SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Koniecznie odwiedź stronę podcastu i wesprzyj twórcę: www.sbs.com.au
Gdzie słuchać?
Podcasty w aplikacji Replaio Radio Już wkrótcePodcasty trafią do aplikacji już wkrótce. Zainstaluj teraz i jako pierwszy zobacz nowe podejście do podcastów
Odcinki
ኤርትራ ንጻውዒት ሰላምን ምትሕብባርን ምስ ኢትዮጵያ ምላሽ እንተዘይሂብ "ኣዝዩ ከቢድ፡ ከቢድ ፡ ከቢድ ሳዕቤን" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ሓጸርቲ ዜናታት 21 ጥቅምቲ ) 20.10.2026 6:17
** ኣባል ፓርላማ ሀለን ሄንዝ ኣብ ከቢድን ግን ርጉእ ኩነታት ኣብዘላትሉ፡ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ ኩነታት ጸጥጣ መለጺ ክወሃቦም’ዩ ... ** መንግስቲ UK ንሱዕዲ ዓረብ ዝህቦ ወተሃደራዊ ድገፍ ከምዘስፍሖ ኣፍሊጡ... #sbsaudiopodcast
“ተበራቢረ፡ ንገዛእ ርእሰይ ድማ ረኺበያ’ለኹ።” ሃይለ ገብሩ 20.10.2026 51:30
ሃይለ ገብሩ፡ ብሰፊሕ ኣተሓሳስባኡ ዝፍለጥ፡ ኣብ ንእስነቱ “ኣምላኽ የለን” ንዝብል ኮሚኒስታዊ ኣተሓሳስባ ንምምጓት መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ዘንበበ ድሒሩ ግና ንማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ተቐቢሉ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝሰበኸሉ ኣተሓሳስባ’ዩ። ኣብ ጥቓ ሱዳን ብህዝባዊ ሓልታት ንኽልተ ዓመት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን ከምኡ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣውስትራሊያ ቅድሚ ኣስታት 30 ዓመት ዝኣተወ እዩ። ሃይለ ገብሩ ኣብ ፖሎቲካን ንግድን ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ለውጢ ኣምጺኡ ኣሎ። ብወዲ ማልታ ሓሳብን ጸሕፍን Edward de Bono ተጸልዩ ብ ደ ቦኖ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ደጋጊሙ ብምንባብ ኣብዚ ኣተሓሳስባ ምርኩስ ዝገበረ ናይ...
ኣባል ባይቶ ኣውስትራሊያ ብማኪና ተጋጭያ፡ ፖሎቲካዊ ምንህሃር ከይህሉ መጠንቀታታት ቀሪቡ፡ (ዕለታዊ SBS ዜና ትግርኛ 20 ጥቅምቲ) 19.10.2026 4:49
** ኣባል ባይቶ ኣውስትራሊያ ሄለን ሃንዝስ ብመኪና ድሕሪ ምውቃዓ፡ ፖሎቲካዊ ጎንጺ ተኾኒኑ። ** ኣብ ፈረንሳ ድሕሪ ዝተፈጸመ ጎኖጻዊ ዕግርግር ምጽርራይ ዕንወት ክግበር ጀሚሩ። ** ኣብ የመን ኣብ ዝርከብ ማእከል ታዕሊም ብሰለስተ ባሊስቲክ ሚሳይላት ሖቲ ተወቒዑ። #sbsaudiopodcast
How laws change, and why it takes time | How Australia Works - ሕግታት ከመይ ይቕየሩ፡ ንምንታይ ከ ግዜ ይወስድ፧ | How Australia Works 19.10.2026 7:22
How do laws change in Australia? Through Rodney Croome’s campaigns for human rights and marriage equality, learn how personal stories, community action, courts and parliament can help change the law, and why the process can take time. - ሕግታት ኣብ ኣውስትራልያ ከመይ'ዮም ዝቕየሩ፧ ሮድኒ ክሩም ብዘካየዶም ጎስጓሳት ንሰብኣዊ መሰላትን ማዕርነት መርዓን፣ ውልቃዊ ዛንታታት፣ ተበግሶ ማሕበረሰብ፣ ኣብያተ ፍርድን ባይቶን ከመይ ኢሎም ሓደ ሕጊ ክልወጥ ከምዝሕግዙን ንምንታይ እዚ መስርሕ ግዜ ክወስድ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 ጥቅምቲ 2026) 19.10.2026 47:46
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 ጥቅምቲ 2026) #sbsaudiopodcast
ን ኢትዮጵያ ዝገጥምዋ ዘለዉ ዕጡቓት፡ 'ሓይልታት ምግንጻል' ክብል ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ሩብዮ ገሊጽዎም፡ (ዕለታዊ ዜና 19 ጥቅምቲ 2026) 19.10.2026 10:49
ኣርእስታት ዜና፥ ኤውሮጳ ብሰንኪ ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ ብዝኻየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተታሒዛ ትርከብ፣ ኣብ ፈረንሳ፣ ቤልጅየም፣ ፖርቱጋል፣ ኣልባንያን ኢጣልያን ዓበይቲ ሰልፍታት ተኻይዶም። መንግስቲ ለበር ክፍለ ግዝኣት ቪክቶርያ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ምርጫ እንተተመርጹ፡ ኣብ ምሉእ ዓመተ 2027 ኣብ ሰሙን ክፍሊት ጽርግያታት (Road toll ) ካብ 30 ዶላር ንላዕሊ ከምዘይከውን ቃል ኣትዩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ተዛሪቡ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሓይልታት "ተገንጸልቲ" ኢልዎም። #sbsaudiopodcast
"ሰራዊት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘዋፍሩሉ እዋን፡ እቲ ኩነታት ናብ ዝሰፍሐ ግጭት ክዓቢ ዝኽእለሉ ሓደጋ ኣሎ።" ማርኮ ሩብዮ 18.10.2026 2:57
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሓይልታት "ተገንጸልቲ" ኢሉ ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዘይድግፍ ገሊጹ። #sbsaudiopodcast
Are immigration cuts an economic solution or a political strategy? - ምንካይ ቁጽሪ ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት ቁጠባዊ ፍታሕ ድዩ ወይስ ፖለቲካዊ ስትራተጂ? 18.10.2026 12:59
Australia's immigration debate has shifted dramatically. Despite no imminent federal election, both major parties are backing policies to reduce migration numbers and limit international students. - ክትዓት ብዛዕባ ኢሚግረሽን ኣብ ኣውስትራልያ ብዝለዓለ መጠን'ዮም ተቐይሮም። ክሳብ 2028 ፈረደራላዊ ምርጫ ዘይካየድ እንተኾን'ኳ ክልቲኦም ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንምቕናስ ቁጽሪ ፍልሰትን ምድራት ቁጽሪ ናይ ደገ ተመሃሮን ፖሊሲታተን ክሕግዙ'ዮም ኢለን ይማጎታ'ለዋ። #sbsaudiopodcast - #sbsaudiopod...
ሩስያ፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ክትሽምግል ተበጊሳ። (ጸብጻብ) 18.10.2026 7:34
ኣውስትራልያ ንደቀንስትዮ ኢትዮጵያ ንምትብባዕ ውጽኢታዊ ስራሕ ትሰርሕ ከም ዘላ ኣፍሊጣ። ኤርትራዊት ኣብነታዊት ኣንስተይቲ ሓረስታይ ሓንቲ ካብ ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ትካል መግቢ ሕቡራት ሃገራት ኮይና። ሩስያ፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ክትሽምግል ተበግሶ ወሲዳ። ህወሓት ብፌደራል መንግስቲ ንዝቖመ 'ሞጕዚት ምምሕዳር' ትግራይ ነፂጉዎ። ኣብ ጋምቤላ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም፤ ምዕጻው ጽርግያታት ንከተማ ጋምቤላ ምስ ከባቢኣ ከይትራኸብ ከም ዝገበረ ውን ተሰሚዑ። #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026) 15.10.2026 9:00
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራልያ ምስ ካልኦት ጉጅለ መራሕቲ ዓለም ብምዃን ነቲ ፕረዚደንት ፍልስጤም ሓፈሻዊ ምርጫ ንምንዋሕ ዝወሰዶ ውሳነ ኮኒናቶ። ** ምልሻታት ሑቲ የመን ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ ሓደ ብስዑዲ ዓረብ ዝውነን ኩባንያ ነዳዲ ባርዕ ዘስዓበ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ። ** ኣሰልጣኒ ካንጋሩስ ኬቪን ዋልተርስ ጋንትኡ ኣቐዲማ ክትዕወት ምዃና ገሊጹ። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026) 15.10.2026 49:57
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026) #sbsaudiopodcast
“ሰራዊት ኣብይ ንዓሰብ ክሕዝ ከምዘይክእል ሚእቲ ካብ ሚእቲ ርግጸኛ’የ።” ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ 14.10.2026 26:41
ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ሓድሕድ ኲናት ናብ ዶብ ኤርትራ ተጸጊዑ ይርከብ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋንነት ባሕሪ ብምልዓል ንወደብ ዓሰብ ናይ ምቁጽጻር ክኒኡ ሓሊፉ'ውን ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ዘረባታት ካብ መራሒኣ ኣትሒዝካ ብወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ ብጻዕቂ ይዝረበሉ ኣሎ። ብሓይሊ ወይ ብዲፕሎማሲ ወደብ ዓሰብ ከነምልስ ኣብዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወጥሪ ገዲዱ ኣሎ። እዚ ዘሎ ወጥሪ ናበይ ገጹ'ዩ ከምርሕ፧ ኤርትራ ንዝመጻ መጥቃዕቲ ክትምክት ዓቕሚ ኣለዋ ድዩ? ዝብሉን ምስዚ ዝተሓሓዝ ሕቶታትን ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘተኮረ ቃለ መሕትት። #sbsaud...
ሰራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ እትርከብ ከተማ ዛላንበሳ ተጸጊዖም። (ጸብጻብ) 14.10.2026 12:30
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ ሰራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ እትርከብ ከተማ ዛላንበሳ ከም ዝተፀገዐ ነበርቲ ኣረጋጊጾም። ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ንዝገሹ ዜጋታተን ሓድሽ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ዘውጽኣ ሃገራት ሸሞንተ በጺሑ። ብሰንኪ ኲናት ተደናጒዩ ዝጸንሐ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ናይ ዘመነ ትምህርቲ 2019 ዓ.ም ግእዝ ምምሃር ምስትምሃር ምጅማሩ ኣፍሊጡ። ሱዳን ኢትዮጵያ ንRSF ምድጋፍ እንተድኣ ኣቋሪጻ ዝርርብ ንምክያድ ድልውቲ ምዃና ገሊጻ። ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ኣብ ዓውዲ ምክልኻል ምትሕብባር ኣብ ዝኽእላሉ መንገዲ ከም ዝተዘራረባ ኣፍሊጠን። #sbsaudiopodcast
መስርሕ ፍርዲ ናይታ ኣብ ጀርመን ኣካላታ ተቖራሪጹ ዝተረኽበ ኤርትራዊት ስደተኛ ጀሚሩ። ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (14 ጥቅምቲ 2026) 14.10.2026 5:27
*** ነቲ ናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ ገዛ ኽራይ ገደብ ክግበረሉ ዝጽውዕ ድምጺ እናበዝሐ መጺኡ።... *** መስርሕ ፍርዲ ናይታ ኣብ ጀርመን ኣካላታ ተቖራሪጹ ዝተረኽበ ኤርትራዊት ስደተኛ ጀሚሩ። *** ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ድሕሪ ዘጋጠመ ቀታሊ መጥቃዕቲ ሑቲ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዋንጫ ኤስያ ስክፍታታት ጸጥታ ኣለዓዒሉ። #sbsaudiopodcast
ለውጢ ኣብ ቪዛታት ናይ ኣውስትራሊያ 14.10.2026 11:50
ልዕሊ 150 ሽሕ ዝቐረቡ ናይ ወለዲ ቪዛ መመልከቲታት ዉሳነ ኣብ ዝጽበይሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሕግታት ናይ በጻሕቲ ቪዛ ዝተገብረ ለውጢ፡ ምስ ኣረጋውያን ወለዲ ዳግማይ ምርኻብ ዝያዳ ከቢድ ክገብሮ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ንገሊኦም፡ ልዑል ወጻኢታትን ዝነውሐ ናይ ምጽባይ ግዜን፡ ኣብ መንጎ ምቕጻል ህይወት ኣብ ኣውስትራልያ ወይ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ምምራጽ ማለት እዩ። #sbsaudiopodcast
ስዑዲ ዓረብ ኣብ መዓርፎ ነፈርታ ሑቲ ንዝፈጸሞ ማዕበል መጥቃዕቲ ድሮናት ሕነ ከምትፈዲ ኣፍሊጣ። (ሓጸርቲ ዜናታት SBS 13 ጥቅምቲ 2026) 12.10.2026 6:31
** ጾታዊ ምዕሩይነት ዒላማ ዝገበረ ልዕሊ 460,000 ሰራሕተኛታት ደሞዞም ክውስኽ’ዩ... ** ስዑዲ ዓረብ ኣብ መዓርፎ ነፈርታ ሑቲ ንዝፈጸሞ ማዕበል መጥቃዕቲ ድሮናት ሕነ ከምትፈዲ ኣፍሊጣ... ** ሶማል፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘሎ ወጥሪ "ዘይሻራዊ" መርገጺ ከምትሕዝ ኣፍሊጣ። #sbsaudiopodcast
How laws are made, and how they affect you | How Australia Works - ሕግታት ከመይ ይወጹ፡ ንዓኹም ከ ከመይ ይጸልውኹም፧| How Australia Works 12.10.2026 4:17
How are laws made in Australia? Through Wurundjeri Elder Uncle Dave Wandin’s story of the Birrarung, also known as the Yarra River, learn how an idea becomes a bill, passes through Victoria’s parliament and receives royal assent, the formal approval that makes it law. - ኣብ ኣውስትራልያ ሕግታት ከመይ ይወጹ፧ ሽማግለ ዓዲ ዉራጁሪ ዝኾነ ዴይቭ ዎንዲን ብዛዕባ'ቲ ሩባ ያራ (Yarra River) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቡራሩንግ (Birrarung) እናዘንተወልኩም፣ ሓደ ሓሳብ ከመይ ኢ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (12 ጥቅምቲ 2026) 12.10.2026 47:57
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (10 ጥቅምቲ 2026) #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (12 ጥቅምቲ 2026) 12.10.2026 12:34
ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ጥምረት ካብ ገለ እማመታት ፖሊሲ ፓውሊን ሃንሰን ከም ዝረሓቐ እንተገለጸ’ኳ፡ ኣጀንዳ ኢሚግሬሽን ዋን ኔሽን ንዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣውስትራልያ ይጸልዎም ኣሎ ዝብል ስክፍታታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። መራሕቲ ናይቲ ብ ኮክሮች ጃንታ ፓርቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ምንቅስቓስ መንእሰያት ህንዲ፡ ፡ ኣንጻር ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምርጫ እታ ሃገር ተቓውሞኦም ክቕጽሉ ቃል ኣትዮም። ኣብ ኣብ ዉድድር ደቂ ተባዕትዮ መልበርን ማራቶን ኤልዮድ ኪፕቾገ ቀዳማይ ወጺኡ። #sbsaudiopodcast
ትራምፕ ንምንታይ’ዩ ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ማዕቀብ ዝገብረሉ ዘሎ፧ ንኣውስትራልያ’ኸ እዚ እንታይ ማለት’ዩ፧ 11.10.2026 10:09
ማዕቀባት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ICC ንመሻርኽቲ ሃገራት ክኸፋፍለን’ንከሎ ንኣውስትራልያ ድማ ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳኣ ሚዛን ሒዙ ከምዝኸይድ ክትገብር ገይርዎ’ሎ። #sbsaudiopodcast
"ተኣምራታዊ ጸረ መጥቃዕቲ ክንፍኑ ኢና።" መራሕቲ ህወሓት ካብ ዘይተገልጸ ከባቢ። (ጸብጻብ) 11.10.2026 10:00
ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ዘርጊሑ። ብተመሳሳሊ መገዲ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ብሰንኪ ኲናት ተቛሪጹ ዝጸንሐ በረራ ናብ መቐለ ተጀሚሩ። ሚንስተር ጌታቸው ረዳ ዝርከቡዎም ሰበስልጣን ፌደራል ኣብ መቐለን ዓዲግራትን ዑደት ኣካይዶም። ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፌዴራል ከም ትጸንሕ ተዛሪቡ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ብረት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጉድኣት ወሪዱ። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (08 ጥቅምቲ 2026) 08.10.2026 50:28
ንሎሚ 08 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (08 ጥቅምቲ 2026) 08.10.2026 10:50
** ብ ፌካ (FECCA) ዝፍለጥ ፈደረሽን ቤት ምኽሪ ማሕበረሰባት ኢትኒክ ኣውስትራልያ፡ ሰልፊ ጥምረት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዓብይ ምጒዳል ዝወጠኖ ቅድሚ ዉዱእ ምግባሩ ንማሕበረሰባት ስደተኛታት ክውከስ ተላብዩ። ** እስራኤል ንሳልሳይ ዓመት መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ብ7 ጥቅምቲ ዝኽሪ ጌራ። ** ሊዮነል ሜሲ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ ምስ ኣርጀንቲና ተጻዊቱ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ። #sbsaudiopodcast
ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወተሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክትስሕብ ሓቲታ: ኤርትራ ብወገና ነዚ ክሲ ምላሽ ሂባ። (ጸብጻብ) 07.10.2026 9:14
ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወተሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክትስሕብ ሓቲታ። ኤርትራ ብወገና ወተሃደራታ ናብ ትግራይ ኣትዮም ንዝብል ክሲ ምላሽ ሂባ። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወተሃደራዊ ትካላት ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕትታት ክፍጸሙ ይኽእሉ 'ዮም ክብል ኣጠንቂቑ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ስክፍታኡ ገሊጹ። ብሪጣንያ ብወገና ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ህይወት ዘድሕን ሓገዝን ዳግማይ ክጅመር ጸዊዓ። ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሶሎዳ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ 5 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ። ኢትዮጵያን እስራኤልን ብህሉው...
'ዮርዳኖስ ተወልደመድህን፡ ብምኽንያት እምነታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይታ ኣላ።' ተጣባቒ እሱራት ሃኒባል ዳኒኤል 06.10.2026 11:10
ኣደ ሓደ ቆልዓ ዮርዳኖስ ተወልደመድህን ን2ዓመትን 10 ወርሕን ብምኽንያት እምነታ ተኣሲራ ድሕሪ ምጽናሕ ብ ዕለት 28 መስከረም 2026 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ከምዝዓረፈት ካብ ኣባላት ስድራ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ተፈሊጡ ኣሎ። ብዛዕባ ዮርዳኖስን ኩነታት እሱራት ብእምነትን ዝምልከት ተጣባቒ ሃኒባል ዳኒኤል መብርሂ ሂቡ ኣሎ። #sbsaudiopodcast
Replaio nie jest wydawcą podcastów; nazwy audycji, okładki i audio należą do ich autorów i są rozpowszechniane przez publiczne kanały RSS