SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Be sure to visit the podcast's website and support the creator: www.sbs.com.au
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
መንግስቲ፡ ንናህሪ ዋጋታት ነዳዲ ንምርግጋእ ላዕሊ ታሕቲ ይብል፥ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (31 መጋቢት 2026) 31.03.2026 5:04
** ኣብ ኲናት ኢራን ንዝወጽእ ዘሎ ቢሎናት ዶላራት ሃገራት ኣዕራብ ክከፍሎ ፕረሲደንት ትራምፕ ከምዝሓትት ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ። ** ዕጡቓት ሖቲ ኣንጻር እስራኤል መጥቃዕቲ ደው እንተዘየቢሎም፡ የመን ናብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ቅልውላው ክትሽመም’ያ ክብል ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ። ** ናብ ኲባ ነዳዲ ንምብጻሕ ዝተበገሰት መርከብ ሩስያ ኣብ ማያት እታ ሃገር ከምዝበጽሐት ተፈሊጡ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (30 መጋቢት 2026) 30.03.2026 50:51
ን ሎሚ ሰኑይ 30 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ቀዳማይ...
“መንግስቲ ኤርትራ ንዝመጽእ ዘሎ ሓደጋ ንምእላይ ምስ ካልእ ዘይኮነ ምስ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ሓቀኛ ጽምዶ ክገብር ዘድልዮ።” ሰመረ ሰሎሞን 30.03.2026 35:40
ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ቀዳማይ ክፋል ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (30 መጋቢት 2026) 30.03.2026 11:58
ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ 'ቲ ዞባ ዝርከባ ናይ ኣመሪካን እስራኤልን ዩኒቨርሲቲታት መጥቃዕቲ ከምትገብር ኣፈራሪሓ ፡ ናይ ሰልፊ ግሪንስ ሰነተር ሳራ ሃንሰን ያንግ መንግስቲ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ 'ዕግርግርን ዘይሓላፍነታዊን' ዝበለቶ ኲናት ስለምንታይ ይድግፎ ከምዘሎ ኣውስትራሊያውያን ይሓቱ ኣለው ፤ ክትብል ከሲሳ። ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ዝርከባ ከተማታት ፡ ሰልፈኛታት ኣብቲ "ኣይፋልን ንነገስታት ወይ "No Kings" " ዝብሃል ሰላማዊ ሰልፊ ሳልሳይ ዙርያ ብብዝሒ ወጺኦም ዊዒሎም ።
Are dogs man's most loyal and long-lasting friend? - ከልቢ ኣዝዩ እሙንን ነዊሕ ዝጸንሐን ዓርኪ ወዲ ሰብ ድዩ፧ 29.03.2026 6:34
They’re often called man’s best friend - but it turns out that friendship goes back even further than we realised. New research shows dogs were already living alongside humans thousands of years before civilisation began. - ከልቢ መብዛሕትኡ ግዜ ብሉጽ ዓርኪ ወዲ ሰብ ተባሂሉ ይጽዋዕ - እንተኾነ ግን እዚ ምሕዝነት ካብ’ቲ ንሓስቦ ግዜ ንላዕሊ ንድሕሪት ተመሊሱ ዝጀመረ ኮይኑ ተረኺቡ’ሎ። ስልጣነ ወዲሰብ ቅድሚ ምጅማሩ ንኣሽሓት ዓመታት ከልቢ ኣብ ጎድኒ ወዲሰብ ድሮ ይነብር ከምዝነበረ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣ...
ኢትዮጵያ ንስደተኛታት መሰረታዊ ኣገልግሎት ክትህብ ከምዘይከኣለት ገሊጻ። (ጸብጻብ) 29.03.2026 9:40
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት 167 ተምሃሮ ኣመሪቑ። በጀት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ካብ ፌደራል ከም ዘይተለቐቐ መንግስቲ ትግራይ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ብርሃን ዓይኒ፡ ንልዕሊ 500 ዜጋታት መጥባሕቲ ሓበላ ተኻዪዱ። ቀዳማይ ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ፡ ፊልምታትን መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቡሉ ተዛዚሙ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣርቲስት ሰራዊት ፍቕሬ ዝርከቦም ፍሉጣት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ኢትዮጵያ ንስደተኛታት መሰረታዊ ኣገልግሎት ክትህብ ከምዘይከኣለት ገሊጻ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (26 መጋቢት 2026) 26.03.2026 9:29
ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ- ነቲ ኣብ ኢራን ዘለዋ ቀንዲ ዕላማታት ክትበጽሖ ከምዝቐረበት ገሊጻ። ናይ ሱዳን ዕጡቓት ሰራዊት ንህጹጽ ደገፍ (RSF) ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ትርከብ ንከተማ ኩርሙክ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘእተዉዋ ኣፍሊጦም ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ንኢስዋቲኒ ብ 2 ን 0 ስዒራ።
ሓደ ሓላፊ ክፍለ-ግዝኣት ሱዳን ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ብምዃን ኣብ ዶብ መጥቃዕቲ ፈጺማ ክብል ከሲሱ። (ጸብጻብ) 25.03.2026 7:43
ብቐዳም ዝጀመረ ቀዳማይ' ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ንክልተ ዓበይቲ ንጥፈታት ቆላሕታ ሂቡ። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መምህራንን ተምሃሮን ምቁራጽ ደመወዝ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፤ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ክግበር ድማ ጸዊዖም። ሕብረት_ኣፍሪቃ ንፕረዚደንት ታንዛንያ ነበር ላዕለዋይ ወኪል ቀርኒ_ኣፍሪቃን ቀይሕ_ባሕርን ገይሩ ሸይሙ። ኪዳን ሓሙሽተ ተቃወምቲ ሰልፍታት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ኢትዮጵያ ከቢድ ናይ ጸጥታ ጸገም" ከምዘሎን "ንመረጻ ኣዝዩ ኣጸጋሚ" ከምዝኾነን ገሊጹ። ሱዳናዊ ዕጡቓት ወሃቢ ቅልጡፍ ደገፍ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ እትርከብ ኩርሙክ ከም ዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ። ሓደ ሓላፊ ክፍለ-ግዝኣት ሱዳን ብወገኑ ኢትዮጵያ ምስ ሰራ...
"ኢራን ክቡር ህያብ ሂባትኒ ኣላ።" ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓጸርርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (25 መጋቢት 2026) 25.03.2026 4:42
** ኢራን ክቡር ህያብ ሂባትኒ ኣላ ክብል ዶናልድ ትራምፕ ተዛሪቡ። ** ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ዘሎ ውግእ ዘሕደሮ ጽልዋ ምላሽ ንምሃብ ፡ ፊሊፒንስ ሃገራዊ ህጹጽ ኩነታት ጸዓት ኣዊጃ። ** ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓነት መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ሜክሲኮ ናብ ኩባ ኣምሪሓ ።
"ብምኽንያት ዕረፍቲ ወ/ሮ ወርቅነሽ ህዝቢ ኣብ ሓዘንን ምጽንናዕን ዘርእዮ ዘሎ ምትሕብባር፡ ሓድሽ ምዕራፍ ሓድነት ዘመልክት እዩ።" ኣቶ ፍቕር ረታ (ራያ) 24.03.2026 17:48
ማሕበረሰብ መልበርን ብምኽንያት ዕረፍቲ ወ/ሮ ወርቅነሽ ጥላሁን ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከብ። ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብ ዝኾነ ኣቶ ፍቕረ ረታ (ራያ) ፡ ኣብ ከተማ መልበርን ዝርከብ ኣባል ኩሉ ማሕበረሰብባት ኣብ ምብጻሕ ሓዘን፡ ኣብ ምጽንናዕ ብዘይ ኣፈላላይ ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ሞጒሱ። እዚ ምትሕብባርን ምድንጋጽን ካብ ዝሓለፈ እዋን ብዝያዳ ሓይሉ ከምዝተራእየን ምስክሩ ገሊጹ ኣሎ። ወ/ሮ ወርቅነሽ ጥላሁን ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ት ኣቱ ክልተ ዓመት'ኳ እንተገበረት ብዝሓደራ ሕማም ካንሰር ኣብ ን ኡስ ዕድሚኣ ክልተ ቖልዑ (ማንታ) ገዲፋ ዓሪፋ። ስነ ስርዓት ቀብራ ድማ ኣብ ወረቢ ንዕለት 28 መጋቢት 2026 ክፍጸም እዩ።
How to buy Indigenous art and craft ethically in Australia - ስነ ምግባር ዘለዎ ኣገባብ ምዕዳግ ስርሓት ስነ ጥበብ ደቀባት፡ 24.03.2026 7:07
Buying Aboriginal and Torres Strait Islander art can be meaningful, but how do you know if it's real and ethical? Fake art is still a problem in Australia, and protections are still developing. This guide helps you understand what to look for, what questions to ask, and where to buy safely. By choosing carefully, you can support First Nations artists and their communities. - ስነ-ጥበብ ኣቦርጂናውያንን ቶረስ ስ...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (24 መጋቢት 2026) 24.03.2026 4:30
**ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከም ዝዝጀመረ ይገልጽ፡ እስራኤል ግና ኣብ ልዕሊ ኢራንን ሊባኖስን መጥቅዕታ ከምትቕጽል ተፍልጥ። ** ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮጳን ኣውስትራሊያን ስምምዕ ነጻ ንግዲ ይኽተም... ** ምምዝጋብ ካብዝጅመረሉ ኣትሒዙ ካብ 2015-2025 ኣብ ዝነበረ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ፡እቲ ዝወዓየ ኩነታት ኣየር ከምዝነበረ ተፈሊጡ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (23 መጋቢት 2026) 23.03.2026 45:01
ን ሎሚ ሰኑይ 23 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ነታ ኣብ ምበል 66 ዓመት ዕድሚኣ ዝሞተት ወኪል ዓበይቲ ዓዲ ኣብ SBS ሰበይቲ ዊድጃቡል ዊያ ባል ሮዳ ሮበርትስ ክብርን ዝኽርን ይወሃብ ኣሎ ። በቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ዓይነት መንሽሮ ማህጸን ምስ ሓዛ ድሕሪ ሓጺር ቃልሲ ፡ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ [21 መጋቢት] ኣብ ሃገራ ፡ ስድራ ቤታ ኣብ እተኸብበትሉ ዓሪፋ ። ።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ብዛዕባ ረመዳን፡ ኣብ ልዕሊ ምስልምና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽል ኢ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጽልዋ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስ...
"ንመጻብቦ ኩርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ክዓጽዎ'የ።" ኢራን፡ ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (23 መጋቢት 2026) 23.03.2026 9:01
ኣርእስታት ዜና፥ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ኣውስትራሊያ [ANIC] ብ ኣባል ሰልፊ ዋን ኔሽን ዝኾነ ኣባል ፓርላማ-በርናቢ ጆይስ ንዝሃቦ ርእይቶታት ኮኒኑዎ። እቲ ብእስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጥቃዕቲ ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ባይታ ወራር ከም ዝፍጸም ዝሕብር ምዃኑ ፕረዚደንት ሊባኖስ ዝነበረ ጆሴፍ ኣውን ገሊጹ ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሳውዝ ኣውስትራሊያ ዝተካየደ ምርጫ ሰልፊ ዋን ኔሽን እንተ ወሓደ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ሓደ መንበር ክዕወት ትጽቢት ይግበረሉ:
ህወሓት መናእሰይ መስርዕ ክመልኡ፣ ክዕለሙን ክዕጠቑን ፀዊዑ። (ጸብጻብ) 23.03.2026 6:38
ኣብ ሱዳን ርክብ ትግራይን ኤርትራን ዘጎልብት ዩ ዝተብሃለ መድረኽ ተኻይዱ ። ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፡ ትግራይ ናብ ኩናት ክመልሳ ዘገድድ ጉዳይ " ተመዛበልትን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ዘይምምላሶም ዩ” ክብል ገሊጹ። ህወሓት መናእሰይ መስርዕ ክመልኡ፣ ክዕለሙን ክዕጠቑን ፀዊዑ። ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ብወግዒ ተኸፊቱ። ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ተጻባኢ ኣጀንዳ ናይ ወጻኢ ኣእዳው ዘለዎ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ናይ 6 ከተማታት ሰበስልጣን ብዕጡቓት ተቐቲሎም።
ስንብታ: ተቓላሲት ባህሊ ደቀባት ኣውስትራሊያ ሮዳ ሮበርትስ 22.03.2026 8:51
ነታ ኣብ ምበል 66 ዓመት ዕድሚኣ ዝሞተት ወኪል ዓበይቲ ዓዲ ኣብ SBS ሰበይቲ ዊድጃቡል ዊያ ባል ሮዳ ሮበርትስ ክብርን ዝኽርን ይወሃብ ኣሎ ። በቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ዓይነት መንሽሮ ማህጸን ምስ ሓዛ ድሕሪ ሓጺር ቃልሲ ፡ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ [21 መጋቢት] ኣብ ሃገራ ፡ ስድራ ቤታ ኣብ እተኸብበትሉ ዓሪፋ ። እታ ህብብቲ ጸሓፊት ፡ ተዋሳኢትን ዳይረክተርን ኣብ 2016 ስነጥበብን ዓቢ ጽልዋን ኣብ መድረኽን ስክሪን ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ተሸላሚት ኦርደር ኦፍ ኣውስትራሊያ እያ። ስድራ ሮዳ ሮበርት ፡ ኤስቢኤስ ስእልን ድምጽን ክዝርግሕ ፡ ህይወታ ከኽብሩን ከዝክሩን ፡ ከምኡ 'ውን ነቲ ነባሪ ዝገደፈቶ ሓድጊ ህይወታ ክዝርዘር ፍቓድ...
UN warn of growing landmine contamination as countries abandon treaty - ሃገራት ካብ ውዕላት ኣብ ዝሃድማሉ እዋን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እናዓበየ ዝኸደ ብከላ ነተጒቲ የጠንቅቕ 22.03.2026 4:27
The heads of the UN land mine action program for Ethiopia and Sudan have called for more funding and awareness over the munitions, which kill and maim a disproportionate number of children. They are launching the International Campaign to Ban Landmines, hosted by the United Nations Institute for Disarmament Research. - ሓለፍቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት መደብ ስጉምቲ ምጽራግ ነተጒቲ ንኢትዮጵያን ሱዳንን ዝያዳ ገንዘብ ክምደብን ኣፍልጦ ብዛዕባ ነተጒ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 መጋቢት 2026) 19.03.2026 49:52
ን ሎሚ ሓሙስ 19 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ መጠን ወለድ ብ25 ሚእታዊ ብምውሳኽ ናብ 4.1 ሚእታዊት ክብ ኣቢልዎ ኣሎ ። እዚ ብተኸታታሊ ንካልኣይ ግዜ እዩ ምጠን ወለድ ዝውስኽ ዘሎ፣ ኣብ ዝቕጽል'ውን ክውስኽ ትጽቢት ይግበር። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ናይ ሎሚ ዓመት ረመዳን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓያል ዉግእ ኣብ ዝካየደሉን ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ጽልኣት ምስልምና ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ከምዝዓቢ ሓድሽ ሓበሬታ ዝወጻሉን እዩ ዝጽወም ዘሎ። እዚ ኩነታት ን ኣመንቲ ብኸመይ ጸልይዎም፧ ኣብ ዝተፋለልዩ ሃገራት ማእከላይ ምብራ...
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (19 መጋቢት 2026) 19.03.2026 9:12
ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ነቲ ኣብ ጥቓ ኣህሳህሉያ ዝርከብ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መኸዘኒ ጋዝ ኣጥቂዓ። ናይ ሳውዝ ኣውስትራልያ ፕሪመር፡ ፒተር ማሊናውስካስን መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ኣሽተን ሃርንን ቅድሚ እቲ ኣብ ቀዳም ዝግበር ምርጫ ፡ ናይ መወዳእታ ክትዕ ኣካይዶም ። እስራኤል ካልእ ላዕለዋይ ኢራናዊ በዓል ስልጣን ከምዝቐተለት ገሊጻ ፣ንሱ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ዝቕተል ዘሎ ሳልሳይ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኢራን'ዩ ።
#106 Mmm or Hmm? Trying new and unusual food - #106 ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS ; ምጥዓም ሓድሽን ዘይልሙድን ዓይነት መግቢ፡ Mmm or Hmm? Trying new and unusual food 18.03.2026 8:32
Learn useful English for talking about unusual or strong flavours. Practise everyday phrases for reacting to new foods, sharing opinions, and encouraging someone to try something new. - ብዛዕባ ዘይልሙድን ፍሉይ ጣዕሚ ዘለዎ መግቢ ብእንግሊዝኛ ብኸመይ ከምዝግለጽ ጠቓሚ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ። Learn useful English for talking about unusual or strong flavours. Practise everyday phrases for reacting to new foods, sharing opinions, and en...
ኣብ መቐለ ካልእ ጋዜጠኛ ቴለቪዥን ትግራይ ተኣሲሩ። ኣቐዲሙ ዝተኣስረ ሸዊት ገብረእግዚኣብሄር ድማ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ። (ጸብጻብ) 18.03.2026 9:43
ልኡኽ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ዘትዩ። ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ፡ ይወሃብ ኣሎ። ኣብ መቐለ ካልእ ጋዜጠኛ ቴለቪዥን ትግራይ ተኣሲሩ። ኣቐዲሙ ዝተኣስረ ሸዊት ገብረእግዚኣብሄር ድማ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ። ተሓላቒ ትካል ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ ኣብ ትግራይ "ሰባት ዓፊንካ ምጥፋእ"ን "ካብ ፍርዲ ወፃኢ ምእሳርን" ይጋደድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያን ኢጣልያን ኣብ ትሕቲ ማዕቀፍ G20 ክልተኣዊ ስምምዕ ዳግመ ውደባ ዕዳ ፈሪመን።መራሕቲ ኢትዮጵያን ኢማራት ዓረብን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘትዮም። ካብተን 31 ንግዳዊ ባንክታት ኢትዮጵያ፡ እተን 25 ብምንኣስ ዓቕሚ ክወሃዳ ከም ዝ...
ኣብ ኣውስትራሊያ ወሲኹ ዘሎ መጠን ወለድ፡ ብስንኪ ዉግእ ኢራን ዶ ብኻልእ ምኽንያት፧ 18.03.2026 7:05
ማእከላኣይ ባንክ መጠን ወለድ ብ25 ሚእታዊ ብምውሳኽ ናብ 4.1 ሚእታዊት ክብ ኣቢልዎ ኣሎ ። እዚ ብተኸታታሊ ንካልኣይ እዩ ምጠን ወለድ ዝውስኽ ዘሎ፣ ኣ ዝቕጽል'ውን ክውስኽ ትጽቢት ይግበር።
እስራኤል፡ ንሓደ ላዕለዋይ ኢራናዊ በዓል-ስልጣን ጸጥታን ንኣማኻሪ ኑክልየሳዊ ስትራተጂን ዓሊ ላሪጃኒ ከም ዝቐተለት ገሊጻ። (ሓጸርቲ ዜናታ SBS ትግርኛ 18 /03/026) 17.03.2026 5:28
** እስራኤል ፡ ንሓደ ላዕለዋይ ኢራናዊ በዓል-ስልጣን ጸጥታን ኣማኻሪ ኑክልየሳዊ ስትራተጂን ዝነበረ ዓሊ ላሪጃኒ ፡ ከም ዝቐተለት ገሊጻ ። ** ናይ ኣውስትራሊያ ዓበይቲ ኣርባዕተ ባንክታት ምስቲ ናይ ትማሊ መጠን ገንዘብ ምውሳኽ ብዝተኣሳሰረ ናይ ገዛ መጠን ወለድ ልቓሕ ብ25 ሚኢታዊ ከምዝውስኹ ኣፍሊጦም ኣለው ። ** ኣብ ኩባ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ፡ ንህዝቢ ኩባ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ጸበባ ኣእትይዎም ከም ዘሎ ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጕዳያት ገሊጹ ።
Have you considered a career in translating and interpreting? - ሞያ ስራሕ ምትርጓምን ምስትርጓምን፡ 17.03.2026 9:33
Have you ever considered using your bilingual skills to assist others? A career in translating and interpreting might be for you. In Australia you can train for a TAFE certificate all the way to Master’s degree prior to getting certified. In this episode we help you navigate the pathway to becoming a qualified practitioner. - ነቲ ዘለካ ናይ ብዙሕ ቋንቋታት ክእለትኩም ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክትጥቀምሉ ሓሲብኩምሉ'ዶ ትፈልጡ ? እቲ ናይ ምትርጓ...
"ዉሑዳት ፖለቲከኛታት'ዮም ንጸቢብ ረብሓ ጸረ ምስልምና ዘለዓዕሉ ዘለዉ ብዙሓት ግና ነዚ ዝጻረርዎ ኣለዉ።" ጋዜጠኛ ብርሃን ጃብር 16.03.2026 25:09
ናይ ሎሚ ዓመት ረመዳን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓያል ዉግእ ኣብ ዝካየደሉን ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ጽልኣት ምስልምና ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ከምዝዓቢ ሓድሽ ሓበሬታ ዝወጻሉን እዩ ዝጽወም ዘሎ። እዚ ኩነታት ን ኣመንቲ ብኸመይ ጸልይዎም፧ ኣብ ዝተፋለልዩ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ተዓጊቶም ዝለዉ ኣዝማድ ቤተ ሰብን ምስዚ ዛዕባ ዝተሓሓዝ ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን ጃብር ዝተገብረ ጻኒሒት።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.