SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
How do you legally change your name in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ ብሕጋዊ መገዲ ስምካ ብኸመይ ትቕይሮ፧ 16.09.2025 8:50
Choosing to legally change your name is a significant life decision that reflects your personal circumstances. Each year, tens of thousands of Australians lodge an application through the Registry of Births, Deaths & Marriages. If you’re considering a change of name, this episode takes you through the process. - ስምካ ብሕጋዊ መገዲ ኽትቅይሮ ምምራጽ ፡ ንብሕታዊ ኵነታትካ ዘንጸባርቕ ኣገዳሲ ናይ ህይወት ውሳነ እዩ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዓሰር...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 መስከረም 2025) 15.09.2025 8:53
ኣርእስታት ዜና፥ ** መራሒት ሰልፊ ሊበራል ሱሳን ለይ ንጃኪንታ ናምፒንጂንፓ ፕራይስ ካብ ናይ ቅድሚት መናብር ሰልፊ ተቓወምቲ ድሕሪ ምስጓጓ ሚኒስተራታ በዊዛቶም ። ** ብቐዳም 13 መስከረም ኣንጻር ስደተኛታት ብኣንጻሩን ዝቕንዑ ሰልፍታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ክግበሩ ዉዒሎም። ** ዉድድር ናይ መወዳእታ መድረኽ ቮልታ ኢስጳኛ ብሰንኪ ደገፍቲ ፍልስጢኤማውያን ዝገበርዎ ተቓዉሞ ተዘሪጉ።
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 መስከረም 2025) 15.09.2025 50:03
ን ሎሚ ሰኑይ 15 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2018 ግእዝ ምስ ኣመሓዳሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርዝቤን መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለ ማርያም ሃይሉ ዝገበርናዮ ዝርርብ ሎሚ ክንውድኦ ኢና። ኣብ ቀዳሞት ሒደት ዓመታት ምምጻእ ናብ'ዚ ዓዲ ክንጥንቀቐሎም ዝግበኣና ጌጋታት ሕጊ፡ ዝብል ሓደ ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና’። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኣሜሪካውያን ሰብ ሃብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ወፍሪ ልምዓት ቱሪዝም ክነጥፉ ምይይጥ ኣካይዶም። ንብሉጻት ተምሃሮ ዞባ ደቡብ ሽልማት ከም ዝተውሃበ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ...
ኣሜሪካውያን ሰብ ሃብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ወፍሪ ልምዓት ቱሪዝም ክነጥፉ ምይይጥ ኣካይዶም። (ጸብጻብ) 14.09.2025 9:46
ንብሉጻት ተምሃሮ ዞባ ደቡብ ሽልማት ከም ዝተውሃበ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ተመሃሮ 12 ክፍሊ 91.6% ተምሃሮ ክወድቁ እንከለዉ 8.4% ጥራሕ ሓሊፎም። ኣብ ትግራይ’ውን 8 ነጥቢ 3 ምኢታዊ ጥራይ ምሕላፎም ተገሊጹ ኣሎ። ዓለምለኸ ማሕበር ምሁራትን ሰብሞያን ተጋሩ ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝወቅስ ጥርዓን ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣቕሪቡ። ትራምፕ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበሮ ማዕቀብ ክቕፅል ኣዚዙ።
ኣብ ቀዳሞት ሒደት ዓመታት ምምጻእ ናብ'ዚ ዓዲ ክንጥንቀቐሎም ዝግበኣና ጌጋታት ሕጊ 14.09.2025 9:21
ኣብ ኣውስትራልያ ሓደስቲ ኮይንና ኣብ ንመጻሉ ኣብ’ቲ ዝነበርናዮ ሃገር፣ ከተማ ይኹን መዓስከር ስደተኛታት ኣፍልጦ ብዛዕባ ናብራ፣ ሕጊን ኣካይዳን ኣውስትራልያ እንተዘይሃሊና ብፍላይ ኣብ’ቶም ቀዳሞት ዓመታት ጸገም ከጋጥመና ይኽእል’ዩ። እቶም ንሕጊ ዝምልከቱ ጸገማት ግን ብቐንዱ ህይወትና ካብ ፈለምኡ ከይጸልውዎን ከየበላሽውዎን ክንፈልጦም ዝግበኣና ነገራት እንታይ’ዮም፧ ካባናን ካብ ካልኦት ትካላት መንግስትን ማሕበረሰብን ክመጹ ዝኽእሉ ፍታሓት ከ ኣለዉ ድዮም፧
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 መስከረም 2025) 11.09.2025 50:47
ሎሚ ሓሙስብ ኣቋጻጽራ ግእዝ ሓድሽ ዓመት ሓደ መስከረም 2018 እዩ። ንኹላትኩም ሓድሽ ዓመትን ቅዱስ ዮሃንስን ተኽብሩ ሰማዕትና እንቋዕ ኣብጽሓኩም። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብምኽንያት እዚ ንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ዓመተ 2018 መልእኽቲ ኣመሓዳሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርዝቤን መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለ ማርያም ሃይሉ። ክቐርብ እዩ። ሉኡኽና ዝሰደደልና መልእኽቲ፥ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይን ኤርትራን ናይ ሓዱሽ ዓመት መልእኽቲ እንቋዕ ኣብጸሓኩም ኣመሓላሊፎም። ኢትዮጵያ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ህንፀት መመንጨዊ ሓይሊ ኑክሌር ክትጅምር ምዃና ተገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 መስከረም 2025) 11.09.2025 11:20
ኣርእስታት ዜና፥ ቀ/ሚ ኣንተኒ ኣልበኔዝን መራሒት ሰልፊ ተቓዋሚ ሱዛን ለይን ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ግእዝ ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ፡ ብምኽንያት እቲ እስራኤል ኣብ ጋዛ ንእተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ ፡ ማዕቀብ ክግበረላን ብኸፊል ንግዳዊ ምድስካል ዝግብረሉን ኩነታት ክትላዘብ ምዃና ኣፍሊጣ ። ፍቱው ኣጥቃዒ ጋንታ መልበርን ቪክትሪ ብሩኖ ፎርናሮሊ ምጽዋት ኩዕሶ ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ ።
መራሕቲ ኣውስትራሊያ ሰናይ ትምኒት ሓድሽ ዓመት ግእዝ 2018 ትምኒቶም ገሊጾም። 11.09.2025 1:59
ቀ/ሚ ኣንተኒ ኣልበኔዝን መራሒት ሰልፊ ተቓዋሚ ሱዛን ለይን ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ግእዝ ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ሓድሽ ዓመተ 2018 ን ቅዱስ ዮሃንስን ይበዓል፡ መልእኽታት መራሕቲ ብምኽንያት በዓል። 10.09.2025 10:03
መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይን ኤርትራን ናይ ሓዱሽ ዓመት መልእኽቲ እንቋዕ ኣብጸሓኩም ኣመሓላሊፎም። ኢትዮጵያ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ህንፀት መመንጨዊ ሓይሊ ኑክሌር ክትጅምር ምዃና ተገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ነበር ኣብዲ ፋራህ ዝመርሖ ልኡክ ሶማልያ ኣስመራ ኣትዩ።
How to respond when encountering wildlife on your property - ኣብ ገዛኻ እንስሳ ዱር እንተ ኣትዩ እንታይ ትገብር፧ 10.09.2025 10:23
Australia is home to an array of diverse and beautiful wildlife, and knowing how to respond when you encounter wildlife in your home or on your property will help protect our precious wildlife species whilst keeping you, your family and your pets safe. - ኣውስትራሊያ ዝተፈላለዩን ብሉጻትን እንስሳ ዘገዳም ዘለውዋ ሃገር እያ ፡ ኣብ ገዛኻ ወይ ኣብ ቀጽሪ ቤትካ እንስሳ ዘገዳም ምስ ዘጋጥሙኻ እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ክትህብ ከምትኽእል ምፍላጥ ክቡራት እንስሳት ዘገዳምናን ብምክልኻል...
ኢትዮጵያ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝተጀመረ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ መሪቓ፡ ግብጺ ወግዓዊ ጥርዓን ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣቕሪባ... 10.09.2025 5:24
*** ኢትዮጵያ ነቲ ብነበር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝተጀመረ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ መሪቓ፡ ግብጺ ወግዓዊ ጥርዓን ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣቕሪባ... *** እስራኤል ኣብ ቐጠር ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም... ** ኣንጂ ፖስቶጉሉ ኣሰልጣኒ ኖተንሃም ፎረስት ምዃኑ ተረጋጊጹ።
"ፈታዊ ሰዓት" ንሚኪኤል በረሀ ከም ሰብ፡ ከም ሓሳቢ፡ ተመራማርን ጸሓፍን ትገልጾ መጽሓፍ'ያ እብል።" ኣርቲስት ሚኪኤል ኣዶናይ 09.09.2025 28:29
ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ኣብ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት ዘሰጎመ ደርሲ ምዃኑ ይፍለጥ። ንሱ ኣብ ሓጸርቲ ዛንታ ከይተሓጽረ ኣብ ምጽሓፍ ድራማ፡ ፊልም፡ ኣብ ጋዜጣ ዝጽሕፎም ዝነበሩን ብሱላት ዓንቀጻትን ዝፍለጥ እዩ። ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ብ 30 ነሓሰ 2025 ኣብ መበል 64 ዓመት ዓሪፉ። ብዛዕባ ዘበርከቶም ስራሓትን ብዛዕባ ህይወት ደራሲ ሚኪኤል በርሀን ዝምልከት ምስ ናይ ቀረባ ፈላጢኡን መሳርሕቱን ዝነበረ ኣርቲስት ሚካኤል ኣዶናይ ዝተገብረ ዝርርብ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 መስከረም 2025) 09.09.2025 5:14
*** ብመርዛም ቃንጥሻ ሰለስተ ሰባት ዝቐተለት ኢሪን ፓተርሰን ንሕልፈት ተፈሪዳ። *** ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ፈረንሳ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጻውዒታት ይቐርብ ኣሎ ።... ** ጠበንጃ ዝዓጠቑ ፍልስጤማዊያን ፡ ትማሊ [ሰኑይ] ኣብ ሓደ መጸበዪ ኣውቶቡስ ናይ ምብራቕ የሩሳለም ተዅሲ ከፊቶም ፡ ሽዱሽተ ሰባት ቀቲሎም ፡ 12 ድማ ኣቝሲሎም ።
መልእኽቲ መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለማርያም ሃይሉ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2018 08.09.2025 22:23
ንኹሎም ሰማዕቲ እንቋዕ ካብ ዘመነ ማቲዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ኣብጽሓኩም እናበልና፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመተ 2018 ቅዱስ ዮሃንስን፡ መልእኽቲ ኣመሓዳሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርዝቤን መል ኣከ ሰላም ኣባ ሳህለ ማርያም ሃይሉ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (8 መስከረም 2025) 08.09.2025 12:53
ኣርእስታት ዜና፥ ** ፖሊስ ቪክቶርያ ፡ ኣብ ምዕራብ መልቦርን 12 ን 15ን ዝዕድሚኦም ክልተ ኣወዳት ብኻራ ተወጊኦም ዝተቐትሉ፡ ብጕጅለ ገበነኛታት መንእሰያት ከም ዝዀነ ገሊጽዎ ኣሎ ። ** ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ሰራዊት እስራኤል መጥቃዕቱ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ኣስታት 100,000 ሰባት ካብ ከተማ ጋዛ ከም ዝወጹ ይገልጽ ። ** ናይ የመን ሖቲ ነቲ ኣብ ጥቓ ደቡባዊት ከተማ ኤላት ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ራሞን እስራኤል ብሰንበት ከምዘጥቅዑን እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንሓጺር እዋን ክዕጾ ከምዝገበሩን ገሊጾም።
ፕረዚደንት ግ/ መንግስቲ ትግራይ ታደሰ ንታሪኻዊ ምትሕግጋዝ ትግራይን ኤርትራን ዝምልከት ርእይቶ ሂቡ። 07.09.2025 6:37
ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣባበ ማእከል መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪቓ። ኣብ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ክሳብ ሕዚ 233 ቢልዮን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ ተገሊጹ። መበል ካልኣይ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ካሪቢያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ኣብ መድረኽ መደረ ዘስመዐ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ሃገራት ኣፍሪካን ካሪቢያንን ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ንዝተፈፀመለን በደል ፍትሒ ክሓታ ጸዊዑ
ዕድመና ኣኺሉ ናብራና ክንምስርት ካብ ገዛና ንወጻሉ መዓስ’ዩ፧ ክንወጽእ ኣለና ድዩ ኸ፧ 07.09.2025 9:56
ኣብ ትሕቲ ወለድና ካብ ዝዓበናሉ ገዛ ዕድመና ኣኺሉ ምውጻእ ሓደ ካብ’ቶም ከም መንእሰያት ኣብ ምስግጋር ናብ ነጻ ህይወትን ናብራ በጽሒን ንወስዶም ቀንዲ ስጉምቲታት’ዩ። ወለዲ ማሕበረሰባትና ደቅና ካብ ገዛ መዓስ ክወጹ ንደሊ ተባሂልና እንተንሕተት ናይ ብዙሓትና መልሲ ይመርዓዉ’ምበር ደሓን፣ እንተዘየሎ ግን ይጽንሑ ኢልና ምምለስና። ብዙሓት ኣውስትራልያውያን ዕድሜኦም መፋርቅ 20ታት ምስ ሓለፈ ገና ምስ ወለዶም ክነብሩ ዘይቅቡል ኮይኑ እንተረኸቡዎ'ኳ ምስ'ቲ ቅድሚ 20 ዓመት ዝነበረ ተርእዮ ክነጻጸር እንከሎ ግን ኣብ'ዚ እዋን ዝበዝሑ ከምኡ ይገብሩ ከምዘለዉ ኣሃዛት የመልክቱ። ኣብ’ዚ ወሳኒ ዕድመ ምፍልላይ ደኣ ወለድን መንእሰያትን...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 መስከረም 2025) 04.09.2025 49:23
ንሎሚ ሓሙስ 04 መስከረም 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣንጻር ስደት ኣብ ዝግበር ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ገይሮም ነበሩ ። ስደተኛታት ግን ነዚ ኣብዚ ሃገር ዝርአ ክብሪ መነባብሮ፡ ቅልውላው ገዛን ካልእ ቁጠባዊ ጸገማትን ስደተኛታት ተሓተቲ ድዮም፧ ክኢላታት ነዚ ኣንጻር ስደተኛታት ዝግበር ተቓዉሞ ብኸመይ ይግምግምዎ፧ ነዚ ዝምልስ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ካይሮ ምስ መዘንኡ ኣምባሳደር ኤርትራ ከም ዝተመያየጠ ተገሊጹ። ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 መስከረም 2025) 04.09.2025 8:39
ኣርእስታት ዜና፥ ቊጠባ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ክሳብ ሰነ ብ 1.8 ሚኢታዊት ዓብዩ ፡ ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ መዘናኡ ፕረሲደንት ቻይና ሺ ጂንግፒንግን ብሕክምናዊ መገዲ ክፋላት ኣካል ሰብ ብምስግጋር ካብ ሞት ምምላጥ ዝከኣለሉ ዛዕባ ብቐጥታ እናተዛረቡ ተሰሚዑ። ኣውስትራሊያዊ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣለክስ ዲ ሚኑር ኣብ ርብዒ ፍጻመ U-S Open ተሳዒሩ ኣብቲ ዉድድር ዝጸንሖ ጉዕዞ ኣኽቲሙ።
ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ካይሮ ምስ መዘንኡ ኣምባሳደር ኤርትራ ከም ዝተመያየጠ ተገሊጹ። (ጸብጻብ ልኡኽ) 04.09.2025 8:43
ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ንወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዕዉት መጥባሕቲ መዓናጡ ተኻይዱ። መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ናይ ፍርቂ ቢልዮን ብር እምነ ኩርናዕ ፕሮጀክት እምነ ሰረት ተቐሚጡ። ኣብ መኾኒ ብዝተፈጸመ ቅትለት ሓደ ሰብን መውቃዕትን ዝተጠርጠሩ ዛጊድ ድማ 16 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም፡ ካብዚኦም ሰለስተ ኣባላት ሰራዊት እዮም። ሰለስተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ካብ መዝነቶም ተኣልዮም። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ን ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ እስመለኣለም ምሕረቱ ሓዊስካ ንሰለስተ ሰበስልጣን ከም ዝኣለየ ተገሊጹ።
ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝተገብረ ጸረ ስደተኛታት ሰልፊ፡ ስግኣት ምእታው ስደተኛታት ናብ ኣውስትራሊያ ምኽኑይ ድዩ፧ 03.09.2025 10:51
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣንጻር ስደት ኣብ ዝግበር ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ገይሮም ነይሮም ። መበገሲ ናይቶም ኣዳልወቲ እቲ መደብ "ምረሻ ንኣውስትራልያ' ኢሎም ዝጽውዕዋ ኮይኑ ፡ "ጃምላዊ ፍልሰት" ደው ንምባል ዝቐረበ ጻውዒት እዩ ነይሩ ፣ ተቓወምቲ ከም ምኽንያት ቅልውላው ኣባይቲ ፡ ክብሪ ዋጋ መነባብሮ ብሰንኪ ናብዚ ሃገር ዝኣትዉ ብዝሒ ስደተኛታት ምዃኑ ይዛረቡ ። ክኢላታት ከም ዝገልጽዎ ፡ ኣንጻር ምእታው ስደተኛታት ኣብ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊታት ሓደ ስጊንጢር ኣሎ ። እቶም ተቓወምቲ ፡ ዉሑዳት ናይቶም ኣብ ቊጠባን ስራሕን ኣብ መጻእን እታ ሃገር ዝምክቱ ዘለዉ ምዃኖም እዩ...
#94 Talking about autism (Med) - ብዛዕባ ኦቲዝም ምዝርራብ (ትምህርቲ ቋንቅቋ እንግሊዝኛ ምስ SBS) 03.09.2025 18:21
Learn how to talk about Autism Spectrum Disorder respectfully. Understand common autism symptoms and use simple language to describe autism in everyday conversations. - Learn how to talk about Autism Spectrum Disorder respectfully. Understand common autism symptoms and use simple language to describe autism in everyday conversations.
ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ንዋንነት ቀይሕ ባሕርን ኣብዚ ቕነ የጎሃህሩ፡ ኤርትራ ምላሽ ኣይትህብን። (ሓጸርቲ ዜናታት፡ 3 መስከረም 2025) 02.09.2025 5:48
** ካልኣይ ዓቢ ምንቅጥቃጥ መሬት ን ኣፍጋኒስታን ኣናዊጽዋ። ** ቀ/ሚ ኣብይ ኣብይ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ቀይሕ ባሕርን ዋንነት ወደብ ዓሰብን ኣብዚ ቕነ ከጎሃህርዎ ቀንዮም፡ ኤርትራ ነዚ ምላሽ ኣይሃበትሉን። ** መራሒ ጉጅለ ኒዮ ናዚ ተታሒዙ፡ ኣብ ካምፕ ኣቦርጂናውያን ምስ ጉጅለኡ ዘውረዶ መጥቃዕቲ ክሲ ቐሪብሉ።
The cervical screening test that could save your life - እቲ ንህይወት ኸድሕን ዝኽእል መርመራ ማህጸን 02.09.2025 8:17
Cervical cancer is preventable, but only if you catch it early. Cultural and personal barriers have often meant that women avoid cervical cancer testing. But now with the help of a world-leading test, Australia is aiming to eliminate cervical cancer by 2035. The test is a safe and culturally sensitive option for women from all backgrounds. Best of all it could save your life—or that of someone clo...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 መስከረም 2025) 01.09.2025 4:56
** ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን መንግስቲ ንሰባት ናብ ጥሩፍ ኣረኣእያታት የሰጋግርዎም ኣለው ክብል ኣባል ፓርላማ ሰልፊ ጥምረት ማት ካናቫን ገሊጹ ። ** ኣብ የመን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሕመድ ኣል-ረሃዊ ዝርከቦም 12 ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሑቲ ድሕሪ ምቕታሎም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ቀቢሮሞም ። ** ኣለክሳንደር ኢሳቅ ካብ ኒውካስል ናብ ሊቨርፑል ብ125 ሚልዮን ፓውንድ ብምስጋር ኣብ ታሪኽ ኩዕሶእግሪ ዓዲ እንግሊዝ ዝኸበረ ተጻዋታይ ኮይኑ።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.