SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
Child sex charges prompt urgent safety review in Victoria - ድሕነት ህጻናት ዘይሕልዋ መዋእለ ህጻናት መንግስቲ ምወላ ገንዘበን ከቋርጾ ይብል 04.07.2025 7:23
The federal government says it will be seeking new powers to strip childcare centres of funding if they don't meet safety standards. It follows revelations Victorian police have arrested a childcare worker and laid 70 charges relating to alleged sex offences. Victoria is also bringing in a number of its own reforms, and fast-tracking the already planned federal ban on mobile phones in centres. - ፈ...
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሓምል 2025) 03.07.2025 51:57
ን ሎሚ 3 ሓምለ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ል ኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ፈላማይ ዕዉት ክፋል ንቕለ-ኩላሊት ከምዘካየደ ኣፍሊጡ። ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስራሓት ዳግም ትሃንጽን ንጎረባብታ ትህወኽን ኣላ ንዝብል ክሲ ምላሽ ሂቡ። ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ቤትጽሕፈቱ ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ "መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ" ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ ወቕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 5 ሺሕ ሰባት ከም ዝኣሰረ ኣሚኑ። ኣብ ሶማልያ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ሒዛ ዝነበረት ናይ ኡጋንዳ ሄሊኮፕተር ኣብ ሞቓድሾ ተሓምሺሻ።...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሓምለ 2025) 03.07.2025 7:58
ኣርእስታት ዜና፥ ** ብዛዕባ ምስ ህጻናት ዝሰርሑ ንምጽራይ ዝግበር እዋናዊ መስርሕ ክለሳ ይግበር ኣሎ ፡ ** ሓማስ ነቲ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ 'ናይ መወዳእታ "ዝበሎ ዝቐረበ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛ ይምርምሮ ከም ዘሎ ገለጸ ። ** ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ናብ ዝቕጽል ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ’ንከላ ሊዮነል መሲን ጋንትኡ ኢንተር ማያሚን ግን ብፒኤስጂ ተሳዒሮም ተገሊፎም፣
ኤርትራ ወተሃደራዊ ስራሓት ዳግም ትሃንጽን ንጎረባብታ ትህወኽን ኣላ ንዝብል ክሲ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ምላሽ ሂቡ። 03.07.2025 10:35
ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ፈላማይ ዕዉት ክፋል ንቕለ-ኩላሊት ከምዘካየደ ኣፍሊጡ። ኤርትራ ወተሃደራዊ ስራሓት ዳግም ትሃንጽን ንጎረባብታ ትህወኽን ኣላ ንዝብል ክሲ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ምላሽ ሂቡ። ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ቤትጽሕፈቱ ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ "መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ" ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ ወቕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 5 ሺሕ ሰባት ከም ዝኣሰረ ኣሚኑ። ኣብ ሶማልያ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ሒዛ ዝነበረት ናይ ኡጋንዳ ሄሊኮፕተር ኣብ ሞቓድሾ ተሓምሺሻ።
How is alcohol regulated and consumed in Australia? - ኣልኮላዊ መስተን ኣገባቡን ኣብ ኣውስትራልያ እንታይ ይመስል፧ 02.07.2025 12:38
In Australia, alcohol is often portrayed as part of social life—especially at BBQs, sporting events, and public holidays. Customs like BYO, where you bring your own drinks to gatherings, and 'shouting' rounds at the pub are part of the culture. However, because of the health risks associated with alcohol, there are regulations in place. It’s also important to understand the laws around the legal d...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ሓምለ 2025) 01.07.2025 7:01
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ቀዳማይ ሓቂ ዝነግር ምርመራ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ደቀባት ህዝብታት ግዝኣት ቪክቶርያ ግዳያት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ጽንተተ ዓሌትን ኔሮም ክብል ደምዲሙ፣ * ላዕለዋይ ባይቶ ወይ ሰነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እቲ ሕድገታት ኣብ ግብሪ ዝገብርን ወጻኢታት ዝቕንስን ‘ቢግ ቢዩቲፉል ቢል’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እማመ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣጽዲቑ፣ * ሰራዊት እስራኤል ኣብ’ቶም ኣካታዕቲ ኮይኖም ዘለዉ መዐደሊ ነቑጣታት ረዲኤት ኣብ ቓዛ፣ ሰላማውያን ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ኣሚኑ፣ * ኣውስትራልያዊ ኮኾብ ባይታ ቴኒስ ኣሌክስ ደ ሚኖር ናይ ዊምልደን ጎስጓሱ ብዓወት ጀሚርዎ።
ሓጽርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ሓምለ 2025) 01.07.2025 5:21
** ጽምዋ ከም ዓለማዊ ጸገም ጥዕና ክፍለጥ ጻዊዒት ቀሪቡ... ** ኣብ ሰሜናዊ ኒው ሳውዝ ዌልስ ብሰንኪ ከጋጥም ትጽቢት ዝግበረሉ ሓያል ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ፡ ሄሊኮፕተራትን ክኢላታት ማካይንን ኣብ ተጠንቀቕ ኣለዉ ። ** ኣውስትራሊያዊ ጆርዳን ቶምሶን ኣብ ዉድድር ቴኒስ ዊምብልደን ናብ ካልኣይ ዙር ሓሊፉ።
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ሓምለ 2025) 01.07.2025 49:35
ን ሎሚ 30 ሰነ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ትግራይ ብጉዳይ ግዝኣት፣ ተመዛበልቲ ህወሓትን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ከም ዝዛተ ኣፍሊጡ። ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ኣብ 39 ሃገራት ሕሱም ድኽነት ብቕልጡፍ ይውስኽ ከምዘሎ ገሊጹ። ድሕሪ ምእጋድ ኢትዮጵያ ካብ ኣጎኣ 18 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ካብታ ሃገር ወጺአን ተባሂሉ። ኣብ ዛላምበሳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሞትን መቑሰልትን ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። ኣብ ምዕራብ ጎንደር ብውሕዱ 16 መራሕቲ መካይን ኣብ ሓደ መዓልቲ ተቐቲሎም። ዕላል ብዛዕባ ማሰን መልቀስን ምስ ኣርቲስት ኣስገዶም ተወልደ፡፣ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝ...
ናሆም ዘርኣይን ሞናሊዛ ኣርኣያን ኣብ ኤርትራ ተክለ ኣለማዮን ሃፍቱ ረዳን ኣብ ኢትዮጵያ ሻምፒዮናታት ቅድድም ብሽግለታ ኮይኖም፡ ሲፋን ሓሰን ናብ ሲድኒ ክትመጽእ'ያ፣ 29.06.2025 9:06
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (30/06/2025) * ሻምፒዮን ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያዊት ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ነሓሰ 31 ኣብ ዝካየድ ማራቶን ሲድኒ ክትሳተፍ ምዃና ተረጋጊጹ፣ * ሃገራውያን ሻምፒዮናታት ቅድድም ብሽግለታ 2025 ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ኣብ ዝካየድሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን'ውን ተኻይዶም፡ ናሆም ዘርኣይን ሞናሊዛ ኣርኣያን ሻምፒዮናታት ኤርትራ ክኾኑ’ንከለዉ ተክለ ኣለማዮን ሃፍቱ ረዳን ሻምፒዮናታት ኢትዮጵያ ኮይኖም፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ናብ ዝቕጽል ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ’ንከላ ሊዮነል መሲን ጋንትኡ ኢንተር ማያሚን ግን ብፒኤስጂ ተሳዒሮም ተገሊፎም፣
ድሕሪ ምእጋድ ኢትዮጵያ ካብ ኣጎኣ 18 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ካብታ ሃገር ወጺአን ተባሂሉ። 29.06.2025 8:57
ፕረዚደንት ትግራይ ብጉዳይ ግዝኣት፣ ተመዛበልቲ ህወሓትን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ከም ዝዛተ ኣፍሊጡ። ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ኣብ 39 ሃገራት ሕሱም ድኽነት ብቕልጡፍ ይውስኽ ከምዘሎ ገሊጹ። ድሕሪ ምእጋድ ኢትዮጵያ ካብ ኣጎኣ 18 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ካብታ ሃገር ወጺአን ተባሂሉ። ኣብ ዛላምበሳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሞትን መቑሰልትን ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። ኣብ ምዕራብ ጎንደር ብውሕዱ 16 መራሕቲ መካይን ኣብ ሓደ መዓልቲ ተቐቲሎም።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ሰነ 2025) 26.06.2025 10:24
ኣርእስታት ዜና፥ ዝቕባበ ወይ ኢንፍለሽን ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ወርሒ ካብ ዝጸንሐ ብምጉዳሉ ፡ መጠን ወለድ ዳግም ክጎድል ተስፋ ኣሕዲሩ ። ሕጹይ ተወዳዳሪ ዞህራን ማምዳኒ: ን ኣመሓዳሪ ኒው ዮርክ ዝነበረ ኣንድሪው ኩሞ ስዒሩ ከንቲባ ከተማ ኒው ዮርክ ንምዃን ሓደ ስጕሚ ተሪፍዎ። እንግሊዛዊት ጋንታ ሊቨርፑል መዝገብ ክብረወሰን ዕድጊ ተጻወታን ፕሪምየር ሊግን ብምስባር ንጀርመናዊ ኣከፋፋሊ ፍሎሪያን ቨርዝ ምስኣ ክጽንበር ከምዘፈረመቶ ገሊጻ፣
ብ ስድራን መቕርብን ዝድገፍ ዓወት፡ ተሞክሮ መንእሰይ ቃለኣብ ፍስሃ 25.06.2025 11:04
ናይ ሎሚ ዕዱምና ቃለኣብ ፍስሃ ኮይኑ፡ ንሱ ኣብ ቀረባ ግዜ ብ ኢኮኖሚክስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምሩቕ እዩ: ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ሂወቱን ኣብ ካልእ ንጥፈታቱን ንኽካፈል ኣብዚ ኣብ ሜልቦርን ስቱድዮና ኣዕሊሉና ኣሎ ። ቃለኣብ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ብድሆታትን ብዛዕባ እቲ እተማህሮ ትምህርትን ብዛዕባ እቲ ትኵርን ዕዉትን ክኸውን ዝሓገዞ ስትራተጅን ገሊጹልና ኣሎ ። ብዘይካዚ ፡ ነቶም ካብ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝዀኑ መንእሰያት ብቐጥታ ዝህቦም መልእኽቲ ዘለዎ ኮይኑ ፣ ትምህርቲ ብኸመይ ከም እትከታተልን ስራሕ ብኸመይ ከም እትረኽብን ኣብ ከባቢኦም ንዘሎ ኵሉ ዕድላት ብኸመይ ከም ክጥቀመሉን ከምዝኽእሉ ግብራዊ ምኽሪ ህቡ ኣሎ።
ኢትዮጵያ መንግስቲ ኤርትራ ንወራር ይዳሎ ምህላዉ ዝምልከት ክሲ ንማሕበረሰብ ኣቅሪባ። 25.06.2025 7:30
ኣብ ትግራይ፡ ድሕሪ ኲናት ዝዓበየ ምዃኑ ዝተገልጸሉ ፋብሪካ ስራሕ ጀሚሩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድጎማ ነዳዲ ምቁራጹ ሕጽረት ነዳዲ ንቁጠባዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ይዕንቅፍ ኣሎ ተባሂሉ። ኣገልግሎት ባንኪ ኢትዮጵያ ንባንክታትን ኣውፈርትን ወፃኢ ብወግዒ ክፉት ምዃኑ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኤርትራ ንወራር ይዳሎ ምህላዉ ዝምልከት ክሲ ንማሕበረሰብ ኣቅሪባ።
ካብ ሕጻንነታ ንመርዓ ናብ ብልጽቲ ዶክተር ሕክምና: ዕዉት ህይወት ዶ/ር መስቀላ ኪዱ 25.06.2025 12:13
ዶክተር መስቀላ ኪዱ እያ ትበሃል። ኣብ ማህጸን ኣዲኣ ከላ፡ ወለዳ ምስዘይትፈልጦ ሰብ ኣሕጽዮማ። ምስተወልደት ኣብ ሻድሻይ ዓመታ ንዘመዳ ከተሰኒ ተባሂሉ ብዘይ ናውቲ ትምህርቲ ናብ ስኳላ ክትመላለስ ተገብረ። ብልሓን ድልየት ትምህርታን ዝረኣዩ መማህራን ናይ ዘመዳ፡ መምሃሪ ነገራት ኣቕረቡላ። ትምህርቲ ንኸይትመሃር ዝነበረ ሓጹር ድኽነት፡ ምስግዳድ ምምርዓው ኣብ ንእስነታን ካል እን ሰጊራ፡ ዓበይቲ ዓወታት ሓፊሳ ብናይ ሕክምና ዶክተር ጥራይ ዘይኮነስ ብብሉጽ ነጥቢን ዓበይቲ ስልማታትን ጨቢጣ ተመሪቓ። ብምኽንያት 8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኽ ዶክተር መስቀላ ኣካል መደብና ኮይኑ ኣሎ።
መዲያን ዉክልናን ደቀባት 25.06.2025 9:01
ውክልና ደቀባት ኣውስትራሊያዊያን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ታሪኽ ብምንሽውን ብምግላልን ዝተቐርጸ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ እዚ ግን ቀስ ብቐስ ይቕየር ኣሎ ። ከም ሃገራዊ ናይ ደቀባት ተሌቪዥን (NITV) ከምኡ "ውን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝኣመሰሉ ደቀባት ፡ ነቲ ዝጸንሀ መሰናኽላት የፍርሱ ኣለዉ ፡ ድምጺ ቀዳሞት ህዝብታትት የሐይሉ ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ባህላዊ መንነት ኣውስትራሊያ ዝያዳ ግንዛበ ኣብ ምሕዳር ይሰርሑ ኣለዉ ። ብዛዕባ እዚ ለውጥታት እዚ ምፍላጥ ፡ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ታሪኽ እታ ሃገር ፡ ብዛዕባ እቲ ናብ ማዕረ ዘምጽእ ጕዕዞ ፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ መሰረት ዘመናዊት ኣውስትራልያ ዝዀነ ሃብታም ባህልታት ጽቡቕ ፍልጠት ይ...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሰነ 2025) 24.06.2025 4:26
**ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ: እስራኤልን ኢራንን ተዅሲ ደው ንምባል ከምዝተሰማምዓ ኣፍሊጡ ። **ፕሬዝዳንት ፈረንሳይ ማክሮን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ ሕጋዊ ኣይኮነን ኢሉ ፤ ** ኣብ ደማስቆ ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ፡ እንተ ወሓደ 25 ኣምለኽቲ ዝቐተለ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ።
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ሰነ 2025) 23.06.2025 51:19
ን ሎሚ 23 ሰነ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ብ ዓምር ሳልሕ ሓጎስ (Aamer S. Hagos ) ዝተጻሕፈት መጽሓፍ “Echoes of Bravery: Martyr Mohmoud Ibrahim’ Enduring Legacy” ተዘርጊሓ ኣላ። ምስ ደራሲ ብዛዕባ መጽሓፉ ዝገበርናዮ ዕላል። እዚ ዓመት ኤስቢኤስ መበል 50 ዓመቱ ዘኽብረሉ’ዩ፡ ነዚ ንምብዓል ዛንታታት ስግረባህላዊ ዓወታትን ሕቡናት ሕብረባህላዊ ማሕበረሰባትን ነካፍል ኣለና። SBS ኣብ 1975 ከም ክልተ መደበራት ሬድዮ ማሕበረሰብ - 2EA ኣብ ሲድኒን 3EA ኣብ መልበርንን - ክጅመር'ንከሎ፡ ገለ ካብ'ቶም ነዊሕ ዝሰረቱ ማሕበረሰባት መጻእቲ ኣብ ኣውስ...
Dream Big: Kaleab’s Guide to University and Beyond 23.06.2025 18:30
Interview with Kaleb Fesseha – A Story of Resilience and Purpose In this engaging conversation, we sit down with Kaleb Fesseha, a recent Economics graduate, who visited our Melbourne studio to share his journey through university life and beyond. Kaleb opens up about the challenges he encountered, the lessons he learned, and the strategies that helped him stay focused and succeed. He also speaks d...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ሰነ 2025) 23.06.2025 10:50
ኣርእስታት ዜና፥ ** ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ሰላም ክትገብር ጸዊዑ ፡ እዚ ምስዘይፍጸም ተወሳኺ መጥቃዕቲ ክወርዳ እዩ ኢሉ ። ** ወሃብ ቃል ምክልኻል ግሪንስ ኣውስትራሊያ ዴቪድ ሾብሪጅ ፡ እቲ ብ ኣመርካ ኣብ ልዕሊ ኢራናውያን ኑክሌሳዊ ቦታታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ፡ ሓደገኛን ዘይሕጋውን ኣሰካፊ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ ። ** ኣውስትራልያዊት ተጻዋቲት ኲዕሶ እግሪ ሜሪ ፎውለር ኣብ ማሕበር ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ንዝወሃብ ሽልማት ክልተ ምድባት ተሓጽያ ኣላ ፥
ነቲ ካብ ዓለም ዝዓበየ ቅልውላው ሱዳን ክዝክር ሱዳናውያን ኣውስትራሊያዊያን ይጽውዑ፡ 22.06.2025 7:48
ካብቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ሱዳን ፈቐድኡ ተዘርዮም ዘለዉን ናብ ኣውስትራሊያ ዘምለጡ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ብዛዕባ ዝወርድ ዘሎ መከራ ኣፍልጦ ንምዕባይ ታሪኾም የካፍሉ ኣለው ። ኣብ ሱዳን ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ፡ ጥሜት ፡ ዓሌታውን ጾታውን ጎንጺ ኣስዒቡ ፡ ልዕሊ 14 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብሮኦም ብሓይሊ ተማሕዮም ይርከቡ ። ገበርቲ ሰናያዊ ጉጅለታትን ኣባላት ዳያስፖራ ሱዳንን ካብ ኣውስትራሊያ ሓገዝ ይልምኑ ኣለው ።
ሊቨርፑል ብዝኽበረ ዋጋ ንፍሎሪያን ቨርትስ ኣምጺኣቶ፣ ብዛዕባ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ከ እንታይ ይውረ፧ 22.06.2025 8:58
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (23/06/2025) * ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጀመረ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ፊፋ ካልኣይ ዙርያ ግጥማቱ ብምክያድ ይቕጽል ኣሎ፣ ኣዝዩ ልዑል ሙቐትን በርቂ ዝተሓወሶ ነጎድጓዳዊ ዝናብን ንተጻወትን ተዓዘብትን ኣብ ጽላልን ሽፋንን ክዕቆቡ ኣብ ዝገበርሉ ኮኾብ ዓለምና ሊዮነል መሲ ጋንትኡ ኢንተር ማያሚ ክትዕወት ሓጊዙ፣ * እንግሊዛዊት ጋንታ ሊቨርፑል መዝገብ ክብረወሰን ዕድጊ ተጻወታን ፕሪምየር ሊግን ብምስባር ንጀርመናዊ ኣከፋፋሊ ፍሎሪያን ቨርዝ ምስኣ ክጽንበር ከምዘፈረመቶ ገሊጻ፣ በዚ ትኸዶ ዘላ እንተቐጺላ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ እቲ ዝቕጽል ዒላምኣ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብሉ ወረታት ይ...
This slur was used to abuse Concetta's father. For her, it's a proud identity - SBS Examines: እዚ ቃል ንኣቡኣ (ንኮንሰታ) ጸርፊ ዝነበረ ንዕኣ ግን ዘኹርዕ መንነት ኮይኑ 21.06.2025 8:59
The term was used as an insult towards Greek and Italian migrants who arrived after the Second World War. But the generations that follow have reclaimed 'wog', redefining their cultural identity. - 'ዎግ' (Wog) ዝብል ቃል ነቶም ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ካብ ግሪኽን ኢጣልያን ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት መጻረፊ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪኦም ዝመጹ ወለዶታት ግን ባህላዊ መንነቶም ዝተፈልየ ትርጉም ብምሃብ ነቲ ቃል ወኒኖሞ ወይ ናቶም ገይሮሞ።
ዕላል ምስ ስነ ጥበበኛታት ታረቀ ተስፋሂወትን ሃይለሚካኤል ሊንጎን 19.06.2025 35:52
ብዛዕባ ስነጥበባዊ ስራሓት ትግሪኛ ኣመልኪቶም ስነጥበባዊያን ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ)ን ታረቀ ተስፋሂወትን ምስ ራዲዮ ኤስ.ቢ.ኤስ ዝሃብዎ ትንታነ ፡፣ ብምኽንያት ዝኽሪ 50 ዓመት ልደት ኤስ ቢ ኤስ ዳግም ዝቐርብ ዘሎ።
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ሰነ 2025) 19.06.2025 49:45
ንሎሚ ሓሙስ 19 ሰነ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ፈ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ብ ዓምር ሳልሕ ሓጎስ (Aamer S. Hagos ) ዝተጻሕፈት መጽሓፍ “Echoes of Bravery: Martyr Mohmoud Ibrahim’ Enduring Legacy” ተዘርጊሓ ኣላ። ምስ ደራሲ ብዛዕባ መጽሓፉ ዝገበርናዮ ዕላል። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዶባት ክራኸብ ጀሚሩ። ኣብ ትግራይ "ዝተረጋገዐ መንግስቲ ክህልዋ ኣይከኣለን።" ክብል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገሊጹ። ይኣክል ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ" ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ሰነ 2025) 19.06.2025 11:42
ኣርእስታት ዜና፥ ዶናልድ ትራምፕ ፡ኣመሪካ ንኑክሌሳዊ ቦታታት ኢራን ኣብ ምውቃዕ ብቐጥታ ክትሳተፍ መደብ እንተ’ልዩ ፡ ርእይቶኡ እንተዘይሃበ’ኳ ብንጥፈት ይሓስበሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ ። ባይቶ U-K ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ክኸውን ገይሩ። ጋንታ ኲንስላንድ ኣብ ጸወታ ስቴት ኦፍ ኦርጅን 26 ን 24 ብዝኾነ ዓወት ስዒራ።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.