SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1427 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Be sure to visit the podcast's website and support the creator: www.sbs.com.au

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Oct 26, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android almost 10M downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

Your guide to using sunscreen in Australia - ኣጠቓቕማ መከላኸሊ ጸሓይ (sunscreen) ኣብ ኣውስትራሊያ 17.02.2026

Australia’s sun can be harsh. And sunscreen is one key measure protecting us against harmful sun exposure. We asked three scientists about sunscreen facts, myths and choosing the right products. - ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ጸሓይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ። ምጥቃም መከላኸሊ ጸሓይ ድማ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መዐቀኒ ካብ ጐዳኢ ምቅላዕን ሃስያን ጸሓይ እዩ ። ንሰለስተ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ ብዛዕባ መርትዖታት መከላኸሊ ጸሓይ (ሳንስክሪን) ፡ ብዛዕባኡ ዝበሃል ጽውጽዋያት ከምኡ እውን ቅኑዕ ፍርያት ብዛዕባ ምምራጽ ሓቲትናዮም...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ለካቲት 2026) 16.02.2026

** ፖለቲከኛታት ካብ ተቓወምቲን መንግስትን ነቶም ካብ ሶርያ ዝምለሱ ኣውስትራሊያውያን ሓገዝ ከምዘይግበረሎም ይገልጹ ኣለዉ። ** ኢትዮጵያ ካብተን ቅልጡፍ ዕቤት ቱሪዝም ዘመዝግባ ዘለዋ ዓለም-ለኻዊት ተበጻሒት ሃገር ኮይና ከምዘላ ተፈሊጡ። ** ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ RSF ን ኢልፋሻር ኣዝተቖጻጸረሉ : 6,000 ሰላማውያን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ከምተቕትሉ ጸብጻብ ው.ሕ.ሃ. ገሊጹ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ለካቲት 2026) 16.02.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሱዛን ሊ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ሊብራልስ ምስተኣልየት ብፍቓዳ መንበራ ገዲፋ፡ ነቲ ን25 ዓመታት ሒዛቶ ዝነበረ ዞባ ዝውክል ንምምራጽ ዳግማይ ምርጫ ክግበር እዩ ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ፡ ጸም ራመዳን ንምጅማር ይሸባሸቡ ኣለዉ ፣ ኣብ ኣውስትራሊያ ሓሙስ (19 ለካቲት) ክጅምር እዩ። ኣብ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ዕዉት ኣውስትራሊያዊ ስኪር ማት ግርሃም ናይ ነሓስ መዳልያ ብምርካብ ተወሳኺ ዓወት ጨቢጡ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ለካቲት 2026) 16.02.2026

ን ሎሚ 16 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ክብ ድሕሪ ምባሉ፡ ዓበይቲ ባንክታት መጠን ወለድ ሞርጌጅ ክብ ኣቢለናኦ ይርከባ፣ እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ ካብ ምንታይ እዩ ዝብገስ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ እንታይ ይመስል፧ ነዚን ተመሳሳሊ ሕቶታትን ዶ/ር ሳልሕ ጅምዕ መብርሂ ሂብና ኔሩ ናይ መውአዳእታ ክፋሉ ሎሚ ክቐርብ እዩ። ኣውስትራልያ ሓድሽ ባጤራ ምጥቃም ካብ ትጅምር 60 ዓመት ተብዕል፡ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሓደ ትሕዝቶ’ውን ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራ ኣብ መበል 38 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፋ...

The introduction of decimal currency, 60 years on - ኣውስትራልያ ሓድሽ ባጤራ ምጥቃም ካብ ትጅምር 60 ዓመት ተብዕል 15.02.2026

Today marks a major milestone in Australia’s financial history – the 60th anniversary of decimal currency. It’s been decades since Australians ditched pounds, shillings and pence for dollars and cents – in one of the largest transitions in the nation’s history. And while the way we pay for things continues to change, the legacy of that moment endures. - ዝሓለፈ 14 ለካቲት ኣብ ፋይናንሳዊ ታሪኽ ኣውስትራልያ መበል 60 ዓመ...

"ምውናን ወደብ ጉዳይ ህላወ እዩ።" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ጸብጻብ) 15.02.2026

ኤርትራ ኣብ መበል 38 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፋ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ወደብ ናይ ህላወ ምዃኑ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተዛሪቡ። ህወሓት ሕብረት ኣፍሪቃ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበር ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ። ኤርትራ፡ መበል 36 ዝኽሪ ፈንቅል ብድምቀት ጸምቢላ። ፕረዚደንት ኣብዚ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያን ኢማራት ዓረብን ክበጽሕ’ዩ። ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ቀዳማይን ሚንስተር ኢትዮጵያን ተራኺቡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሰብሞያ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ክምርመር ሓቲቱ። ቻይና ካብ 53 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝኣቱ ንብረት ዜሮ ቀረጽ ክትትግብር እያ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2026) 12.02.2026

ን ሎሚ 12 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ክብ ኣቢልዎ። እቲ ምኽንያት ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ዝቕባበ ኣብቂዑ ክውስኽ ብምጅማሩ እዩ። እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ ካብ ምንታኣይ እዩ ዝብገስ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ እንታይ ይመስል፧ ነዚን ተመሳሳሊ ሕቶታትን ዶ/ር ሳልሕ ጅምዕ መብርሂ ሂብሉ ኣሎ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ሕውየት ድሕሪ ባርዕ ዱር ብኸመይ ይርከብ፧ ክንርእይ ኢና። ኣርእስታት ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ። ላዕ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2026) 12.02.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ፖሊስ ቪክቶርያ ፡ ቅድሚ እቲ ሎሚ ሓሙስ 12 ለካቲት ፕረዚደንት እስራኤል ናብ መልበርን ዝገበሮ ምብጻሕ ፡ ብመሰረት ሕጊ ግብረ-ሽበራ ፍሉይ ስልጣን ተፈቒዱሉ ። ክልተ ዜጋታት ቻይና ፡ ፌደራላዊ ፖሊስ ኣውስትራሊያ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ከም ዝገበሩ ከሲሱ ፡ ኣብ ካንበራ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ። ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ቶማስ ፍራንክ ፡ ድሕርቲ እታ ጋንታ ኣብ ገዛእ ሜዳኣ ብኒውካስል ድሕሪ ዝወረዳ ናይ ክልተ-ሓደ [2-1] ስዕረት ፡ ካብ መዝነቱ ተላዒሉ ።

ወጻኢታት ብሕማም ካንሰር ዝሳቐዩ ሰባት፡ 12.02.2026

ዳርጋ 99 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ብካንሰር ዝሓሙ ኣውስትራሊያውያን ፡ ኣብ ህዝባዊ ክንክን ከይተረፈ ፡ ወጻኢታቶም ካብ ጁባኦም ከም ዝዀነ ተፈሊጡ ። እዚ ኣዝዩ ዘሰንብድ ብ ካንሰር ካውንስል ኣውስትራልያ ዝወጸ ሓድሽ ሃገራዊ መጽናዕቲ ኮይኑ ፡ እዚ ካብቲ ቀጥታዊ ናይ ሕክምና ወጻኢታትን ብተዘዋዋሪ ኣብ ኩሉ ናይ ሕማም መንሽሮ ዝግበር ጉዕዞ ወጻኢታትን እዩ ዝመጽእ ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ፡ ብፍላይ ንቐዳሞት ህዝብታት እዚ ዘይጽወር ከምዝኾነን፡ ብፍላይ ከኣ ደቀባት ኣውስትራሊያውያን ብሕማም መንሽሮ ደም ናይ ምልካፍ ተኽእሎኦም ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ መጠን ሞቶም ዓቢ ዝገብር እዩ ።.

ህወሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ የጸግዕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። (ጸብጻብ) 11.02.2026

ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ወጥሪ ትግራይን ፌደራልን ክሃድእ ፀዊዑ። ህወሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ የጸግዕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። ሰራዊት ምክልኻል ካብ ክልል ኣምሓራ ምንቅስቓሱ ስግኣት ኣስዒቡ። ኤርትራ ብብልሽውና ምስ ቀዳሞት ሃገራት ተሰሪዓ ደረጃ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ናይ መወዳእታ ተጠቒሱ ኣሎ ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢቤኤስ ቴሌቪዥን ኣማን ፍስሃፅዮን ዓሪፉ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ለካቲት 2026) 11.02.2026

** ኣንጻር ፕረሲደንት እስራኤል ዝግበር ተቓዉሞ ብሓይሊ ምጭፍላቕ ዝግበር ዘሎ ተግባር መንግስቲ ርትዓውነት ከልብሶ ይፍትን ኣሎ ክትብል መራሒት ሰልፊ ግሪንስ ኣውስትራሊያ ከሲሳ። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ካብ ወገኑ ስልጣኑ ክገድፍ ዝቐርበሉ ዘሎ ጻዊዒት ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ። ** ሰብ መዚ ሆስፒታል ጋዛ ፡ ኣብ ምብራቓዊ ደኢር ኣል-ባላህ ፡ ክልተ ፍልስጤማውያን ብሽክለተኛታት ብናይ እስራኤል ድሮን ከም እተቐትሉ ፡ ሓንቲ ሰበይቲ እውን ኣብ መዓስከር ማጋሃዚ ከም እተቐትለት ገሊጾም ።

ምውሳኽ መጠን ወለድ ንምንታይ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ፧ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ሳላሕ ጂምዕ 10.02.2026

ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ክብ ኣቢልዎ። እቲ ምኽንያት ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ዝቕባበ ኣብቂዑ ክውስኽ ብምጅማሩ እዩ። እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ ካብ ምንታኣይ እዩ ዝብገስ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ እንታይ ይመስል፧ ነዚን ተመሳሳሊ ሕቶታትን ዶ/ር ሳልሕ ጅምዕ መብርሂ ሂብሉ ኣሎ።

ኤርትራ፡ ነቲ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክትስሕብን ንልዝብ ድልውቲ ክትከውንን ዘቐረበ ጻውዒት ነጺጋቶ። (ሓጸርቲ ዜናታት ) 10.02.2026

** ፕረዚደንት እስራኤል ይስሃቕ ሄርዞግ ነቲ ናብ ኣውስትራልያ ዝገበሮ ምብጻሕ ዝቃወም ዘሎ ናይ ፍልስጤማውያን ደግፍቲ ሰልፍታት ኮኒኑ ። ** ፖሊስ ጀርመን ንወዲ 14 ዓመት ኤርትራዊ ዮሴፍ ዝቐተለ ስሙ ዘይተገልጸ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ከምዝሓዙ ተፈሊጡ። ... ** ኤርትራ፡ ነቲ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክትስሕብን ንልዝብ ድልውቲ ክትከውንን ዘቐረበ ጻውዒት ነጺጋቶ።

How to recover from bushfires - ሕውየት ድሕሪ ባርዕ ዱር ብኸመይ ይርከብ፧ 10.02.2026

Australia’s hot, dry climate and unique landscapes make it one of the most bushfire-prone countries in the world. As climate change drives higher temperatures and drier conditions, we can expect more frequent and more intense bushfires in the future. But once the fire is out, how do you return home safely, find support, and look after yourself? - ኣውስትራሊያ ውዑይን ደረቕን ክሊማን ፍሉይ ቅርጺ መሬትን ዘለዋ ካብተን ብኩነታት...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ለካቲት 2026) 09.02.2026

ኣርእስታት ዜና፥ መስገሪ ራፋሕ - ግብጺ ብመጠኑ ክኽፈት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ምኽፋቱ ከባቢ 180 ፍልስጤማውያን ንቓዛ ገዲፎም ከምዝወጹ ሰብ መዚ እቲ ግዝኣት ገሊጾም። እቲ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብ መስጊድ ክራይስትቸርች 51 ሙስሊም ኣምለኽቲ ዝቐተለ ኣውስትራልያዊ ኣኽራሪ ጻዕዳ ዝምልከት ናይ ይግባይ መስርሕ ፍርዲ ፡ ሎሚ [9 ሰኑይ] ክጅምር እዩ ፣ ተጻዋታይ ራግቢ ብርስቤን ብራኮንሶስ ፓይነ ሃስ ነታ ጋንታ ገዲፉ ምስ ጋንታ ደቡብ ሲድኒ ራቢቶስ ንምጽዋት ናይ ሰለስተ ዓመት ውዕል ከቲሙ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ለካቲት 2026) 09.02.2026

ን ሎሚ 09 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ዲሞክራሲን ብሕግታት ዝምእዘዝ ኣህጉራዊ ስርዓትን ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ ክብል ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻብ 'ህዩማን ራይትስ ዎች' ኣፍሊጡ። ኣብ'ቲ ጸብጻብ ፍሉይ ኣትኩሮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን እቲ ኣህጉራዊ ኣካል 'ምብሕጓግ ሰብኣዊ መሰላታን' ኢሉ ኣብ ዝገለጾን ክገብር'ንከሎ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራልያ'ውን ቆላሕታ ገይሩ'ሎ። ኣውስትራልያ ትኽተሎም ፖሊሲታት ኢሚግሬሽንን ምድጓን መንእሰያትን ከም "ዝዓበዩ ድኽመታትን ውድቀታትን" ተባሂሎም ክዝርዘሩ'ንከለዉ ኣውስትራልያ ድማ ዓንቀጽ ወይ ድንጋገ ሰብኣዊ መሰላት...

ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ክተውጽእን ንዘተ ድልውቲ ክትከውንን ኢትዮጵያ ፀዊዓ። (ጸብጻብ) 08.02.2026

ኣብ ኤርትራ ጽንብል መበል 36 ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡“ቅያ ፈንቅል ንወለዶታት” ብዝብል ቴማ ክካየድ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ግጭት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፀጥታዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ብቕሓት ንምክትታል ዘበራብር ምዃኑ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ። ኣብ ዓፋር ምስዘለዉ ዕጡቓት ዘሎ ኣፈላላይ ብሰላምን ዘተን ንኽፍታሕ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ፀዊዑ። ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ ውን ነቲ ጎንጺ ንምፍታሕ ጻዕሪ ይገብሩ ከም ዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 27 ሺሕ ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይቨር ከምዘጋጠመ ተገሊጹ።

Democracy is under threat warns Human Rights Watch, set back to the 1980s - ዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ይርከብ፣ ናብ'ቲ ኣብ 80ታት ዝነበሮ ደረጃ ተመሊሱ'ሎ - 'ህዩማን ራይትስ ዎች' 08.02.2026

Democracy and the rules-based international order are under threat, according to the latest annual report by Human Rights Watch. There's a particular focus on the United States and what the international body describes as its erosion of human rights, but there is also a spotlight on Australia. Australia's immigration and youth detention policies are listed as 'significant failings', cited as the o...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ለካቲት 2026) 05.02.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሜሊንዳ ፈረንሳይ ጌትስ እቲ ናይ ቀደም በዓል ቤታ ዝነበረ ቢል ጌትስ ኣብቲ ናይ ኤፕስቲን ፋይላት ንዝወጸ ከቢድ ክሲ መልሲ ክወሃበሉ የድልዮ እዩ ትብል ። ፖሊስ መልበርን ፡ ንሓደ ኰተቴ ቅድሚ ብመኪና ምርጋጾም ብሓይሊ ዝሃረምም ዝሃደሙ ሰለስተ ሰባት ክሕዙ የናድዩ ኣለዉ ። ወስተርን ሲድኒ ነታ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኤ-ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ትመርሕ ዘላ መልበርን ሲቲ 1-0 ስዒራታ።

#103 Talking about online dating (Med) - #103 ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ዝርርብ ብዛዕባ ብ ኦንላይን ምጻምድ (Talking about online dating) 05.02.2026

Learn everyday English phrases for online dating. Practise expressions like “match,” “ghosted,” and “slide into DMs” while improving your speaking skills. - ኣብ ኢንተርነት ዓርኪ/መሓዛ ንኽትሕዝ ክትጥቀመሎም ትኽእል መዓልታዊ ሓረጋት እንግሊዝኛ ተምሃር ። ናይ ምዝራብ ክእለትካ እናኣመሓየሽካ ፡ ከም “match,” “ghosted,” ከምኡ'ውን “slide into DMs” ዝብሉ ኣገላልጻታት ምልምማድ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ለካቲት 2026) 05.02.2026

ን ሎሚ 05 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ብምዕባይ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ኣብቂዑ ኣሎ፣ እዚ ብዛዕባ መንግስቲ ዘውጽኦ ወጻኢታት ወይ ብሕታዊ ጠለብ ፡ ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ ምጉዳል ዝቕባበ ኣጋዲድዎ ዝብል ሓያል ፖለቲካዊ ክትዕ ኣለዓዒሉ ኣሎ። ትረዠረር ነቲ ባጀት ዝተከላኸለሉ ኮይኑ ናይዚ ወሰኽ ዝቕባበ ንደጋዊ ጸቕጥታት ተሓታቲ ጌሩ። ሰልፊ ተቓዋምን ሰልፊ ግሪንስን ግን ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ናይ ፖሊሲ ኣገባብ ንመዓልታዊ ኣውስትራሊያዊያን ይቐጽዕ ከም ዘሎን ኣማራጺ ቊጠባዊ ፖሊስን ዕሽሽ ይብሃል ከምዘ...

ኣባላት ጉጅለ ምክትታል ትግበራ ስምምዕነት ቀዋሚ ምቁራፅ ተፃብኦታት ፕሪቶርያ ዝኾነ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ መቐለ ኣትዮም ። (ጸብጻብ) 04.02.2026

መንግስቲ ኢትዮጵያ መሳልፍቱ ንዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብገበናት ከሲሱ። ኤርትራ ብወገና ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሽልማት ከም ዝተውሃባ ኣዘኻኺራ። ኣብቶም ብ"ፋይላት ኤፒስተይን" ዝፍለጡ ብዙሕ ምስጢራት ዝሓዙ ምዃኖም ዝእመነሎም ሰነዳት ዝተረኽበ ጉዳይ ኤርትራ ኢትዮጵያን ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ። ኤርትራዊ ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ ኣብ መበል 95 ዓመቱ ዓሪፉ።

መጠን ወለድ ልቓሕ ወሲኹ፡ እዚ ወሰኽ ክቕጽል ድዩ፧ 04.02.2026

ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ብምዕባይ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ኣብቂዑ ኣሎ፣ እዚ ብዛዕባ መንግስቲ ዘውጽኦ ወጻኢታት ወይ ብሕታዊ ጠለብ ፡ ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ ምጉዳል ዝቕባበ ኣጋዲድዎ ዝብል ሓያል ፖለቲካዊ ክትዕ ኣለዓዒሉ ኣሎ። ትረዠረር ነቲ ባጀት ዝተከላኸለሉ ኮይኑ ናይዚ ወሰኽ ዝቕባበ ንደጋዊ ጸቕጥታት ተሓታቲ ጌሩ። ሰልፊ ተቓዋምን ሰልፊ ግሪንስን ግን ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ናይ ፖሊሲ ኣገባብ ንመዓልታዊ ኣውስትራሊያዊያን ይቐጽዕ ከም ዘሎን ኣማራጺ ቊጠባዊ ፖሊስን ዕሽሽ ይብሃል ከምዘሎ ይማጐቱ ።

"ቀይሕ ባሕርን ኢትዮጵያን ንዘልኣለም ተፈላልዮም ክነብሩ ኣይኽእሉን" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓጽርቲ ዜናታት (ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 04 ለካቲት 2026) 04.02.2026

** ኣባላት ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ፡ ምስ መርበብ ሰይጣናዊ ጽምብላት ብዚተሓሓዝ ገበን ፡ ሻድሻይ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ኣእትዮም፡... ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ፡ ኢትዮጵያ ንኣርተፊሻል ብልሒ ወይ ኢንተሊጀንስ (# AI) ጥራይ ዝተወፈየ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዩኒቨርሲቲ ፡ ንኽትምስረት ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጡ ።... ** ኣብ ሞንጎ ክልተ ክሰሓሓቡ ዝጸንሑ እንዳታት ቤጃ ሱዳን ዕርቂ ከምዝተፈጥረ ኣገልግሎት ዜና ሱና ሓቢሩ።

How does IVF work in Australia? - ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝግብር መስርሕ ጥንሲ ወይ IVF ኣብ ኣውስትራሊያ፡ 04.02.2026

Did you know that IVF is not the first, but in fact the last step in a sequence of fertility treatments? In Vitro Fertilisation is regulated by state and territory laws. It can also be expensive and emotionally challenging. Here’s what to expect when aiming to start a pregnancy with IVF in Australia. - ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝግብር መስርሕ ጥንሲ ወይ IVF ኣብ ተኸታታሊ መስርሕ ፍርያምነት ቀዳማይ ደረጃ ኣይኮነን። In Vitro Fertilisation (IV...

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.