SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1443 episodes

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Be sure to visit the podcast's website and support the creator: www.sbs.com.au

Author

SBS

Category

News

Podcast website

www.sbs.com.au

Latest episode

Nov 3, 2026

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android almost 10M downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 መስከረም 2024) 30.09.2024

ንሎሚ ሰኑይ 30 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ድሕሪ ዜና፡ ኣብዚ እስራኤል ካብ ቓዛ ሓሊፉ ናብ ሊባኖስ ሊሒሙ ዘለወሉ እዋን መራሒ ሕዝቦላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቀቲሉ ይርከብ፡ ነዚ ኣመልኪትና ሓሳን ናስራላህ መንዩ፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ብዛዕባኡ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ቀዳማይ ገጽ ፕሮጀክት ‘ምምሕያሽ ቀረብ ኤለክትሪሲቲ፡ ተዛዚሙ። ፕረዚደንት ጌታቸው መሪሕነት ህወሓት ምስ መሪሕነት ኤርትራ ጀማሩዎ ዝነበረ ዝርርብ ኣመልኪቱ ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ። ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ኢትዮጵያን ንዝወሃብ ልቃሕ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ሶማልን...

እቲ እስራኤል ዝቐንጸለቶ መራሒ ሕዝቡላህ ሓሰን ናስራላህ መን'ዩ ነይሩ፧ 30.09.2024

ኣብ 1992 መሪሕነት ህዝቦላሕ ተረኪቡ ክሳብ ሕጂ ክመርሕ ዝጸንሐ ሓሰን ናስረላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ዋና ከተማ ሊባኖት ተቐቲሉ ኣሎ። ናስራላህ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ምስ እስራኤል እተገብረ ውግእ ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ዝቕየር ብምግባርን ሓደ ካብቶም ኣብ ወለዶታት ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮም ዓረባዊ ጕጅለ ከም ዝኸውን ብምግባርን እዩ ንወተሃደራዊ ጉጅለ ሕዝቡላህ መሪሑዎ ። ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ በይሩት ርእሲ ከተማ ሊባኖስ ኣብ እተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር ከም እተቐትለ ገሊጻ ኣላ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ መንጎ ሕዝቦላን እስራኤልን ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ደይ...

ማራቶን በርሊን ሚልከሳ መንገሻን ትዕግስት ከተማን ተዓዊቶሞ፣ ታደይ ፖጋቻር ሻምፒዮን ዓለም ኮይኑ፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ደሓን ተርታ ወዲኡ፣ 29.09.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (30/09/2024) * ፍርቂ ዘመኑ ኣብ ዘኽበረ ማራቶን በርሊን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ጾታታት ብዓብላሊ ተዓዊቶሞ፣ * ጽገ ድጉማ ኸኣ ኣብ ውድድር 800 ሜ ኣብ ኣሜሪካ ተዓዊታ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኋንግሻን፣ ቻይና፣ ኤርትራዊ ዮኤል ሃብተኣብ ሳልሳይ ወጺኡ፣ * ታደይ ፖጋቻር ሻምፒዮን ዓለም ቅድድም ብሽግለታ ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ዙሪክ፣ ስዊዘርላንድ፣ ከኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዝለዓለ ውጽኢት ንኤርትራ ኣመዝጊቡ፣ * ኬንያ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን 2025 ብሓባር ከአንግዳ ተሰይመን፣ * ብሪዝበን ላዮንስ ሻምፒዮን ፉቲ ኣውስትራልያ ኮይና፣...

ኣብ ኤርትራ ቀዳማይ ገጽ ፕሮጀክት ‘ምምሕያሽ ቀረብ ኤለክትሪሲቲ፡ ተዛዚሙ። 29.09.2024

ተሳትፎ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ኣኼባ መሓዙት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት። ፕረዚደንት ጌታቸው መሪሕነት ህወሓት ምስ መሪሕነት ኤርትራ ጀማሩዎ ዝነበረ ዝርርብ ኣመልኪቱ ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ። እቲ ፕረዚደንት ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ኣብ ሓፂር እዋን ክምለሱ እዮም፣ እዚ ድማ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ይውዳእ ኣሎ -ክብል ውን ተዛሪቡ። ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ኢትዮጵያን ንዝወሃብ ልቃሕ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ሶማልን ንዘለዎም ምስሕሓብ ኣብ መድረኽ ሕ/ሃ ኣቕሪቦም ኢትዮጵያ፣ ብወደብ በርበራ ነዳዲ ንምእታው ወጢና ከምዘላ ኣፍሊጣ።

Is democracy on the decline in Australia? - SBS Examines: ደሞክራሲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ምንቁልቋል ድዩ ዝርከብ፧ 28.09.2024

Home Affairs Minister Clare O’Neil has labelled democracy our most precious national asset. But some people say it’s at risk. - ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትራሊያ ክለይር ኦ'ኒይል ንዲሞክራሲ እቲ ኣዝዩ ዝኸበረ ሃገራዊ ጥሪትና ኢላ ሰይማቶ። ገለ ሰባት ግን ኣብ ሓደጋ'ዩ ዘሎ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 መስከረም 2024) 26.09.2024

ንሎሚ ሓሙስ 26 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው መሪሕነትን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ካልኣይ ክፋልን ናይ መወዳእታን ዘተ ክቐርብ እዩ። ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ኤርትራውያን ነጠፍቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ትግራይ ን620 ዝተጸገሙ መራሕቲ ስድራ ነበርቲ ከተማ ኮረም ሓገዝ ከም ዝገበሩ ተገሊጹ። ኣብ ከባቢ ዘላምበሳ ናይ ወተሃደራት ኤርትራ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዝናፈሱ ዘለው ዜናታት ካብ ክውንነትን ሓቅን ዝረሓቐ ምዃኑ ምምሕዳር ከተ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 መስከረም 2024) 26.09.2024

ኣርእስታት ዜና፥ መጥቃዕትታት እስራኤል እተፈላለየ ክፋላት ሊባኖስ ፡ ቀጺሉ። ኣብታ ሃገር ሓሙሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ሰባት ተመዛቢሎም ኣለዉ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ ኣፍሊጡ። ፕረ/ ጆ ባይደን ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ውግእ ከም ዝፈሸለን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ግጭት ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክርከብ ይኽእል’ዩ ኢሉ። ታይላንድ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ቀዳመይቲ ሃገር ማዕርነት መውስቦ ብወግዒ ዝተቐበለት ሃገር ኮይና።

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዘላምበሳ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዝናፈሱ ዘለው ዜናታት ካብ ክውንነት ዝረሓቐ እዩ።" ምም/ከተማ ዓድግራት። 25.09.2024

ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኤርትራውያን ነጠፍቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ትግራይ ን620 ዝተጸገሙ መራሕቲ ስድራ ነበርቲ ከተማ ኮረም ሓገዝ ከም ዝገበሩ ተገሊጹ። ኣብ ከባቢ ዘላምበሳ ናይ ወተሃደራት ኤርትራ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዝናፈሱ ዘለው ዜናታት ካብ ክውንነትን ሓቅን ዝረሓቐ ምዃኑ ምምሕዳር ከተማ ዓድግራት ኣፍሊጡ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንዘስምዖ ነቔፈታ ግብረ-መልሲ ሂቡሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ይነብሩ ዝነበሩ 780 ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ።

ሊባኖስ ካልእ ቓዛ ከይትኸውን ተሰጊኡ፡ ሕዝቦላህን እስራኤልን ምጥቕቓዕ ደው ከብላ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ። 25.09.2024

እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ክልተ መዓልታት መጥቃዕቲ ብ ኣየር፡ ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ሕዝቦላህ ዝርከቦም 600 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ካብቲ ብ2006 እተገብረ ውግእ ንደሓር ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላን ዝኸፍአ ውግእ ተባሂሉ ዘሎ ንገለ ክፋል ርእሰ ከተማ ሊባኖስ በይሩት ኣዕንዩ ኣሎ ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዘሎ ግጭት ኣብ ጋዛ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንኽልቲኦም ወገናት እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ናብ ዞባዊ ውግእ ከየምርሕ ንድሕሪት ክምለሱ ይጽውዑ ኣለዉ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መስከረም 2024) 25.09.2024

ንሎሚ 25 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ሊባኖስ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ፡ ባይቶ ጸጥታ ዉዱብ ሕ ቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ኩነታት ይእከብ። ህንዲ ሓድሽ ዓይነት ሕማም በዲዶ ህበይ ከምዘጋጠማ ተፈሊጡ። ኣብቲ ሎሚ ዝወጽእ ቁጠባዊ ኣሃዛት መጠን ዝቕባበ ከምዝወርድ ትጽቢት ይግበር።

#71 Talking about being scammed (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ብዛዕባ ምጥፍፋእ ወይ ስርቂ (scammed) ምዝርራብ 24.09.2024

Learn how to communicate about suspicious messages and scams. - ብዛዕባ ተጠርጣሪ መልእኽትን ምጥፍፋኣትን ብኸመይ ከም ትዘራረብ ተመሃር። Learn how to communicate about suspicious messages and scams.

ኣብ ዝባን ናሕሲ ገዛኹም ሶላር ንምትካል ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገራት፡ 24.09.2024

ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ምዉቕ ክሊማ ፡ ኣብ ምሉእ ዓመት ማእለያ ዘይብሉ ቀረብ ጸሓያዊ ጸዓት ስለ ዝህብ ፡ ኣብ ቀረብ ኤለክትሪክ እታ ሃገር ዝለዓለ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ ። ኣብ 2021-22 እዋን ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ጸሓያውን ንፋሳውን ጸዓት ፡ ንፈለማ ግዜ ካብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዝበልጽ ከምዝኾነ፡ ቤት ፅሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራልያ (ኤ.ቢ.ሲ) ጸብጺቡ ኣሎ ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣድላይነት ተሓዳሲ ጸዓት ንምምላእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዘጕልሕ ኰይኑ ፡ ነቲ ናብ ቀጻሊ ንጥፈታት ጸዓት ዝግበር ሰፊሕ ስርሒት ዘንጸባርቕ እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብ ኣብ ገዛኻ ከመይ ጌርና ጸሓያዊ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 መስከረም 2024) 24.09.2024

ንሎሚ 24 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት አቕርበልኩም ፈለማ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ሊባኖስ ካብ 2006 ኣትሒዙ ዘይተፈጸመ ን ብዙሓት ህዝቢ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ሶማልያ ካብ ግብጺ ዝተፈላለዩ ከበድቲ ኣጽዋር ተቐቢላ። ሓድሽ ናይ ህዝቢ ድምጺ መዐቀኒ ከምዝገለጾ ኣውስትራሊያውያን ን ሰልፊ ለበር ይጥንጥኑ ኣለው።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 መስከረም 2024) 23.09.2024

ንሎሚ ሰኑይ 23 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጉዕዞ ስደት ብዙሕ ግዜ ዘየተኣማምንን ኣብ ዘይተጸበኻዮን ተርእዮታት ዘጋጥም እዩ ። ሞት እተፍቅሮ ሰብ ወይ ፈታዊኻ ምስዘጋጥም እንታይ ክግበር ከም ዝግባእ ክሕርብተካ ይኽእል ። ኣብ ኣውስትራሊያ ስርዓተ ቀብሪ ብኸመይ ከምዝካየድ ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ብዛዕባዚ ሓደ ትሕዝቶ ከነቕርብ ኢና ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራን ቅድስት ሉቺያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምምስራት ከም ዝጀመራ ገሊጸን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: ካብ መንግስቲ ወጻእ ዝግበር ሓደሽቲ ምደባታት ሓላፍነት መንግስቲ ፈተነ ከይግበር ኣተሓሳሲቡ ዜጋታት ግብፂ ናብ ርእ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 መስከረም 2024) 23.09.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኢራን ኣብ ሓደ ናይ ከሰል ዕደና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 51 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ፣ ሓያሎ ካልኦት ከኣ ቆሲሎምን ጠፊኦምን ። ሪፐብሊካዊ ተወዳዳሪ ንፕረሲደንት፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሕዳር 5 ዝካየድ ምርጫ እንተዘይተዓዊቱ ንራብዓይ ተኸታታሊ ግዜ ኣብ ናይ ኣመሪካ ዉድድር መሪሕነት ከም ዘይሳተፍ ገሊጹ። ኣኼባ ኣካያዲት ኮሚተ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ብምኽንያት ሕማም በዲዶ ህበይ ካብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሓላሊፉ፣

ሎዛ ኣበራ ኣብ ኣሜሪካ ክትጻወት ውዕል ኩዕሶ እግሪ ፈሪማ፣ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ሓንቲ ስጳኛዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ፈሪሙ፣ 22.09.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (23/09/2024) * ኣኼባ ኣካያዲት ኮሚተ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ብምኽንያት ሕማም በዲዶ ህበይ ካብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሓላሊፉ፣ * ኢትዮጵያዊት ሎዛ ኣበራ ኣብ ፕሮፈሽናል ኩዕሶ እግሪ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትጻወት ውዕል ዝፈረመት ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ሃገራ ኮይና፣ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ስጳኛዊት ፕሮ-ኮንቲነንታል ቲም ጋንታ በርጎስ-ቢኤች ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ተፈራሪሙ፣ * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ተጀሚሩ፣ ኣብ’ቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰንበት ዝካየድ ቅድድም መንገዲ ኤርትራ ዝለዓለ ቁጽሪ ኤሊት ተቐዳደምቲ ከተሰ...

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: ካብ መንግስቲ ወጻእ ዝግበር ሓደሽቲ ምደባታት ሓላፍነት መንግስቲ ፈተነ ከይግበር ኣተሓሳሲቡ። 22.09.2024

ኤርትራን ቅድስት ሉቺያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምምስራት ከም ዝጀመራ ገሊጸን። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: ካብ መንግስቲ ወጻእ ዝግበር ሓደሽቲ ምደባታት ሓላፍነት መንግስቲ ፈተነ ከይግበር ኣተሓሳሲቡ። ዜጋታት ግብፂ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንከይገይሹ ኤምባሲ ግብፂ ኣብ ሶማል ኣጠንቂቁ:።

"ፖሎቲካ ኤርትራን ትግራይን ኣብ ኢድ ጀነራላት ከይወድቕ እሰግእ።" ጋ/ሰናይ፡ "እዚ ዘሎ ኩነታት እንተዘይተፈቲሑ ትግራይ ኣይክትህሉን'ያ" ተጋ/ ሃይለ 22.09.2024

ካል ኣይ ክፋል ዘተ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ መበገሲኡን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ዝርርብ።

ዋንነት ውድብ ህወሓት ሓድሽ መካትዒ ዛዕባ ኮይኑ ቀጺሉ። 19.09.2024

ኣብ ዜጋታት ዘነፃፀረ ጭውያ ተጋዲዱ ይቕፅል ኣሎ ክብሉ ስድራ ግዳያት ነበርቲ ወረዳ ጉሎመኸዳ ገሊጾም። ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩን ካልኦትን ብሰንኪ ውግእ ሕድሕድ ኣዝዩ ተኣፋፍን ውሑስ ብዘይኮነ መንገድን ናብ መረበቶም ክምለሱ ይግደዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ቱርኪየ ንሳልሳይ ዙር ሽምግልና ኢትዮጵያ-ሶማል ብማዕዶ ከተካይድ’ያ ተባሂሉ። ኣፍሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ወንበር ክህልዋ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሓቲቱ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (19 መስከረም 2024) 19.09.2024

ንሎሚ ሓሙስ 19 መስከረም 2024/ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ መበገሲኡን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ዝርርብ ቀዳማይ ክፋል ክቐርብ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓባር ምክራይ መንበሪ ገዛ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰባት ንናይ ገዛ ክራይ ዝግበር ወጻኢታት ንምቑጣብ ምስ ኻልኦት ኮይኖም ብሓባር ገዛ ንምኽፋል እዩ ነዚ ዝ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 መስከረም 2024) 19.09.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ በይሩትን ኣብ ካልእ ክፋል ሊባኖስን ፡ መስራሕታት መዛረቢታት ዎኪቶኪን መሳርሒ ጸሓያዊ ጸዓት ተባሪዖም ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ። ገዛውቲ ንዝዕድጉ ሓገዝ ንኽረኽቡ ብሰልፊ ለበር ዝወጸ ሕጊ ኣብ መንጎ እቲ ሰልፍን ሰልፊ ግሪንስ ን ኣዋርሕ ዘተ ክግበር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ደውታ በጺሑ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ኣብ ኤርትራ ጋዜጣታት ብሕቲ ዝተኣገዳሉ መበል 23 ዓመት ይዝክሩ ኣለዉ።

"ምትህልላኽ እንተመጺኡ ትግራይ ክትብተን እያ።" ተጋ/ ሃይለ፡ "ሓይልታት ጸጥታ ንፖለቲካ ትግራይ ከይቋጻጸርዎ ስግኣት ኣለኒ።" ጋ/ሰናይ 18.09.2024

ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ መበገሲኡን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ዝርርብ። (ቀዳማይ ክፋል)

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2024) 18.09.2024

ንሎሚ 18 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሊባኖስን ገለ ክፋላት ሶርያን ብኣማእታት ዝቝጸሩ ብኢድ ዝትሓዙ ተተኮስቲ ተፈንጂሩ ፡ ብዙሓት ሞይቶምን ኣሻሓት ቆሲሎምን ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብዛዕባ ኣብታ ግዝኣት 10 ደቀባት ምጥፋኦም ኣፍልጦ ንምርካብ ሰልፊ ኣካይዶም ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓደጋ ከይተወርድ ዓቢ ስግኣት ፈጢራ ዝጸንሐት መርከብ ነዳዲ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝገዓዘት ተፈሊጡ።

ምርዳእ ብሓባር መንበሪ ገዛ ምክራይ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 17.09.2024

ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓባር ምክራይ መንበሪ ገዛ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰባት ንናይ ገዛ ክራይ ዝግበር ወጻኢታት ንምቑጣብ ምስ ኻልኦት ኮይኖም ብሓባር ገዛ ንምኽፋል እዩ ። ነዚ ውሳነ እዚ ክትገብር ከለኻ ፡ እንታይ ቀንዲ ረቛሒታት ኢኻ ኣብ ግምት ከተእቱ ዘሎካ ? ከመይ ጌርካኸ ኢኻ ካብ ምጥፍፋእ ወይ ስካም ክትድሕን እትኽእል ? ኣብዚ ናይ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ብዛዕባ ምስ ብሓባር መንበሪ ገዛ ምክራይ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ክንድህስስ ኢና ።

ወናኒት ክብረወሰን ማራቶን ኤርትራ ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ን20 ኣዋርሕ ኣብ ቅድድማት ዓለም ከይትሳተፍ ንምንታይ ተኣጊዳ፧ 17.09.2024

ኤርትራዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ክልተ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ኣብ ዝለዓሉ 10 ተርታታት ዝወዳኣቶምን ናይ ክልተ ሰዓትን 20 ደቒቕን 29 ካልኢት ወሲኽካ ብሉጽ ግዜ ዘመዝገበትሉ ሃገራዊ ክብረ ወሰን ዝተመዝገበላን ወሲኽካ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ማራቶን ሓንቲ ካብተን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ዝጸንሐት እያ።

Listen to the SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.