SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

Think before you pack: Australia’s customs and biosecurity rules explained - ቅድሚ ብልጃኻ ምጥርናፍ ምሕሳብ : መብርሂ ብዛዕባ ሕግታት ብዶባት ቁጽጽር ዝግበረሎም ነገራትን ስነ-ህይወታዉያን ትሕዝቶታት 10.03.2026

Customs is generally the first point of contact for people entering Australia. Our Border Force Officers are there waiting. They ensure that we don’t bring in prohibited goods that could threaten Australia’s unique environment, economy and communities. Before you zip up your suitcase, here’s what you need to know about what can—and can’t—cross the border, and what’s at stake if biosecurity rules a...

ኣባላት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ አቂኣንስትዮ ኢራን ኣብ ኣውስትራሊያ ክንብራ ናይ ሰብኣዊ ቪዛ ዑቕባ ተዋሂብውን (ሓጸርቲ ዜናታት 10 መጋቢት 2026) 10.03.2026

ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይኣቱ ኣሎ ። ኣብዚ ንኻልኣይ ሰሙን ሒዙ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ ይቕጽል፡ ድሮ ሰብኣውን ቁጠባውን ዓለም ኣናዊጹሉ ኣብዘሎ ዛጊት ዝር አ ምዕባለ ኣብ ናይ ሎሚ ዜናና ነተኩረሎም ጉዳያት፡ ***ኣባላት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ አቂኣንስትዮ ኢራን ኣብ ኣውስትራሊያ ክንብራ ናይ ሰብኣዊ ቪዛ ዑቕባ ተዋሂብውን... *** ናብ ቱርኪየ ንካልኣይ ግዜ ዝተተኮሰ ሚሳይል ብኔቶ ተሃሪሙ ድሕሪ ምውዳቑ ቱርኪየ ኣብ ልዕሊ ኢራን ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ኣጠንቂቓ... *** ኢራን ንወዲ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ላዕለዋይ መራሒ ክኸውን መሪጻቶ ...

"ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ፡ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ዘበለ ኩሉ ክሰርሕ ዝኽእል’ዩ።" ዝርርብ ምስ ኤርሚያስ ዘርኣጽዮን 09.03.2026

ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ (AI) ብዘይካ እቲ ዝህቦ ረብሓ ካብዚ ዘለዎ ዝያዳ እንተ ማዕቢሉ ንዘርኢ ሰብ ክሳብ ምጥፋእ ዝከይድ ብልሒ ወይ ዓቕሚ ከምዝህለዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ርድኢትና ብዛዕባ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ AI ንምስፋሕ፡ ምስቲ ተክኖሎጂ ዝመጹ ዘለዉ ዕድላት ክንጥቀመሎም ክንክእልን ካብቲ ዘሎ ሓደጋታት ብኸመይ ክንከላኸል ከምንኽእልን ምስ ክኢላ ሓበሬታ ተክኖሎጂ (IT) ኤርሚያስ ዘርኣጽዮን ዝገበርናዮ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (09 መጋቢት 2026) 09.03.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ውግእ ኢራን ናብ ካልኣይ ሰሙን ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ፡ ኢራንን እስራኤልን ሓድሽ መጥቃዕቲ ተለዋዊጠን ። ኣብ መላእ ዓለም ንውግእ ኢራን ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ። ብኢራን ዝውቅዓ ዘለዋ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምሃብ ንዝወጸ መደብ ከም ዘይድግፍ ሰልፊ ግሪንስ ገሊጹ። እንግሊዛዊ ጆርጅ ራስል ኣብ ፎርሙላ ዋን ዉድድር Australian Grand Prix ብ ሰንበት 8 መጋቢት ኣብዝተኻየደ ዉድድር ተዓዊቱ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (09 መጋቢት 2026) 09.03.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 09 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኩነታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስግኣት ምንሃር ዋጋታት መግቢ ፈጢሩ፣ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ስድራታት ኣብ ግዜ ረመዳን ከይጽገማ ተፈሪሑ።።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ (AI) ብዘይካ እቲ ዝህቦ ረብሓ ካብዚ ዘለዎ ዝያዳ እንተ ማዕቢሉ ንዘርኢ ሰብ ክሳብ ምጥፋእ ዝከይድ ብልሒ ወይ ዓቕሚ ከምዝህለዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ርድኢትና ብዛዕባ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ AI ንምስፋሕ፡ ምስቲ ተክኖሎጂ ዝመጹ ዘለዉ ዕድላት ክንጥቀመሎም ክንክእልን ካብቲ ዘሎ ሓደጋታት ብኸመይ ክንከላኸል ከምንኽእልን ምስ...

ኤርትራ ተወሰኽቲ እሱራት ፈቲሓ። (ጸብጻብ) 08.03.2026

ዝምድና ህዝቢታት ትግራይን ኤርትራን ካልኦትን ዘጠናኽር እዩ ዝተብሃለ መድረኽ ኣብ መቐለ ተኻይዱ። ኤርትራ ተወሰኽቲ እሱራት ፈቲሓ። ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንዝመፅእ ሓፈሻዊ መረፃ ብዘይካ ትግራይ ኣብ ኩለን ክልላት መስርሕ ምዝገባ መረፅቲ ጀሚሩ። ኣርባዕተ ውድባት ትግራይ ዝጠመረ ሓዱሽ መድረኽ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢሩዎ ዝበሎ"ወተሃደራዊ ከበባ" ከልዕሎ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ። ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ካብ ውድባዊ ሓላፍነቱ ተኣልዩ።

Fears for low income families during Ramadan, as Middle East conflict threatens to send food prices higher - ኩነታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስግኣት ምንሃር ዋጋታት መግቢ ፈጢሩ፣ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ስድራታት ኣብ ግዜ ረመዳን ከይጽገማ ተፈሪሑ 08.03.2026

Families in Australia are bracing for a cost-of-living hit, as energy prices soar. Charities are increasing gifts of free food during Ramadan, to help those already struggling. SBS Arabic takes a look at how one group is trying to help. - ስድራቤታት ኣብ ኣውስትራልያ ዋጋታት ጸዓት ኣብ ዝኸበርሉ ማህሰይቲ ኣብ ክብሪ መነባብሮ ከጋጥመን ይዳለዋ’ለዋ። ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ንምሕጋዝ ግብረሰናያዊ ማሕበራት ህያባት መግቢ ብነጻ ኣብ ግዜ ረመዳን ይውስኽአኦ’ለዋ። SBS Arabic ሓደ ጉጅለ ከመ...

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (05 መጋቢት 2026) 05.03.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሓንቲ ናይ ኢራን መርከብ ውግእ ፡ ብሳብ-ሳብማሪን ኣመሪካ ተሃሪማ ከም ዝጠሓለት ፡ ብዙሓት ባሕረኛታት ከም ዝቐተሉን ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፔት ሄግሰት ኣረጋጊጹ ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ኣብዝምዕብለሉ ዘሎ ፡ ኣውስትራልያ ኣህጉራዊ ስርዓት ናብ ንቡር ንምምላስ ክትሕግዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጸዊዑ ። ሓንቲ ኢራናዊት ተጻዋቲት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ፡ በቲ ኣብ ሃገራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ጓሂኣ ብብኽያት ገሊጻቶ።

ዉግእ ኢራን ፈጢርዎ ዘሎ ክብሪ ዋጋ ነዳዲን ስግኣት ቁጠባዊ ቅልውላውን፡ 04.03.2026

ውግእ ኢራን ናብ ዝሰፍሐ ዞባዊ ግጭት ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ካብ ብዙሕ ዓመታት ዘይተራእየ ሰማይ ዓሪጉ ። ዝተናውሐ ኲናት ፡ ሰንሰለት ቀረብ ጸዓት ከይዕንቅፍን ሓደገኛ ሳዕቤን ከይህልዎ ተሰጊኡ ኣሎ ፡ ብፍላይ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝርከብ ቀንዲ መስመራት መጓዓዝያ ብምዕጻዉ እቲ ስግኣት ኣብ መላእ ዓለም ኣንጸላልዩ ይርከብ ። ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ ፡ ጽልዋታት ድሮ ይርአ ኣሎ ፣ በዚ ከኣ ነቲ ዓለምለኻዊ ቊጠባዊ ለውጢን ናህሪ ዋጋን ጽልዋ ክህልዎ እዩ ።.

ኤርትራ ድሕሪ ሓድሽ መግለጺታት ኢትዮጵያ መጠንቀቒ ሂባ። 04.03.2026

ኤርትራ ድሕሪ ሓድሽ መግለጺታት ኢትዮጵያ ኣጠንቂቓ። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ንህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ብምትኹታኽ ኲናት ከሲሱ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ዳግማይ ግጭት ንኸይፍጠር ኹሎም ወገናት ብቕልጡፍ ግጭት ከተሃዳድኡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ፀዊዑ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጻ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ናብ ክሊ ኣየር ሱዳን ምእታወን ገሊጹ።

እስራኤል ኣንጻር ኢራንን ሊባኖስን ትገብሮ መጥቃዕቲ ብዝለዓለ ሓይሊ ከምትቕጽሎ ኣፍሊጣ...(ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 04 መግቢት 2026) 04.03.2026

*** እስራኤል ኣንጻር ኢራንን ሊባኖስን ትገብሮ መጥቃዕቲ ብዝለዓለ ሓይሊ ከምትቕጽሎ ኣፍሊጣ... *** ብሰንኪ ቅልውላው ኢራን ፡ ኣውስትራሊያዊያን ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ኣብ ጉያ ዕድጊ ነዳዲ ከይሽመሙ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም.... *** ጋንታ ደቂ’ንስትዮ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ኣንጻር ማቲልዳ ክትገጥም ኣብ ትዳለወሉ ዘላ፡ ተጻዋቲት ኣውስትራሊያ ንትብዓት ጋንታ ኢራን ሞጒሳ።

ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ (AI) ቀልቢን ዕላማን ዘለዎ፡ ዕላማኡ ንኸይፍጽም ዝዓግቶ ዘበለ ከወግድ ዝኽእል ኣምሳል ሰብ’ዩ።” ኤርሚያስ ዘርኣጽዮን 03.03.2026

ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ (AI) ብዘይካ እቲ ዝህቦ ረብሓ ካብዚ ዘለዎ ዝያዳ እንተ ማዕቢሉ ንዘርኢ ሰብ ክሳብ ምጥፋእ ዝከይድ ብልሒ ወይ ዓቕሚ ከምዝህለዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ርድኢትና ብዛዕባ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ AI ንምስፋሕ፡ ምስቲ ተክኖሎጂ ዝመጹ ዘለዉ ዕድላት ክንጥቀመሎም ክንክእልን ካብቲ ዘሎ ሓደጋታት ብኸመይ ክንከላኸል ከምንኽእልን ምስ ክኢላ ሓበሬታ ተክኖሎጂ (IT) ኤርሚያስ ዘርኣጽዮን ዝገበርናዮ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት።

How public and community housing works in Australia - ናይ ህዝባዊ (public) ን ማሕበረሰባዊ (community) መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 03.03.2026

In Australia, government-subsidised rental housing is available for eligible households. Assessment is based on need under criteria that vary depending on your state or territory. Here’s what to expect when applying for different types of housing assistance, some common myths around social housing and where to reach out for help. - ኣብ ኣውስትራሊያ ብመንግስቲ ዝድጎሙ ናይ ክራይ ገዛ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ስድራቤታት ይዳለው እዩ ። ም...

ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ኣጋር ሰርዊቱ ኣብ ዉግእ ኢራን ከዋፍር ይደናደን፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኢስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መጋቢት 2026) 03.03.2026

** ሃገራት ኣውሮጳ ፍሉይ መደብ ምግታእ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ኣፍሊጠን... ** ኣብ መንጎ እስራኤላን ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህን ድሕሪ ዝጀመረ ግጭት፡ ሎሚ ለይቲ ኣብ በይሩትን ደቡባዊ ሊባኖስን ብእስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 52 ሰባት ተቐቲሎም 154 ቆሲሎም። ** ነቶም ኣብ ዱባይ ተከርዲኖም ዝርከቡ በሻሓት ዝቑጸሩ ገያሾ ንምጉዕዓዝ ገሊኦም መገዲ ኣየር ዉሱን በረራታት ጀሚሮም ኣለዉ ። ...

ኣብ ኢራን ብኣመሪካን እስራኤልን ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲን ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኾሚኒ ድሕሪ ምቕታሉን፡ ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲ ይወሃብ ኣሎ።(ዕለታዊ ዜና) 02.03.2026

ኣብ ኢራን ብ ኣመሪካን እስራኤልን ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኾሚኒ ድሕሪ ምቕታሉን፡ ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲ ይወሃብ ኣሎ። ቤት ምኽሪ ኢንሹራንስ ኣውስትራሊያ በቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተጸልዉ ሰባት ናይ ጉዕዞ ውሕስና ኢንሹራንስ ከምዘይሽፍን ኣጠንቂቑ። ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ፡ ሞት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ዝነበረ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ንምጽምባል ፡ ኣብ ፍደገ ኣብ ካንቤራ ዝርከብ ዕጹው ኤምባሲ ኢራን ተኣኪቦም ሓጎሶም ገሊጾም።

ግብጽን ሱዳንን ብሓባር ኢትዮጵያ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ “በይነኣዊ ስጉምትታት” ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ሓቲተን። (ጸብጻብ) 01.03.2026

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ልዕሊ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ብር ንተመዛበልቲ ከተማ ዛላኣንበሳ ሓገዝ ምሃቦም ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ ገሊጹ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ጉዕዞ ማእከላይ ምብራቕን፡ ካብን ናብን ጉዕዞ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ዝምልከት ሓበሬታ ሂቡ። ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዲጂታላዊ መድረኻት ንግዲ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝግበር ምትሕልላፍ ገንዘብን ብክሪፕቶካረንሲን ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ኣብ ሓባራዊ ምክልኻል ዝዓለመ ስምምዕ ተፈራሪመን። ግብጽን ሱዳንን ብሓባር ኢትዮጵያ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ “በይነኣዊ ስጉምትታት” ካ...

Hillary Clinton testifies in Epstein investigation as Democrats claim cover up - ኣብ መርመራ ኤፕስቲን ዲሞክራታውያን ምሽፍፋን ኣሎ ክብሉ ይኸሱ፣ ሂላሪ ክሊንተን ቃላ ትህብ፣ 01.03.2026

Political pressure is intensifying over the release of Jeffrey Epstein investigation files as Hillary Clinton appears before U-S leaders, and Democrats accuse the Justice Department of withholding key records. - ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዝቐረበትሉ፣ ብሰንኪ ምዝርጋሕ ሰነዳት ገበናዊ መርመራ ጀፍሪ ኤፕስቲን ፖለቲካዊ ጸቕጢ እናለዓለ ይኸይድ ኣሎ፣ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት ድማ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ቁልፊ ዝኾኑ መዛግብቲ ሓቢእዎም ወይ ከየውጽኦም ተሪፉ ክብሉ ይኸሱ። እዚ ክትዕ፣ ኣ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ለካቲት 2026) 26.02.2026

ን ሎሚ 26 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ዝነውሐ መደረ ዝተሰምዓሉ ስቴት ኦፍ ዘ ዩኒዮን መደረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ "ወርቃዊ ዘመን" ከም ዘላ ኣዊጁ ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ኣለና። ምስ ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ ዝገበርናዮ ዝርርብ ብዛዕባ ስደትን ኣብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ዘስዕቦ ጉድኣትን ክንምለሶ ኢና። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣርእስታት፡ ፕረዚደንት እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ ዝነበረ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘትዩ። ው...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ለካቲት 2026) 26.02.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ንኣውስትራሊያውያን ስድራቤታት ኣባላት ኢምባሲን ሰበስልጣንን ካብ እስራኤልን ሊባኖስን ክወጹ መምርሒ ሂቡ ። ኣብ ሶማል ብሰንኪ ነዊሕ ደርቂ 6.5 ሚልዮን ሰባት ብርቱዕ ጥምየት የንጸላልዎም ከም ዘሎ መንግስቲ ሶማልን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሊጦም ። ወከልቲ ናይዚ ዓመት "ዚ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ ዘአንግዳ ከተማታት ፡ ካብቲ ፍጻመ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ ናይ ከቢድ ጸጥታዊ ውሕስነት ስክፍታ ከም ዝስምዖም ገሊጾም።

ጸብጻብ ልኡኽና (26 ለካቲት 2026) 25.02.2026

ፕረዚደንት እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ ዝነበረ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘትዩ። ውድብ ወለዶ ትግራይ፡ ነቲ ሲቪልን ፖለቲካዊን ውድባት ትግራይ ብተመሳሳሊ ድምጺ ንዝተቓወሙዎ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ንክእገድ ክሲ መስሪቱ። ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝለኣኽ ዝነበረ ነዳዲ ከም ዝተቛረጸ ኣፍሊጡ።

ኣብ ታሪኽ ዝነውሐ መደረ ዶናልድ ትራምፕን ቀንዲ ትሕዝቶኡን 25.02.2026

ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ዝነውሐ መደረ ዝተሰምዓሉ ስቴት ኦፍ ዘ ዩኒዮን መደረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ "ወርቃዊ ዘመን" ከም ዘላ ኣዊጁ ። እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ እቲ ዝተረኽበ ዓወቱ ብሓበን ብምግላጽን ፡ ናይ ዝመጽእ ዓመት ኣጀንዳኡ ብምግላጽን እቲ ንኽልተ ሰዓት ዝኸውን ዝተገብረ መደረ ፡ ብዜደንጹ መገዲ እዩ ተዛዚሙ ፣

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ለካቲት 2026) 25.02.2026

** ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ሓድሽ እገዳ ብምግባር ንዩክሬን ዝገብሮ ደገፍ ከምዝቕጽሎ ኣፍሊጡ... ** ድሕሪ ስግ ኣት መጥቃዕቲ ቦምባ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ መንበሪኡ ተመሊሱ... *** በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ፡ “ስነ-ምግባር ሚድያ፣ ሕግታት ኢትዮጵያን ሃገራዊ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጸብጻባት ክዝርግሕ ጸኒሑ” ብዝብል ካብ 24 ለካቲት 2026 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ማዕኸን ዜና ‘ኣዲስ ስታንዳርድ’ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

ኣብ ግብጺ: ተታሒዞም ዝለዉ 3,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግፍዒ ይሳቐዩ...... ሓጸርቲ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ለካቲት 2026) 24.02.2026

** ፈደራል መንግስቲ ነቲ ኣብ ኣውስትራልያ ናይ መጀመርታ ልዑል ፍጥነት ዘለዎ መስመር ባቡር ንምህናኣጽ ፕሮጀክት ይሳለጥ ምህላዉ ኣፍሊጡ... ** ኣብ ግብጺ: ተታሒዞም ዝለዉ 3,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ይግፍዑ ምህላዎም ዘይመንግስታዊ ተጣባቒ መሰላት ኤርትራውያን ገሊጹ። ... ** ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ ሓሙሽተ ከባቢታት ፡ ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወጺኡ፡ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብቐጥታ ክመርጻ ንዝወሰኖ ዉሳነ ብ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሰልፊ ስምረት ተቓዊምዎ።

More than style: How First Nations fashion is growing in Australia - ክንዮ ቅዲ: ዕብይት ፋሽን ናይ ቀዳሞት ህዝብታት ኣብ ኣውስትራሊያ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 24.02.2026

If you’ve spent any time in Australia, you’ve probably noticed how relaxed the style is. You might notice activewear, surf brands and casual clothes everywhere. But there’s another side to Australian fashion. Aboriginal and Torres Strait Islander designers have been creating clothes and accessories for thousands of years — and that work is very much alive today. You’ll see it on runways, in global...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ለካቲት 2026) 23.02.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 23 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ቅዱስ ወርሒ ረመዳን ኣትዩ ኣመንቲ ምስልምና መላእ ዓለም ገለ መዓልታት ጾምን ስዕረትን ኣጠናቒቖም ኣለዉ። ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣዳራሻት ቤት ንግድታት ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ቁጽሪ ጸወምቲ ንምእንጋድ መዓጹአን ነዊሕ ሰዓታት ክሳብ ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይን ሰዓታት ወጋሕታን ይኸፍታ’ለዋ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ክሳብ ኣብ 2024 ዘሎ ግዜ፡ 683,000 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉ.ሕ.ሃ ከም ዝተመዝገቡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ዉድብ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ካብ...

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.