SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ሰማይ ብዝዓረገ ዋጋ ክራይ ገዛ: ህዝቢ የማርር 26.11.2025

ዋላ "ኳ መጠን ወለድ ይመሓየሽ እንተሃለወ ፡ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ግን ውጥረት ክራይ ኣባይቲ ኣይተቐየረን። ኣብ ሓያሎ ርእሰ-ከተማታት ፡ ስድራ ቤታት ዳርጋ ሲሶ ዝኸውን ካብ ኣታዊአን ንመዕቀሊ ዝኾነን ገዛ እየን ዘጥፍኣ። ዛጊት ኣብ ከተማ ፐርዝ እቲ ዝኸፍአ ኩነታት እዩ ዘሎ። ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ዓቕሚ ምክራይ ናብ ታሕቲ እዩ ወሪዱ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ሕዳር 2025) 26.11.2025

** እማመ ሰላም ኣመሪካ ዘይማእመኦ ፕረሲደንት ዩክረይን ምስ ዶናልድ ትራምፕ ክራኸብ ሓቲቱ... ** ኣብ ናይጀርያ ካልእ ጃምላዊ ጭውያ ኣጋጢሙ ፡ ፖሊስ 10 ኣንስትን ቆልዑን ብዕጡቓት ተታሒዞም ከምተወስዱ ኣፍሊጡ... ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብ ዝገብርዎ ናይ መጀመርታ ናብ ወጻኢ ጕዕዞ ናብ ቱርክየ ክበጽሑ ይዳለዉ።

From black tie to casual: How to decode dress codes - ካብ ጸሊም ካራቫታ ክሳብ ተራ ክዳን ምኽዳን ፡ ስርዓተ-ኣከዳድና/dress-codes 25.11.2025

You’ve received an invitation that reads “Dress code: Cocktail attire”. What is this ‘code’? And more importantly, what will you wear? In this episode, we demystify the most common dress codes so that you can feel comfortable at any event. - ኣብ ናይ ዕድመ ወረቐት፡ "ድረስ ኮድ (ስርዓተ ኣከዳድና): ኮክቴል ክዳን" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ዕድመ ተቐቢልኩም ክትኮኑ ትኽእሉ ። እዚ 'ኮድ' ወይ ስርዓት እንታይ እዩ? ልዕሊ ኵሉ ድማ ፡ እንታይ ኢኻ ክትኽደን ዝግብኣካ? ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ኣብ...

ጽቡቕ ብህልታትናን ልምድታትናን ሒዝናዮም እንተንመጽእ መማዕበሉና ኔሮም፡ ዝርርብ ምስ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ። 24.11.2025

ኣብዚ እዋን ከም ብ ኣማዞን ዝበሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ዝመሃደሩ ንጥፈታት ምብጽጻሕ ኣቑሑ (ደሊቨሪ)፡ ዝኣመሰሉ ኣብ ህዝብና ንነዊሕ ዘመናት ዝስርሓሎም ዝነበሩ ንጥፈታት ኣለዉ። ገዛ ገዛ እናኸዱ ሸቐጣት ዝሸጡ፡ ናይ ምልውዋጥ መስርሕ (ቬላሮባ)፡ እዚ ንነገራት ዳግም ንምምስራሕ ዝተባባዕ ዘሎ ኣብ ህዝብና ልሙዳት ዝኾኑን ምስ ኣከባቢ ዝሳነዩ ተግባራት ነይሮም። ነዞም ብህዝብና ዝካየዱ ዝነበሩ ባህላውያን ንጥፈታት ቁጠባን ኣከባብን ምስ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ ዳህሲስናኣዮም ኣለና። እዞም መሃዝነት ዘለዎም፡ ምስ ኣከባቢ ዘሳንዩ ንጥፈታት ቀጺልናዮምን ሒዝናዮም እንተንጓዓዝ መሰረት ምዕባለን ጥዕናን ምዃኖም'ውን ኣብዚ ዕላል ተገሊጹ ኣሎ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሕዳር 2025) 24.11.2025

** ኣብ ማከላይ ቤት ጽሕፈት ፓራሚሊታሪ ፓኪስተን ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ** ሃገራዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ዓቕሚ ምክራይ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ኣውስትራሊያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝያዳ እናኸፍ አ ከምዝመጽ አ ኣፍሊጡ ። ** ዩክረይንን ኣመሪካን ብዛዕባ እማመ ሰላም ተዘራሪበን።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሕዳር 2025) 24.11.2025

ን ሎሚ ሰኑይ 24 ሕዳር 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ምቅይያራት መሪሕነትን ምርሕራሕ ፖሊሲታትን: ዲሞክራሲና ክሳብ ክንደይ ጥዑይ'ዩ፧ ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ትሕዝቶ ምስ ቀረብ ል ኡኽና ዝሰድአዶ ጸብጻብ ከነቕርብ፡ ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡- ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ትግራይ ምስቶም ብፖለቲካ ናብ ወጥሪ ዘምርሑ ተጋሩ ዘተ ከም ዝጀመረ ገሊጹ። ህወሓት ንመንግስቲ ፌደራል ናብ ትግራይ ዘወስዱ መገድታት ብምዕጻውን ምቁራጽ ኣገልግሎትን ከሲሱ። ናይ ዓፋር ኣርታዕለ እሳተ ጎመራ ካብቲ ንቡሩ ብዝገደደ ተተኲሱ። ኢትዮጵያን ኣዘርባዣንን ኣብ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ሓባራዊ ማዕቀፍ ንምቛም ዘትየን። ኤርትራዊ ብርጋዴር ጀነራል...

#81 Talking about elections | Voting in Australia - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ#81 ብዛዕባ ምርጫ ብእንግሊዝኛ ምዝርራብ | ድምጺ ምሃብ ኣብ ኣውስትራሊያ 24.11.2025

Learn to talk with confidence about voting and elections in Australia. Plus, find out about the voting system in the country. - Learn to talk with confidence about voting and elections in Australia. Plus, find out about the voting system in the country.

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሕዳር 2025) 24.11.2025

** ኣተኣናገድቲ ዋዕላ ክሊማ ኮፕ30 ፡ እቲ ዋዕላ ኣብ ከሰል፡ ነዳዲን ጋዝን ንዘይምጥቃም ንጹር መደብ ከሓንጸጸ ምውዳኡ ብብዙሓት ሃገራት ዘጉሃየ ፍጻመ ምንባሩ ተፈሊጡ። ** ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዩ-ስ ብዛዕባ እቲ ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝቐረበ እማመ ሰላም ንምዝርራብ ናብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ፡ ኣብ ዩክረይን ከተማ ዲፕሮ መጥቃዕቲ ሩስያ ቀጺሉ። ** ጋንታ ኣርሰናል ን ስፓርስ 4ብ1 ኣብ ሰሜን ለንደን ደርቢ ብገፊሕ ስዒራታ።

ህወሓት ንመንግስቲ ፌደራል ናብ ትግራይ ዘወስዱ መገድታት ብምዕጻውን ምቁራጽ ኣገልግሎትን ከሲሱ። (ጸብጻብ) 23.11.2025

ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ትግራይ ምስቶም ብፖለቲካ ናብ ወጥሪ ዘምርሑ ተጋሩ ዘተ ከም ዝጀመረ ገሊጹ። ህወሓት ንመንግስቲ ፌደራል ናብ ትግራይ ዘወስዱ መገድታት ብምዕጻውን ምቁራጽ ኣገልግሎትን ከሲሱ። ናይ ዓፋር ኣርታዕለ እሳተ ጎመራ ካብቲ ንቡሩ ብዝገደደ ተተኲሱ። ኢትዮጵያን ኣዘርባዣንን ኣብ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ሓባራዊ ማዕቀፍ ንምቛም ዘትየን። ኤርትራዊ ብርጋዴር ጀነራል ገብረኪዳን ሃብትኣብ (ወዲ ምነይ) ፡ ዓሪፉ።

Leadership spills and policy reversals: How healthy is our democracy? - ምቅይያራት መሪሕነትን ምርሕራሕ ፖሊሲታትን: ዲሞክራሲና ክሳብ ክንደይ ጥዑይ'ዩ፧ 23.11.2025

With the abandonment of its net-zero policies, and leadership spills in two of Australia's largest states, the Coalition is undergoing a period of major upheaval. So what does that mean for a Westminster democracy which analysts say depends on two different political positions to succeed. - ሰልፊ ጥምረት (Coalition) ኣውስትራልያ፣ ፖሊሲታት ድምር ዜሮ ንጽገት (net-zero policies) ክርሕርሖም ድሕሪ ምውሳኑን ኣብ ክልተ ዝዓበያ ግዝኣታት ኣውስትራ...

MiniPod: Call it a day | Words we use - MiniPod: Call it a day | Words we use (ምልምማድ ፍሉያት ኣበሃህላታት ቋንቋ እንግሊዝ) 20.11.2025

Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'call it a day'. - ሓድሽ ሓረግ ወይ ኣገላልጻ ተመሃሩ'ሞ ቋንቋ እንግሊዝኩም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'call it a day' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ ክልተ-ቋንቋዊ ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ሕዳር 2025) 20.11.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ** እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር 10 ፍልስጢኤማውያን ተቐቲሎም ... ** ሓደ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኣውስትራሊያ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣፍጋኒስታናዊ ዝተዋህቦ ናይ ሰብ ኣውነት ቪዛ ብዘይ መግለጺ ተሰሪዙ። ** ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ፡ ጋንታ ሶኮሩ ኣንጻር ኮሎምብያ ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ምሕዝነት ጸወታ ገጢማ 3ብ0 ተሳዒራ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሕዳር 2025) 20.11.2025

ሎሚ ሓሙስ 20 ሕዳር 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ዉዕል ፕሪቶሪያ ከይትግበር ዝዕንቅጽ ዘሎ መን'ዩ፧ ሕጋውነት ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያን ዘስዕቦ ጂኦ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ምስ ናይ ፈለማ ናይ ኢትዮጵያውያን ማሕበራዊ መዲያ ዝኾነ "ኢትዮ-መዲያ" መስራትን ተንታንን ጸሓፍን ኣብርሃ በላይ ከምኡውን ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝኾነት "መስትያት" ዝመስረተ መሓሪ ኣብርሃም ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት መሪሑ ዝተባህለ ኤርትራዊ ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ሓሳብ ቀሪቡ። መንግስቲ ካናዳ ንጉዕ...

ኤርትራ ዘይተሳተፈትሉ ወተሃደራዊ ልምምድ ቀይሕ ባሕሪ ተኻይዱ። (ጸብጻብ) 19.11.2025

ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት መሪሑ ዝተባህለ ኤርትራዊ ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ሓሳብ ቀሪቡ። መንግስቲ ካናዳ ንጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣመልኪቱ ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ዓባይ ብሪጣንያ ውን መጠንቀቕታ ጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣውፂኣ 'ያ። ኤርትራ ዘይተሳተፈትሉ ወተሃደራዊ ልምምድ ቀይሕ ባሕሪ ተኻይዱ። ኣብ ኢትዮጰያ ኮነ ቀርኒ ኣፍሪካ ኲናት ዳግም ከይውላዕ ሕብረት ኣውሮፓ ፀቕጢ ንክገብር ፃውዒት ቀሪቡ ። ወተሃደራዊ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝበዝሐ ዘስካሕክሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ተኸሲሶም።

From Mabo to modern Australia: the ongoing story of native title - ካብ ማቦ ክሳብ ዘመንዊት ኣውስትራሊያ: ዝቐጽል ዘሎ ናይ ደቀ'ባትነት ሕቶ ይግበኣና። 19.11.2025

Australia is known around the world for its rich and diverse First Nations cultures. But when it comes to native title and land rights, you might still wonder what they actually mean. Discover what native title means in Australia, how it began with the Mabo Case, what the Native Title Act does, and why it matters for all Australians. - ኣውስትራሊያ ኣብ መላእ ዓለም ሃብታምን ብዙሕነት ዘለዎ ባህሊ ቀዳሞት ህዝብታት ዘለዋ ሃገር ምዃና...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ሕዳር 2025) 19.11.2025

** ፋይል ገበናት ጀፈሪ አፒስቲን ክቕላዕ ብዓብላሊ ናይ ይኹን ድምጺ ተዋሂብዎ። ** ውሕሃ ፡ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ፡ ነተን ዝተጨውያ 25 ተመሃሮ ብቕልጡፍ ክፍትሓ ተማሕጺኑ ... ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፍልስጤም ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛኣዕባ ቓዛ ዝምልከት ዘጽደቖ ዉጥን ብሓጎስ ተቐቢልዎ ።

ጽቡቕ ብህልታትናን ልምድታትናን ሒዝናዮም እንተንመጽእ መማዕበሉና ኔሮም፡ ዝርርብ ምስ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ። 18.11.2025

ኣብዚ እዋን ከም ብ ኣማዞን ዝበሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ዝመሃደሩ ንጥፈታት ምብጽጻሕ ኣቑሑ (ደሊቨሪ)፡ ዝ ኣመሰሉ ኣብ ህዝብና ንነዊሕ ዘመናት ዝስርሓሎም ዝነበሩ ንጥፈታት ኣለዉ። ገዛ ገዛ እናኸዱ ሸቐጣት ዝሸጡ፡ ናይ ምልውዋጥ መስርሕ (ቬላሮባ)፡ እዚ ንነገራት ዳግም ንምምስራሕ ዝተባባዕ ዘሎ ኣብ ህዝብና ልሙዳት ዝኾኑን ምስ ኣከባቢ ዝሳነዩ ተግባራት ነይሮም። ነዞም ብህዝብና ዝካየዱ ዝነበሩ ባህላውያን ንጥፈታት ቁጠባን ኣከባብን ምስ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ ዳህሲስናኣዮም ኣለና። እዞም መሃዝነት ዘለዎም፡ ምስ ኣከባቢ ዘሳንዩ ንጥፈታት ቀጺልናዮምን ሒዝናዮም እንተንጓዓዝ መሰረት ምዕባለን ጥዕናን ምዃኖም'ውን ኣብዚ ዕላል ተገሊጹ ኣሎ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሕዳር 2025) 18.11.2025

** ኣብ ብሪጣንያ ዓቢ ለውጢ ፖሊሲ ሓተቲ ዑቕባ ይተኣታቶ፡ ... ** ምጉሓፍ ዒላማ ባዶ ምብካል ኣየር ነቲ ኣውስትራሊያ ኣብ ፓሲፊክ ዘለዋ ጽልዋ ከምዘይትንክፎ ሱዛን ለይ ትገልጽ፡ ** ዜጋታት ካናዳ ብስግኣት ጸጥታ ናብ ሓያሎ ናይ ኢትዮጵያ ዞባታት ከይንቀሳቐሱ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሕዳር 2025) 17.11.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ብዛዕባ ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣትዉ ብዝሒ ስደተኛታት ምጉዳል ዝምልከት ጉዳይ ኣብ ዉሽጢ ሰልፊ ጥምረት ይድፍኣሉ ኣሎ ። ስደተኛታት ጽዒነን ዝነበራ ክልተ ጃላቡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከባቢ ገማግም ሊብያ ድሕሪ ምግልባጠን፡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝጠሓሉ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣፍሊጦም። ክርስትያኖ ሮናልዶ ናብ ካልእ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክጻወት የማዕዱ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሕዳር 2025) 17.11.2025

ን ሎሚ ሓሙስ 17 ሕዳር 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብፍቓዱ ንዝለቐቐ ኣቦወንበሩ ንኣቶ ክንፈ ሓዱሽ መሪፁ ተኪኡ። ጉባኤ ዘተን ምድድዳእን ትግራይ ኣብ ሕዳር ን2300 ተሳተፍቲ ብምእካብ መድረኽ ከም ዝሳለጥ ሓቢሩ። ስነ ስርዓት ቐብሪ ስሙይ ስነጥበበኛ በረኸት መንግስትኣብ ተፈጺሙ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ንክሲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነፂጉ። ንዶክተራት ሕሙማት በብክብደት ጸገሞም ካብ ምስራዕ ክሳብ ምትርጓም/ምትንታን ምስልታት ሓንጎልን ቀዳሞት ምልክታት ሕማማት ኣብ ምፍላጥን ምልላይን ሰብሰርሖ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ AI) ንክንክን ጥዕና ካብ...

ስነ ስርዓት ቐብሪ ስሙይ ስነጥበበኛ በረኸት መንግስትኣብ ተፈጺሙ። (ጸብጻብ) 16.11.2025

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብፍቓዱ ንዝለቐቐ ኣቦወንበሩ ንኣቶ ክንፈ ሓዱሽ መሪፁ ተኪኡ። ጉባኤ ዘተን ምድድዳእን ትግራይ ኣብ ሕዳር ን2300 ተሳተፍቲ ብምእካብ መድረኽ ከም ዝሳለጥ ሓቢሩ። ስነ ስርዓት ቐብሪ ስሙይ ስነጥበበኛ በረኸት መንግስትኣብ ተፈጺሙ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ንክሲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነፂጉ።

ተራ AI ኣብ ክንክን ጥዕና እናወሰኸ ይኸድይ ኣሎ፣ ስግኣታት ኣለዉ ድዮም፧ 16.11.2025

ንዶክተራት ሕሙማት በብክብደት ጸገሞም ካብ ምስራዕ ክሳብ ምትርጓም/ምትንታን ምስልታት ሓንጎልን ቀዳሞት ምልክታት ሕማማት ኣብ ምፍላጥን ምልላይን ሰብሰርሖ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ AI) ንክንክን ጥዕና ብመሰረቱ ናይ ምቕያር ተኽእሎ ኣለዎ። ክሳብ ሕጂ ግን፣ ኣብ ዙርያ ድሕነት፣ ምቁጽጻርን ባህላዊ ስክፍታታትን ብድሆታት ኣለዉ፣ ክኢላታት ድማ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝምዕብለሉን ሓደስቲ መሳርሒታት ኣብ ዝቕልቀልሉን እዚኦም ረቛሒታት ግድን ኣብ ግምት ክኣትዉ ኣለዎም ይብሉ።

MiniPod: Piece of cake | Words we use - MiniPod: Piece of cake | Words we use (ምልምማድ ፍሉያት ኣበሃህላታት ቋንቋ እንግሊዝ) 13.11.2025

Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'a piece of cake' - ሓድሽ ሓረግ፣ ኣበሃህላ ወይ ኣገላልጻ ተማሂርኩም ናይ እንግሊዝ ቋንቋኹም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ከምዝጥዕም ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'a piece of cake' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ በዓል ክልተ-ቋንቋታት ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ። እዚ ድማ ቀዳማይ ክፋሉ'ዩ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ሕዳር 2025) 13.11.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራሊያ ብቻይና ዝድገፉ ሃከራት ኣብ ልዕሊ ጸጥታይ ስግኣት የውርዱ ኣለዉ ኢላ ብመገዲ ሓላፊ ጸጥታኣ ዝገለጸቶ ፡ ቻይና ነቲ ክሲ "ዘይረብሕ ዘረባ" ብምባል ተቓዊማቶ ። በሃር ስነ ስነጥበብኛ በረኸት መንግስትኣብ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓረፈ ተፈሊጡ። ሳም ኬር ካብ ታሕሳስ 2023 ጀሚራ ንመጀመርታ ግዜኣ ምስ ጋንታ ቸልሲ ጸወታ ኣብቲ ምስ ኦስትርያዊ ግጥማት ቻምፕኢዮን-ሊግ ተጻዊታ ።

"ኲናት እንተ ተወሊዑ፡ ጂኦግራፊያዊ ምልውዋጥ ከስዕብ ዝኽእል ብዙሓት ሰብ-ጥቕሚ ዝሳትፍዎ ኣህላቒ'ዩ ክኸውን።" ህሉው ኩነታት ምስ ኣቶ ኣብርሃ በላይን መሓሪ ኣብርሃምን 13.11.2025

ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ፡ ዉዕል ፕሪቶሪያ ብዘይምትግባሩ ተፈጢሩ ዘሎ ደውታን ቅልውላውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣልዒልዎ ዘሎ ኣጀንዳ ባሕሪን ስዒቡ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ናይ ኲናት ሃዋሁው ኣንጸላልዩ ይርከብ። እዚ ኩነታት ክንዮ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ሰብ ረብሓ ዝኾኑ ሓይልታት'ውን ከይሳተፍዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ብዛዕባ ዉዕል ፕሪቶሪያ ከይትግበር ዝዕንቅጽ ዘሎ መን'ዩ፧ ሕጋውነት ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያን ዘስዕቦ ጂኦ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብዚ ዘተ፡ ናይ ፈለማ ናይ ኢትዮጵያውያን ማሕበራዊ መዲያ ዝኾነ "ኢትዮ-መዲያ" መስራትን ተንታንን ጸሓፍን ኣብርሃ በላይ ከምኡውን ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ናይ ፈለማ ናይ...

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.