SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ሕዳር 2025) 13.11.2025 51:24
ሎሚ ሓሙስ 13 ሕዳር 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ስደተኛ ኣብዚ ዓለም ዘድልዮ ንብረትን ኣገልግሎታትን እንተረኸበ'ኳ ወትሩ ኣብ ስምዒቱ ዝፍጠር ዘይምላእ ሃጓፍ ጸይሩ እዩ ዝጓዓዝ። እዚ ሃጓፍ እዚ እንታይ እዩ፧ ዋላ ናብቲ መበቆል ዓዱ እንተተመልሰ'ውን፡ እቲ ኣብ ስምዒት ስደተኛት ሓንሳእ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ኣይመልእን። ብዛዕባ'ዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲከን ትመራማሪ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ዶ/ር ኣማኑኤል ዝሃበና መብርሂ። ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ኤርትራውያን፣ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ብዕረፍቲ ስሙይ ስነ-ጥበበኛ በረኸት መንግስትኣብ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወ...
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሓዲሽ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቀቢሉ። (ጸብጻብ) 12.11.2025 4:22
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሓዲሽ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቀቢሉ። ሚኒስትር ሰላም ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ታየ ደንደኣ ካብ ዝተኸሰሱሉ ሰለስተ ክስታት በቲ ክልተ ነጻ ከምዝኾነ ጠበቓኡ ሓቢሩ። ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጅንካ ሕማም ሄሞራጂክ ፌቨር ከምተኸሰተ ሚኒስቴር ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኤርትራውያን፣ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ብዕረፍቲ ስሙይ ስነ-ጥበበኛ በረኸት መንግስትኣብ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ። 12.11.2025 3:44
በሃር ስነ ስነጥበብኛ በረኸት መንግስትኣብ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ሎሚ ንግሆ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓረፈ ተፈሊጡ። ብሕልፈት ስነ ጠበበኛ በረኸት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ፡ ነዚ ዝምልከት ዝተዳለወ ሓጺር ጸብጻብ።
ኢትዮጵያ ንዋዕላ ክሊማ 2027 ከተዳሉ'ያ፡ ዑመር ገለ ንሻድሻይ እብረ ፕረሲደንት ክኸውን......ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (12 ሕዳር 2025) 12.11.2025 8:08
** ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ እስላማባድ ኣብ ኣፍደገ ቤት ፍርዲ ፡ 12 ሰባት ዝቐተለን ብዙሓት ዘቝሰለን ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ኮኒኑ... ** ክፍለ ግዝኣት ቪክቶርያ ነቶም ዓመጽ ዝፍጽሙ መንእሰያት ዒላማ ዝገብር ሕግታት ተተኣታቱ ፣... ** ኢትዮጵያ ን መቐናቕንታ ናይጀሪያ ብምስዓር ጉባኤ ክሊማ 2027 ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት (COP32) ከተአንግድ እያ።
How to plan for your child’s financial future in Australia - ኣብ ኣውስትራሊያ ፋይናንሲያዊ ውጥን መጻኢ ዉልድኩም ብኸመይ ትሰርዕዎ፡ 12.11.2025 8:35
Financial planning can feel stressful for any parent. When it comes to saving for your child’s future, knowing your options helps make informed decisions. And teaching your kid healthy money habits can be part of the process. - ገንዘባዊ ውጥን ምውጻእ ንዝዀነ ይኹን ወላዲ ውጥረት ኽስምዖ ይኽእል እዩ ። ብዛዕባ መጻኢ ዉህለላ ገንዘብ ውሉድካ ዝምልከት ፡ ኣማራጺታትካ ምፍላጥ ፡ ኣብ ቅኑዕ ሓበሬታ ተመርኲስካ ውሳነ ንኽትገብር ክሕግዘካ ይኽእል እዩ ። ናይ ቆልዓኻ ጥዑይ ናይ ገንዘብ ልማድ ምምሃር ሓደ...
ስደተኛ ዝስእኖም ግዜን ቦታን ፡ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ 11.11.2025 25:26
ስደተኛ ኣብዚ ዓለም ዘድልዮ ንብረትን ኣገልግሎታትን እንተረኸበ'ኳ ወትሩ ኣብ ስምዒቱ ዝፍጠር ዘይምላእ ሃጓፍ ጸይሩ እዩ ዝጓዓዝ። እዚ ሃጓፍ እዚ እንታይ እዩ፧ ዋላ ናብቲ መበቆል ዓዱ እንተተመልሰ'ውን፡ እቲ ኣብ ስምዒት ስደተኛት ሓንሳእ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ኣይመልእን። ነዚ ንምብራህ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲከን ትመራማሪ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ዶ/ር ኣማኑኤል ዓዲምናዮ ዝሃበና መብርሂ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሕዳር 2025) 11.11.2025 5:01
** ኣንተኒ ኣልበኔዝ ከም ኣካል ምግታእ ምስፍሕፋሕ ኒዮ ናዚ ፡ ኣብ እዋን ሰልፊ ጸሊም መሸፈኒ ገጽ ከይልበስ ዝገብር ሕጊ ደጊፉ። ** 503 ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ብምስጋር ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም።... ** ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ፈደራል መንግስቲ ዳግም ንምኽፋት ን ሰኔት ከምዝድግፍን በዚ ድማ ንናይ ፌደራል ሰራሕተኛታት ዘይተኸፍሎም ደሞዝ ክኽፈሉ ምዃኖምን ኣሚቱ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሕዳር 2025) 10.11.2025 12:23
ኣርእስታት ዜና፥ ** ተጣበቕቲ ፍልስጤማውያንን ክሊማን ምስ ኣይሁዳውያን ጕጅለታት ሓቢሮም ነቲ መንግስቲ ኒው ሳውዝ ዌልስን ፖሊስን ንጉጅለ ኒዮ ናዚስት ሰልፊ ክገብሩ ንምድጋፍ ዝተወስደ ስጉምቲ ተቓዊሞም። ** ኣስታት 300 ገያሾ ጽዒና ኣብ ጥቓ ዶብ ታይላንድ-ማለዥያ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም ኣማኢት ድማ ጠፊኦም ። ** ማንቸስተር ሲቲ ነታ ሻምፕዮን ፕሪሜር ሊግ ዝኾነት ሊቨርፑል ኣብ ሜዳኣ ኣብ ማንቸስተር ሰለስተ ብባዶ ሲዒራታ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሕዳር 2025) 10.11.2025 51:39
ን ሎሚ ሰኑይ 10 ሕዳር 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣውስትራሊያ ካብ መወዳእታ ካልኣይ ኩናት ዓለም ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ዝሃበቶ ቀዋሚ ናይ ሰብኣውነት ቪዛ ሓደ ሚሊዮን ከምዝበጽሕ ተፈሊጡ ። እዚ ኣገዳሲ ቁጽሪ ፡ ስደተኛታት ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ክብሪ ክወሃቦም ደሪኹ ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ምስ ዳይረክተር ፔን ኤርትራ ዝገበርናዮ ካል ኣይ ክፋል ዕላልውን ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክትታት ታሕተዋይ ኦሞ መሰል ደቀባት ብምግሃስ ገበነኛ ገይሩ። ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ሃገራትን...
ሓደስቲ መጻእትን AI (ኤኣይ) ዝዓብለሎ ናይ ስራሕ ዓለም ዝፈጥሮም ብድሆታትን 10.11.2025 8:15
ዳርጋ ክልተ-ሲሶ ዝኾና ኣውስትራልያውያን ትካላት ኣብ መስርሕ ምቑጻር ሰራሕተኛታት ሰብ ሰርሖ ብልሒ (Artificial Intelligence, AI) ይጥቀማ፣ እዚ ግን ስግኣታት ተኽእሎ ኣድልዎ ወይ ኣፈላላይ ኣብ ሓደስቲ መጻእቲ፣ ስደተኛታትን ደቀንስትዮን ኣልዒሉ’ሎ።
ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዛሪቡ። (ጸብጻብ) 09.11.2025 9:08
ኮሚሽን ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክትታት ታሕተዋይ ኦሞ መሰል ደቀባት ብምግሃስ ገበነኛ ገይሩ። ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዛሪቡ። ስርዓት ሓመድን ማይን ትግራይ ብኲናት ከም ዝተመረዘ፣ ዘላቒ ሓደጋ ስነ-ህይወት ከም ዘሎ ሓደ መጽናዕቲ ኣጠንቂቑ። ኣብ ክልል ዓፋር ዝነበሩ ዕጡቓት ካብቲ ከባቢ ከም ዝገለሱ ገሊጾም።
ኣውስትራሊያ መበል ሓደ ሚልዮን ቀዋሚ ቪዛ ክትህብ ትቀራረብ፡ 09.11.2025 8:53
ኣውስትራሊያ ካብ መወዳእታ ካልኣይ ኩናት ዓለም ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ዝሃበቶ ቀዋሚ ናይ ሰብኣውነት ቪዛ ሓደ ሚሊዮን ከምዝበጽሕ ተፈሊጡ ። እዚ ኣገዳሲ ቁጽሪ ፡ ስደተኛታት ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ክብሪ ክወሃቦም ደሪኹ ኣሎ ። እንተኾነ ትካላት መሰል ስደተኛታት ከምዝብልዎ ኣውስትራሊያ ነቲ ብጃምላ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ምምዝባል እትህቦ ግብረመልሲ ብኸመይ ከተመሓይሾ ከምትኽእል ክትሓስበሉ ኣገንዚቦም ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ሕዳር 2025) 06.11.2025 9:31
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኲንስላንድ ፡ ፖሊስ ጸረ ግብረሽበራ ድሕሪ ዝገበሮ መርመራ፡ ነታጒ ብምስራሕን ብምዝውዋርን ዝጠርጠሮም ን 7 ሰባት ክሲ መስሪትሎም። ኣብ ኣመሪካ፡ ድሕሪ ታሪኻዊ ዓወት ዞህራን ማምዳኒ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሰልፊ ዴሞክራትስ ኣብ ካሊፎርንያ’ውን ካልእ ዓወት የጽምብሉ ኣለዉ ። ተኸላኻላይ ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ሰንትራል ኣብ ልዕሊ ኤፍ-ሲ ኮፐንሃገን 4ብ0 ንምዕዋት ዓቢ እጃም ከምዝተጻወተ ተገሊጹ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ሕዳር 2025) 06.11.2025 54:52
ንሎሚ ሓሙስ 06 ሕዳር 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ መንግስቲ ክልል ዓፋር ሓይልታት ህወሓት 'ዶብ ሰጊሮም ብምጥቃዕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ' ከሲሱ ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ዛጊድ ብሙሉእ ክትግበር ከምዘይካኣለ ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ሰኔት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ 38 ተጋሩ ናብ ትግራይ ሰዲዱ። 62 ተጋሩ ግና ኣብ ኣስመራ ተሪፎም ተባሂሉ። ኤርትራ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ትኽእል እያ፡ ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተዛሪቡ። ኣብ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ዓሪፉ ምርካብ መጻምዲ ፍቕሪ (Datin...
ኤርትራ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ትኽእል እያ፡ ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተዛሪቡ። (ጸብጻብ) 05.11.2025 9:46
መንግስቲ ክልል ዓፋር ሓይልታት ህወሓት 'ዶብ ሰጊሮም ብምጥቃዕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ' ከሲሱ። ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ዛጊድ ብሙሉእ ክትግበር ከምዘይካኣለ ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ሰኔት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ 38 ተጋሩ ናብ ትግራይ ሰዲዱ። 62 ተጋሩ ግና ኣብ ኣስመራ ተሪፎም ተባሂሉ። ኤርትራ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ትኽእል እያ፡ ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተዛሪቡ። ኣብ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ዓሪፉ
ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ናይጀሪያውያን ዓመጽ እንተ ቀጺሉ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ከም ዘይብል ገሊጻ ፡ (ሓጸርቲ ዜናታት) 05.11.2025 6:49
** ትካል ጸጥታ ኣውስትራሊያ (ASIO)፡ ኣውስትራሊያውያን ብምምልማል ተኣፈፍቲ ሃገራውያን ምስጢራት ክስረቕ ዝተዋደደ ዉዲት ከምዘፍሸለ ኣፍሊጡ። ** ኣድመጽቲ ኣብ መንጎ ዴሞክራሲያዊ ሶሻሊስታዊ ተወዳዳራይ ዞህራን ማምዳኒን ከም ነጻ ተወዳዳሪ ኮይኑ ዝወዳደር ዘሎ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ኣንድሪው ኩሞምን ን ከተማ ኒው ዮርክ ዘመሓድር ንምምራጽ ድምጾም ይህቡ ኣለዉ ... ** ኣብ እስራኤል ን14 ዓመታት ክቕመጥ ዝጸንሐ ስደተኛ ናብ ኤርትራ ተሰጒጉ።
Dating or matchmaking: How to find a partner in Australia - ምርካብ መጻምዲ ፍቕሪ (Dating) : ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓዳር መጻምድቲ ብኸመይ ይርከብ፡ 04.11.2025 10:31
Many newly arrived migrants in Australia seek relationships not only for romance but to regain a sense of belonging. Separation from loved ones often drives this need for connection. This episode explores how dating in Australia differs from more collectivist cultures and how newcomers can find partners. From social events and dating apps to professional matchmaking, it highlights how migrants can...
ፐን ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ደልዲሉ ናይ ምቕጻሉ ምስጢር እንታይ እዩ፧ ዝርርብ ምስ ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ዓወት ፍስሃየ፡ 04.11.2025 31:40
ፐን ኤርትራ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ብዝነብሩ ኤርትራውያን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ዝቖመ ማሕበር እዩ። ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ን ገጣሚት ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ንጸሓፊ ሳልሕ ጋዲ፡ ንጸሓፍን ምሁርን ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ፡ ንጸሓፊ ዳኒኤል ተስፋይ ሰመረ፡ ንስነጥበበኛ ኣብራር ዑስማን፡ ን ኣሕታሚ ካሳሁን ቸኮል ኣብ 2025 ድማ ንጋዜጠኛ ቢንያም ስምኦን ኣብ ነጻነት ሓሳብካ ብምግላጽ ዝሸለሞም እዮም። ብዛዕባ ናይቲ ማሕበር ንጥፈታት ኣልዒልና ምስ ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ኣቶ ዓወት ፍስሃየ ዝተገብረ ቃለ መሕትት።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (4 ሕዳር 2025) 04.11.2025 5:45
** ማእከላይ ባንክ መጠን ወለድ ገንዘብ ከምዘለዎ ክቕጽል ክውስን ትጽቢት ይግበር... ** ሓካይም ብዘይዶብ ፡ ኣብ ኣል ፋሸር ፡ ሰላማውያን ሰባት ግህሰት ኣስፋሕፊጙ ኣብ ዘለወሉ እዋን ፡ ሓይልታት ንህጹጽ ደገፍ (RSF) ሰላማውያን ሰባት ክወጽኡ ከፍቅድ ሓቲቱ።... ** ባይቶ ጅቡቲ ደረት ዕድመ ንፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ኣልዒልዎ:
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሕዳር 2025) 03.11.2025 13:02
ኣርእስታት ዜና፥ ** ናይጀርያ ፡ ሉኣላዊ ግዝ ኣታ ክሳብ ዝተኸብረ፡ ኣመሪካ ኣንጻር እስላማውያን ተዋጋእቲ ኣብ ምቅላስ ትገብሮ ደገፍ ከምትቕበሎ ገሊጻ።- ** ብኸቢድ ህዝባዊ ተቓዉሞን ናዕብን ዝተገብረ ምርጫ ትንዛንያ፡ ፕረሲደንት ሳምያ ሓሰን ብገፊሕ ከምዝተዓወተት ተነጊሩ። ** ኣብቲ ጽባሕ ዝካየድ ፍሉጥ ዉድድር ኣፍራስ መልበርን ካፕ ጀሚ መልሃም ንሃፍ ዩርስ ፈረስ ክትጋልቦ ምዃና ኣፍሊጣ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሕዳር 2025) 03.11.2025 51:03
ን ሎሚ ሰኑይ 3 ሕዳር 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ SBS ን ዩኒቨርሲቲ ካንበራ ዘዳለዎ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ፡ ኣብ መንጎ እቶም ማሕበረሰባት ሕብረ ብዙሕ ባህልታት ካብቲ ናይ 2023 ጸብጻብ ዝያዳ ስምዒት ናተይነት ከምዝስምዖም ዘሎ ተፈሊጡ ። ብተወሳኺ ነቲ ኣብ መንጎ ብዙሓት ቋንቋታት ዝዛረቡ ሕብረተሰባት ዘሎ ናይ ህዝባዊ ተሳትፎ ደረጃ ክጸሉ ዝኽእል ረቛሒታት ከምኡውን ኣብ መንጎ ናኣሽቱን ዓበይቲን ወለዶታት ኣውስትራሊያ ዘሎ ናይ ርድኢት ፍልልይ ሓበሬታ ኣውጺኡ ኣሎ። ጸብጻብ ናይቲ መጽናዕቲ ከነቕርብ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ምረቓ ዓቢ ቤተ መዘክር ግብጺ ተረኺቡ።...
ዕሉል ኣስጋሪ ኤርትራዊ ተወልደ ጐይትኦም [ወሊድ] መስርሕ ፍርዱ ሎሚ 3 ሕዳር ክጅምር እዩ። (ጸብጻብ) 02.11.2025 10:28
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ምረቓ ዓቢ ቤተ መዘክር ግብጺ ተረኺቡ። ሕብረት ኣውሮፖ ሓዊሱ 22 ሃገራት 3ይ ዓመት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብምዝኽኻር ዘተ ክጅምር ጸዊዐን። ዕሉል ኣስጋሪ ኤርትራዊ ተወልደ ጐይትኦም [ወሊድ] መስርሕ ፍርዱ ሎሚ 3 ሕዳር ክጅምር'ዩ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዕዳ ኢትዮጵያ 2 ነጥቢ 56 ትሪልዮን ብር በፂሑ።
ጸብጻብ ናተይነት 02.11.2025 5:57
SBS ን ዩኒቨርሲቲ ካንበራ ዘዳለዎ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ፡ ኣብ መንጎ እቶም ማሕበረሰባት ሕብረ ብዙሕ ባህልታት ካብቲ ናይ 2023 ጸብጻብ ዝያዳ ስምዒት ናተይነት ከምዝስምዖም ዘሎ ተፈሊጡ ። ብተወሳኺ ነቲ ኣብ መንጎ ብዙሓት ቋንቋታት ዝዛረቡ ሕብረተሰባት ዘሎ ናይ ህዝባዊ ተሳትፎ ደረጃ ክጸሉ ዝኽእል ረቛሒታት ከምኡውን ኣብ መንጎ ናኣሽቱን ዓበይቲን ወለዶታት ኣውስትራሊያ ዘሎ ናይ ርድኢት ፍልልይ ሓበሬታ ኣውጺኡ ኣሎ።
ስደተኛታትን መጻእትን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ'ቲ ካብ ዓዶም ሒዞሞ ዝመጹ ሞያን ብቕዓትን ምስ ዘይዋፈሩ መን'ዩ ዝህሰ፧ 02.11.2025 8:48
ኣብ መበቆል ዓዶም ኣካየድቲ (ማናጀራት)ን ክኢላታትን ምንባሮም ብዘየገድስ ስደተኛታት ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ከም’ቲ ዝነበሮም ወይ ተመሳሳሊ ስራሕ ኣብ ኣውስትራልያ ክረኽቡ ይሽገሩ’ለዉ። ሓደ ክኢላ ብሰንኪ'ዚ ኩነታት “ኩላህና ኢና ንኸስር ዘለና፣” ክብል ይገልጾ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (30 ጥቅምቲ 2025) 30.10.2025 49:54
ምሉእ ትሕዝቶ መደብ ኤስቢኤስ ትግርኛ (30 ጥቅምቲ 2025) * ዕለታዊ ዜና፡ - ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣብ ዋዕላ ኤፐክ ንምስታፍ ደቡብ ኮርያ ኣትዩ፡ - ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ሱዳን ንኤልፋሽር ተቖጻጺሮማ፡ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ተመዛቢሎምን - ሊቨርፑል ካብ ዋንጫ ሊግ ካፕ (ዋንጫ ካራባኦ) ብክሪስታል ፓላስ ተገሊፋ፡ * ጸብጻባት ዜና ካብ ልኡኽና፡ - ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ተራኺቡ፡ - ኤርትራ ንተስፋሕፋሒ ድሌት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰኒና፣ - ኲናት ፅንተት ትግራይ ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ግልጋሎት ጥራሕ ልዕሊ 10.8 ቢልዮን ዶላር ዕንወት ወሪዱ ክብል ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖ...
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.