SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1429 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Be sure to visit the podcast's website and support the creator: www.sbs.com.au

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Oct 26, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android almost 10M downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

“ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ክዓርቕ ድሉው እየ፡” ሕብረት ኣውሮጳ። (ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 20 ጥሪ 2026) 20.01.2026

** ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓታት ሰለስተ ሰባት ብሻርክ ድሕሪ ምጥቃዖም 20 ገማግም ባሕሪ ናይ ሲድኒ ትዓጽዮም። ** “ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ክዓርቕ ድሉው እየ፡” ክብል ሕብረት ኣውሮጳ ገሊጹ። ዶናልድ ትራምፕ ንግሪንላንድ ክወስድ ኣብዝሸባሸበሉ ነቲ መደብ ንምምካት ሕብረት ኣውሮጳ ህጹጽ ጉባኤ ጸዊዑ። ** ኖቫክ ጃኮቪች ኣብ ኣውስትራሊያ ኦፐን ንመበል 100 ሳዕ ብምስዓር ታሪኽ ሰሪሑ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ጥሪ 2026) 19.01.2026

ን ሎሚ 19 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ኣሜሪካ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምቲታትን ዝኽተሎም ዘሎ ፖሊሲታትን ንኣውስትራልያ ወሲኽካ ምስ ፈተውትን ጸላእትን ዘሰሓሕቡ ኮይኖም ኣለዉ። ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ወሪሩ ዝጨወየ ስርሒት፣ ምፍርራሓት ወራር ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮ፣ ካናዳ፣ ግሪንላንድ፣ ኮሎምቢያ፣ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ናይ ቀረባ ኣብነታት'ዮም። ነዚኦም ምዕባለታት ምስ ግብረመልስታት ዓለምን ዝጸንሐ ኣካይዳ ፖሊሲታት ወጻኢ ኣሜሪካን ብምንጽጻር ምስ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ዝሃቦ መብር...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ጥሪ 2026) 19.01.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ተቓዋሚ ነቲ ሰልፊ ለበር ኣሚምዎ ዘሎ ሕጊታት ብዛዕባ ምዝራብ ጽሊኢ ኣብ ባይቶ ክሓልፍ ክቃወሞ ምዃኑ ኣየፍለጠን ። ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሙሴቨኒ ተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት ክመርሕ ተመሪጹ ተባሂሉ። ኣብ ግጥማት ኣውስትራሊያ ኦፐን ምስንምለስ ካርሎስ ኣልካርታዝን ኣሪና ሳባለንካን ናብ ካልኣይ ዙር ናይ ቲ ዉድድር ከምዝሓለፉ ተፈሊጡ ።

ኤርትራን ህወሓትን ንክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጎም። (ጸብጻብ) 18.01.2026

በዓል ጥምቀት፡ ኣስመራ፣ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኽበር ኣሎ። ኣዛዚ ኣርሚ 15 ሰራዊት ትግራይ ዝነበረ ብርጋደር ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ተኣሲሩ። ኤርትራን ህወሓትን ንክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጎም። ስርዓተ ቀብሪ ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ተፈፂሙ።

ኣብ መልበርን ዝፈርስ ዘሎ 44 ግምብታት ህዝባዊ መንበሪ ኣባይትን ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶታትን። 18.01.2026

ኣብዚ ክብሪ መነባብሮ ንሂርሉ ዘሎን ቅልውላው መንበሪ ኣባይቲ ኣጋጢምሉ ዘሎ እዋን መንግስቲ ቪክቶሪያ 44 ዝኸውን ኣብ መልበርን ዝርከብ ግምብታት መንበሪ ኣብ ምፍራስ ይርከብ ። እዚ ምፍራስ ደው ክብል ብዙሕ ድፍኢት እኳ እንተ ተገብረ ፡ መንግስቲ ቪክቶርያ ነቲ መደብ ንምትግባር ይደፍኣሉ ኣሎ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2026) 15.01.2026

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስቢኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2026) * ዜና ቡለቲን (ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ) * ግጥም ባይታ ቴኒስ ኣውስትራልያን ኦፕን 2026 ይጀማምር ኣሎ፣ እቶም ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ተወዳደርቲ ትፈልጡዎም ዲኹም፧ መን ክዕወት ትጽበይዎ፧ * ጸብጻባት ልኡኽና [- ክሲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ኤርትራን፣ ምድላው ንመረጻ ኣብ ትግራይ፣...] * ኣሜሪካን ፖሊሲኣን ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ትራምፕ ንፈተውትን ጸላእትን ብማዕረ ዘቐይምን ዘሐጉስን ዘሎ ይመስል። ካብ ናይ ቀደም ፖሊሲታት እንታይ ፍልልያት ኣለዎም፧ ዝመጽእ ሰለስተ ዓመት ከ እንታይ ክንጽበ ኢና፧ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲከን ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምድህ...

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2026) 15.01.2026

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2026) * ሓደ ኣውስትራልያዊ ጉጅለ ኒዮ-ናዚ ክንብተን ኢና ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ ሓደ ኣባል ሰልፊ ለይበር ንኣኽረርቲ ጉጅለታት ንምእጋድ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ የድምዕ ኣሎ ይብል፣ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኢማማት ኣውስትራልያ ግን ገለ መዳያቱ ንማሕበረሰብ ኣስላም ብዘይመጠን ጾር ክኾኖም`ዩ ይብል፣ * ክሊማ ዝከታተል ጉጅለ ኮፐርኒከስ፣ 2025 ኣብ መዝገብ እታ ሳልሰይቲ ዝወዓየት ዓመት ምንባራ ኣረጋጊጹ፣ * ቁጽሪ ሞት ካብ ምዕፋን`ቶም ንኢራን ወሪሮማ ዘለዉ ኣድማታትን ተቓውሞታትን ብውሑዱ ናብ 2571 ደይቡ፣ * ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ዋንጫ ካራባኦ ኣርሰናል ንቸልሲ 3-2 ስዒራታ፣

Australian Open gets underway: what to know about this year’s tournament - ግጥማት ባይታ ቴኒስ ኣውስትራልያን ኦፕን ይጅመር ኣሎ፣ ከመይ ክኸይድ'ዩ፧ መነመን'ዮም እቶም ሓያላት፧ 15.01.2026

One of the world's biggest tennis tournaments is back for another year as the Australian Open gets underway in Melbourne. Here's a breakdown of some of the details of the Australian Grand Slam as well as some key names to watch out for. - ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ዓለምና ዝዓበዩ ውራያት ግጥማት ባይታ ቴኒስ ዝኾነ ኣውስትራልያን ኦፕን ንካልእ ዓመት ተመሊሱ ብምምጻእ ኣብ ከተማ መልበርን ክካየድ ጀሚሩ'ሎ። እዚ ገለ ካብ ዝርዝራት'ዚ ኣውስትራልያዊ ግራንድ ስላምን ቀንዲ ተጠመትቲ ኣስማትን ዝህብ ትሕዝ...

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ከሲሱ፣ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ትግራይ ንምክያድ ምድላዋት ተገይሩ፣ (ጽብጻባት ልኡኽና) 14.01.2026

ጸብጻብ ልኡኽና (15 ጥሪ 2026) * መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ትግራይ ንምክያድ ዘድሊ ቅድመ ምድላዋት ከም ዝተገብረ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፣ * መንግስቲ ኢትዮጵያን ንህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ከሲሱ፣ * ኣብ ስዊድን ዝመደበራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንግስቲ ስዊድን ምወላ ከምዘይትረክብ ተገሊጹ፣ * ሰራዊት ሱዳን ኣብ ከባቢ’ታ ምስ ኢትዮጵያ ትዳወብ ግዝኣት ብሉ ናይል፡ መካይን RSF ከምዘዕነወ ሓቢሩ:

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (14 ጥሪ 2026) 14.01.2026

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (14 ጥሪ 2026) * ኣብ ጽባሕ’ቲ ዓቢይ መዘራረቢ ኣርእስቲ ዝፈጠረ ምስጓግ ፍልስጤማዊት-ኣውስትራልያዊት ደራሲት ምውራድ ኩሎም ኣባላት ቦርድ ተኸቲሉ ቅነ ጸሓፍቲ ኣደላይድ ተሰሪዙ፣ * መንግስታዊ ተለቪዥን ኢራን ብሰንኪ’ቶም ጸረ’ቲ-ስርዓት ዝካየዱ ዘለዉ ተቓውሞታት ዝሞቱ ሰባት ንፈለማ እዋን ወግዓዊ ኣፍልጦ ሂቡ፡ * ምስንባት ካብ ኣምባሳደርነት ኣውስትራልያ ኣብ ኣሜሪካ ንቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኬቪን ራድ ቅጽበታዊ መወዳእታ ናይ’ቲ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘሕለፎ ህይወት ክኸውን’ዩ፣

How to cater for your dietary restrictions - ብምኽንያት ጥዕና ወይ ሃይማኖት ውሱን ዓይነት መግቢ ጥራይ ክትምገቡ ምስ ዝህልወኩም ከመይ ተማልእዎ? 13.01.2026

Australia is known as the allergy capital of the world. Our diverse population also means that we express our religious beliefs, ethics, health and personal choices through the food we eat. We called on some experts to help us navigate all the labelling, certifications and resources that can inform our food choices. - ኣውስትራሊያ ዋና ከተማ ኣለርጂ ተባሂላ ከምትፍለጥ ትፈልጡ'ዶ፧ ህላወ ብዙሕነት ኣብ ህዝብታታ ማለት ሰባት ሃይማኖታዊ እምነቶም፡...

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (13 ጥሪ 2026) 12.01.2026

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (13 ጥሪ 2026) * ኣንቶኒ ኣልባነዚ ባይቶ ዝመጽእ ሶኑይን ሰሉስን ንስራሕ ክምለስ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኢማማት ኣውስትራልያ ጽልኢ እስልምናን ኣስላምን ዝመንቀሊኡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣስላማይ ሃይማኖታዊ መራሒን በዓልቲ ቤቱን ኮኒኑ፡ * ኩነታት ባርዓት ሓዊ ኣብ ቪክቶርያ እናዘሓሉ ይኸዱ'ለዉ፣ እንተኾነ ግን እቲ ስግኣት ገና ኣይተወደአን፡ * ኣብ ኣሜሪካ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣቦ መንበር ፌደራል ሪዘርቭ (ማእከላይ ባንክ) ጀሮም ፓወል ገበናዊ መርመራ ከፊቶም፣

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ጥሪ 2026) 12.01.2026

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ጥሪ 2026):- [ትሕዝቶታቱ] * ዜና ቡለቲን ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * መዋእለ ህጻናት ኣብ ኣውስትራልያ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ሰሙን ነጻ ኮይኑ፣ * ጸብጻባት ልኡኽና [[ግብጺ ኣብ ጁቡቲ ውዕላት ወደብን ጸዓትን ድሕሪ ምፍራማ ድሕሪ ሰሙናት፡ ቀ/ሚ_ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጅቡቲ ወደብ ዶራለህ ዑደት የካይድ፣ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ኣብ ቢሾፍቱ እምነ መሰረት ተነቢሩ፣ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ግን ነቲ ፕሮጀክት ብትሪ ይቃወሞ፣ ኤርትራ ፍሉይ ዘመናዊ ዲጂታዊ ስርዓተ ጉምሩክን ንግዲን ተተኣታቱ፣ ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ከቢድ መውጋእቲ ንዘለዎም 20 ተጋደል...

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (12 ጥሪ 2026) 12.01.2026

ቀንዲ ነጥብታት ናይ'ዚ ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (12 ጥሪ 2026) * ኣብ ባርዓት ሓዊ ግዝኣት ቪክቶርያ ቀዳማይ ግዳይ ሞት ዝኮነ ሰብ ተረጋጊጹ * ፈደራል መንግስቲ ነቶም ብምቅጻል ዝተጠቕዑ ማሕበረሰባት ኣብ ግዝኣት ቪክቶርያ ዝኸውን ክፍሊታት ሕውየት ኣበጊሱ * ፈስቲቫል ጸሓፍቲ ኣደላይድ ምስ ውሳነ ምስራዝ ተሳትፎ ፍልስጢማዊት-ኣውስትራልያዊት ራንዳ ዓብደል-ፋታሕ ብዝተኣሳሰር እናዓበዩ ዝከዱ ሳዕቤናት: ሰለስተ ኣባላት ቦርዱ ከሲሩ * ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ወዱ ነቲ ዝተዓልወ ሻህ ናይ ኢራን ንሃገሩ ክምለስን ንምስግጋር ናብ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ክመርሖን ድሉው'የ ይብል

ወደብ ባሕሪ ምርካብ ብዘተን ዲፕሎማስን ክፍጸም ኣለዎ (ቻይና)፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ቢሾፍቱ ንዝህነጽ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ይቃወም፣ 12.01.2026

ጸብጻባት ልኡኽና (12 ጥሪ 2026) * ግብጺ ኣብ ጁቡቲ ውዕላት ወደብን ጸዓትን ድሕሪ ምፍራማ ድሕሪ ሰሙናት፡ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጅቡቲ ወደብ ዶራለህ ዑደት የካይድ፣ * ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ኣብ ቢሾፍቱ እምነ መሰረት ተነቢሩ፣ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ግን ነቲ ፕሮጀክት ብትሪ ይቃወሞ፣ * ኤርትራ ፍሉይ ዘመናዊ ዲጂታዊ ስርዓተ ጉምሩክን ንግዲን ተተኣታቱ፣ * ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ከቢድ መውጋእቲ ንዘለዎም 20 ተጋደልቲ ኣብ ወፃኢ ክሕከሙ ይልእኽ፣ * ቻይና ወደብ ባሕሪ ምርካብ ብዘተን ዲፕሎማስን ክፍጸም ከምዘለዎ ተነጽር፣ መንግስቲ ሱዳን ናብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ...

በዓል ልደት ኣብ ኣስመራ፣ መቐለ፣ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ተኸቢሩ፣ ኤርትራ ተወሰኽቲ እሱራት ሃይማኖት ፈቲሓ፣ 08.01.2026

ጸብጻባት ልኡኽና (8 ጥሪ 2026) * በዓል ልደት ብኣመንቲ ክርስትና ኣብ ኣስመራ፣ መቐለ፣ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ተኸቢሩ፣ * ኤርትራ፡ ተወሰኽቲ እሱራት ሃይማኖት ፈቲሓ * ኣብ ክልል ዓፋር ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ መኪና ልዕሊ 20 ተሰድድቲ ሞይቶም * ሶማሊላንድ ፍቓድ በረራ መንገዲ ኣየር ጅቡቲ ሰሪዛ

እንቋዕ ናብ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብጽሓና! ትርጉሙ፣ ኣገባቡን ዕላምኡን ግን ንፈልጦ ዲና፧ መብርሂ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት 07.01.2026

ንኩልኹም በዓል ልደት ተብዕሉ ኣመንቲ ክርስትና ካብ’ዚ ካብ ኤስቢኤስ ትግርኛ እንቋዕ ኣብጽሓኩም ንብል። እዚ ንትርጉም፣ ኣገባብ ኣበዓዕላን መልእኽትን ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን በዓል ልደትን ዝምልከት ትሕዝቶ'ዩ። ቅድሚ ሕጂ ቆሞስ ኣባ ዮሃንስ ከበደ ካብ ኣደላይድ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያንን መምህር ብሩክ ገብረሊባኖስ ካብ ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም መልበርንን ካብ ዝሃቡና ሰፊሕ ትሕዝቶ ተጾሚቑ ዝቐርብ ዘሎ'ዩ።

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (07 ጥሪ 2026) 07.01.2026

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (07 ጥሪ 2026) * መንግስቲ ብምዕልቕላቕ ንዝተሃስዩ ነበርቲ ኲንስላንድ 38 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝህብ ኣፍሊጡ፣ * ባይቶ ቬንዙዌላ ንደልሲ ሮድሪገዝ ግዝያዊት መራሒት ክትከውን ቃለ መሓላ ኣፈጺሙዋ፡ * ልዕሊ ፍርቂ ክፋል ኣውስትራልያ ብልዑል መጠን ሙቐት ከልብለብ’ዩ፡ * ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ናብ ሶማሊላንድ ምብጻሕ ፈጺሙ፣

Three-day childcare subsidy now in place - but will it help families? - ብመንግስቲ ዝሽፈን ናይ ሰለስተ መዓልታት ነጻ ኣገልግሎት መዋእለ ህጻናት ንስድራቤታት ክጠቕመን ድዩ፧ 06.01.2026

Parents sending children to childcare are now guaranteed a 90 per cent subsidy for three days a week, without completing any eligibility test. The subsidy will cost around $430 million over the next four years but the government says hundreds of thousands of families are set to benefit. - ደቆም ናብ መዋእለ ህጻናት ዝልእኩ ወለዲ ዝኾነ ከማልእዎ ዘለዎም ወይ ዝግበኦም ነገር ከይሃለዎም ሕጂ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ሰሙን ዝኸውን 90% መንግስቲ ክድጎመሎም ወይ ክሽ...

Your guide to camping in Australia - ኣብ ኣውስትራልያ ናብ በረኻ፣ ጣሻ፣ ወጺእኩም ብምዕስካር ንምዝንጋዕን ግዜ ንምሕላፍን ክትፈልጥዎም ዘለኩም እንታይ'ዮም፧ 06.01.2026

Going camping is an incredible way to experience Australia’s great outdoors whilst also taking a break from technology and daily routines. We unpack the benefits of camping, the preparation required, the equipment you should consider taking, and how to be a considerate camper. - ካብ ገዛ ወጺኹም ንጽቡቓትን ምልኩዓትን ግዳማት/ደገታት ኣውስትራልያ ከተስተማቕርዎም እንተደሊኹም፣ ናብ ጉዕዞ ወጺእኩም ትዕስክርሉ (ካምፒንግ ትገብርሉ) ምኻድ ሓደ ትድነቕሉ ኣገባብ’ዩ። ቀስ...

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (06 ጥሪ 2026) 05.01.2026

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (06 ጥሪ 2026) * ፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ንክስታት ናርኮ-ቴረሪዝም ኣሜሪካ ገበነኛታት ኣይኮንናን ክብል ቃሎ ሂቦም፡ * መንግስቲ ኣውስትራልያ ኩነታት ኣብ ቨነዝወላ ይከታተሎ ከምዘሎ ብምግላጽ ኣብ ሕጋውነት ተግባራት ዩኤስ ርእይቶ ቅድሚ ምሃብ ኩሎም ሓቅታት ከረጋግጽ ይደሊ፡ * ንመጥቃዕቲ ሽበራ ቦንዳይ ግብረመልሲ ዝህቡ ሕግታት ንምሕላፍ ወርሒ ጥሪ ቅድሚ ምውድኡ ኣውስትራልያውያን ፖለቲከኛታት ናብ ካንቤራ ይምለሱ፣

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (5 ጥሪ 2026) 05.01.2026

ምሉእ ትሕዝቶ መደብ ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሶኑይ 5 ጥሪ 2026) * ፈለማ ዜናታት ኣውስትራልያን ዓለምን ክቐርብዩ * ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ቀይዲ ንምእታው ዝዓበየ መጠን መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ኣዚዘ ይብል። ክልቲኦም ምስ ሓሽሽን ኣጽዋርን ብዝተኣሳሰሩ ገበናት ኣብ ኒውዮርክ ተኸሲሶም ኣለዉ። እዚ ፍጻመ ወይ ስርሒት ብመሻርኽቲ ትራምፕ ኣድናቖት ክረክብ’ንከሎ ብብዙሓት ካልኦት ሃገራት ግን ብሰፊሑ ተኾኒኑ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ካብ ምሕረት ግብሪ፡ ክፍሊት ሱፐርን ክሳብ ምኽፋት ሓደ ሃገራዊ ማእከል ንምቁጽጻር ሕማማት፡ ብዙሓት ምትዕርራያት...

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (5 ጥሪ 2026) 05.01.2026

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (5 ጥሪ 2026) * ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ፣ ፈቓድ ካብ ኮንግረስ ኣየድልን’ዩ ኔሩ ክብል ነቲ ናብ ምትሓዝ ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ ቨነዝወላ ዝነበረ ኒኮላስ ማዱሮ ዘምርሐ ስርሒት ሃገሩ ተኸላኺልሉ፣ * ማሕበረሰብ ቨነዝወላ ኣብ ኣውስትራልያ ንኹሎም ኣብ ደገ ዘለዉ ፈተውቶም ሰላምን ዲሞክራስን ተተስፍዮም፣ * ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ዓለም ንተግባር ኣሜሪካ ብትሪ ኮኒነን፣ ኣውስትራልያ ዘተን ዲሞክራስን ዕድል ክወሃቦም ትጽውዕ፣ * ኣብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ኣውስትራልያ ልዑል ማዕበል ሙቐት ክህልዉ ምዃኑ መጠንቀቕታታት ተዋሂቦም፣ ኣብ’ዞም ቀረባ መዓልታት ብውሑዱ ኣብ ኣርባዕተ ግዝኣታት ልዕ...

Drama, dreams, distraction, diversion - 2025 in sport - ገምጋም ዓመተ 2025 ብመንጽር ስፖርት 04.01.2026

The sporting universe provided both a welcome distraction from the problems of the world in 2025... as well as a whole heap of drama and intrigue of its own. Let's look back at some of the year that was. - ስፖርታዊ ዓለም፣ ክልቲኡ ማለት ተደላዩ ዝኾነ መረስዒ ካብ ጸገማት ዓለም ኣብ 2025 በቲ ሓደ ወገን፣ ናቱ ዝኾነ ብዙሕ ድራማን ምስጢርን ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ፈጢሩ። ዓመተ 2025 ብመንጽር ስፖርት ከመይ ሓሊፉ ኣብ'ዚ ክንምልከቶ ኢና።

Trump says US will 'run' Venezuela after Maduro and wife seized in raid - ፕረዚደንት ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ተታሒዞም ድሕሪ ምውሳዶም ፕረዚደንት ትራምፕ ንቨነዝወላ ከነመሓድራ ኢና ይብል 04.01.2026

US President Donald Trump says he ordered a large-scale strike on Venezuela to capture Venezuela's President Nicolás Maduro and his wife. They have been charged with drug and weapons offences in New York. The action has been praised by Mr Trump's allies, but widely condemned by many nations. - ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ቀይዲ ንምእታው ዝዓበየ መጠን መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ኣዚዘ ይብ...

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.