SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1423 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Be sure to visit the podcast's website and support the creator: www.sbs.com.au

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Oct 22, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android almost 10M downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (16 መጋቢት 2026) 16.03.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ጸሓፊ ጸዓት ኣመሪካ: ክሪስ ራይት ፡ እቲ ኣንጻር ኢራን ዝግበር ውግእ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ከም ዘብቅዕ ገሊጹ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ ብዛዕባ’ተን ናብ ኢራን ዝመለሳ ኣባላት ኩዕሶ እግሪ ኢራን ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ። ካንታ ኩዕሶ እግሪ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ/ማቲልዳስ ዝሓለፈ ዓርቢ [13/03/26] ንሰሜን ኮርያ ኣብቲ ናይ ርብዒ ፍጻመ እተገብረ ግጥም ድሕሪ ምስዓራ ፡ ጽባሕ ሰሉስ ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ኤስያ ኣንጻር ቻይና ክትገጥም ትዳሎ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (16 መጋቢት 2026) 16.03.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 16 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣታዊታት ሩስያ ካብ ሰደድ ነዳዲ ኲናት ኣሜሪካ-እስራኤል ኣብ ኢራን ካብ ዝጅመር ንድሓር ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ ክብሉ ሓደስቲ ኣሃዛት ኣመልኪቶም፡ ሩስያ ነቲ ናታ ኲናት ኣብ ዩክረይን ንምምዋል ክጥቀመሉ'ያ ዝብል ፍርሒ ድማ ኣሕዲሩ'ሎ። ።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ብዛዕባ ረመዳን፡ ኣብ ልዕሊ ምስልምና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽል ኢ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጽልዋ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስማዒል ዝገበርናዮ ዕላል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰ...

ጽልኣት ኣብ ልዕሊ ምስልምና ካብ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ኣውስትራልያ ከምዝገድድ ተፈሊጡ፡ 16.03.2026

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራሊያ ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምምካት ጸረ ምስልምና ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና መጥቃዕቲ ፣ ምዉራድን ጽልእን ንምዉጋድ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ ። ኮሚሽነር ዓሌታዊ ኣድልዎ ጂሪ ሲቫራማን መንግስቲ ንሃገራዊ ፀረ-ዓሌትነት ብዝምልከት መደብ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ምላሽ የለን ይብል ። እቲ መደብ ኣብ ሕዳር 2024 እዩ ተጀሚሩ: እንተዀነ ግን መንግስቲ ገና ምላሽ ክህብ እዩ ።

'Only one winner in this war': How the war on Iran is bankrolling the war on Ukraine - 'ኣብ'ዚ ኲናት ሓደ ተዓዋቲ ጥራይ'ዩ ዘሎ': ኲናት ኣብ ልዕሊ ኢራን ከመይ ኢሉ ንኲናት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ይምውሎ'ሎ 15.03.2026

New data shows that Russia's oil export earnings have soared since the US-Israeli war in Iran broke out, sparking fears that Russia will use this war to finance its own in Ukraine. As the United States lifts sanctions and Europe considers more flexibility, Russia says the world is coming to understand the importance of its resources. - ኣታዊታት ሩስያ ካብ ሰደድ ነዳዲ ኲናት ኣሜሪካ-እስራኤል ኣብ ኢራን ካብ ዝጅመር ንድርሓር ብዝለዓለ...

"ተስፋ ለ ሰላም" ብዝብል ተበግሶ ኣብ መንጎ ትግራይ፣ ኣምሓራ ዘተ ንምክያድ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ። (ጸብጻብ) 15.03.2026

ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ቀዳማይ ‘ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ’ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። "ተስፋ ለ ሰላም" ብዝብል ተበግሶ ኣብ መንጎ ትግራይ፣ ኣምሓራ ዘተ ንምክያድ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ። ሜላት ኪሮስ ኣብ ዴንቨር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዲሞክራታት ቀዳማይ ብርኪ መረፃ ዓወት ኣመዝጊባ። ውድብ ሳልሳይ ወያነ ኣብ ኣባሉ ዝኾነ መምህር ሸዊት ውዳሴ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ኮኒኑ። ኢትዮጵያ ን40 ኣብያተ ትምህርቲ ስደተኛታት ናብ ሃገራዊ ስርዓተ ትምህርቲ ከተእቱ ምዃና ተሓቢሩ። ኣብ ዞባ ጋሞ ድሕሪ ዘጋጠመ ምንሽርር መሬት ልዕሊ 125 ሰባት ደ

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (12 መጋቢት 2026) 12.03.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ሓድሽ መጥቃዕቲ ፈጺማ ፡ በቲ ኣብ ከባቢ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንኣርባዕተ ሰባት ጎዲኡ ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ውግእ ዝያዳ እንተ ኣስፋሕፊሑን ዓብዩን ፡ ዋጋታት ነዳዲ ንሓደ በርሚል $US200 [[A$300]] ክኸውን ከምዝኽእል ወተሃደራዊ እዚ ኢራን ኣጠንቂቑ ። ሚኒስተር ስፖርት ኢራን ኣሕመድ ዶኒማሊ ፡ ሃገሩ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ ክትወዳደር ከም ዘይትኽእል ገሊጹ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (12 መጋቢት 2026) 12.03.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 12 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘካይዳኦ ዘለዋ ውግእ ፡ ቀንዲ ሰንሰለት ነዳዲ ዘይትን ጋዝን ብምዕንቃፉ ፡ ዋጋታት ነዳዲ ዓለም ሰማይ ይዓርግ ኣሎ ። መራሕቲ ዓለም ፡ ነቲ ኣብ ዘይግዜኡ ብኣመሪካ ዝተወለዐ ኲናት ፡ብጥርጣረን ብዝተሓዋወሰ ስምዒት ዝዕዘብሉ ዘለዉ ፡ ንቐጻሊ ጸቕጥታት ጸዓት ኣብ ምድላው ይርከቡ ኣለዉ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ቅድሚ ብልጃኻ ምጥርናፍ ምሕሳብ : መብርሂ ብዛዕባ ሕግታት ብዶባት ቁጽጽር ዝግበረሎም ነገራትን ስነ-ህይወታዉያን ትሕዝቶታት። ትሕዝቶ ዘለዎ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊ...

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኢትዮጵያውያን ናይ ቪዛ መጠንቀቕታ ሂቡ። (ጸብጻብ) 12.03.2026

ሃገራዊ ማሕበር ላቦራቶሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ሓሙሻይ ጉባኤኡ ኣካይዱ። ሃገራዊ ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ን7 ኣብነታውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓረስቶት መተባብዒ ሂቡ። ውድብ ስምረት ንውሳነ ቦርድ መረጻ ዘቐረቦ ክሲ ስሒቡ። ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ከቢድ ፋይናንሳዊ ፀገም ኣብ ሓደጋ ምዕፃው ከምዘለዋ ኣፍሊጡ። ጉግል ኣብ ሰርች ኢንጅን ኣምሓርኛ፣ ኣፍን ኦሮሞን ሶማልኛን ዝርከቡዎም 13 ቋንቋታት ኣፍሪቃ፡ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽደ፡ ኣጠቓቕማ ነዳዲ “ብዓቢ ጥንቃቐ” ክግበር ኣተሓሳሲቡ። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኢትዮጵያውያን ናይ ቪዛ መጠንቀቕታ ሂቡ።

#105 Celebrating small wins at work - #105 "ምጽምባል ንኡስ ዓወት ኣብ ስራሕ" (Celebrating small wins at work)፡ ት፣ህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ 11.03.2026

Learn useful English for talking about small wins at work. Practise phrases for celebrating achievements, staying motivated, and making progress step by step. - ብዛዕባ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ንእሽቶ ዓወት ምዝራብ ፡ ጠቓሚ እንግሊዝኛ ምፍላጥ ። ዓወታት ንኽትጽምብል ፡ ንኽትድረኽ ፡ በብደረጃኡ ድማ ዕቤት ንኽትገብር ዝሕግዝ ሓረጋት እንግሊዝኛ ተላመድ ። Learn useful English for talking about small wins at work. Practise phrases for celebrating achievements, staying motiv...

ዋጋታት ነዳዲ ዓለም ይንህር፡ ዜጋታት ንምእካብ ይቀዳደሙ: መንግስታት ስጉምቲ ይወስዱ 11.03.2026

ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘካይዳኦ ዝዘለዋ ውግእ ፡ ቀንዲ ሰንሰለት ነዳዲ ዘይትን ጋዝን ብምዕንቃፉ ፡ ዋጋታት ነዳዲ ዓለም ሰማይ ይዓርግ ኣሎ ። መራሕቲ ዓለም ፡ ነቲ ኣብዘይግዜኡ ብኣመሪካ ዝተወለዐ ኲናት ፡ብጥርጣረን ብዝተሓዋወሰ ስምዒት ዝዕዘብሉ ዘለዉ ፡ ንቐጻሊ ጸቕጥታት ጸዓት ኣብ ምድላው ይርከቡ ኣለዉ ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (11 መጋቢት 2026) 11.03.2026

** ካብ ኣባላት ጋንታ ኲዕሶ ደቂ ኣንስትዮ ኢራን ተወሰኽቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ዑቕባ ከምዝሓተታ ተገሊጹ። ** ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝበሎ ዝጻረር እኹል መርትዖታት ይቐርብ... ** ኣብ ኖርዝ ተሪቶሪ ን ኲንስላንድን ከቢድ ምዕልቕላቕ ማይ ይቕጽል ።

Think before you pack: Australia’s customs and biosecurity rules explained - ቅድሚ ብልጃኻ ምጥርናፍ ምሕሳብ : መብርሂ ብዛዕባ ሕግታት ብዶባት ቁጽጽር ዝግበረሎም ነገራትን ስነ-ህይወታዉያን ትሕዝቶታት 10.03.2026

Customs is generally the first point of contact for people entering Australia. Our Border Force Officers are there waiting. They ensure that we don’t bring in prohibited goods that could threaten Australia’s unique environment, economy and communities. Before you zip up your suitcase, here’s what you need to know about what can—and can’t—cross the border, and what’s at stake if biosecurity rules a...

ኣባላት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ አቂኣንስትዮ ኢራን ኣብ ኣውስትራሊያ ክንብራ ናይ ሰብኣዊ ቪዛ ዑቕባ ተዋሂብውን (ሓጸርቲ ዜናታት 10 መጋቢት 2026) 10.03.2026

ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይኣቱ ኣሎ ። ኣብዚ ንኻልኣይ ሰሙን ሒዙ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ ይቕጽል፡ ድሮ ሰብኣውን ቁጠባውን ዓለም ኣናዊጹሉ ኣብዘሎ ዛጊት ዝር አ ምዕባለ ኣብ ናይ ሎሚ ዜናና ነተኩረሎም ጉዳያት፡ ***ኣባላት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ አቂኣንስትዮ ኢራን ኣብ ኣውስትራሊያ ክንብራ ናይ ሰብኣዊ ቪዛ ዑቕባ ተዋሂብውን... *** ናብ ቱርኪየ ንካልኣይ ግዜ ዝተተኮሰ ሚሳይል ብኔቶ ተሃሪሙ ድሕሪ ምውዳቑ ቱርኪየ ኣብ ልዕሊ ኢራን ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ኣጠንቂቓ... *** ኢራን ንወዲ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ላዕለዋይ መራሒ ክኸውን መሪጻቶ ...

"ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ፡ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ዘበለ ኩሉ ክሰርሕ ዝኽእል’ዩ።" ዝርርብ ምስ ኤርሚያስ ዘርኣጽዮን 09.03.2026

ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ (AI) ብዘይካ እቲ ዝህቦ ረብሓ ካብዚ ዘለዎ ዝያዳ እንተ ማዕቢሉ ንዘርኢ ሰብ ክሳብ ምጥፋእ ዝከይድ ብልሒ ወይ ዓቕሚ ከምዝህለዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ርድኢትና ብዛዕባ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ AI ንምስፋሕ፡ ምስቲ ተክኖሎጂ ዝመጹ ዘለዉ ዕድላት ክንጥቀመሎም ክንክእልን ካብቲ ዘሎ ሓደጋታት ብኸመይ ክንከላኸል ከምንኽእልን ምስ ክኢላ ሓበሬታ ተክኖሎጂ (IT) ኤርሚያስ ዘርኣጽዮን ዝገበርናዮ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (09 መጋቢት 2026) 09.03.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ውግእ ኢራን ናብ ካልኣይ ሰሙን ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ፡ ኢራንን እስራኤልን ሓድሽ መጥቃዕቲ ተለዋዊጠን ። ኣብ መላእ ዓለም ንውግእ ኢራን ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ። ብኢራን ዝውቅዓ ዘለዋ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምሃብ ንዝወጸ መደብ ከም ዘይድግፍ ሰልፊ ግሪንስ ገሊጹ። እንግሊዛዊ ጆርጅ ራስል ኣብ ፎርሙላ ዋን ዉድድር Australian Grand Prix ብ ሰንበት 8 መጋቢት ኣብዝተኻየደ ዉድድር ተዓዊቱ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (09 መጋቢት 2026) 09.03.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 09 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኩነታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስግኣት ምንሃር ዋጋታት መግቢ ፈጢሩ፣ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ስድራታት ኣብ ግዜ ረመዳን ከይጽገማ ተፈሪሑ።።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ (AI) ብዘይካ እቲ ዝህቦ ረብሓ ካብዚ ዘለዎ ዝያዳ እንተ ማዕቢሉ ንዘርኢ ሰብ ክሳብ ምጥፋእ ዝከይድ ብልሒ ወይ ዓቕሚ ከምዝህለዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ርድኢትና ብዛዕባ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ AI ንምስፋሕ፡ ምስቲ ተክኖሎጂ ዝመጹ ዘለዉ ዕድላት ክንጥቀመሎም ክንክእልን ካብቲ ዘሎ ሓደጋታት ብኸመይ ክንከላኸል ከምንኽእልን ምስ...

ኤርትራ ተወሰኽቲ እሱራት ፈቲሓ። (ጸብጻብ) 08.03.2026

ዝምድና ህዝቢታት ትግራይን ኤርትራን ካልኦትን ዘጠናኽር እዩ ዝተብሃለ መድረኽ ኣብ መቐለ ተኻይዱ። ኤርትራ ተወሰኽቲ እሱራት ፈቲሓ። ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንዝመፅእ ሓፈሻዊ መረፃ ብዘይካ ትግራይ ኣብ ኩለን ክልላት መስርሕ ምዝገባ መረፅቲ ጀሚሩ። ኣርባዕተ ውድባት ትግራይ ዝጠመረ ሓዱሽ መድረኽ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢሩዎ ዝበሎ"ወተሃደራዊ ከበባ" ከልዕሎ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ። ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ካብ ውድባዊ ሓላፍነቱ ተኣልዩ።

Fears for low income families during Ramadan, as Middle East conflict threatens to send food prices higher - ኩነታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስግኣት ምንሃር ዋጋታት መግቢ ፈጢሩ፣ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ስድራታት ኣብ ግዜ ረመዳን ከይጽገማ ተፈሪሑ 08.03.2026

Families in Australia are bracing for a cost-of-living hit, as energy prices soar. Charities are increasing gifts of free food during Ramadan, to help those already struggling. SBS Arabic takes a look at how one group is trying to help. - ስድራቤታት ኣብ ኣውስትራልያ ዋጋታት ጸዓት ኣብ ዝኸበርሉ ማህሰይቲ ኣብ ክብሪ መነባብሮ ከጋጥመን ይዳለዋ’ለዋ። ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ንምሕጋዝ ግብረሰናያዊ ማሕበራት ህያባት መግቢ ብነጻ ኣብ ግዜ ረመዳን ይውስኽአኦ’ለዋ። SBS Arabic ሓደ ጉጅለ ከመ...

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (05 መጋቢት 2026) 05.03.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሓንቲ ናይ ኢራን መርከብ ውግእ ፡ ብሳብ-ሳብማሪን ኣመሪካ ተሃሪማ ከም ዝጠሓለት ፡ ብዙሓት ባሕረኛታት ከም ዝቐተሉን ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፔት ሄግሰት ኣረጋጊጹ ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ኣብዝምዕብለሉ ዘሎ ፡ ኣውስትራልያ ኣህጉራዊ ስርዓት ናብ ንቡር ንምምላስ ክትሕግዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጸዊዑ ። ሓንቲ ኢራናዊት ተጻዋቲት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ፡ በቲ ኣብ ሃገራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ጓሂኣ ብብኽያት ገሊጻቶ።

ዉግእ ኢራን ፈጢርዎ ዘሎ ክብሪ ዋጋ ነዳዲን ስግኣት ቁጠባዊ ቅልውላውን፡ 04.03.2026

ውግእ ኢራን ናብ ዝሰፍሐ ዞባዊ ግጭት ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ካብ ብዙሕ ዓመታት ዘይተራእየ ሰማይ ዓሪጉ ። ዝተናውሐ ኲናት ፡ ሰንሰለት ቀረብ ጸዓት ከይዕንቅፍን ሓደገኛ ሳዕቤን ከይህልዎ ተሰጊኡ ኣሎ ፡ ብፍላይ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝርከብ ቀንዲ መስመራት መጓዓዝያ ብምዕጻዉ እቲ ስግኣት ኣብ መላእ ዓለም ኣንጸላልዩ ይርከብ ። ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ ፡ ጽልዋታት ድሮ ይርአ ኣሎ ፣ በዚ ከኣ ነቲ ዓለምለኻዊ ቊጠባዊ ለውጢን ናህሪ ዋጋን ጽልዋ ክህልዎ እዩ ።.

ኤርትራ ድሕሪ ሓድሽ መግለጺታት ኢትዮጵያ መጠንቀቒ ሂባ። 04.03.2026

ኤርትራ ድሕሪ ሓድሽ መግለጺታት ኢትዮጵያ ኣጠንቂቓ። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ንህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ብምትኹታኽ ኲናት ከሲሱ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ዳግማይ ግጭት ንኸይፍጠር ኹሎም ወገናት ብቕልጡፍ ግጭት ከተሃዳድኡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ፀዊዑ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጻ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ናብ ክሊ ኣየር ሱዳን ምእታወን ገሊጹ።

እስራኤል ኣንጻር ኢራንን ሊባኖስን ትገብሮ መጥቃዕቲ ብዝለዓለ ሓይሊ ከምትቕጽሎ ኣፍሊጣ...(ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 04 መግቢት 2026) 04.03.2026

*** እስራኤል ኣንጻር ኢራንን ሊባኖስን ትገብሮ መጥቃዕቲ ብዝለዓለ ሓይሊ ከምትቕጽሎ ኣፍሊጣ... *** ብሰንኪ ቅልውላው ኢራን ፡ ኣውስትራሊያዊያን ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ኣብ ጉያ ዕድጊ ነዳዲ ከይሽመሙ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም.... *** ጋንታ ደቂ’ንስትዮ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ኣንጻር ማቲልዳ ክትገጥም ኣብ ትዳለወሉ ዘላ፡ ተጻዋቲት ኣውስትራሊያ ንትብዓት ጋንታ ኢራን ሞጒሳ።

ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ (AI) ቀልቢን ዕላማን ዘለዎ፡ ዕላማኡ ንኸይፍጽም ዝዓግቶ ዘበለ ከወግድ ዝኽእል ኣምሳል ሰብ’ዩ።” ኤርሚያስ ዘርኣጽዮን 03.03.2026

ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ (AI) ብዘይካ እቲ ዝህቦ ረብሓ ካብዚ ዘለዎ ዝያዳ እንተ ማዕቢሉ ንዘርኢ ሰብ ክሳብ ምጥፋእ ዝከይድ ብልሒ ወይ ዓቕሚ ከምዝህለዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ርድኢትና ብዛዕባ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ AI ንምስፋሕ፡ ምስቲ ተክኖሎጂ ዝመጹ ዘለዉ ዕድላት ክንጥቀመሎም ክንክእልን ካብቲ ዘሎ ሓደጋታት ብኸመይ ክንከላኸል ከምንኽእልን ምስ ክኢላ ሓበሬታ ተክኖሎጂ (IT) ኤርሚያስ ዘርኣጽዮን ዝገበርናዮ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት።

How public and community housing works in Australia - ናይ ህዝባዊ (public) ን ማሕበረሰባዊ (community) መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 03.03.2026

In Australia, government-subsidised rental housing is available for eligible households. Assessment is based on need under criteria that vary depending on your state or territory. Here’s what to expect when applying for different types of housing assistance, some common myths around social housing and where to reach out for help. - ኣብ ኣውስትራሊያ ብመንግስቲ ዝድጎሙ ናይ ክራይ ገዛ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ስድራቤታት ይዳለው እዩ ። ም...

ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ኣጋር ሰርዊቱ ኣብ ዉግእ ኢራን ከዋፍር ይደናደን፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኢስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መጋቢት 2026) 03.03.2026

** ሃገራት ኣውሮጳ ፍሉይ መደብ ምግታእ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ኣፍሊጠን... ** ኣብ መንጎ እስራኤላን ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህን ድሕሪ ዝጀመረ ግጭት፡ ሎሚ ለይቲ ኣብ በይሩትን ደቡባዊ ሊባኖስን ብእስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 52 ሰባት ተቐቲሎም 154 ቆሲሎም። ** ነቶም ኣብ ዱባይ ተከርዲኖም ዝርከቡ በሻሓት ዝቑጸሩ ገያሾ ንምጉዕዓዝ ገሊኦም መገዲ ኣየር ዉሱን በረራታት ጀሚሮም ኣለዉ ። ...

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.