SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1427 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Be sure to visit the podcast's website and support the creator: www.sbs.com.au

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Oct 26, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android almost 10M downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ሕማም ልቢ እንታይ እዩ፧ ኣገባብ ኣፈዋውሳኡ'ኸ፧ 03.02.2026

ካብ ጠንቅታት ሞት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝስራዕ'ዩ። ሕማም ልቢ ብገምጋም ኣብ ነፍሲወከፍ 12 ደቒቕ ብሰንኪ ምስ ሕማም ልቢ ዝተሓሓዝ ሕማም ይመውት፡ ብድኻም ልቢ ድማ ኣብ ሰዓት ሓደ ኣውስትራሊታዊ ይመውት።እዚ ሕማም ከምዘለኩምን ክትፈልጡን ሕማም ልቢ እንተለኩምን እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩምን እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክነግረኩም እዩ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ለካቲት 2026) 02.02.2026

** ሎሚ ዝእከብ ቦርድ ማእከላይ ባንክ ኣውስትራሊያ መጠን ወለድ ክብ ከብሎ ትጽቢት ይግበር። ** በቲ ኣብ እዋን ትልሂታት ወይ ፓርቲ ዝውሰድ ቀታሊ ሓሽሽ መጠን ሞት ኣብ ኣውስትራሊያ ብዓሰርተ ዕጽፊ ምውሳኹ ተፈሊጡ።... ** ኣቛሪጹ ዝጸንሐ ካብን ናብን ትግራይ ዝግበር ውሽጣዊ በረራታት ነፈርቲ ዳግም ክጅምር ምዃኑ ተገሊጹ፡ ናብ ካርቱም ዝግበር በረራ ድማ ጀሚሩ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ለካቲ 2026) 02.02.2026

ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ናይ ፕሮስቴት ካንሰር ዘለዎም ኣውስትራሊያዊያን ብመንግስቲ ድጎማ ዝግበረሉ ማዕከን ፋርማሲ [PBS] ብዝሓሰረ ዋጋ መድሃኒት ክረኽቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ ። ፕረዚደንት እስራኤል ይስሃቕ ሄርዞግ ናብ ኣውስትራልያ ዝገበሮ ምብጻሕ መንግስቲ ክስርዞ ዝጠልቡ ደገፍቲ ፍልስጤማውያን ተጣበቕቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም ። ካርሎስ ኣልካራዝ ዝነኣሰ ሻምፕዮን ኣውስትራሊያ ኦፐን ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ናብ ጐንፂ ናይ ምምላስ ዝንባለታት ከምዘሻቕሎ ገሊፁ። ጸብጻብ 01.02.2026

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ናብ ጐንፂ ናይ ምምላስ ዝንባለታት ከምዘሻቕሎ ገሊፁ። ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ሂቡ ኣሎ። ማሕበር ሓካይም ኤርትራ መበል 27 ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ኣስመራ ኣካይዱ። ሃገራዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት የመን ንሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብትሪ ከም ዝዀነነ ተገሊጹ። መራሕቲ ጁቡትን ሶማልያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም።

A hidden childhood cancer is increasing: what do these children need? - ሕቡእ ካንሰር ቆልዑ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፣ እዞም ህጻናት እንታይ'ዩ ዘድልዮም፧ 01.02.2026

The Leukemia Foundation is warning more than 400 children a year could face a blood cancer diagnosis within the next decade. The foundation is attempting to raise $12 million through its annual World's Greatest Shave campaign, with funds contributing to research and support services to families impacted by blood cancer. - ትካል 'ሊዩከሚያ ፋውንዴሽን' ልዕሊ 400 ህጻናት ኣብ ዓመት ኣብ ውሽጢ'ዚ ዝመጽእ ዘሎ ዕቑድ ሕማም መንሽሮ ወይ ካንሰር...

ትራምፕ፣ ኣውስትራልያን ዓለምን: ኣብ ግዜ ትራምፕ ኣሜሪካ ሉኣላውነትን ቻርተር ው. ሕ. ሃ.ን እንታይ'ዩ ትርጉሞም፧ ሞንሮ ዶክርቲን፧ - ዕላል ምስ ዶር ኣማኑኤል ኤሊያስ 01.02.2026

ኣብ ኣሜሪካ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምቲታትን ዝኽተሎም ዘሎ ፖሊሲታትን ንኣውስትራልያ ወሲኽካ ምስ ፈተውትን ጸላእትን ዘሰሓሕቡ ኮይኖም ኣለዉ። ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ወሪሩ ዝጨወየ ስርሒት፣ ምፍርራሓት ወራር ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮ፣ ካናዳ፣ ግሪንላንድ፣ ኮሎምቢያ፣ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ናይ ቀረባ ኣብነታት'ዮም። ነዚኦም ምዕባለታት ምስ ግብረመልስታት ዓለምን ዝጸንሐ ኣካይዳ ፖሊሲታት ወጻኢ ኣሜሪካን ብምንጽጻር ምስ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ክንድህስሶም ፈቲንና'ለና። * ስጉምቲታት ኣሜሪካን ሉኣላውነት ሃገራትን፣ * ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ * ሕ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ጥሪ 2026) 29.01.2026

ን ሎሚ 29 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ነባሪ ኲንስላንድ ዝኾነ ኣቶ ኣልኣዛር ተስፋይ ካብ 2002 ን ኣውስትራሊያ ከም ሃገሩ ሓሲቡ ንልዕሊ ክልተ ዕቑድ ዓመታት ዝነብር ዘሎ እዩ። በዓል ሞያ ሕክምና ኮይኑ ምስ World Wellness Groupe ኮይኑ ኣብ መስተን ሓሽሽን ንዝ ኣተዉ ኣብ ምሕጋዝን ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን ዝርከብ ዘሎ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር ዝህቦ ረብሓታትን ብድሆን፡ መስተን ጎዳኢ እጽ ጠንቂን ዘስዕቦ ጎዳኢ ነገራትን ኣዕሊሉ ኣሎ። ምጽኣት ዓለም ዝቖጽር ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጎደል ኮይኑ። ነዚ ዝጥምት ትሕቶውን ከነቕርብ ኢና። ኣብ ሰሙና...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (ኤስ ቢ ኤስ ትግሪኛ 29 ጥሪ 2026) 29.01.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ዓመታዊ ዝቕባበ ምውሳኹ ፡ ቊጠባ ሃገር ንምርግጋእ ዝያዳ ዕዮ ከም ዘድሊ ዘዘኻኽር እዩ ክብል ትረዠረር ጂም ቻልመስ ገሊጹ ። ኢራን ምስ ኣመሪካ ንዘተ ፍጹም ድልውቲ ምዃና’ኳ እንተገለጸት፡ ዝዀነ መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ግን ብርቱዕ ምላሽ ከም እትህብ ኣጠንቂቓ። ኣብ ግጥማት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ኣውስትራሊያዊ ኣብ ዉድድራት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ጃኒክ ሲነር ን ኣመሪካዊ በን ሸልተን ሲዒሩ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፉ።

ምጽኣት ዓለም ዝቖጽር ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጎደል ኮይኑ። 28.01.2026

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣቶማዊ መጽናዕቲ ፡ "ሰዓት መዓልቲ ምጽኣት" መሊኦማ ፣ እዚ ኣቆጻጽራ'ዚ ነቲ ናብ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ዝቐርብ ፡ ዓለምለኻዊ ዕንወት ዝዕቅን እዩ ። እቲ መቐቀኒ ንናህሪ ኑክሌሳዊ ሓይልታት ፡ ሩስያ ፡ ቻይናን ኣመሪካን ፡ ንኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘይምቍጽጻር ፡ ኣብ ዩክረይንን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን አሎ ግጭታት ፡ ዛዕባ ኤ--ኣይ ዘሎ ጭንቀት ኣብ ግምት ኣትዮም እዮም እታ ናይ ምቕራብ ምጽ ኣት ሰዓት ኣቀላጢፎማ ዘለዉ። ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ ፡ ነታ ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢታት ጎደል ገይርዋ ኣሎ ። እዚ ካብቲ ዓሚ እተመደበሉ ብኣርባዕተ ካልኢት ሎሚ ቀሪቡ ኣሎ ።

ምጽኣት ዓለም ዝቖጽር ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጎደል ኮይኑ። ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ጥሪ 2026) 28.01.2026

** ኣብ ኣውስትራሊያ ዝጸንሐ ክብረ ወሰን መጠን ሙቐት ተሰይሩ። ** ምጽኣት ዓለም ዝቖጽር ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጎደል ኮይኑ። ** ሎሚ ክግበር ተሃሲቡ ዝነበረ ፍሉጥ ዉድድር ብሽግለታ ብሰንኪ ብርቱዕ ሙቐት ተሰሪዙ።

Public transport in Australia: breaking down the basics - ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ህዝብዊ መጓዓዝያ ኣውስትራሊያ፡ 27.01.2026

Like in most countries, public transport in Australia is the cheapest way to get around. It includes trams, buses, trains and ferry services. And each state or territory has its own transport network. However, navigating Australia’s public transport system with ease requires knowing the basics around how it works and what to expect. - ልክዕ ከም ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ህዝባዊ መጓዓዓዚያ በቲ ዝሓሰረ መንገዲ ኣገል...

ክብረ ወሰን ዝሰብር ሓያል ሙቐት ንኣውስትራሊያ የንድዳ፡ ሎሚ መልበርን 44 ዲግሪ ሰ. ብዝበጽሕ ሙቐት ክትልብለብ'ያ (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 27 ጥሪ 2026) 26.01.2026

ክብረ መዝገብ ዝሰብር ሓያል ሙቐት ን ኣውስትራሊያ የንድዳ፡ ሎሚ መልበርን 44 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ብዝበጽሕ ሙቐት ክትልብለብ'ያ። እስራኤል ንሬሳ ናይቲ ኣብ ጋዛ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ጅሆ ተታሒዙ ዝነበረ ረኺባቶ፡ ኣብ ሚኒሶታ ብወተሃደራት ፈደራል ኣመሪካ ዝተፈጸመ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት መራሕቲ ደሞክራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ደተኛታት ዝግበር ግፋ ስለዝቃወሙ ዘለዉ እዮም ክብል ምምሕዳር ትራምፕ ጠቂኑ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ጥሪ 2026) 26.01.2026

ን ሎሚ 26 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ወቕትታት ሓጋይ ኣውስትራልያ ተመራመርቲ 'ምሉእ መስርሕ ምቕያር' ወይ 'ቶታል ትራንስፎርሜሽን' ኢሎም ዝጽውዕዎ ይሓልፉ'ለዉ፣ ካብ ትካል ዎርልድ ዌዘር ኣትሪብዩሽን ዝወጸ ሓደ ጸብጻብ እዛ ሃገርና ድሕሪ ደጊም ብማእከላይ ገምጋም ድሕሪ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመታት ማዕበላት ሙቐት ክትጽበ ኣለዋ ክፍል ደምዲሙ። ተመራመርቲ'ዚ መጽናዕቲ ይብሉ ለውጢ ክሊማ ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ዝልብልብ ማዕበል ሙቐት ኣውስትራልያ ክኽሰት ዘነበሮ ተኽእሎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝያዳ ርጉጽ ክኸውን ገይርዎ፣ ናብ'ዞም ዝተለወጡ ኩነታት ድማ እዛ ሃገር...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ጥሪ 2026) 26.01.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ፡ ኣብ መላእ ሃገር መዓልቲ ኣውስትራልያ ኣብዝጽምበለሉ ዘሎ ፡ ነቶም ሎሚ ሓደስቲ ዜጋታት እታ ሃገር ኮይኖም ዜግነት ዝወሰድ ብሓጐስ ተቐቢልዎም። ኣብ ኣመሪካዊት ከተማ ሚንያፖሊስ ፡ ወከልቲ ፈደራላዊ ኢሚግሬሽን ካልኣይ ሰላማዊ ሰብ ድሕሪ ምቕታሎም ፡ እቲ ወጥሪ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ። ኣሌክስ ደ ሚናር ነቲ 10ይ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣሌክሳንደር Bublik ኣብ ዝተገብረ ራብዓይ ዙር ዉድድር ብምስዓሩ ነቲ ናይ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ናይ ርብዒ ፍጻሜ ክገጥም እዩ ።

ዘይዝረበሉ ዘሎ ከቢድ ሳዕቤን መስተ፡ ኣውስትራሊያዊ ምዃን ብድሆን ዕድላትን ፡ ዝርርብ ምስ ኣቶ ኣልኣዛር ተስፋይ 26.01.2026

ነባሪ ኲንስላንድ ዝኾነ ኣቶ ኣልኣዛር ተስፋይ ካብ 2002 ን ኣውስትራሊያ ከም ሃገሩ ሓሲቡ ንልዕሊ ክልተ ዕቑድ ዓመታት ዝነብር ዘሎ እዩ። በዓል ሞያ ሕክምና ኮይኑ ምስ World Wellness Groupe ኮይኑ ኣብ መስተን ሓሽሽን ንዝ ኣተዉ ኣብ ምሕጋዝን ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን ዝርከብ ዘሎ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር ዝህቦ ረብሓታትን ብድሆን፡ መስተን ጎዳኢ እጽ ጠንቂን ዘስዕቦ ጎዳኢ ነገራትን ኣዕሊሉ ኣሎ።

Australia’s summers being transformed as climate change drives heatwaves - ለውጢ ክሊማ ንሙቐት ሓጋይ ኣውስትራልያ እናጋደዶ ይኸይድ ኣሎ፣ እንታይ ክንገብር ኣለና፧ 25.01.2026

Australian summers are undergoing what scientists call a "total transformation," with a new study from World Weather Attribution revealing the country can now expect heatwaves every five years on average. The study's researchers say climate change made Australia's blistering heatwave in early January five times more likely, and there's an urgent need for the country to adapt to changed conditions....

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥሪ 2026) 22.01.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ምስ ፍልስጤማውያን ዝደናገጹ ተጣበቕቲ ፡ ብመንግስቲ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ ሕግታት ናይ ጽልኢ ዘረባ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዚወርድ ነቐፌታ ንምዕፋን ከም ዘገልግል ይማጐቱ ። ኣብ ሱዳን ለበዳ ሕማም ዴንጊ ፌቨርን ብልዑል ፍጥነት ይላባዕ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ግጥማት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ኣውስትራሊያዊ ኣሌክስ ደ ሚኖር ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓት ከቢድ ጸወታ ንሰርብያዊ መወዳድርቱ ሃማድ መድጀዶቪች ስዒሩ ናብ ሳልሳይ ዙር ኣመሪሑ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥሪ 2026) 22.01.2026

ን ሎሚ 22 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ብዛዕባ መበል 600 ዓመት ፅምብል ምስረታ ከተማ ዓዲግራት ካብ ኣቶ የማነ ተኽለማርያም ኣተሓባባሪ ቱሪዝም ናይታ ከተማ መብርሂ ክህብ ል ኡኽና ጸጋይ ክንፈ ኣዘራሪብዎ ኣሎ። ኣብቲ ዝርርብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዶባት ርክባት ህዝቢ ንዘላቒ ሰላም ከውዕሉዎ እቲ ሓላፊ ጸዊዑ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ዘተኣታተዎ ብደረጃ ዓለም ቀዳማይ ዝኾነ ሕጊ እገዳ ንቖልዑ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዘቚጸረ ኮይኑ ፡ ምስ ዓመታዊ ዕረፍቲ ተመሃሮ ኣውስትራሊያ ተሳንዩ እዩ ። እቲ እገዳ ክሳብ ሕጂ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ይውዕል...

"ኣብ ኩሉ ዶባት ምስ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ፍቓድ ካብ ምምሕዳር ከይሓተተ ባዕሉ ጥሒሱ ርክብ የካይድ’ዩ ዘሎ፡ እዚ ተጠናኺሩ ክቕጽል ኣለዎ።”ኣቶ የማነ ኣ/ ቱሪዝም ዓዲ ግራት 21.01.2026

መብርሂ ብዛዕባ መበል 600 ዓመት ፅምብል ምስረታ ከተማ ዓዲግራት ካብ ኣቶ የማነ ተኽለማርያም ኣተሓባባሪ ቱሪዝም ናይታ ከተማ። መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዶባት ርክባት ህዝቢ ንዘላቒ ሰላም ከውዕሉዎ እቲ ሓላፊ ጸዊዑ።

ማሕበራዊ መራኸቢ ከይጥቀሙ ዝተኣገዱ መንእሰያት ዕረፍቶም ብኸመይ የሕልፍዎ ኣለዉ፧ 21.01.2026

መንግስቲ ኣውስትራሊያ ዘተኣታተዎ ብደረጃ ቀዳማይ ዝኾነ ሕጊ እገዳ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዘቚጸረ ኮይኑ ፡ ምስ ዓመታዊ ዕረፍቲ ተመሃሮ ኣውስትራሊያ ተሳንዩ እዩ ። እቲ እገዳ ክሳብ ሕጂ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፡ ክኢላታት ማሕበራዊ መራኸቢታትን መንእሰያት ተገራጫዊ ርእይቶታት ኣሎ ። ይኹን እምበር ፡ መንእሰያት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ክጥቀሙ ብዙሕ ዕድል ስለ ዘይብሎም ፡ ትርፊ ግዜኦም ብኸመይ የሕልፍዎ ኣልዉ ?

#102 Getting organised (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ ኤስ ቢ ኤስ፡ #102 ድሉው ምዃን ፡ #102 Getting organised (Med) 21.01.2026

Learn practical English phrases for getting organised and managing daily tasks, including planning ahead, meeting deadlines, and staying on top of responsibilities. - ኣቐዲምካ መደብ ምግባር፡ ንዝተዋህበካ ዕማም ብ ኣጋ ኡ ንምፍጽምን ሓላፍነትካ ምውሳድን ዝምልከቱ ኣበሃህላታት ዝሕግዙ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ክንጥቀመሎም ንኽእል ሓረጋት እንግሊዝኛ ብቕልል ዝበለ ክንጥቀመሎም ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ። Learn practical English phrases for getting organised and managing daily tasks, including...

ወጥሪ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ይውስኽ፡ ሓጺርቲ ዚናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ጥሪ 2026) 21.01.2026

** ኣባላት ሰልፊ ናሽናልስ ኣብ ሰነት ዝቐርብ እማመ ሕጊ ዘረባ ጽልእን ጠበናጁን ኣንጻሩ ከምዘድምጹ ኣፍሊጦም … ** እስራኤል ኣብ የሩሳለም ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ‘ኣንርዋ’ (UNrwa) ተፍርሶ... ** ሃገራት ኣውሮጳ ኣንጻር እቲ ትራምፕ ወጢንዎ ዘሎ ወረራ ግሪንላንድ ድምጸን የስምዓ።

What actually happened on January 26? - ኣብ ጥሪ 26 ብርግጽ እንታይ'ዩ ተፈጢሩ? 20.01.2026

January 26 is one of the most debated dates in Australia’s history. Often described as the nation’s birthday, the day marks neither the formal founding of the colony nor the creation of the Commonwealth. Instead, it reflects a layered history shaped by colonisation, political decisions, and ongoing First Nations resistance. Understanding what actually happened on January 26 reveals why the date is...

“ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ክዓርቕ ድሉው እየ፡” ሕብረት ኣውሮጳ። (ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 20 ጥሪ 2026) 20.01.2026

** ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓታት ሰለስተ ሰባት ብሻርክ ድሕሪ ምጥቃዖም 20 ገማግም ባሕሪ ናይ ሲድኒ ትዓጽዮም። ** “ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ክዓርቕ ድሉው እየ፡” ክብል ሕብረት ኣውሮጳ ገሊጹ። ዶናልድ ትራምፕ ንግሪንላንድ ክወስድ ኣብዝሸባሸበሉ ነቲ መደብ ንምምካት ሕብረት ኣውሮጳ ህጹጽ ጉባኤ ጸዊዑ። ** ኖቫክ ጃኮቪች ኣብ ኣውስትራሊያ ኦፐን ንመበል 100 ሳዕ ብምስዓር ታሪኽ ሰሪሑ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ጥሪ 2026) 19.01.2026

ን ሎሚ 19 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ኣሜሪካ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምቲታትን ዝኽተሎም ዘሎ ፖሊሲታትን ንኣውስትራልያ ወሲኽካ ምስ ፈተውትን ጸላእትን ዘሰሓሕቡ ኮይኖም ኣለዉ። ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ወሪሩ ዝጨወየ ስርሒት፣ ምፍርራሓት ወራር ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮ፣ ካናዳ፣ ግሪንላንድ፣ ኮሎምቢያ፣ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ናይ ቀረባ ኣብነታት'ዮም። ነዚኦም ምዕባለታት ምስ ግብረመልስታት ዓለምን ዝጸንሐ ኣካይዳ ፖሊሲታት ወጻኢ ኣሜሪካን ብምንጽጻር ምስ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ዝሃቦ መብር...

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.