SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ባሕቲ መስከረምን ሓምድ እድሪስ ዓዋተን፡ ዕላል ምስ ኣምባሳደር መሓመድ ኑር 01.09.2025 32:31
ባሕቲ መስከረም፡ ኣብ ታሪኻ ናይ ኤርትራ፡ ቃልሲ ብዕጥቂ ዝጀመረላ ዕለት ብምዃና ብፍሉይ ትዝከር መዓልቲ እያ:: ነዚ ኣመልኪትና ካብቶም ቀዳሞት ተቓለስቲን ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ዝነበረን ነባሪ መልበርን ዝኾነ ተጋዳላይ መሓመድ ኑር ኣጀማምራን ኣማዓብላን ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራን ብዛዕባ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ኣዕሊሉና ኣሎ ::
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 መስከረም 2025) 01.09.2025 49:51
ን ሎሚ ሰኑይ ባሕቲ መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ብምዃኑ ኣብ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ኣብ 1961 ዝጀመረሉ ዕለት ዝዝከረሉ እዩ። ነዚ ኣመልኪትና ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቻይና ዝነበረ ኣምባሳደር መሓመድ ኑር ጌርናዮ ዝነበርና ከነቕርቦ ኢና። ምንዮት ወለዲ ምስ ድሌትን መጻእን ኣውስትራልያውያን ደቆም ከመይ ይሳነ፧ ዝብል ሓደ ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና’። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ መቐለ ኣትዩ። ኣብ ከተማ ማይጨው ቦምባ ከም ዝተደርበየ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ገሊጹ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንነት ዘቕነዐ ማእሰር...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 መስከረም 2025) 01.09.2025 11:08
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ፡ ማለት ኣብ ሲድኒ ፡ ካንበራ ፡ ብሪዝቤን ፡ ሆባርት ፡ መልበርን ፡ ፐርዝ ን ዞባታትን ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። መራሕቲ መንግስቲን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ነቲ ሰልፍታት ኮኒኖሞ። ** ፕረዚደንት ኢንዶነዥያ ፕራቦዎ ሱብያንቶ ፡ሃገሩ ንፖለቲካውያን ውድባት ዝወሃቡ ዝነበሩ ሓያሎ ፍሉይ መሰላት ኪሕደጉ ምዃኖም ከም እተሰማምዑ ገሊጹ ። ** ኣብ ውድድር ማራቶን ሲድኒ ሃለማርያም ኪሮስን ሲፋን ሓሰንን ክብረ ወሰን ዘመዝገበር ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣትሌታት ተዓዊቶም ።
ምጥራዝ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ቀፂሉ። 31.08.2025 5:26
ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ መቐለ ኣትዩ። ኣብ ከተማ ማይጨው ቦምባ ከም ዝተደርበየ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ገሊጹ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንነት ዘቕነዐ ማእሰርቲ የጋጥም ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ምጥራዝ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ቀፂሉ።
ምንዮት ወለዲ ምስ ድሌትን መጻእን ኣውስትራልያውያን ደቆም ከመይ ይሳነ 31.08.2025 7:32
ስደተኛታትን መጻእትን ዓዶም ገዲፎም ምስ ወጹ ኣብ’ቲ ዝነብርሉ ዓዲ ዘጋጥሞም ኩሉ ክቕበልዎ ወይ ክምክቱ ርዱእ ገይሮም ይወስድዎ።እቶም ካብኦም ዝውለዱ ግን ካልእ ዓለም ይጽበዮም። ኣብ ገዝኦም ባህልታትን ክብርታትን ወለዶም ክቕበልዎ ትጽቢት ክግበረሎም’ንከሎ ካብ ገዝኦም ወጻኢ ግን ዓብላሊ ኣውስትራልያዊ ባህሊ ተረዳዲኦም ክሓልፍዎ የድልዮም፣ ክልተ ዓለማት ኣብ ዝመሳቐልሉ ኩነታት ድማ ክዓብዩ ይኽእሉ። እዚ ተሞክሮ ንመንነቶም ክሓቱ ወይ ክጠራጠሩ ስለዝገብሮም ኣብ መንጎ’ቶም ሓደስቲ ዝመጹ ወለዶታትን ኣብ ኣውስትራልያ ዝተወልዱ ወለዶን ማሕበራዊ ምፍልላይ ክፈጥረሎም ይገብር። ኩሎም ወለዶታት መጻእትን ስደተኛታትን ዝሓልፍዎም ጸገማትን ዘ...
ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ነሓሰ 2025) 28.08.2025 53:14
ንሎሚ ሓሙስ 28 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዝመጽእ መዓልታት ብ ኣቆጻጽራ ግእዝ ናይ መወዳእታ ዓመት መዓልታት ጳጉሜን ዝጅመረሉ እዩ፡ ብ እ ኡ ኣቢሉ ድማ ሓድሽ ዓመት 2028 ዝጅመረሉ። ኣብዚ ቕነ ብደቂ ኣንስዮን ብደቂ ተባዕትዮን ዝዝውተሩ ኣሰኒና ጳጉመን እንታይ ማለትዩ? ሆየ ሆየ ንምንታይ ይበሃል? ወርሒ መስከረም ሓዲሽ ዓመት ክኸውን ንምንታይ ተመሪጹ? እዚ ሓዲሽ ዓመት ምስቲ ናይ ኣውሮጳዊያን እንታይ ብልጫን ፍሉይነትን ኣለዎ? ነዚን ካልእን ሊቃውንቲ ዝሃብዎ ትንታነታት ዝሓጸ ጸብጻብ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ነሓሰ 2025) 28.08.2025 10:22
ኣርእስታት ዜና፥ ኢራናውያን ኣውስትራሊያውያን ነቲ መንግስቲ ንዲፕሎማሰኛታት ኢራን ንምስጓግን ንሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርዝር ግብረሽበራዊ ትካላት ንምእታው ዝወሰዶ ስጉምቲ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ ። ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ብዛዕባ መጻኢ ቓዛ ዝምልከት ሎሚ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝግበር ኣኼባ ክመርሖ እዩ ። እንግሊዛዊት ኮኾብ ተጻዋቲት ኤማ ራዱካኑ ፡ ናብ ሳልሳይ መድረኽ U-S Open ሓሊፋ ኣላ ።
ካብ መዕርፎ ነፈርቲ መቐለን ባህርዳርን ዝርከብዎም ክልላዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣህጉራዊ በረራታት ክጅምር ምዃኑ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። 28.08.2025 7:35
በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ካብ ክልላዊ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ዝቕፅል ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ በረራታት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ። ሓዱሽ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብቲ ትሕቲ ከቢድ ወጥሪ ስራሕ ጀሚሩ። ኣብ ትግራይ ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ዝተሰምየ መድረኽ ተጀሚሩ። ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመያዪጡ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ደረጃ 'ትሑት ሰላም' ዘለወን ሃገራት ተመዲበን።
ኣውስትራሊያ ን ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ዉሽጢ 7 መዓልታት ክወጽእ ኣዚዛ፡ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርዝር ግብረ ሽበራ ክኣቱ ኣሚማ። 27.08.2025 5:18
መንግስቲ ኣውስትራሊያ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ውስትራሊያ ዝተገብሩ ጸረ-ሴማዊ መጥቃዕትታት ኢድ መንግስቲ ኢራን ከምዘለዎ ብክፍሊ ጸጥታን ስለያን ኣውስትራሊያ መረጋገጺ ምስ ረኸበ ምስ ኢራን ዝነበሮ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና በቲኹ ኣሎ። በዚ ድማ ኣምባሳደር ኢራን ካብ ኣውስትራሊያ ንኽወጽእ ሸውዓተ መዓልታት ተዋሂብዎ ኣሎ ። ሰልፊ ጥምረት ን ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርዝር ጉጅለታት ግብረ-ሽበራውያን ዘእቱ ሕጋዊ መስርሕ ከቅላጥፍ ንመንግስቲ ኣውስትራሊያ ጸዊዑ። እዚ ዝመጸ ድሕሪ ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ጸጥታን ስለያን ማሕበረሰብ ን IRGC ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ምግላጹ እዩ ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ነሓሰ 2025) 27.08.2025 5:53
** መንግስቲ ኣውስትራሊያ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ውስትራሊያ ዝተገብሩ ጸረ-ሴማዊ መጥቃዕትታት ኢድ መንግስቲ ኢራን ኣለዎ ኢሉ ብምኽሳስ ምስ ኢራን ዝነበሮ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና በቲኹ። ** ነቲ ኣብ ቪክቶሪያ 2 ኣባላት ፖሊስ ቀቲሉ ሃዲሙ ዝተባህለ ሰብ ኣይ ኣብ ጣሻታት ዝግበር ድልያ ይቕጽል ኣሎ። ** ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝርዝር ሰላም ሃገራት ኣብ ታሕቲ ተሰሪዐን።
What is forced marriage and what support is available in Australia? - ግዱድ መርዓ እንታይ እዩ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝወሃብ ደገፍከ? 26.08.2025 13:10
A forced marriage occurs when one or both individuals do not consent freely, often due to threats, coercion, deception, or if they are under 16 or those with mental incapacities. No matter how long you've been living here, it's vital to know: You have the right to choose who you marry. In this episode, we'll explore the difference between arranged and forced marriage and where you can turn for he...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ነሓሰ 2025) 26.08.2025 5:46
** ጋዜጠኛታትን ሓኻይምን ዝርከብዎም 20 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ናይ ቓዛ ብምጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሎም፡ እስራኤል ዘሕዝን ሓደጋ ክትብል ገሊጻቶ... ** ኣብ ትግራይ ልዕሊ 13 ሰባት ብሓደጋ መኪና ሂወቶም ሓሊፉ። ** ክልተ ሳዕ ሻምፕዮን ዊምብልደን ፐትራ ክቪቶቫ ኣብ ዩ ኤስ ኦፐን ድሕሪ ምስዓራ ካብ ጸወታ ቴኒስ ተሰናቢታ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ነሓሰ 2025) 25.08.2025 9:40
ኣርእስታት ዜና፥ ** ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ንፍልስጤማውያን ብምድጋፍ ናብ ጐደናታት ብምውጻእ ኣብ ጋዛ ዘሎ ግጭት ደው ክብል ጸዊዖም ። ** ርእሲ ከተማ የመን ሰንዓ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ተወቒዓ። ** ጋንታ ፍሪ ማንትል ን ወስተርን ቡልዶግስ ብ15 ነጥቢ ብምስዓር ናብ ናይ ፍጻመ ግጥማት A-F-L ሓሊፋ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ነሓሰ 2025) 25.08.2025 48:02
ን ሎሚ 25 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ፈለማ ንጥንታዊያን ወነንቲ ናይዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፡ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ውራንጁሪን ዋይውራን ናይ ሀገረ ኩሊንን ዝሓለፉን ዘለዉን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ብተወሳኺ ንጥንታውያን ወነንቲ ሎሚ ካብ ትሰምዕዎ ዘለኹምን ኩሎም መሬታትን ኣቦርጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣፍልጦ ንህብ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን “ቀይ ባህር ሲቀላ” ትብል መጽሓፍ ኣብቲ ህዝባዊ ግምባር ን ከተማ ባጽዕ ዝተቐጻጸረላ 1990 ዝነበረ ዘሰክሕ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ትትርኽ መጽሓፍ ተሓቲማ ኣላ። ምስ ጸሓፊ እታ መጽሓፋ ዶ/ር ፍርድኣወቀ ማሞ ዝገበርና...
ኣብ ዛላምበሳ ወከልቲ ሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣሸንዳ ተጸምቢሉ። 24.08.2025 8:21
በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብሃይማኖውን ባህላውን መልክዓት ተኸቢሩ። ኣብ ዛላምበሳ'ውን ወከልቲ ሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተጸምቢሉ። ኤርትራ ምኽንሻብ ደቅኣንስትዮ ብምትራፍ ዝነኣድ ዉጽኢት ኣመዝጊባ። እሱራት ክፍትሑ ዝጠልብ ጥርዓን መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ፡ ክነጽጎ ከሎ ፤ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ተቐቢሉዎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ፋብሪካ ወርቂ ይሃንጽ ምህላዉ ገሊጹ።
ጽምዋን ጭንቀትን ነንሓድሕዶም ዝመጋገቡ ጸገማት'ዮም፣ ከመይ ንሕዞም፧ 24.08.2025 8:50
ጽምዋ ሰላሕታ'ዩ፣ ዘይረአ ለበዳ ናይ ግዜና። ኩላህና ኣብ ገለ እዋን ኣብ ህይወትና ዝስመዓና’ዩ ክብሉ ክኢላታት ይሕብሩ። ንዝበዛሕና ንገለ እዋን ጥራይ ዘጥቃዓና ወይ ዘጋጥመና ሓላፊ ክኸውን’ንከሎ ንገሌና ግን ቀጻሊ ምሳና ዝኸይድ፣ ብሓጎስ ዘይተቐበልናዮ መሰነይታ ኮይኑ ክቕጽል’ዩ። እዚ ትሕዝቶ ጽምዋ ከመይ ንርድኦን መፍትሒታቱን ብዝምልከት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ኤስቢኤስ ካብ ዝቐረቡ ትሕዝቶታት ዝተጠናቐረ’ዩ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ነሓሰ 2025) 21.08.2025 50:49
ንሎሚ ሓሙስ 21 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብዚ ቅሩብ እዋን “ቀይ ባህር ሲቀላ” ትብል መጽሓፍ ኣብቲ ህዝባዊ ግምባር ን ከተማ ባጽዕ ዝተቐጻጸረላ 1990 ዝነበረ ዘሰክሕ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ትትርኽ መጽሓፍ ተሓቲማ ኣላ። እዛ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ህልቂት ሰባት ትትርኽ ናይ ብሓቂ ታሪኽ፡ ኣብቲ ኩነታት ዝነበረን ነቲ ኩነታት ዝረኣዮን ዝሰምዖን ብመጽሓፍ ሰኒዱ ዝጸሓፋ ዶ/ር ፍርድኣወቀ ማሞ ዝገበርናዮ ዕላል ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራ • ቀዋሚ ማእከል ምክልኻል ኣምበጣ ምድረበዳ ከም ዘቖመት ኣፍሊጣ። እሱራት መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ኤርትራ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ነሓሰ 2025) 21.08.2025 9:37
ኣርእስታት ዜና፥ ቀ/ ሚ ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ነቲ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ በንያሚን ነታንያሁ ብዉልቁ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ናይ ብሕቱ ጉዳይ ገይሩ ከም ዘይርእዮ ገሊጹ ። እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕሊ ከተማ ጋዛ ከተካይዶ ወጢናቶ ዘላ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረቶ ተገሊጹ ። ተጻዋታይ ኲዕሶ እግሪ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብታ ኣብ 2022 ዝተጸንበራን ጋንታ ኒውካስል ወጺኡ ምስ ሊቨርፑል ክጻወት ድሌየቱ ምዃኑ ገሊጹ።
“ቀይሕ ባሕሪ ደም ክፈሶ ክርእይ ኣይደልን እየ።” ዕላል ምስ ደራሲ “ቀይ ባህር ሲቀላ ዶ/ር ፍርድኣወቀ ማሞ 21.08.2025 35:40
ኣብዚ ቅሩብ እዋን “ቀይ ባህር ሲቀላ” ትብል መጽሓፍ ኣብቲ ህዝባዊ ግምባር ን ከተማ ባጽዕ ዝተቐጻጸረላ 1990 ዝነበረ ዘሰክሕ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ትትርኽ መጽሓፍ ተሓቲማ ኣላ። እዛ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ህልቂት ሰባት ትትርኽ ናይ ብሓቂ ታሪኽ፡ ኣብቲ ኩነታት ዝነበረን ነቲ ኩነታት ዝረኣዮን ዝሰምዖን ብመጽሓፍ ሰኒዱ ዝጸሓፋ ዶ/ር ፍርድኣወቀ ማሞ ዝገበርናዮ ዕላል ።
እሱራት መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ኤርትራ ክፍትሑ ዝጠልብ ዓለምለኻዊ መደብ ክካየድ እዩ ። 20.08.2025 8:33
ኤርትራ • ቀዋሚ ማእከል ምክልኻል ኣምበጣ ምድረበዳ ከም ዘቖመት ኣፍሊጣ። እሱራት መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ኤርትራ ክፍትሑ ዝጠልብ ዓለምለኻዊ መደብ ክካየድ እዩ ። ኣብዚ ቅንያት ብዝተኻየደ ተፍትሽን ሓለዋን 50 ጥርጡራት ሒዙ የፃሪ ከምዘሎ ፖሊስ መቐለ ገሊፁ። ነበርቲ ከተማ ማይጨዉን ወረዳ እንዳ-መኾኒን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብ ኢድ ፀላእቲ ዝርከቡ ተጋሩ ብዘይ ኲናት ይፀንቱ ኣለዉ ክብል ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፁ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መስከረም ጀሚሩ ንሰራሕተኛታት ተወሳኺ መመሓየሺ መሃያ ንምግባር ወሲኑ
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ነሓሰ 2025) 20.08.2025 5:52
** ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንኣውስትራሊያዊ መዘናኡ ን ኣይሁድ ዝጠለመ ክብል ከሲስዎ... ** ሓማስ ናይ 60 መዓልታት ስምምዕ ተዂሲ ድወ ምባል ተሰማሚዑ፡ እስራኤል ትግምግሞ ኣላ... ** ኣመሪካ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ ኣብ ዋሽንግቶን ጸቕጢ ይውስኽ፡ ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ሶማሊላንድ ከም ሃገር ተፈላጥነት ክትረክብ ጸዊዑ።
Understand Aboriginal land rights in Australia - መሰላት መሬት ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራትን እንታይ እዮም፧ 19.08.2025 8:07
You may hear the protest chant, “what do we want? Land rights!” —but what does it really mean? Land is at the heart of Aboriginal and Torres Strait Islander identity, culture, and wellbeing. Known as “Country,” it includes land, waterways, skies, and all living things. In this episode of Australia Explained, we explore Indigenous land rights—what they involve, which land is covered, who can make c...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ነሓሰ 2025) 19.08.2025 6:57
** ንሳልስቲ ብዛዕባ ቁጠባ ኣውስትራሊያ ዝዝቲ ዋዕላ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ካንቤራ ጀሚሩ። ** ኣብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ዝተገብረ ኣኼባ ሰላም፡ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕን ናይ ዩክሬን ፕረሲደንት ቮልድሚር ዘለንስኪን ናይ መጻኢ ተስፋኦም ገሊጾም... ** ኣብ ጥቓ ኣዲስ ኣበባ ብ 'መንነቶም ዘይተፈልጡ' ዕጡቓት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ባንክን 11 ሓይልታት ጸጥታን ሞይቶም ተፈሊጡ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ነሓሰ 2025) 18.08.2025 51:55
ን ሎሚ 18 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ተዛዚሙ፡ ቢኒያም ግርማይ ካብ ፕረዚደንት ማሕበር ብሽግለታ ዓለም ናይ ዮዉሃና መልእኽቲ ተቐቢሉ፡ ከተማ ሽረ ማእኸል ንግዲ ወርቂ ትግራይ፣ ኤርትራን ሱዳንን ከም ዝኾነት ተሓቢሩ። ጋዜጠኛ ሪፖርተር ጋዜጣ ዮናስ ኣማረ ብ"ዘይተፈልጡን መሸፈኒ ዝገበሩ ኣካላት" ተጨውዩ ካርታ ኣፍሪቃ በቲ ልክዕ ዓቐን ናይታ ኣህጉር ክቕየር ተወሲኑ ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ሓደ ማዕከን ገንዘብ NDIS ፈጢሩ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ስራሕ ን...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ነሓሰ 2025) 18.08.2025 10:10
ኣርእስታት ዜና፥ ካብ ሓሙስ ኣትሒዙ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይን ምዕልቕላቕ ውሕጅን ስዒቡ ብውሕዱ 344 ሰባት ሞይቶም ክብሉ ሰበ-ስልጣን ፓኪስታን ሓቢሮም ። ኣብ ሱዳን ዞባ ሰሜን ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ፡ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ፡ ብውሕዱ 31 ሰባት ተቐቲሎም ። መራሕቲ ኤውሮጳ ሎሚ [18 ነሓሰን] ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪይን ፕረዚደንት ዩ-ስ ዶናልድ ትራምፕን ዝግበር ኣገዳሲ ኣኼባ ኽካፈሉ ምዃኖም ገሊጾም።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.