SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ኣውስትራሊያ ምስ እስራኤል ዘለዋ ስምምዕ ምክልኻል ክትስርዝ ሓድሽ መጸዋዕታ ቐሪቡ...(ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ) 01.10.2025 5:25
** ኣውስትራሊያ ምስ እስራኤል ዘለዋ ስምምዕ ምክልኻል ክትስርዝ ሓድሽ መጸዋዕታ ቐሪቡ... ** ኣብ ኢትዮጵያ ወፍሪ ንምግባር ምሹእ ኩነታት የለን ክብል ክፍሊ ወጻኢ ጕዳያት ኣመሪካ ገሊጹ።... ** ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ መስሓቒ ፌስቲቫል ዝሳተፉ ኮመዲያን ኣንጻር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክዛረቡ እታ ሃገር ከተፍቅድ ጸዊዑ ።
ፕ/ት ኢትዮጵያ፡ ኩለን ሃገራት ንቀይሕ ባሕሪን ህንዳዊ ውቅያኖስን ብማዕረ ክጥቀማሉ ጸዊዑ፡ ሚ/ር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ድማ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ጸዊዑ።.ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ አስ ትግርኛ 30.09.2025 5:37
** ሓማስ ፡ ነቲ ኣብ ጋዛዝገር ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን እስራኤልን እተሰማምዓሉ እማመ ከምዝግምግሞ ኣፍሊጡ።... ** ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ፡ ኩለን ሃገራት ንቀይሕ ባሕሪን ህንዳዊ ውቅያኖስን ብማዕረ ክጥቀማሉ ጸዊዑ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ዑስማን ሳልሕ ድማ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ጸዊዑ።...
"ኣብ ኩሉ ክንጋጠም ፍሉይ ስለዝኾንኩ ካብ ኩሎም ተጻወቲ ዝተፈለጥኩ ኣነ እየ።" ኣቶ በላይ ገብረግዚኣብሄር ትጻዋታይ ቦውልስ 30.09.2025 18:43
ኣቶ በላይ ገብረግዚኣብሄር ኣብ ሆባርት ታዝማኒያ ዝነብር ጥሮተኛ እዩ። ኣብ ሆባርት ቦውል ዝበሃል ጸወታ ስፖርት ምስ ጋንታ Royal Hobart Bowls Club ተሰሊፉ ይጻወት። እዚ ዓይነት ጸወታ ኣብ ኣባላት ማሕበረሰብና ዝውቱር ኣይኮነን፡ ኣቶ በላይ ኣብዚ ናይ ጥሮታ ዕድመኡ ንምንታይ ክጻወቶ መሪጹ፡ ኣብታ ጋንታ ተጸምቢሩ ምጽዋቱ እንታይ ረብሓ እዩ ረኺብሉ፧ ካልኦት ሰባት ክስዕብዎ ዝገብሮ ፈተነን ካልእ ምስቲ ዝገብሮ ንጥፈታት ዝተሓሓዝ ኣዕሊሉና ኣሎ።
ቆላሕታ ዝሰሓቡ ዜናታት ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም - ቦትስዋና፣ ኬንያን ኢትዮጵያን 29.09.2025 9:30
ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ቶክዮ 2025 ንሓደ ሰሙን መመላእታ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ፍሉያት ታሪኻውያን ዓወታት ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ብምምዝጋብ ተዛዚሙ። ቦኽሪ ኣፍሪቃዊ ዓወት ኣብ'ቲ ዝለዓለ ግምት ዝወሃቦ ውድድር ምቅብባል ዱላ ጉያ እግሪ 4 X 400ሜን ኣዴታትን መሓዙትን ዝኾና ኬንያውያን ኣትሌታት ብሉጽ ዓወት ዘመዝገባሉን ብምዃን ተዘካሪ ኮይኑ'ሎ። ንኢትዮጵያ ግን እቲ ውራይ ኣብ 34 ዓመታት ተሳትፎኣ ኣብ'ቲ ውራይ ንፈለማ ግዜ ብዘይወርቂ መዳልያ ኣትሌታታ ንሃገሮም ዝተመልስሉ ብምዃን ጸሊም ተዘክሮ ዝፈጥረ ኮይኑ ሓሊፉ'ሎ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 መስከረም 2025) 29.09.2025 9:22
ኣርእስታት ዜና፥ ** ሩስያ ኣብ ርእሲ ከተማ ዩክረይን ዝዀነት ኪየቭ ን12 ሰዓታት ብ ኣየር ደብዳብ ፡ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ፣ ኣብ ዙርያ እታ ሃገር ድማ ብውሕዱ 70 ሰባት ቈሲሎም ። ** ጽላት መድሃኒት ኣውስትራሊያ በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተነግረ ናይ ቀረጽ ወሰኽ ክንደይ ዝኣክል ከምዝጽሎ ብንጹር ክፍለጥ ኣይከኣልን ተባሂሉ ። ** ግጥማት A-F-L ብሪዝቤን ላየንስ ብገፊሕ 47 ነጥቢ ን ጂሎንግ ካትስ ብምስዓር፡ ጋንታ ብሪስቤን ላየንስ ተኸታታሊ ሻምፕዮንነታ ዓቂባ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 መስከረም 2025) 29.09.2025 50:44
ን ሎሚ ሰኑይ 29 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ወደብ ቴድሮስ ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን እተሰደ መንእሰይ እዩ። ኣብቲ ዝነብሮ ዘሎ ሃገር ጸገማት ምውህሃድ ስደተኛታት ምስ ሓድሽ ሃገሮም ብምግንዛብ ኣብዚ ጉዳይ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትምህርቱ ወሲኹ ቋንቋን ባህልን ጀርመን ኣጽኒዑ ንባይቶ ከባቢ ናይ ከተማ ከለን ክወዳደር ዝበቕዐ እዩ። መስርሕ ምውህሃድ፡ ናብራኻ ኣብ ስደት ኣመሓይሽካ ንዝገደፍካዮ ሃገር ክትሕግዝ ከም ዝከኣል ካብ ተሞኩሮኡ ዝሓለፈ ሰሙን ዘዕለለና መቐጸልታኡ ሎሚ ክንዛዝሞ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ፕረሲደንት ትግራይ ኩናት ከም ዘይህሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሕብረተሰብ ተረጋ...
ኣፍልጦ ሃገርነት ፍልስጢኤምን ኣመታቱን: 28.09.2025 9:04
ኣውስትራሊያ ትርከበን 150 ሃገራት ብወግዒ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ሂበን ኣለዋ። ኰይኑ ግና ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ጋዛ ውግእ ድሕሪ ምክያዱን ልዕሊ 65,000 ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን ፡ ሃገረ ፍልስጥኤም እንታይ እያ ክትመስል፧ እዚ ተፈላጥነት እዚ ስማዊ ድዩ ወይስ ናይ ሓቂ ዓለማውን ግብራውን ጽልዋ ኣለዎ፧ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ግጭትከ ደው ከብሎ ይኽእል ድዩ ፧
መንገዲ ኣየር ኖርዘርንስታር ባንዴራ ትግራይ ዘምበልብላ ክልተ ኣውሮፕላናት ዓዲጉ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምድላዋት ምህላው ገሊጹ። (ጸብጻብ) 28.09.2025 7:52
ፕረሲደንት ትግራይ ኩናት ከም ዘይህሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሕብረተሰብ ተረጋጊኡ ዕለታዊ ናብራናኡ ክመርሕ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት ትቕበለን ተሽከርከርቲ 95 ሚኢታዊ ብኤሌክትሪክ ክትገብር ወሲና ። ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ፕሮጀክት ልምዓት ኑክሌር ስምምዕነት ተፈራሪመን። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን ርክብ ኣካይዶም። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ዝምድና ንምምስራት ድሌት ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ኖርዘርንስታር ባንዴራ ትግራይ ዘምበልብላ ክልተ ኣውሮፕላናት ዓዲጉ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምድላዋት ምህላው ገሊጹ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መስከረም 2025) 25.09.2025 9:01
ኣርእስታት ዜና፥ ዝሓየለ ህቦቡላ ሳይክሎን ናይ 2025 ኣብ ሆንግ ኮንግ ጉድ ኣት ድሕሪ ምውራዱ ኣብ ታይዋን 17 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን ናብ ገማግም ደቡብ ቻይና ሓሊፉ ኣሎ ። ንትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቖልዑ ምእጋድ ካብ ምጥቃም ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝዛለዩ ናይ ጌም ጸወታታት’ውን ከጠቓልል ከምዝኽእል ተፈሊጡ። ካብ የመን እተተኮሰ ድሮን ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ከተማ ኤላት ወቒዑ: ብውሕዱ 20 ሰባት ኣቝሲሉ ። ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ዝግበር ግራንድ ፋይናል A-F-L ኣዚዩ ከቢድ ጸወታ ከምዝኸውን ተገሊጹ።
"ንእሱራትና ከምዘይረሳዕናዮም ንምርኣይ ኢና ዝክሪ እሱራት ኣካይድና፡" ዝርርብ ምስ ኣቶ ዘርኡን ኣቶ ብርሃነን ብዛዕባ ኣብ ኲንስላንድ ዝተገብረ ዝኽሪ እሱራት፡ 25.09.2025 17:21
ወርሒ መስከረም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዝተኣስርሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ። ማሕበረሰብ ኲንስላንድ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ንብዙሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ንምዝካር መዓልቲ ዝኽሪ ኣካይዶም ነይሮም። ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ፍጻመ ን ኣቶ ብርሃነ መሓርን ኣቶ ዘርኡ ቦኽረጽዮንን ብዛዕባ'ቲ ዝኽርን ሓፈሻዊ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራን ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ።
ኢትዮጵያን ኬንያን ወታደራዊ ምትሕባረን ንምጥንኻር ተፈራሪመን ። (ጸብጻብ) 24.09.2025 7:11
ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፉ ። ደበና ኩናት ንምቕንጣጥን ብዕቱብ ይሰርሕ ምህላዉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ቢሮ ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ትግራይ ካብ ዓዱ ተመዛቢሉ ብዝብኢ ንዝተበልዐ ህፃን ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊፁ። ኢትዮጵያን ኬንያን ወታደራዊ ምትሕባረን ንምጥንኻር ተፈራሪመን ። ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ዜጋታት ዝግበር ዘሎ ጥሕሰት ከም ዘተሓሳሰበን 42 ሃገራት ዓለም ንሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጠን።
Indigenous sport in Australia: Identity, culture and legacy - ስፖርት ደቀባት ኣውስትራሊያ: መንኮርኮር መንነት፣ ባህሊን ሓድግን፡ 24.09.2025 10:54
From the soccer field to the athletics track, Australia’s Indigenous sportspeople connect cultures and communities whilst contributing to our national identity. Taking inspiration from those before them, their athletic prowess leaves an indelible mark on our nation. Sport’s ability to foster inclusion, equality and the opportunity for greatness has seen Indigenous Australian sportspeople ingrained...
ሚ/ር ጥዕና ብዛዕባ ሕማም ኦቲዝም ዝምልከት ብትራምፕ ዘይተረጋገጸ ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሑ ነቒፍዎ ። (ሓጸርቲ ዜናታት 24 መስከረም) 24.09.2025 6:06
*** ኣንተኒ ኣልበኔዝ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝራኸብ ኣረጋጊጹ... *** ኣብ ኦስሎን ኮፐንሃገንን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ፡ብሰንኪ በረራታት ሓያሎ ዓበይቲ ድሮናት ምሉእ ለይቲ ክዕጾ ተገዲዶም... *** ሚንስትር ጥዕና ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ሕማም ኦቲዝም ዝምልከት ብዶናልድ ትራምፕ ዘይተረጋገጸን ዘጨንቕን ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሑ ነቒፍዎ ።
"ናብ ዓድና እናማዕደና፡ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ዓዲ ዕዉታት ክንከውን ኣለና።" መንእሰይ ወደብ ቴድሮስ 23.09.2025 25:37
ወደብ ቴድሮስ ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን እተሰደ መንእሰይ እዩ። ኣብቲ ዝነብሮ ዘሎ ሃገር ጸገማት ምውህሃድ ስደተኛታት ምስ ሓድሽ ሃገሮም ብምግንዛብ ኣብዚ ጉዳይ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትምህርቱ ወሲኹ ቋንቋን ባህልን ጀርመን ኣጽኒዑ ንባይቶ ከባቢ ናይ ከተማ ከለን ክወዳደር ዝበቕዐ እዩ። መስርሕ ምውህሃድ፡ ናብራኻ ኣብ ስደት ኣመሓይሽካ ንዝገደፍካዮ ሃገር ክትሕግዝ ከም ዝከኣል ካብ ተሞኩሮኡ ኣዕሊሉ ኣሎ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 መስከረም 2025) 23.09.2025 5:06
*** ሃገረ-ፍልስጤም ምምስራት ሰላም ንኽርከብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ከምዝኣምን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልበነዝ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ... *** ድሕሪ ተኸታታሊ ምዝንባይ ድሮናት ኣብ ኮፐንሃገን ዝርከብ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ዴንማርክ ፡ በረራታት ነፈርቲ ደው ኢሉ ... *** ምክትል ፕረሲደንት ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር ብኽሲ ክሕደት ኣብ ፍርዲ ምቕራቡ ኣብታ ሃገር ሕድሕድ ኲናት ከይለዓል ተሰጊኡ።.
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 መስከረም 2025) 22.09.2025 11:59
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ፡ ብሪጣንያን ካናዳን ምስ ሓያለ ኣባል ሃገራት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ን ሃገረ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ሂበን፡ እስራኤል ነዚ ትነጽግ ። ** መስራትን ዳይሬክተርን ራድዮ ኤረና ብንያም ስምኦን ኣብቲ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝወሃብ ሽልማት ፐን ኤርትራ ተዓዋቲ ናይ ዓመተ 2025 ኮይኑ። ** ኣውስትራሊያዊት ኒኮላ ኡሊይስላገርስ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ኣብ ልዑል ዝላ፡ ክልተ ሜትሮ ብምዝላል ተዓዋቲት መዳልያ ወርቂ ኮይና ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 መስከረም 2025) 22.09.2025 54:32
ን ሎሚ ሰኑይ 22 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣውስትራልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣብ መሬታ ብምምጻእ ኣጣይሳ። ብዙሓት ግን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦምን ምስ ትሑት ብቕዓት ትምህርትን’ዮም ናብ ኣውስትራልያ መጺኦም። እዚ ዝያዳ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፉ ንምትብባዕ ኣብ ምፍታን ብድሆታት ይፈጥር። ዝብል ሓደ ትሕዝቶ ክህልወና እዩ። ወርሒ መስከረም ኣብ ዝመጻሉ እዋን ነቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣዳለውቲን ጋዜጠኛታትን ብሕቲ ጋዜጣታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣሰሮም ብዘይፍርዲን ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእን 24 ዓመት ዘቑጸሩ ዝዝከረሉ እዩ ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ቀሪብና ዘለና፡...
መንእሰያት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ከይበጽሑ ዘሰናኽልዎም እንታይ'ዮም፧ 21.09.2025 9:22
ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣውስትራልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣብ መሬታ ብምምጻእ ኣጣይሳ። ብዙሓት ግን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦምን ምስ ትሑት ብቕዓት ትምህርትን’ዮም ናብ ኣውስትራልያ መጺኦም። እዚ ዝያዳ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፉ ንምትብባዕ ኣብ ምፍታን ብድሆታት ይፈጥር።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመን ስልጣኑ ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ወተሃደራት መዓርግ ወሲኹ። (ጸብጻብ) 21.09.2025 8:51
ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰላም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመኑ ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ወተሃደራት መዓርግ ወሲኹ። ውድብ ወለዶ ትግራይ ዝተብሃለ ውድብ መስራታይ ጉባኤ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ምስ ናይ ቻይና ትካል ብምትሕብባር ሰብ ሞያ ሚድያ ኣመሪቑ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2025) 18.09.2025 49:19
ሎሚ ሓሙስ 18 መስከረም 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ኣብ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት ዘሰጎመ ደርሲ ምዃኑ ይፍለጥ። ንሱ ኣብ ሓጸርቲ ዛንታ ከይተሓጽረ ኣብ ምጽሓፍ ድራማ፡ ፊልም፡ ኣብ ጋዜጣ ዝጽሕፎም ዝነበሩን ብሱላት ዓንቀጻትን ዝፍለጥ እዩ። ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ብ 30 ነሓሰ 2025 ኣብ መበል 64 ዓመት ዓሪፉ። ብዛዕባ ዘበርከቶም ስራሓትን ብዛዕባ ህይወት ደራሲ ሚኪኤል በርሀን ዝምልከት ምስ ናይ ቀረባ ፈላጢኡን መሳርሕቱን ዝነበረ ኣርቲስት ሚካኤል ኣዶናይ ዝተገብረ ዝርርብ ካልኣይን መወዳእታን ክፋሉ ከነቕርብ ኢና። ልኡ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2025) 18.09.2025 8:28
ኣርእስታት ዜና፥ ኮምሽን ኤውሮጳ ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ጃምላዊ ህልቂት ከም ዝፈጸመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘቕረቦ ጸብጻብ ፡ ምስ እስራኤል ዝግበር ስምምዓት ናጻ ንግዲ ክድስክል ሓሳብ ኣቕሪቡ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ናይ ኣውስትራሊያ ዒላማ ክሊማ ኣብ 2035 ሎሚ [18 መስከረም] ኣብ ሲድኒ ሎሚ ከፍልጥ እዩ ። መንእሰይ ኣውስትራሊያዊ ተቐዳዳማይ Gout Gout ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዉድድር ሓሊፉ ።
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቡ። 17.09.2025 5:53
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ማሳድ ቡሎስ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ። ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ። ኣብ ዓፋር ናይ ዘሎ ዕጡቕ ትግራይ 12 ኣመራርሓ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ወርሒ ከም ዝሓለፈ ተገሊጹ። ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኣቶ ክርስትያን ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ተሰሚዑ።
#95 Under the stars (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ (#95 Under the stars (Med)) 17.09.2025 13:00
Learn how to talk about the night sky and stargazing. - ትምህርቲ ብዛዕባ ሰማይ ለይትን ምዕዛብ ከዋኽብትን ከመይ ከም ትዛረቡ፡ (Learn how to talk about the night sky and stargazing.) ቋንቋ እንግሊዝኛ ምርዳእን ምዝራብን ኣብ ኣውስትራሊያ ናብራኹም ከመሓይሽ ዝኽእል እዩ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትሕዝቶ ብዛዕባ ናይ ኣውስትራሊያ ህይወትን ኣገላልፃታትን ኣብ ብኸመይ ከምዝበሃልን ኽንገልጽ ኢና ። ናይ እንግሊዝኛ ቛንቛ ክእለትካ ንምምሕያሽ ፣ ብዛዕባ ኣውስትራሊያ ፍልጠትካ ንምዕባይ ጎኒ ንጎኒ ድማ እናተዘናጋዕካ ትምህርቲ ምቕሳም ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብና ብዛዕባ ትምህርቲ ብ...
እስራኤል ኣብ ቓዛ ጅምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸመት መጽናዕቲ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ...(ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ) 17.09.2025 6:32
*** እስራኤል ኣብ ቓዛ ጅምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸመት መጽናዕቲ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ... *** ምስ ፖሊሲ ሰልፊ ጥምረት ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ መራሒት ተቓዋሚት ሱሳን ሊ ጸቕጢ ቀጺሉ ... *** ኣብ ማላዊ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድምጹ ክህብ ዝደለየ ሰብ ኩሉ ድምጹ ክህብ ዕድል ክረኽብ ዘይምኽኣሉ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ተወዲኡ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መስከረም 2025) 16.09.2025 4:52
*** ምስቲ ብ ደማዊ ሰንበት ተባሂሉ ዝፍለጥ ጃምላዊ ቅትለት ናይ 1972 ዝተሓሓዝ መስርሕ ፍርዲ ጀሚሩ... *** ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብቲ ኣሰሓሓቢ ቅዱስ ስፍራ እስራኤል በአጺሑ... *** ቻይና ፡ እቲ ምስ ኣመሪካ ኣብ ዋንነት ቲክቶክ ዝግበር ሓድሽ ስምምዕ ፡ ንረብሓ ክልቲኡ ወገን ዝሰማማዕ ምዃኑ ከም እትኣምን ገሊጻ ።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.