SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1443 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Be sure to visit the podcast's website and support the creator: www.sbs.com.au

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Nov 3, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android almost 10M downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 መስከረም 2024) 17.09.2024

ን ሎሚ 17 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ምስግጋር ሰባት ዝግበር ንጥፈት ን ምምካት ኣብ ስግረ ዶባት ዝግበር ምትሕብባር ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዝህሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ፡ ኣፍሊጡ። ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ሰባት ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ፈረንሳ ሓቢሩ። ኣብ ሱዳን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናዕቢ ብፍላይ ኣብታ ርእሲ ከተማ ሰሜን ዳርፉር ዝኾነት ኤል-ፋሸር ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መስከረም 2024) 16.09.2024

ንሎሚ ሰኑይ 16 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ፈለማ ን ዒድ መውሊድ ኣል-ነቢ ፡ ተኽብሩ ዘለኹም ኣመንቲ እንቋዕ ኣብጽሓኩም ክብል እፈቱ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ከተማ ሽረ ዝተጀመረ መድረኽ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብሰንኪ ረብሻ ተቛሪጹ። ብዛዕባ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ድማ ወተሃደራት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ሓቲቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መስከረም 2024) 16.09.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ንዩክረይን ዝወሃብ ብዙሕ ሓገዝ ንምግባር ተዳልያ ከም ዘላ ገሊጻ ። ኣብ ማራቶን ሲድኒ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ብኬንያዊ ብሪሚን ሚሶይ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብ ኢትዮጵያዊት ወርቅነሽ እዴሳ ሓድሽ መዝገብ ክብረ ወሰን ተመዝጊቡ ። ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ሓያል ጸቕጢ ክግበርን ንተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክግበረሎምን ጸዊዑ። ዒድ መውሊድ ኣል-ነቢ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክብ ዝበለ ስነስርዓት ተከቢሩ።

ናዝሬት ወልዱ መምርሒታት ዶፒንግ ብምጥሓሳ እገዳ ተነቢሩላ፡ ሓለፍቲ ኮሚተ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ብምስግጋር ሰባት ተኸሲሶም 15.09.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (16/09/2024) * ወርቅነሽ እዴሳ ኣብ ማራቶን ሲድኒ በሪሁ ኣረጋዊ ከኣ ኣብ ውድድር 5ሽሕ ሜ ኣብ ብራስልስ ተዓዊቶም፡ * ንፕረዚደንት ዶክተር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ ወሲኽካ መራሕቲ ኮሚተ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ፈጺሞም ተባሂሎም ተኸሲሶም፡ * ወናኒት ክብረወሰን ማራቶን ኤርትራ ናዝሬት ወልዱ ተደጋጋሚ መርመርመራታት ዶፒንግ ከይገበረት ብምትራፋ ን20 ኣዋርሕ ተኣጊዳ፡ * ኣብ ዞባዊ መጻረዪ ግጥማት ንኣፍኮን ት20 መንእሰያት ኢትዮጵያ ኣንጻር ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ክትገጥም በጺሕዋ፣ * አርሊንግ ሃላንድ ሽቶ ምምዝብ ኣብ ዝቐጸለሉ ማንቸስተር ሲቲ 100% ዓወታ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ት...

"ርክብ ሰበ-ስልጣን ትግራይን ኤርትራን ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዳግም ናብ ኲናት ዘይኣትዋሉ ክኸውን ኣለዎ።" ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ (ጸብጻብ) 15.09.2024

ኣብ ከተማ ሽረ ዝተጀመረ መድረኽ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብሰንኪ ረብሻ ተቛሪጹ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ርክብ ሰበ-ስልጣን ትግራይን ኤርትራን ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዳግም ናብ ኲናት ዘይኣትዋሉ ክኸውን ከም ዘለዎ ተዛሪቡ። ብዛዕባ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ድማ ወተሃደራት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ሓቲቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ሓያል ጸቕጢ ክግበርን ንተቓወምቲ መን...

Can we fight misinformation without threatening our freedom of speech? - SBS Examines: ናይ ምዝራብ ናጽነትና ኣብ ሓደጋ ከየእተና ግጉይ ሓበሬታ ከይዝርጋሕ ክንቃለሶ ንኽእል ዲና? 12.09.2024

There are calls to crack down on the sharing of misinformation online. But would this be an attack on free speech? - ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ወይ ኦንላይን ምዝርጋሕን ምክፋልን ክኽልከል መጸዋዕታታት ይቐርቡ'ለዉ። እዚ ግን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ነጻነት ምዝራብ ይኸውን ዶ፧

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 መስከረም 2024) 12.09.2024

ንሎሚ ሓሙስ 12 መስከረም 2024/ ወይ 2 መስከረም 2017 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን "ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላም ንክሰፍን ስምምዕ ፕሪቶርያ ክድንፍዕን ብህጹጽ መሊኡ ክትግበርን ተሰማሚዖም ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣፈላላዮም ብሰላማዊ መገዲ ክውድኡ ዋና ዳይሪክቶር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶከተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ጸዊዑ። ኣቦ መንበር ህወሓት፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልኣብ መንጐ ሰበስልጣን ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ዝነበረ ርክባት ኣመልኪቱ ንፈለማ ግዜ ተዛሪቡ። ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣ...

#70 Talking over a BBQ (Med) - ዕላል ኣብ ባርቢኲ (BBQ)፡ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 12.09.2024

Learn how to describe cooking at a barbecue. - Learn how to describe cooking at a barbecue.

ዕለታውዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 መስከረም 2024) 12.09.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መልበርን ኣብ ጥቃ ኤክስፖ ምክልኻልን ኣጽዋርን ብዝተኻየደ ሓያል ተቓውሞ ብውሑዱ 39 ሰባት ተኣሲሮም ኣለው ። ኣብ Blue Mountains ዝርከብ ቤት ክልተ ኣወዳት ፡ ብሰሉስ ኣቦኦም ተቐቲሎም ድሕሪ ምርካቦም ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ሓዘን ይርከብ ። በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት 2017 ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ብድሙቕ ጽምብል ተኸቢሩ።

ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣፈላላዮም ብሰላማዊ መገዲ ክውድኡ ዋና ዳይሪክቶር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ጸዊዑ። (ጸብጻብ) 11.09.2024

በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት 2017 ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ብድሙቕ ጽምብል ተኸቢሩ። " ከባቢታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ከምኡ ድማ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብና ሓራ ብምውፃእ ዕማም ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ክኸውን እዩ።" ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን "ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላም ንክሰፍን ስምምዕ ፕሪቶርያ ክድንፍዕን ብህጹጽ መሊኡ ክትግበርን ተሰማሚዖም ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣፈላላዮም ብሰላማዊ መገዲ ክውድኡ ዋና ዳይሪክቶር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶከተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ጸዊዑ። ኣቦ መንበር ህወሓት፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልኣብ መን...

ስነ ኮኾብ ደቀባት (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 11.09.2024

ኣብ ትሕቲ ዘብለጭልጩ ከዋኽብቲ ፡ ከምኡ "ውን ኣብ ዘይቁጸረሉ ዑደታት ወርሒ ፡ ባህልን ህላወን ቀዳሞት ኣህዛብ ኣውስትራልያ ፡ ኣሽሓት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ ። ብዛዕባ ፍልጠት ስነ ኰዀብ ንህይወትን ሕግን ቀዳሞት ሰባት ጸልይዎ እዩ ። ካብቲ ዘደንቕ ጋላክሲ ክሳዕ መትዮራይት ጋላክሲ: ከምኡውን ካብ እተፈላለየ መድረኻት ዓውደ ወርሒ ብዛዕባ ናይ ደቀባት ስነ-ኰዀብን ብዛዕባ ኰዀብን ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና ።

"ፕ/ ጌታቸው ረዳ ምስ ሰብ መዚ ኤርትራ ክራከብ ጸኒሑ'ዩ፡" ኣቦ መንበር ህውሓት ዶ/ር ደብረጽዮን። (ዜናታት 11 መስከረም 2024) 11.09.2024

ኣቦ ወምበር ዉድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝኽዕነ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ፕረሲደንት ግ/ምም/ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ክዘራረብ ከምዝጸንሐ ኣቃሊዑ። ኣብ መልበርን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ 14 ዓመት እታ ከተማ ዘይረኣየቶ ዝዓበየ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይግበር ኣሎ ። ኢራን ንሩስያ ኣብ ዩክረይን ክትጥቀመላ እትኽእል ባለስቲክ ሚሳይላት ትልእኽ ኣላ ብምባል ፡ እንግሊዝ ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ማዕቀብ ኣጽኒዐን ።

"ዑስማን ብዜማታቱ ጥራይ ዘይኮነ ብለውሃቱ ውን'ዩ ዝልለ።" ስምዒታት ስነጥበባውያን ብዛዕባ ዑስማን ዓብደልርሒም 10.09.2024

ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ ክግለጽ ቀንዩ ብዙሓት ድማ ኣድናቖቶምን ሓዘኖምን ይገልጹ ኣለዉ። ንገለ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተፈነወን ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ድምጻውያን ኣሕመድ ዓብደልርሒም ስዒድ ዓብደላ ከምኡውን ደራሲ መጽሓፍ ኢብራሂም ሓጅ ብዛዕባ ስነ ጥበባዊ ዑስማን ዓብደልርሒም ስምዒቶም ኣካፊሎሙና ኣለዉ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 መስከረም 2024) 10.09.2024

ኣውስትራሊያ ትሕቲ 14 ዓመት ንዝኾኑ ቆልዑ ማሕበራዊ መረኣኸቢ ንኸይጥቀሙ ዝእግድ ሕጊ ተተኣታቱ ኣላ ። ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝገብሮ ዘሎ ምሻምን ምስንባትን ሰበስልጣን ደው ከብል ፡ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ትግራይ ጀ/ታደሰ ወረደ ሓቲቱ ። እቲ ፍሉጥ ድምጺ ዝነበሮ ተዋሳኣይ James Earl Jones, ኣብ መበል 93. ዓመቱ ዓሪፉ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 መስከረም 2024) 09.09.2024

ንሎሚ ሰኑይ 09 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ን ድሮ ሓድሽ ዓመት 2017 ብሰላም ኣብጽሓኩም ንብል፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ጳጉመን እንታይ ማለትዩ? ሆየ ሆየ ንምንታይ ይበሃል? ወርሒ መስከረም ሓዲሽ ዓመት ክኸውን ንምንታይ ተመሪጹ? እዚ ሓዲሽ ዓመት ምስቲ ናይ ኣውሮጳዊያን እንታይ ብልጫን ፍሉይነትን ኣለዎ? ነዚን ካልእን ሊቃውንቲ ዝሃብዎ ትንታነታት ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሶማልያ ዘራጊ ንጥፈታት ትፍጽም ኣላ ክብል ከሲሱ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕልኽላኽ ንምፍታሕ ተፈላልዮም ዘለዉ ኣካላት ፖለቲካ ንምዝርራብ ይስራሕ ከም ዘሎ ጀነራል ታ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 መስከረም 2024) 09.09.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ንቆልዑ ሓዊሱ እንተወሓደ 33 ፍልስጤማውያን ቀቲሉ ክብሉ ሰበስልጣን ጥዕና ቓዛ ሓቢሮም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ፡ ብሰንበት ናብቲ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዝርከብ ጫካታት ፓፕዋ ኒው ጊኒ ብምኻድ ፡ ስርዓተ ቅዳሰ ኣካይዶም። ኣድነቕቲን ፈተውትን ስሙይ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ሓዘኖም እናገለጹ እዮም።

ብሰንኪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ወለድ፡ ብዙሓት ወነንቲ ኣባይቲ ገዛውቶም ክሸጡ ክግደዱ እዮም። 09.09.2024

ማእከላይ ባንክ ንገሊኦም ወነንቲ ቤት ብሰንኪ ቝጠባዊ ኵነታት ገዛውቶም ክሸጡ ክግደዱ ከምዝኾኑ ኣጠንቂቑ ። ኣመሓዳሪት ማእከላይ ባንክ ፡ ነቲ መጠን ወለድ ኸይጎደለ ክቕጽል እተገብረ ውሳነ ምኽንያት ክትገልጽከላ፡ ንናህሪ ዋጋ ንምቁጽጻር ዝተገብረ ፈተነ ምዃኑ ገሊጻ። እንተ ኣድልዩ'ውን መጠን ወለድ ክውስኽ እቲ ማዕጾ ክፉት ምዃኑ ገሊጻ ።

መጻምድታ ዝቐተላ ኡጋንዳዊት ኣትሌት ስፖርታዊ መሳለጥያ ኣብ ፓሪስ ብስማ ክጽዋዕ'ዩ፣ ያየሽ ጌጤ ኣብ ፓራሊምፒክስ ፓሪስ ቅያ ሰሪሓ፣ 08.09.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/09/2024) * ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ፓራሊምፒክስ ኢትዮጵያዊት ያየሽ ጌጤ ኣብ ውድድር 1500 ሜ ደቀንስትዮ ዓይነስውራን ተዓዊታ ካልኣይ ወርቂ ንኢትዮጵያ ኣምጺኣ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ ሳልሳይ ክወጽእ እንከሎ ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃ ኸኣ ኣብ ኢጣልያ ዘዕግብ ምንቅስቓስ ኣርእዩ፣ * ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2025 ኢትዮጵያ ኣንጻር ታንዛንያ ገጢማ ብዘይሽቶ ማዕረ ክትፈላለ እንከላ ኣንጻር ዲ ኣር ኮንጎ ሎሚ ምሸት ወሳኒ ግጥም ይጽበያ፣ * ኡጋንዳዊት ኣትሌት ኬንያዊ መጻምድታ ነዳዲ ከስኪሱ ብሓዊ ኣቃጺልዋ ኣብ ዝተባህለሉ መጥቃዕ...

ኣድነቕቲን ፈተውትን ፍሉጥ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ሓዘኖም ይገልጹ። (ጸብጻብ ልኡኽ) 08.09.2024

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሶማልያ ዘራጊ ንጥፈታት ትፍጽም ኣላ ክብል ከሲሱ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕልኽላኽ ንምፍታሕ ተፈላልዮም ዘለዉ ኣካላት ፖለቲካ ንምዝርራብ ይስራሕ ከም ዘሎ ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዛሪቡ። ኣመሪካ ብኲናት ትግራይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘንበረቶ እገዳ ተናዊሑ ኣማኢት ኤርትራውያን ብሓይሊ ካብ ቱርኪ ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ተገሊጹ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 መስከረም 2024) 05.09.2024

ንሎሚ ሓሙስ 5 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወኒ ኣለዎ ብዝብል ምስ ሶማሌላንድ ዝፈረመቶ መሰማምዒ ዉዕል ስዒቡ፡ ምስ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ኣትያ ኣላ፡ ግብጺውን ምስ ምግዳብ ኒል ተተሓሒዙ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ምስሕሓብ ዳግም ኣትያ ኣላ፡ እዚ ኩነታት ነቲ ዞባ ከመይ ክጸልዎ እዩ። ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ሖቲ ኣንጻር ምዕራባዊያን መራኽብ ንግዲ ዝገብሮ ዘሎ ግጭት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሓፈሻ ኣብ ባሕሪታት ኤርትራ እንታይ ጽልዋ እዩ ፈጢሩ ዘሎ፧ ጅቡቲ ኢትዮጵያ ባዕላ ከተመሓድሮ ትኽእል ወደብ ክትህባ ሓሳብ ኣቕሪባ ኣላ። እዚ ቦታ ኣብ መንጎ ማያት ኤርትራን ጂቡቲ...

ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 መስከረም 2024) 05.09.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ካብ ቓዛ ንዝሃደሙ ፍልስጤማውያን ንምዕጋት ዝውሰድ ዘሎ ብዝተሓሓዝ ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ቪዛ መስርሕ ተነቒፉ ። ኣብ ጋዛ ተኹሲ ደው ንምባል ብዘይዕረፍቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ገሊጹ ። ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መራሕቲ ዝሳተፉሉ ዋዕላ ቻይና ኣፍሪቃ ጀሚሩ።

ምጥቃም ሞባይል ካንሰር ርእሲ የስዕብ ድዩ፧ ብዛዕባ’ዚ ዝወጸ መጽናዕቲ መልሲ ሂቡ ኣሎ። 05.09.2024

ምጥቃም ተንቀሳቓሲ ስልክን ወይ ሞባይልን ሓንጎልን ከምኡ "ውን መንሽሮ ርእስን ምትእስሳር ከምዘየለ - ውድብ ጥዕና ዓለም ዝመዘዞ መጽናዕቲ ተመራመርቲ ኣረጋጊጹ ። እቶም ተመራመርቲ ከም ዝገልጽዎ ፡ እቲ መጽናዕቲ ፡ እቲ ካብ ገመድ ኣልቦ ቴክኖሎጂ ዝመጽእ ማዕበላት ሬድዮ ንደቂ ሰብ ኣይጐድኦምን እዩ ፣ ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ስዒቡ ይቐርብ ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ከይበርር ከም ዘይተኸልከለ ገሊጹ። (ካብ ጸብጻባት) 04.09.2024

ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣንጸላልዩ ዘሎ ወጥሪ ተመያይጦም። ፍሉይ ልኡኽ ሑቡራት ኣሜሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምርሕ ምዃኑ ተገሊጹ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ከይበርር ከም ዘይተኸልከለ ገሊጹ። ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ዝፈተኑ ቆልዑ ዝርከቡዎም 12 ስደተኛታት ብዘጋጠሞም ሓደጋ ጃልባ ከምዝሞቱ ሰብመዚ ፈረንሳ ገሊጾም።

ክንክን ጥዕና ስኒ ኣብ ኣውትራሊያ: 04.09.2024

ኣብ ኣውስትራሊያ ክንክን ጥዕና ስኒ ከመይ ከምዝሰርሕ ምርዳእ ጥዕናኻን ድሕንነትካን ንምሕላው ኣገዳሲ እዩ ። ኣብዚ ትሕዝቶ'ዚ ፡ መሰረታዊ ናይ ዓበይትን ህጻናትን ሕክምና ስኒ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዝኾነ ክንርእ ኢና ፡ንዓኹምን ንስድራቤትኩምን ፍሽኽታኹም መታን ክኹላዕ እዚ ኣገልግሎታት ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል ፡ ወጻኢታቱ ፡ ከምኡ "ውን ገለ ኣገደስቲ ምኽርታት ናይ ስኒ ጥዕና ክንድህስስ ኢና።

"ብዘይፈለጥናዮ ምኽንያት፡ ኣብ ኣስመራ ዘለና ገንዘብ ከነውጽእን ክንጥቀመሉን ተኸልኪልና፡” መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ (ዜና SBS ትግርኛ 04 መስከረም 2024) 04.09.2024

ንሎሚ 4 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም፡ ኣርእስታት ዜና፡ "ብዘይፈለጥናዮ መገዲ፡ ኣብ ኣስመራ ዘለና ገንዘብ ከነውጽእን ክንጥቀመሉን ተኸልኪልና፡ በዚ ድማ ናብ ኣስመራ በረራ ደው ከነብሎ ተገዲድና ” ክብል መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኣብ ዩክረይን ከተማ ፖሊታቫ ፡ ብሚሳይል ሩስያ እንተ ወሓደ 51 ሰባት ሞይቶም ፡ ልዕሊ 200 ካልኦት ድማ ቝሲሎም ። ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ኡጋንዳ ቦቢ ዋይን ኣብ ከተማ ካምፓላ ብኣባላት ጸጥታ ብዝተተኮሰሉ ጥይት እግሩ ተወጊኡ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.