SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ግንቦት 2025) 26.05.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ሰሜን መልበርን ዝርከብ ሓደ ዓቢ ማእከል ዕዳጋ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ካራሩ ብዝሓዙ ኣብ መንጎ 10 ሰባት ባእሲ ምስ ተላዕለ እቲ ማእከል ዕዳጋ ክዕጾ ኣገዲዱ። ... ** መበል 34 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻእን ክጽምበል ድሕሪ ምቕናዩ ብቐዳም 24 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ብወተሃደራውን ስነጥበባውን ምርኢታት ተሰንዩ ተጸምቢሉ። ** ኣውስትራልያዊ ኣስልጣኒ ቶተንሃም ሆትስፐር ኣንጅ ፖስትኮግሉ ኣብ ናይ ፍጻመ ግጥም ዩሮፓ ሊግ ጋንትኡ ንማንቸስተር ዩናይትድ 1-0 ስዒራ ተዓዋቲት ክትከውን ሓጊዙ፣

ናዲያ ሓሰን፡ ዕዉቲ ኣብ ቢዝነስ (መልበርን) 26.05.2025

ኣብ ኣውስትራሊያ ንልዕሊ 28 ዓመት ዝተቐመጠት ወይዘሮ ናዲያ ኣብ ማእከል መልበርን፣ ኣብ ፉትስክረይ ኣብ ዝበሃል ዓቢ ናይ ንግዲ ስቶር ኣለዋ። እዚ ኣብ 1996 ዝጀመረቶ ስራሕ ሰለስተ ሰራሕተኛታትን ኣባላት ስድራኣን ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ዕወት ዝረኸበትሉ ስራሕ እዩ። ኣጀማምራን ኣተዓባብያን እዚ ቢዝነስ ዘጋጥም ጸገማትን፣ ንሎሚ ወይዘሮ ናዲያ ሃሰን ካብተመኩሮኣ ኣካፊላትና ኣላ። እንሆ፡

ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ዛግረብ ተዓዊታ፣ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ጃፓን መድረኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ ኤርትራ ምስ ኒጀርን ደቡብ ሱዳንን ክትገጥም'ያ፣ 25.05.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/05/2025) * ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ’ዚ ዓመት ንፈለማ ግዚኣ ኣብ ውድድር 1500 ሜ ኣብ ዝተሳተፈትሉ ኣብ ዛግረብ ክብረወሰን ናይ’ቲ ውራይ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ኤርትራዊ መንእሰይ ተቐዳዳማይ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ጃፓን መድረኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ * ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብምኽንያት መበል 34 በዓል ነጻነት ኣንጻር ኒጀርን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ኣስመራ ምሕዝነታዊ ግጥማት ሰሪዑ ከካይድ’ዩ፣ * ኣውስትራልያዊ ኣስልጣኒ ቶተንሃም ሆትስፐር ኣንጅ ፖስትኮግሉ ኣብ ናይ ፍጻመ ግጥም ዩሮፓ ሊግ ጋንትኡ ንማንቸስተር ዩናይትድ 1-0 ስዒራ ተዓዋቲት ክትከውን ሓጊዙ፣ * ፕሪምየ...

"ከም ሃገራዊ በዓል ብምልኣት ክንጽምብሎ እንተኾይና ሓርንትውን ክረጋገጽ ክኽእል ኣለዎ።" ኽፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን) 25.05.2025

ኣብ ዉሽጢን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 34 ዓመተ ነጻነት ኤርትራ የብዕል ኣሎ። ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ምስ ጸሓፍን በዓል ሞያ ሕግን ኣቶ ክፍለዮንስ ተወልደብርሃ (ጎርደን) ዝተገብረ ሓጺር ዕላል።

"ናጽነትና ተሓልያ ክትነብር እንተኾይና ፍልልይ ሓሳብ ብዘየገድስ ንኹላትና ዜጋታት ናይ ልዝብ መድረኽ ክህሉ ኣለዎ።" ሃይለሚካኤል ሊንጎ 23.05.2025

ኣብ ዉሽጢን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 34 ዓመተ ነጻነት ኤርትራ የብዕል ኣሎ። ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ምስ ስነ ጥበባዊ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ) ሓጺር ዕላል።

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኢስ ትግርኛ (23 ግንቦት 2025) 23.05.2025

ንሎሚ ሓሙስ 22 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ብምኽንያት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ኣስመራ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ። ፕረዝደንት ታደሰ ወረደን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ተፈፃሚነት ውዕል ፕሪቶሪያ ተመያዪጦም። ዳያኑ ኣብያተ ፍርዲ ከተማ መቐለ፡ ዳይነታዊ ኣገልግሎት ኣቋሪፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበን ይቕጽል ኣሎ ኣ ክብል - ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ ነቒፉ። ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝጅምር መበል 50 ዓመቱ ኣብዘኽብረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ፈለማታት ምጅማር ብቛንቋ ትግርኛ ኣብ ኤስ ቢ ኤስ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ግንቦት 2025) 22.05.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ብ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተገሊሎም ኣለዉ ፣ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ድሒኖም ኣለዉ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኵሉ ግዝኣት ጋዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እስራኤል ከም ዝኸውን ደጊሙ ቃል ኣትዩ ። ወዲ ኤኳዶር ሪቻርድ ካራፓዝ ኣብ መድረኽ 11 ዉድድር ብሽግለታ ጂሮ ዲ ኢታልያ ተዓዊቱ ፣

Why are migrant women missing out on vital medical tests? - SBS Examines: ኣገደስቲ መርመራታት ጥዕና ንሓደስቲ መጻእቲ ደቀንስትዮ ዝሓልፈን ንምንታይ'ዩ፧ 21.05.2025

Many people from CALD communities, especially women, are avoiding or delaying preventative cancer care. - ካብ ብባህልን ቋንቋን ዝተፈልዩ ድሕረባይታታት ዝመጻ ደቀንስትዮ ብሰንኪ ፍርሒን ባህላዊ ነውርታትን (ጸለመታት) ኣድለይቲ ክትትላት ጥዕና ካብ ምግባር ይእለያ፣ ይሃድማ ወይ የወግዳ። ነዚ ንምቕያር እንታይ ክግበር ይከኣል፧ SBS Examines ክምልከቶ'ዩ። [መጠንቀቕታ፡ እዚ ፈነወ ዘጨንቕ ትሕዝቶ ኣለዎ።]

ብምኽንያት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ኣስመራ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ። 21.05.2025

ፕረዝደንት ታደሰ ወረደን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ተፈፃሚነት ውዕል ፕሪቶሪያ ተመያዪጦም። ዳያኑ ኣብያተ ፍርዲ ከተማ መቐለ፡ ዳይነታዊ ኣገልግሎት ኣቋሪፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበን ይቕጽል ኣሎ ኣ ክብል - ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ ነቒፉ።

"ምስ ህዝቢ ኣቦርጂን ክሰርሕ ከለኹ ምስ ህዝበይ ዝነብር ዘለኹ ኮይኑዩ ዝስመዓኒ።" ታቦቱ ኣታኽልቲ 21.05.2025

ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣውስትራሊያ ምስ ደቀባት ኣቦርጂን ትሰርሕ ዘላ ታቦቱ ኣታኽልቲ ዝገበርናዮ ዕላል እዩ። ታቦቱ ኣብ መልበርን ዓብያ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ወዲኣ እያ ናብ ርሑቕ ከባቢ ኣቦርጂናዊያን ከይዳ ኣብ ህዝቢ ደቀባት ለውጢ ንኽመጽእ እጃማ ትገብር ዘላ። ነዚ ውሳነ ክትወስድ እንታይ ደሪኽዋ? ህዝቢን ናብራን እቲ ከባቢ እንታይ ይመስልን ናይ ስራሕ ዕድል ኣብቲ ከባቢ እንተሎን ካልእን ሓቲትናያ መልሲታት ሂባትና።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ግንቦት 2025) 21.05.2025

** መንግስቲ እንግሊዝ ምስ እስራኢል ተመዲቡ ዝነበረ ሓድሽ ስምምዕ ነጻ ንግዲ ኣዲስኪልዎ። ** ኣብ ኒው ሳውዝ ወልስ ብዘሎ ምጥልቕላቕ ዉሕጅ ኣብ ሃንተርን ማእከላይ ሰሜን ግማግም ባሕርን ጽዒቑ ቀጺሉ። ** ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ነቲ 272 ቢልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ወርቃዊ መከላኸሊ ሚሳይል ንድፊ ከም ዝመረጸ ኣፍሊጡ ኣሎ ።

ዝተሰርቁ ወለዶ፡ ነቲ ታሪኽን ጽልዋኡን ምርዳእ። 21.05.2025

ኣውስትራሊያ ብዙሓት ገና ዝመሃርዎ ዘለዉ ጸሊም ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ኣለዋ ። ድሕሪ ናይ ኣውሮፓዊያን ሰፈራ ኣብ ኣውስትራሊያ ፡ህጻናት ኣቦርጂናዊያንን ቶረስ ስትሪት ኣይላንደራትን ካብ ስድራኦም ብስርዓት ተመንጢሎም ፡ ናብ ደቀባት ዘይኮኑ ሕብረተሰባት ክኣትዉ ተገዲዶም ። እቲ ዘጋጠሞምወጽዓን ማህሰይትን ከቢድ በሰላ ሓዲጉሎም እዩ ። ሎሚ እዞም ሰባት ከም ዝደሓኑ ዝተሰርቁ ውለዶ ወይ Stolen Generations ተባሂሎም ይፍለጡ ኣለዎም።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ግንቦት 2025) 20.05.2025

ኣርእስታት ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 20 ግንቦት 2025፡ ** ሰልፊ ናሽናልስን ሰልፊ ሊበራልን ኣውስትራሊያ ናይ ጥምረት ስምምዕ ክገብሩ ብዘይምኽኣሎም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ስልፍታት ዝጸንሐ ሽርክነት ከምዘብቅዐ ተፈሊጡ.. ** መንግስቲ እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽም ኣብዘጠንቅቐሉ ዘሎ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢ ካብ ዓዱ ይሃድም ኣሎ ። ** ሓደ ተቐዳዳማይ ፡ ንኣውስትራልያ ብእግሩ ብምስንጣቕ ኣብ ዓለም ዝቐልጠፈ ተቐዳዳማይ ብምዃን ክብረ ወሰን ሒዙ ።

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ግንቦት 2025) 19.05.2025

ን ሎሚ 19 ግንቦት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። 69 ዝዕድመኦም ጳጳስ ሮበርት ፕረቮስ መበል 267 ቅቡእ ዝፋን ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም፡ ሊዮ መበል 14 ተባሂሎም ነታ ልዕሊ 1.4 ብልዮን ኣመንቲ ዘልውዉዋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክመርሑ ተመሪጾም ኣለዉ። ሓድጊ ሊቀጳጳስ ፍራንሲስ፡ ምምራጽ ሊዮ መበል 14 ካቶሊካዊያን ክመይ ከምዝተቐበልዎ ኣብ ኣውስስትራሊያ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝመጹ ካቶሊካውያን ዘገልግሉ ዘለዉ ምስ ኣባ ስምኦን ምሕረተኣብ ዝገበርናዮ ዕላል ካል ኣይ ክፋልን ናይ መወዳእታን ሎሚ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ንክስ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ግንቦት 2025) 19.05.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን ጋዛ ሰፊሕ ሓድሽ ናይ መሬት ወተሃደራዊ ስርሒታት ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ] ኣብ እዋን ጽምብል መመረቕታኦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ፡ ንትምህርትታት ካቶሊኻዊት ቤተ ክርስትያን ንምሕላው ቃል ኣትዮም ። ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ፣ ኣብ ጀርመን፣ ተሳቲፉ ኣብ’ዚ ሰሙን ንኻልኣይ ግዚኡ ብሉጽ ውጽኢት ብምምዝጋብ ካልኣይ ወጺኡ፡

ሎምቅነ ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተዉ ተጋሩ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝደልዩ ከም ዘለዉዎም ተገሊጹ። 19.05.2025

ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ንክስታት አቶ ጌታቸው ረዳ ነፂጉ። ሎምቅነ ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተዉ ተጋሩ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝደልዩ ከም ዘለዉዎም ተገሊጹ። ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብሰኔት ኣመሪካ ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ። ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ሶኑይ ጀሚሮም ብደረጃ ሃገር ኣድማ ከካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ቢንያም ግርማይ ክልተ ግዜ ኣብ'ዚ ሰሙን ዝድነቕ ካልኣይ ወጺኡ፣ መዲና አይሳን ሰለሞን ባሬጋን ኣብ ማንቸስተር ተዓዊቶም፣ 18.05.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (19/05/2025) * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ፣ ኣብ ጀርመን፣ ተሳቲፉ ኣብ’ዚ ሰሙን ንኻልኣይ ግዚኡ ብሉጽ ውጽኢት ብምምዝጋብ ካልኣይ ወጺኡ፡ * ኣውስትራልያዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ካሌብ ኤዋን ብቕጽበት ካብ ስፖርት ዓለም ክሰናበት ምዃኑ ገሊጹ፣ * ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት መዲና አይሳን ሰሎሞን ባሬጋን ኣብ ማንቸስተር ተዓዊቶም፣ * ክሪስታል ፓላስ ኣብ ልዕሊ ዓርሞሸሽ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዓወት ድሕሪ ምምዝጋባ ንፈለማ ግዜ ኣብ ታሪኻ ዋንጫ ኤፍኤ ካፕ ዓቲራ፣ * መበል 37 ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻይድሉ ኤቨርተን ናይ ቀደም ሜ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ግንቦት 2025) 15.05.2025

ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ኣብ መላእ ጋዛ ፡ እንተላይ ኣብ ጃባልያን ክሃን ዮኒስን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ብውሕዱ 80 ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብ ኢንዶነዥያ ንሰለስተ መዓልቲ ምብጻሕ ክገብር ናብ ጃካርታ ገይሹ ፣ ዴንማርካዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ማድስ ፐደርሰን ፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ጂሮ ኢታልያ ተዓዊቱ ፣

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ግንቦት 2025) 15.05.2025

ንሎሚ ሓሙስ 15 ግንቦት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተንጠልጠለ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ክኢላ ፖሊሲ ኣመሪካ፡ ገሊጾም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጓሃሃር ዘሎ ኩነታት” ውን ዘሻቕል ምዃኑ ሓቢሩ። ህወሓት ካብ መዝገብ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ ተሰሪዙ ። ገደብ ጉዕዞ ቱሪስት ናብ ትግራይ ብቅልጡፍ ፍታሕ ክግበረሉ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ጸዊዑ። ኣብ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ሓዊስካ ብዙሓት ሓካይም ተኣሲሮም ። ኣቡነ ሊዮ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም ። 69...

"ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጓሃሃር ዘሎ ኩነታት ዘሻቕል እዩ።" ኪኢላታት ፖሊሲ ኣመሪካ። 14.05.2025

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተንጠልጠለ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ክኢላ ፖሊሲ ኣመሪካ፡ ገሊጾም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጓሃሃር ዘሎ ኩነታት” ውን ዘሻቕል ምዃኑ ሓቢሩ። ህወሓት ካብ መዝገብ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ ተሰሪዙ ። ገደብ ጉዕዞ ቱሪስት ናብ ትግራይ ብቅልጡፍ ፍታሕ ክግበረሉ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ጸዊዑ። ኣብ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ሓዊስካ ብዙሓት ሓካይም ተኣሲሮም ። ኣቡነ ሊዮ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም ።

Have you been told your visa will be cancelled? This is how misinformation enables visa abuse - SBS Examines: ቪዛኹም ተሰሪዙ ተባሂሉ ተነጊርኩም ይፈልጥ ድዩ፧ ግጉይ ሓበሬታ ንሰባት ክስንብዱን ክፈርሑን ዝገብር ብኸመይ'ዩ፣ 14.05.2025

The migration system is complex and confusing. Experts say a lack of accessible support and credible information is leading to visa abuse. - The migration system is complex and confusing. Experts say a lack of accessible support and credible information is leading to visa abuse.

ኣብ ፍቕራዊ ዝምድና ዝመጽእ ምትላል ወይ ስካም ብኸመይ ንድሕን፧ 14.05.2025

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣውስትራልያውያን ልዕሊ 3200 ብናይ ፍቕሪ ስካም ወይ ምትላል ከም ዘጋጠሞምን ብሰንኩ ድማ ልዕሊ 23 ሚልዮን ዶላር ኣብ ኢድ ኣታለልቲ ከም ዝወደቐን ጸብጻባት ይሕብሩ ። መታለልቲ ወይ ስካመራት ኣስራርሓኦም ኣብዝራቐቐሉ ዝለዉ ፍቕሪ ዝደሊ ዘበለ ኵሉ ድማ ኣብ ውዲቶም ብቐሊሉ ክወድቁ ይኽእል እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ትሕዝቶና ብዛዕባ ስካመራት/መታለልቲ ከመይ ከምዝሰርሑ ፤ እቶም ክትጥንቀቐሎም ዝግባእ ቀይሕ መስመራትን ፤ ግዳይ ናይ ፍቕሪ ስካም እንተኾይንካ እንታይ ክግበር ከምዘሎካ ክግለጽ እዩ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ግንቦት 2025) 14.05.2025

ንሎሚ 14 ግንቦት 2025 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርስታት ** ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን ምስ ሱዕዲ ዓረብ ገዚፍ ናይ ኣጽዋር ስምምዕ መሸጣ ፈጺሙ። ** ቻንስለር ጀርመን ንሩስያ ሓድሽ ናይ ኤውሮጳ እገዳ ክግበረላ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ። ** ኣውስትራሊያዊ ተቐዳዳሚ ብሽግለታ ካደን ግሮቭስ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ጂሮ ኢጣልያ ሓምሻይ ወጺኡ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ግንቦት 2025) 13.05.2025

ንሎሚ 13 ግንቦት 2025 ዝተዳለኡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት፡ ሱሳን ሊ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ መራሒት ሰልፊ ሊበርል ኰይና ተመሪጻ ። ቀ/ሚን ካቢኔኡን ቃል ማሕላ ፈጺሞም። እቲ ብሃማስ ተታሒዙ ዝጸንሐ እስራኤላዊ ኣመሪካዊ ናጻ ድሕሪ ምውጻኡ ፡ ድሕንነት እቶም ኣብ ጋዛ ተኣሲሮም ዘለዉ ዝተረፉ እሱራት ስግ ኣት ፈጢሩ ። ድሕሪ መጥቃዕቲ RSF ሱዳን ንሰደድ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ደው ክብል ኣዚዛ።

"ሊቀ ጳጳስ ልዮ XIV ኣርትፊሽያላዊ ብልሒ ንሰብ ዘቐድም ኮይኑ ከገልግል'ዩ ዕላማ ስርሖም ክኸውን።" ኣባ ስምኦን ምሕርተኣብ 13.05.2025

69 ዝዕድመኦም ጳጳስ ሮበርት ፕረቮስ መበል 267 ቅቡእ ዝፋን ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም፡ ሊዮ መበል 14 ተባሂሎም ነታ ልዕሊ 1.4 ብልዮን ኣመንቲ ዘልውዉዋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክመርሑ ተመሪጾም ኣለዉ። ሓድጊ ሊቀጳጳስ ፍራንሲስ፡ ምምራጽ ሊዮ መበል 14 ካቶሊካዊያን ክመይ ከምዝተቐበልዎ ኣብ ኣውስስትራሊያ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝመጹ ካቶሊካውያን ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባ ስምኦን ምሕረተኣብ ካብ ብርስቤን ኣብሪሆሙልና ኣለዉ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.