SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ለካቲት 2026) 23.02.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ተቓውሚ ኣውስትራሊያ ናይቶም ምስ ናይ ቀደም ኣባላት ኣይ ኤስ ርክብ ዝነበሮም ኣውስትራሊያውያን ኣንስትን ህጻናትን ፓስፖርት ክንጸግ ጻውዒት ኣቕሪቡ ። ኢትዮጵያ 'ሓድሽ መጠነ ሰፊሕ ግጭት' ንምጅማር ኣብ ቀረባ ከምትርከብ ጉጅለታት መሰላት ብምጥንቃቕ ህጹጽ ኣህጉራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዖም። ኖርወጃዊ ዮሃንስ የርፍሎት ክላውቦ ኣብ ሓደ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ሽዱሽተ መዳልያታት ወርቂ ዝረኸበ ናይ መጀመርታ ተቐዳዳማይ ኰይኑ ኣሎ ።

"ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ክሳብ ምጽዋዕ ግብረ ሽበራ ዝከላኸል ‘ፍሉይ ሓይሊ’ ሃኒጻ።"ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ (ጸብጻብ) 23.02.2026

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ቀረብ ኤለክትሪክ ንምምሕያሽ ባጀት ሰሊዑ። ማዕከን ዜና ፈረንሳ (AFP) ኢትዮጵያዊ ወኪሉ ንጸብጻብ ናብ ትግራይ ከይገይሽ ከምዝተኸልከለ ኣቃሊዑ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክኣቱ ከም ዘይተስማመዐ ገሊጹ። ሕብረት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ኣውሮጳ ዘጽንሕ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ዜጋታታ ምቕባላ ንኢዱ። ፡ ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ክሳብ ምጽዋዕ ግብረ ሽበራ ዝከላኸል ‘ፍሉይ ሓይሊ’ ሃኒጻ ክብል ቀዳማይ ሚንስተር ናይታ ሃገር ተዛሪቡ።

Muslim faithful mark the start of Ramadan in Australia and around the world - ኣብ ኣውስትራልያ፣ ቓዛን መላእ ዓለምን ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና ጾመ ረመዳን የኽብሩ 22.02.2026

The holy month of Ramadan is underway, with Muslims around the world marking Iftar - the first day of the fasting period. In Australia, venues are catering to the growing number of observers, opening their doors until long after sunset and into the early hours of the morning. - ቅዱስ ወርሒ ረመዳን ኣትዩ ኣመንቲ ምስልምና መላእ ዓለም ገለ መዓልታት ጾምን ስዕረትን ኣጠናቒቖም ኣለዉ። ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣዳራሻት ቤት ንግድታት ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ቁጽሪ ጸወምቲ ንምእን...

#104 Talking about school exams | NAPLAN - #104 ዝርርብ ብዛዕባ መርመራ ናይ ቤት ትምህርቲ| NAPLAN (ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ) 22.02.2026

Learn useful English for talking about school tests, studying, exam pressure, and when you do really well. - ብዛዕባ ናይ ትምህርቲ ፈተና፡ መጽናዕቲ፡ ኣብ እዋን ፈተና ዘሎ ጸቕጢን ዝ ኣመሰሉ ኣድላዪ ዝርርብ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ተመሃሩ። Learn useful English for talking about school tests, studying, exam pressure, and when you do really well.

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ለካቲት 2026) 19.02.2026

ን ሎሚ 19 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ክሳብ ኣብ 2024 ዘሎ ግዜ፡ 683,000 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉ.ሕ.ሃ ከም ዝተመዝገቡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ዉድብ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ካብታ ሃገር ዝወጸ ህዝቢ ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት ምዃኖም ይፍለጥ። ካብታ ዉሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ወጻኢ ክስደድ ዝገበረ ኩነታት ኣብታ ሃገር ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋ፡ መጻኢ ኩነታት ናይቲ ተሰዲዱ ዘሎን ዝወልዶም ዉሉዳትን፡ እቲ ዝተሰደ ናብታ ሃገር ናይ ምምላስ ዕድልን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከይዱ ክምለስ ናይ ዝደሊ ዘሎ...

“ሎሚ ብዙሓት ስድራ ቤት ካብ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ’ያ ተሰዲዳ፡ ናይ ምምላስ ዕድል ድማ ዝማህመነ’ዩ።” ፊልሞን ሓጎስ 19.02.2026

ክሳብ ኣብ 2024 ዘሎ ግዜ፡ 683,000 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉ.ሕ.ሃ ከም ዝተመዝገቡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ዉድብ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ካብታ ሃገር ዝወጸ ህዝቢ ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት ምዃኖም ይፍለጥ። ካብታ ዉሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ወጻኢ ክስደድ ዝገበረ ኩነታት ኣብታ ሃገር ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋ፡ መጻኢ ኩነታት ናይቲ ተሰዲዱ ዘሎን ዝወልዶም ዉሉዳትን፡ እቲ ዝተሰደ ናብታ ሃገር ናይ ምምላስ ዕድልን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከይዱ ክምለስ ናይ ዝደሊ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛን ምስ’ዚ ዝተሓሓዙን ሕቶታት ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ መሊሱልና ኣሎ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ለካቲት 2026) 19.02.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መጠን ደሞዝ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣልባኔስ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ሶርያ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክወጹን ናብ ኣውስትራሊያ ክምለሱን ንዝፍትኑ ንሓደ ካብቶም 34 ኣውስትራሊያዊያን ኣንስትን ቆልዑን ጉጅለ I-S ግዝያዊ ናይ መእገዲ ትእዛዝ ሂቡ ። ኣብ ድሮ ሮመዳን ናብ ኣብ ሲድኒ ላኪምባ ዝርከብ መስጊድ ሳልሳይ መፈራርሒ ደብዳበ ብ 18 ለካቲት ተላኢኹ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ቀልቀል ኲናት ምህላወን መፅናዕቲ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ኣጠንቂቑ። (ጸብጻብ) 18.02.2026

ፕረዚደንት ትግራይ ናይቲ ህዝቢ ሕቶታት ሰላማዊ ምላሽ ክረኽቡ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ቀልቀል ኲናት ምህላወን መፅናዕቲ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን፡ ቱርኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደሽቲ ግጭታት ክትርኢ ከም ዘይትደሊ ገሊጹ። መንግስቲሶማሊላንድ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝቐረቦ መደረ ኮኒኑ። ኬንያ ኣብ ምርግጋጽ ምትሕብባር ሩባ ኣባይ ገለልተኛ ተራ ክትጻወት ከም እትደሊ ገሊጻ።

ኣብ ኣውስትራሊያ መጠን ሞት ብሓደጋ ተሽከርከርቲ ምውሳኹ ንተጣበቕቲ የተሓሳስብ፡ 18.02.2026

ኣብ ኣውስትራልያ ቝጽሪ ሓደጋ ብተሽከርከርቲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ፣ እታ ሃገር መጠን ብሓደጋ ተሽከርከርቲ ዝስዕብ ሞት ኣብ 2030 ብፍርቂ ከተጉድሎ ዝነበራ ሸቶኣ ትበጽሖ ከም ዘየላ ሓድሽ መጠንቀቕታ ይውሃብ ኣሎ ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ1300 ሰባት ኣብ ጽርግያታት ኣውስትራልያ ተቐቲሎም እዮም ፣ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይ 2026 እውን ብዙሕ ምምሕያሽ ኣየርኣየን ። ብሰንኪ ሓደጋ ማኪና መዓልታዊ ስድራ ቤታት ኣብ ስቓይ እናነብራ ስለ ዝኸዳ ፡ መራሕቲ ኢንዱስትሪን ተጣበቕቲን ፡ ኣብ ጠባያት ዘወርትን ውሑስ ቅድታት ጽርግያን ንኽህሉ ፡ ህጹጽ ስጕምቲ ክውሰድ ይጽውዑ ኣለዉ ።

ሓጽርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ለካቲት 2026) 18.02.2026

** ዉሩይ መራሒ ተጣባቒ መሰላት ኣመሪካዊ ጀስ ጃክሰን ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ። ** መንግስቲ ፌደራል ነቶም ናብ ኣውስትራሊያ ክምለሱ ዝጽበዩ ዘለዉ ኣውስትራሊያውያን ኣንስቲን ቆልዑን ግብረሽበራውያን ተቓለስቲ ናብ ሃገሮም ንኸይምለሱ ዘለዎ ኣማራጺታት ይፍትሽ ኣሎ ። ** ኣብ መንጎ ል ኡኻት ዩክረይንን ሩስያን ንኽልተ መዓልቲ ዝቐጸለ ዝርርብ ሰላም ፡ ኣብ ጀኔቫ ጀሚሩ ።

Your guide to using sunscreen in Australia - ኣጠቓቕማ መከላኸሊ ጸሓይ (sunscreen) ኣብ ኣውስትራሊያ 17.02.2026

Australia’s sun can be harsh. And sunscreen is one key measure protecting us against harmful sun exposure. We asked three scientists about sunscreen facts, myths and choosing the right products. - ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ጸሓይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ። ምጥቃም መከላኸሊ ጸሓይ ድማ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መዐቀኒ ካብ ጐዳኢ ምቅላዕን ሃስያን ጸሓይ እዩ ። ንሰለስተ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ ብዛዕባ መርትዖታት መከላኸሊ ጸሓይ (ሳንስክሪን) ፡ ብዛዕባኡ ዝበሃል ጽውጽዋያት ከምኡ እውን ቅኑዕ ፍርያት ብዛዕባ ምምራጽ ሓቲትናዮም...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ለካቲት 2026) 16.02.2026

** ፖለቲከኛታት ካብ ተቓወምቲን መንግስትን ነቶም ካብ ሶርያ ዝምለሱ ኣውስትራሊያውያን ሓገዝ ከምዘይግበረሎም ይገልጹ ኣለዉ። ** ኢትዮጵያ ካብተን ቅልጡፍ ዕቤት ቱሪዝም ዘመዝግባ ዘለዋ ዓለም-ለኻዊት ተበጻሒት ሃገር ኮይና ከምዘላ ተፈሊጡ። ** ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ RSF ን ኢልፋሻር ኣዝተቖጻጸረሉ : 6,000 ሰላማውያን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ከምተቕትሉ ጸብጻብ ው.ሕ.ሃ. ገሊጹ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ለካቲት 2026) 16.02.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሱዛን ሊ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ሊብራልስ ምስተኣልየት ብፍቓዳ መንበራ ገዲፋ፡ ነቲ ን25 ዓመታት ሒዛቶ ዝነበረ ዞባ ዝውክል ንምምራጽ ዳግማይ ምርጫ ክግበር እዩ ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ፡ ጸም ራመዳን ንምጅማር ይሸባሸቡ ኣለዉ ፣ ኣብ ኣውስትራሊያ ሓሙስ (19 ለካቲት) ክጅምር እዩ። ኣብ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ዕዉት ኣውስትራሊያዊ ስኪር ማት ግርሃም ናይ ነሓስ መዳልያ ብምርካብ ተወሳኺ ዓወት ጨቢጡ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ለካቲት 2026) 16.02.2026

ን ሎሚ 16 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ክብ ድሕሪ ምባሉ፡ ዓበይቲ ባንክታት መጠን ወለድ ሞርጌጅ ክብ ኣቢለናኦ ይርከባ፣ እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ ካብ ምንታይ እዩ ዝብገስ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ እንታይ ይመስል፧ ነዚን ተመሳሳሊ ሕቶታትን ዶ/ር ሳልሕ ጅምዕ መብርሂ ሂብና ኔሩ ናይ መውአዳእታ ክፋሉ ሎሚ ክቐርብ እዩ። ኣውስትራልያ ሓድሽ ባጤራ ምጥቃም ካብ ትጅምር 60 ዓመት ተብዕል፡ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሓደ ትሕዝቶ’ውን ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራ ኣብ መበል 38 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፋ...

The introduction of decimal currency, 60 years on - ኣውስትራልያ ሓድሽ ባጤራ ምጥቃም ካብ ትጅምር 60 ዓመት ተብዕል 15.02.2026

Today marks a major milestone in Australia’s financial history – the 60th anniversary of decimal currency. It’s been decades since Australians ditched pounds, shillings and pence for dollars and cents – in one of the largest transitions in the nation’s history. And while the way we pay for things continues to change, the legacy of that moment endures. - ዝሓለፈ 14 ለካቲት ኣብ ፋይናንሳዊ ታሪኽ ኣውስትራልያ መበል 60 ዓመ...

"ምውናን ወደብ ጉዳይ ህላወ እዩ።" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ጸብጻብ) 15.02.2026

ኤርትራ ኣብ መበል 38 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፋ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ወደብ ናይ ህላወ ምዃኑ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተዛሪቡ። ህወሓት ሕብረት ኣፍሪቃ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበር ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ። ኤርትራ፡ መበል 36 ዝኽሪ ፈንቅል ብድምቀት ጸምቢላ። ፕረዚደንት ኣብዚ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያን ኢማራት ዓረብን ክበጽሕ’ዩ። ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ቀዳማይን ሚንስተር ኢትዮጵያን ተራኺቡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሰብሞያ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ክምርመር ሓቲቱ። ቻይና ካብ 53 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝኣቱ ንብረት ዜሮ ቀረጽ ክትትግብር እያ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2026) 12.02.2026

ን ሎሚ 12 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ክብ ኣቢልዎ። እቲ ምኽንያት ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ዝቕባበ ኣብቂዑ ክውስኽ ብምጅማሩ እዩ። እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ ካብ ምንታኣይ እዩ ዝብገስ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ እንታይ ይመስል፧ ነዚን ተመሳሳሊ ሕቶታትን ዶ/ር ሳልሕ ጅምዕ መብርሂ ሂብሉ ኣሎ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ሕውየት ድሕሪ ባርዕ ዱር ብኸመይ ይርከብ፧ ክንርእይ ኢና። ኣርእስታት ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ። ላዕ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2026) 12.02.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ፖሊስ ቪክቶርያ ፡ ቅድሚ እቲ ሎሚ ሓሙስ 12 ለካቲት ፕረዚደንት እስራኤል ናብ መልበርን ዝገበሮ ምብጻሕ ፡ ብመሰረት ሕጊ ግብረ-ሽበራ ፍሉይ ስልጣን ተፈቒዱሉ ። ክልተ ዜጋታት ቻይና ፡ ፌደራላዊ ፖሊስ ኣውስትራሊያ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ከም ዝገበሩ ከሲሱ ፡ ኣብ ካንበራ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ። ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ቶማስ ፍራንክ ፡ ድሕርቲ እታ ጋንታ ኣብ ገዛእ ሜዳኣ ብኒውካስል ድሕሪ ዝወረዳ ናይ ክልተ-ሓደ [2-1] ስዕረት ፡ ካብ መዝነቱ ተላዒሉ ።

ወጻኢታት ብሕማም ካንሰር ዝሳቐዩ ሰባት፡ 12.02.2026

ዳርጋ 99 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ብካንሰር ዝሓሙ ኣውስትራሊያውያን ፡ ኣብ ህዝባዊ ክንክን ከይተረፈ ፡ ወጻኢታቶም ካብ ጁባኦም ከም ዝዀነ ተፈሊጡ ። እዚ ኣዝዩ ዘሰንብድ ብ ካንሰር ካውንስል ኣውስትራልያ ዝወጸ ሓድሽ ሃገራዊ መጽናዕቲ ኮይኑ ፡ እዚ ካብቲ ቀጥታዊ ናይ ሕክምና ወጻኢታትን ብተዘዋዋሪ ኣብ ኩሉ ናይ ሕማም መንሽሮ ዝግበር ጉዕዞ ወጻኢታትን እዩ ዝመጽእ ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ፡ ብፍላይ ንቐዳሞት ህዝብታት እዚ ዘይጽወር ከምዝኾነን፡ ብፍላይ ከኣ ደቀባት ኣውስትራሊያውያን ብሕማም መንሽሮ ደም ናይ ምልካፍ ተኽእሎኦም ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ መጠን ሞቶም ዓቢ ዝገብር እዩ ።.

ህወሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ የጸግዕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። (ጸብጻብ) 11.02.2026

ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ወጥሪ ትግራይን ፌደራልን ክሃድእ ፀዊዑ። ህወሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ የጸግዕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። ሰራዊት ምክልኻል ካብ ክልል ኣምሓራ ምንቅስቓሱ ስግኣት ኣስዒቡ። ኤርትራ ብብልሽውና ምስ ቀዳሞት ሃገራት ተሰሪዓ ደረጃ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ናይ መወዳእታ ተጠቒሱ ኣሎ ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢቤኤስ ቴሌቪዥን ኣማን ፍስሃፅዮን ዓሪፉ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ለካቲት 2026) 11.02.2026

** ኣንጻር ፕረሲደንት እስራኤል ዝግበር ተቓዉሞ ብሓይሊ ምጭፍላቕ ዝግበር ዘሎ ተግባር መንግስቲ ርትዓውነት ከልብሶ ይፍትን ኣሎ ክትብል መራሒት ሰልፊ ግሪንስ ኣውስትራሊያ ከሲሳ። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ካብ ወገኑ ስልጣኑ ክገድፍ ዝቐርበሉ ዘሎ ጻዊዒት ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ። ** ሰብ መዚ ሆስፒታል ጋዛ ፡ ኣብ ምብራቓዊ ደኢር ኣል-ባላህ ፡ ክልተ ፍልስጤማውያን ብሽክለተኛታት ብናይ እስራኤል ድሮን ከም እተቐትሉ ፡ ሓንቲ ሰበይቲ እውን ኣብ መዓስከር ማጋሃዚ ከም እተቐትለት ገሊጾም ።

ምውሳኽ መጠን ወለድ ንምንታይ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ፧ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ሳላሕ ጂምዕ 10.02.2026

ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ክብ ኣቢልዎ። እቲ ምኽንያት ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ዝቕባበ ኣብቂዑ ክውስኽ ብምጅማሩ እዩ። እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ ካብ ምንታኣይ እዩ ዝብገስ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ እንታይ ይመስል፧ ነዚን ተመሳሳሊ ሕቶታትን ዶ/ር ሳልሕ ጅምዕ መብርሂ ሂብሉ ኣሎ።

ኤርትራ፡ ነቲ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክትስሕብን ንልዝብ ድልውቲ ክትከውንን ዘቐረበ ጻውዒት ነጺጋቶ። (ሓጸርቲ ዜናታት ) 10.02.2026

** ፕረዚደንት እስራኤል ይስሃቕ ሄርዞግ ነቲ ናብ ኣውስትራልያ ዝገበሮ ምብጻሕ ዝቃወም ዘሎ ናይ ፍልስጤማውያን ደግፍቲ ሰልፍታት ኮኒኑ ። ** ፖሊስ ጀርመን ንወዲ 14 ዓመት ኤርትራዊ ዮሴፍ ዝቐተለ ስሙ ዘይተገልጸ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ከምዝሓዙ ተፈሊጡ። ... ** ኤርትራ፡ ነቲ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክትስሕብን ንልዝብ ድልውቲ ክትከውንን ዘቐረበ ጻውዒት ነጺጋቶ።

How to recover from bushfires - ሕውየት ድሕሪ ባርዕ ዱር ብኸመይ ይርከብ፧ 10.02.2026

Australia’s hot, dry climate and unique landscapes make it one of the most bushfire-prone countries in the world. As climate change drives higher temperatures and drier conditions, we can expect more frequent and more intense bushfires in the future. But once the fire is out, how do you return home safely, find support, and look after yourself? - ኣውስትራሊያ ውዑይን ደረቕን ክሊማን ፍሉይ ቅርጺ መሬትን ዘለዋ ካብተን ብኩነታት...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ለካቲት 2026) 09.02.2026

ኣርእስታት ዜና፥ መስገሪ ራፋሕ - ግብጺ ብመጠኑ ክኽፈት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ምኽፋቱ ከባቢ 180 ፍልስጤማውያን ንቓዛ ገዲፎም ከምዝወጹ ሰብ መዚ እቲ ግዝኣት ገሊጾም። እቲ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብ መስጊድ ክራይስትቸርች 51 ሙስሊም ኣምለኽቲ ዝቐተለ ኣውስትራልያዊ ኣኽራሪ ጻዕዳ ዝምልከት ናይ ይግባይ መስርሕ ፍርዲ ፡ ሎሚ [9 ሰኑይ] ክጅምር እዩ ፣ ተጻዋታይ ራግቢ ብርስቤን ብራኮንሶስ ፓይነ ሃስ ነታ ጋንታ ገዲፉ ምስ ጋንታ ደቡብ ሲድኒ ራቢቶስ ንምጽዋት ናይ ሰለስተ ዓመት ውዕል ከቲሙ ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.