SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1237 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Jul 9, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (24 መጋቢት 2026) 24.03.2026

**ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከም ዝዝጀመረ ይገልጽ፡ እስራኤል ግና ኣብ ልዕሊ ኢራንን ሊባኖስን መጥቅዕታ ከምትቕጽል ተፍልጥ። ** ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮጳን ኣውስትራሊያን ስምምዕ ነጻ ንግዲ ይኽተም... ** ምምዝጋብ ካብዝጅመረሉ ኣትሒዙ ካብ 2015-2025 ኣብ ዝነበረ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ፡እቲ ዝወዓየ ኩነታት ኣየር ከምዝነበረ ተፈሊጡ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (23 መጋቢት 2026) 23.03.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 23 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ነታ ኣብ ምበል 66 ዓመት ዕድሚኣ ዝሞተት ወኪል ዓበይቲ ዓዲ ኣብ SBS ሰበይቲ ዊድጃቡል ዊያ ባል ሮዳ ሮበርትስ ክብርን ዝኽርን ይወሃብ ኣሎ ። በቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ዓይነት መንሽሮ ማህጸን ምስ ሓዛ ድሕሪ ሓጺር ቃልሲ ፡ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ [21 መጋቢት] ኣብ ሃገራ ፡ ስድራ ቤታ ኣብ እተኸብበትሉ ዓሪፋ ። ።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ብዛዕባ ረመዳን፡ ኣብ ልዕሊ ምስልምና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽል ኢ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጽልዋ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስ...

"ንመጻብቦ ኩርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ክዓጽዎ'የ።" ኢራን፡ ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (23 መጋቢት 2026) 23.03.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ኣውስትራሊያ [ANIC] ብ ኣባል ሰልፊ ዋን ኔሽን ዝኾነ ኣባል ፓርላማ-በርናቢ ጆይስ ንዝሃቦ ርእይቶታት ኮኒኑዎ። እቲ ብእስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጥቃዕቲ ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ባይታ ወራር ከም ዝፍጸም ዝሕብር ምዃኑ ፕረዚደንት ሊባኖስ ዝነበረ ጆሴፍ ኣውን ገሊጹ ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሳውዝ ኣውስትራሊያ ዝተካየደ ምርጫ ሰልፊ ዋን ኔሽን እንተ ወሓደ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ሓደ መንበር ክዕወት ትጽቢት ይግበረሉ:

ህወሓት መናእሰይ መስርዕ ክመልኡ፣ ክዕለሙን ክዕጠቑን ፀዊዑ። (ጸብጻብ) 23.03.2026

ኣብ ሱዳን ርክብ ትግራይን ኤርትራን ዘጎልብት ዩ ዝተብሃለ መድረኽ ተኻይዱ ። ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፡ ትግራይ ናብ ኩናት ክመልሳ ዘገድድ ጉዳይ " ተመዛበልትን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ዘይምምላሶም ዩ” ክብል ገሊጹ። ህወሓት መናእሰይ መስርዕ ክመልኡ፣ ክዕለሙን ክዕጠቑን ፀዊዑ። ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ብወግዒ ተኸፊቱ። ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ተጻባኢ ኣጀንዳ ናይ ወጻኢ ኣእዳው ዘለዎ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ናይ 6 ከተማታት ሰበስልጣን ብዕጡቓት ተቐቲሎም።

ስንብታ: ተቓላሲት ባህሊ ደቀባት ኣውስትራሊያ ሮዳ ሮበርትስ 22.03.2026

ነታ ኣብ ምበል 66 ዓመት ዕድሚኣ ዝሞተት ወኪል ዓበይቲ ዓዲ ኣብ SBS ሰበይቲ ዊድጃቡል ዊያ ባል ሮዳ ሮበርትስ ክብርን ዝኽርን ይወሃብ ኣሎ ። በቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ዓይነት መንሽሮ ማህጸን ምስ ሓዛ ድሕሪ ሓጺር ቃልሲ ፡ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ [21 መጋቢት] ኣብ ሃገራ ፡ ስድራ ቤታ ኣብ እተኸብበትሉ ዓሪፋ ። እታ ህብብቲ ጸሓፊት ፡ ተዋሳኢትን ዳይረክተርን ኣብ 2016 ስነጥበብን ዓቢ ጽልዋን ኣብ መድረኽን ስክሪን ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ተሸላሚት ኦርደር ኦፍ ኣውስትራሊያ እያ። ስድራ ሮዳ ሮበርት ፡ ኤስቢኤስ ስእልን ድምጽን ክዝርግሕ ፡ ህይወታ ከኽብሩን ከዝክሩን ፡ ከምኡ 'ውን ነቲ ነባሪ ዝገደፈቶ ሓድጊ ህይወታ ክዝርዘር ፍቓድ...

UN warn of growing landmine contamination as countries abandon treaty - ሃገራት ካብ ውዕላት ኣብ ዝሃድማሉ እዋን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እናዓበየ ዝኸደ ብከላ ነተጒቲ የጠንቅቕ 22.03.2026

The heads of the UN land mine action program for Ethiopia and Sudan have called for more funding and awareness over the munitions, which kill and maim a disproportionate number of children. They are launching the International Campaign to Ban Landmines, hosted by the United Nations Institute for Disarmament Research. - ሓለፍቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት መደብ ስጉምቲ ምጽራግ ነተጒቲ ንኢትዮጵያን ሱዳንን ዝያዳ ገንዘብ ክምደብን ኣፍልጦ ብዛዕባ ነተጒ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 መጋቢት 2026) 19.03.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 19 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ መጠን ወለድ ብ25 ሚእታዊ ብምውሳኽ ናብ 4.1 ሚእታዊት ክብ ኣቢልዎ ኣሎ ። እዚ ብተኸታታሊ ንካልኣይ ግዜ እዩ ምጠን ወለድ ዝውስኽ ዘሎ፣ ኣብ ዝቕጽል'ውን ክውስኽ ትጽቢት ይግበር። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ናይ ሎሚ ዓመት ረመዳን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓያል ዉግእ ኣብ ዝካየደሉን ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ጽልኣት ምስልምና ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ከምዝዓቢ ሓድሽ ሓበሬታ ዝወጻሉን እዩ ዝጽወም ዘሎ። እዚ ኩነታት ን ኣመንቲ ብኸመይ ጸልይዎም፧ ኣብ ዝተፋለልዩ ሃገራት ማእከላይ ምብራ...

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (19 መጋቢት 2026) 19.03.2026

ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ነቲ ኣብ ጥቓ ኣህሳህሉያ ዝርከብ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መኸዘኒ ጋዝ ኣጥቂዓ። ናይ ሳውዝ ኣውስትራልያ ፕሪመር፡ ፒተር ማሊናውስካስን መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ኣሽተን ሃርንን ቅድሚ እቲ ኣብ ቀዳም ዝግበር ምርጫ ፡ ናይ መወዳእታ ክትዕ ኣካይዶም ። እስራኤል ካልእ ላዕለዋይ ኢራናዊ በዓል ስልጣን ከምዝቐተለት ገሊጻ ፣ንሱ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ዝቕተል ዘሎ ሳልሳይ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኢራን'ዩ ።

#106 Mmm or Hmm? Trying new and unusual food - #106 ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS ; ምጥዓም ሓድሽን ዘይልሙድን ዓይነት መግቢ፡ Mmm or Hmm? Trying new and unusual food 18.03.2026

Learn useful English for talking about unusual or strong flavours. Practise everyday phrases for reacting to new foods, sharing opinions, and encouraging someone to try something new. - ብዛዕባ ዘይልሙድን ፍሉይ ጣዕሚ ዘለዎ መግቢ ብእንግሊዝኛ ብኸመይ ከምዝግለጽ ጠቓሚ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ። Learn useful English for talking about unusual or strong flavours. Practise everyday phrases for reacting to new foods, sharing opinions, and en...

ኣብ መቐለ ካልእ ጋዜጠኛ ቴለቪዥን ትግራይ ተኣሲሩ። ኣቐዲሙ ዝተኣስረ ሸዊት ገብረእግዚኣብሄር ድማ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ። (ጸብጻብ) 18.03.2026

ልኡኽ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ዘትዩ። ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ፡ ይወሃብ ኣሎ። ኣብ መቐለ ካልእ ጋዜጠኛ ቴለቪዥን ትግራይ ተኣሲሩ። ኣቐዲሙ ዝተኣስረ ሸዊት ገብረእግዚኣብሄር ድማ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ። ተሓላቒ ትካል ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ ኣብ ትግራይ "ሰባት ዓፊንካ ምጥፋእ"ን "ካብ ፍርዲ ወፃኢ ምእሳርን" ይጋደድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያን ኢጣልያን ኣብ ትሕቲ ማዕቀፍ G20 ክልተኣዊ ስምምዕ ዳግመ ውደባ ዕዳ ፈሪመን።መራሕቲ ኢትዮጵያን ኢማራት ዓረብን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘትዮም። ካብተን 31 ንግዳዊ ባንክታት ኢትዮጵያ፡ እተን 25 ብምንኣስ ዓቕሚ ክወሃዳ ከም ዝ...

ኣብ ኣውስትራሊያ ወሲኹ ዘሎ መጠን ወለድ፡ ብስንኪ ዉግእ ኢራን ዶ ብኻልእ ምኽንያት፧ 18.03.2026

ማእከላኣይ ባንክ መጠን ወለድ ብ25 ሚእታዊ ብምውሳኽ ናብ 4.1 ሚእታዊት ክብ ኣቢልዎ ኣሎ ። እዚ ብተኸታታሊ ንካልኣይ እዩ ምጠን ወለድ ዝውስኽ ዘሎ፣ ኣ ዝቕጽል'ውን ክውስኽ ትጽቢት ይግበር።

እስራኤል፡ ንሓደ ላዕለዋይ ኢራናዊ በዓል-ስልጣን ጸጥታን ንኣማኻሪ ኑክልየሳዊ ስትራተጂን ዓሊ ላሪጃኒ ከም ዝቐተለት ገሊጻ። (ሓጸርቲ ዜናታ SBS ትግርኛ 18 /03/026) 17.03.2026

** እስራኤል ፡ ንሓደ ላዕለዋይ ኢራናዊ በዓል-ስልጣን ጸጥታን ኣማኻሪ ኑክልየሳዊ ስትራተጂን ዝነበረ ዓሊ ላሪጃኒ ፡ ከም ዝቐተለት ገሊጻ ። ** ናይ ኣውስትራሊያ ዓበይቲ ኣርባዕተ ባንክታት ምስቲ ናይ ትማሊ መጠን ገንዘብ ምውሳኽ ብዝተኣሳሰረ ናይ ገዛ መጠን ወለድ ልቓሕ ብ25 ሚኢታዊ ከምዝውስኹ ኣፍሊጦም ኣለው ። ** ኣብ ኩባ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ፡ ንህዝቢ ኩባ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ጸበባ ኣእትይዎም ከም ዘሎ ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጕዳያት ገሊጹ ።

Have you considered a career in translating and interpreting? - ሞያ ስራሕ ምትርጓምን ምስትርጓምን፡ 17.03.2026

Have you ever considered using your bilingual skills to assist others? A career in translating and interpreting might be for you. In Australia you can train for a TAFE certificate all the way to Master’s degree prior to getting certified. In this episode we help you navigate the pathway to becoming a qualified practitioner. - ነቲ ዘለካ ናይ ብዙሕ ቋንቋታት ክእለትኩም ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክትጥቀምሉ ሓሲብኩምሉ'ዶ ትፈልጡ ? እቲ ናይ ምትርጓ...

"ዉሑዳት ፖለቲከኛታት'ዮም ንጸቢብ ረብሓ ጸረ ምስልምና ዘለዓዕሉ ዘለዉ ብዙሓት ግና ነዚ ዝጻረርዎ ኣለዉ።" ጋዜጠኛ ብርሃን ጃብር 16.03.2026

ናይ ሎሚ ዓመት ረመዳን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓያል ዉግእ ኣብ ዝካየደሉን ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ጽልኣት ምስልምና ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ከምዝዓቢ ሓድሽ ሓበሬታ ዝወጻሉን እዩ ዝጽወም ዘሎ። እዚ ኩነታት ን ኣመንቲ ብኸመይ ጸልይዎም፧ ኣብ ዝተፋለልዩ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ተዓጊቶም ዝለዉ ኣዝማድ ቤተ ሰብን ምስዚ ዛዕባ ዝተሓሓዝ ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን ጃብር ዝተገብረ ጻኒሒት።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (16 መጋቢት 2026) 16.03.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ጸሓፊ ጸዓት ኣመሪካ: ክሪስ ራይት ፡ እቲ ኣንጻር ኢራን ዝግበር ውግእ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ከም ዘብቅዕ ገሊጹ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ ብዛዕባ’ተን ናብ ኢራን ዝመለሳ ኣባላት ኩዕሶ እግሪ ኢራን ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ። ካንታ ኩዕሶ እግሪ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ/ማቲልዳስ ዝሓለፈ ዓርቢ [13/03/26] ንሰሜን ኮርያ ኣብቲ ናይ ርብዒ ፍጻመ እተገብረ ግጥም ድሕሪ ምስዓራ ፡ ጽባሕ ሰሉስ ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ኤስያ ኣንጻር ቻይና ክትገጥም ትዳሎ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (16 መጋቢት 2026) 16.03.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 16 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣታዊታት ሩስያ ካብ ሰደድ ነዳዲ ኲናት ኣሜሪካ-እስራኤል ኣብ ኢራን ካብ ዝጅመር ንድሓር ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ ክብሉ ሓደስቲ ኣሃዛት ኣመልኪቶም፡ ሩስያ ነቲ ናታ ኲናት ኣብ ዩክረይን ንምምዋል ክጥቀመሉ'ያ ዝብል ፍርሒ ድማ ኣሕዲሩ'ሎ። ።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ብዛዕባ ረመዳን፡ ኣብ ልዕሊ ምስልምና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽል ኢ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጽልዋ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስማዒል ዝገበርናዮ ዕላል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰ...

ጽልኣት ኣብ ልዕሊ ምስልምና ካብ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ኣውስትራልያ ከምዝገድድ ተፈሊጡ፡ 16.03.2026

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራሊያ ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምምካት ጸረ ምስልምና ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና መጥቃዕቲ ፣ ምዉራድን ጽልእን ንምዉጋድ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ ። ኮሚሽነር ዓሌታዊ ኣድልዎ ጂሪ ሲቫራማን መንግስቲ ንሃገራዊ ፀረ-ዓሌትነት ብዝምልከት መደብ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ምላሽ የለን ይብል ። እቲ መደብ ኣብ ሕዳር 2024 እዩ ተጀሚሩ: እንተዀነ ግን መንግስቲ ገና ምላሽ ክህብ እዩ ።

'Only one winner in this war': How the war on Iran is bankrolling the war on Ukraine - 'ኣብ'ዚ ኲናት ሓደ ተዓዋቲ ጥራይ'ዩ ዘሎ': ኲናት ኣብ ልዕሊ ኢራን ከመይ ኢሉ ንኲናት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ይምውሎ'ሎ 15.03.2026

New data shows that Russia's oil export earnings have soared since the US-Israeli war in Iran broke out, sparking fears that Russia will use this war to finance its own in Ukraine. As the United States lifts sanctions and Europe considers more flexibility, Russia says the world is coming to understand the importance of its resources. - ኣታዊታት ሩስያ ካብ ሰደድ ነዳዲ ኲናት ኣሜሪካ-እስራኤል ኣብ ኢራን ካብ ዝጅመር ንድርሓር ብዝለዓለ...

"ተስፋ ለ ሰላም" ብዝብል ተበግሶ ኣብ መንጎ ትግራይ፣ ኣምሓራ ዘተ ንምክያድ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ። (ጸብጻብ) 15.03.2026

ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ቀዳማይ ‘ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ’ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። "ተስፋ ለ ሰላም" ብዝብል ተበግሶ ኣብ መንጎ ትግራይ፣ ኣምሓራ ዘተ ንምክያድ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ። ሜላት ኪሮስ ኣብ ዴንቨር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዲሞክራታት ቀዳማይ ብርኪ መረፃ ዓወት ኣመዝጊባ። ውድብ ሳልሳይ ወያነ ኣብ ኣባሉ ዝኾነ መምህር ሸዊት ውዳሴ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ኮኒኑ። ኢትዮጵያ ን40 ኣብያተ ትምህርቲ ስደተኛታት ናብ ሃገራዊ ስርዓተ ትምህርቲ ከተእቱ ምዃና ተሓቢሩ። ኣብ ዞባ ጋሞ ድሕሪ ዘጋጠመ ምንሽርር መሬት ልዕሊ 125 ሰባት ደ

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (12 መጋቢት 2026) 12.03.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ሓድሽ መጥቃዕቲ ፈጺማ ፡ በቲ ኣብ ከባቢ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንኣርባዕተ ሰባት ጎዲኡ ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ውግእ ዝያዳ እንተ ኣስፋሕፊሑን ዓብዩን ፡ ዋጋታት ነዳዲ ንሓደ በርሚል $US200 [[A$300]] ክኸውን ከምዝኽእል ወተሃደራዊ እዚ ኢራን ኣጠንቂቑ ። ሚኒስተር ስፖርት ኢራን ኣሕመድ ዶኒማሊ ፡ ሃገሩ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ ክትወዳደር ከም ዘይትኽእል ገሊጹ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (12 መጋቢት 2026) 12.03.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 12 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘካይዳኦ ዘለዋ ውግእ ፡ ቀንዲ ሰንሰለት ነዳዲ ዘይትን ጋዝን ብምዕንቃፉ ፡ ዋጋታት ነዳዲ ዓለም ሰማይ ይዓርግ ኣሎ ። መራሕቲ ዓለም ፡ ነቲ ኣብ ዘይግዜኡ ብኣመሪካ ዝተወለዐ ኲናት ፡ብጥርጣረን ብዝተሓዋወሰ ስምዒት ዝዕዘብሉ ዘለዉ ፡ ንቐጻሊ ጸቕጥታት ጸዓት ኣብ ምድላው ይርከቡ ኣለዉ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ቅድሚ ብልጃኻ ምጥርናፍ ምሕሳብ : መብርሂ ብዛዕባ ሕግታት ብዶባት ቁጽጽር ዝግበረሎም ነገራትን ስነ-ህይወታዉያን ትሕዝቶታት። ትሕዝቶ ዘለዎ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊ...

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኢትዮጵያውያን ናይ ቪዛ መጠንቀቕታ ሂቡ። (ጸብጻብ) 12.03.2026

ሃገራዊ ማሕበር ላቦራቶሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ሓሙሻይ ጉባኤኡ ኣካይዱ። ሃገራዊ ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ን7 ኣብነታውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓረስቶት መተባብዒ ሂቡ። ውድብ ስምረት ንውሳነ ቦርድ መረጻ ዘቐረቦ ክሲ ስሒቡ። ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ከቢድ ፋይናንሳዊ ፀገም ኣብ ሓደጋ ምዕፃው ከምዘለዋ ኣፍሊጡ። ጉግል ኣብ ሰርች ኢንጅን ኣምሓርኛ፣ ኣፍን ኦሮሞን ሶማልኛን ዝርከቡዎም 13 ቋንቋታት ኣፍሪቃ፡ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽደ፡ ኣጠቓቕማ ነዳዲ “ብዓቢ ጥንቃቐ” ክግበር ኣተሓሳሲቡ። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኢትዮጵያውያን ናይ ቪዛ መጠንቀቕታ ሂቡ።

#105 Celebrating small wins at work - #105 "ምጽምባል ንኡስ ዓወት ኣብ ስራሕ" (Celebrating small wins at work)፡ ት፣ህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ 11.03.2026

Learn useful English for talking about small wins at work. Practise phrases for celebrating achievements, staying motivated, and making progress step by step. - ብዛዕባ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ንእሽቶ ዓወት ምዝራብ ፡ ጠቓሚ እንግሊዝኛ ምፍላጥ ። ዓወታት ንኽትጽምብል ፡ ንኽትድረኽ ፡ በብደረጃኡ ድማ ዕቤት ንኽትገብር ዝሕግዝ ሓረጋት እንግሊዝኛ ተላመድ ። Learn useful English for talking about small wins at work. Practise phrases for celebrating achievements, staying motiv...

ዋጋታት ነዳዲ ዓለም ይንህር፡ ዜጋታት ንምእካብ ይቀዳደሙ: መንግስታት ስጉምቲ ይወስዱ 11.03.2026

ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘካይዳኦ ዝዘለዋ ውግእ ፡ ቀንዲ ሰንሰለት ነዳዲ ዘይትን ጋዝን ብምዕንቃፉ ፡ ዋጋታት ነዳዲ ዓለም ሰማይ ይዓርግ ኣሎ ። መራሕቲ ዓለም ፡ ነቲ ኣብዘይግዜኡ ብኣመሪካ ዝተወለዐ ኲናት ፡ብጥርጣረን ብዝተሓዋወሰ ስምዒት ዝዕዘብሉ ዘለዉ ፡ ንቐጻሊ ጸቕጥታት ጸዓት ኣብ ምድላው ይርከቡ ኣለዉ ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (11 መጋቢት 2026) 11.03.2026

** ካብ ኣባላት ጋንታ ኲዕሶ ደቂ ኣንስትዮ ኢራን ተወሰኽቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ዑቕባ ከምዝሓተታ ተገሊጹ። ** ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝበሎ ዝጻረር እኹል መርትዖታት ይቐርብ... ** ኣብ ኖርዝ ተሪቶሪ ን ኲንስላንድን ከቢድ ምዕልቕላቕ ማይ ይቕጽል ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.