SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ኤርትራ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕን መሰላት ዜጋታታ ከተኽበርን ተሓቲታ። 18.06.2025

ሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዶባት ክራኸብ ጀሚሩ። ኣብ ትግራይ "ዝተረጋገዐ መንግስቲ ክህልዋ ኣይከኣለን።" ክብል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገሊጹ። ይኣክል ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ" ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ምክያድ ጀሚሩ። ኤርትራ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕን መሰላት ዜጋታታ ከተኽበርን ተሓቲታ። ኢትዮጵያ ንመርመርቲ ካብ ቅትለት ወጻኢ ብዝኾነ ገበናዊ ተግባር ዘየኽስስ ኣዋጅ ኣጽዲቓ።

ኣሰራርሓ መድሕን (ኢንሹራንስ) ገዛን ትሕዝቶን ኣብ ኣውስትራሊያ 18.06.2025

ንገዛኻ ወይ ንንብረትካ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኣጋጣሚታት ክትሓስቦ ባህ ዘብል እኳ እንተ ዘይኰነ ፡ ክበጽሕ ዘይክእል ኩነታት ግን ኣይኰነን ። ከም ዕልቕልቕ ማይ ፡ ህቦብላን ባርዕ ጣሻን ዝኣመሰለ ኵነታት ኣየር ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኣውስትራልያ ስሩዕ ኣካል ህይወት እዩ ። ዋላ "ውን ተኻሪኻ ትነብር እንተኾንካ ፣ ከም ናይ ማይ መጉዳእቲ ወይ ስርቂ ብዝኣመሰሉ ነገራት ክትጽሎ ትኽእል ኢኻ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ ፡ ክኢላታትና ነቲ ኣብ ናይ ቤትን ኣብ ትሕዝቶን ዝግበር መድሕን ዝምልከት ኣገዳሲ ነጥብታት ተንቲኖም ኣለዉ፣ ክትጥንቀቐሉ ዝግባእ ነገራትን እቲ ንመድሕን ዝኽፈል እናዛየደ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እንታይ ክትገብር...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሰነ 2025) 18.06.2025

**ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ ምስ ራሻ ምትሕሓዝ ዘለወን 60 መራኽብ ንፈለማ እዋን ማዕቀብ ገይራ። ** ዶናል ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ኢራንን እስራኤል ዘካይዳኦ ዘለዋ ዉግእ “ዓቕላ ትውድእ ኣላ” ክብል ገሊጹ። ** ኣብ ኬንያ ብርቱዕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተኻይዱ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሰነ 2025) 17.06.2025

** ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ሓድሽ ዝተመርጸ ደቡብ ኮርያዊ ፕረሲደንት ተራኺቡ ተዘራሪቡ፡ ምስ ፕ/ ዶናልድ ትራምፕ ተመዲቡ ዝነበረ ርክብ ግና ተሰሪዙ። **ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን ምቕታል ነቲ ግጭት መደምደምታ ዝገብር እዩ ኢሉ... ** መንገዲ ዓዲግራት-ደውሃን-ኢሮብ ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ።

"ነቲ ሕጊ ዝፈጠረ ህዝቢ ከመይ ጌርካ ሕጊ ትኸልኦ፧" ዕላል ኤስ ቢ ኤስ ምስ ስነ ጥበበኛ ዮሃንስ ትካቦ 16.06.2025

ምስ ፍሉጥ ስነ ጥበባዊ ዮሃንስ ትካቦ ምስ ሬድዮ ኤስ ቢ ኤስ ዝገበሮ ዕላል ብምኽንያት ጽምብል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር ደጊሙ ዝቐርብ ዘሎ ትሕዝቶ

ዕላል ምስ ጸሓፊ መጽሓፍ “Echoes of Bravery" ዓምር ሓጎስ ማሕሙድ 16.06.2025

ኣብዚ ቕሩብ እዋን ብ ዓምር ሳልሕ ሓጎስ (Aamer S. Hagos ) ዝተጻሕፈት መጽሓፍ “Echoes of Bravery: Martyr Mohmoud Ibrahim’ Enduring Legacy” ተዘርጊሓ ኣላ። ምስ ደራሲ ብዛዕባ መጽሓፉ ዝገበርናዮ ዕላል።

ኣመሪካ ኣብ ኲናት እስራኤል-ኢራን ክት ኣቱ ድያ፧ እስራኤል ንምንታይ ኣብዚ እዋን ንኢራን ተጥቅዓ'ላ ዝቕጽል ስጉምቲ'ኸ እንታይ እዩ፧ 16.06.2025

ነዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ኣዚዩ ሓደገኛ ምዕባለ ዝምልከት ዝቐረበ ትንታነ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝዓበየ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዋ ፡ ነቲ ውግእ ከተዕርጎን ንምቕጻልን ክትዳሎ ከም ከምዝጸንሐት ክኢላታት ይሕብሩ ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ሰነ 2025) 16.06.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ሕንዲ ኡታራካንድ ፡ ንንግደት ሂንዱ ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ሄልኮፕተር ወዲቓ ብምሕምሻሻ ኣብ ዉሽጣ ዝነበሩ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣመሪካውያን ንመሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ ብምቅዋም ናብ ጐደናታት ኣፍሲሶም ። ኣውስትራልያ ናብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ሓሊፋ፣ ዋንጫ ዓለም ክለባት ፊፋ ኣብ ትሕቲ ኣሰካፊ ኩነታት ኣብ ኣሜሪካ ተጀሚሩ፣

ኣውስትራልያ ናብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ሓሊፋ፣ ዋንጫ ዓለም ክለባት ፊፋ ኣብ ትሕቲ ኣሰካፊ ኩነታት ኣብ ኣሜሪካ ተጀሚሩ፣ 15.06.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/06/2025) * ኤርትራውያን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ዝተሳተፍሉ ቅድድም ብሽግለታ ክራይተርየም ዱ ዶውፊን ብዓወት ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ተዛዚሙ፣ * ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪን ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ዝነበረ ሙሉጌታ ከበደ ካብ’ዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልየ ጋንትኡ ነበር ቅዱስ ጊዮርጊስ ገሊጻ፣ * ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ ወይ ሶከሩስ ዝሓለፈ ሰሙን ንሻድሻይ ተኸታታሊ ግዜኣ ናብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ፣ * ፊፋ ብፍሉይ ኣሰራርዓ ዘዳለዎ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም ክለባት ኣብ ትሕቲ ኣሰካፊ ኩነታት ኣተሓሕዛ ስደተኛታትን መጻእትን ኣ...

ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ዝፈሸለ ገሊጹ። 15.06.2025

ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ዝፈሸለ ገሊጹ። ሚንስተር ዜና ብወገኑ ኤርትራ ባሕራዊ ግዝኣታን ዘይግሰስ ልኡላዊ መሰላትን ንሓራጅ ከተቕርቦ ድልውቲ ኣይኮነትን ዝብል ምላሽ ሂቡ። ብተዛማዲ ሓበሬታ ሓይሊ ባሕሪ #ኢትዮጵያ "ስርሒታዊ ዓቕሚ" ንምዕባይ ስልጠና ንጡፋት ጀላቡ የካይድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ናይ ትግራይ ሓዊስካ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ ዓድታቶም ክምለሱ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ፀዊዑ። ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምርግጋፅ ከምዝስራሕ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ሌ/ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ ተዛሪቡ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ሰነ 2025) 12.06.2025

ንሎሚ ሓሙስ 12 ሰነ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ምስ ኣዲኣን ኣሕዋታን ኣብ መንበርን ትነብር ፋሺን ዲዛይነር በዓልቲ ብሩህ መጻኢ ዊኣም ዓብዱ ሐጅ፡ ቅድሚ በቲ ዓውዲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ምጅማራያ ብንእስነታ ነቲ ሞያ ጀሚራቶ፡ እቲ ትነጥፈሉ ዓውዲ ብኸመይ ጀሚራቶ፡ ዕድላቱን ግድላቱን፡ ህልዊን መጻኢን መደባታን ካልእን ኣዕሊላትና ኔራ። (ብምኽንያት 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ዳግም ሎሚ ከነቕርቦ ኢና፡። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ተምሃሮ ሃገራዊን ብሄራዊ ፈተና ምውሳድ ጀሚሮም። ኣብ መቐለ ናብ ዓድና ምለሱና ዝበሉ ሰልፈኛታት መቐለ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ሰነ 2025) 12.06.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ፡ ((LAPD)) ፡ ኣብታ ከተማ ሰዓት እቶ እቶ ድሕሪ ምትግባሩ ኣባላት ፖሊስ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከም ዘካየዱ ይገልጽ ። ኣባል ፓርላማ ካብ ሰልፊ ለበር ኤድ ሑሲክ ኣብ ልዕሊ ክልተ እስራኤላውያን ሚኒስተራት እገዳ ከምዝተበየነሎም ብምምጓስ ፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተወሳኺ ስጉምቲ ኽወስድ ሓቲቱ ። እንግሊዛዊት ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ንኣውስትራልያዊ ኣሰልጣኒኣ ዝነበረ ኣንጅ ፖስትኮግሉ ክልተ ወቕትታት ምስኣ ድሕሪ ምጽንሑ ከም ዘባረረቶ ኣፍሊጣ

"ኩባዊያን: ኣብ ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ብመጻሕፍቲ ተጻሒፉ ክዝከር ዝግብኦ ኣይተዘከረን" ፍቕረ ረታ (ራያ) 11.06.2025

ፊደል ካስትሮን ኩባውያንን ኣብ ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ከምኡውን ኣብ ኩባ ዝሓደግዎ ኣሉታዉን እወታዊን ጽልዋታት ብዛዕባ ዝምልከት ምስ ምሁር ሳይንስ ፖለቲካ ኣቶ ፍቕረ ረታ ዝተገብረ ቃለ ምሕትት። እዚ ብምኽንያት ዝኽሪ ልደት 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ዳግማይ ዝቐረበ እዩ።

How do Australia's new laws help prevent and respond to hate speech? - SBS Examines: ሓደስቲ ሕግታት ኣውስትራልያ ዘረባ ጽልኢ ኣብ ምክልኻልን መልሲ ኣብ ምሃብን ከመይ ይሕግዙ፧ 11.06.2025

According to the United Nations, governments around the world are struggling to counter hate speech. - ብመሰረት ሓበሬታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መንግስታት ዘረባ ጽልኢ ኣብ ምምካት ይጽገማ ኣለዋ።

ናይ ኢትዮጵያ ረቂቕ በጀት 2018 ዓ.ም 1 ነጥቢ 93 ትሪሊየን ብር ኮይኑ ቀሪቡ። ካብዚ ናይ ትግራይ 18.9 ቢልዮን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። 11.06.2025

ኣብ ኤርትራን ትግራይን ተምሃሮ ሃገራዊን ብሄራዊ ፈተና ምውሳድ ጀሚሮም። ኣብ መቐለ ናብ ዓድና ምለሱና ዝበሉ ሰልፈኛታት መቐለ ሓጹር ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ጥሒሶም ኣትዮም። ናይ ኢትዮጵያ ረቂቕ በጀት 2018 ዓ.ም 1 ነጥቢ 93 ትሪሊየን ብር ኮይኑ ቀሪቡ። ካብዚ ናይ ትግራይ 18.9 ቢልዮን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ትርከበን 12 ሃገራት ዘንበሮ እገዳ መገሻ ኣብ ስራሕ ውዒሉ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ ናይ ዋሕስ መሰሉ ክሕሎ ቤትፍርዲ ወሲኑ፡

"ኣብ ዓለም ፍልጥቲ ፋሺን ዲዛይነር ክከውን'የ" ዊኣም ዓብዱ ሐጅ 11.06.2025

ስም ዓብዱ ሐጅ ክጥቀስከሎ፡ ብዙሓት ብፍላይ ድማ መስኮት ተለቪዢን ኤርትራ ዝከታተሉ ዝነበሩ ወይውን ንሓደ ኣምባሳደር ናይ ኤርትራ ዝነበረ ኣብዚ እዋን ግና ኣብ ኤርትራ ኣብ ማሕቡስ ዝርከብ ክዝክሩ ይኽእሉ። ሎሚ ግና ብዛዕባ ዓብዱ ሐጅ ዘይኮነስ ምስ ዉላዱ ዝኾነት መንእሰይ ዊኣምን ስርሓን ኢና ክንፋለጥ። ምስ ኣዲኣን ኣሕዋታን ኣብ መንበርን ትነብር ፋሺን ዲዛይነር በዓልቲ ብሩህ መጻኢ ዊኣም ዓብዱ ሐጅ፡ ቅድሚ በቲ ዓውዲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ምጅማራያ ብንእስነታ ነቲ ሞያ ጀሚራቶ፡ እቲ ትነጥፈሉ ዓውዲ ብኸመይ ጀሚራቶ፡ ዕድላቱን ግድላቱን፡ ህልዊን መጻኢን መደባታን ካልእን ኣዕሊላትና ኣላ፡ መንእሰይ ዊኣም ዓንዱ ሐጅ። (ብምኽንያ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሰነ 2025) 11.06.2025

** ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ናይ ኦስትሪያ ብጥይት ንተኳሲ ወሲኹ 11 ሰባት ተቐቲሎም ... ** ትራምፕ፡ ሎስ ኣንጅለስ ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ስለ ተወረረት “ነታ ከተማ ነጻ ከነውጽኣ ኢና።” ኢሉ። ** ጋንታ ሶኮሩ ን ሱዕዲ ዓረብ ስዒራ ናብ ፊፋ 2026 ምሕላፋ ኣረጋጊጻ።

“ ካብ ቁልዕነተይ ኣትሒዘ መስትያት’የ ዝፈቱ ኔረ” በዓልቲ ሞያ ስነ ጽባቐ ሓናን እድሪስ 10.06.2025

ትሕቲ ዕድመ ከላ ተመርዕያ ትሕቲ ዕድመ ከላ ድማ ቆልዓ ወሊዳ እያ ናብ ኣውስትራሊያ ተሰዲዳ። ንኹሉ ዘጋጥማ ማሕለኻታት ሰጊራ ግና፡ ንሓሙሻይ ርእሳ ስራሕ ዝፈጥር ናይ ስነ ጽባቐ ስራሕ ንግዲ ኣማዕቢላ። ዛጊት ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዝመጹ ብዙሓት ዓማዊል ኣጥርያ ኣላ። እታ ኣብ እዋን ንእስነታ ዝወለደታ ዓባይ ጓላውን ኣብ ስራሕ ትሕግዛያ፡ ብስነ-ጽባቐን ኣርትን ትመሃር ኣላ። ናይ ርሑቕ ጠመተ ሓናን ምስ ጓላ ነቲ ቢዝነስ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምብጻሕ ዘይሕለል ጻዕሪ እያ ትገብር ዘላ። ብምኽንያት ዝኽሪ ምጅማር 50 ዓመት SBS ዳግም ናብ ሰማዕቲ ኣቢልናዮ ኣለና።

ሓጸርቲ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሰነ 2025) 10.06.2025

** ኣብ ሎስ ኣንጀልስ ተላዒሉ ዘሎ ማዕበል ተቓዉሞ ደው ንምባል ኣማኢት ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ን ሃገራዊ ሓለዋ ክሓብሩ ትእዛዝ ተዋሂቡ። ** ኣባል ሰልፊ ለበርን ምክትል ፕሪሜር ኒው ሳውዝ ወልስ ፕሩ ፓር ብካንሰር ጡብ ሓሚማ... ** ረድኤትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሒዛ ካብ ኢጣልያ ናብ ቓዛ እትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ብወተሃደራት እስራኤል ከም ዝተታሕዘት ተፈሊጡ። ** ኣብ ማራቶን ኣስመራ 2025፡ ኣባል ክለብ ደንደን ደበሳይ ደሳለ ቀዳማይ ወጺኡ።

ዕላል ምስ ድምጻዊ ስዒድ ዓብደላ ምስ ረድዮ ኤስ.ቢ.ኤስ. (Interview with Sied Abdela: SBS Tigrinya) 09.06.2025

ስዒድ ዓብደላ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ብፍላይ ድማ ኣብ ደርፊ ትግረ ዓቢ እጃም ዘበርከተ እዩ፡ ሎሚ ብስደት ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብር ዘሎ ወዲ ዓብደላ ኣብ ደርፊ ዝገበሮ ስራሓትን ኣብ ዘበን ስደቱ ዘለዎ ትልሚን ምስ ሬድዮ ኤስ.ቢ.ኤስ ኣዕሊሉ ኣሎ ምሉእ ትHዝቶ እቲ ዕላል ንምስማዕ ኣብዚ ተውቑ፡፣

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሰነ 2025) 09.06.2025

ን ሎሚ 09 ሰነ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ሎሚ 9 ሰነ ኤስ ቢ ኤስ ዝጀመረሉ መበል 50 ዓመት እዩ። በዚ ኣጋጣሚ እንቋዕ ኣብጽሓና ንብል። እቲ ኣብ 1975 ብዉሑዳት ቋንቋታት ዝጀመረ መደብ ኣብዚ እዋን ንከም ቋንቋታት ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ሶማልን ዲንካን ካልእ ቋንቋታት ኣፍሪቃ ወሲኹ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት ዝተፈላለዩ መደባት ኣብ ምቕራብ ዝነጥፍ ዘሎ ህዝባዊ ሬድዮ እዩ። ነዚ ናይ መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር፡ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንማሕበረሰቦም ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ተመኩሮኦም ኣብ ምክፋልን ንሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እግሮም ክተኽሉ በብእዋኑ ኣብ ኣድ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሰነ 2025) 09.06.2025

ኣርእስታት ዜና፥ 830 ኣውስትራሊያውያን ከም ኣካል ጽምብል መዓልቲ ልደት ንጉስ ናይ ክብሪ ስልማታት ረኺቦም እዮም ። ፕረዚደንት ትራምፕ ፡ 2,000 ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ (National Guard) ነቲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግር ደው ንኸብሉ ኽወፍሩ ስልጣን ሂብዎም ኣሎ ፣ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ተኒስ ዉድድር ፍረንች ኦፐን ንጃኒክ ሲነር ብምስዓር ሻምፕዮን ኮይኑ ።

“ለውጢ እንተመጺኡን ኣምላኽ ዕድመ እንተወሲኹኒን እታ ሕልመይ ክፍጻማ’የ” ፕሮ. በረኸት ሃብተስላሴ 09.06.2025

ብምኽንያት ዝኽሪ ምጅማር SBS መበል 50 ዓመት ምስ ፕሮ.በረኸት ሃብተስላሴ፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ንድፊ ቅዋም ኤርትራ ኮይኑ ቅዋም ዝጸሓፈ ኣብርእሲ ምዃኑ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኒኡን ብዛዕባ ኣፍሪቃን ዓለምን ዝምልከት ብዙሕ ጽሑፋትን መጻሕፍቲን ጽሒፉ ዘሕተመ እዩ። ብዛዕባ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ዘዕለልናዮ ደጊምና ኣቕሪብና ኣለና። “ህዝቢ ኤርትራ መስተንክር ታሪኽ ዝሰርሐ ህዝቢ ስለዝኾነ ክእለት ዘለኩም ብዛዕባኡ ክትጽሕፉ ኣለኩም።”

ኣውስትራልያዊ ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ኣንጅ ፖስትኮግሉ ካብ ስርሑ ተባሪሩ፣ ሮናልዶ ኣብ መበል 40 ዓመቱ ምስ ሃገሩ ዋንጫ ዓቲሩ፣ 08.06.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/06/2025) * ቅድድም ብሽግለታ ክራይተርየም ዱ ዶውፊን ብዓወት ኣባል ጋንታ ዩኤኢ ቲም ኤሚረትስ - ኤክስኣርጂ ዝኾነ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ኣብ ፈረንሳ ተጀሚሩ፣ ኤርትራውያን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ይሳተፉ’ለዉ፣ * ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ታዱ ተሾመ ማሩ ካብ ውድድር ወጻኢ ወዝቢ ንዝካየድ መርመራ ደም ኣትለቲክስ ዓለም ዘላቶ ቦታ ብዘይምሕባራ ጥሕሰት ፈጺማ ናይ 22 ኣዋርሕ እገዳ ተነቢሩላ፣ * እንግሊዛዊት ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ንኣውስትራልያዊ ኣሰልጣኒኣ ዝነበረ ኣንጅ ፖስትኮግሉ ክልተ ወቕትታት ምስኣ ድሕሪ ምጽንሑ ከም ዘባረረቶ ኣፍሊጣ, * ክሪስትያኖ ሮናልዶ ኣብ መበል...

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪክ በሪ ባሕሪ(ወደብ) ዝሰኣነትሉ መገዲ ዘየለ ግፍዒ ክብል ገሊጹዎ። 08.06.2025

ሃገራዊ መድሕን ኮርፐረሽን ኤርትራ፡ኣስታት $6-ሚሊዮን ዶላር ከም'ዝኸሰበ ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪክ በሪ ባሕሪ(ወደብ) ዝሰኣነትሉ መገዲ ዘየለ ግፍዒ ክብል ገሊጹዎ። ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ ንብልጽግና ነቒፉ ሎ። ኣብ ኣክሱም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ብህጹጽ ክፍትሑ ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ ሓቲቱ። ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ ንኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ዜጋታታ ብምርሳዕ ኣብ ዓለም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣቐሚጥዋ። "ይኣክል ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ !! " ዝብል ቴማ ዘለዎ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ዪ። ዴሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ፈላማይ ኣኼባ ኣመራርሓ ዞባታት ተዛዚሙ። ሰሙና...

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.