SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ለካቲት 2026) 09.02.2026 51:14
ን ሎሚ 09 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ዲሞክራሲን ብሕግታት ዝምእዘዝ ኣህጉራዊ ስርዓትን ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ ክብል ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻብ 'ህዩማን ራይትስ ዎች' ኣፍሊጡ። ኣብ'ቲ ጸብጻብ ፍሉይ ኣትኩሮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን እቲ ኣህጉራዊ ኣካል 'ምብሕጓግ ሰብኣዊ መሰላታን' ኢሉ ኣብ ዝገለጾን ክገብር'ንከሎ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራልያ'ውን ቆላሕታ ገይሩ'ሎ። ኣውስትራልያ ትኽተሎም ፖሊሲታት ኢሚግሬሽንን ምድጓን መንእሰያትን ከም "ዝዓበዩ ድኽመታትን ውድቀታትን" ተባሂሎም ክዝርዘሩ'ንከለዉ ኣውስትራልያ ድማ ዓንቀጽ ወይ ድንጋገ ሰብኣዊ መሰላት...
ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ክተውጽእን ንዘተ ድልውቲ ክትከውንን ኢትዮጵያ ፀዊዓ። (ጸብጻብ) 08.02.2026 7:10
ኣብ ኤርትራ ጽንብል መበል 36 ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡“ቅያ ፈንቅል ንወለዶታት” ብዝብል ቴማ ክካየድ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ግጭት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፀጥታዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ብቕሓት ንምክትታል ዘበራብር ምዃኑ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ። ኣብ ዓፋር ምስዘለዉ ዕጡቓት ዘሎ ኣፈላላይ ብሰላምን ዘተን ንኽፍታሕ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ፀዊዑ። ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ ውን ነቲ ጎንጺ ንምፍታሕ ጻዕሪ ይገብሩ ከም ዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 27 ሺሕ ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይቨር ከምዘጋጠመ ተገሊጹ።
Democracy is under threat warns Human Rights Watch, set back to the 1980s - ዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ይርከብ፣ ናብ'ቲ ኣብ 80ታት ዝነበሮ ደረጃ ተመሊሱ'ሎ - 'ህዩማን ራይትስ ዎች' 08.02.2026 14:01
Democracy and the rules-based international order are under threat, according to the latest annual report by Human Rights Watch. There's a particular focus on the United States and what the international body describes as its erosion of human rights, but there is also a spotlight on Australia. Australia's immigration and youth detention policies are listed as 'significant failings', cited as the o...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ለካቲት 2026) 05.02.2026 8:46
ኣርእስታት ዜና፥ ሜሊንዳ ፈረንሳይ ጌትስ እቲ ናይ ቀደም በዓል ቤታ ዝነበረ ቢል ጌትስ ኣብቲ ናይ ኤፕስቲን ፋይላት ንዝወጸ ከቢድ ክሲ መልሲ ክወሃበሉ የድልዮ እዩ ትብል ። ፖሊስ መልበርን ፡ ንሓደ ኰተቴ ቅድሚ ብመኪና ምርጋጾም ብሓይሊ ዝሃረምም ዝሃደሙ ሰለስተ ሰባት ክሕዙ የናድዩ ኣለዉ ። ወስተርን ሲድኒ ነታ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኤ-ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ትመርሕ ዘላ መልበርን ሲቲ 1-0 ስዒራታ።
#103 Talking about online dating (Med) - #103 ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ዝርርብ ብዛዕባ ብ ኦንላይን ምጻምድ (Talking about online dating) 05.02.2026 9:33
Learn everyday English phrases for online dating. Practise expressions like “match,” “ghosted,” and “slide into DMs” while improving your speaking skills. - ኣብ ኢንተርነት ዓርኪ/መሓዛ ንኽትሕዝ ክትጥቀመሎም ትኽእል መዓልታዊ ሓረጋት እንግሊዝኛ ተምሃር ። ናይ ምዝራብ ክእለትካ እናኣመሓየሽካ ፡ ከም “match,” “ghosted,” ከምኡ'ውን “slide into DMs” ዝብሉ ኣገላልጻታት ምልምማድ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ለካቲት 2026) 05.02.2026 53:22
ን ሎሚ 05 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ብምዕባይ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ኣብቂዑ ኣሎ፣ እዚ ብዛዕባ መንግስቲ ዘውጽኦ ወጻኢታት ወይ ብሕታዊ ጠለብ ፡ ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ ምጉዳል ዝቕባበ ኣጋዲድዎ ዝብል ሓያል ፖለቲካዊ ክትዕ ኣለዓዒሉ ኣሎ። ትረዠረር ነቲ ባጀት ዝተከላኸለሉ ኮይኑ ናይዚ ወሰኽ ዝቕባበ ንደጋዊ ጸቕጥታት ተሓታቲ ጌሩ። ሰልፊ ተቓዋምን ሰልፊ ግሪንስን ግን ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ናይ ፖሊሲ ኣገባብ ንመዓልታዊ ኣውስትራሊያዊያን ይቐጽዕ ከም ዘሎን ኣማራጺ ቊጠባዊ ፖሊስን ዕሽሽ ይብሃል ከምዘ...
ኣባላት ጉጅለ ምክትታል ትግበራ ስምምዕነት ቀዋሚ ምቁራፅ ተፃብኦታት ፕሪቶርያ ዝኾነ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ መቐለ ኣትዮም ። (ጸብጻብ) 04.02.2026 8:56
መንግስቲ ኢትዮጵያ መሳልፍቱ ንዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብገበናት ከሲሱ። ኤርትራ ብወገና ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሽልማት ከም ዝተውሃባ ኣዘኻኺራ። ኣብቶም ብ"ፋይላት ኤፒስተይን" ዝፍለጡ ብዙሕ ምስጢራት ዝሓዙ ምዃኖም ዝእመነሎም ሰነዳት ዝተረኽበ ጉዳይ ኤርትራ ኢትዮጵያን ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ። ኤርትራዊ ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ ኣብ መበል 95 ዓመቱ ዓሪፉ።
መጠን ወለድ ልቓሕ ወሲኹ፡ እዚ ወሰኽ ክቕጽል ድዩ፧ 04.02.2026 7:39
ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ብምዕባይ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ኣብቂዑ ኣሎ፣ እዚ ብዛዕባ መንግስቲ ዘውጽኦ ወጻኢታት ወይ ብሕታዊ ጠለብ ፡ ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ ምጉዳል ዝቕባበ ኣጋዲድዎ ዝብል ሓያል ፖለቲካዊ ክትዕ ኣለዓዒሉ ኣሎ። ትረዠረር ነቲ ባጀት ዝተከላኸለሉ ኮይኑ ናይዚ ወሰኽ ዝቕባበ ንደጋዊ ጸቕጥታት ተሓታቲ ጌሩ። ሰልፊ ተቓዋምን ሰልፊ ግሪንስን ግን ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ናይ ፖሊሲ ኣገባብ ንመዓልታዊ ኣውስትራሊያዊያን ይቐጽዕ ከም ዘሎን ኣማራጺ ቊጠባዊ ፖሊስን ዕሽሽ ይብሃል ከምዘሎ ይማጐቱ ።
"ቀይሕ ባሕርን ኢትዮጵያን ንዘልኣለም ተፈላልዮም ክነብሩ ኣይኽእሉን" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓጽርቲ ዜናታት (ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 04 ለካቲት 2026) 04.02.2026 5:55
** ኣባላት ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ፡ ምስ መርበብ ሰይጣናዊ ጽምብላት ብዚተሓሓዝ ገበን ፡ ሻድሻይ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ኣእትዮም፡... ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ፡ ኢትዮጵያ ንኣርተፊሻል ብልሒ ወይ ኢንተሊጀንስ (# AI) ጥራይ ዝተወፈየ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዩኒቨርሲቲ ፡ ንኽትምስረት ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጡ ።... ** ኣብ ሞንጎ ክልተ ክሰሓሓቡ ዝጸንሑ እንዳታት ቤጃ ሱዳን ዕርቂ ከምዝተፈጥረ ኣገልግሎት ዜና ሱና ሓቢሩ።
How does IVF work in Australia? - ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝግብር መስርሕ ጥንሲ ወይ IVF ኣብ ኣውስትራሊያ፡ 04.02.2026 7:54
Did you know that IVF is not the first, but in fact the last step in a sequence of fertility treatments? In Vitro Fertilisation is regulated by state and territory laws. It can also be expensive and emotionally challenging. Here’s what to expect when aiming to start a pregnancy with IVF in Australia. - ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝግብር መስርሕ ጥንሲ ወይ IVF ኣብ ተኸታታሊ መስርሕ ፍርያምነት ቀዳማይ ደረጃ ኣይኮነን። In Vitro Fertilisation (IV...
ሕማም ልቢ እንታይ እዩ፧ ኣገባብ ኣፈዋውሳኡ'ኸ፧ 03.02.2026 6:31
ካብ ጠንቅታት ሞት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝስራዕ'ዩ። ሕማም ልቢ ብገምጋም ኣብ ነፍሲወከፍ 12 ደቒቕ ብሰንኪ ምስ ሕማም ልቢ ዝተሓሓዝ ሕማም ይመውት፡ ብድኻም ልቢ ድማ ኣብ ሰዓት ሓደ ኣውስትራሊታዊ ይመውት።እዚ ሕማም ከምዘለኩምን ክትፈልጡን ሕማም ልቢ እንተለኩምን እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩምን እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክነግረኩም እዩ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ለካቲት 2026) 02.02.2026 6:02
** ሎሚ ዝእከብ ቦርድ ማእከላይ ባንክ ኣውስትራሊያ መጠን ወለድ ክብ ከብሎ ትጽቢት ይግበር። ** በቲ ኣብ እዋን ትልሂታት ወይ ፓርቲ ዝውሰድ ቀታሊ ሓሽሽ መጠን ሞት ኣብ ኣውስትራሊያ ብዓሰርተ ዕጽፊ ምውሳኹ ተፈሊጡ።... ** ኣቛሪጹ ዝጸንሐ ካብን ናብን ትግራይ ዝግበር ውሽጣዊ በረራታት ነፈርቲ ዳግም ክጅምር ምዃኑ ተገሊጹ፡ ናብ ካርቱም ዝግበር በረራ ድማ ጀሚሩ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ለካቲ 2026) 02.02.2026 12:53
ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ናይ ፕሮስቴት ካንሰር ዘለዎም ኣውስትራሊያዊያን ብመንግስቲ ድጎማ ዝግበረሉ ማዕከን ፋርማሲ [PBS] ብዝሓሰረ ዋጋ መድሃኒት ክረኽቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ ። ፕረዚደንት እስራኤል ይስሃቕ ሄርዞግ ናብ ኣውስትራልያ ዝገበሮ ምብጻሕ መንግስቲ ክስርዞ ዝጠልቡ ደገፍቲ ፍልስጤማውያን ተጣበቕቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም ። ካርሎስ ኣልካራዝ ዝነኣሰ ሻምፕዮን ኣውስትራሊያ ኦፐን ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ናብ ጐንፂ ናይ ምምላስ ዝንባለታት ከምዘሻቕሎ ገሊፁ። ጸብጻብ 01.02.2026 8:35
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ናብ ጐንፂ ናይ ምምላስ ዝንባለታት ከምዘሻቕሎ ገሊፁ። ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ሂቡ ኣሎ። ማሕበር ሓካይም ኤርትራ መበል 27 ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ኣስመራ ኣካይዱ። ሃገራዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት የመን ንሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብትሪ ከም ዝዀነነ ተገሊጹ። መራሕቲ ጁቡትን ሶማልያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም።
A hidden childhood cancer is increasing: what do these children need? - ሕቡእ ካንሰር ቆልዑ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፣ እዞም ህጻናት እንታይ'ዩ ዘድልዮም፧ 01.02.2026 8:35
The Leukemia Foundation is warning more than 400 children a year could face a blood cancer diagnosis within the next decade. The foundation is attempting to raise $12 million through its annual World's Greatest Shave campaign, with funds contributing to research and support services to families impacted by blood cancer. - ትካል 'ሊዩከሚያ ፋውንዴሽን' ልዕሊ 400 ህጻናት ኣብ ዓመት ኣብ ውሽጢ'ዚ ዝመጽእ ዘሎ ዕቑድ ሕማም መንሽሮ ወይ ካንሰር...
ትራምፕ፣ ኣውስትራልያን ዓለምን: ኣብ ግዜ ትራምፕ ኣሜሪካ ሉኣላውነትን ቻርተር ው. ሕ. ሃ.ን እንታይ'ዩ ትርጉሞም፧ ሞንሮ ዶክርቲን፧ - ዕላል ምስ ዶር ኣማኑኤል ኤሊያስ 01.02.2026 44:40
ኣብ ኣሜሪካ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምቲታትን ዝኽተሎም ዘሎ ፖሊሲታትን ንኣውስትራልያ ወሲኽካ ምስ ፈተውትን ጸላእትን ዘሰሓሕቡ ኮይኖም ኣለዉ። ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ወሪሩ ዝጨወየ ስርሒት፣ ምፍርራሓት ወራር ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮ፣ ካናዳ፣ ግሪንላንድ፣ ኮሎምቢያ፣ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ናይ ቀረባ ኣብነታት'ዮም። ነዚኦም ምዕባለታት ምስ ግብረመልስታት ዓለምን ዝጸንሐ ኣካይዳ ፖሊሲታት ወጻኢ ኣሜሪካን ብምንጽጻር ምስ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ክንድህስሶም ፈቲንና'ለና። * ስጉምቲታት ኣሜሪካን ሉኣላውነት ሃገራትን፣ * ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ * ሕ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ጥሪ 2026) 29.01.2026 50:06
ን ሎሚ 29 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ነባሪ ኲንስላንድ ዝኾነ ኣቶ ኣልኣዛር ተስፋይ ካብ 2002 ን ኣውስትራሊያ ከም ሃገሩ ሓሲቡ ንልዕሊ ክልተ ዕቑድ ዓመታት ዝነብር ዘሎ እዩ። በዓል ሞያ ሕክምና ኮይኑ ምስ World Wellness Groupe ኮይኑ ኣብ መስተን ሓሽሽን ንዝ ኣተዉ ኣብ ምሕጋዝን ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን ዝርከብ ዘሎ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር ዝህቦ ረብሓታትን ብድሆን፡ መስተን ጎዳኢ እጽ ጠንቂን ዘስዕቦ ጎዳኢ ነገራትን ኣዕሊሉ ኣሎ። ምጽኣት ዓለም ዝቖጽር ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጎደል ኮይኑ። ነዚ ዝጥምት ትሕቶውን ከነቕርብ ኢና። ኣብ ሰሙና...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (ኤስ ቢ ኤስ ትግሪኛ 29 ጥሪ 2026) 29.01.2026 9:01
ኣርእስታት ዜና፥ ዓመታዊ ዝቕባበ ምውሳኹ ፡ ቊጠባ ሃገር ንምርግጋእ ዝያዳ ዕዮ ከም ዘድሊ ዘዘኻኽር እዩ ክብል ትረዠረር ጂም ቻልመስ ገሊጹ ። ኢራን ምስ ኣመሪካ ንዘተ ፍጹም ድልውቲ ምዃና’ኳ እንተገለጸት፡ ዝዀነ መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ግን ብርቱዕ ምላሽ ከም እትህብ ኣጠንቂቓ። ኣብ ግጥማት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ኣውስትራሊያዊ ኣብ ዉድድራት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ጃኒክ ሲነር ን ኣመሪካዊ በን ሸልተን ሲዒሩ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፉ።
ምጽኣት ዓለም ዝቖጽር ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጎደል ኮይኑ። 28.01.2026 8:52
ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣቶማዊ መጽናዕቲ ፡ "ሰዓት መዓልቲ ምጽኣት" መሊኦማ ፣ እዚ ኣቆጻጽራ'ዚ ነቲ ናብ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ዝቐርብ ፡ ዓለምለኻዊ ዕንወት ዝዕቅን እዩ ። እቲ መቐቀኒ ንናህሪ ኑክሌሳዊ ሓይልታት ፡ ሩስያ ፡ ቻይናን ኣመሪካን ፡ ንኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘይምቍጽጻር ፡ ኣብ ዩክረይንን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን አሎ ግጭታት ፡ ዛዕባ ኤ--ኣይ ዘሎ ጭንቀት ኣብ ግምት ኣትዮም እዮም እታ ናይ ምቕራብ ምጽ ኣት ሰዓት ኣቀላጢፎማ ዘለዉ። ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ ፡ ነታ ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢታት ጎደል ገይርዋ ኣሎ ። እዚ ካብቲ ዓሚ እተመደበሉ ብኣርባዕተ ካልኢት ሎሚ ቀሪቡ ኣሎ ።
ምጽኣት ዓለም ዝቖጽር ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጎደል ኮይኑ። ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ጥሪ 2026) 28.01.2026 6:27
** ኣብ ኣውስትራሊያ ዝጸንሐ ክብረ ወሰን መጠን ሙቐት ተሰይሩ። ** ምጽኣት ዓለም ዝቖጽር ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጎደል ኮይኑ። ** ሎሚ ክግበር ተሃሲቡ ዝነበረ ፍሉጥ ዉድድር ብሽግለታ ብሰንኪ ብርቱዕ ሙቐት ተሰሪዙ።
Public transport in Australia: breaking down the basics - ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ህዝብዊ መጓዓዝያ ኣውስትራሊያ፡ 27.01.2026 7:55
Like in most countries, public transport in Australia is the cheapest way to get around. It includes trams, buses, trains and ferry services. And each state or territory has its own transport network. However, navigating Australia’s public transport system with ease requires knowing the basics around how it works and what to expect. - ልክዕ ከም ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ህዝባዊ መጓዓዓዚያ በቲ ዝሓሰረ መንገዲ ኣገል...
ክብረ ወሰን ዝሰብር ሓያል ሙቐት ንኣውስትራሊያ የንድዳ፡ ሎሚ መልበርን 44 ዲግሪ ሰ. ብዝበጽሕ ሙቐት ክትልብለብ'ያ (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 27 ጥሪ 2026) 26.01.2026 6:41
ክብረ መዝገብ ዝሰብር ሓያል ሙቐት ን ኣውስትራሊያ የንድዳ፡ ሎሚ መልበርን 44 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ብዝበጽሕ ሙቐት ክትልብለብ'ያ። እስራኤል ንሬሳ ናይቲ ኣብ ጋዛ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ጅሆ ተታሒዙ ዝነበረ ረኺባቶ፡ ኣብ ሚኒሶታ ብወተሃደራት ፈደራል ኣመሪካ ዝተፈጸመ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት መራሕቲ ደሞክራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ደተኛታት ዝግበር ግፋ ስለዝቃወሙ ዘለዉ እዮም ክብል ምምሕዳር ትራምፕ ጠቂኑ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ጥሪ 2026) 26.01.2026 51:34
ን ሎሚ 26 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ወቕትታት ሓጋይ ኣውስትራልያ ተመራመርቲ 'ምሉእ መስርሕ ምቕያር' ወይ 'ቶታል ትራንስፎርሜሽን' ኢሎም ዝጽውዕዎ ይሓልፉ'ለዉ፣ ካብ ትካል ዎርልድ ዌዘር ኣትሪብዩሽን ዝወጸ ሓደ ጸብጻብ እዛ ሃገርና ድሕሪ ደጊም ብማእከላይ ገምጋም ድሕሪ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመታት ማዕበላት ሙቐት ክትጽበ ኣለዋ ክፍል ደምዲሙ። ተመራመርቲ'ዚ መጽናዕቲ ይብሉ ለውጢ ክሊማ ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ዝልብልብ ማዕበል ሙቐት ኣውስትራልያ ክኽሰት ዘነበሮ ተኽእሎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝያዳ ርጉጽ ክኸውን ገይርዎ፣ ናብ'ዞም ዝተለወጡ ኩነታት ድማ እዛ ሃገር...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ጥሪ 2026) 26.01.2026 9:01
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ፡ ኣብ መላእ ሃገር መዓልቲ ኣውስትራልያ ኣብዝጽምበለሉ ዘሎ ፡ ነቶም ሎሚ ሓደስቲ ዜጋታት እታ ሃገር ኮይኖም ዜግነት ዝወሰድ ብሓጐስ ተቐቢልዎም። ኣብ ኣመሪካዊት ከተማ ሚንያፖሊስ ፡ ወከልቲ ፈደራላዊ ኢሚግሬሽን ካልኣይ ሰላማዊ ሰብ ድሕሪ ምቕታሎም ፡ እቲ ወጥሪ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ። ኣሌክስ ደ ሚናር ነቲ 10ይ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣሌክሳንደር Bublik ኣብ ዝተገብረ ራብዓይ ዙር ዉድድር ብምስዓሩ ነቲ ናይ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ናይ ርብዒ ፍጻሜ ክገጥም እዩ ።
ዘይዝረበሉ ዘሎ ከቢድ ሳዕቤን መስተ፡ ኣውስትራሊያዊ ምዃን ብድሆን ዕድላትን ፡ ዝርርብ ምስ ኣቶ ኣልኣዛር ተስፋይ 26.01.2026 32:32
ነባሪ ኲንስላንድ ዝኾነ ኣቶ ኣልኣዛር ተስፋይ ካብ 2002 ን ኣውስትራሊያ ከም ሃገሩ ሓሲቡ ንልዕሊ ክልተ ዕቑድ ዓመታት ዝነብር ዘሎ እዩ። በዓል ሞያ ሕክምና ኮይኑ ምስ World Wellness Groupe ኮይኑ ኣብ መስተን ሓሽሽን ንዝ ኣተዉ ኣብ ምሕጋዝን ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን ዝርከብ ዘሎ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር ዝህቦ ረብሓታትን ብድሆን፡ መስተን ጎዳኢ እጽ ጠንቂን ዘስዕቦ ጎዳኢ ነገራትን ኣዕሊሉ ኣሎ።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.