SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1429 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Be sure to visit the podcast's website and support the creator: www.sbs.com.au

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Oct 26, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android almost 10M downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሕዳር 2025) 10.11.2025

ን ሎሚ ሰኑይ 10 ሕዳር 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣውስትራሊያ ካብ መወዳእታ ካልኣይ ኩናት ዓለም ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ዝሃበቶ ቀዋሚ ናይ ሰብኣውነት ቪዛ ሓደ ሚሊዮን ከምዝበጽሕ ተፈሊጡ ። እዚ ኣገዳሲ ቁጽሪ ፡ ስደተኛታት ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ክብሪ ክወሃቦም ደሪኹ ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ምስ ዳይረክተር ፔን ኤርትራ ዝገበርናዮ ካል ኣይ ክፋል ዕላልውን ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክትታት ታሕተዋይ ኦሞ መሰል ደቀባት ብምግሃስ ገበነኛ ገይሩ። ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ሃገራትን...

ሓደስቲ መጻእትን AI (ኤኣይ) ዝዓብለሎ ናይ ስራሕ ዓለም ዝፈጥሮም ብድሆታትን 10.11.2025

ዳርጋ ክልተ-ሲሶ ዝኾና ኣውስትራልያውያን ትካላት ኣብ መስርሕ ምቑጻር ሰራሕተኛታት ሰብ ሰርሖ ብልሒ (Artificial Intelligence, AI) ይጥቀማ፣ እዚ ግን ስግኣታት ተኽእሎ ኣድልዎ ወይ ኣፈላላይ ኣብ ሓደስቲ መጻእቲ፣ ስደተኛታትን ደቀንስትዮን ኣልዒሉ’ሎ።

ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዛሪቡ። (ጸብጻብ) 09.11.2025

ኮሚሽን ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክትታት ታሕተዋይ ኦሞ መሰል ደቀባት ብምግሃስ ገበነኛ ገይሩ። ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዛሪቡ። ስርዓት ሓመድን ማይን ትግራይ ብኲናት ከም ዝተመረዘ፣ ዘላቒ ሓደጋ ስነ-ህይወት ከም ዘሎ ሓደ መጽናዕቲ ኣጠንቂቑ። ኣብ ክልል ዓፋር ዝነበሩ ዕጡቓት ካብቲ ከባቢ ከም ዝገለሱ ገሊጾም።

ኣውስትራሊያ መበል ሓደ ሚልዮን ቀዋሚ ቪዛ ክትህብ ትቀራረብ፡ 09.11.2025

ኣውስትራሊያ ካብ መወዳእታ ካልኣይ ኩናት ዓለም ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ዝሃበቶ ቀዋሚ ናይ ሰብኣውነት ቪዛ ሓደ ሚሊዮን ከምዝበጽሕ ተፈሊጡ ። እዚ ኣገዳሲ ቁጽሪ ፡ ስደተኛታት ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ክብሪ ክወሃቦም ደሪኹ ኣሎ ። እንተኾነ ትካላት መሰል ስደተኛታት ከምዝብልዎ ኣውስትራሊያ ነቲ ብጃምላ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ምምዝባል እትህቦ ግብረመልሲ ብኸመይ ከተመሓይሾ ከምትኽእል ክትሓስበሉ ኣገንዚቦም ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ሕዳር 2025) 06.11.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኲንስላንድ ፡ ፖሊስ ጸረ ግብረሽበራ ድሕሪ ዝገበሮ መርመራ፡ ነታጒ ብምስራሕን ብምዝውዋርን ዝጠርጠሮም ን 7 ሰባት ክሲ መስሪትሎም። ኣብ ኣመሪካ፡ ድሕሪ ታሪኻዊ ዓወት ዞህራን ማምዳኒ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሰልፊ ዴሞክራትስ ኣብ ካሊፎርንያ’ውን ካልእ ዓወት የጽምብሉ ኣለዉ ። ተኸላኻላይ ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ሰንትራል ኣብ ልዕሊ ኤፍ-ሲ ኮፐንሃገን 4ብ0 ንምዕዋት ዓቢ እጃም ከምዝተጻወተ ተገሊጹ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ሕዳር 2025) 06.11.2025

ንሎሚ ሓሙስ 06 ሕዳር 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ መንግስቲ ክልል ዓፋር ሓይልታት ህወሓት 'ዶብ ሰጊሮም ብምጥቃዕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ' ከሲሱ ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ዛጊድ ብሙሉእ ክትግበር ከምዘይካኣለ ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ሰኔት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ 38 ተጋሩ ናብ ትግራይ ሰዲዱ። 62 ተጋሩ ግና ኣብ ኣስመራ ተሪፎም ተባሂሉ። ኤርትራ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ትኽእል እያ፡ ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተዛሪቡ። ኣብ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ዓሪፉ ምርካብ መጻምዲ ፍቕሪ (Datin...

ኤርትራ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ትኽእል እያ፡ ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተዛሪቡ። (ጸብጻብ) 05.11.2025

መንግስቲ ክልል ዓፋር ሓይልታት ህወሓት 'ዶብ ሰጊሮም ብምጥቃዕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ' ከሲሱ። ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ዛጊድ ብሙሉእ ክትግበር ከምዘይካኣለ ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ሰኔት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ 38 ተጋሩ ናብ ትግራይ ሰዲዱ። 62 ተጋሩ ግና ኣብ ኣስመራ ተሪፎም ተባሂሉ። ኤርትራ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ትኽእል እያ፡ ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተዛሪቡ። ኣብ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ዓሪፉ

ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ናይጀሪያውያን ዓመጽ እንተ ቀጺሉ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ከም ዘይብል ገሊጻ ፡ (ሓጸርቲ ዜናታት) 05.11.2025

** ትካል ጸጥታ ኣውስትራሊያ (ASIO)፡ ኣውስትራሊያውያን ብምምልማል ተኣፈፍቲ ሃገራውያን ምስጢራት ክስረቕ ዝተዋደደ ዉዲት ከምዘፍሸለ ኣፍሊጡ። ** ኣድመጽቲ ኣብ መንጎ ዴሞክራሲያዊ ሶሻሊስታዊ ተወዳዳራይ ዞህራን ማምዳኒን ከም ነጻ ተወዳዳሪ ኮይኑ ዝወዳደር ዘሎ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ኣንድሪው ኩሞምን ን ከተማ ኒው ዮርክ ዘመሓድር ንምምራጽ ድምጾም ይህቡ ኣለዉ ... ** ኣብ እስራኤል ን14 ዓመታት ክቕመጥ ዝጸንሐ ስደተኛ ናብ ኤርትራ ተሰጒጉ።

Dating or matchmaking: How to find a partner in Australia - ምርካብ መጻምዲ ፍቕሪ (Dating) : ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓዳር መጻምድቲ ብኸመይ ይርከብ፡ 04.11.2025

Many newly arrived migrants in Australia seek relationships not only for romance but to regain a sense of belonging. Separation from loved ones often drives this need for connection. This episode explores how dating in Australia differs from more collectivist cultures and how newcomers can find partners. From social events and dating apps to professional matchmaking, it highlights how migrants can...

ፐን ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ደልዲሉ ናይ ምቕጻሉ ምስጢር እንታይ እዩ፧ ዝርርብ ምስ ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ዓወት ፍስሃየ፡ 04.11.2025

ፐን ኤርትራ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ብዝነብሩ ኤርትራውያን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ዝቖመ ማሕበር እዩ። ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ን ገጣሚት ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ንጸሓፊ ሳልሕ ጋዲ፡ ንጸሓፍን ምሁርን ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ፡ ንጸሓፊ ዳኒኤል ተስፋይ ሰመረ፡ ንስነጥበበኛ ኣብራር ዑስማን፡ ን ኣሕታሚ ካሳሁን ቸኮል ኣብ 2025 ድማ ንጋዜጠኛ ቢንያም ስምኦን ኣብ ነጻነት ሓሳብካ ብምግላጽ ዝሸለሞም እዮም። ብዛዕባ ናይቲ ማሕበር ንጥፈታት ኣልዒልና ምስ ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ኣቶ ዓወት ፍስሃየ ዝተገብረ ቃለ መሕትት።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (4 ሕዳር 2025) 04.11.2025

** ማእከላይ ባንክ መጠን ወለድ ገንዘብ ከምዘለዎ ክቕጽል ክውስን ትጽቢት ይግበር... ** ሓካይም ብዘይዶብ ፡ ኣብ ኣል ፋሸር ፡ ሰላማውያን ሰባት ግህሰት ኣስፋሕፊጙ ኣብ ዘለወሉ እዋን ፡ ሓይልታት ንህጹጽ ደገፍ (RSF) ሰላማውያን ሰባት ክወጽኡ ከፍቅድ ሓቲቱ።... ** ባይቶ ጅቡቲ ደረት ዕድመ ንፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ኣልዒልዎ:

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሕዳር 2025) 03.11.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ** ናይጀርያ ፡ ሉኣላዊ ግዝ ኣታ ክሳብ ዝተኸብረ፡ ኣመሪካ ኣንጻር እስላማውያን ተዋጋእቲ ኣብ ምቅላስ ትገብሮ ደገፍ ከምትቕበሎ ገሊጻ።- ** ብኸቢድ ህዝባዊ ተቓዉሞን ናዕብን ዝተገብረ ምርጫ ትንዛንያ፡ ፕረሲደንት ሳምያ ሓሰን ብገፊሕ ከምዝተዓወተት ተነጊሩ። ** ኣብቲ ጽባሕ ዝካየድ ፍሉጥ ዉድድር ኣፍራስ መልበርን ካፕ ጀሚ መልሃም ንሃፍ ዩርስ ፈረስ ክትጋልቦ ምዃና ኣፍሊጣ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሕዳር 2025) 03.11.2025

ን ሎሚ ሰኑይ 3 ሕዳር 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ SBS ን ዩኒቨርሲቲ ካንበራ ዘዳለዎ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ፡ ኣብ መንጎ እቶም ማሕበረሰባት ሕብረ ብዙሕ ባህልታት ካብቲ ናይ 2023 ጸብጻብ ዝያዳ ስምዒት ናተይነት ከምዝስምዖም ዘሎ ተፈሊጡ ። ብተወሳኺ ነቲ ኣብ መንጎ ብዙሓት ቋንቋታት ዝዛረቡ ሕብረተሰባት ዘሎ ናይ ህዝባዊ ተሳትፎ ደረጃ ክጸሉ ዝኽእል ረቛሒታት ከምኡውን ኣብ መንጎ ናኣሽቱን ዓበይቲን ወለዶታት ኣውስትራሊያ ዘሎ ናይ ርድኢት ፍልልይ ሓበሬታ ኣውጺኡ ኣሎ። ጸብጻብ ናይቲ መጽናዕቲ ከነቕርብ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ምረቓ ዓቢ ቤተ መዘክር ግብጺ ተረኺቡ።...

ዕሉል ኣስጋሪ ኤርትራዊ ተወልደ ጐይትኦም [ወሊድ] መስርሕ ፍርዱ ሎሚ 3 ሕዳር ክጅምር እዩ። (ጸብጻብ) 02.11.2025

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ምረቓ ዓቢ ቤተ መዘክር ግብጺ ተረኺቡ። ሕብረት ኣውሮፖ ሓዊሱ 22 ሃገራት 3ይ ዓመት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብምዝኽኻር ዘተ ክጅምር ጸዊዐን። ዕሉል ኣስጋሪ ኤርትራዊ ተወልደ ጐይትኦም [ወሊድ] መስርሕ ፍርዱ ሎሚ 3 ሕዳር ክጅምር'ዩ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዕዳ ኢትዮጵያ 2 ነጥቢ 56 ትሪልዮን ብር በፂሑ።

ጸብጻብ ናተይነት 02.11.2025

SBS ን ዩኒቨርሲቲ ካንበራ ዘዳለዎ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ፡ ኣብ መንጎ እቶም ማሕበረሰባት ሕብረ ብዙሕ ባህልታት ካብቲ ናይ 2023 ጸብጻብ ዝያዳ ስምዒት ናተይነት ከምዝስምዖም ዘሎ ተፈሊጡ ። ብተወሳኺ ነቲ ኣብ መንጎ ብዙሓት ቋንቋታት ዝዛረቡ ሕብረተሰባት ዘሎ ናይ ህዝባዊ ተሳትፎ ደረጃ ክጸሉ ዝኽእል ረቛሒታት ከምኡውን ኣብ መንጎ ናኣሽቱን ዓበይቲን ወለዶታት ኣውስትራሊያ ዘሎ ናይ ርድኢት ፍልልይ ሓበሬታ ኣውጺኡ ኣሎ።

ስደተኛታትን መጻእትን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ'ቲ ካብ ዓዶም ሒዞሞ ዝመጹ ሞያን ብቕዓትን ምስ ዘይዋፈሩ መን'ዩ ዝህሰ፧ 02.11.2025

ኣብ መበቆል ዓዶም ኣካየድቲ (ማናጀራት)ን ክኢላታትን ምንባሮም ብዘየገድስ ስደተኛታት ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ከም’ቲ ዝነበሮም ወይ ተመሳሳሊ ስራሕ ኣብ ኣውስትራልያ ክረኽቡ ይሽገሩ’ለዉ። ሓደ ክኢላ ብሰንኪ'ዚ ኩነታት “ኩላህና ኢና ንኸስር ዘለና፣” ክብል ይገልጾ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (30 ጥቅምቲ 2025) 30.10.2025

ምሉእ ትሕዝቶ መደብ ኤስቢኤስ ትግርኛ (30 ጥቅምቲ 2025) * ዕለታዊ ዜና፡ - ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣብ ዋዕላ ኤፐክ ንምስታፍ ደቡብ ኮርያ ኣትዩ፡ - ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ሱዳን ንኤልፋሽር ተቖጻጺሮማ፡ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ተመዛቢሎምን - ሊቨርፑል ካብ ዋንጫ ሊግ ካፕ (ዋንጫ ካራባኦ) ብክሪስታል ፓላስ ተገሊፋ፡ * ጸብጻባት ዜና ካብ ልኡኽና፡ - ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ተራኺቡ፡ - ኤርትራ ንተስፋሕፋሒ ድሌት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰኒና፣ - ኲናት ፅንተት ትግራይ ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ግልጋሎት ጥራሕ ልዕሊ 10.8 ቢልዮን ዶላር ዕንወት ወሪዱ ክብል ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ጥቅምቲ 2025) 30.10.2025

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (30 ጥቅምቲ 2025) * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዚ ኣብ ዋዕላ APEC ንምስታፍ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣትዩ፣ * ሓይልታት ፈጣን ወሃብቲ ደገፍ ሱዳን ኣብ ዞባ ዳርፉር ንከተማ ኤልፋሽር ተቖጻጺሮማ፣ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም፣ ህልቂት ከይክሰት ተሰጊኡ፣ * ዶናልድ ትራምፕ ውዕል ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ቓዛ ጸኒዑ ክቕጽል'ዩ ይብል፣ * ሃሪከይን መሊሳ ኣብ ካሪብያን ዕንወት የውርድ፣ * ሊቨርፑል ካብ ዋንጫ ካራባኦ (ዋንጫ ሊግ ኢኤፍኤል) ብክሪስታል ፓላስ ተገሊፋ፣

ኤርትራ ናይ ምስፍሕፋሕ ድሌት ዝበለቶ ብምኹናን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ መልሲ ሂባ (ጸብጻባት ዜና) 30.10.2025

ጸብጻባት ዜና ሎሚ (30/10/2025) * ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ተራኺቡ፡ * ኤርትራ ንተስፋሕፋሒ ድሌት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰኒና፣ * ኲናት ፅንተት ትግራይ ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ግልጋሎት ጥራሕ ልዕሊ 10.8 ቢልዮን ዶላር ዕንወት ወሪዱ ክብል ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ገሊጹ፣ * ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ኣስታት 8 ሽሕ ሓለፍቲ እቲ ውድብ ስጕምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ፣

ሕድሕድ ውግእ ሱዳን ናብ ሓድሽ ሓደገኛ ምዕራፍ ሰጊሩ፡ 29.10.2025

ውግእ ሱዳን ኣብ ሓደገኛ ሓድሽ ምዕራፍ በጺሑ ኣሎ ። ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ዞባ ዳርፉር ናይ መወዳእታ ቀንዲ መደብር ናይቲ ሰራዊት ብምቁጽጻር ኣብ ርእሰ ከተማ ሰሜን ዳርፉር ማለት ኤል-ፋሸር ብምቁጽጻር ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ወሪዱ ይርከብ ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ፡ ብዙሓት ጉጅለታት ረድኤት ዓሌታዊ ቅትለትን ጥሜትን ከምዘስዕብን ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ይሃድሙ ኣለዉ ።

"ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንኽትስእን 30 ዓመት ዝወሰደ ቃልሲ ነቲ ዝሰኣነቶ ደጊማ ንኽትረክብ ግን ካልእ 30 ዓመት ኣየድልያን'ዩ።" ቀ/ሚ ኢትዮጵያ (ሓጸርቲ ዜናታት) 29.10.2025

** ኣብ ጀማይካ ብዝተኸስተ ህቦቡላ ሃሪከን መሊሳ ቁጽሪ ምውታት ይውስኽ ... ** ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፡ ንሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ' ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣካታዒ ይኸውን... ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ኣብ ዓለም፡ ውግእ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

What are Australia’s fishing laws and rules? - ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ኣውስትራልያ ሕግታትን መምርሒታትን ከምዘለውዎ ትፈልጡ ዶ፧ 28.10.2025

Thinking of going fishing in Australia? Make sure you are familiar with local regulations, including licensing systems, closed seasons, size limits, permitted gear, and protected species. - ሓደ ካብ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ኣውስትራልያውያን በብዓመቱ ዓሳ ክገፉ ከምዝኸዱ ትፈልጡ ዶ፧ ናብ ሩባ፡ ገምገም ባሕሪ ኣብ ደንደስ ኮንካ ድዩ ወይስ ኣብ ጃልባ ገመድ ብምዝርጋሕ፡ ምግፋፍ ዓሳ መሕለፊ ግዜ ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ናይ'ቲ ባህሊ'ውን'ዩ። እንተኾነ ግን ሓደስቲ መጻእቲ ዘየስተውዕሉሎም ነገራት ኣለዉ፡ ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ኣውስት...

ሱዕዳዊ ኩባንያ ንሓደ ካብ ወደባት ጂቡቲ ክጥቀመሉን ከማዕብሎን ተሰማሚዑ፣ (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ) 28.10.2025

** ወስተርን ኣውስትራልያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፒንጃራ እተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ብወግዒ ይቕረታ ኽትሓትት እያ:... ** ስዑድያዊ ኩባንያ RSGT ን30 ዓመታት ዝጸንሕ ናይ ጅቡቲ ወደብ ታድጅበርህ ክጥቀመሉ ተሰማሚዑ። ** ፌደራል መንግስቲ ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ከይምለሱ "ፖለቲካዊ ምትላል" ይገብር ኣሎ ክብል ህወሓት ከሲሱ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ጥቅምቲ 2025) 27.10.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰራዊት ሕይልታት ህጹጽ ደገፍ (R-S-F) ንዋና ከተማ ዳርፉር ኣልፋሻር ምሓዞም ገሊጾም። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብቲ ዝግበር ዋዕላ ኣስያን ኣብ ዛዕባ ንኣውስትራልያ ዘገድሱ ስራሕን ጸጥታን ከም ዘተኵር ገሊጹ ። ** ኣብ መንጎ ፊፋን ኣስያን ብዝተገብረ ስምምዕ መሰረት ኣብ መንጎ 11 ሃገራት ስፖርታዊ ዉድድር ክጅመር እዩ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (27 ጥቅምቲ 2025) 27.10.2025

ን ሎሚ ሰኑይ 27 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ንኣውስትራልያዊ ዘይወግዓዊ ኣዘራርባ ወይ ዘረባ ሹቕ (Australian Slang) ክለምድዎ ንብዙሕ ዓመታት ተሸጊሮም ጸንሒሞ'ዮም። እንተኾነ ግን እዛ ሃገር ዝያዳ ብብዙሕነት ሃብታም እናኾነት ኣብ ትመጻሉ ቋንቋ እንግሊዝ ንዛረበሉ ኣገባባት ይቕየር ኣሎ ክብሉ ክኢላታት ይገልጹ፡ ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ፡ ቃለ መሕትትን ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብን ካልእን ኣለና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኢትዮጵያ ምስ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዘተኣሳስር ዩ ዝበለቶ ናይ 1.6 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ህንጸት መስመር ባቡር ወግዓዊ ገይራ። ዩኒቨርሲቲ ዓዲግ...

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.