SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ታሕሳስ 2025) 09.12.2025 5:26
** ኣማኢት ኣሻሓት ትሕቲ 16 ዓመት ዕድመኦም ኣውስትራሊያውያን ካብ ሎሚ ማሕበራዊ መዲያ ከይጥቀሙ ተኣጊዶም። ** ኤርትራ ብምእሳር ጋዜጠኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ትመርሕ ከምዘላ IFJ ኣብ ናይ 2025 ጸብጻቡ ኣቕሪቡ... ** ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንከንቲባ ሎንደን ሳዲቕ ክሃን "ዘይረብሕ" ብምባል ብጸርፊ ኣጥቂዒዎ ።
Your first steps to engaging with Indigenous Australians - ምስ ድቀባት ኣውስ ትራሊያውያን ንፍለማ እዋን ምርኻብ፡ 09.12.2025 6:44
Connecting with Indigenous Australia can be daunting for a newcomer to the country. So, where do you start? We asked Yawuru woman Shannan Dodson, CEO of the Healing Foundation, about simple ways to engage with First Nations issues and people within your local community. - ሓደስቲ ስደተኛ ንፈለማ እዋኣን ምስ ደቀባት ኣውስትራሊያ ተራኺቦም ክዘራረቡ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ስለዚ ካበይ ኢኻ ትጅምር? ን ኣካያዲት ስራሕ the Healing Foundation ጓል ያዉራን...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ታሕሳስ 2025) 09.12.2025 5:17
** ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣውስትራልያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብዛዕባ ጸጥታዊ ጉዳይ ኣብ ዋሽንግተን ዲ-ሲ ተዛትዮም:... ** ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ፡ ኣብ መዋእለ ህጻናትን ኣብ ካልእ ቦታታትን ሱዳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ፡ 63 ህጻናት ዝርከብዎም 114 ሰባት ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ... ** ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሁ ቻንግቹን፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይኣስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ተዘራሪቡ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ታሕሳስ 2025) 08.12.2025 49:24
ን ሎሚ 08 ታሕሳስ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ብርሃን ጃብር እስማዒል ናይ 2025 ናይ ቪክቶሪያ ሕብረ-ባህላዊ ክብሪ (Victorian Multicultural Honour Roll) ተሸላሚ ኮይኑ ካብ ፕሪሜር ናይታ ግዝ ኣት ሽልማቱ ተቐቢሉ። ብርሃን ኣብ ወለንታዊ ስራሕ፡ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን እናተጓዕዘ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ብፍላይ ድማ ኣብ 3CR ናይ ኮሙኒቲ ራድዮ ጋዜጠኛ ኮይኑ ን 25 ዓመታት ብዝገበሮ ወለንታዊ ስራሕን ካልእን ንዝገበሮ ኣበርክቶ እዩ ተሸሊሙ። ነዚ ዝምልከት ምስ ኣቶ ብርሃን ጃብር ዝገበርናዮ ዕላል ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰ...
ብርሃን ጃብር እስማዒል፡ ተሸላሚ ናይ 2025 ናይ ቪክቶሪያ ሕብረ-ባህላዊ ክብሪ (Victorian Multicultural Honour Roll)። 08.12.2025 33:35
ብርሃን ጃብር እስማዒል ናይ 2025 ናይ ቪክቶሪያ ሕብረ-ባህላዊ ክብሪ (Victorian Multicultural Honour Roll) ተሸላሚ ኮይኑ ካብ ፕሪሜር ግዝኣት ቪክቶሪያ ሽልማቱ ተቐቢሉ። ብርሃን ኣብ ወለንታዊ ስራሕ፡ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን እናተጓዕዘ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ብፍላይ ድማ ኣብ 3CR ናይ ኮሙኒቲ ራድዮ ጋዜጠኛ ኮይኑ ን 25 ዓመታት ብዝገበሮ ወለንታዊ ስራሕን ካልእን ንዝገበሮ ኣበርክቶ እዩ ተሸሊሙ። ነዚ ዝምልከት ምስ ኣቶ ብርሃን ጃብር ዝገበርናዮ ሰፊሕ ዕላል ኣብዚ ቀሪብናዮ ኣለና።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ትኣሕሳስ 2025) 08.12.2025 11:36
ኣርእስታት ዜና፥ ቀ/ሚ ኣንቶኒ ኣልባነስ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣውስትራልያ ካብ ረቡዕ ኣትሒዙ ክግበር ተወሲኑ ዘሎ ናይ ዕድመ እገዳ: ድሮ ዕዉት እዩ ክብል ገሊጹ። ኣብ ጋዛ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ካብዝተግበር ኣስታት ክልተ ወርሒ ጸኒሑ ፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ንዚቝጸሩ ፍልስጤማውያን መሰረታዊ ቀረባት ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ፡ ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ገሊጾም ። ኣትሌት ፍጹም ዜናስላሴ፡ ኣብ ዉድድራት ኣህጉራዊ ማራቶን ካሊፎርንያ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ዉድድሩ ዛዚሙ።
ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን ሓድሽ ግጭታት ንምክልኻል ትኹረት ክትገብር ምዃና ምምሕዳር ትራምፕ ኣነጺሩ። 07.12.2025 7:18
ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን “ሓድሽ ግጭታት ንምክልኻል” ትኹረት ክትገብር ምዃና ምምሕዳር ትራምፕ ኣነጺሩ። ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ዘተባብዕ ዝበሎ ሓድሽ ስትራተጂ ዘርጊሑ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማይ፣ ኢነርጂን ምግብ ዘድሃበ ዘተ ከም ዘካየደ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣብ ርብዒ ዓመት ንጎረባብቲ ሃገራት ብዘቕረበቶ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 46 ነጥቢ8 ሚሊየን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ።
The worries of young Australians in 2025 - ኣብ 2025 ንንኣሽቱ ኣውስትራልያውያን ዘሻቐልዎም እንታይ ኔሮም፧ 07.12.2025 9:28
Teenagers are more concerned than ever about the cost of living, according the annual Mission Australia Youth Survey of more than 17,000 young people. Financial worries have jumped significantly in survey results in recent years, with climate change falling as an issue of concern, and mental health still having a large impact. - መንእሰያት ካብ ኩሉ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ብዛዕባ ክብሪ ናብራ ይሻቐሉ ክብል ርእይቶ ልዕሊ 17ሽሕ መንእሰያት ዝ...
MiniPod: To shout | Words we use - MiniPod: To shout | Words we use (ምልምማድ ፍሉያት ኣበሃህላታት ቋንቋ እንግሊዝ) 04.12.2025 2:43
Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'to shout'. - ሓድሽ ሓረግ ወይ ኣገላልጻ ተመሃሩ'ሞ ቋንቋ እንግሊዝኩም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'to shout' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ ክልተ-ቋንቋዊ ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ታሕሳስ 2025) 04.12.2025 10:04
ኣርእስታት ዜና፥ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ እቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዘጋጠመ ልዕሊ 1,400 ሰባት ቀቲሉ ዘሎ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ብወዝቢ ዝተኸስተ ዘይኰነስ ፡ መጠንቀቕታ ለውጢ ክሊማ ምዃኑ ኣጠንቂቖም ። ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ፡ ንዩክረይን ብሓደስቲ 95 ሚልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ወተሃደራዊ ንዋት ክሕግዛ እየን ፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ኣብ ዋንጫ ኤሽያ ኣብዝግበር ዉድድራ ብኮኾብ ተጻዋቲት ሳም ኬር ብርታዐ ሰኒቓ ከምትቐርብ ተገሊጹ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (4 ታሕሳስ 2025) 04.12.2025 54:25
ንሎሚ ሓሙስ 04 ታሕሳስ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልዕሊ መጠን ክብሪ ዋጋታት ኣባይቲ ፡ ነቲ ሰለስተ ሳዕ ዝተገብረ ምጉዳል መጠን ወለድ ንሓደስቲ ዓደግቲ ከርብሖም ከምዘይከኣለ ሓድሽ ሓበሬታ ገሊጹ ። ኣብ ኩለን ርእሰ-ከተማታት ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ይውስኽ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ዝያዳ ኣውስትራሊያዊያን ብሓንሳብ እኩብ ስድራቤታት ክምስርቱ ወይ ናብ ስድራቤቶም ክምለሱ ይገብር ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ሓጺር ጸብጻብ ኣለና። ምስ ስነ ጥበበኛ ቶፊቕ ቁስመላህ ዝገበርናዮ ዕላል’ውን ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ናብ ትግራይ ካብ ፌደራል ናይ ክልተ ኣዋርሕ ዝመፅአ ባጀት ከም...
ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ሱዳን ኣብ ናይ ኣሜሪካ ጥቡቕ ምፅራይ ግሪን ካርድ ተኻቲተን። 03.12.2025 7:51
ናብ ትግራይ ካብ ፌደራል ናይ ክልተ ኣዋርሕ ዝመፅአ ባጀት ከምዘየለ፡ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ "ዝርርብ ኣይክህሉን " ንዝብል ቅዋም ግብፂ መሰረት ዘይብሉ ውንጀላ ኢላቶ። ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ሱዳን ኣብ ናይ ኣሜሪካ ጥቡቕ ምፅራይ ግሪን ካርድ ተኻቲተን። ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኤርትራ ወፍሪ ቍጽጽር ሳገምቲ ኣዕዋፍ ኴላ-ኴላ ኣካዪዱ።
ዋጋታት መንበሪ ኣባይቲ ሰማይ ይዓርግ፡ ኣብ ከም በዓል ብርዝቤን ዝበላ ከተማታት ገምጋም ዋና ገዛ ሓደ ሚልዮን ዶላር በጺሑ 03.12.2025 8:27
ልዕሊ መጠን ክብሪ ዋጋታት ኣባይቲ ፡ ነቲ ሰለስተ ሳዕ ዝተገብረ ምጉዳል መጠን ወለድ ንሓደስቲ ዓደግቲ ከርብሖም ከምዘይከኣለ ሓድሽ ሓበሬታ ገሊጹ ። ኣብ ኩለን ርእሰ-ከተማታት ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ይውስኽ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ዝያዳ ኣውስትራሊያዊያን ብሓንሳብ እኩብ ስድራቤታት ክምስርቱ ወይ ናብ ስድራቤቶም ክምለሱ ይገብር ኣሎ ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋታት ኣባይቲ፡ ኣብ 2026 መጠን ወለድ ክውስኽ ከም ዝኽእልል ክኢላታት ስነ ቝጠባ ኺንበዩ ገይርዎም ኣሎ ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ታሕሳስ 2025) 02.12.2025 4:57
** ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤሽያ ዝተኸስተ ህቦቡላዊ ዝናብ ቆጽሪ ዝሞቱ ሰባት 1,300 በጺሑ... ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14] ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቨነዝዌላን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኸይውሰድ እናተሰግአ ይኸይድ ብምህላዉ ፡ ዝርርብ ክግበር ጻውኢት ኣቕሪቦም ... ** ቊጠባዊ ዕብየት ኣውስትራልያ ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዝተራእየ ንላዕሊ ብቕልጡፍ ናህሪ ኺስጕም ምዃኑ ተገሊጹ።
ዕላል ስነ ጽሑፍ ምስ ስነ ጥበበኛ ቶፊቕ ቑስሙላህ። 02.12.2025 17:49
ነባሪ ኣውስትራሊያ ቶፊቕ ቑስሙላህ፡ ብቋንቋ ዓረብ ግጥምታት ዝጽሕፍ ሓንቲ መጽሓፍ'ውን ብቋንቋ እንግሊዝ ጽሒፉ ኣሕቲሙ ኣሎ። ብትግርኛ ዝጸሓፎ ሓጸርቲ ዛንታታት'ውን ኣለዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓትን ብፍላይ ድማ ኣገባብን ስርዓትን ተኸቲሎም ዝጸሓፉ ናይ ትግርኛ ጽሑፋት ምስትምቓሩ ኣካፊሉ ኣሎ።
A parent’s guide to help teens adjust to social media age restrictions - ቆልዑ ማሕበራዊ መዲያ ከይጥቀሙ ዝእግድ ሕጊ ንምትግባር ወለዲ ንደቖም ብኸመይ ይሕግዝዎም፡ 02.12.2025 8:12
Australia is restricting access to social media accounts for under-16s, and many families are wondering what it means in practice. While the rules place responsibility on tech platforms rather than young people or their parents, the changes may still create stress for teens who rely on social media to stay connected. Find out how the ban will work, why connection still matters, and how experts sug...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ታሕሳስ 2025) 01.12.2025 4:57
** ኣብ ሆንግኮንግ ምስ ምብራዕ ህንጻታት ዝተሓሓዝ 13 ጥርጡራት ተታሒዞም... ** መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ትግራይ ሕጽረት ባጀት ከምዘጋጠመ ተገሊጹ... ** ኣብ ኢትዮጵያ ፡ ሓንቲ ብቫይረስ ማርበርግ ተታሒዛ ሓሚማ ዝጸንሐት ጓል 15 ዓመት ፡ ሓውያ ካብ ማእከል ሕክምና ከም እተፋነወት ተፈሊጡ ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ታሕሳስ 2025) 01.12.2025 9:06
ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰልፊ ጥምረት ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ናይ ኢሚግሬሽን ፖሊሲኡ ከፍልጥ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ፡ ንግዝያዊ ቪዛ ንዝሓዙ ሰባት ናይ ክብርታት መርመራ ክግበረሎም ዝብል መደብ ከምዝድግፎ መራሒ ሰልፊ ናሽናልስ ዴቪድ ሊትልፕራውድ ገሊጹ ። ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ፡ ናይ ክልተ መንግስቲ ፍታሕ እቲ እንኮ መፍትሒ ምዃኑ ገሊጾም ። ** ኣብ ጸወታታት ፕሪሜር ሊግ፡ ጋንታ ኣርሰናልን ቸልሲን ገጢመን ሓደ ብሓደ ሸቶ ብማዕረ ተፈላልየን።
መርዓ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልበኔዝ 01.12.2025 3:54
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልበኔዝን ምስ ሕጽይቱ ጆዲ ሃይደንን ኣብ ርእሰ ከተማ እዛ ሃገር ኣብ ዝተገብረ ጽምብል ተመርዕዮም ። እታ ሃገር እቲ መርዓ መዓስ ከም ዝፍጸም ብልክዕ ክትግምት ጸኒሓ እያ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ታሕሳስ 2025) 01.12.2025 48:46
ን ሎሚ ሰኑይ 1 ታሕሳስ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብዚ እዋን ከም ብ ኣማዞን ዝበሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ዝመሃደሩ ንጥፈታት ምብጽጻሕ ኣቑሑ (ደሊቨሪ)፡ ዝኣመሰሉ ኣብ ህዝብና ንነዊሕ ዘመናት ዝስርሓሎም ዝነበሩ ንጥፈታት ኣለዉ። ገዛ ገዛ እናኸዱ ሸቐጣት ዝሸጡ፡ ናይ ምልውዋጥ መስርሕ (ቬላሮባ)፡ እዚ ንነገራት ዳግም ንምምስራሕ ዝተባባዕ ዘሎ ኣብ ህዝብና ልሙዳት ዝኾኑን ምስ ኣከባቢ ዝሳነዩ ተግባራት ነይሮም። ነዞም ብህዝብና ዝካየዱ ዝነበሩ ባህላውያን ንጥፈታት ቁጠባን ኣከባብን ምስ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ ዳህሲስናኣዮም ኣለና። እዞም መሃዝነት ዘለዎም፡ ምስ ኣከባቢ ዘሳንዩ ንጥፈታት ቀጺልናዮምን ሒዝናዮም እንተንጓዓ...
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣትዩ ምስ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ካልኦት ሰበስልጣንን ዘትዩ። (ጸብጻብ) 30.11.2025 9:21
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣትዩ ምስ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ካልኦት ሰበስልጣንን ዘትዩ። ጀነራል ታደሰ ወረደ "ዝተወደበ" ዝበሎ ሓይሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምውዳቕ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። መንግስቲ ፌደራል ምፍርራሕን ቁጠባዊ ገደብን ይገብር ዝብል ነቐፌታ ውን ኣቕሪቡ። ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንሓደ ወገን ኣድልዎ ይገብር ኣሎ ንዝበሉዎ ቦርድ መረፃ ነቒፎም። ን135 ዜግነት ኖርወይ ዝተዋህቦም ኤርትራውያ ክትምርምር ዝጸንሐት ዜግነት ኣሕዲጋ። ካብቶም ዝተሓድጉ እቲ ሓደ ኣቦወንበር መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣውስትራልያ ንትሕቲ 16 ዝዕደመኦም ካብ መድረኻት ሓፋሽ ዝኽልክል ሕጊ ከተተግብር'ያ፣ ኣየኖት'ዮም ተኸልኪሎም ዘለዉ፧ 30.11.2025 8:21
ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ንዝዕድመኦም ህጻናት ካብ ሶሻል መድያ ክትእግዶም'ያ። ድሕነት ኦንላይን (ኢንተርነት) ዝከታተል ኮሚሽነር ኢ-ሴፍቲ ኣውስትራልያ፡ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት (መድረኻት ሓፋሽ) ካብ ዝመጽእ 10 ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሕግታት ገደብ ዕድመ ክኽተላ ዝሕግዝ መምርሒታት ኣቕሪቡ። ኣብ’ዚ ትሕዝቶ ክሳብ ሕጂ ብዛዕብኡ ፈሊጥናዮ ዘለና ነቕርቦ።
MiniPod: Take it easy | Words we use - MiniPod: Take it easy | Words we use (ምልምማድ ፍሉያት ኣበሃህላታት ቋንቋ እንግሊዝ) 27.11.2025 3:21
Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'take it easy'. - ሓድሽ ሓረግ ወይ ኣገላልጻ ተመሃሩ'ሞ ቋንቋ እንግሊዝኩም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'take it easy' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ ክልተ-ቋንቋዊ ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ሕዳር 2025) 27.11.2025 9:42
ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ዘበገሰቶ መደብ ሰላም፡ ብሩስያ ተጻሒፉ ናብ ምምሕዳር ትራምፕ ዝቐረበ ምዃኑ ተፈሊጡ ። ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ነዊሕ ግምብታት ብእተባርዐ ሓያል ባርዕ ፡ እንተ ወሓደ 36 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 200 ሰባት ድማ ከም ዘይተረኽቡን ተገሊጹ ። ኣብ ጊኒ-ቢሳው ወተሃደራዊ ዕልዋ ተገይሩ ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ: ቁጠዐ ንዘስዓበ ግጉይ ካርታ ዘለዎ መግለፂ ኣሜሪካዊ ጀነራል ከጥፍእ ተገዲዱ። (ጸብጻብ) 26.11.2025 7:21
ህወሓት ሕጋውነቱ ከየተመለሰ ኣብ ትግራይ መረፃ ምክያድ ከም ዘይከኣል ኣፍሊጡ። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ: ቁጠዐ ንዘስዓበ ግጉይ ካርታ ዘለዎ መግለፂ ኣሜሪካዊ ጀነራል ከጥፍእ ተገዲዱ። ዓፋር፡ ድሕሪ 12,000 ዓመታት ዝነቶገ እሳተጎመራ ሓመዅሽቱ ኣህጉርን ውቅያኖስን ሰጊሩ።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.