SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ሓምለ 2025) 31.07.2025

ንሎሚ ሓሙስ 31 ሓምለ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካልኣይ ክፋል ዝርርብ ምስ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ዘካሪያስ ገሪማ፡ ብዛዕባ ካብ ካልእ ቋንቋ ናብ ትግርኛ ዝግበር መስርሕ ምትርጓም ብሱሩዕ ዘይከይድ ምህላዉ ጸገማት ክረኣዩ ጸኒሖም ኣለዉ።ሎሚ ከነቕርቦ ኢና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራን ጣልያንን ዓበይቲ ውዕላት ከም ዝተፈራረማ ተገሊጹ መንግስቲ የመን፡ ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐ ተሰሚዑ። መበል 38 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ክወርዱ ጀሚሮም። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ : ዳያኑ ዘመሓላለፍዎ መሃያ መማህራን ይከፈል ዝብል ውሳኔ ብ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ሓምለ 2025) 31.07.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ቓዛ ብመጥቃዕቲ እስራኤልን ተዅስን ብውሕዱ 46 ፍልስጤማውያን ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ፡ በቲ ቴክኖሎጂ ናይ ብዙሓት ክታበታት ኮቪድ-19 ዝተማህዘሉ m-R-N-A ብምጥቃም ሓድሽ ክታበት ኤች-ኣይ-ቪን ፈቲኖም ። ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሃንተር ቫሊ ሓደ ሰብኣይ ንኽምርዖ እናተጓዕዘ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሚኒባስ ፡ ምስ ኣዕሩኽ መርዓዊ ከቢድ ጕድኣት ኣጋጢምዎም ።

"ኣብ መስርሕ ምትርጓም ቋንቋ ትግርኛ ብዙሕ በደል እዩ ዝፍጸሞ ዘሎ፡" ዘካሪያስ ገሪማ (ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት) 30.07.2025

ካልኣይ ክፋል ዝርርብ ምስ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ዘካሪያስ ገሪማ፡ እዚ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ካብ ካልእ ቋንቋ ናብ ትግርኛ ዝግበር መስርሕ ምትርጓም ዝረኣዩ ጸገማትን ገለ ገለ መፍትሒን ኣብዝብል ዛዕባ ዘተኮረ እዩ።

መንግስቲ የመን፡ ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐ ተሰሚዑ። 30.07.2025

ኤርትራን ጣልያንን ዓበይቲ ውዕላት ከም ዝተፈራረማ ተገሊጹ መንግስቲ የመን፡ ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐ ተሰሚዑ። መበል 38 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ክወርዱ ጀሚሮም። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ : ዳያኑ ዘመሓላለፍዎ መሃያ መማህራን ይከፈል ዝብል ውሳኔ ብሓዱሽ ኣዋጅ ደው ኣቢሉዎ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ጌታቸው ረዳ "ሓይልታት ፌደራል ንሓለዋ ዜጋታት ዘለዎም ድልየትን ድልዊነትን መሰከፊ'ዩ: " ክብል ነቒፉ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ሓምለ 2025) 30.07.2025

** እስራኤል ነቲ መንግስቲ ንግሊዝ ንሃገረ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ክህብ ዝሃቦ ቅድምመ ኩነትን መቓን ግዜን ኮኒና። ** ሎሚ ዝወጸ ሓበሬታ ዋጋታት ሸቐጥ መጠን ወለድ ክጎድል ክገድድ’ዩ ክብሉ ኪኢላታት ቁጠባ ገሊጾም... ** ኣብ ግምቢ ማንሃታን ብጠበንጃ ኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለ ሰብኣይ ፡ ነቲ እናኣንቈልቈለ ዝኸይድ ዝነበረ ሕማም ሓንጐሉ ተሓታቲ ሃገራዊ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ (National Football League) ምዃኑ ዝሕብር ወረቐት ሒዙ ከምዝነበረ ተገሊጹ።

“ ‘ኣብ ቋንቋኻ ዝገልጽ ቃላት እንተለካ ኣይትለቃሕ፡’ እዩ እቲ ሕጊ” ጸሓፊን ጋዜጠኛን ዘካሪያስ ገሪማ 29.07.2025

ብዛዕባ ካብ ካልእ ቋንቋ ናብ ትግርኛ ዝግበር መስርሕ ምትርጓም ብሱሩዕ ዘይከይድ ምህላዉ ጸገማት ክረኣዩ ጸኒሖም ኣለዉ። እቲ ጽገም እንታይ ምዃኑን ኣፈታትሓኡን ዝምልከት ምስ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ዘካርያስ ገሪማ ዝተገብረ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት።

DIY Renovations: What you need to know before getting started - ባዕልኻ ምጽጋንን ምስራሕን (DIY)፡ ቅድሚ ምጅማርና ክንፈልጦም ዝግባእ ነገራት 29.07.2025

Many Australians love rolling up their sleeves and undertaking their own home improvements. But before you grab a hammer or paintbrush, it’s essential to understand the rules and risks so you can renovate safely and legally. - ኣውስትራሊያውያን እጅገኦም ሰብሲቦም ገዛኦም ምምሕያሽን ምሕዳስን ምግባር ይፈትዉ እዮም ። ሞደሻ ቅድሚ ምሓዝካ ግን ፡ ሕግታትን ሓደጋታትን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ። ክሽነኻ ከተሐድስ ወይ ጽላል ኣብ ድሕሪ ገዛኻ ክትሰርሕ እንተ መዲብካ ፡ ብዘይ ገለ ጸገም ብሕጋዊ መገዲ ክትገብ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሓምለ 2025) 29.07.2025

** ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ጃፓንን ሕብረት ኣውሮጳን ሓድሽ ናይ ቀረጽ ዉዕል ፈሪሞም.. ** ነቲ ኣብ ስድኒ ሃርበር ብሪጅ ዝተመደበ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕጋት ዝግበር ምንቅስቓስ ከምዝቃለስዎ ወደብቲ ኣፍሊጦም ። ** ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 40 ሰባት ተቐቲሎም።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ሓምለ 2025) 28.07.2025

ን ሎሚ 28 ሓምለ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ብዛዕባ ኣተረጓጉማ ቃላትን ሓሳባትን ካብ ካልእ ቋንቋ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ዝምልከት ምስ ጸሓፊ ዘካርያስ ገሪማ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ኣለና። ል ኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ሱዕዲ ዓረብን ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን፡ ኦሮታ 391 ተማሃሮ ኣመሪቓ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝነበረ ወጥሪ ብልዝብ ክሃድእ ከም ዝተገብረ ተገሊጹ። ኣብ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ ሓደ ሰብ ብዕጡቓት ተቐቲሉ። ሓይልታት ጸጥታ ምስ ጋዜጠኛታት ከም ዝተጋጨዉ ውን ተሰሚዑ። ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣም...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ሓምለ 2025) 28.07.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ንፍልስጤምን እስራኤልን ፍታሕ ክልተ ሃገር ብዛዕባ ዝትግበረሉ መገዲ ንምምይያጥ ፡ ሎሚ ኣብ ኒው ዮርክ ይእከባ ኣለዋ ። ** ታይላንድን ካምቦዲያን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ፡ ሎሚ ኣብ ማለዥያዝርርብ ከካይዳ ተሰማሚዐን ኣለዋ ። ** ኣብ ቅድድም ብሽግለታ፡ ታዴ ፖካቻር ፡ ንራብዓይ ግዜ ቻምፕዮን ቱር ደ ፍራንስ ብምዃን ኣብ ወለዶኡ ካብ ዘለዉ ሰባት ንላዕሊ ዓብላሊ ምዃኑ ኣመስኪሩ ።

2ይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። 28.07.2025

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ሱዕዲ ዓረብን ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን፡ ኦሮታ 391 ተማሃሮ ኣመሪቓ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝነበረ ወጥሪ ብልዝብ ክሃድእ ከም ዝተገብረ ተገሊጹ። ኣብ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ ሓደ ሰብ ብዕጡቓት ተቐቲሉ። ሓይልታት ጸጥታ ምስ ጋዜጠኛታት ከም ዝተጋጨዉ ውን ተሰሚዑ። ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን ክሳብ ብገበን ጆኖሳይድ ክበጽሕ ዝኽእል ሓዱሽ ክሲ ቀሪቡሎም።

ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ንራብዓይ ግዚኡ ብምዕዋት ናይ ንግስነት ዙፋኑ ኣብ ከተማ ፓሪስ ደፊኡ። 27.07.2025

ታደይ ዙር ፈረንሳ ኣብ 2020፡ 21፡ 24ን 25ን ብምዕዋት እቲ ኣዝዩ ዓብላሊ ተቐዳዳማይ ናይ'ዚ ወለዶ ምዃኑ ኣመስኪሩ። ሰንበት ዝተኻየደ መበል 21ን ናይ መወዳእታን መድረኽ ብምኽንያት ብርቱዕን ዘየቋርጽን ዝናብ ንተቐዳደምቲ ሓደገኛ ኩነታት ከይፍጠር ተባሂሉ ናይ ሓፈሻዊ ምድባት ነጥብታቱ ንኹሎም ማዕረ ክኸውን ተገይሩ። በዚ ምኽንያት ታደይ ገና ናይ'ቲ መዓልቲ ቅድድም ከይተጀመረ ሻምፒዮን ምዃኑ ኣፍሊጡ ኔሩ። እንተኾነ ግን ምስ'ቶም ካብ'ታ ዓባይ ጉጅለ ሞሊቖም ተፈልዮም ዝኸዱ ተቐዳደምቲ ብምዃን ኣብ'ተን ተሰሪዐን ዝነበራ ዓቐባት ብዙሕ ግዜ ራሕሪሕዎም ክኸይድ ፈተነታት ብምክያድ ነቲ መዛዘሚ መዓልቲ መቐረት ወሲኽሉ። እቲ ኣብ'ቲ...

Australian invention could revolutionise minefield clearance - ምጽራግ ፈንጂን ዝተቐብሩ ነታጒታትን ክቕይር ዝኽእል ብሉጽ ኣውስትራልያዊ ምህዞ 27.07.2025

Twenty-eight years after Diana, Princess of Wales drew the world's attention to the impacts of landmines on war-affected countries, an Australian innovation is revolutionising de-mining efforts. Australian company MRead have developed a device that can accurately detect explosives underground, promising safer, faster landmine clearance. - 28 ዓመታት ልዕልቲ ዳያና ናይ ዌይልስ ቆላሕታ ዓለም ናብ ጽልዋታት ፈንጂታት/ዝተቐብሩ ነተጒቲ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሓምለ 2025) 24.07.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ናይ ሰልፊ ግሪንስ ስሰነተር መህረን ፋሩቂ ፡ ኣብ ባይቶ ኣብ ልዕሊኣ ዝተወስደ ኩነኔ ብዝምልከት ንሰልፊ ለበርን ጥምረትን ፡ ኣብ ግጉይ ሸነኽ ናይ ታሪኽ ከም ዘለዉ ከሲሳ ። ኢማራት ኣብ ሱዳንን ከባቢኡን ትገብሮ ዘላ ከም ሃገር ዝውክል ዘይኮነ፡ ብድሕሪት ናይ ካልኦት ተልእኾ ከምዘለዎ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ። ኣብ ግጥማት ዩሮ 2025 ተጻዋቲት ኲዕሶ እግሪ እንግሊዝ ጀስ ካርተር ፡ ጋንታኣ ንኢጣልያ 2ብ1 ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ጀነቫ ድሕሪ ምስዓራ ፡ ብዛዕባ ብ ኦንላይን ዝወረዳ ዓሌታዊ ማህሰይቲ ስምዒታ ገሊጻ ።

ቃለ መሕትት ፕረሲደንት ኢሳያስን ካልኦት ጸብጻባትን፡ 24.07.2025

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኰረ ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ቃለ-መሕትት፡ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ሂቡ። ምፍራስ ናይቲ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝነበረ ምምሕዳር ተቓውሞ ገጢምዎ። ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካን ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያን ተመያዪጦም።

ምክልኻል ሕማም ምርሳዕ (DEMENTIA PREVENTION) 23.07.2025

ሓደ ፍሉጥ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ፡ ሕማም ምርሳዕ ዲመንሺያ ከም ቊጠባዊ ቅልውላውን ከም ጕዳይ ጥዕናን ክጥመት ከምዝግብኦ ገሊጹ። ልዕሊ 400,000 ኣውስትራሊያዊያን ምስ ሕማም ምርሳዕ ይነብሩ ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ እርጋን ዝርከብ ህዝቢ በዚ ሕማም ዝጥቃዕ ድማ ኣብ 2050 ብዕጽፊ ክዓቢ እዩ ። እንተኾነ ተጣበቕቲ ሕማም ምርሳዕ ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ምርምር እኹል ምወላ ስለዘየለ ነዚ ንምፍዋስ ድሕሪት ተሪፉ እዩ ይብሉ ፡ እዚ ነቲ ኣብ ሂወት ለውጢ ዘምጽእ ናይ ምርሳዕ መስርሕ ናይ ምክልኻልን ናይ ምሕደራ ፕሮግራማት ጸልይዎ ይርከብ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ሓምለ 2025) 23.07.2025

** ዕዳ ተመሃሮ ዘጉድል ሕጊ ንምትእትታው ዝምልከት ቀዳማይ ኣጀንዳ መበል 48 ኣኼባ ፓርላማ ምዃኑ ተፈሊጡ... ** ምምሕዳር ትራምፕ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝመጽእ ዓመት ካብ ዩኔስኮ ኸውጽኣ እዩ ... ** ኣብ ደቡብ ትግራይ፡ ምልውዋጥ ኣመሓደርቲ ንምትግባር ኣካላት ጸጥታ ከምዝተላእኩ ፕረሲደንት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ሓቢሩ።

#91 Asking for a job reference (Adv) - #91 ምሕታት ናይ ስራሕ ምስክርነት (reference)፡ ምምሃር ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ 23.07.2025

Learn polite ways to request a job reference from managers or colleagues. - ካብ ማናጀራት ወይ መሳርሕቲ ብምቕሉል ኣገባብ ከመይ ኢልካ መወከሲ ወይ ምስክርነት ስራሕ ከም ትሓቱ ንመሃር፡

Australia’s Indigenous education gap and the way forward - ምዕጻው እቲ ጋግ፡ ኣጠማምታ ደቀባት ብዛዕባ ትምህርትን ለውጢን፡ 22.07.2025

Education is a pathway to opportunity, but for too long, Indigenous students in Australia have faced barriers to success. While challenges remain, positive change is happening. In this episode we’ll hear from Indigenous education experts and students about what’s working, why cultural education matters and how Indigenous and Western knowledge can come together to benefit all students. - ትምህርቲ ናብ ዕ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሓምለ 2025) 22.07.2025

** እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ዉግእ ብቕጽበት ደው ከተብሎ ኣውስትራሊያ ትርከበን 25 ሃገራት ናይ ሓባር ስምምዕ ክፍርማ... ** ዩክሬንን ራሻን ኣብዚ ሰሙን ሓድሽ ስምምዕ ሰላም ክዘራረባ እየን ተባሂሉ... **ኣብ ደቡባዊ ክፋላት ኣውስትራልያ ንዚነብሩ ሰባት ብርቱዕን ጐዳእን ንፋስ ክህሉ ትጽቢት ክገብሩ ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ኣጠንቂቑ ።

What is a Justice of the Peace? When do you need one? - ጃስቲስ ኦፍ ፒዪስ (ጂፕስ) እንታይ እዩ? 21.07.2025

At some stage you will probably need help from a Justice of the Peace. It may be to prove your identity, to make an insurance claim or to certify copies of your legal documents in your language. JPs are trained volunteers who play a crucial role in the community by helping maintain the integrity of our legal system. So what exactly does a JP do and where can we find one when we need their services...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሓምለ 2025) 21.07.2025

ንሎሚ ሰኑይ 21 ሓምለ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዕለት 12 ሓምለ 2025 ኣብ ከተማ ብርስበን ሓድሽ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያምን ቅዱስ ሚካኤልን ጳጳሳት፡ ዕዱማት ወከልቲ መንግስቲ ኣውስትራሊያን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውስትራሊያን ብርስቤንን ዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ዝተረኽብሉ ተመሪቑ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ምስርሕ ህንጻን ኩነታት እታ ቤተ ክርስትያንን ምስ ኣመሓዳሪ እቲ ቤተ ክርስትያን ቀሺ ገብረብርሃን ወልደ ገብሪኤልን ኣቦ ወምበር ኮሚቴ ህንጻ ዶ/ር ትካቦ ተስፋሚካኤልን መብርሂ።ኣብ ናይ ቃለ መሕትት ትሕዝቶና ክቐርብ እዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ኤሪ ቲቪ ዝገበሮ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሓምለ 2025) 21.07.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ዓብላሊ መናብር ዘለዎ ሰልፊ ለበር ባይቶ ስርሑ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝጅምረሉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ካብ መውዓሊ ህጻናት ጀሚሩ ክሳብ ናይ ተማሃሮ ዕዳ ምዕራይ ስጉምቲ ክወስድ ትጽቢት ይግበር ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኢትዮጵያ ንዂናት ብእዉጅ ትዳሎ ከም ዘላ ገሊጹ። ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ክልተ ተወሰኽቲ መድረኻዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ መሪሕነቱ ድሕሪ ምድልዳሉ ካልኣይ ሰሙኑ ኣጠናቒቑ፣

ጉዳፍ ጸጋይን መዲና አይሳን ኣብ ለንደን ተዓዊተን፣ ታደይ ፖጋቻር ንዙር ፈረንሳ ይዕብልሎ፣ 20.07.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/07/2025) * ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ለንደን ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ኣብ ውድድር ሓደ ማይል መሪሕ ዝኾነ ግዜ ብምምዝጋብ ክትዕወት’ንከላ መዲና አይሳ ኣብ ውድድር 5000 ሜ ተዓዊታ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ክልተ ተወሰኽቲ መድረኻዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ መሪሕነቱ ድሕሪ ምድልዳሉ ካልኣይ ሰሙኑ ኣጠናቒቑ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ምድብ ንነጥቢ ወይ ቀጠልያ ማልያ ራብዓይ ኮይኑ ተሳትፎኡ ይቕጽል ኣሎ፣ * ወናኒት ክብረወሰን ዓለም ውድድር ማራቶን ኬንያዊት ሩት ቸፕንገቲች ብምኽንያት ምውሳድ ብቕዓት ዘደንፍዑ ንጥረነገራት ወይ ዶፒንግ ብኣትለቲክስ ዓለም እገዳ ተነቢሩላ፣...

"እዚ ሃኒጽናዮ ዘለና ቤተ ክርስትያን ንኹሉ ከገልግል ክፉት እዩ።" ዝርርብ ብዛዕባ ኣብ ከተማ ብርስቤን ሓድሽ ህንጻ ቤተ ክርስትያን። 18.07.2025

ብዕለት 12 ሓምለ 2025 ኣብ ከተማ ብርስበን ሓድሽ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያምን ቅዱስ ሚካኤልን ጳጳሳት፡ ዕዱማት ወከልቲ መንግስቲ ኣውስትራሊያን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውስትራሊያን ብርስቤንን ዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ዝተረኽብሉ ተመሪቑ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ምስርሕ ህንጻን ኩነታት እታ ቤተ ክርስትያንን ምስ ኣመሓዳሪ እቲ ቤተ ክርስትያን ቀሺ ገብረብርሃን ወልደ ገብሪኤልን ኣቦ ወምበር ኮሚቴ ህንጻ ዶ/ር ትካቦ ተስፋሚካኤልን መብርሂ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.