SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Where to listen?
Podcasts in the app Replaio Radio Coming soonPodcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts
Episodes
Australia’s summers being transformed as climate change drives heatwaves - ለውጢ ክሊማ ንሙቐት ሓጋይ ኣውስትራልያ እናጋደዶ ይኸይድ ኣሎ፣ እንታይ ክንገብር ኣለና፧ 25.01.2026 9:44
Australian summers are undergoing what scientists call a "total transformation," with a new study from World Weather Attribution revealing the country can now expect heatwaves every five years on average. The study's researchers say climate change made Australia's blistering heatwave in early January five times more likely, and there's an urgent need for the country to adapt to changed conditions....
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥሪ 2026) 22.01.2026 10:26
ኣርእስታት ዜና፥ ምስ ፍልስጤማውያን ዝደናገጹ ተጣበቕቲ ፡ ብመንግስቲ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ ሕግታት ናይ ጽልኢ ዘረባ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዚወርድ ነቐፌታ ንምዕፋን ከም ዘገልግል ይማጐቱ ። ኣብ ሱዳን ለበዳ ሕማም ዴንጊ ፌቨርን ብልዑል ፍጥነት ይላባዕ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ግጥማት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ኣውስትራሊያዊ ኣሌክስ ደ ሚኖር ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓት ከቢድ ጸወታ ንሰርብያዊ መወዳድርቱ ሃማድ መድጀዶቪች ስዒሩ ናብ ሳልሳይ ዙር ኣመሪሑ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥሪ 2026) 22.01.2026 47:38
ን ሎሚ 22 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ብዛዕባ መበል 600 ዓመት ፅምብል ምስረታ ከተማ ዓዲግራት ካብ ኣቶ የማነ ተኽለማርያም ኣተሓባባሪ ቱሪዝም ናይታ ከተማ መብርሂ ክህብ ል ኡኽና ጸጋይ ክንፈ ኣዘራሪብዎ ኣሎ። ኣብቲ ዝርርብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዶባት ርክባት ህዝቢ ንዘላቒ ሰላም ከውዕሉዎ እቲ ሓላፊ ጸዊዑ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ዘተኣታተዎ ብደረጃ ዓለም ቀዳማይ ዝኾነ ሕጊ እገዳ ንቖልዑ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዘቚጸረ ኮይኑ ፡ ምስ ዓመታዊ ዕረፍቲ ተመሃሮ ኣውስትራሊያ ተሳንዩ እዩ ። እቲ እገዳ ክሳብ ሕጂ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ይውዕል...
"ኣብ ኩሉ ዶባት ምስ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ፍቓድ ካብ ምምሕዳር ከይሓተተ ባዕሉ ጥሒሱ ርክብ የካይድ’ዩ ዘሎ፡ እዚ ተጠናኺሩ ክቕጽል ኣለዎ።”ኣቶ የማነ ኣ/ ቱሪዝም ዓዲ ግራት 21.01.2026 12:55
መብርሂ ብዛዕባ መበል 600 ዓመት ፅምብል ምስረታ ከተማ ዓዲግራት ካብ ኣቶ የማነ ተኽለማርያም ኣተሓባባሪ ቱሪዝም ናይታ ከተማ። መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዶባት ርክባት ህዝቢ ንዘላቒ ሰላም ከውዕሉዎ እቲ ሓላፊ ጸዊዑ።
ማሕበራዊ መራኸቢ ከይጥቀሙ ዝተኣገዱ መንእሰያት ዕረፍቶም ብኸመይ የሕልፍዎ ኣለዉ፧ 21.01.2026 9:42
መንግስቲ ኣውስትራሊያ ዘተኣታተዎ ብደረጃ ቀዳማይ ዝኾነ ሕጊ እገዳ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዘቚጸረ ኮይኑ ፡ ምስ ዓመታዊ ዕረፍቲ ተመሃሮ ኣውስትራሊያ ተሳንዩ እዩ ። እቲ እገዳ ክሳብ ሕጂ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፡ ክኢላታት ማሕበራዊ መራኸቢታትን መንእሰያት ተገራጫዊ ርእይቶታት ኣሎ ። ይኹን እምበር ፡ መንእሰያት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ክጥቀሙ ብዙሕ ዕድል ስለ ዘይብሎም ፡ ትርፊ ግዜኦም ብኸመይ የሕልፍዎ ኣልዉ ?
#102 Getting organised (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ ኤስ ቢ ኤስ፡ #102 ድሉው ምዃን ፡ #102 Getting organised (Med) 21.01.2026 9:24
Learn practical English phrases for getting organised and managing daily tasks, including planning ahead, meeting deadlines, and staying on top of responsibilities. - ኣቐዲምካ መደብ ምግባር፡ ንዝተዋህበካ ዕማም ብ ኣጋ ኡ ንምፍጽምን ሓላፍነትካ ምውሳድን ዝምልከቱ ኣበሃህላታት ዝሕግዙ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ክንጥቀመሎም ንኽእል ሓረጋት እንግሊዝኛ ብቕልል ዝበለ ክንጥቀመሎም ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ። Learn practical English phrases for getting organised and managing daily tasks, including...
ወጥሪ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ይውስኽ፡ ሓጺርቲ ዚናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ጥሪ 2026) 21.01.2026 4:28
** ኣባላት ሰልፊ ናሽናልስ ኣብ ሰነት ዝቐርብ እማመ ሕጊ ዘረባ ጽልእን ጠበናጁን ኣንጻሩ ከምዘድምጹ ኣፍሊጦም … ** እስራኤል ኣብ የሩሳለም ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ‘ኣንርዋ’ (UNrwa) ተፍርሶ... ** ሃገራት ኣውሮጳ ኣንጻር እቲ ትራምፕ ወጢንዎ ዘሎ ወረራ ግሪንላንድ ድምጸን የስምዓ።
What actually happened on January 26? - ኣብ ጥሪ 26 ብርግጽ እንታይ'ዩ ተፈጢሩ? 20.01.2026 7:27
January 26 is one of the most debated dates in Australia’s history. Often described as the nation’s birthday, the day marks neither the formal founding of the colony nor the creation of the Commonwealth. Instead, it reflects a layered history shaped by colonisation, political decisions, and ongoing First Nations resistance. Understanding what actually happened on January 26 reveals why the date is...
“ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ክዓርቕ ድሉው እየ፡” ሕብረት ኣውሮጳ። (ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 20 ጥሪ 2026) 20.01.2026 5:01
** ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓታት ሰለስተ ሰባት ብሻርክ ድሕሪ ምጥቃዖም 20 ገማግም ባሕሪ ናይ ሲድኒ ትዓጽዮም። ** “ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ክዓርቕ ድሉው እየ፡” ክብል ሕብረት ኣውሮጳ ገሊጹ። ዶናልድ ትራምፕ ንግሪንላንድ ክወስድ ኣብዝሸባሸበሉ ነቲ መደብ ንምምካት ሕብረት ኣውሮጳ ህጹጽ ጉባኤ ጸዊዑ። ** ኖቫክ ጃኮቪች ኣብ ኣውስትራሊያ ኦፐን ንመበል 100 ሳዕ ብምስዓር ታሪኽ ሰሪሑ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ጥሪ 2026) 19.01.2026 49:58
ን ሎሚ 19 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ኣሜሪካ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምቲታትን ዝኽተሎም ዘሎ ፖሊሲታትን ንኣውስትራልያ ወሲኽካ ምስ ፈተውትን ጸላእትን ዘሰሓሕቡ ኮይኖም ኣለዉ። ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ወሪሩ ዝጨወየ ስርሒት፣ ምፍርራሓት ወራር ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮ፣ ካናዳ፣ ግሪንላንድ፣ ኮሎምቢያ፣ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ናይ ቀረባ ኣብነታት'ዮም። ነዚኦም ምዕባለታት ምስ ግብረመልስታት ዓለምን ዝጸንሐ ኣካይዳ ፖሊሲታት ወጻኢ ኣሜሪካን ብምንጽጻር ምስ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ዝሃቦ መብር...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ጥሪ 2026) 19.01.2026 10:24
ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ተቓዋሚ ነቲ ሰልፊ ለበር ኣሚምዎ ዘሎ ሕጊታት ብዛዕባ ምዝራብ ጽሊኢ ኣብ ባይቶ ክሓልፍ ክቃወሞ ምዃኑ ኣየፍለጠን ። ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሙሴቨኒ ተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት ክመርሕ ተመሪጹ ተባሂሉ። ኣብ ግጥማት ኣውስትራሊያ ኦፐን ምስንምለስ ካርሎስ ኣልካርታዝን ኣሪና ሳባለንካን ናብ ካልኣይ ዙር ናይ ቲ ዉድድር ከምዝሓለፉ ተፈሊጡ ።
ኤርትራን ህወሓትን ንክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጎም። (ጸብጻብ) 18.01.2026 6:02
በዓል ጥምቀት፡ ኣስመራ፣ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኽበር ኣሎ። ኣዛዚ ኣርሚ 15 ሰራዊት ትግራይ ዝነበረ ብርጋደር ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ተኣሲሩ። ኤርትራን ህወሓትን ንክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጎም። ስርዓተ ቀብሪ ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ተፈፂሙ።
ኣብ መልበርን ዝፈርስ ዘሎ 44 ግምብታት ህዝባዊ መንበሪ ኣባይትን ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶታትን። 18.01.2026 15:56
ኣብዚ ክብሪ መነባብሮ ንሂርሉ ዘሎን ቅልውላው መንበሪ ኣባይቲ ኣጋጢምሉ ዘሎ እዋን መንግስቲ ቪክቶሪያ 44 ዝኸውን ኣብ መልበርን ዝርከብ ግምብታት መንበሪ ኣብ ምፍራስ ይርከብ ። እዚ ምፍራስ ደው ክብል ብዙሕ ድፍኢት እኳ እንተ ተገብረ ፡ መንግስቲ ቪክቶርያ ነቲ መደብ ንምትግባር ይደፍኣሉ ኣሎ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2026) 15.01.2026 55:38
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስቢኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2026) * ዜና ቡለቲን (ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ) * ግጥም ባይታ ቴኒስ ኣውስትራልያን ኦፕን 2026 ይጀማምር ኣሎ፣ እቶም ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ተወዳደርቲ ትፈልጡዎም ዲኹም፧ መን ክዕወት ትጽበይዎ፧ * ጸብጻባት ልኡኽና [- ክሲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ኤርትራን፣ ምድላው ንመረጻ ኣብ ትግራይ፣...] * ኣሜሪካን ፖሊሲኣን ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ትራምፕ ንፈተውትን ጸላእትን ብማዕረ ዘቐይምን ዘሐጉስን ዘሎ ይመስል። ካብ ናይ ቀደም ፖሊሲታት እንታይ ፍልልያት ኣለዎም፧ ዝመጽእ ሰለስተ ዓመት ከ እንታይ ክንጽበ ኢና፧ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲከን ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምድህ...
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2026) 15.01.2026 9:46
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2026) * ሓደ ኣውስትራልያዊ ጉጅለ ኒዮ-ናዚ ክንብተን ኢና ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ ሓደ ኣባል ሰልፊ ለይበር ንኣኽረርቲ ጉጅለታት ንምእጋድ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ የድምዕ ኣሎ ይብል፣ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኢማማት ኣውስትራልያ ግን ገለ መዳያቱ ንማሕበረሰብ ኣስላም ብዘይመጠን ጾር ክኾኖም`ዩ ይብል፣ * ክሊማ ዝከታተል ጉጅለ ኮፐርኒከስ፣ 2025 ኣብ መዝገብ እታ ሳልሰይቲ ዝወዓየት ዓመት ምንባራ ኣረጋጊጹ፣ * ቁጽሪ ሞት ካብ ምዕፋን`ቶም ንኢራን ወሪሮማ ዘለዉ ኣድማታትን ተቓውሞታትን ብውሑዱ ናብ 2571 ደይቡ፣ * ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ዋንጫ ካራባኦ ኣርሰናል ንቸልሲ 3-2 ስዒራታ፣
Australian Open gets underway: what to know about this year’s tournament - ግጥማት ባይታ ቴኒስ ኣውስትራልያን ኦፕን ይጅመር ኣሎ፣ ከመይ ክኸይድ'ዩ፧ መነመን'ዮም እቶም ሓያላት፧ 15.01.2026 8:35
One of the world's biggest tennis tournaments is back for another year as the Australian Open gets underway in Melbourne. Here's a breakdown of some of the details of the Australian Grand Slam as well as some key names to watch out for. - ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ዓለምና ዝዓበዩ ውራያት ግጥማት ባይታ ቴኒስ ዝኾነ ኣውስትራልያን ኦፕን ንካልእ ዓመት ተመሊሱ ብምምጻእ ኣብ ከተማ መልበርን ክካየድ ጀሚሩ'ሎ። እዚ ገለ ካብ ዝርዝራት'ዚ ኣውስትራልያዊ ግራንድ ስላምን ቀንዲ ተጠመትቲ ኣስማትን ዝህብ ትሕዝ...
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ከሲሱ፣ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ትግራይ ንምክያድ ምድላዋት ተገይሩ፣ (ጽብጻባት ልኡኽና) 14.01.2026 6:23
ጸብጻብ ልኡኽና (15 ጥሪ 2026) * መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ትግራይ ንምክያድ ዘድሊ ቅድመ ምድላዋት ከም ዝተገብረ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፣ * መንግስቲ ኢትዮጵያን ንህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ከሲሱ፣ * ኣብ ስዊድን ዝመደበራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንግስቲ ስዊድን ምወላ ከምዘይትረክብ ተገሊጹ፣ * ሰራዊት ሱዳን ኣብ ከባቢ’ታ ምስ ኢትዮጵያ ትዳወብ ግዝኣት ብሉ ናይል፡ መካይን RSF ከምዘዕነወ ሓቢሩ:
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (14 ጥሪ 2026) 14.01.2026 6:04
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (14 ጥሪ 2026) * ኣብ ጽባሕ’ቲ ዓቢይ መዘራረቢ ኣርእስቲ ዝፈጠረ ምስጓግ ፍልስጤማዊት-ኣውስትራልያዊት ደራሲት ምውራድ ኩሎም ኣባላት ቦርድ ተኸቲሉ ቅነ ጸሓፍቲ ኣደላይድ ተሰሪዙ፣ * መንግስታዊ ተለቪዥን ኢራን ብሰንኪ’ቶም ጸረ’ቲ-ስርዓት ዝካየዱ ዘለዉ ተቓውሞታት ዝሞቱ ሰባት ንፈለማ እዋን ወግዓዊ ኣፍልጦ ሂቡ፡ * ምስንባት ካብ ኣምባሳደርነት ኣውስትራልያ ኣብ ኣሜሪካ ንቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኬቪን ራድ ቅጽበታዊ መወዳእታ ናይ’ቲ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘሕለፎ ህይወት ክኸውን’ዩ፣
How to cater for your dietary restrictions - ብምኽንያት ጥዕና ወይ ሃይማኖት ውሱን ዓይነት መግቢ ጥራይ ክትምገቡ ምስ ዝህልወኩም ከመይ ተማልእዎ? 13.01.2026 12:29
Australia is known as the allergy capital of the world. Our diverse population also means that we express our religious beliefs, ethics, health and personal choices through the food we eat. We called on some experts to help us navigate all the labelling, certifications and resources that can inform our food choices. - ኣውስትራሊያ ዋና ከተማ ኣለርጂ ተባሂላ ከምትፍለጥ ትፈልጡ'ዶ፧ ህላወ ብዙሕነት ኣብ ህዝብታታ ማለት ሰባት ሃይማኖታዊ እምነቶም፡...
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (13 ጥሪ 2026) 12.01.2026 5:35
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (13 ጥሪ 2026) * ኣንቶኒ ኣልባነዚ ባይቶ ዝመጽእ ሶኑይን ሰሉስን ንስራሕ ክምለስ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኢማማት ኣውስትራልያ ጽልኢ እስልምናን ኣስላምን ዝመንቀሊኡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣስላማይ ሃይማኖታዊ መራሒን በዓልቲ ቤቱን ኮኒኑ፡ * ኩነታት ባርዓት ሓዊ ኣብ ቪክቶርያ እናዘሓሉ ይኸዱ'ለዉ፣ እንተኾነ ግን እቲ ስግኣት ገና ኣይተወደአን፡ * ኣብ ኣሜሪካ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣቦ መንበር ፌደራል ሪዘርቭ (ማእከላይ ባንክ) ጀሮም ፓወል ገበናዊ መርመራ ከፊቶም፣
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ጥሪ 2026) 12.01.2026 52:30
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ጥሪ 2026):- [ትሕዝቶታቱ] * ዜና ቡለቲን ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * መዋእለ ህጻናት ኣብ ኣውስትራልያ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ሰሙን ነጻ ኮይኑ፣ * ጸብጻባት ልኡኽና [[ግብጺ ኣብ ጁቡቲ ውዕላት ወደብን ጸዓትን ድሕሪ ምፍራማ ድሕሪ ሰሙናት፡ ቀ/ሚ_ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጅቡቲ ወደብ ዶራለህ ዑደት የካይድ፣ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ኣብ ቢሾፍቱ እምነ መሰረት ተነቢሩ፣ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ግን ነቲ ፕሮጀክት ብትሪ ይቃወሞ፣ ኤርትራ ፍሉይ ዘመናዊ ዲጂታዊ ስርዓተ ጉምሩክን ንግዲን ተተኣታቱ፣ ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ከቢድ መውጋእቲ ንዘለዎም 20 ተጋደል...
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (12 ጥሪ 2026) 12.01.2026 12:01
ቀንዲ ነጥብታት ናይ'ዚ ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (12 ጥሪ 2026) * ኣብ ባርዓት ሓዊ ግዝኣት ቪክቶርያ ቀዳማይ ግዳይ ሞት ዝኮነ ሰብ ተረጋጊጹ * ፈደራል መንግስቲ ነቶም ብምቅጻል ዝተጠቕዑ ማሕበረሰባት ኣብ ግዝኣት ቪክቶርያ ዝኸውን ክፍሊታት ሕውየት ኣበጊሱ * ፈስቲቫል ጸሓፍቲ ኣደላይድ ምስ ውሳነ ምስራዝ ተሳትፎ ፍልስጢማዊት-ኣውስትራልያዊት ራንዳ ዓብደል-ፋታሕ ብዝተኣሳሰር እናዓበዩ ዝከዱ ሳዕቤናት: ሰለስተ ኣባላት ቦርዱ ከሲሩ * ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ወዱ ነቲ ዝተዓልወ ሻህ ናይ ኢራን ንሃገሩ ክምለስን ንምስግጋር ናብ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ክመርሖን ድሉው'የ ይብል
ወደብ ባሕሪ ምርካብ ብዘተን ዲፕሎማስን ክፍጸም ኣለዎ (ቻይና)፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ቢሾፍቱ ንዝህነጽ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ይቃወም፣ 12.01.2026 9:05
ጸብጻባት ልኡኽና (12 ጥሪ 2026) * ግብጺ ኣብ ጁቡቲ ውዕላት ወደብን ጸዓትን ድሕሪ ምፍራማ ድሕሪ ሰሙናት፡ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጅቡቲ ወደብ ዶራለህ ዑደት የካይድ፣ * ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ኣብ ቢሾፍቱ እምነ መሰረት ተነቢሩ፣ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ግን ነቲ ፕሮጀክት ብትሪ ይቃወሞ፣ * ኤርትራ ፍሉይ ዘመናዊ ዲጂታዊ ስርዓተ ጉምሩክን ንግዲን ተተኣታቱ፣ * ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ከቢድ መውጋእቲ ንዘለዎም 20 ተጋደልቲ ኣብ ወፃኢ ክሕከሙ ይልእኽ፣ * ቻይና ወደብ ባሕሪ ምርካብ ብዘተን ዲፕሎማስን ክፍጸም ከምዘለዎ ተነጽር፣ መንግስቲ ሱዳን ናብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ...
በዓል ልደት ኣብ ኣስመራ፣ መቐለ፣ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ተኸቢሩ፣ ኤርትራ ተወሰኽቲ እሱራት ሃይማኖት ፈቲሓ፣ 08.01.2026 7:13
ጸብጻባት ልኡኽና (8 ጥሪ 2026) * በዓል ልደት ብኣመንቲ ክርስትና ኣብ ኣስመራ፣ መቐለ፣ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ተኸቢሩ፣ * ኤርትራ፡ ተወሰኽቲ እሱራት ሃይማኖት ፈቲሓ * ኣብ ክልል ዓፋር ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ መኪና ልዕሊ 20 ተሰድድቲ ሞይቶም * ሶማሊላንድ ፍቓድ በረራ መንገዲ ኣየር ጅቡቲ ሰሪዛ
እንቋዕ ናብ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብጽሓና! ትርጉሙ፣ ኣገባቡን ዕላምኡን ግን ንፈልጦ ዲና፧ መብርሂ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት 07.01.2026 10:11
ንኩልኹም በዓል ልደት ተብዕሉ ኣመንቲ ክርስትና ካብ’ዚ ካብ ኤስቢኤስ ትግርኛ እንቋዕ ኣብጽሓኩም ንብል። እዚ ንትርጉም፣ ኣገባብ ኣበዓዕላን መልእኽትን ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን በዓል ልደትን ዝምልከት ትሕዝቶ'ዩ። ቅድሚ ሕጂ ቆሞስ ኣባ ዮሃንስ ከበደ ካብ ኣደላይድ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያንን መምህር ብሩክ ገብረሊባኖስ ካብ ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም መልበርንን ካብ ዝሃቡና ሰፊሕ ትሕዝቶ ተጾሚቑ ዝቐርብ ዘሎ'ዩ።
Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.