SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ህይወት ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ዝገብሩዎ ዘለዉ ሓገዝ ንኢዱ፣ (ጸብጻባት ልኡኽና) 25.12.2025 6:58
ጸብጻባት ልኡኽና (25 ታሕሳስ 2025) * ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ህይወት ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ዝገብሩዎ ዘለዉ ሓገዝ ንኢዱ፣ * ባጤራ ኢትዮጵያ ዝኾነ ብር ኣብ'ዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት 2025 ጥራሕ ምስ ዶላር ኣሜሪካ ካብ ዝነበሮ ዋጋ ብ15 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ተሓቢሩ፣ * ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሽልማት ኔልሰን ማንዴላ ተቐቢሉ፣ * ሓድሕዳዊ ኲናት ሱዳን ናብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ከይልሕም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስግኣቱ ገሊጹ፣
US, Venezuela edge closer to serious confrontation - ኣሜሪካን ቨነዝወላን ናብ ከቢድ ምትፍናን ገጸን ይቐርባ 23.12.2025 8:04
The United States and Venezuela are edging closer to a serious diplomatic confrontation, after the US seized two oil tankers linked to the Venezuelan government in international waters, with a third now under pursuit. Venezuela accuses the US of piracy and an illegal naval blockade, as pressure mounts on the country's already sanctioned oil industry, with both Iran and China stating matters could...
Year-End feature; Australian Politics 2025 - ገምጋም ዓመተ 2025: ፖለቲካ ኣውስትራልያ 22.12.2025 15:13
In this year-end feature, we look back at major events including the Australian Federal Election, Australia’s bid to host COP30, the tariff imposed on Australia by Donald Trump, the Pacific Nations Conference, the introduction of social media bans for children under 16, and many more significant developments. - ንፖለቲካ ኣውስትራልያ ኣብ 2025 ክንምልከት’ንከለና እቲ ዓመት ክትግምቶም ትኽእል ፖሊሲታት ግን ከኣ ዘሰንብዱ ውጽኢታት ዝነበርዎ ኔሩ።...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2025) 22.12.2025 5:28
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሰሉስ 23 ታሕሳስ 2025) * መንግስቲ ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ ተቓውሞታት ካብ ደገፍቲ ፍልስጤማውያን ብዘየገድስ ሰልፍታትን ምረሻታትን ንምድራት ዝዓለሙ ተረርቲ ሕግታት ምውጻእ ይደፍኣሉ፣ * መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ነቶም ኣብ ፓሲፊክ ዘለዉ ሓዊስካ፣ ጥቓ 30 ዝኾኑ ዝለዓሉ ሞያዊ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ወጻኢ ሃገራት ጸዊዑ፣ * ሓደ ሩስያዊ ጀነራል ኣብ ደቡባዊ ከተማ ሞስኮ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ቦምብ ተቐቲሉ፣
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2025) 22.12.2025 54:59
ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (22/12/2025) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ጸብጻብ ልኡኽና :- ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓስከር ተመዛበልቲ 50 ሰባት ምማቶም ከምዝተገልጸ፣ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሖ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ምምይያጡ፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዘን ዘለዋ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ክፍትሓ ጻውዒት ምቕራቡ፣ ስዊድን ደሃይ ኤርትራዊ እሱር ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ምርግጋጻን፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ኩነታት ኣየር ብምጥቃስ ገለ በረራታት ውሽጢ ሃገር ደው ምባሉን ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም። * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ፣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ቦንዳይ ቢች ዝተፈጸመ ና...
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (22 ታሕሳስ 2025) 22.12.2025 9:16
ኣርእስታት ዜና (22 ታሕሳስ 2025) * ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ስነስርዓት ዝክርን ምውላዕ ሽምዓን ንግዳያት ሽበራዊ ቅትለት ቦንዳይ ቪች ተካይዶም * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ንብቕዓት ፈደራል ኣኽበርቲ ሕጊን ትካላት ስለያን ኣብ ጸጥታን ድሕነትን ኣውስትራልያ መርመራ ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ * ፖሊስ ግዝኣት ቪክቶርያ ንግጥም ክሪኬት ጽባሕ መዓልቲ ልደት (Boxing Day Cricket) ተወሰኽቲ ኣባላት ሓለዋ ከዋፍር'ዩ * ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ሓደ ባር ብዘጋጠመ ጃምላዊ ተኹሲ ትሽዓተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ዓሰርተ ቆሲሎም
ኣብ መልበርን፣ ኣውስትራልያ፣ መፋነዊን ዝኽርን በሃር ስነጥበባዊ በረኸት መንግስተኣብ ተኻይዱ 22.12.2025 22:42
ዝኽሪ በሃር ስነ-ጥበበኛ በረኸት መንግስተኣብ፡ ሰንበት 14 ታሕሳስ 2025 ኣብ ሜልበርን፡ ኣውስትራልያ ተኻይዱ ። እዚ ዝኽሪ ብ ማሕበረ ኮም ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ (ECA) ከምኡ'ውን ብኣውስትራሊያዊያን ኤርትራውያን ባህላዊ ፎረም ዝተወደበ እዩ ። ፍሉጣት ስነ-ጥበባውያን እንተላይ ዓብደላ ኣቡበከር፡ ደሃብ ፈይድ ቲንጋ፡ ሳልሕ ጆሃርን ፍሉጣት ኣባላት ማሕበረሰብን ብዛዕባ ስነ-ጥበባዊ በረኸት መንግስተኣብ ተዘክሮታቶም ኣካፊሎም። ኣብዚ ትሕዝቶ ብመስርዖ ድምጾም ዝስማዕ: ሳራ ዓሊ-በኺት (ኣደወንበር ECA)፣ ሰሚር ኢማም (ምክትል ኣቦወንበር ECA)፣ ገዲም ሙዚቀኛ ዓብደላ ኣቡበከር፣ ስነጥበባዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ፣ ስነጥበባዊ...
ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓስከር ተመዛበልቲ 50 ሰባት ምማቶም ተገሊጹ፣ ስዊድን ደሃይ እሱር ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ኣረጋጊጻ፣ 22.12.2025 9:46
ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓስከር ተመዛበልቲ 50 ሰባት ምማቶም ከምዝተገልጸ፣ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሖ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ምምይያጡ፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዘን ዘለዋ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ክፍትሓ ጻውዒት ምቕራቡ፣ ስዊድን ደሃይ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ እሱር ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ምርግጋጻን፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ኩነታት ኣየር ብምጥቃስ ገለ በረራታት ውሽጢ ሃገር ደው ምባሉን ንሎሚ (22 ታሕሳስ 2025) ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም።
Gun buyback scheme to be established; Sunday will be a national day of reflection - ኣብ ኣውስትራልያ መደብ ምምላስ ብረት (ሽጉጥ) ክጅመር`ዩ፣ ሰንበት ሃገራዊ መዓልቲ ኣስተንትኖ ኮይኑ 21.12.2025 8:09
Prime Minister Anthony Albanese says his government will establish a new national gun buyback scheme, following the terror attack at Bondi Beach last Sunday. And this Sunday will see a nationwide day of reflection to remember the victims of the shooting. - ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ፣ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ገምገም ባሕሪ ቦንዳይ ቢች ዝተፈጸመ ናይ ሽብር ወይ ራዕዲ መጥቃዕቲ ተኸቲሉ፣ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ሓደ ሓድሽ ሃገራዊ መደብ መሊስካ ምግዛእ ብረት ከቕውም`ዩ ይብል። ዝሓ...
MiniPod: To be stuffed | Words we use - MiniPod: To be stuffed | Words we use (ምልምማድ ፍሉያት ኣበሃህላታት ቋንቋ እንግሊዝ) 18.12.2025 2:39
Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'to be stuffed'. - ሓድሽ ሓረግ ወይ ኣገላልጻ ተመሃሩ'ሞ ቋንቋ እንግሊዝኩም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'to be stuffed' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ ክልተ-ቋንቋዊ ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ታሕሳስ 2025) 18.12.2025 54:20
** ዜናታት ኣውስትራልያን ዓለምን ** ጸብጻባት ልኡኽና:- ፕረሲደንት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንልዝብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ፣ ሚንስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ብወገኑ ተኣጊዱ ዝጸንሐ ባንክ ሕሳብ ትእምት ክንቀሳቐስ ከም ዝፈቐደ ኣፍሊጡ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ዝተኣሰሩ 10,000 ሰባት ክፍትሑ ጸዊዑ፣ ኢትዮጵያን ህንድን ሓዱሽ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ከቲመን፣ ኢትዮጵያ ኣብ 2026 ተወሳኺ ቅልውላው ከጋጥመን ካብ ዝተገመተለን ናይ ዓለም ሃገራት ኣብ 4ይ ደረጃ ተሰሪዓ: ** መራሕቲ ኣመሪካን ኤውሮጳን ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ቅድሚ በዓል ልደት ንምውሓስ ተስፋ ብምግባር ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ታሕሳስ 2025) 18.12.2025 9:29
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ታሕሳስ 2025) * እቲ ብህይወት ተሪፉ ዘሎ ጥርጡር ኣብ`ቲ ናይ ሰንበት ጃምላዊ ምትኳስ ኣብ ቦንዳይ ቢች፣ 15 ተግባራት ቅትለት ሰብን ሓደ ተግባር ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ዝርከብዎም፣ ብ59 ገበናት ተኸሲሱ: * ዝነኣሰት ግዳይ ናይ'ቲ ቅትለት ጓል 10 ዓመት ማቲልዳ ሎሚ ሓሙስ ሓመድ ድበኣ ክፍጸም'ዩ: * ብርቱዕ ዝናብ መዓስከራት ንዝተመዛበሉ ሰባትን ኣብ ግዜ ኲናት ድሮ ብእስራኤል ዝዓነዉ ህንጻታትን ኣብ ዘዕለቕለቕሉ: ኩነታት ኣብ ቓዛ ምንቁልቋሎም ይቕጽሉ'ለዉ * ፕረዚደንት ዩክሬን ሃገሩ ካብ ሩስያ ኣብ እትከላኸለሉ ዘላ እዋን፡ መሻርኽቲ ሃገራት ክድግፉዋ ጸዊዑ።
ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ዝተኣሰሩ ሰባት ይፈትሑ (UN)፣ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ንልዝብ ናብ አዲስ አበባ አምሪሑ፣ 18.12.2025 7:15
ናይ ሎሚ (18/12/2025) ጸብጻባት ዜና * ፕረሲደንት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንልዝብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ፣ * ሚንስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ብወገኑ ተኣጊዱ ዝጸንሐ ባንክ ሕሳብ ትእምት ክንቀሳቐስ ከም ዝፈቐደ ኣፍሊጡ፣ * ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ዝተኣሰሩ 10,000 ሰባት ክፍትሑ ጸዊዑ፣ * ኢትዮጵያን ህንድን ሓዱሽ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ከቲመን፣ * ኢትዮጵያ ኣብ 2026 ተወሳኺ ቅልውላው ከጋጥመን ካብ ዝተገመተለን ናይ ዓለም ሃገራት ኣብ 4ይ ደረጃ ተሰሪዓ:
Ukraine peace talks pick up momentum after high-level Berlin meeting - ኣብ በርሊንግ ድሕሪ ዝተኻየዱ ርክባት: ዝርርባት ሰላም ዩክረይን ናህሪ ወሲኾም 17.12.2025 7:48
High-level diplomatic talks aimed at ending the war in Ukraine are gaining momentum, with United States and European leaders hoping to secure a path to peace before Christmas. US President Donald Trump says negotiations on a draft peace plan have made significant progress. While Ukraine has welcomed the proposal, key issues remain unresolved, including the future of Russian-occupied territory and...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ታሕሳስ 2025) 16.12.2025 5:41
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (16 ታሕሳስ 2025) * ሓዘንተኛታት ዕምባታት ዘንበሩሎምን ንዝኽሪ'ቶም ዝተቐትሉ ሰባት መልእኽታት ሓዘን ዝገደፉሎምን ስነስርዓታት ምብራህ ሽምዓ በዓል ሃኑካ ኣብ መላእ ሃገር ተኻይዶም፣ ንቀታሊ ብረት ዘሕደጎ ሰብ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ዶላር ኣብ ጎፋንድሚ ተኣኪብሉ፣ * ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለኒስኪ፡ ምስ ልኡኻት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ በርሊን ዝርርብ ክቕጽል'ዩ፣ * ረዲት ኣንጻር'ቲ ኣብ ዓለም መሪሕ ዝኾነ ኣውስትራልያ ዝሓገገቶ እገዳ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ መድረኻት ንትሕቲ ደቂ 16 ክሲ ብምቕራብ ሕጋዊ መስርሕ ኣበጊሱ፣
How to cope during a heatwave in Australia - ማዕበል ሙቐት ኣውስትራልያ ከመይ ትሓልፍዎ 16.12.2025 12:37
Summer in Australia can be very hot, and as our climate continues to warm, heatwaves are expected to become more frequent and more intense. In this episode of Australia Explained, we cover what a heatwave is, why they pose such a significant risk to human health, who is at most risk, and how to best prepare to cope with a heatwave. - ብማዕበላት ሙቐት ዝፍጠሩ ተኽእሎታት ሓደጋ ኣፍልጦ ኣለኩም ዶ፧ ሳመር (ሓጋይ) ኣብ መላእ ኣውስትራልያ...
Trump threatens land invasion of Venezuela - ትራምፕ ንቨነዝወላ ብመሬት ክወራ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ 14.12.2025 7:14
The United States has defended the seizure of a Venezuelan oil tanker as a major US naval build-up in the region continues. Venezuelan President Nicolas Maduro has described the seizure as illegal with the US also imposing further sanctions on relatives of Maduro and other targetted naval vessels. - ኣሜሪካ ሓይሊ ባሕራ ኣብ’ቲ ዞባ ምጥንኻራ ኣብ ትቕጽለሉ ዘላ እዋን ንተሰካሚት ነዳዲ መርከብ ቨኒዝወላ ክትሕዝ ዝወሰደቶ ውሳነ ተኸላኺላትሉ። ፕረዚደንት ቨነዝ...
ኣዶ (ADOE): ን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣረጋውያን፡ ዘኽታማትን ኣካለ ጉዱኣትን ዝሕግዝ ዘሎ ትካል፧ ዝርርብ ምስ ኣካያዲ መርእድ እያሱ 14.12.2025 40:32
ን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣረጋውያን፡ ዘኽታማትን ኣካለ ጉዱኣትን ዝሕግዝ ዘሎ ትካል ኣዶ (ADOE) መንዩ፧ ብከመይ ተጀሚሩን ኣብዚ እዋን ካብ ኣብ ኣውስትራሊያን መላእ ዓለምን ሓገዝ እና ኣከበ ዝገብሮ ንጥፈት እንታይ ከም ዝመስል ን ኣካያዲ እቲ ትካል መርእድ እያሱ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
መንግስቲ ኤርትራ ንዓመታት ኣሲሩዎም ዝጸንሐ 98 ሰባት ፈቲሑ። (ጸብጻብ) 14.12.2025 6:59
መንግስቲ ኤርትራ ንዓመታት ኣሲሩዎም ዝጸንሐ 98 ሰባት ፈቲሑ። "ንሰላም ኢልና እንሸጦ ግዝኣት የለን" ክብል ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዛሪቡ። ብካልእ ሓበሬታ ኣብ ዘፈር ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ 50 ቢልዮን ዶላር ዕንወት ወሪዱ ተባሂሉ። ኣመሪካ፡ ን10 ኤርትራውያን ኣብ ዝርዝር "ሓደገኛ ገበነኛታት" ኣቐሚጣ። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እገዳ ክንበር ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ እማመ ኣቕሪቦም።
MiniPod: Sleep on it | Words we use - MiniPod: Sleep on it | Words we use (ምልምማድ ፍሉያት ኣበሃህላታት ቋንቋ እንግሊዝ) 11.12.2025 3:10
Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'sleep on it'. - ሓድሽ ሓረግ ወይ ኣገላልጻ ተመሃሩ'ሞ ቋንቋ እንግሊዝኩም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'sleep on it' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ ክልተ-ቋንቋዊ ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ታሕሳስ 2025) 11.12.2025 10:44
ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ኲንስላንድ ፡ ነቶም ብዋሕስ ዝፍትሑ ካብ 10 ዓመት ኣብ ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኤለክትሮኒካዊ ምክትታል ዘግብር ዘውጽኦ ሕጊ ፡ ናብ ባይቶኣዊ ኮሚተ መሪሕዎ ። ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ በጻሕቲ ቪዛ ተዋሂብዎም ናብታ ሃገር ንኻኣትዉ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክገብርዎ ዝጸንሑ ንጥፈታት ከርእዩ ክግደዱ እዮም ። 230 ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ፡ ናብታ ሀይቲ ኣትዮም ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ታሕሳስ 2025) 11.12.2025 51:03
ንሎሚ ሓሙስ 11 ታሕሳስ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ። ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ። መንግስቲ ፌደራል ንፕሮጀክት መቐለ 2.2 ቢልዮን ብር ሰሊዑ። ቀ/ሚ ህንዲ ኣብዚ ሰሙን ናብ #ኢትዮጵያ ክበጽሕ ተባሂሉ፣ ዕላማኡ ድማ ሽርክነት ልምዓትን ምትእስሳር ኣፍሪቃን ንምድልዳል እዩ። ኣብ ሱዳን፡ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ከምዝተቐትሉ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ። ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ’ውን ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባ...
መንግስቲ ፌደራል ንፕሮጀክት መቐለ 2.2 ቢልዮን ብር ሰሊዑ። (ጸብጻብ ልኡኽና) 10.12.2025 6:29
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ። ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ። መንግስቲ ፌደራል ንፕሮጀክት መቐለ 2.2 ቢልዮን ብር ሰሊዑ። ቀ/ሚ ህንዲ ኣብዚ ሰሙን ናብ #ኢትዮጵያ ክበጽሕ ተባሂሉ፣ ዕላማኡ ድማ ሽርክነት ልምዓትን ምትእስሳር ኣፍሪቃን ንምድልዳል እዩ። ኣብ ሱዳን፡ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ከምዝተቐትሉ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።
ግብረ መልሲ ነቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ተገይሩ ዘሎ እግድ ማሕበራዊ መራኸቢታት 10.12.2025 7:24
መንግስቲ ኣውስትራሊያ ንትሕቲ 16 ዓመት ዕድሚኦም ኣእምሮኦም የባላሹ ኣሎ ብምባል ነቲ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርያ ዝኾነ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ እገዳ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ ኣሎ ። ኰይኑ ግና ፡ እቶም መንእሰያት ካብቲ እግድ ንምህዳም ካልእ ሜላ ብምጥቃም ቅልጡፍ ምላሽ ይህብሉ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
Gather and celebrate: Talking over a BBQ (Med) - ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ ኤስ ቢ ኤስ- ተኣኪብካ ምዝዝንጋዕ፡ ኣብ እዋን ባርቢኲ ዝግበር ዕላል (Gather and celebrate: Talking over a BBQ (Med)) 10.12.2025 13:55
Learn how to describe cooking at a barbecue. - Learn how to describe cooking at a barbecue.
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.