SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ኢትዮጵያ፡ "ናይ ዘመነ ግዝኣት ኣተሓሳስባ" ሒዛ ተፈራርሓኒ ኣላ ብምባል ንግብጺ ምላሽ ሂባ። (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ) 14.10.2025

** እስራኤል ፡ ሬሳታት ጅሆ ብዘይምምላሶም ረዲኤት ናብ ቓዛ ከይኣቱ ትዓግት... ** ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ ... ** ግብጺ ንኢትዮጵያ ብጉዳይ ማይ ኒል ኣብ ተፍራርሓሉ ዘላ፡ ኢትዮጵያ "ናይ ዘመነ ግዝኣት ኣተሓሳስባ" ሒዛ ትጓዓዝ ብምባል ንግብጺ ምላሽ ሂባ።

How to donate blood in Australia - ደም ምልጋስ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ 14.10.2025

Each time you donate blood, you can save up to three lives. In Australia, we rely on strangers to donate blood voluntarily, so it’s a truly generous and selfless act. This ensures that it’s free when you need it—but it also means we need people from all backgrounds to donate whenever they can. Here’s how you can help boost Australia’s precious blood supply. - ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደም ኣብ እትልግሰሉ እዋን ፡ ክሳዕ ናይ ሰ...

ናብራ ስደት ኣብ ዕቤትና ክንጅምሮን ክንነብሮን 'ከለና እንታይ ይመስል፧ 14.10.2025

ብምኽንያት ስደት ድዩ ወይስ ፍልሰት ገለ ካባና ኣብ ከም በዓል ኣውስትራልያ ዝኣመሰላ ምዕራባውያን ሃገራት ዓሊብና ህይወትና ኣብ’ቲ ዕድመ ዝደፋእናሉ ግዜ ከም ሓድሽ ነጣይሰሉ ወይ ንጅምረሉ ኩነታት ክንህሉ ንኽእል ኢና። እቶም ዘጋጥሙና ብድሆታት እንታይ’ዮም፧ ንዕኦም ክኢልናን መኪትና ክንሓልፈሎም ንኽእል መገድታት ከ ኣለው ድዮም፧ ኣብ’ዚ ትሕዝቶ ክንድህስሶም ኢና።

መንእሰያት ብዝገበርዎ ሰላማዊ ተቓዉሞ ፕረሲደንት ማዳጋስካር “ናብ ዉሑስ ቦታ” ከምዝሃደመ ተገሊጹ። (ሓጸርቲ ዜናታት) 14.10.2025

** ብጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ እስራኤላውያንን ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ፍልስጢኤማውያንን ንናብ ዓዶም ኣብ ዝምለስሉ ህዝቢታት ሓጎሶም ይገልጹ ኣለዉ። ** ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ሓንቲ ናይ ገያሾ ኣውቶቡስ ናብ ሓደ ገደል ድሕሪ ምታዋ ፡ ወዲ 10 ወርሒ ህጻን ዝርከብዎም ብውሕዱ 42 ሰባት ሞይቶም ። ** መንእሰያት ብዝገበርዎ ሰላማዊ ተቓዉሞ’ ፕረሲደንት ማዳጋስካር “ናብ ዉሑስ ቦታ” ከምዝሃደመ ተገሊጹ።

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ጥቅምቲ 2025) 13.10.2025

ን ሎሚ ሰኑይ 13 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣዳላዊን ኣቕራብን ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ዝነበረ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ብብዙሓት ከም ኣርኣያ፡ ጀማሪ ነጻ መዲያ ኣብ ወጻኢን ኣጆኻ በሃልን ብኻልእ ሰናት ተግባራቱን ይዝከር። ክብርታቱ ንምቕጻል ብዝብል “Tesfaldet Alem Meharena Servant Leader for Justice Award.” ዝብል ዓመታዊ ሽልማት ምሃብ ካብ ዝጅምር ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኡ ንኽወሃብ ኣብ ምሽብሻብ ከምዘለዉ ኣወሃሃድቲ ገሊጾም። ብዛዕባ ክብርታት ተስፋልደትን ዝገደፎ ሓድግን ዝምልከት ምስ ቀዳማይ ተሸላማይን ኣዳላዊ “መስትያት ቤትና” ዝኾነ ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተገብረ ቃለ መ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ጥቅምቲ 2025) 13.10.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝተገብረ ውግእ ሓማስ-እስራኤል ንምጉላሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብሰንበት ክገብሩ ዊዒሎም ፣ ** ኣብ ጥቓ እተን ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ዝርከባ ኣከራኸርቲ ደሴታት ፡ ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት ፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ፊሊፒንስን ውጥረት ሓይሉ ። ** ናይ ሶማል ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ናብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቡ።

“ኣነነት ዝበዝሓሉ፡ ብዙሕ ዝዛረብ ዉሑድ ሰብ ዝሰምዓሉ ግዜ ኢና ዘለና፡ ተስፋልደት ድማ ነዚኣ’ዩ ዝጽየን ኔሩ።” ዘካሪያስ ክብረኣብ 13.10.2025

መስራቲ ናይ ፈለማ መዲያ ኣብ ዲያስፖራ ኤርትራ ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ን ድምጺ ደሊናን ዝነበረ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ብብዙሓት ከም ኣርኣያ፡ ጀማሪ ነጻ መዲያ ኣብ ወጻኢን ኣጆኻ በሃልን ብኻልእ ሰናይ ተግባራቱን ይዝከር። ድሕሪ ሕልፈቱ፡ ክብርታቱን ሓድግታቱን ንምቕጻል ብዝብል “Tesfaldet Alem Meharena Servant Leader for Justice Award.” ዝብል ዓመታዊ ሽልማት ምሃብ ካብ ዝጅምር ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኡ ምወሃብ እዩ። ብዛዕባ ክብርታት ተስፋልደትን ዝገደፎ ሓድግን ዝምልከት ምስ ቀዳማይ ተሸላማይ ናይቲ ሽልማትን ኣዳላዊ “መስትያት ቤትና” ዝኾነ ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት።

"ግብጺ ብጉዳይ ኣባይ ውሕስነት ማይ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ስጉምትታት ክትወስድ’ያ።"ፕ/ት ኣል-ሲሲ ። (ጸብጻብ) 12.10.2025

ብፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢጣሊያ ኣትዩ፡ ኣብ ትግራይን ዓፋርን 5.3 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሰምዐ ተገሊጹ; ኣብ ዓፋር ህይወት ሓደ ሰብ ኣሕሊፉ ፤ ናይ ኣስታት 43 ሺሕን ሰባት ገዛ ኣዕንዩ። ቀይሕ መስቀል ኣብ ሰሜናዊ ወሎ ብሓይልታት ፋኖ ውጕኣት ወተሃደራት መንግስቲ ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጡ። ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ትገብሮ ዘላ ዝበሉዎ ስግኣት ደው ክተብል ጸዊዖም። ግብጺ ብጉዳይ ኣባይ ውሕስነት ማይ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ስጉምትታት ክትወስድ’ያ ክብል ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ኣጠንቂቑ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ጥቅምቲ 2025) 09.10.2025

ሎሚ ሓሙስ 09 ጥቅምቲ 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ፡ ንሱዳናዊ ኣዛዚ ሚሊሻ ዓሊ ሙሓመድ ዓሊ ዓብድ-ራሕማን ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበነኛ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ ። ነቲ ኣብ ግጭት ዳርፉር ዘጋጠመ ኣስታት 300,000 ሰባት ዝቐተለን ብግምት ካብ 2.7 ሚልዮን ሰባት መዛበለን ግፍዒ ፡ ናይ ፈለማ ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን እዩ ። ሙሳብ ሓሰን ዝበሃል ካብዚ ጃምላዊ ቅትለት ዝደሓነ ሰብኣይ: እቲ ብይን ንኹሎም ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ቀሪቦም ንህዝቡ ተስፋ ከም ዝህብ ገለጸ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝ...

ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ካልኦት ማሕበረሰባት ዲያስፖራን ዝበጽሖም ስግረዶባዊ ጭቆናን ክትትል መንግስቲ ኣውስትራሊያን፡ (ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ) 09.10.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ብዙሓት ማሕበረሰባት ዲያስፖራ ዝበጽሖም ስግረዶባዊ ጭቆና ዒላማ ዝገበረ ጻዕርታት ንምምካት ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝገበሮ ጻዕርታት ንሰኔት ኣፍሊጡ። ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ሰላም ሓማስ ዝርዝር ኣስማት እቶም ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ክፍትሑ ዝደልዮም ፍልስጢኤማዊያን እሱራት ኣረኪቡ፣ ኤርትራ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ብዝዕባ ሃገሩ "ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣፍደገ ባሕሪ” ከም ዝተመንዝዐት ዝሃቦ መግለጺ መልሲ ሂባ።

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ብዛዕባ ጅምላዊ ቅትለት ዳርፉር ኣብ ናይ ፈለማ ብይኑ ኣሕሊፉ። 08.10.2025

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ፡ ንሱዳናዊ ኣዛዚ ሚሊሻ ዓሊ ሙሓመድ ዓሊ ዓብድ-ራሕማን ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበነኛ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ ። ነቲ ኣብ ግጭት ዳርፉር ዘጋጠመ ኣስታት 300,000 ሰባት ዝቐተለን ብግምት ካብ 2.7 ሚልዮን ሰባት መዛበለን ግፍዒ ፡ ናይ ፈለማ ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን እዩ ። ሙሳብ ሓሰን ዝበሃል ካብዚ ጃምላዊ ቅትለት ዝደሓነ ሰብኣይ: እቲ ብይን ንኹሎም ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ቀሪቦም ንህዝቡ ተስፋ ከም ዝህብ ገለጸ ።

ኣርእስቲ፣ ድምጻዊ ገብረጻድቕ ወልደዮሃንስ እንኪዝከር፡ 08.10.2025

ነብስሄር ድምፃዊ ገብረፃድቅ ወልደዮሃንስ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ዝለዓለ ኣበርክቶ ነይርዎ።ውሩይ ድምፃዊ፥ደራሲ ግጥምን ዜማን፥ተፃዋቲ ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ሙዚቃ እዩ።ነቲ ከያኒ ዝዝክር ሓደ መድረክ ኣብከተማ መቀለ ተሰናዲኡ ኣብ ዝነበረሉ ዝተዳለወ መድብ እዩ።

ኢትዮጵያ ፡ ኤርትራ ምስ ህወሓት ኮይና ኣብ ከተማ ወልዲያ "ውግእ ከፊታትለይ" ብምባል ንኤርትራ ከሲሳታ። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 08.10.2025

** መራሕቲ ፖለቲካ ኣውስትራሊያ ንግዳያት ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲን ነቶም ገና ኣብ ጋዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ሓዘኖም ገሊጾም ። ** ብትእዛዝ ፕረሲደንት ዶናል ትራምፕ ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ ናብ ቺካጎ ኣትዮም... ** ኢትዮጵያ ፡ ኤርትራ ምስ ህወሓት ኮይና ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ወልዲያ "ውግእ ከፊታትለይ" ብምባል ን ኤርትራ ከሲሳታ።

Road trips in Australia: What you need to know before hitting the road - ጉዕዞ መገዲ ኣብ ኣውስትራሊያ : ቅድሚ ጉዕዞ ምጅማር ክፍለጡ ዝግብኦም ነገራት 07.10.2025

There’s no better way to experience Australia than hitting the road. Between the wide-open landscapes, country bakery pies, and unexpected wildlife, a road trip lets you take in the country at your own pace. But even if you’ve driven overseas, Australia comes with its own set of challenges, especially when you venture off the beaten path. - ንኣውስትራሊያ ንምስትምቓራ ካብ ብመገዲ ምጓዓዝ ዝበለጸ ካልእ የለን ። ኣብ መንጎ "ቲ ሰፊ...

"ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 7ይ መረጻ ከተካይድ እያ" ፕር/ ታየ፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (7 ጥቅምቲ 2025) 07.10.2025

** ኣብ ግብጺ ዝርርብ ምቁራጽ ተዂሲ ቓዛ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን እስራኤላውያንን ፍልስጢኤማውያንን ተስፋኦም ይገልጹ ኣለዉ... ** ቅዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ካብዝሽየም ወርሑ ከይመልኦ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ... ** ኢትዮጵያ ኣብዚ በጀት ዓመት (ሰነ-2026) 7ይ ሃገራዊ ምርጫ ከተካይድ ምዃና ፕረዚደንት ታየ ኣጽቀስላሴ ኣፍሊጡ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥቅምቲ 2025) 06.10.2025

ን ሎሚ ሰኑይ 6 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣቶ በላይ ገብረግዚኣብሄር ኣብ ሆባርት ታዝማኒያ ዝነብር ጥሮተኛ እዩ። ኣብ ሆባርት ቦውል ዝበሃል ጸወታ ስፖርት ምስ ጋንታ Royal Hobart Bowls Club ተሰሊፉ ይጻወት። እዚ ዓይነት ጸወታ ኣብ ኣባላት ማሕበረሰብና ዝውቱር ኣይኮነን፡ ኣቶ በላይ ኣብዚ ናይ ጥሮታ ዕድመኡ ንምንታይ ክጻወቶ መሪጹ፡ ኣብታ ጋንታ ተጸምቢሩ ምጽዋቱ እንታይ ረብሓ እዩ ረኺብሉ፧ ካልኦት ሰባት ክስዕብዎ ዝገብሮ ፈተነን ካልእ ምስቲ ዝገብሮ ንጥፈታት ዝተሓሓዝ ኣዕሊሉና ኣሎ።። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኮንፈረንስ መቐለ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ 'ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንክ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥቅምቲ 2025) 06.10.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ** ሩስያ ፡ ትማሊ 5 ጥቕምቲ ኣብ መላእ ዩክረይን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ሚሳይላትን ድሮንን ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም ፣ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ዓንዩ ። ** ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝተፈጥረ ዕልቕልቕ ኣስታት 19 ሰባት ቀቲሉ 640,000 ሰባት ድማ በቲ ሓደጋ ከምተጸልዉ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ** ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ዝገበሮ ጻዕሪ ፡ ንእስራኤል ብዙሕ ዝጠቅም ምዃኑ ገሊጹ ።

ሕልፈት ህብብቲ ተጣባቒት እንስሳ ዱር ዶ/ር ጄን ጉዳል 05.10.2025

እታ ህብብቲ ተጣባቒት ኣከባቢን ተመራማሪት ስነ ፍልጠትን ዓለምለኻዊ ተጣባቒት እንስሳ ዱርን ዝነበረትጄን ዳይም ጉዳውል ኣብ 91 ዓመት ዕድሚኣ ዓሪፋ ።

ኮንፈረንስ መቐለ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ 'ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንክሰጋገር እጃምና ክነወፊ ኢና'ኢሉ። 05.10.2025

ኣብ ትግራይ ብሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን 'ቦቶክስ' ብምጥቃም ዕውት መብጣሕቲ ተኻይዱ። ክሽቦ ጓልኣንስተይቲ ንምውጋድ፡ ውሁድ ጻዕሪ መሻርኽቲ ክዓዝዝ ጻውዒት ቀሪቡ። ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ብነዳዲ ዝሰርሓ ዓበይቲ መካይን ከይኣትዋ ኣጊዱ። ኮንፈረንስ መቐለ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ 'ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንክሰጋገር እጃምና ክነወፊ ኢና'ኢሉ።

ጥዕና ስድራቤት ኣዴታትና ብዝኽሽነኦ መግቢ'ዩ ብዝለዓለ መጠን ዝውሰን 05.10.2025

ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝመጽወን ሃገራት ብዓይነት ሰብን ክኢላዊ ሞያን ጥራይ ዘይኮና ዝህብትማ በቲ ሒዞሞ ዝመጹ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ልምዲ፣ ኣመጋግባ፣ ኣለባብሳ፣ ሙዚቃን ስነጥበብን’ውን ይህብትማ’የን። ምናልባት ነዚ ከም ኣወንታ ድየን ዝምልከተኦ ወይስ ከም ኣሉታ ምስ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ሃዋህው፣ ትብዓት መራሕቲ፣ ህዝባዊ ደገፍን በብግዚኡ ዝቀያየር ርእይቶ ህዝብን ክፈላለ ይኽእል። ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ ከም’ዚኤን ዓይነታት ሃገራት ኮይና በብግዚኡ ብብዝሒ ወይ ብእኩብ ወይ ድማ በብውሑድ ብቐጻሊ ብዝመጹ ማዕበላት ህዝቢ ዝኸሰበትን ዝተቐየረትን ሃገር’ያ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ጥቅምቲ 2025) 02.10.2025

ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ንሓደስቲ ዓደግቲ ገዛ ንምድጋፍ ከተግብሮ ጀሚሩ ዘሎ መደብ ፡ ዝያዳ ውድድር ዝፈጥርን ዋጋታት ዘውስኽ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ኢንዱስትሪ ስግኣቶም ገሊጾም ። ኣብ ኲንስላንድ እቲ ዝዓበየን ዝጠንተወን ትካል መፍረ ጸዓት ከሰል ፡ ካብቲ ዝተመደበሉ ኣቐዲሙ ክዕጾ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ፡ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ንባርሴሎና 2ብ1 ስዒራታ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ጥቅምቲ 2025) 02.10.2025

ንሎሚ ሓሙስ 02 ጥቅምቲ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ወርሒ መስከረም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዝተኣስርሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ። ማሕበረሰብ ኲንስላንድ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ንብዙሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ንምዝካር መዓልቲ ዝኽሪ ኣካይዶም ነይሮም። ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ፍጻመ ን ኣቶ ብርሃነ መሓርን ኣቶ ዘርኡ ቦኽረጽዮንን ብዛዕባ'ቲ ዝኽርን ሓፈሻዊ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራን ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መደያይቦ ህንጻ ቤተክርስትያን ብምፍራሱ ልዕሊ 30 ሰባት ሞይቶም። ኣብ 'ሓራ መሬት'...

#96 At a swimming lesson (Med) - ዝርርብ ኣብ ቦታ መሐምበሲ፡ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ (At a swimming lesson (Med)) 01.10.2025

Learn how to talk about swimming in English. - ትምህርቲ ቋንቋ ብዛዕባ ዘረባ ምሕምባስ። Learn how to talk about swimming in English.

"ጉዳይ ዓሰብ ዘይቅኑዕ ምባል "ባንዳነት እዩ"" ም/ሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ። ጸብጻብ፡ 01.10.2025

ኣብ ኢትዮጵያ፡ መደያይቦ ህንጻ ቤተክርስትያን ብምፍራሱ ልዕሊ 30 ሰባት ሞይቶም። ኣብ 'ሓራ መሬት' ዘለው ዕጡቓት ናብ ትግራይ ንክመፁ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብጉዳይ ባሕሪ ተመያይጡ። ምኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ጉዳይ ዓሰብ ዘይቅኑዕ ምባል "ባንዳነት እዩ" ክብል ገሊጹ።

Springtime hay fever and asthma: how to manage seasonal allergies - ኣብ እዋን ጽድያ ረስንን ኣዝማን ፥ወቕቲታት ኣብ ዝቕየረሉ ቁጥዐ ወይ ኣለርጂ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፡ 01.10.2025

Springtime in Australia brings warmth, blossoms, and longer days—but also the peak of pollen season. For millions of Australians, this means the onset of hay fever and allergy-induced asthma. - ኣብ ኣውስትራልያ ፡ ኣብ እዋን ጽድያ ፡ መሬት ክትመውቕ ትጅምር፡ ኣትክልቲ ይዕምብቡን ነዊሕ መዓልትታትን ይመጽእ ፣ በዚ ከኣ ዝለዓለ ቝጽሪ ናይ ካብ ዕምባባ ዝመጻ ጨና ፖለን ዝፍጠረሉ እዩ ። ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ኣውስትራሊያዊያን እዚ ማለት ምጅማር ናይ ልዑል ረስኒን ቁጥዐ ሰውነትን ዘስዕብ ኣዝማን ምህላው ማለት እዩ ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.