SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Koniecznie odwiedź stronę podcastu i wesprzyj twórcę: www.sbs.com.au
Gdzie słuchać?
Podcasty w aplikacji Replaio Radio Już wkrótcePodcasty trafią do aplikacji już wkrótce. Zainstaluj teraz i jako pierwszy zobacz nowe podejście do podcastów
Odcinki
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (07 ጥቅምቲ 2026) 06.10.2026 4:39
** ሰልፊ ጥምረት ወጢንዎ ዘሎ ምጉዳል ስደተኛታት ኣብ ሰራሕተኛታት ክንክን ኣረጋውያን ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ተኣሚኑ... ** ብምሕንያት ጸገም ኩነታት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ መላእ ፈረንሳ ናይ ተቕዉሞ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ ** ኖቫክ ጆኮቪች ንሻብዓይ ግዜኡ ዋንጫ ቻይና ኦፐን ተዓዊቱ፡ #sbsaudiopodcast
ብድሆን ሜላን ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ወጻኢ ምስ ኪኢላ'ዚ ዓውዲ ዶክቶር ዮሃንስ ፍስሃ። 06.10.2026 21:49
ኣተሕሳስባ ቆልዑን ዓብይትን ብኸመይ ክሰማማዕ ይኽእል፧ ኣብ ውጻኢ ንዝዓዩ ቆልዑ፡ ኣተሓሕዛ ወለዲ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉን ካልእ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑን ብድሆታቱን ኣመልኪትና ምስ ዶክቶር ዮሃንስ ፍስሃ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት። #sbsaudiopodcast
"ንጸላእትና ዘገድሶም ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከይትነግስ ጥራይ'ዩ።" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ሓጸርቲ ዜና SBS ትግርኛ 6 ጥቅምቲ 2026) 05.10.2026 5:39
** ነቲ ለውጢ ክሊማ ኣብ ሃገራት ፓሲፊክ ዘሕደሮ ጽልዋ ስጉምቲ ክውሰድ መራሕቲ ሃይማኖት ጸዊዖም። ** ኦሎምፒክ 2032 ብተፈጥሮ፡ እንስሳ ዘገዳምን መንነትን ኲንስላንድ ዝተደገፈ ኣርማ ጸወታታት ብሪስበን ወግዓዊ ኮይኑ። ** ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ናይ መኽፈቲ ኣኼባ ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ክቕጽል መሪጹ። #sbsaudiopodcast
Why power is split, and how that protects you | How Australia Works - ንምንታይ'ዩ ስልጣን ዝከፋፈል፡ ከምኡ ምዃኑ ኸ ንዓኹም ከመይ ይሕልወኩም፧ | How Australia Works 05.10.2026 8:57
After receiving a fine for not wearing his motorbike helmet correctly, Hugo decides to have the matter heard in court. His story explains how Parliament, government and the courts have different roles, and how some official decisions can be questioned. - ናይ ሞተር ብሽግለታ ቆብዑ (ሀልመት) ብግቡእ ዘይምግባሩ መቕጻዕቲ ድሕሪ ምቕባሉ፣ ህዩጎ (Hugo) እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ክረኣየሉ ወሲኑ። ዛንትኡ ባይቶ፣ መንግስቲን ኣብያተ ፍርድን ከመይ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታትን ዕማማትን ኣለ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (05 ጥቅምቲ 2026) 05.10.2026 50:52
ንሎሚ 05 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (05 ጥቅምቲ 2026) 05.10.2026 9:43
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ የመን ዝካየድ ዉግእ ገዲዱ፡ ኣብ መሳለጥያታት ነዳዲ ሱዕዲ መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺ... ** ኣብ ተኣኪቦም ዝነበሩ ደገፍቲ ኒውካስል ናይትስ ብመኪና ረጊጹ 10 ሰባት ኣቑሲሉ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ወዲ 18 ዓመት መራሒ መኪና ዋሕስ ተኸልኪሉ።... ** ኣብ ግጥማት N-R-L ሲድኒ ሩስተርስ ናይዚ ዓመት ዋንጫ ዓቲራ፡... #sbsaudiopodcast
ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልያን ናይ ሓባር ዉሳኔአን ኣፍሊጠን… ጸብጻብ 04.10.2026 10:54
መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ኣፍሊጡ። ህወሓት ብወገኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ደብረዘይትን ሓዊስካ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ድሮን ሓላፍነት ወሲዱ። ኢትዮጵያ ንምትእትታው ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከሲሳ ፤ ኤርትራ ብወገና ንሸውሃት መስኮት ባሕሪ ዝግበር ምስምስ ምዃኑ ገሊጻ። ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ዘተ ሰላም ክምለሳ ኣተሓሳሲባ። ኣብ ግብጺ ዝተጋብኡ መራሕቲ ሃገራት ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ሶማልያን ሱዳንን ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፎም። #sbsaudiopodcast
መስርሕ ምምኽኻር ክለሳ SBS ጀሚሩ 04.10.2026 7:35
ብዙሓት ድርብ ቋንቋታት ዝዛረቡን ስደተኛታትን ስድራቤታት ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ምትእስሳርን ናይ SBS መደባት ብቛንቋኦም ኣብ ሬድዮ ናይ ምስማዕ ዝኽርታትን ኣለዎም። እቶም መደባት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተቐይሮምን ሰፊሖምን እዮም፣ ሕጂ ድማ፣ SBS ነቲ በብእዋኑ ዝቕየር ማሕበረሰባትን ድሌታትን ዘመናዊት ኣውስትራልያ ንምንጽብራቕ ዳግመ ክለሳ ኣገልግሎት ቋንቋኡ ንምክያድ ይዳሎ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ካብ 5 ጥቅምቲ ክሳብ 13 ሕዳር ዝቕጽል ናይ ህዝቢ ምምኽኻር ግዜ ድማ የካየድ ኣሎ። #sbsaudiopodcast
Seismic: The Manchester City scandal and what happens now? - ዘንቀጥቅጥ፡ ውርደት ማንቸስተር ሲቲን መጻኢ ኣንፈቱን፧ 04.10.2026 12:04
Manchester City appeals a ruling over 115 alleged financial breaches as questions grow over a decade of success. - ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር’ቲ ልዕሊ 100 ፋይናንሳዊ ሕግታት ጥሒሳ’ይሉ ገበነኛ ኮይኑ ዝረኸባ ውሳነ ይግባይ ኢላ’ላ። እቲ ውሳነ ነዛ ጋንታ ኣብ ማእከል ናይ’ቲ ዝዓበየ ውርደት ኣብ ታሪኽ ስፖርት ክኸውን ዝኽእል ከቐምጣ’ንከሎ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዘመዝገበቶም ውጽኢታትን ዓወታትን ድማ ምልክት ሕቶ ብምቕማጥ ኣብ ጠርጠራ የእትዮም ኣሎ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (01 ጥቅምቲ 2026) 01.10.2026 45:46
ንሎሚ 01 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ክትወድቕ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ፈሺሉ፡ (ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ 01 ጥቅምቲ) 01.10.2026 10:29
ኣርእስታት ዜና፥ ** ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር እስላም ዝተፈጸመ ምፍርራስ መቓብራት ይምርምር ኣሎ። ** መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ዝመርሕ ዝነበረ ፓይለት ብመሳርሕቱ ተወጊኡ ክትወድቕ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ፈሺሉ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሓደ መዕርፎ ነፋሪት ሱዕዲ ዓረብ ዓሊባ። ** ማንቸስተር ሲቲ ናይ 1.7 ቢልዮን ዶላር ፋይናንሳዊ ሕግታት ፕረምየርሊግ ብምጥሓሳ ገበነኛ ኮይና ድሕሪ ምኽሳሳን መቕጻዕቲ ክገጥማ ከምዝኽእል ተፈሊጡ። #sbsaudiopodcast
ሓደ ሰሙን ዝሓለፎ ሓድሕዳዊ ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ ። (ጸብጻብ) 30.09.2026 13:35
ኣብ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ኣብ 3 መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 50 ሰለማውያን ሰባት ብደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ዝርከቦም ወገናት እቲ ሓድሕዳዊ ኲናት ጠጠው ክብል ልዝብ ክጅምር ጸዊዖም። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምብራር ከምዝተኸልከለ ተገሊጹ። ምምሕዳር ዓፋርን ክልተ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ጉጅለታት ዓፋር ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ክብሉ ከሲሶም። ብሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉማጅ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ግብፂ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። #sbsaudiopodcast
"ኣብ ሆስፒታላት ኮረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ጉዳኣት ውግእ፡ ቍጽሮም ክሳብ 420 በጺሑ።" ሓካይም ብዘይ ዶብ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 30.09.2026 5:58
** ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝስጎጉ ስደተኛታት ክጅመር፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣፍቂዱ። ** ኣብ ሆስፒታላት ኮረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ጉዳኣት ውግእ፡ ቍጽሮም ካብ 180 ናብ 420 ክብ ከም ዝበለ 'ሓካይም ብዘይ ዶብ' (MSF) ኣፍሊጡ። ** መራሒት ሰልፊ ግሪንስ ኣውስትራሊያ ላሪሳ ዋተርስ ብስእነት ጥዕና ካብ ስልጣና ድህሪ ምውራድ እቲ ሰልፊ መራሒኡ ይመርጽ... #sbsaudiopodcast
መጠን ወለድ ልቓሕ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ግዚኡ ወሲኹ፡ 29.09.2026 9:15
ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራልያ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ግዚኡ ንዝቕባበ ንምግታእ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ መጠን ወለድ ወሲኹ። ወግዓዊ መጠን ገንዘብ ኣብ 15 ዓመታት ዝለዓለ ደረጃ 4.6 ሚእታዊት በጺሑ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነ ድማ ድሕሪ’ቲ ብሰሉስ ብ25 መሰረታዊ ነጥቢ ወሰኽ ምስ ኣርኣየ እዩ። ሰልፊ ጥምረት ምኽንያት ናይዚ ንወጻኢታት መንግስቲ ክወቅስ እንከሎ፡ ሰልፊ ሌበር ድማ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ ጠንቂ ምዃኑ የመልክት። #sbsaudiopodcast
ኣባላት ጸጥታ ፈደራል ዝርከብዎም ወከልቲ ትካላት ካብ ትግራይ ከምዝወጻኡ ተፈሊጡ ... ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (29 መስከረም 2026) 29.09.2026 6:43
** መንጐኛታት ቀጠር፡ ነቲ ኣብ ኢራን ዝግበር ዘሎ ኲናት ንምቁራጽ ሓድሽ ድፍኢት ንምግባር፡ ምስ ሰብ መዚ ኢራንን ኣመሪካን ይዛተዩ ኣለዉ... ** ሪዘርቭ ባንክ መጠን ወለድ ናብ 4 ነጥቢ-6 ሚእታዊት ክውስኽ ምዃኑ ክገልጽ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ወነንቲ ናይ ልቓሕ/ ሞርጌጅ ኣባይቲ ኣብ ቅድሚኦም ከቢድ ግዜ ከምዘሎ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።... ** ኣባላት ጸጥታ ፈደራል ዝርከብዎም ዓለምለኻዊ ወከልቲ ካብ ትግራይ ከምዝወጻኡ ተፈሊጡ ... #sbsaudiopodcast
Who really runs Australia, and where you fit in | How Australia Works - ኣውስትራልያ መን’ዩ ብሓቂ ዘካይዳን ዝመርሓን፣ ቦታኹም ከ ኣበይ’ዩ፧ | How Australia Works 28.09.2026 8:57
Do you know who can help you with a business permit, a rental problem or family support? Through the stories of Fedele, Carol and Abeer, learn how Australia’s three levels of government work. Find out what local, state or territory, and federal governments are responsible for and where to turn for help. - ኣብ ፈቓድ ንግዲ፣ ጸገም ገዛ ኽራይ ወይ ደገፍ ንስድራቤት መን ክሕግዘኩም ይኽእል ትፈልጡ ዶ፧ ብመንገዲ ዛንታታት ፈደለ፣ ካሮልን ኣቢርን ኣቢልኩም...
You are already inside the system | How Australia Works - እዛ ሃገር ኣብ ትጥቀመሉ ኣስራርሓ ሕጊ እትዋት ኢኹም | How Australia Works 28.09.2026 4:17
How do Australia’s governments, laws and public services affect your everyday life? Through real stories, this introduction to the series shows you where to start when you need information and support, and how to question a decision. - መንግስታት፡ ሕግታትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ኣውስትራልያ ንዕለታዊ ህይወትኩም ብኸመይ ይጸልዉዎ? ብሓቀኛ ዛንታታት ኣቢሉ፡ እዚ መእተዊ ናይ’ቲ ተኸታታሊ መደብ፡ ሓበሬታን ደገፍን ኣብ ዘድልየኩም እዋን ካበይ ትጅምሩን፡ ንሓደ ውሳነ ድማ ብኸመይ ትብድህዎን ትሓቱን...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (28 መስከረም 2026) 28.09.2026 47:43
ንሎሚ 28 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ጃፓን፥ ኣብዚ ዓመት 100 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም 100 ሽሕ ሰባት ዘለዉዋ ሃገር ብምዃን ክብረወሰን ሰይራ። 28.09.2026 8:23
ጃፓን፥ ኣብ ዓለም ፈላሚት ኣብዚ ዓመት 100 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም 100 ሽሕ ሰባት ብምህልዋ ንዝጸንሐ ክብረወሰን ሓሊፋቶ። ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ዕዮን ድሕነትን እታ ሃገር፡ ቁጽሪ ደቂ ሚእቲ ዓመት ጃፓን ንመበል 56 ተኸታታሊ ዓመት ወሲኹ ናብ 107,677 በጺሑ- ካብዚኦም 88 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን። ግን ብኸመይ? ብሓቂኸ ልዕሊ 100 ዓመት ክንበጽሕ ክንነብር ንደሊ ዲና? ... #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (28 መስከረም 2026) 28.09.2026 11:48
ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ፌደራል እቲ ቫይረስ እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዙርያ ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ንቕሓት ህዝቢ ንምዕባይ ዝዓለመ ሃገራዊ ወፍሪ ጀሚሩ፣ ። ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ኣብ መላእ ዓለም ብድኽነት፣ ግጭትን ምዝንባልን ዝተሃስዩ ሰባት ንምሕጋዝ ናይ ልዕሊ 810 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ቃል ኣትያ። ሆላንዳዊት ተቐዳዳሚት ደሚ ቮለሪንግ ኣብ ሞንትርያል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጽርግያ ደቂ ኣንስትዮ ዋንጫ ዓለም ተዓዊታ። #sbsaudiopodcast
ዓዀዄይ ዓዀዄይ ኲናት ውፃእ ሰላም እቶ . . . 28.09.2026 5:52
በዓል መስቀል፡ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን ኢይቶጵያን ኤርትራን፡ ነቲ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል፡ ን ኣማኢት ዓመታት ካብ ዝተቐበረሉ መሬት ዝወፀሉ ኩነት ንምዝካር ፡ ዳሜራ ኣንዲዶም፡ ዝዝክሩሉ በዓል እዩ። ኮይኑ ግና መስቀል መንፈሳዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ንባህሊ፡ ጥበብን ፍልስፍናን እዞም ማሕበረሰባት ዝፀሉ ትውፊት ኮይኑ ንረኽቦ። ሃይሉ ሳህለ ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ትግራይ ዝምልከት ዘቕረቦ..... #sbsaudiopodcast
ክንደይ ዝኣክል ሓበሬታ ጥዕና'ዩ OpenAI ብዝውንኖ AI Agent ተሰሪቑ፧ ብዛዕባ'ቲ ምስርሳር (hack) ኩሉ'ቲ ሓቂ ተነጊሩና ድዩ፧ 27.09.2026 9:34
ሓደ ኤጀንት OpenAI "ሓጹር ዘሊሉ" ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ/ፖርታል Medicare (ሜዲኬይር) ሰርሲሩ ኣትዩ። #sbsaudiopodcast
ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። ውግእ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀጺሉ፤ (ጸብጻብ) 27.09.2026 9:39
ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደጋ መጠንቀቕታ ኣብ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ዘርጊሑ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣድማዒ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከም ዘካየደ ተሓቢሩ። ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። ውግእ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀጺሉ፤ ኣብ ትግራይ ድማ ስልክን ባንክን ተዓፅዩ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 'ከም ገበን ኲናት' ክምርመር ጸዊዑ። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (24 መስከረም 2026) 24.09.2026 58:21
ንሎሚ 24 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ንጥፈታት ፐን ኤርትራን ምሽላም ጸሓፊ እምነቱ ተስፋይን፡ ዝርርብ ምስ ኣቦ መንበር ዓወት ፍስሃየ 24.09.2026 15:17
ኤርትራዊ ጸሓፋይን ተመራማሪ ታሪኽ ህይወትን ዝዀነ እምነቱ ተስፋይ፡ ኣብ ምጽሓፍ ታሪኽ ህይወት (ባዮግራፊ)ን ስነ-ጽሑፋዊ ምርምርን ብምውፋር፡ ታሪኻዊ ዝኽሪ ኤርትራ ብምስናድን ብምዕቃብን ንዘበርከቶ ሰፊሕ ኣስተዋጽኦ ብምግንዛብ፡ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን (PEN) ኤርትራ 2026 ኰይኑ ከም ዝተሸለመ፡ ፐን ኤርትራ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ገሊጹ ነይሩ። ብዛዕባ ስልማትን ካልእ ንጥፈታት ናይ ፐን ኤርትራ ኣመልኪትና ምስ ኣቦ መምበር ናይቲ ትካል ኣቶ ዓወት ፍስሃየ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት። #sbsaudiopodcast
Replaio nie jest wydawcą podcastów; nazwy audycji, okładki i audio należą do ich autorów i są rozpowszechniane przez publiczne kanały RSS