SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ኣብ ምስራሕ ስራሕ ኣገልግሎት ኤን ዲ ኣይ ኤስ (NDIS) ዘሎ ዕድላትን ብድሆታትን፥ መብርሂ ኣቶ ኣማን መብራህቱ 18.08.2025

መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ሓደ ማዕከን ገንዘብ NDIS ፈጢሩ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ስራሕ ንዝዋፈሩ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ይርከብ። ምስዚ ስራሕ ተተሓሒዙ ዝለዓል ጉዳያት ከብርሃልና ኣብ ፋይናንሲያዊ መዳይ እቲ ስራሕ ተዋፊሩ ነቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ክኢላዊ ምኽሪ ዝህብ ናይ ፋይናንስ ኪኢላ ኣማን መብራህቱ ብዛዕባኡ ገሊጹልና ኣሎ ።

ከተማ ሽረ ማእኸል ንግዲ ወርቂ ትግራይ፣ ኤርትራን ሱዳንን ከም ዝኾነት ተሓቢሩ። 18.08.2025

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ተዛዚሙ፡ ቢኒያም ግርማይ ካብ ፕረዚደንት ማሕበር ብሽግለታ ዓለም ናይ ዮዉሃና መልእኽቲ ተቐቢሉ፡ ከተማ ሽረ ማእኸል ንግዲ ወርቂ ትግራይ፣ ኤርትራን ሱዳንን ከም ዝኾነት ተሓቢሩ። ጋዜጠኛ ሪፖርተር ጋዜጣ ዮናስ ኣማረ ብ"ዘይተፈልጡን መሸፈኒ ዝገበሩ ኣካላት" ተጨውዩ ካርታ ኣፍሪቃ በቲ ልክዕ ዓቐን ናይታ ኣህጉር ክቕየር ተወሲኑ ።

ኣብ ርክብ ትራምፕን ፑቲንን ዝተዓወተ መን'ዩ፧ 16.08.2025

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ኣላስካ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ንክብጻሕ ክዘራረብ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ። ክልቲኦም ክራኸቡ'ንከለዉ ግን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮልድሚር ዘለንስኪ ኣብኡ ኣይተረኽበን። ድሕሪኡ ምስ ትራምፕ ብቴሌፎን ነዊሕ ምስ ተዘራረቡ ግን ሶኑይ ብኣካል ክራኸቡ ተሰማሚዖም ኣለዉ። ኣብ'ዚ ኩሉ ርክባትን ህዝባዊ ርክባትን ግን መን'ዩ ዝያዳ ተረባሒ ኮይኑ፧

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ነሓሰ 2025) 14.08.2025

ንሎሚ ሓሙስ 14 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። እዚ ቕንያት ኣብ ትግራይን ኣብ ከበሳታት ኤርትራን ጎራዙት ዘዘውትራኦ ባህላዊ ጸወታት “ኣሸንዳ” ዘዘውትራሉ ቅነ እዩ። ነዚ ዘንጸባርቕ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣምባሳደር ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ። ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌጃንድሮ ኤስቲቪል መቐለ ኣትዩ ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ውንኣብ ኢትዮጵያ "ኢደወነናዊ ቅትለት"ን "ኢሰብኣዊ መቕጻዕትን" ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ። ምኽሪ ንሓደስቲ ወነንቲ ገዛ እንስሳ፡ ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ነሓሰ 2025) 14.08.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ኣላስካ ዝካየድ ዋዕላ ትራምፕ-ፑቲን ፡ ኣብ በርሊን ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ተራኺቡ ተዘራሪቡ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣውስትራልያ ዝወሰደቶ ቕዋም ብዛዕባ ኣፍልጦ መንግስቲ ፍልስጤም ፡ ንሰላም ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ምድንፋዕ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ገሊጹ ። ኣስታት 100 ስደተኛታት ዝጸዓነት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጣልያን ትጓዓዝ ዝነበረት ጃላባ ሎሚ ኣብ ከባቢ ላምፓዱሳ ምስ በጸሐት ብምግምጣላ ብውሕዱ 26 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣስታት ደርዘን ዝዀኑ ከም ዝጠፍኡን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ገሊጾም ክብ...

"ኣብ ኢትዮጵያ "ኢደወነናዊ ቅትለት"ን "ኢሰብኣዊ መቕጻዕትን" ይቕጽል ኣሎ።" ጸብጻብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ 13.08.2025

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣምባሳደር ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ። ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌጃንድሮ ኤስቲቪል መቐለ ኣትዩ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ውንኣብ ኢትዮጵያ "ኢደወነናዊ ቅትለት"ን "ኢሰብኣዊ መቕጻዕትን" ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ነሓሰ 2025) 13.08.2025

** ማዕከን ገንዘብ ከምቲ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ወግዓዊ መጠን ወለድ ብ 0.25 ሚእታዊ ኣጉድልዎ ።... ** ኣውስትራሊያ ትርከበን 23 ሃገራትን ረዲኤት ናብ ቓዛ ብዘገደብ ክ ኣቱን ቅልውላው ጥምየት ቓዛ ከብቅዕን ንእስራኤአል ሓቲተን። ** ኣብ ሱዳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።.

A beginner’s guide to owning a pet in Australia - ምኽሪ ንሓደስቲ ወነንቲ ገዛ እንስሳ 12.08.2025

Bringing a pet into your home can fill it with joy and companionship – but it also comes with important responsibilities. In Australia, new pet owners need to be aware of legal requirements, along with essential tips for training and caring for their animals. - ናይ ገዛ እንስሳ ወይ ፐት ንብዙሓት ፍቑር ክፍሊ ናይ ህይወቶም እዩ ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዳርጋ ክልተ ካብ ሰለስተ ስድራቤታት ናይ ገዛ እንስሳ ዝውንኑ እዮም። ቅድሚ ሕጂ ወኒንኩም ዘይትፈልጡ እንተ ዄንኩም ግና ፡ ብዛዕባ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ነሓሰ 2025) 12.08.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ ንመንግስቲ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ከምዝህብ ምስ ኣወጀ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ንጉዳይ ድሕነቶም ክሓስብሉ ሓቲቶም። ** ሓደ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ምስ መሳርሕቱ ኣብ ቓዛ ብወተሃደራት እስራኤል ምስተቐትለ ኣብ ምዕራብ ባንክ ዓቢ ስላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ** ዶናልድ ትራምፕ ንዋሽንግተን ዲሲ 'ሓራ ንምውጻእ' ሃገራዊ ሓለዋ ከምዘዋፍር ኣፍሊጡ።..

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ነሓሰ 2025) 11.08.2025

ን ሎሚ 11 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝነበሩ 15 ኤርትራውያን ድሒኖም። ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዕዉት ጎሮሮ ሓራጅ ብ መዓንጣ ናይ ምትካእ መጥባሕቲ አሳሊጡ። ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ብወግዒ ተኸፊቱ፡ ህወሓት ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ብዝምልከት ንፈለማ ዕላዊ ርእይቶ ሂቡ። ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና "ዝተናውሐ ኲናት ዝተኾለፎም ጸላእቲ" ኢሉ ዝገልጾም ሓይልታት ብምቕስቃስ ግጭት ከሲሱ። ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ነሓሰ 2025) 11.08.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኒው ዚላንድ ክሪስቶፈር ንምርኻብ ናብ ኒው ዚላንድ ዝገበሮ ምብጻሕ ፈጺሙ ። ፕረዚደንት ትራምፕ ሶማሊላንድ ተፈላጥነት ንምርካብ ዘቕረበቶ ሕቶ ፡ ቀጻሊ ምይይጥይግበረሉ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት ሂቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማ ጋዛ ብህጹጽ ከም ዝውዳእ ዝገለጾ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፡ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም እተዘራረበ ገሊጹ ።

ህወሓት ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ብዝምልከት ንፈለማ ዕላዊ ርእይቶ ሂቡ። 10.08.2025

ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝነበሩ 15 ኤርትራውያን ድሒኖም። ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዕዉት ጎሮሮ ሓራጅ ብ መዓንጣ ናይ ምትካእ መጥባሕቲ አሳሊጡ። ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ብወግዒ ተኸፊቱ፡ ህወሓት ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ብዝምልከት ንፈለማ ዕላዊ ርእይቶ ሂቡ። ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና "ዝተናውሐ ኲናት ዝተኾለፎም ጸላእቲ" ኢሉ ዝገልጾም ሓይልታት ብምቕስቃስ ግጭት ከሲሱ።

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2025) 07.08.2025

ንሎሚ ሓሙስ 7 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝመሰጦ፡ ዝተሰምዖን ምስ ሃገሩ ጥልያን ዘሎ ምትእስሳርን ፍልልይን ገሊጹልና ኣሎ። ሎሚ ከነቕርቦ ኢና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ** ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብፀሊም ዕዳጋ ዝግበር ልውውጥ ሸርፊ ወጻኢ ክውረስ ዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ** ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ዝርርብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። ** ኣብ ትግራይ ሓደ ቶን ወርቂ ብዘይሕጋዊ መን...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2025) 07.08.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ፖለቲከኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ጃፓን ፡ ነቶም ቅድሚ 80 ዓመት ብ ደብዳብ ኣቶማዊ ቦምብ ኣመሪካ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ዝኽሪ ንምኽፋል ኣብ ሂሮሺማ ተኣኪቦም ። ረድኤት ዝጽበዩ ዝነበሩ ፡ ብውሕዱ 38 ፍልስጤማውያን ኣብ ጋዛ ተቐቲሎም ኣለዉ ። ሃገራዊ ውድድር ተኒስ ደቀባት ብረቡዕ [6 ነሓሰ] ኣብ ዳርዊን ጀሚሩ፣ ካብ መላእ ኣውስትራልያ ዝመጹ ልዕሊ 160 ኣብቲ ጸወታ ይሳተፉ ኣለዉ ።

"ተስፋ እገብር ሓደ መዓልቲ ኩነታት ተመሓይሹ ተኣኻኺብና ምስ ኤርትራውያን ኣዕሩኸይ ዳግማይ ናብ ኤርትራ ክንበርር።" ጋዜጠኛ SBS ዳርዮ 06.08.2025

ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝመሰጦ፡ ዝተሰምዖን ምስ ሃገሩ ጥልያን ዘሎ ምትእስሳርን ፍልልይን ገሊጹልና ኣሎ።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ንዘሎ ህዝቢ "ብሓይሊ ኢና ፈላሊናዮ ፀኒሕና" ኢሉ። 06.08.2025

ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብፀሊም ዕዳጋ ዝግበር ልውውጥ ሸርፊ ወጻኢ ክውረስ ዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ዝርርብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። እቲ ጀነራል ኣብ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ንዘሎ ህዝቢ ድማ "ብሓይሊ ኢና ፈላሊናዮ ፀኒሕና" ኢሉ። ኣብ ትግራይ ሓደ ቶን ወርቂ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምርካብ ከባቢ 140 ሄክታር መሬት ይፋሓር ከም ዘሎ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ። ኣመሪካ ቪዛ ንዝሓቱ ዜጋታት ሃገራት 15 ሽሕ ዶላት ከምመትሓዚ ክትሓትት ምዃኑ ገሊጻ። ብሑቲ ተወቒዐን ዝጠሓላ መራኽብ ኣብ ማያት ኤርትራ ስግኣት ፈጢረን ተባሂሉ ።

ጽምዋ፡ ንመንእሰያት ዘጎድእ ዘሎ ጉዳይ ጥዕና 06.08.2025

ብዛዕባ ጽምዋነት ዝምልከት ዝወአጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣዚዩ ኣብ ዘተሕሳስብ ኩነታት ከምዝበጽሐ ኣረጋጊጹ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ነሓሰ 2025) 06.08.2025

** ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ መምሃራን ኲንስላንድ ንወሰኽ ደሞዝን ምምሕያሽ ኩነታትን ሰላማዊ ተቓዉሞ ይገብሩ ኣለዉ። ** ርዋንዳ ነቶም ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝስጎጉ ስደተኛታት ክትወስድ ዝተሰማምዐት ሳልሰይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ። ** ጃፓን ካብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሂሮሺማ ኣቶማዊ ቦምብ ካብ እትድርቢ 80 ዓመት ትዝክር ኣላ።

#92 Asking for donations (Med) - #92 ብዛዕባ ሓገዝ ምሕታት (ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ) 06.08.2025

Learn how to ask for money or donations in English. - ከመይ ጌርካ ገንዘብ ወይ ሓገዝ ብቛንቋ እንግሊዝ ከምዝሕተት። Learn how to ask for money or donations in English.

Is Australian tap water safe to drink?  - ኣብ ኣውስትራሊያ ንዝስተ ማይ ዝቐርብ ጥዑይ ድዩ፧ 05.08.2025

Access to safe drinking water is essential, and Australia’s often harsh environment means that our drinking water supplies are especially precious. With differences in the availability and quality of drinking water across the country, how do we know if it’s safe to drink? In this episode we get water experts to answer this question and more.   - ጽሩይ ዝስተ ማይ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ሕማቕ ሃዋህው ከኣ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ነሓሰ 2025) 05.08.2025

** ቀዳማይ ሚንስተር ኣንተኒ ኣልበኒዝን ፕረሲደንት ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤኤምን ብተሌፎን ተዘራሪቦም። ** ሰሙን ኣፍልጦ ጽምዋ ምኽንያት ብምግባር ብዛዕባ ሕልኽላኻት ስምብራት ኣእምሮን ኣብ ልዕሊ ጽምዋ ዘሕድሮ ጽልዋን ዝምልክት ሰፊሕ ኣፍልጦ ክወሃብ ኪኢላታት ጸዊዖም። ** መንግስቲ ኬንያ ንዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ሓተትቲ ዑቕባ ምቅባልን ምምዝጋብን ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ነሓሰ 2025) 04.08.2025

ን ሎሚ 4 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት ማሕበረ ሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ብዕረፍቲ ዶ/ር መሓመድ ዑስማን ቑስሙላህ ኣብ ዓቢ ሓዘን ቀንዮም ኣለዉ። ዶ/ር መሓመድ ቁስሙላህ ብሞያኡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ እጃም ድሕሪ ምብርካት ናብ ኣውስትራሊያ ኣብ 1989 ተሰዲዱ ንልዕሊ 35 ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ብቐዳም 2 ነሓሰ ብርክት ዝበሉ መቓልስቱን ኣባላት ማሕበረ ሰብ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ መልበርን ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ዶ/ር መሓመድ ዝፍለጠሉ ዓበይቲ ኣበርክቶን ብሓፈሻ ድማ ንልዕዕሊ 90 ዓመት ኣብዛ ምድሪ ክነብር ብድሕሪኡ ዝገደፎ ሓድጊ ብዝምልከት ኣቶ ቶፊቕ ቑስምላህ ገሊጹልና...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ነሓሰ 2025) 04.08.2025

ን ፍልስጤማውያን ናይ ጋዛ ንምድጋፍ ኣብ ስድኒ ሃርበር ብሪጅ እተገብረ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ታሪኻዊ ሰልፊ ምዃኑ ተገሊጹ ። ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ሓንቲ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ብውሑዱ 68 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ከምዝሞቱ ትካል ፍልሰተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ። ሰንበት ኣብ ስፐይን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ በርጎስ በርፐለት ቢኤች መርሃዊ ቅዱስ መበል 45 ኣትዩ።

"ካብ ጀርመናዊት ዝወለድክዎ ወደይ 'ነጋሲ' ኢለ ዝሰመኽዎ ሓበሻነቱ ንኸይጠፍእ ኢለ'የ።" ዶ/ር መሓመድ ዑስማን ቁስሙላህ ዓሪፉ። 04.08.2025

ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት ማሕበረ ሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ብዕረፍቲ ዶ/ር መሓመድ ዑስማን ቑስሙላህ ኣብ ዓቢ ሓዘን ቀንዮም ኣለዉ። ዶ/ር መሓመድ ቁስሙላህ ብሞያኡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ እጃም ድሕሪ ምብርካት ናብ ኣውስትራሊያ ኣብ 1989 ተሰዲዱ ንልዕሊ 35 ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ብቐዳም 2 ነሓሰ ብርክት ዝበሉ መቓልስቱን ኣባላት ማሕበረ ሰብ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ መልበርን ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ዶ/ር መሓመድ ዝፍለጠሉ ዓበይቲ ኣበርክቶን ብሓፈሻ ድማ ንልዕዕሊ 90 ዓመት ኣብዛ ምድሪ ክነብር ብድሕሪኡ ዝገደፎ ሓድጊ ብዝምልከት ኣቶ ቶፊቕ ቑስምላህ ገሊጹልና ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ልዝብ ንምክያድ እወንታዊ ምላሽ ከምዝሃበ ተሓቢሩ። 03.08.2025

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ልዝብ ንምክያድ እወንታዊ ምላሽ ከምዝሃበ ተሓቢሩ። ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ፡ ንልኡኽ ምብራቕ ሱዳን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ መዘናኡ ዶናልድ ትራምፕ ደብዳበ ከምዝሰደሉ ክዝረብ ቀንዩ ዩ። ትግራይ፡ ኣብ ሓንቲ ጣብያ 22 ሰባት ብደርቂ ሞይቶም ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ዓዲ ናብ ኢትዮጵያ ገንዘብ ዘመሓላልፋ ኣርባዕተ ወኪላት ኣጊዱ ኢትዮጵያዉያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ጀልባ ተገልቢጣ 54 ሰባት ከምዝሞቱ ተሰሚዑ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.