SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሓምለ 2025) 17.07.2025 54:16
ንሎሚ ሓሙስ 17 ሓምለ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካብቲ ንብዙሓት ፍሉጣት ሰባት እንኮላይ ን36 መራሕቲ ሃገራት ብማዕርግ ዶክትረይት ዝሽልም ኣህጉራዊ ትካል ብማዕርግ ዶክትረይት ተመሪቑ ። ዶ/ር ክፍለዮሃንስ ተ/ብርሃን ኣብ 1978 ናብ ሜዳ ምስ ህዝባዊ ግምባር ክቃለስ ምስተሰለፈ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዉግኣት ኣርባዕተ ግዜ ቆሲሉ። ካብ 1991 ንደሓር ትምህርቱ ብምቕጻል ብፍላይ ብሞያ ሕጊ ተማሂሩ ክሳብ ዳኛ ኣውራጃ ኣስመራ ብምዃን ኣገልጊሉ። ኣብ 2006 ናብ ስደት ምስ ኣምርሐ፡ ብዘይካ ዝውሰዶም ዝተፈላለዩ ትምህርትታት፡ “ምምልላእ”፡ ምኽእኣል”፡ “ምልምማድ” ከምኡ’ውን “መኣዲ ዕርቅን ሰላምን” ዝብ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሓምለ 2025) 17.07.2025 11:22
ኣርእስታት ዜና፥ እቲ ብ ዓመጽ ቈልዑ ዝተኸሰ ሰብ ኣብ ሓያሎ ማእከላት መውዓሊ ህጻናት ይሰርሕ ከምዝነበረ ድሕሪ ምፍላጡ: ኣብ መውዓሊ ህጻናት ዝሰርሑ ዝምልከት ሃገራዊ መዝገብ ክህሉ ጻዊዒት ቀሪቡ። እስራኤል ኣብ ዋና ከተማ ሶርያ ኣብ ደማስቆ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ፡ ሩሲያ ድማ ኣብ ሓደ ማእከል ዕዳጋ ዩክሬይን ኣጥቂዓ። ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ታደይ ፖጋቻር ካብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ኣርባዕተ ኪሎሜተር ምስተረፎ ብምውዳቑ ካብ ኖርወይ ጆናስ ኣብርሃሰን ናይታ መዓልቲ ተዓዋቲ ኮይኑ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኹ ኣሸማገልቲ ኣብ መቐለ ዝርርብ ኣካይዶም። 16.07.2025 7:24
ኣብ መቐለ ብቀሊል ሓደጋ ነፋሪት ዝተጎድኡ 2 ሰባት ተሓኪሞም ተፋንዮም። ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኹ ኣሸማገልቲ ኣብ መቐለ ዝርርብ ኣካይዶም። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ጉዳይ ተመዛበልቲ ብዓይኒ ሰብኣውነት ክፍጸም ሓቲቱ። ተምሃሮ ኣባላት 37 ዙሪያ ሳዋ፡ 12.2% ንዲግሪ 7.59% ንዲፕሎማ መሕለፊ ነጥቢ ረኺቦም። ትካል ገንዘብ ዓለም IMF ንኣንፈት ቁጠባዊ ፅገና ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ።
ጃስቲስ ኦፍ ፒዪስ (ጂፕስ) እንታይ እዩ? 16.07.2025 9:17
ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ትነብርሉ ኣብ ገለ እዋን ንናይ ሰላም ፍትሒ ወይ ናይ Justice of the Peace (JPs)ሓገዝ የድልየካ ይኸውን ። ምናልባት ካብ መድሕን/ኢንሹራንስ ካሕሳ ኣብ ትሓተሉ ፡ ክትምርዖ ወይ ክትፋታሕ ፡ ወይ ከኣ ሕጋዊ ሰነዳትካ ብቛንቛኻ ኸተረጋግጽ ትኽእል ኣብ ትደልየሉ ካብዚ ኣገልግሎት ትሓትት ኢኻ። ኣብ JPs ዝዋስኡ፡ ዝሰልጠኑ ወለንተኛታት ኮይኖም ነቲ ስርዓተ ሕጊ ኣውስትራሊኣ ኣገዳሲ ናይ ወረቐት ጉዳያት ን ሰባት ዝሕግዙ እዮም ። ኣብ መላእ እዛ ሃገር ኣብ ዝርከብ ማሕበረ ሰብ ከኣ ዓብዪ ግደ ኣለዎም ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ጂ.ፒ. ኣብ ኣውስትራሊያ ዝገብሮን ፡ ኣገልግሎቶም ኣብ ዘድልየኻ እዋን ከመ...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ሓምለ 2025) 16.07.2025 7:00
** ኣውስትራሊያን ቻይናን ንግዲ ፍሩታን ካልእ ስምምዓትን ብምግባር ንግዳዊ ዝምድናአን ከጠናኽራ ተወዓዒለን። ** ንሓደ ፒተር ፋልኮንዮ ዝተባህለ ብሪጣንያዊ ተጓዓዛይ ባክፓከር ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣውስትራልያ ዝቐተለ ብራድሊ ጆን ሙርዶክ ኣብ መበል 67 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም መንሽሮ ጐሮሮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ።... ** ኣብ ኢትዮጵያ-ዝመሰረቱ ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቃለስ ጉጅለ ዓፋር ኣብ ሰመራ ጉባኤ ብምክያድ ቓልሲ ከምዘጎሃህር ኣፍሊጡ።
“እዚ ማዕርግ ዝያዳ ንኽሰርሕ ሓላፍነት ዘሰክመኒ እዩ።” ብፍሉይ ማዕርግ ዶክትረይት ዝትሸለመ ጸሓፍን ኣማኻሪ ጉዳያት ሓዳርን ዶ/ር ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን 15.07.2025 18:47
ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን ካብቲ ንብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ንኮላይ ን36 መራሕቲ ሃገራት ብማዕርግ ዶክትረይት ዝሽልም United Graduate College and Seminary Intl. ብማዕርግ ዶክትረይት ተመሪቑ ኣሎ። ዶ/ር ክፍለዮሃንስ ተ/ብርሃን ኣብ 1978 ናብ ሜዳ ምስ ህዝባዊ ግምባር ክቃለስ ምስተሰለፈ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዉግኣት ኣርባዕተ ግዜ ቆሲሉ። ካብ 1991 ንደሓር ትምህርቱ ብምቕጻል ብፍላይ ብሞያ ሕጊ ተማሂሩ ክሳብ ዳኛ ኣውራጃ ኣስመራ ብምዃን ኣገልጊሉ። ኣብ 2006 ናብ ስደት ምስ ኣምርሐ፡ ብዘይካ ዝውሰዶም ዝተፈላለዩ ትምህርትታት፡ “ምምልላእ”፡ ምኽእኣል”፡ “ምልምማድ” ከምኡ’ውን “መኣዲ ዕርቅን ሰላምን” ዝብላ...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ሓምለ 2025) 15.07.2025 4:57
** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ሎሚ [ሰሉስ 15 ሓምለ] ኣብ በይጂንግ ክራኸብ እዩ... ** ዩክሬን ነቲ ዶናልድ ትራምፕ “ቪላድሚር ፑቲን ኣብ ዉሽጢ 50 መዓልቲ ነቲ ኲናት ደው ከብሎ” ዝሃቦ መጠንቀቕታ ምላሽ ሂባትሉ... ** ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ኣየርላንዳዊ በን ሄሊ ብጫ ማልያ ለቢሱ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ሓምለ 2025) 14.07.2025 52:38
ን ሎሚ 14 ሓምለ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ። ብዛዕባ’ዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ኣኻውሕ ስእልታት ቅድሚ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ወይ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ነገራት ንላዕሊ ዝጠንተወ እዩ ። ነዚ ዝምልከት ዜናዊ ጸብጻብ ኣለና። ል ኡኽና ዝሰደደልና ኤርትራ ፡ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ አስታት 300 ተማሃሮ ብዲግሪ ኣመሪቓ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን፡ ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ተቓዋሚ ውድብ #ሳልሳይ_ወያነ ትግራይ ንመጠን...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ሓምለ 2025) 14.07.2025 13:02
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብ ቻይና ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ ብምቕጻል ሎሚ [14 ሓምለ] ኣብ ሻንጋይ ምስ ሰበስልጣን ቻይና ርክብ ክገብር እዩ፡ ጀርመናዊት ተጓዓዚት ካሮላይና ዊልጋ ንዓሰርተ ሓደ ለይቲ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ጣሻታት ጠፊኣ ድሕሪ ምቕናይ ተረኺባ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ትርከብ ተፈሊጡ ። ኣብ ባይታ ቴኒስ ፡ ኣብ ዊምበልደን መፈጸምታ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድራት ቴኒስ ጃኒክ [ያን-ኒክ] ሲንነር ነቲ ዓብዪ መቐናቕንቱ ካርሎስ ኣልካርታዝ ስዒርዎ ።
ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ነጥቡ ኣመሓይሹ፣ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ቻይና ሻምፒዮን ኮይኑ፣ ቸልሲ ሻምፒዮን ዋንጫ ዓለም ክለባት ኮይና፣ 13.07.2025 8:34
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/07/2025) * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ብመሪሕነት ታደይ ፖጋቻር 9ይ መድረኹ ብምክያድ ይቕጽል ኣሎ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ምድብ ንነጥቢ ወይ ቀጠልያ ማልያ ሳልሳይ ኮይኑ ፍልልዩ ምስ ታደይ ኣጽቢቡ፣ * ሎሚ ዓመት ኤርትራዊ ገዲም ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ፈላማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ማልያ ንጉስ ዓቐበት ወይ ፖልካ ዶት ጀርዚ ዝለበሰ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሓሉ 10ይ ዓመቱ ይበዓል ኣሎ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ማግኒፊሰንት ቺንግሃይ ብዓወት ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዛዚሙ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ንፔኤስጂ ስዒራ ተዓዋቲት ኮይና፣
ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ። 13.07.2025 6:41
ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ። ባህላውያን ወነንቲ እቲ ውሳነ ኣብዝግለጸሉ ስነ ስርዓት ንምስታፍ ናብ ፓሪስ ተጓዒዞም ፣ ኣብኡ ድማ ኣባል ሃገራት ን መልክኣ ምድሪ ባህላዊ ሙሩጁጋ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ክኣቱ ብምሉእ ድምጺ ወሲነን ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ኣኻውሕ ስእልታት ቅድሚ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ወይ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ነገራት ንላዕሊ ዝጠንተወ እዩ ።
ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን እትህቦ ቪዛ ናብ ሰለስተ ወርሒ ኣሕጺራ ። 13.07.2025 6:16
ኤርትራ ፡ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ አስታት 300 ተማሃሮ ብዲግሪ ኣመሪቓ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን፡ ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ተቓዋሚ ውድብ #ሳልሳይ_ወያነ ትግራይ ንመጠንቀቕታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኮኒኑ። ብደረጃ ትግራይ ኩሉ ዝሓቖፈ ዘተ ክካየድ ውን ተማሕጺኑ ። ኣብ መንጎ ትግራይን ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን እትህቦ ቪዛ ናብ ሰለስተ ወርሒ ኣሕጺራ
"ሰብኣይን ሰበይትን ማዕረ ኢኻ፣ እቲ ማዕርነትካ ግን ግቡእካ እናፈጸምካ'ዩ" - ዕላል ምስ ክኢላ ስነልቦና ዮሃንስ ፈርናንዲኖ ድራር (2ይ ክፋል) 11.07.2025 11:37
ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ ኮይኑ ናይ ሓያሎ ዓመታት ተሞክሮ ዘለዎ ክኢላ ስነልቦና’ዩ። ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን መድረኻት ብዙሕ ኣስተምህሮን ምኽርን ዝህብን ዝጽሕፍን’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 'መባእታዊ ትምህርቲ ጥዕና ኣእምሮ' ትብል መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ኣቕሪቡ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ፣ ጽልዋታት ስደትን ሓድሽ ናብራን፣ ህጻናትን መንእሰያትን፣ ወዘተ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዕላልና (https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast-episode/sbs-tigrinya-interview-07072025/xu404i9ak) ዳህሲስናዮ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025) 10.07.2025 47:53
ቀጥታ ምሉእ ፈነወ ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሓምለ 10, 2025) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ ጸብጻባት ልኡኽና፣ * ኤርትራ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺራ ምህላዋ ፍሉይ ራፖርተር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ፣ * ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያ ኣቶ ቢንያም በርሀ ምስ ሓለፍቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ርክብ ኣካይዱ፣ * ኣብ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከቡ ዲያሰፖራ ተጋሩ ዓብይ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፣ * መራሒ ኢዜማ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ዝመጽእ መረጻ ኢትዮጵያ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ: ቃለመሕትት፣ * ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ ኮ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025) 10.07.2025 8:48
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025) * ዕጡቓት ሓይልታት ሑዚ ናይ የመን ካልኣዮም ኣብ’ዚ ሰሙን ዝኾነ መጥቃዕቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓንቲ ንግዳዊት መርከብ ድሕሪ ምጥሓሎም 4 ኣባላታ ክሞቱ’ንከለዉ 15 ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽቡን * ናይ ኣየርን መሬትን መጥቃዕታታ ኣብ ዝወሰኸትሉ እዋን ሩስያ ክብረወሰን ዝኾነ 728 ድሮናትን 13 ሚሳይላትን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተኲሳ * ፕሪምየር ግዝኣት ታዝመንያ ጀረሚ ሮክሊፍ ቅድሚ’ቲ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ግዝኣታዊ ምርጫ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ነበርቲ ንዝኮኑ ማሕበረሰባት ከይዱ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ኣካይዱ
ኣብ ዝመጽእ መረጻ ኣይክሳተፍን'የ (ፕሮፌ. ብርሃኑ ነጋ)፣ ኤርትራ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ትቆጻጸር (ፍሉይ ራፖርተር ው. ሕ. ሃ.)፣ 09.07.2025 7:19
ጸብጻብ ዜናታት ልኡኽና (10/07/2025) * ኤርትራ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺራ ምህላዋ ፍሉይ ራፖርተር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ፣ * ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያ ኣቶ ቢንያም በርሀ ምስ ሓለፍቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ርክብ ኣካይዱ፣ * ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከቡ ዲያሰፖራ ተጋሩ ዓብይ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፣ * መራሒ ኢዜማ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ዝመጽእ መረጻ ኢትዮጵያ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሓምለ 2025) 09.07.2025 7:11
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ትሬዠረር ጂም ቻልመርስ ማእከላይ ወይ ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራልያ መጠን ወለድ ከምዘለዎ ክጸንሕ ዝወሰዶ ውሳነ ሚልዮናት ኣውስትራልያውያን ብተስፋ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ኣይኮነን ይብል፣ * ሓደ ካብ ዓበይቲ ወሃብቲ ኣገልግሎት መዋእለ ህጻናት ቻይልድኬይር ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ውሽጢ’ቶም ልዕሊ 400 ዝኾኑ ማእከላቱ መከታተሊ ካሜራ ሲሲቲቪ ከእቱ ምዃኑ ገሊጹ፣ * ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ናብ’ቲ ምዕልቕላቕ ኣጥቂዕዎ ዘሎ ከባቢታት ቴክሳስ ዓርቢ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ንራብዓይ መዓልቱ ኣብ ዝቐጸለሉ ታደይ ፖጋቻር ኣብ’ዚ ዓመት ናይ ፈለማዪ መድረኻዊ ዓወት ብምምዝጋ...
How to start your home business in Australia - ኣብ ኣውስትራልያ ንግዲ ኣብ ገዛኹም ከመይ ገይርኩም ትጅምሩ፧ 08.07.2025 12:09
Did you know that people offering taxi services from home need to register for Goods and Services Tax (GST)—regardless of how much they earn? Or that a fitness instructor needs local council approval to see clients at home? In this episode, we unpack the basic rules you need to know when setting up a home-based business in Australia. - ካብ ገዛ ዝካየድ ንግዲ (home-based business) ከም ሓሳብ ንብዙሓት ሰሓቢ ክኸውን ይኽእ...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሓምለ 2025) 08.07.2025 6:57
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (08 ሓምለ 2025) * ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ነቶም ተወሳኺ ምቅላል ኣብ ለቓሕ ዕድጊ ኣባይቲ ወይ ሞርጌጅ ክጽበዩ ዝጸንሑ ተለቃሕቲ ኣብ ዘየሐጉስ ስጉምቱ መጠን ወለድ ከምዘለዎ ክጸንሕ ወሲኑ፣ * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዚን ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሊይ ጀይ-ምዩንግን ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ታሪፋት ክውስኹ ድሕሪ ምውሳኑ ሃገራቶም ሕድገት ክግበረለን ዘተኦምን ሕቶኦምን ከምዘየቋርጹ ገሊጾም፣ * ኣብ ምድብ ነጥቢ መሪሕነት ሒዙ ዝጸንሐ ያስፐር ፊሊፕሰን ወዲቑ ኣብ ዘቋረጸሉ 3ይ መድረኽ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ብዓወት ቲም መርሊየር ተዛዚሙ፣ ቢንያም ግርማይ 6ይ...
“ጽልኢን ሕሜትን ኣብ ልዕሊ ኣእምሮን ኣካልን ጸቕጢ ይፈጥሩ፣ ስለ’ዚ ፈቃራት ንኹን፣ ካብ ጽምዋ’ውን ንድሕን፣” ኣቶ ዮሃንስ ድራር 07.07.2025 17:57
ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ እዩ። ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን መድረኻት ብዙሕ ኣስተምህሮን ምኽርን ዝህብን ዝጽሕፍን ተሞክሮ ዘለዎ ክኢላ’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 'መባእታዊ ትምህርቲ ጥዕና ኣእምሮ' ትብል መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ዘቕረበ'ዩ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ ብሓፈሽኡን ልሙዳት ተርእዮታት ጸገማቱ ብፍላይ ከምኡ'ውን ኣብ ዙርያ'ታ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ዕላል ከነካይድ ዕዱምና ገይርናዮ ኣለና። [ቀዳማይ ክፋል]
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሓምለ 2025) 07.07.2025 49:06
ንሎሚ ሶኑይ ሓምለ 7፣ 2025 ዘዳለናዮም መደባት ጸብጻባት ዜና ዓዲ: * ኮሚሽን ምትሕብባር ኤርትራ-ሩሲያ ክቐውም ሩስያ ብካብኔኣ ኣፅዲቓ፣ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ብፖሊስ ተታሒዞም፣ ፕረዚዳንት ክልል ትግራይ ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘሎ ዕጡቅ ሰላማዊ ክፍታሕ ከም ዝግበረሉ ገሊጹ፣ ህወሓት ንኲናት ዝኾነ ዓይነት ምድላው ከም ዘይገበረ ኣፍሊጡ፣ ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ይስራሕ ኣሎ ክብል ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ሓቢሩ። * ፖሊስ ቪክቶርያ ንሓደ ሰራሕተኛ መዋእለ ህጻናት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወን ፈጺምዎም ምስ ዝተባህሉ ጾታዊ ገበናት ዝተኣሳሰሩ 70 ክስታት ኣቕሪቡ’ሎ ተባሂሉ ድሕሪ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሓምለ 2025) 07.07.2025 9:44
ቀንዲ ነጥብታት ዜና፡ * ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ተጠቀምቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ከተማ ሲድኒ ንክልተ መዓልታት ነጻ ኣገልግሎት ክረኽቡ ክኽእሉ’ዮም፣ * ሓደስቲ ጻዕርታት ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝካየድሉ ዘለዉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክራኸብ’ዩ፣ * ኣሽሓት ቲበታውያን ኣመንቲ ቡድሂዝም መበል 90 ዓመት ልደት ናይ’ቶም ድሕሪ ሞት ደጊሞም ክውለዱ መደብ ዘለዎም ዳላይ ላማ ንምብዓል ናብ’ታ ኣብ ኣኽራናት ሂማላያን ናይ ህንዲ ትርከብ ከተማ ዳርምሻላ ክውሕዙ ጀሚሮም፣
ዙር ፈረንሳ ቀዳም ኣብ ዝተጀመረሉ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ኣትዩ፡ ኬንያውያን ደቀንስትዮ ክብረወሰናት ሓማሺሸን፣ 07.07.2025 8:30
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (07/07/2025) * ኬንያውያን ኣትሌታት ክብረወሰናት ዓለም ኣብ ዘመሓየሻሉ ርክባት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ፣ ኣብ ዩጂን፣ ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ዝድነቕ ሳልሰይቲ ወጺኣ፣ ክብረወሰና ግን ተመንጢላ ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ቀዳም ኣብ ዝተጀመረሉ መዓልቲ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ኣትዩ፡ ቅሳነት ወልደሚካኤል ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፖርቱጋል ደቀንስትዮ መበል 18 ወዲኣ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ ኣንጻር ፍሉሚነንሰ ክትገጥም’ያ፣ ፔኤስጂን ሪያል ማድሪድን ድማ ኣብ’ቲ መሳጢ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ክራኸባ’የን፣
ህወሓት ዝኾነ ዓይነት ምድላው ንኲናት ኣይገበርኩን፣ እኳ ደኣ ፈደራል መንግስቲ'ዩ ኣንጻረይ ዕጡቓት ዘሰልጥን ክብል ይኸስስ (ጸብጻባት) 07.07.2025 8:50
ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት * ኮሚሽን ምትሕብባር ኤርትራ-ሩሲያ ክቐውም ሩስያ ብካብኔኣ ኣፅዲቓ፣ * ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ብፖሊስ ተታሒዞም፣ * ፕረዚዳንት ክልል ትግራይ ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘሎ ዕጡቅ ሰላማዊ ክፍታሕ ከም ዝግበረሉ ገሊጹ፣ * ህወሓት ንኲናት ዝኾነ ዓይነት ምድላው ከም ዘይገበረ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ይስራሕ ኣሎ ክብል ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ሓቢሩ ዝብሉ ’ዮም።
Tributes pour in for Diogo Jota: 'He was what we'd all like to be' - ሃንደበታዊ ሞት ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ዲየጎ ዦታን ሓዉን ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ስንባደን ሓዘንን ፈጢሩ፣ 05.07.2025 7:54
Tributes are pouring in for Liverpool's forward star, Diogo Jota, who died in a car crash in Spain with his brother. The 28-year-old Portuguese player's death has left the football world in a state of shock. He got married just ten days before his death, and shortly before that, he helped his Liverpool club win the Premier League. - ኮኾብ ኣጥቃዓይ ጋንታ ሊቨርፑል ፖርቱጋላዊ ዲየጎ ዦታ ምስ ሓው፣ ኣብ ስፐይን፣ ሓደጋ መኪና ኣጋጢምዎም...
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.