SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ጥቅምቲ 2025) 30.10.2025 49:54
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (30 ጥቅምቲ 2025) * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዚ ኣብ ዋዕላ APEC ንምስታፍ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣትዩ፣ * ሓይልታት ፈጣን ወሃብቲ ደገፍ ሱዳን ኣብ ዞባ ዳርፉር ንከተማ ኤልፋሽር ተቖጻጺሮማ፣ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም፣ ህልቂት ከይክሰት ተሰጊኡ፣ * ዶናልድ ትራምፕ ውዕል ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ቓዛ ጸኒዑ ክቕጽል'ዩ ይብል፣ * ሃሪከይን መሊሳ ኣብ ካሪብያን ዕንወት የውርድ፣ * ሊቨርፑል ካብ ዋንጫ ካራባኦ (ዋንጫ ሊግ ኢኤፍኤል) ብክሪስታል ፓላስ ተገሊፋ፣
ኤርትራ ናይ ምስፍሕፋሕ ድሌት ዝበለቶ ብምኹናን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ መልሲ ሂባ (ጸብጻባት ዜና) 30.10.2025 7:35
ጸብጻባት ዜና ሎሚ (30/10/2025) * ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ተራኺቡ፡ * ኤርትራ ንተስፋሕፋሒ ድሌት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰኒና፣ * ኲናት ፅንተት ትግራይ ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ግልጋሎት ጥራሕ ልዕሊ 10.8 ቢልዮን ዶላር ዕንወት ወሪዱ ክብል ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ገሊጹ፣ * ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ኣስታት 8 ሽሕ ሓለፍቲ እቲ ውድብ ስጕምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ፣
ሕድሕድ ውግእ ሱዳን ናብ ሓድሽ ሓደገኛ ምዕራፍ ሰጊሩ፡ 29.10.2025 7:48
ውግእ ሱዳን ኣብ ሓደገኛ ሓድሽ ምዕራፍ በጺሑ ኣሎ ። ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ዞባ ዳርፉር ናይ መወዳእታ ቀንዲ መደብር ናይቲ ሰራዊት ብምቁጽጻር ኣብ ርእሰ ከተማ ሰሜን ዳርፉር ማለት ኤል-ፋሸር ብምቁጽጻር ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ወሪዱ ይርከብ ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ፡ ብዙሓት ጉጅለታት ረድኤት ዓሌታዊ ቅትለትን ጥሜትን ከምዘስዕብን ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ይሃድሙ ኣለዉ ።
"ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንኽትስእን 30 ዓመት ዝወሰደ ቃልሲ ነቲ ዝሰኣነቶ ደጊማ ንኽትረክብ ግን ካልእ 30 ዓመት ኣየድልያን'ዩ።" ቀ/ሚ ኢትዮጵያ (ሓጸርቲ ዜናታት) 29.10.2025 6:24
** ኣብ ጀማይካ ብዝተኸስተ ህቦቡላ ሃሪከን መሊሳ ቁጽሪ ምውታት ይውስኽ ... ** ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፡ ንሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ' ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣካታዒ ይኸውን... ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ኣብ ዓለም፡ ውግእ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም ።
What are Australia’s fishing laws and rules? - ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ኣውስትራልያ ሕግታትን መምርሒታትን ከምዘለውዎ ትፈልጡ ዶ፧ 28.10.2025 11:57
Thinking of going fishing in Australia? Make sure you are familiar with local regulations, including licensing systems, closed seasons, size limits, permitted gear, and protected species. - ሓደ ካብ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ኣውስትራልያውያን በብዓመቱ ዓሳ ክገፉ ከምዝኸዱ ትፈልጡ ዶ፧ ናብ ሩባ፡ ገምገም ባሕሪ ኣብ ደንደስ ኮንካ ድዩ ወይስ ኣብ ጃልባ ገመድ ብምዝርጋሕ፡ ምግፋፍ ዓሳ መሕለፊ ግዜ ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ናይ'ቲ ባህሊ'ውን'ዩ። እንተኾነ ግን ሓደስቲ መጻእቲ ዘየስተውዕሉሎም ነገራት ኣለዉ፡ ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ኣውስት...
ሱዕዳዊ ኩባንያ ንሓደ ካብ ወደባት ጂቡቲ ክጥቀመሉን ከማዕብሎን ተሰማሚዑ፣ (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ) 28.10.2025 6:04
** ወስተርን ኣውስትራልያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፒንጃራ እተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ብወግዒ ይቕረታ ኽትሓትት እያ:... ** ስዑድያዊ ኩባንያ RSGT ን30 ዓመታት ዝጸንሕ ናይ ጅቡቲ ወደብ ታድጅበርህ ክጥቀመሉ ተሰማሚዑ። ** ፌደራል መንግስቲ ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ከይምለሱ "ፖለቲካዊ ምትላል" ይገብር ኣሎ ክብል ህወሓት ከሲሱ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ጥቅምቲ 2025) 27.10.2025 9:24
ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰራዊት ሕይልታት ህጹጽ ደገፍ (R-S-F) ንዋና ከተማ ዳርፉር ኣልፋሻር ምሓዞም ገሊጾም። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብቲ ዝግበር ዋዕላ ኣስያን ኣብ ዛዕባ ንኣውስትራልያ ዘገድሱ ስራሕን ጸጥታን ከም ዘተኵር ገሊጹ ። ** ኣብ መንጎ ፊፋን ኣስያን ብዝተገብረ ስምምዕ መሰረት ኣብ መንጎ 11 ሃገራት ስፖርታዊ ዉድድር ክጅመር እዩ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (27 ጥቅምቲ 2025) 27.10.2025 48:24
ን ሎሚ ሰኑይ 27 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ንኣውስትራልያዊ ዘይወግዓዊ ኣዘራርባ ወይ ዘረባ ሹቕ (Australian Slang) ክለምድዎ ንብዙሕ ዓመታት ተሸጊሮም ጸንሒሞ'ዮም። እንተኾነ ግን እዛ ሃገር ዝያዳ ብብዙሕነት ሃብታም እናኾነት ኣብ ትመጻሉ ቋንቋ እንግሊዝ ንዛረበሉ ኣገባባት ይቕየር ኣሎ ክብሉ ክኢላታት ይገልጹ፡ ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ፡ ቃለ መሕትትን ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብን ካልእን ኣለና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኢትዮጵያ ምስ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዘተኣሳስር ዩ ዝበለቶ ናይ 1.6 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ህንጸት መስመር ባቡር ወግዓዊ ገይራ። ዩኒቨርሲቲ ዓዲግ...
ኢትዮጵያ ምስ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዘተኣሳስር ዩ ዝበለቶ ናይ 1.6 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ህንጸት መስመር ባቡር ወግዓዊ ገይራ። (ጸብጻብ 27 ጥቅምቲ 2025) 26.10.2025 6:19
ኢትዮጵያ ምስ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዘተኣሳስር ዩ ዝበለቶ ናይ 1.6 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ህንጸት መስመር ባቡር ወግዓዊ ገይራ። ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ሓደሽቲ ተምሃሮ ይቕበል ኣሎ። ኤርትራ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣሲራቶም ዝጸንሐት ሽዱሽተ ስሪላንካውያን ፈቲሓ። ኣብ ኤርትራ ሂወት 8 ዜጋታት ዝወሰደ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙ። ቤት ምኽሪ ጁቡቲ፡ንገደብ ዕድመ ፕረዚደንትነት ኣልዒልዎ።
ኣብ ኣውስትራልያ ንጥቀመሉ ቋንቋ እንግሊዝ ካብ ካልኦት ዝተፈልየ ድዩ፧ ካባና ዝልቅሖም ቃላት ኣለዉ ድዮም፧ 26.10.2025 9:34
ንዓመታት መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ንኣውስትራልያዊ ዘይወግዓዊ ኣዘራርባ ወይ ዘረባ ሹቕ (Australian Slang) ክለምድዎ ተሸጊሮም'ዮም። እንተኾነ ግን እዛ ሃገር ዝያዳ ብብዙሕነት ሃብታም እናኾነት ኣብ ትመጻሉ ቋንቋ እንግሊዝ ንዛረበሉ ኣገባባት ይቕየር ኣሎ ክብሉ ክኢላታት ይገልጹ።…
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ጥቅምቲ 2025) 23.10.2025 52:02
ሎሚ ሓሙስ 23 ጥቅምቲ 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጡብ ምጥባው ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምዕባይ ንዘጥብዋ ካብ ናይ ጡብ ካንሰር ክከላኸለለን ከምዝኽእል ኣውስትራሊያዊያን ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም። ብመሰረት ሓድሽ መጽናዕቲ ፡ ጥንስን ጡብ ምጥባውን ረኽሲ ዘስዕቡ ክቃለሱ ዝኽእሉ ዋህዮታት T-cells ብምምዕባል ፡ ነቶም መንሽሮ ከማዕብሉ ዝኽእሉ ዘይንቡር ዋህዮታት ይከላኸሉ ። ፊተውራሪ መሓመድ ሕጎስ ኣበራ፡ ብንግዲ ብፖለቲካን ብልግሲን ዝፍለጡ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ማሕበር ኣውቶቡስ ማይ ዉዑይ/ ዲታ ኣበራ ዝብል ስም ብብዙሓት ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣስመራ ሓደ ካብ ቀዳሞት ናይ ደቀባት ሆቴል ሊል ቀይሕ ባ...
ስሪላንካ ዜጋታታ ካብ ቤትማእሰርቲ ኤርትራ ንምፍታሕ ጻዕሪታት ትገብር። (ጸብጻብ) 22.10.2025 9:46
ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ 24 ግንቦት 2018 ክካየድ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ዓለምለኻዊ ትካል ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡(CPJ)፡ ናጽነት ሚድያ ኣብ ትግራይ የንቆልቁል ምህላዉ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ ብስም እታ ዝተቐትለት ስፔናዊት ሰራሕተኛ ረድኤት ማርያ ሄርናንዝ ዝተሰየመ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ። ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ንፃዕሪ ኤርትራ ኣብ መግቢ ርእሰ ምርኮሳ ንኢዶም መንግስቲ ስሪላንካ ዜጋታቱ ካብ ቤትማእሰርቲ ኤርትራ ንምፍታሕ ጻዕሪታት ይገብር ከምዘሎ ተገሊጹ።
ጡብ ምጥባው ካብ ካንሰር ጡብ ክከላኸል ከምዝኽእል ሓድሽ ምርምር ኣረጋጊጹ። 22.10.2025 4:53
ጡብ ምጥባው ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምዕባይ ንዘጥብዋ ካብ ናይ ጡብ ካንሰር ክከላኸለለን ከምዝኽእል ኣውስትራሊያዊያን ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም። ብመሰረት ሓድሽ መጽናዕቲ ፡ ጥንስን ጡብ ምጥባውን ረኽሲ ዘስዕቡ ክቃለሱ ዝኽእሉ ዋህዮታት T-cells ብምምዕባል ፡ ነቶም መንሽሮ ከማዕብሉ ዝኽእሉ ዘይንቡር ዋህዮታት ይከላኸሉ ።
ሞስኮ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ቀዳምነት እትህቦ ነገራት ከተኽብርን ክትሕግዝን ድልውቲ ምዃና ገሊጻ። (ሓጸርቲ ዜናታት 22 ጥቅምቲ 2025) 22.10.2025 7:10
** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ እቲ ኣውስትራሊያ ምስ ኣመሪካ ጌራቶ ዘላ ስምምዕ AUKUS ኑክሌሳዊ ጸዓት ሳብማሪን ንቻይና ዝዓለመ ከምዝኾና ካብ ምግላጽ ተቖጠቢቡ። ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ፡ ሞስኮ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ቀዳምነት እትህቦ ነገራት ከተኽብርን ክትሕግዝን ድልውቲ ምዃና ገሊጹ። ** ጃፓን ንፈለማ እዋን ጓለንስተይቲ መራሒት ሸይማ።
ታሪኽ ፍሉጥ ነጋዳይ፡ ተጣባቒ መሰልን ገባሪ ሰናይን ፊት/ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ምስ ኻልድ ኣበራ 21.10.2025 28:29
ፊተውራሪ መሓመድ ሕጎስ ኣበራ፡ ብንግዲ ብፖለቲካን ብልግሲን ዝፍለጡ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ማሕበር ኣውቶቡስ ማይ ዉዑይ/ ዲታ ኣበራ ዝብል ስም ብብዙሓት ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣስመራ ሓደ ካብ ቀዳሞት ናይ ደቀባት ሆቴል ሊል ቀይሕ ባሕሪ ዝነበሮምን ንባይቶ/ፓርላማ ክልተ ግዜ ዝተወዳደሩን ፖለቲከኛን ነጋዳይን ነይሮም። ንታሪኽ ህይወቶም ትገልጽ መጽሓፍ ብ እምነቱ ተስፋይ ተጻሒፋ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ ኣላ። ነዚ ኣመልኪትና ንወዲ ወዶም ን ፊተውራሪ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ዝኾነ ጸሓፊ ካልድ ኣበራ ዝገበርናዮ ዕላል።
Understanding treaty in Australia: What First Nations people want you to know - ምርዳእ ውዕል (treaty) ኣብ ኣውስትራሊያ: ቀዳሞት ህዝባታት ብዛዕባ'ዚ ክንርድኦ ዝደልዩና ነገራት። 21.10.2025 9:06
Australia is home to the world’s oldest living cultures, yet remains one of the few countries without a national treaty recognising its First Peoples. This means there has never been a broad agreement about sharing the land, resources, or decision-making power - a gap many see as unfinished business. Find out what treaty really means — how it differs from land rights and native title, and why it m...
"ሕቶ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘሎ ምስሕሓብ እዩ።" ላዕለዋይ መራሒ ኦላ፡ (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ) 20.10.2025 7:01
** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያን ፕረሲደንት ኣመሪካን ስምምዕ ዕደና ኣገደስቲ ማዕድናት ተፈራሪሞም... ** ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ኣብ ከባቢ ደሴት ላምፐዱሳ ተገልቢጣ፡ ኣብኣ ዝነበሩ ዓሰርተታት ስደተኛታት ሃለዋቶም ጠፊኡ።... ** “ሕቶ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘሎ ቅርሕንቲ እዩ። " ክብል ላዕለዋይ መራሒ ኦላ ገሊጹ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ጥቅምቲ 2025) 20.10.2025 51:34
ን ሎሚ ሰኑይ 20 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ፈለማ ፊተውራሪ መሓመድ ሕጎስ ኣበራ፡ ብንግዲ ብፖለቲካን ብልግሲን ዝፍለጡ ኣቦ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ማሕበር ኣውቶቡስ ማይ ዉዑይ/ ዲታ ኣበራ ዝብል ስም ብብዙሓት ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣስመራ ናይ ፈለማ ደቀባት ሆቴል ሊል ቀይሕ ባሕሪ ዝጀመሩን ንባይቶ ክልተ ግዜ ዝተወዳደሩን ፖለቲከኛን ነጋዳይን ነይሮም። ንታሪኽ ህይወቶም ትገልጽ መጽሓፍ ብ እምነቱ ተስፋይ ተጻሒፋ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ ኣላ። ነዚ ኣመልኪትና ንወዲ ወዶም ን ፊተውራሪ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ዝኾነ ጸሓፊ ካልድ ኣበራ ዝገበርናዮ ዕላል ኣለና ድሕሪ ዜና ከነቕርቦ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኤርትራ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ጥቅምቲ 2025) 20.10.2025 13:51
** ሰኔተር ፖሊን ሃንሰን ነቲ ካብ ሰልፉ ሰልፊ ናሽናልስ ከምዝወጽአ ዘፍለጠ ሰናተር በርናቢ ጆይስ ናብ ሰልፋ ሰልፊ ዋን ኔሺን ክጽምበር ብወግዒ ጸዊዓ። ** ሰራዊት እስራኤል ፡ ሓማስ ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ብምጥሓሱ ፡ ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ዒላማታት መጥቃዕቲ ነፈርትን መዳፍዕን ከም ዝፈነወ ገሊጹ ። ** ኣውስትራሊያዊ ማናጀር ኩዕሶ እግሪ ኣንጂ ፖስትኮግሉ ን ሸሞንተ ጸወታታት ኢንግሊሽ ፕሪሚየር ድሕሪ ምምራሑ ጋንታ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣባሪራቶ ።
ኮሚሽን መፅናዕቲ ምፅናት ዓሌት ትግራይ ኣብ ትግራይ ምስ ምፅናት ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወይ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ገበን ተፈጺሙ ኢሉ። (ጸብጻብ) 19.10.2025 10:29
ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ምንቅስቃስ ዘይሻራዉያን ሃገራት ተሳቲፋ ጽገና ዓለማዊ ስርዓት ክግበር ተማሕጺና። ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 110 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ቃል ኣቲዩ። ኮሚሽን መፅናዕቲ ምፅናት ዓሌት ትግራይ ኣብ ትግራይ ምስ ምፅናት ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወይ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ገበን ተፈጺሙ ኢሉ። ነበር ፕረዚደንት እስልምና ኢትዮጵያ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ብሞት ተፈሊዮም።
ኣውስትራልያ ዓድና ኮይና ትስመዓና ዶ፧ 19.10.2025 9:41
ሓደ ክንነብረሉ ዝጸናሕና ወይ ከም ሓደስቲ መጺእና ዝተጣየስናሉ ዓዲ ክንቅበሎ፣ ናትና ኢልና ክንጽውዖን ምስ ካልኦት ከማና ኢልና ዝኣመንናሎም ክንሕወስን ምስ ጀመርና ንናብራናን ህይወትናን ዝሓሸ ክኸውን ይገብሮ። እዚ ግን ኣብ ባዶሽ ዝኸውን ስለዘይኮነ ከምኡ ክስመዓና ብወገንና ጥራይ ዘይኮነ ብማሕበረሰብናን መንግስቲ’ታ ንነብረላ ሃገርን ንጡፍ ተሳትፎን ኣበርክቶን ክህልዎ የድሊ። ስለ’ዚ እቶም ነዚ ክስመዓና ዝሕግዙ ወይ ዝገብሩ እንታይ’ዮም፧ ኣብ’ዚ ትሕዝቶ ክንድህስሶም ክንፍትን ኢና።
ሓድሽ ወተሃደራዊ መራሒ ማዳጋስካር ፡ ፕረዚደንት ናይታ ኣፍሪቃዊት ደሴት ኰይኑ ከምዝምሕል ገሊጹ ኣሎ ። (ዕለታዊ ዜና) 16.10.2025 12:30
ናይ ረድኤት ማካይን ናብ ጋዛን እስራኤልን ምእታው ቀጺሉ። ሓድሽ ወተሃደራዊ መራሒ ማዳጋስካር ሚካኤል ራንድሪያና ፡ ፕረዚደንት ናይታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ደሴት ኰይኑ ከምዝምሕል ገሊጹ ኣሎ ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ኣብ ደንቨር ፡ ኮሎራዶ ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ምሕዝነታዊ ግጥም፡ ብሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ 2-1 ተሳዒራ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ጥቅምቲ 2025) 16.10.2025 50:04
ሎሚ ሓሙስ 16 ጥቅምቲ 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መስራቲ ናይ ፈለማ መዲያ ኣብ ዲያስፖራ ኤርትራ ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ን ድምጺ ደሊናን ዝነበረ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ብብዙሓት ከም ኣርኣያ፡ ጀማሪ ነጻ መዲያ ኣብ ወጻኢን ኣጆኻ በሃልን ብኻልእ ሰናይ ተግባራቱን ይዝከር። ድሕሪ ሕልፈቱ፡ ክብርታቱን ሓድግታቱን ንምቕጻል ብዝብል “Tesfaldet Alem Meharena Servant Leader for Justice Award.” ዝብል ዓመታዊ ሽልማት ምሃብ ካብ ዝጅምር ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኡ ምወሃብ እዩ። ብዛዕባ ክብርታት ተስፋልደትን ዝገደፎ ሓድግን ዝምልከት ምስ ቀዳማይ ተሸላማይ ናይቲ ሽልማት...
ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዕዳኣ ናይ ምምላስ ግዜ ንምንዋሕ ዘካየደቶ ፈተነ ፈሺሉ። (ጸብጻብ) 15.10.2025 7:26
ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዕዳኣ ናይ ምምላስ ግዜ ንምንዋሕ ዘካየደቶ ድርድር ብዘይፍረ ተበቲኑ። ሰላማዊ ሰልፊ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፡ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀፂሉ። ሰብ መዚ ደቡብ ሱዳን 17 ኤርትራውያን ኣሲሮም
#97 Complimenting someone’s style (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ፡ ብዛዕባ ምድናቕ ቅዲ ወይ ፋሽን ናይ ሰባት )#97 Complimenting someone’s style (Med)) 15.10.2025 14:38
Learn how to talk about fashion, and how to compliment someone in English, perfect for parties and cultural events. - ትምህርቲ ምዝራብ ብዛዕባ ፋሺንን ብእንግሊዝኛ ከመይ ከምተድንቕን። እዚ ብፍላይ ኣብ እዋን ፕርቲ ወይ ፌስታ ንጥቀመሎም ኣገላልጻ እዮም። Learn how to talk about fashion, and how to compliment someone in English, perfect for parties and cultural events.
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.