SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1429 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Be sure to visit the podcast's website and support the creator: www.sbs.com.au

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Oct 26, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android almost 10M downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ጥቅምቲ 2025) 09.10.2025

ሎሚ ሓሙስ 09 ጥቅምቲ 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ፡ ንሱዳናዊ ኣዛዚ ሚሊሻ ዓሊ ሙሓመድ ዓሊ ዓብድ-ራሕማን ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበነኛ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ ። ነቲ ኣብ ግጭት ዳርፉር ዘጋጠመ ኣስታት 300,000 ሰባት ዝቐተለን ብግምት ካብ 2.7 ሚልዮን ሰባት መዛበለን ግፍዒ ፡ ናይ ፈለማ ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን እዩ ። ሙሳብ ሓሰን ዝበሃል ካብዚ ጃምላዊ ቅትለት ዝደሓነ ሰብኣይ: እቲ ብይን ንኹሎም ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ቀሪቦም ንህዝቡ ተስፋ ከም ዝህብ ገለጸ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝ...

ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ካልኦት ማሕበረሰባት ዲያስፖራን ዝበጽሖም ስግረዶባዊ ጭቆናን ክትትል መንግስቲ ኣውስትራሊያን፡ (ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ) 09.10.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ብዙሓት ማሕበረሰባት ዲያስፖራ ዝበጽሖም ስግረዶባዊ ጭቆና ዒላማ ዝገበረ ጻዕርታት ንምምካት ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝገበሮ ጻዕርታት ንሰኔት ኣፍሊጡ። ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ሰላም ሓማስ ዝርዝር ኣስማት እቶም ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ክፍትሑ ዝደልዮም ፍልስጢኤማዊያን እሱራት ኣረኪቡ፣ ኤርትራ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ብዝዕባ ሃገሩ "ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣፍደገ ባሕሪ” ከም ዝተመንዝዐት ዝሃቦ መግለጺ መልሲ ሂባ።

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ብዛዕባ ጅምላዊ ቅትለት ዳርፉር ኣብ ናይ ፈለማ ብይኑ ኣሕሊፉ። 08.10.2025

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ፡ ንሱዳናዊ ኣዛዚ ሚሊሻ ዓሊ ሙሓመድ ዓሊ ዓብድ-ራሕማን ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበነኛ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ ። ነቲ ኣብ ግጭት ዳርፉር ዘጋጠመ ኣስታት 300,000 ሰባት ዝቐተለን ብግምት ካብ 2.7 ሚልዮን ሰባት መዛበለን ግፍዒ ፡ ናይ ፈለማ ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን እዩ ። ሙሳብ ሓሰን ዝበሃል ካብዚ ጃምላዊ ቅትለት ዝደሓነ ሰብኣይ: እቲ ብይን ንኹሎም ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ቀሪቦም ንህዝቡ ተስፋ ከም ዝህብ ገለጸ ።

ኣርእስቲ፣ ድምጻዊ ገብረጻድቕ ወልደዮሃንስ እንኪዝከር፡ 08.10.2025

ነብስሄር ድምፃዊ ገብረፃድቅ ወልደዮሃንስ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ዝለዓለ ኣበርክቶ ነይርዎ።ውሩይ ድምፃዊ፥ደራሲ ግጥምን ዜማን፥ተፃዋቲ ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ሙዚቃ እዩ።ነቲ ከያኒ ዝዝክር ሓደ መድረክ ኣብከተማ መቀለ ተሰናዲኡ ኣብ ዝነበረሉ ዝተዳለወ መድብ እዩ።

ኢትዮጵያ ፡ ኤርትራ ምስ ህወሓት ኮይና ኣብ ከተማ ወልዲያ "ውግእ ከፊታትለይ" ብምባል ንኤርትራ ከሲሳታ። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 08.10.2025

** መራሕቲ ፖለቲካ ኣውስትራሊያ ንግዳያት ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲን ነቶም ገና ኣብ ጋዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ሓዘኖም ገሊጾም ። ** ብትእዛዝ ፕረሲደንት ዶናል ትራምፕ ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ ናብ ቺካጎ ኣትዮም... ** ኢትዮጵያ ፡ ኤርትራ ምስ ህወሓት ኮይና ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ወልዲያ "ውግእ ከፊታትለይ" ብምባል ን ኤርትራ ከሲሳታ።

Road trips in Australia: What you need to know before hitting the road - ጉዕዞ መገዲ ኣብ ኣውስትራሊያ : ቅድሚ ጉዕዞ ምጅማር ክፍለጡ ዝግብኦም ነገራት 07.10.2025

There’s no better way to experience Australia than hitting the road. Between the wide-open landscapes, country bakery pies, and unexpected wildlife, a road trip lets you take in the country at your own pace. But even if you’ve driven overseas, Australia comes with its own set of challenges, especially when you venture off the beaten path. - ንኣውስትራሊያ ንምስትምቓራ ካብ ብመገዲ ምጓዓዝ ዝበለጸ ካልእ የለን ። ኣብ መንጎ "ቲ ሰፊ...

"ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 7ይ መረጻ ከተካይድ እያ" ፕር/ ታየ፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (7 ጥቅምቲ 2025) 07.10.2025

** ኣብ ግብጺ ዝርርብ ምቁራጽ ተዂሲ ቓዛ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን እስራኤላውያንን ፍልስጢኤማውያንን ተስፋኦም ይገልጹ ኣለዉ... ** ቅዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ካብዝሽየም ወርሑ ከይመልኦ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ... ** ኢትዮጵያ ኣብዚ በጀት ዓመት (ሰነ-2026) 7ይ ሃገራዊ ምርጫ ከተካይድ ምዃና ፕረዚደንት ታየ ኣጽቀስላሴ ኣፍሊጡ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥቅምቲ 2025) 06.10.2025

ን ሎሚ ሰኑይ 6 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣቶ በላይ ገብረግዚኣብሄር ኣብ ሆባርት ታዝማኒያ ዝነብር ጥሮተኛ እዩ። ኣብ ሆባርት ቦውል ዝበሃል ጸወታ ስፖርት ምስ ጋንታ Royal Hobart Bowls Club ተሰሊፉ ይጻወት። እዚ ዓይነት ጸወታ ኣብ ኣባላት ማሕበረሰብና ዝውቱር ኣይኮነን፡ ኣቶ በላይ ኣብዚ ናይ ጥሮታ ዕድመኡ ንምንታይ ክጻወቶ መሪጹ፡ ኣብታ ጋንታ ተጸምቢሩ ምጽዋቱ እንታይ ረብሓ እዩ ረኺብሉ፧ ካልኦት ሰባት ክስዕብዎ ዝገብሮ ፈተነን ካልእ ምስቲ ዝገብሮ ንጥፈታት ዝተሓሓዝ ኣዕሊሉና ኣሎ።። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኮንፈረንስ መቐለ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ 'ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንክ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥቅምቲ 2025) 06.10.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ** ሩስያ ፡ ትማሊ 5 ጥቕምቲ ኣብ መላእ ዩክረይን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ሚሳይላትን ድሮንን ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም ፣ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ዓንዩ ። ** ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝተፈጥረ ዕልቕልቕ ኣስታት 19 ሰባት ቀቲሉ 640,000 ሰባት ድማ በቲ ሓደጋ ከምተጸልዉ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ** ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ዝገበሮ ጻዕሪ ፡ ንእስራኤል ብዙሕ ዝጠቅም ምዃኑ ገሊጹ ።

ሕልፈት ህብብቲ ተጣባቒት እንስሳ ዱር ዶ/ር ጄን ጉዳል 05.10.2025

እታ ህብብቲ ተጣባቒት ኣከባቢን ተመራማሪት ስነ ፍልጠትን ዓለምለኻዊ ተጣባቒት እንስሳ ዱርን ዝነበረትጄን ዳይም ጉዳውል ኣብ 91 ዓመት ዕድሚኣ ዓሪፋ ።

ኮንፈረንስ መቐለ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ 'ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንክሰጋገር እጃምና ክነወፊ ኢና'ኢሉ። 05.10.2025

ኣብ ትግራይ ብሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን 'ቦቶክስ' ብምጥቃም ዕውት መብጣሕቲ ተኻይዱ። ክሽቦ ጓልኣንስተይቲ ንምውጋድ፡ ውሁድ ጻዕሪ መሻርኽቲ ክዓዝዝ ጻውዒት ቀሪቡ። ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ብነዳዲ ዝሰርሓ ዓበይቲ መካይን ከይኣትዋ ኣጊዱ። ኮንፈረንስ መቐለ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ 'ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንክሰጋገር እጃምና ክነወፊ ኢና'ኢሉ።

ጥዕና ስድራቤት ኣዴታትና ብዝኽሽነኦ መግቢ'ዩ ብዝለዓለ መጠን ዝውሰን 05.10.2025

ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝመጽወን ሃገራት ብዓይነት ሰብን ክኢላዊ ሞያን ጥራይ ዘይኮና ዝህብትማ በቲ ሒዞሞ ዝመጹ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ልምዲ፣ ኣመጋግባ፣ ኣለባብሳ፣ ሙዚቃን ስነጥበብን’ውን ይህብትማ’የን። ምናልባት ነዚ ከም ኣወንታ ድየን ዝምልከተኦ ወይስ ከም ኣሉታ ምስ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ሃዋህው፣ ትብዓት መራሕቲ፣ ህዝባዊ ደገፍን በብግዚኡ ዝቀያየር ርእይቶ ህዝብን ክፈላለ ይኽእል። ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ ከም’ዚኤን ዓይነታት ሃገራት ኮይና በብግዚኡ ብብዝሒ ወይ ብእኩብ ወይ ድማ በብውሑድ ብቐጻሊ ብዝመጹ ማዕበላት ህዝቢ ዝኸሰበትን ዝተቐየረትን ሃገር’ያ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ጥቅምቲ 2025) 02.10.2025

ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ንሓደስቲ ዓደግቲ ገዛ ንምድጋፍ ከተግብሮ ጀሚሩ ዘሎ መደብ ፡ ዝያዳ ውድድር ዝፈጥርን ዋጋታት ዘውስኽ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ኢንዱስትሪ ስግኣቶም ገሊጾም ። ኣብ ኲንስላንድ እቲ ዝዓበየን ዝጠንተወን ትካል መፍረ ጸዓት ከሰል ፡ ካብቲ ዝተመደበሉ ኣቐዲሙ ክዕጾ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ፡ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ንባርሴሎና 2ብ1 ስዒራታ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ጥቅምቲ 2025) 02.10.2025

ንሎሚ ሓሙስ 02 ጥቅምቲ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ወርሒ መስከረም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዝተኣስርሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ። ማሕበረሰብ ኲንስላንድ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ንብዙሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ንምዝካር መዓልቲ ዝኽሪ ኣካይዶም ነይሮም። ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ፍጻመ ን ኣቶ ብርሃነ መሓርን ኣቶ ዘርኡ ቦኽረጽዮንን ብዛዕባ'ቲ ዝኽርን ሓፈሻዊ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራን ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መደያይቦ ህንጻ ቤተክርስትያን ብምፍራሱ ልዕሊ 30 ሰባት ሞይቶም። ኣብ 'ሓራ መሬት'...

#96 At a swimming lesson (Med) - ዝርርብ ኣብ ቦታ መሐምበሲ፡ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ (At a swimming lesson (Med)) 01.10.2025

Learn how to talk about swimming in English. - ትምህርቲ ቋንቋ ብዛዕባ ዘረባ ምሕምባስ። Learn how to talk about swimming in English.

"ጉዳይ ዓሰብ ዘይቅኑዕ ምባል "ባንዳነት እዩ"" ም/ሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ። ጸብጻብ፡ 01.10.2025

ኣብ ኢትዮጵያ፡ መደያይቦ ህንጻ ቤተክርስትያን ብምፍራሱ ልዕሊ 30 ሰባት ሞይቶም። ኣብ 'ሓራ መሬት' ዘለው ዕጡቓት ናብ ትግራይ ንክመፁ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብጉዳይ ባሕሪ ተመያይጡ። ምኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ጉዳይ ዓሰብ ዘይቅኑዕ ምባል "ባንዳነት እዩ" ክብል ገሊጹ።

Springtime hay fever and asthma: how to manage seasonal allergies - ኣብ እዋን ጽድያ ረስንን ኣዝማን ፥ወቕቲታት ኣብ ዝቕየረሉ ቁጥዐ ወይ ኣለርጂ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፡ 01.10.2025

Springtime in Australia brings warmth, blossoms, and longer days—but also the peak of pollen season. For millions of Australians, this means the onset of hay fever and allergy-induced asthma. - ኣብ ኣውስትራልያ ፡ ኣብ እዋን ጽድያ ፡ መሬት ክትመውቕ ትጅምር፡ ኣትክልቲ ይዕምብቡን ነዊሕ መዓልትታትን ይመጽእ ፣ በዚ ከኣ ዝለዓለ ቝጽሪ ናይ ካብ ዕምባባ ዝመጻ ጨና ፖለን ዝፍጠረሉ እዩ ። ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ኣውስትራሊያዊያን እዚ ማለት ምጅማር ናይ ልዑል ረስኒን ቁጥዐ ሰውነትን ዘስዕብ ኣዝማን ምህላው ማለት እዩ ።

ኣውስትራሊያ ምስ እስራኤል ዘለዋ ስምምዕ ምክልኻል ክትስርዝ ሓድሽ መጸዋዕታ ቐሪቡ...(ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ) 01.10.2025

** ኣውስትራሊያ ምስ እስራኤል ዘለዋ ስምምዕ ምክልኻል ክትስርዝ ሓድሽ መጸዋዕታ ቐሪቡ... ** ኣብ ኢትዮጵያ ወፍሪ ንምግባር ምሹእ ኩነታት የለን ክብል ክፍሊ ወጻኢ ጕዳያት ኣመሪካ ገሊጹ።... ** ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ መስሓቒ ፌስቲቫል ዝሳተፉ ኮመዲያን ኣንጻር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክዛረቡ እታ ሃገር ከተፍቅድ ጸዊዑ ።

ፕ/ት ኢትዮጵያ፡ ኩለን ሃገራት ንቀይሕ ባሕሪን ህንዳዊ ውቅያኖስን ብማዕረ ክጥቀማሉ ጸዊዑ፡ ሚ/ር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ድማ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ጸዊዑ።.ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ አስ ትግርኛ 30.09.2025

** ሓማስ ፡ ነቲ ኣብ ጋዛዝገር ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን እስራኤልን እተሰማምዓሉ እማመ ከምዝግምግሞ ኣፍሊጡ።... ** ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ፡ ኩለን ሃገራት ንቀይሕ ባሕሪን ህንዳዊ ውቅያኖስን ብማዕረ ክጥቀማሉ ጸዊዑ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ዑስማን ሳልሕ ድማ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ጸዊዑ።...

"ኣብ ኩሉ ክንጋጠም ፍሉይ ስለዝኾንኩ ካብ ኩሎም ተጻወቲ ዝተፈለጥኩ ኣነ እየ።" ኣቶ በላይ ገብረግዚኣብሄር ትጻዋታይ ቦውልስ 30.09.2025

ኣቶ በላይ ገብረግዚኣብሄር ኣብ ሆባርት ታዝማኒያ ዝነብር ጥሮተኛ እዩ። ኣብ ሆባርት ቦውል ዝበሃል ጸወታ ስፖርት ምስ ጋንታ Royal Hobart Bowls Club ተሰሊፉ ይጻወት። እዚ ዓይነት ጸወታ ኣብ ኣባላት ማሕበረሰብና ዝውቱር ኣይኮነን፡ ኣቶ በላይ ኣብዚ ናይ ጥሮታ ዕድመኡ ንምንታይ ክጻወቶ መሪጹ፡ ኣብታ ጋንታ ተጸምቢሩ ምጽዋቱ እንታይ ረብሓ እዩ ረኺብሉ፧ ካልኦት ሰባት ክስዕብዎ ዝገብሮ ፈተነን ካልእ ምስቲ ዝገብሮ ንጥፈታት ዝተሓሓዝ ኣዕሊሉና ኣሎ።

ቆላሕታ ዝሰሓቡ ዜናታት ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም - ቦትስዋና፣ ኬንያን ኢትዮጵያን 29.09.2025

ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ቶክዮ 2025 ንሓደ ሰሙን መመላእታ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ፍሉያት ታሪኻውያን ዓወታት ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ብምምዝጋብ ተዛዚሙ። ቦኽሪ ኣፍሪቃዊ ዓወት ኣብ'ቲ ዝለዓለ ግምት ዝወሃቦ ውድድር ምቅብባል ዱላ ጉያ እግሪ 4 X 400ሜን ኣዴታትን መሓዙትን ዝኾና ኬንያውያን ኣትሌታት ብሉጽ ዓወት ዘመዝገባሉን ብምዃን ተዘካሪ ኮይኑ'ሎ። ንኢትዮጵያ ግን እቲ ውራይ ኣብ 34 ዓመታት ተሳትፎኣ ኣብ'ቲ ውራይ ንፈለማ ግዜ ብዘይወርቂ መዳልያ ኣትሌታታ ንሃገሮም ዝተመልስሉ ብምዃን ጸሊም ተዘክሮ ዝፈጥረ ኮይኑ ሓሊፉ'ሎ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 መስከረም 2025) 29.09.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ** ሩስያ ኣብ ርእሲ ከተማ ዩክረይን ዝዀነት ኪየቭ ን12 ሰዓታት ብ ኣየር ደብዳብ ፡ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ፣ ኣብ ዙርያ እታ ሃገር ድማ ብውሕዱ 70 ሰባት ቈሲሎም ። ** ጽላት መድሃኒት ኣውስትራሊያ በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተነግረ ናይ ቀረጽ ወሰኽ ክንደይ ዝኣክል ከምዝጽሎ ብንጹር ክፍለጥ ኣይከኣልን ተባሂሉ ። ** ግጥማት A-F-L ብሪዝቤን ላየንስ ብገፊሕ 47 ነጥቢ ን ጂሎንግ ካትስ ብምስዓር፡ ጋንታ ብሪስቤን ላየንስ ተኸታታሊ ሻምፕዮንነታ ዓቂባ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 መስከረም 2025) 29.09.2025

ን ሎሚ ሰኑይ 29 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ወደብ ቴድሮስ ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን እተሰደ መንእሰይ እዩ። ኣብቲ ዝነብሮ ዘሎ ሃገር ጸገማት ምውህሃድ ስደተኛታት ምስ ሓድሽ ሃገሮም ብምግንዛብ ኣብዚ ጉዳይ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትምህርቱ ወሲኹ ቋንቋን ባህልን ጀርመን ኣጽኒዑ ንባይቶ ከባቢ ናይ ከተማ ከለን ክወዳደር ዝበቕዐ እዩ። መስርሕ ምውህሃድ፡ ናብራኻ ኣብ ስደት ኣመሓይሽካ ንዝገደፍካዮ ሃገር ክትሕግዝ ከም ዝከኣል ካብ ተሞኩሮኡ ዝሓለፈ ሰሙን ዘዕለለና መቐጸልታኡ ሎሚ ክንዛዝሞ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ፕረሲደንት ትግራይ ኩናት ከም ዘይህሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሕብረተሰብ ተረጋ...

ኣፍልጦ ሃገርነት ፍልስጢኤምን ኣመታቱን: 28.09.2025

ኣውስትራሊያ ትርከበን 150 ሃገራት ብወግዒ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ሂበን ኣለዋ። ኰይኑ ግና ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ጋዛ ውግእ ድሕሪ ምክያዱን ልዕሊ 65,000 ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን ፡ ሃገረ ፍልስጥኤም እንታይ እያ ክትመስል፧ እዚ ተፈላጥነት እዚ ስማዊ ድዩ ወይስ ናይ ሓቂ ዓለማውን ግብራውን ጽልዋ ኣለዎ፧ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ግጭትከ ደው ከብሎ ይኽእል ድዩ ፧

መንገዲ ኣየር ኖርዘርንስታር ባንዴራ ትግራይ ዘምበልብላ ክልተ ኣውሮፕላናት ዓዲጉ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምድላዋት ምህላው ገሊጹ። (ጸብጻብ) 28.09.2025

ፕረሲደንት ትግራይ ኩናት ከም ዘይህሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሕብረተሰብ ተረጋጊኡ ዕለታዊ ናብራናኡ ክመርሕ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት ትቕበለን ተሽከርከርቲ 95 ሚኢታዊ ብኤሌክትሪክ ክትገብር ወሲና ። ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ፕሮጀክት ልምዓት ኑክሌር ስምምዕነት ተፈራሪመን። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን ርክብ ኣካይዶም። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ዝምድና ንምምስራት ድሌት ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ኖርዘርንስታር ባንዴራ ትግራይ ዘምበልብላ ክልተ ኣውሮፕላናት ዓዲጉ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምድላዋት ምህላው ገሊጹ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.