተመዛቢሉን ተሰዲዱን ዘሎ ህዝቢ ክምልስ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ኣሰማማዕቲ ኣካላትን ደጊሙ ጸዊዑ። ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ዝተብሃለ ተሓላቒ ትካል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸስስ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ CPJ ዝርከቦም ልዕሊ...

ቃለ መሕትት ምስ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ፍስሃየ ኣብርሃም 01.06.2025

እቲ ንትምህርቲ ብስደት ኣብ 1979 ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣተወ: ንፍሉጣት ኣውስትራሊያዊያን ፕሮፌሶር ፍረድ ሆሎውስን ቶማስ ከንሊ ምስ ኤርትራ ዘተኣሳሰረ: ኣብ 1989 ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግምባር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣውስትራሊያ ወግዓዊ ምብጻሕ ክገብር ዘጣጠሐ፡ ሓላፊ ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ኮይኑ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህዝቢን መንግስቲን ኣውስትራሊያ ክሳብ 32 ሚሊዮን ዶላር ኣኪቡ ናብ ሜዳ ዝሰደደ ብዙሓት ኤርትራዊያን ብማህደረ ትምህርቲ ናብ ኣውስትራሊያ ኣትዮም ብ ፒ ኤች ዲ፡ ማስተርስን ዲግሪን ንኽመሃሩ ዝሓገዘ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝኾነ ፍሰሃየ ኣብርሃም ጋሻ ኤስ ቢ ኤስ እዩ። ድሕረ ባይ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ግንቦት 2025) 29.05.2025

ንሎሚ ሓሙስ 29 ግንቦት መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከበሉ ሓዱሽ ኣፍልጦ ዝረኸበ ውዳበ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትገበር ጸዊዑ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብቲ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ከባቢታት ትግራይ ከምዘይወጹ ተሓቢሩ። ኣብ ትግራይ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ዝኽሰስ ኮሎነል ተወልደ ገብረተንሳይ ምላሽ ሂቡ። ስነስርዓት ቀብሪ ኤርትራዊ ምኒስተር ወልደሚካኤል ኣብርሃ ተፈጺሙ፡ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝጅምር መበል 50 ዓመቱ ኣብዘኽብረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ፈለማታት ምጅማር ብቛንቋ ትግርኛ ኣብ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝቐረቡ ሓሓሊፍ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ግንቦት 2025) 29.05.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምዕራብ ቪክቶርያ ዝርከብ ዓቢ ጽርግያ ፡ ሓሙሽተ ማካይን ተጋጭየን ፡ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ፡ ክልተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም ኣለዉ ። እቲ ኣብ ጋዛ ብ U-S ዝድገፍ ናይ ረዲኤት ሞደል ፡ ተወሳኺ ዕንወት ዝፈጥር እዩ ክብልሓላፊ ትካል ዉሕሃ ንፍልስጤማውያ ስደተኛታት ፡ ወይ UNRWA ኣጠንቂቑ። ኣብ ግጥም State of Origin ጋንታ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ልዕሊ ናይ ኲንስላንድ ጋንታ ማሮንስ 18 ብ6 ዓወት ናይ መጀመርታ ዓወት ኣመዝጊባ ።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብቲ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ከባቢታት ትግራይ ከምዘይወጹ ተሓቢሩ። 28.05.2025

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከበሉ ሓዱሽ ኣፍልጦ ዝረኸበ ውዳበ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትገበር ጸዊዑ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብቲ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ከባቢታት ትግራይ ከምዘይወጹ ተሓቢሩ። ኣብ ትግራይ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ዝኽሰስ ኮሎነል ተወልደ ገብረተንሳይ ምላሽ ሂቡ። ስነስርዓት ቀብሪ ኤርትራዊ ምኒስተር ወልደሚካኤል ኣብርሃ ተፈጺሙ፡

Alfred and Clinton are unlikely friends. Their friendship can teach migrant communities about reconciliation - SBS Examines: ኣልፍሬድን ክሊንተንን ኣዕሩኽ ክኾኑ ዘይትጽበዮም'ዮም፣ ዕርክነቶም ግን ንማሕበረሰባት ስደተኛታት ብዛዕባ ዕርቂ ክምህሮም ይኽእል እዩ። 28.05.2025

Alfred is an Indonesian migrant, and Clinton is an Aboriginal man from Western Australia. Their friendship changed the way Alfred understood his identity as a migrant Australian. - ኣልፍሬድ ካብ ኢንዶነዥያ ዝመጸ ኣውስትራልያዊ ክኸውን ከሎ፡ ክሊንተን ድማ ካብ ግዝኣት ወስተርን ኣውስትራልያ ዝመጸ ኣቦርጅናል እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝተፈጥረ ዕርክነት ንኣልፍሬድ ከም ሓደ ካብ ደገ ዝመጸ ኣውስትራልያዊ መንነቱ ዝርድኣሉ ዝነበረ ኣገባብ ቀይሮዎ።

ኣቶ መስፍን ሓጎስን ኣቶ ወልደየሱስ ዓማርን ብዛዕባ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝሃብዎ ቃል፡ 28.05.2025

ኣብዚ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር ምስ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህግ ዝነበረን ምስቶም ኣብ ኤርትራ ጉጅለ 15 ዝበሃሉ ለውጢ ዝጠለቡን ኣቶ መስፍን ሓጎስ፣ ከምኡ’ውን ምስ ኣብ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዓቢ ተራ ዘለዎ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማርን ካብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ቀንጪብና ደጊምና ናባኹም ኣቢልናዮ ኣለና።

ን ሽልማት “ኦርደር ኦፍ ኣውስትራሊያ” ዝሽለም ሰብ ክትሓጽዩ ሓሲብኩም ትፈልጡ ዶ፧ 28.05.2025

ኣብ ማሕበረሰብኩም ፍሉይ ጽልዋ ዝገብር ሰብ ትፈልጡዶ? ካብ ዝተፈላለየ መበቈል ወይ ዓውዲ ጸብለል ዝበለ ስራሕ ዝሰርሀ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ንሽልማት Order of Australia. ክሽለሙ ስሞም ብምርቋሕ ዓወቶም ክትጽምብልዎ ትኽእሉ ኢኹም ። ተራ ኣባላት ማሕበረሰብና ንዝረኸብዎ ዘደንቕ ስራሓት ምጽምባል ኣገዳሲ እዩ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ግንቦት 2025) 28.05.2025

ንሎሚ 28 ግንቦት 2025 ዝትዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ** ኣብ ሲድኒ መንብሪ ገዛ ነዲዱ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ። ** ሩስያን ኢትዮጵያን ንወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝዓለመ ዝርርብ ኣካይደን።.. ** ዋንጫ ፕሪምየርሊግ ዝዓተረት ክለብ ሊቨርፑል ትማሊ ሰኑይ ዓወታ ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ኣብትጽምብለሉ ብሓደጋ መኪና 27 ቆሲሎም።

ዕላል SBS ትግርኛ ምስ ወናማት ኪነ-ጥበባውያን ኣበበ ኣርኣያን ሽሞንዲ ገብረማርያምን 27.05.2025

ካብ ኢትዮጵያ ናብ መልበን፡ ኣውስትራልያ ዝመጹ ክልተ ወናማት ድምጻውያንን ኣበበ ኣርኣያን ሹሞንዲ ገብረማርያምን ኣብዚ ኣብ ስቱድዮና ዓዲምና ኣዘራሪብናዮም ኔርና። SBS ካብ ዝጅምር ምበል 50 ዓመቱ ኣብ አኽብረሉ ዘሎ እዋን ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ምስዞም ድምጻውያን ዝገበርናዮ ዕላል ተመሊስናዮ ኣለና።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ግንቦት 2025) 27.05.2025

** ቅነ ዕርቂ ኣውስትራሊያ ጀሚሩ... ** መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቓዛ ሓድሽ እማመ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ኣቕሪቡ ... ** ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኤርትራ ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃ ኣብ መበል 87 ዓመቱ ብሕማም ዓሪፉ።

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ግንቦት 2025) 26.05.2025

ን ሎሚ 26 ግንቦት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ዉሽጢን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 34 ዓመተ ነጻነት ኤርትራ የብዕል ኣሎ። ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ምስ ስነ ጥበባዊ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ) ሓጺር ዕላል። ካብ ብባህልን ቋንቋን ዝተፈልዩ ድሕረባይታታት ዝመጻ ደቀንስትዮ ብሰንኪ ፍርሒን ባህላዊ ነውርታትን (ጸለመታት) ኣድለይቲ ክትትላት ጥዕና ካብ ምግባር ይእለያ፣ ይሃድማ ወይ የወግዳ። ነዚ ንምቕያር እንታይ ክግበር ይከኣል፧ ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ሰሜን መልበርን ዝርከብ ሓደ ዓቢ ማ...

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.